ሳልሳይ ክፋል - ጥማዕ ዝኽርታተይ ምዕራፍ 5 ካብ በረኻታት ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ሓጺር ትረኻ ተመክሮይ
- Semere Solomon

- Aug 8, 2025
- 15 min read
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
5.1 ኣብ ዓለምለኻዊ ልምዓት ምስራሕን ብቕዓት ምድላብን
ሃገር ድሕሪ ምልቃቐይ፡ ኣብ ፖሊሲ ትምህርትን ምሕያል ስርዓታትን (system strengthening) ርኡይ ትኹረት ዝሃበ፡ ኣብ ዓውዲ ትምህርትን መደባት ሲቪካዊ ማሕበረሰብን (civic society)፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ሓላፍነት ኮይነ ንልዕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ዝቐጸለ ፕሮጀክትታት ናይ ምንዳፍን ምትግባርን ተመክሮ ደሊበ። ናይ ምሕደራን ክትትልን ዓቕመይ ኣብ ዓውድታት ስትራተጂያዊ ውጥን፡ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፡ ምሕደራ ፕሮጀክትን ምርምርን ዝዝርጋሕ እዩ። እዚ ልዑል ሞያ’ዚ ኣብ ውሽጢ ከም ዩ.ኤስ.አይ.ኣይ.ዲን (USAID) ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ዝኣመሰላ ህቡባት ኣህጉራውያን ናይ ልምዓት ትካላት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝሃብኩዎ ኣገልግሎት ዝተጠርየን ዝተዀስኰሰን እዩ። ብዙሓት ሸነካት ድማ ኣሎውዎ። እዚ ተመክሮ’ዚ ነተን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዘገልገልኩለን ሸውዓተ ዓመታት ኣየጠቓልልን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ተመላላእቲ መዳያት - ምትሕብባር፡ እማመታት ልምዓታዊ ስራሓት ምርቃቕ፡ ምሕያል ስርዓት፡ ምጒስጓስ ጸጋታት፡ ምክትታል ፕሮጀክትታት፡ ምርቃቕ ፖሊሲታት፡ ምጅማር (start-up) ናይ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝትመኑ ፕሮጀክትታትን - ብቕዓት ንኽድልብ እውን ሓጊዙኒ።
ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ፡ ኣብ ዩነስኮን (UNESCO) ዩኖህሲን (UNOHCI) ዝተባህሉ ኣብ ዒራቕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨናፍራት ከም ላዕለዋይ ክኢላ ኮይነ ኣገልጊለ። በዚ ሞያ'ዚ፡ ኣብ ትምህርታዊ ገምጋማት፡ ምእካብን ምጥርናፍን መረዳእታታት፡ ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ስድራ ቤታት ንምድጋፍ ዘተኮረ ጽላታውን ብዝሐ ጽላታውን ፖሊሲታት ናይ ምምዕባል ተበግሶታት መሪሐ። እዚ ስራሕ'ዚ፡ ካብ 1998 ክሳዕ 2003 ዓ.ም. ንሓሙሽተ ሞያዊ ዕግበት ዝፈጠሩለይ ዓመታት ዘጠቓለለ እዩ። ዒራቕ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዓለማዊ እገዳ ዝነበረትሉ ሰዓት እዩ ነይሩ። እቲ ፕሮግራማት ድማ ብባህሪኡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምሃብ ዘተኮረ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ኵለን እተን 18 ምምሕዳራት (governorates) ናይ ምብጻሕን ምስራሕን ዕድል ኣጋጢሙኒ። ምስ ብርክት ዝበላ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨናፍራት ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታውያን ትካላት መንግስቲ ዒራቕ እውን ተሓባቢረን ሰሪሐን። እቲ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዒራቓውያንን ቍጠባኦምን ዘስዓቦ ምንቊልቋል ድማ ብዓይነይ ርእየዮ። ዘሕዝን ከኣ’ዩ ነይሩ።
ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ክሪኤቲቭ ኣሶሴይትስ ኢንተርናሽናል (Creative Associates International) ዝተባህለ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ዝነጥፍ ውድብ ንዝተፈላለዩ ብUSAID ዝምወሉ መደባት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ጽፍሒ ሓላፍነት ኮይነ መሪሐ። እዘን ዓመታት'ዚኣተን፡ ከም ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ብዓል ሞያ፡ ጥርዚ ሞያይ ዝውክላ ዓመታት እየን ነይረን። እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ተመክሮ'ዚ ምስ ብዙሓት ናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውያንን ናይ ልምዓት ሞያውያንን ኣራኺቡኒ፣ ካብኦም ድማ ብዙሕ ፍልጠትን ተመክሮን ቀሲመ። ኣብ’ዘን ብርክት ዝበላ ናይ ስራሕ ዓመታት፡ ነቲ ምስ’ዞም ምኩራት ሰብ ሞያ ዘማዕበልኩዎ ዕርክነትን ዝምድናን ኣዝየ እየ ዘስተማቕሮን ዘኽብሮን ዝ ዝክሮን። ዝ ተመዘዝኩዎም ዕ ማማትን ና ይ ስ ራሕ ቦታታትን ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦
ኣብ ፕሮጀክት ምሕዋይ ምርግጋእን ኣብያተ ትምህርቲ ዒራቕ (RISE) ኣብ ዒራቕ፡ ከምኡ እውን ኣብ ፕሮጀክት USAID ኣብ (COMPASS) ናይጀርያ። ኣብ ትሕቲ RISE ከም ዞባዊ ወኪል፡ ናይ ትምህርታዊ ውጠና ክኢላን ኣካያዲ ስራሕን ንኹሉ ንጥፈታት ሰሜናዊ ዞባ ዒራቕ ብኣድማዒ መገዲ ኣወሃሂደ። እዚ ድማ ከም ምሕደራዊ ድጋፍ፡ ምክፍፋል ትምህርታዊ ንዋት፡ ስልጠና መምህራን ከምኡ እውን ናብቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ መኣዲ ዘይተዋፈሩ መንእሰያት ዝቐንዐ ናይ ቅልጡፍ ትምህርቲ ዕድላት ምውዳብን ምትግባርን ዘጠቓለለ ነበረ።
ኣብ ኣቡጃ (ናይጀርያ) ዝመደበሩ ብCOMPASS ዝፍለጥ ፕሮጀክት ዩ.ኤስ. አይ.ኣይ.ዲ. (USAID) ከም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ትምህርቲ አገልግል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ መዳያት ትምህርቲ ደገፍ ብምሃብ ሰሪሐ፥ መባእታ ትምህርቲ፡ ኣብ ውስጠ ኣገልግሎትን ኣብ ድሕረ ኣገልግሎትን ስልጠና መምህራን፡ ምጒስጓስ ማሕበረሰብ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ጥዕናን ኣመጋግባን (School Health and Nutrition - SHN) ከምኡ እውን ምዝርጋሕን ምክትታልን ንጥፈታት ንኡሳን ድጋፋት (sub-grants) ኣብያተ ትምህርቲ ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ። ኣበርክቶይ፡ ንዂሉ ናይ ዩ.ኤስ.አይ.ኣይ.ዲ. (USAID) ጠለባት ከማልኦ ኣኽኢሉዎ። ኣብ ውሽጢ'ዚ ፕሮጀክት’ዚ ብደረጃ ሃገርን ካብኡ ዝተሓቱ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታትን ናይ ዋንነት ስምዒት ኣብ ምስራጽን ድልዱል መርበብ መሻርኽቲ ኣካላትን ተረባሕትን ብውሕሉል ኣገባብ ምምልማልን ክኢለ። እዚ ብግዴኡ ምስ ኣእንገድቲ መንግስታት ከም ሓቀኛ መሻርኽቲ ኴንና ንኽንሰርሕ ኣኽኢሉኒ። እዚ ድማ ሳላ'ቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ እዩ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ከም ላዕለዋይ ዳይረክተር ስትራተጂ ዕብየት (Growth Strategy) መጠን ኣብ ዝተሰከምኩዎ ሓላፍነት፡ ናይ’ቲ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ውድብ ኵሉ መዳያዊ ስትራተጂ ዕብየት ንምሕንጻጽ መሰረት ኣብ ምንጻፍ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊተ እየ። እዚኣቶም ድማ ምርምር ዕዳጋን፡ ትንተና መረዳእታትን (data analysis)፡ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ምስ ዞባውያን ውድባት፡ ምልላይ ናይ ረብሓ ሃገራት (countries of interest) ኣተሓሕዝአንን፡ ናይ ኣንፈታት ትንተና (trend analysis) ወዘተ የጠቓልል። ኣብ’ዚ ሓላፍነት'ዚ ቅድሚ ምምዛዘይ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ዕማማት ተዋፊረ ነይረ። ሓደ ካብ’ቶም ፍሉያት መዝነታት፡ ከም ላዕለዋይ ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ኣፍሪቃ (Africa Center) ተባሂሉ ዝተሰምየ ኣሃዱ ኮይኑ፡ ኣብኡ ዞባዊ (ኣፍሪቃ ዝምልከት) ስትራተጂ ሓንጺጸን ንዕዉት ትግባረኡ ሰሪሐን።
ኣብ ማእከል ኣፍሪቃ ከም ላዕለዋይ ዳይረክተር ኣብ ዝሰራሕኩሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ብዙሓት ኣገደስቲ ዕማማት ሓላፍነት እውን ተሰኪመ ነይረ እየ። ንኣተገባብራ ናይ’ቲ ዞባዊ ስትራተጂ መሪሐ፡ ናይ ሓጺርን ማእከላይን ግዜ ትልሚ ንምሕባር ዓሚቝ ናይ ዕዳጋ መጽናዕቲ ኣካይደ፡ ናይ ረብሓ ሃገራት ንምምስራት ዘኽእሉ መጽናዕታት ኣካይደን ለበዋታት ኣቕሪበን፡ ንዞባና (ኣፍሪቃ) ዘማእከለ ቀዳምነት ዝወሃቦን ውጥናት ብጥንቃቐ ቀዪሰን።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዝትግበር ዝነበረ ብUSAID ዝምወል ብስም ተበግሶ ሰሜናዊ ናይጀርያ (Northern Education Initiative) ዝጽዋዕ ፕሮርጀክት ከም ላዕለዋይ ዳይረክተር ፕሮጀክት ኮይነ ኣገልጊለ። ካብ 2007 ክሳዕ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንዝተተግበሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብመሪሕነት ኣልየ። እዚ’ቶም ነዞም ዝስዕቡ ሃገራት የጠቓልሉ፤ ናይጀርያ፡ ዛምቢያ፡ ፓኪስታን፡ ኢትዮጵያ፡ ሞዛምቢክ፡ ኪርጊስታን፡ ታጂኪስታንን ቱርክመኒስታንን።
ጐድኒ ንጐድኒ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ውድብ፡ ከም ላዕለዋይ ዳይረክተር ጽላት ትምህርቲ ዞባ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ቦታ ሓላፍነት እውን ተሰኪመ። ብኣጠቓላሊ፡ ኣተኩሮ ናይ’ቶም ዕማማት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ ነበሩ፤ ፕሮጀክትታት ንኹሉ ውዕላዊ ሸቶታትን ውጽኢታትን ከም ዘማልኡ ምርግጋጽ፡ ጽሬት ፕሮጀክትታት ምርግጋጽ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ፕሮጀክት ሰብ ሞያ ምእላይን ሞያኦም ከም ዝዓቢ ምግባርን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ USAID ዞባውያን ኣብያተ ጽሕፈታት (ሚሽናት) ጥቡቕ ዝምድናን ምድግጋፍን ምምስራትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝትመኑ ፕሮጀክትታት ምትግባርን።
መዝነተይ ንፕሮጀክትታት ተክኒካዊ፡ ስርሒታዊ፡ ፋይናንሳዊ ምክትታልን ደገፋን ኣብ ምሃብን ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይነበረን። ዓመታዊ ዓውደ መጽናዕትታት ውጥን ስራሕ ምምችቻውን ምስላጥን (facilitation)፡ ምዕባለ ፕሮጀክት ብቐረባ ምክትታል፡ ምስ ኣአንገድቲ መንግስታት (host countries) ኣድላዪ ምትዕርራይ ንምግባር ብውሕልነት ምልዛብ ዘጠቓለሉ ዕማማት እውን ይነጥፍ ነይረ።
እዚ ናይ ኣህጉራዊ ልምዓት ሞያ ናብ ብርክት ዝበለ ሃገራት ክበጽሕን ምሳታተን ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ናይ ስራሕ ዝምድናታት ከማዕብልን ኣኽኢሉኒ። ካብተን ዝበጻሕኩወን ሃገራት ከም ናይጀርያ፡ ዛምብያ፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ፓኪስታን፡ ኬንያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዮርዳኖስ፡ ታጂኪስታን፡ ኪርጊስታን፡ ቱርክመኒስታን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ክጥቀሳ ይኽእላ።
ብዛዕባ ዝበለጹ ልምድታት (best practices) ብዝምልከት፡ ብሓተታታትን ብሎግን (blog) ገይረ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ዘሎኒ ርድኢታት ንኸካፍል በቒዐ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣህጉራውያን ዋዕላታት እውን ተኻፊለን፡ ኣገደስቲ ጽሑፋትን ወረቓቕትን ኣበርኪተን።
ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ዝገበርክዎ ልዑል ኣበርክቶ፡ ንዝተፈላለዩ ሽልማታት በቒዐ እየ። እዚ ድማ ነቲ ብሉጽ ናይ’ዚ ዓመት ሲንየር ብዓል ሞያ ዝብል ሽልማት ዘካተተ ኮይኑ፡ እቶም ዘመሓደርክዎም ፕሮጀክትታት ርኡይ ናእዳታት ረኺቦምን ሰለስተ ካብኣቶም ድማ ናይ’ቶም በብዓመቱ ፍሉይ ሽልማት ዝወሃቡ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ተረባሕቲ ኮይኖም እዮም።
ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደለ ነገር ግን ኣሎ። ከም ኵሉ ንጉዳይ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ንእስነቱ ዝኸፈለ ዜጋ፡ ምርጫይ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገረይ ኣበርክቶ ብምግባር ሓንቲ ብግዝኣተ ሕጊ እትመሓደር ብልጽግቲ ኤርትራ ምምስራት’ዩ ነይሩ። ሞያ ኣህጉራዊ ልምዓት ምርጫይ ኣይነበረን። ምርጫ እንተዝህልወኒ ነቲ ዝጀመርክዎ ዕላማ ኣብ መፈጸምታ ምብጻሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሃገረይ ዕድል ስለ ዘይተዋህበኒ ጥራይ ከኣ’ዩ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ክነጥፍ ዝመረጽኩን ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ዘገለገልኩን። እዚ ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓደይ እንተ ዝኸውን ነይሩ ከመይ ምጸበቐ!
5.2 ከም ናይ ልምዓት ብዓል ሞያ ኣህጉራዊ ልምዓት እንታይ ትርጉም ኣለዎ?
ከም ብዓል ሞያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ምንጣፍ፡ ብዝኾነ መለክዒ ኣገዳሲ ጒዕዞ እዩ። እዚ ድኽነት፡ ዘይማዕርነት፡ ዘይምዕሩይ ዝርጋሐ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን፡ ከባብያዊ ብድሆታትን ዘጠቓለለ ግሎባዊ ኵነታት፡ ዓለማዊ ኣረኣእያኻ ብዕምቈት ዘሀብትምን፡ ኣእምሮ ዝኸፍትን ተመክሮ ይፈጥረልካ። እዚ ሞያ’ዚ፡ ኵሉ መዳያዊ ኣረኣእያ ዓለም ከማዕብል፡ ኣብ መንጎ ዓለማዊ ጕዳያት ዘሎ ዝተሓላለኸ ሓድሕዳዊ ጽግዕተኛነትን ተመራዃስነትን ድማ ከለሊ ኣኽኢሉኒ። ዓለም ከመይ ኢላ ከም እትሰርሕ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ዝተወሳሰቡ መዳያትን ሽግራትን (ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወይ ማሕበራዊ) ብኣንክሮ ንክዕዘብ እውን ኣኽኢሉኒ።
እቲ ዘዋህለልኩዎ ተመክሮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ማለት ኣብ ጽላት ትምህርቲ፡ ቍጠባዊ ዕብየት፡ ምሕደራ፡ ህዝባዊ ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንዝህሉ ምትሕብባር ዝጠልብ ኮይኑ፡ ንስግረ ዲሲፕሊናዊ ክእለተይ ኣዕብዩዎ፡ በዚ ድማ ሰፊሕ ፍልጠትን ክእለትን ከጥሪ ኣኽኢሉኒ።
ንጥፈታት ኣህጉራዊ ልምዓት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኣብ በዳህን ተለዋዋጢ ኵነታትን ንክነጥፍ ይጽውዕ። ኣብ ዘይፍሉጥ ባህላዊ ኵነታትን ናይ ስራሕ ሃዋህውን ንምስራሕ ዘኽእል ተዓጻጻፍነትን ከኣ ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ዝተሓላለኹን በዳህትን ኵነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ እዋናውን ክውንነታውን ቅኑዕን ናይ ሽግራት ምፍታሕ ክእለትን ብቕዓትን ንምኽዕባት እውን ይሕግዘካ።
ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ህጹጽ ብድሆታት ንምምካት፡ ፈጠራዊ መፍትሒታት ክድህሰስን ክረክብን ይሓትት። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን ዝህሉ ምትሕብባር፡ ባህላዊ ስምዒታትን ንቕሓትን ናይ ምርዳእን ምስትብሃልን ክእለት የደንፍዕ። ንዝተፈላለዩ ልምድታትን፡ ወግዕታትን ርእዮተ ዓለምን ኣገባባት ምዕባለን፡ ዓሚቝ ኣኽብሮት ንኽትህብ ከኣ ይሕግዝ። ናይ ህዝባዊ ርክባት (public relations) ስራሓት ውጽኢት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ዓቢ ተራ ኣለዎ፣ እዚ ተመክሮ’ዚ ድማ ሓሳባትካ ንኻልኦት ብንጹር ናይ ምትሕልላፍን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ምትሕብባር ክእለት ንኸተዕቢ ይሕግዘካ።
ፕሮጀክትታት ኣህጉራዊ ልምዓት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላት ምትሕብባር ይጠልብ። ኣብ ውሽጢ ድሩት ባጀትን ጽኑዕ ናይ ግዜ መስመራትን ምትግባር ድማ ይሓትት። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ዝተሓላለኹ ነገራት ንምፍታሕ ኣብ እትጽዕረሉ ግዜ ድማ ብኣኡ መጠን ፕሮጀክትታት ናይ ምእላይ ዓቕምኻ (ምውጣን፡ ትግበራ፡ ምክትታል ወይ ምግምጋም፡ ውጽኢት) ይዓቢ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ኣብ ምርቃቕን ምትዕርራይን ፖሊሲ ዝዓለመ ኣብ ናይ ምጒስጓስ ጸጋታት እውን ከም ዝነጥፍ ገይሩኒ እዩ። ብተወሳኺ፡ ውጽኢት ተበግሶታተይ ኣብ ምክትታልን ምግምጋምን መደባት ፕሮጀክትታትን ኣዝዩ ጠቓሚ ክእለት ከም ዘዋህልል ገይሩኒ። እዚ ድማ ንኣድማዕነትን ዘላቕነትን ጻዕርታት ልምዓት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ንኣወንታዊ ግሎባዊ ለውጢ ኣበርክቶ ዝገብር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንውልቃውን ሞያውን ዕብየት ዘዕቢ ኣዝዩ ለውጢ ዘምጽእ ተመክሮ ክኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ንዝተፈላለዩ ብድሆታትን ዕድላት ትምህርትን ስልጠናን ምትሕብባርን ከቃልዕካ ይኽእል ኢዩ። ብግቡእ ክሳዕ ዝተታሕዘን፡ ኣብ መትከላት ሽርክነት ክሳዕ ዝተሞርኮሰን።
5.3 ኣህጉራዊ ልምዓትን ንኤርትራን ንካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን እንታይ ማለት ምዃኑ ተመሊስካ ምሕሳብን
ተመክሮይ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ነዞም ዝስዕቡ ክስተታት ከስተብህል ኣኽኢሉኒ፥
እቲ ኣምር፥ ልምዓት ማለት፡ መሰረታዊ ድሌታት ኣማሊኡ ውሑስ ህይወት ንምምራሕ ዕድል ዘቕርብ ወይ ዝህብ ዳይናሚካዊ መስርሕ እዩ። ናይ ምፍጣርን ምህዞን ዓቕሚ የዕቢ፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ድማ ማዕጾ ይኸፍት። ብቐንዱ፡ ልምዓት ንናይ ከባቢ ባህግን ጠለባትን ዘማእከለ፡ ብከባቢያዊ ተበግሶ ዝድረኽ ተበግሶ ክኸውን ይግባእ፣ ብህዝብን፡ ብዝተመርጹ መራሕቱን ዝተሓቚፈ ክኸውን እውን ይግባእ። ሽሕ’ኳ ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ፡ ተክኖሎጂ፡ ተክኒካዊ ክእለትን ፋይናንስያዊ ሓገዛትን ብምሃብ፡ ንልምዓት ኣብ ምድጋፍ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ እንተ ኾኑ፡ እዚ ደገፍ'ዚ ግን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኵነታት ነቲ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ መሪሕነትን ጻዕርታትን ተወፋይነትን ክትክእ ከም ዘይክእልን ከም ዘይብሉን ምግንዛብ ግድን እዩ።
ኣህጉራዊ ልምዓት ውጽኢታዊ ዝኸውን፡ ድልዱላትን ስሉጣትን ትካላት ኣብ ቦታኦም ምስ ዝህልዉን፡ ሰናይ ምሕደራ ድማ ምስ ዝረጋገጽን እዩ። እዚ ድማ ናይ’ተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ናይ’ተን ምዕቡላት ሃገራትን ትጽቢታት፡ ብኣድማዒ መገዲ ንከመሓድራን ብዘላቒ መገዲ ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ዝምድና ንከዕብያን የኽእለን።[i]
ሓንቲ ሃገር እትስስን እትብልጽግን፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ተውህቦን ጻዕርን መሃዝነትን ክበራበርን ክዕንብብን ምስ ዝፍቀደሉ ወይ እውን ምቹእ ባይታ ምስ ዝፍጠረሉ እዩ። ሰናይ ምሕደራ ድማ ኣፍራይነት (productivity) ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ውሕስነት ይህብ። ወፍሪ ልምዓት፡ ናይ ውልቀ ሰባት ፈጠራነት ከም ቀንዲ ረቛሒ ይጠልብ። እዚ ድማ ብግዴኡ ውልቀ ሰባት ጥዑይን ነዊሕ ዕድመን ዘለዎ ህይወት ንኽመርሑ ደፋኢ ረቛሒ ይኸውን። ንውጽኢቱ ኣብ ምቕራጽን ካብኡ ተረባሕቲ ንምዃንን ድማ ካብ ሰባት ንጡፍ ተሳትፎ ይጠልብ። ሰባት፡ ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ጕጅለ፡ መጻኢኦም ንምውሳን ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ። ምዕርዩነትን ዘላቕነትን ድማ ከም መሰረታዊ መትከላት ልምዓት ኮይኖም ከገልግሉ የድሊ።[ii]
እቲ ብዩ.ኤን.ዲ.ፒ. (UNDP) ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ ልምዓት 2011 ዓ.ም.፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ልምዓታዊ መስርሕ፡ ንምዕሩይነትን ዘላቕነትን ኣብ ቅድሚት የቐምጦም። እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዘላቕነትን መሰረታዊ ጕዳያት ምዕሩይነትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ምትእስሳር የጉልሕ። እዚ መትከል’ዚ፡ ዝማዕበለ ዓይነት ህይወት ምስትምቓርን ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽን ዘማእከለ ኢዩ። ዘላቕነት ክብሃል እንከሎ ብኣፍልጦ፡ ህይወትና ከመይ ጌርና ክንመርሖ ከም እንመርጽን፡ ከምኡ ድማ ኵሉ’ቲ እንገብሮ ኣብ’ቶም ከማና ዝኣመሰሉ ሸውዓተ ቢልዮን ሰባትን ኣብ’ቶም ዝስዕቡ ካልኦት ብቢልዮናትን ዝቚጸሩ ተካእቲ ወለዶታትን፡ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምግንዛብ ከም ዝጠልብ እቲ ጸብጻብ ይካትዓሉ።[iii]
ልምዓታዊ ስራሕ ብኸመይ መገዲ ከም እተካይድ ዝምልከቱ መሰረታውያን መትከላት፦ ሕብረተሰባት ብባህሪኦም ኣብ ህይወቶም ኣወንታዊ ለውጥን ምምሕያሽን ንኸምጽኡ ይጽዕሩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ራእይታቶም ንምቕራጽ ኣብ ዝካየድ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ብንጡፍ ይሳተፉ። ነፍስ ወከፍ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ፍሉያት ባህርያት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ዝድለ ለውጢ ንምግሃድ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ መገዲ ወይ ስትራተጂ ይመርጽ። እዞም መገድታት'ዚኣቶም፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ናህሪ ዝውሰኑን ምስ ፍሉያት ኣብ’ቲ ሃገር ዝተዀስኰሱ ዕላማታት ዝቃደዉን ዝናበቡን’ዮም።
ማሕበራዊ ለውጢ፡ ዝተሓላለኸ መስርሕ ብምዃኑ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል እንኮ ፍታሕ የለን። እቶም መፍትሒታት፡ መምስ’ቲ ኵነታት ዝዛመዱን ምስ ፍሉያት ድሌታትን ኵነታትን ነፍስ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝሰማምዑን ክኾኑ ይግባእ። ሕብረተሰባት፡ ንመስርሕ ልምዓት ንምምራሕ፡ ልምዳውያንን ዘመናውያንን መዋቕራቶምን እምነታቶምን ስርዓተ ክብርታቶምን ክጥቀሙ ይቐሎም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ውሽጣዊ ዳይናሚክ ኣገዳሲ እዩ።
ንጠለባትን ቀዳምነታትን ሕብረተሰብ ብዝበለጸ ምርዳእን ምድጋፍን፡ ኣገዳስን ጽልዋ ዘለዎን ውጽኢት ንምርካብ ዝቐለለ ይኸውን። ከምኡ ብምግባር፡ መሻርኽቲ ልምዓት፡ ኣብ ዘላቕነት ዘለዎ ተበግሶታት ክነጥፉን ከም መሻርኽቲ ዘለዎም ግቡኣት ክፍጽሙን ይኽእሉ። ብመሰረቱ፡ ዕላማ ልምዓታዊ ተበግሶታት፡ ነቶም ነበርቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ኵነታቶም፡ ናብ’ቲ ባዕሎም ኣብ ኣእምሮኦም ዝሰኣሉዎ መጻኢ ንኽበጽሑን ኣብ ፍረ ንኸብጽሑዎን ምሕያል እዩ (Runde, 2023)።
ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ንባህሊ ከም ኣገዳሲ ባእታ ብምውሳድ፡ ኣብ ምቕራጽ ሓባራዊ ትረኻታት፡ ኣብ ምዕባይ ማሕበራዊ ሓበን፡ ከምኡ እውን ብዙሕነት ከም መፍትሕ ዘላቕነት ገይሩ ብምውሳድ ኣፍልጦ ክህቦ ይግባእ። ናይ ባህሊ ግደ ኣብ ለውጥን ዘላቒ ፍታሓት ኣብ ምልላይን ምርዳእ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ፡ ኣቀራርባ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ንባህሊ ዘማእከለ፡ ንናይ ነፍስ ወከፍ ሕብረተሰብ ፍሉይ ልምድታትን ወግዕታትን ኣኽብሮት ዝህብን ክኸውን ይግባእ።
ኣብ ወፍሪ ልምዓት፡ ማሕበረ ቍጠባዊ ኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ምእታው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ፡ ምስ’ቲ ኣህጉራዊ ልምዓት ክደጋገፎ ዝውጥኖ ናይ’ቲ ህዝቢ ፍሉይ ድሌታትን ባህግታትን ዝሰማማዕ ተበግሶታት ልምዓት ንምምዕርራይ ስለ ዘኽእል። ባህላዊ ግምታት ኣብ ስትራተጂታቱ ብምውህሃድ፡ ኣብ ተረባሕቲ ማሕበረሰባት ተቐባልነት ከረጋግጽ እውን ይኽእል። ኣብ መወዳእታ፡ ንባህሊ ኣብ ግምት ምእታው፡ ተሳታፍነት ዘዕቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ማሕበረሰባት ንጒዕዞ ናይ ገዛእ ርእሶም ልምዓት ወነንቲ ንክኾኑ ድርኺት ይፈጥር እዩ፡ እዚ ድማ ንዝያዳ ዘላቕን ብልጹግን መገዲ ይጸርግ።
ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ልምዓታዊ ወፍሪ መሰረታዊ ቅድመ ኵነት እዩ። ነዚ ንምዕዋት፡ ኣአንገድቲ መንግስታት፡ ንመንግስታዊ ትካላቶም ብውሕልነት ዘዕብዩሉን ዘደልድሉሉን መገድታት ብንጥፈት ክደልዩ ኣለዎም። እዚ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ዘለዎም ተሓታትነት ብምዕባይ ይፍጸም። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ብድልዱል ናይ ተሓታትነት መሓውር ዝድገፍ ውጽኢታውን ዘይምእኩልን ምሕደራ ምምስራትን ጸጋታትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ብምዕሩይ መገዲ ምዝርጋሕን የድሊ።
ኣተገባብራ፥ ብመትከል ክረአ እንከሎ፡ ተበግሶታት ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ንቑጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምብራኽ ዝዓለመ ጻዕርታት፡ ስትራተጂታትን መደባትን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ መንጎ መሻርኽቲ ንጡፍ ምትሕብባር ክግበርን ብመንፈስ ሽርክነት ክካየድን ድማ ይጥለብ። ኣብ ሓደ ካብ ጽሑፋተይ፡ ንሓቀኛ ሽርክነት ኣመልኪተ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢለ ነይረ፥
“ሽርክነት ማለት ኣብቶም ንጸጋታት ዝቈጻጸሩ ኣካላት ዝተመርኰሰ ውዕላት ምድጋፍ ወይ ምእዛዝ ወይ ምግዳድ ወይ ምጽዓን ወይ ምድራት ወይ ምዕብላል ወይ ምብሓት ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ፡ ኵሎም ወገናት ብሓባርን፡ ማዕርነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዘንጸባርቑሉ፡ ብሓባር ብዝማዕበለ ናይ ሓባር ዕላማ ተወሃሂዶም ዝሰርሑሉ ኵነታት እዩ (Solomon, 2023)።”
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዳይናሚካዊ ሽርክነት፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ብዓል ብርኪ (ወይ እውን ተጠቃሚ) ኣረኣእያን ክእለትን ኣበርክቶን፡ ዋጋ ዝውሃቦን ዝኽበረሉን ጥራይ ዘይኮነስ ዝምስገነሉ (celebrate) እውን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሓሳባት ብዘይ ገለ ተጽዕኖ ብናጻ ዝውሕዙሉን፡ ውሳነታት ብሓባር ዝውሰዱሉን ሃዋህው የዕቢ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ እዚ ሓቀኛ መንፈስ ምሕዝነት ብስነ ስርዓት ምስ ዝትግበር፡ ናይ ምትእምማንን ክፉትነትን ሃዋህው ከም ዘማዕብልን፡ እዚ ድማ ብግዴኡ ንመሃዝነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን፡ ንዘላቒ ፍታሕን ከም ዘስፋሕፍሕን የረጋግጽ። እቶም መሻርኽቲ፡ ንባህላዊ ዳይናሚካዊ ሓይሊ ብምርዓምን ሓቀኛ ሽርክነት ብምቕባል መሰረታዊ ለውጢ የምጽኡን፡ ናብ ኣሳታፍን ነባሪን ልምዓት ዝመርሕ ትርጉም ዘለዎ ስጕምትታት ድማ ይወስዱን (Solomon, 2023)።
ተበግሶታት ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ብመገዲ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ዝርጋሐ ጽሩይ ማይ ከምኡ እውን ቍጠባዊ ዕድላት ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ምቅላል ወይ ምፍኳስ ድኽነት ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። እዞም ስትራተጂያውያን ምትእትታዋት'ዚኦም ኣብ ዝምዕብላ ሃገራት ንዝርከቡ ኣህዛብ፡ ደረጃ መነባብሮኦም ንምዕባይን መጠን ድኽነት ንምቅላልን ዓቕሚ (potential) ኣለዎም። እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምህናጽ ኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ (ከም ጽርግያታት፡ ድልድላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ኣገልግሎታትን) ዘጠቓልሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዝማዕበለ ትሕተ ቅርጺ'ዚ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ከበጋግስ፡ ዕድላት ስራሕ ክፈጥርን ሓፈሻዊ ደረጃን ዓይነትን ህይወት ክልውጥን ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ተበግሶታት ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ከደልድሉ፡ ምክፍፋል ኣገደስቲ መድሃኒታት ከመቻችኡን ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ስልጠና ክህቡን ይኽእሉ። እዚ ድማ ዝርጋሐ ምዕሩይ ክንክን ጥዕና፡ ምንካይ ዝርጋሐ ሕማማትን ምዕባይ ህዝባዊ ጥዕናን ከስዕብ ይኽእል።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ’ቶም ዝርጋሐን ጽሬትን ትምህርቲ፡ ምሕያል ስርዓታት ትምህርትን፡ ምሕያል ሰብ ሞያ ትምህርትን ቀዳምነት ዝህቡ ተበግሶታት ኣህጉራዊ ልምዓት ርኡይ ረብሓታት ክሓፍሳ ይኽእላ። እዚ ከኣ፡ ምሁር ሕብረተሰብ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ምዕባለን ዓቢ ኣበርክቶ ስለ ዘለዎ እዩ።
ተበግሶታት ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ኣገዳስን ህይወት ዘድሕንን ሓገዛት ብምቕራብ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣብ ምቅላል ወሳኒ ተራ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ብርክት ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ’ዚ ኣገዳሲ ደገፍ'ዚ ርኡይ ረብሓታት ረኺበን እየን። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ግጭትን ድሕረ ግጭትን (post conflict) ኵነታት፡ እቲ ኣህጉራዊ ደገፍ፡ በቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝመደበሮም ንዅነታት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ዘለዎም ከባብያውያን (local) ኣካላት ክትግበር ይግባእ። እዞም ከባብያውያን ኣካላት፡ ንማሕበረሰባት፡ ንናይ ከባቢ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ንሃይማኖታውን ባህላውን ጕጅለታትን ካልኦትን ዘጠቓልሉ እዮም። ብዛዕባ'ቲ ኵነታት ብቐረባ ኣፍልጦ ምህላዎምን ትግሃቶምን፡ ቅልጡፍ ግብረ መልሶምን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኣዝዮም ኣገደስቲ ተዋሳእቲ ይገብሮም እዩ። ብዛዕባ ናይ’ቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ዳይናሚክን ፍሉይ ድሌታትን ዓሚቝ ርድኢት ዘርእዩ ብምዃኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀዳሞት ምላሽ ዝህቡ ናይ’ቲ ከባቢ ተዋሳእቲ ይኾኑ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ደገፍ ኣብ ምቕራብ፡ ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ይበልጹ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዘርእዩዎ ብልሕን ተዓጻጻፍነትን ምስ’ቲ ወትሩ ዝቀያየር ኵነታት ብቕልጡፍ ክተዓጻጸፉ የኽእሎም። እዚኣቶም ንቕልውላዋት መልሲ ኣብ ምሃብ ዘለዎም ኣድማዕነት ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።
ንኤርትራ ዝቐረበ እማመ፥ ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝረኸበቶ ናጽነት ስዒቡ ዝነበረ ሓያሎ ዓመታት (ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩሉ እዋን) ረብሓታት ኣህጉራዊ ምዕባለ ኣስተማቒራ እያ።
ወፍሪ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ንኤርትራ ርኡይ ረብሓታት ከምጽኣላ ዝኽእል’ኳ እንተ ኾነ፡ ጥንቁቕ ምውጣንን፡ ምውህሃድን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ተወፋይነት ከም ዝሓትት ምፍላጥ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዓወት ወይ መኽሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ከባብያዊ ዋንነት፡ ዘላቕነትን፡ ኣብ ፍሉይ ድሌታትን ቀዳምነታትን ኤርትራ ትኹረት ኣብ ምግባርን ይምርኰስ። ብተወሳኺ፡ ትካላዊ ለውጢ ወይ ኣሰራራሓ፡ ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ጻዕርታት ንኽዕወቱ መሰረታዊ ጠለብ እዩ። ነዚ ንምዕዋት፡ ኤርትራ ኣብ’ቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ዘለዋ ተሓታትነት ብምዕባይ፡ ትካላታ እትቕይረሉ መገድታት ብንጥፈት ክትደሊ ኣለዋ። እዚ ድማ ብድልዱል ሕጋዊ ባይታ ዝድገፍ ሰናይ ምሕደራን ክእለትን ውዳበ ዜጋታታን ካልኦት ጸጋታትን ይሓትት።
ኤርትራ፡ ወይ ካልኣት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ምስ ቀዳምነታተን ወይ ድሌታተን ዘይሰማማዕ ኣገባብ ሓገዝ፡ ብመልክዕ ልቓሕ ይኹን፡ ብመልክዕ ሓገዝ፡ ወይ ካልእ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ረድኤት ጽግዕተኛ ክኾና ኣይጣበቕን እየ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኤርትራ ትኹን ካልእ ኣአንጋዲት ሃገር፡ ዋንነት ናይ’ቲ ብናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝምወሉ መደባት ክትወስድ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ዘላቒ ሓገዝ ኵሉ ግዜ ንድሌትን ባህግን ከባብያዊ ማሕበረሰባት ዘማእከለ ክኸውን ይግባእ።
ናይ ሓደ ህዝቢ ምዕባለ፡ ኣብ’ቲ ናይ ብሕታዊ ጽላት (private sector) ሓይልን ዓቕምን (potential) ጽንዓትን ተበግሶን እውን እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ንኽልቲአን (ንመወልትን ተመወልትን) ብዝጠቅም ንግዳዊ ሽርክነት ኣቢለን ካብ ተቐበልቲ ሓገዝ ምዃን ሰጊረን ናብ ዞባውያንን ዓውለማውያን ተዋሳእቲ ክሰጋገራ ይኽእላ እየን። ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሓያል ቍጠባ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ዘርብሕ ናይ ወፍሪ ዋኒናት ክተኽላ ይኽእላ እየን፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣአንገድቲ መንግስታት ድማ ነቲ ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ወፍሪ ምቹእ ሃዋህው ክፈጥራ ይኽእላ እየን (Solomon, 2022)። እዚ፡ ኵሎም ዝዕወቱሉ ኵነታት ይፈጥር።
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ናብ ምዕቡል ቍጠባ ከብጽሐን ዝኽእል ዘይተጠቕማሉ ዓቕሚ ኣለወን። ነዚ ዓቕሚ'ዚ ንምምዝማዝ ድማ፡ ምውህሃድ ዘቤታዊ ፖሊሲታትን፡ ናይ ወጻኢ ወፍርን ተክኖሎጅን ንምስሓብ ዝሕግዝ ስትራተጂን የድሊ። እዚ ድማ ብሕታዊ ጽላት ብምሉእ ሓይሉ ንኽነጥፍ ክሕግዝ ይኽእል። እዚ፡ ብኽልተኣዊ ንግዳዊ ውዕላት ምኽታም ክፍጸም ኣለዎ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ፡ ንዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላት ዘሳትፍ፡ ንኽልቲኡ ወገናት ዝጠቅም ንግዳዊ/ዋኒናዊ ሽርክነት የማዕብል።
ናይ ብሕታዊ ጽላትን ናይ መንግስትን ሽርክነት ምሕብሓብ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ጽላታት ንዝግበር ወፍሪ ድማ ምድጋፍ፡ ኣብ ዝምዕብላ ሃገራት ዘላቒ ቍጠባዊ ዕቤት የመቻችእ፣ ብልጽግናን ዝሓሸ መነባብሮን ድማ የደንፍዕ። እዚ ዓይነት ናይ ምትሕብባር ኣገባብ ንረብሓታት ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላት ዘሰማምዕ ኮይኑ፡ ነቲ ሰፊሕ ለውጢ ዘምጽእ ዓቕሚ ይፍኑዎ።
ኤርትራ፡ ንረብሓታት ኣህጉራዊ ምትሕብባር ክትጥቀም ዘይከኣለትሉ ታሪኻዊ ውድቀት፡ ብዓቢኡ ምስ’ቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሳ ዝፈረደቶ ተነጽሎ ክዛመድ ይኽእል። ሽድሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ድሕረ ናጽነት እዋን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ሃገራዊ ቀዳምነታት ንምዕዋት ዝተገብረ ጻዕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ዓቢ ምስክር እዩ።
ኤርትራ ትኹን ካልእ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር፡ ኣብዛ ንሓድሕዳ ዝተጠናነገት ዓለም፡ ሓንቲ ሃገር ተነጺላ ክትነብር ከም ዘይትኽእል ክትርዳእ የድሊ። ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ክትዋሳእን ኵሎም ዝረብሑሉ ፍታሕ ሃሰው ክትብልን የድሊ። እዚ ኣገባብ'ዚ፡ ብኣንጻር ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ (zero sum game)፡ ብምትሕብባርን ልዝብን ክተባባዕ ከም ዘለዎን ሓባራዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሓባር ምስራሕ ከም ዘድልን’ዩ ዘጉልሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነዚ ዝተሓላለኸ ግሎባዊ ብድሆታት ንምብዳህ ብዘይካ’ዚ ሜላ’ዚ ካልእ ኣማራጺ የሎን።
ኣብ ኣሰራርሓ ኣህጉራዊ ልምዓት ዝያዳ ኣስተንትኖ ዝሓትት ጉድለታት፡- ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣብ ዝተሳተፍኩዎም ሰፋሕቲ ስራሓት፡ ኣብ ቅየሳ ፕሮግራማትን ትግባረን ዝተገንዘብኩዎም ጉድለታት ምብራህ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ።
ብዙሓት ኣአንገድቲ መንግስታት (host governments) ሓሓሊፎም ምስ ኣህጉራውያን ናይ ምወላ ትካላት ንምትሕብባር ድሌት ከም ዘይብሎም ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። እዚ ድማ ብወገን እተን ዝምውላ ትካላት ኣስተንትኖን (reflection) ምሕሳብን ዘድልዮ ጕዳይ እዩ። ከመይሲ፡ ሓያሎ ዘሰክፉ ሓቅታት ስለ ዘለዉ። ካብ ብዙሓት ገለ ክጠቕስ እየ፦
ብኽልተኣውያን ብዙሕነታውያን ናይ ምወላ ትካላት ዝተመወሉ ተበግሶታት፡ ምስታ ኣአንጋዲት ሃገር ትርጉም ዘለዎ ምምኽኻር ከይተገብረሎም ዝተነድፋን፡ ዳርጋ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊኦም ዝተጻዕኑን ፕሮጀክትታት ርእየ እየ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ ኣአንገድቲ መንግስታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ናይ’ቲ ፕሮጀክትታት ሓቀኛ እንታይነትን ዕላማን ብዝምልከት ሓበሬታ ስለ ዘይብለን፡ ዘይተደልየ ውጽኢት ይስዕብ። ምስሕሓብ፡ ንግስጋሰ ፕሮጀክታት የደናጉዮም። ንጽሬት ትግባረኦም ድማ ሃሳዪ ይኸውን።
ምስ ናይ’ቲ ኣአንጋዲ መንግስቲ ቀዳምነታት ዘይሰማምዑ ፕሮጀክትታት ምትግባር ዘይተለምዱ ኣይኮኑን። እዚ፡ ብናተይ ኣረኣእያ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምምኽኻርን፡ ቀዳምነታት ናይታ ኣአንጋዲት መንግስቲ ብዘይ ምፍላጥን (ወይ እውን ብምጉሳይን)፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ማሕበረ ቍጠባዊ ኣቀዋውማ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘይምርዳእን ዝነቐለ ኮይኑ ይስምዓኒ። ሓሓሊፉ ምስ ናይ ግትርነት ኣተሓሳስባ (arrogance) ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ካብ’ቲ “ንዓኻ ዝጠቅም ንሕና ኢና ንፈልጦ” ዝብል እምነት ዝምንጩ እዩ። እዚ ጠባይ’ዚ መበገሲኡ ምስ’ቲ ጐይታቲ (patronizing) መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ዝመሳሰል ናይ ዝተወሰኑ ለገስቲ ባእታታት ባህሪ እዩ።
እቲ ኣብ ፕሮጀክት ዝተመስረተ ኣገባብ ትግባረ ልምዓታዊ ተበግሶታት ሓደ ሓደ ረብሓታት’ኳ እንተ ሃለዎ፡ ባህርያዊ ድኽመታት እውን ኣለዎ። ገለ ተበግሶታት ዝጭበጥ ውጽኢት ንምሃብ ልዕሊ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ይሓቱ። ሓደ ፕሮጀክት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ነባሪ ወይ ዘላቒ ጽልዋ ንኽህልዎ፡ ናይ ጽግዕተኛነት ባህርያት ኣብ ክንዲ ምዂስኳስ ወይ ምድንፋዕ፡ ንዘላቒ ዕብየት ዘምርሕን ዘገልግልን ንርእሰ ምርኮሳ መሰረት ዝገብርን ክኸውን ኣለዎ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ጸጋታት ንምጥቃም ትኹረት ክወሃቦን፡ ንከባብያዊ ጸገማት ከባብያዊ መፍትሒታት ንምርካብ መገዲ ዝኸፍት ክኸውንን ይግባእ። እዚ ድማ፡ ንመሃዝነት ዘተባብዕ ኵነት ብምፍጣር’ዩ ክትግበር ዝከኣል።
ፕሮጀክትታት፡ ንኣአንገድቲ መንግስታትን ማሕበረሰባትን ካብ ሓገዝ ንኽላቀቑን ከም ልምዲ ንኸይወስዱዎን ክሕግዙዎም ይግባእ። ዕላማ ናይ’ቲ ብማርሻል ፕላን ዝፍለጥ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተገብረ ልምዓታዊ ምወላ፡ ንኤውሮጳውያን ሃገራት ካብ ጽግዕተኛነት ንምግልጋል’ዩ ነይሩ። ሰሪሑ ድማ። ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዝተፈላለየ ኵነታት ከም ዝተፈጸመ ምዝካር ግን ኣገዳሲ እዩ። ዘዐወቶ ቀንዲ ምኽንያት ኣብተን ተረባሕቲ ሃገራት ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ድሮ ሱር ሰዲዶም ስለ ዝነበሩ እዩ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ’ዚ ምዕራፍ ብዕምቈት ክዛረበሉ ኣይኮንኩን።
እቲ ፕሮጀክትታት ንምትግባር ብኣአንገድቲ መንግስታትን ማሕበረሰባትን ክማልኡ ዘለዎም ኣ ገባባት ቅ ጥዕታትን ኣ ዝዮም ዝተሓላለኹን ጽንኩራትን ስለ ዝኾኑ፡ ናይ ምትሕብባር ባይታ ንኽፍጠር ኣየተባብዑን። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ጸብጻብ ረቛሒታትን ጠለባትን ዝተራቐቐን ኣዝዩ ኣድካምን እዩ። ኣአንገድቲ ሃገራት ነዚ ኣሰራርሓ'ዚ ንምእንጋድን ንምጽዋርን ጸገማት ከም ዘጓንፈን ደጋጊመን’ኳ እንተ ተማሕጸና፡ ነዚ ጕዳይ'ዚ መልሲ ንምሃብ ዝውሰድ ተበግሶ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣዕጋቢ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።
ካልእ ዘሕዝን ግን ጌና ዘይተዓረየ ጕዳይ እውን ኣሎ። ኣአንገድቲ ሃገራት ከም ንኣሽቱ መሻርኽቲ ኢየን ዝቚጸራ፡ ነቲ ምወላ ንኸይስእንኦ ስግኣት ስለ ዘሕድራ ድማ መምርሒታት መወልቲ ኣካላት ክኽተላ ይግደዳ። እቲ ትኹረት፡ ህይወት ማሕበረሰባት ወይ ናይ ተጠቀምቲ ህይወት ኣብ ምምሕያሽ ዘተኮረ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ውዕልን ዓንቀጻቱን ተተግቢሩዶ ኣይተተግበረን ኣብ ዝብል ሕቶ ዘድሃበ ይኸውን። እዚ ድማ ጸረ’ቲ መንፈስ ወፍሪ ኣህጉራዊ ልምዓት እዩ።
ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ናይ ኣአንገድቲ መንግስታትን ማሕበረሰባትን መዛኑን ብምጉሳይ፡ እቲ ፕሮጀክትታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ኤውሮጳን ሕ.መ.ኣ.ን ርእሲ ከተማታት ዝመሓደሩሉ ኣጋጣሚታት እውን ርእየ። ብዘይ ናይ’ተን ኣአንገድቲ መንግስታት ወሳኒ ተሳትፎ፡ ናይ ስራሕ ውጥንን ንጥፈታትን ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ዝካየዱሉ ኣጋጣምታት ተገንዚበ። ስለ’ዚ ድማ፡ ኣአንገድቲ መንግስታት፡ ነቶም ኣብ ሃገራቶም ዝትግበሩ ፕሮጀክትታት ክከታተሉን፡ እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ክፈልጡን፡ ገስጋስ ስራሕ ብኸመይ ክዕቀን ከም ዘለዎን ክርድኡን ይሕርብቶም። ኣንፈቶም ክጠፍኦም እንከሎ ምርኣይ ድማ ዘይልሙድ ኣይኮነን።
ብዕድመ ንኡሳት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ክኢላታት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሓደስቲ ምሩቓት (graduates)፡ ከም መምህራን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ምኩራት ክኢላታት ደቂ’ታ ኣአንጋዲት ሃገር ከይሓፈሩ ኣስተምህሮ (lecture) ዝህቡሉ ኵነታት ምህላዉ ዘተሓሳስብ ጕዳይ እዩ። መንእሰያት ኣተግበርቲ ልምዓት፡ ቅድሚ መምርሒታት ክህቡ ምፍታኖም፡ ክስምዑን ብዛዕባ'ቲ ከባብያዊ ፖለቲካዊ ቍጠባ ክፈልጡን ክርድኡን ጻዕርታት ከካይዱ ይግብኦም።
ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ባጀት ፕሮጀክትታት ብልዕለ ዋጋን (overhead) ክፍሊትን (fees) ዝተጻዕነ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ክኢላታት ደቂ ሃገር ክገብርዎ ንዝኽእሉ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ወጻእተኛታት ክኢላታት ምምርኳስ ሓደ ዓቢ ጸገም እዩ።
ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ናይ መወልቲ ትካላት ወከልቲ ኣብ ምቾት መዝሓሊ ኣየር ዘለዎ ኣብያተ ጽሕፈት ኮይኖም ፕሮጀክትታት ከካይዱ፡ ኣእጋሮም ፈጺመን ኣብ ሜዳ ዘይረግጻ ምርኣይ ዘይልሙድ ኣይኮነን።
ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኣሰራርሓ፡ ካብ ቁም ነገር ንላዕሊ ንረኣዩለይ ዝያዳ ቀዳምነት ይህብ፣ ኣብ ምምዳብ ተራ ክኢላታት ወይ ሓለፍቲ ድማ ወጻእተኛታት ዝያዳ ይምረጹ። ካብ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝመጽኡ. ወጻእተኛታት ምስ ምዕራባውያን መዛኑኦም ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ብመንጽር ደሞዝን ጥቕምታትን ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎም ምርኣይ እውን ተስፋ ዘቚርጽ እዩ።
ብናተይ ርእይቶ፡ ፕሮጀክትታት ንምትግባር ዝህሉ ሓላፍነት ናብ’ተን ኣአንገድቲ መንግስታት ክግደፍ ኣለዎ በሃላይ እየ። ኣብ መትከላት ሽርክነትን ከባብያዊ ዋንነትን ዝተመስረተ ምትሕብባር ክቐንዕ ድማ ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ውዕላትን ዝግበሩ ምወላታት ኣብ ንጹር ዋኒናዊ መትከላት (purely business terms) ክምርኰሱን ኣብ እንኮኣዊ ረብሓ ዘይኮነ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ከተኩሩን ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ እዩ። ነዞም መትከላት'ዚኦም ኣብ ግምት ኣእትዮም ዝሰርሑ ናይ መወልቲ ትካላት ቊጽሪ ይውስኽ ኣሎ።
እዞም ክውንነታት'ዚኣቶም፡ ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ኣሰራርሓታት፡ ህጹጽ ፍተሻን ጽገናን ከም ዘድሊ ዘጉልሑ እዮም።
መወከሲታት
Runde, Daniel, The American Imperative, Reclaiming Global Leadership through Soft Power, New York · Nashville, Post Hill Press, 2023
Solomon, Semere, Being Responsive to Locally Led Development: Beyond Channeling Funds to Local Organizations, Creative Associates International, September 26, 2023
Solomon, Semere, U.S.-Africa leaders summit: How can the US contribute to Africa’s development?, Creative Associates International, December 5, 2022
ይቕጽል ............................................. ናብ ምዕራፍ 6
ድሕረ-ጽሑፋት
[i] USAID, USAID Policy Framework 2011-2015. 3, https://2012-2017.usa id.gov/ sites/default/files/documents/1870/USAID%20Pol icy%20 Framework% 202011-2015.PDF Accessed on January 24, 2024
[ii] UNDP, Human Development Report 2011, Sustainability and Equity: A better Future for All http://hdr.undp.org/en/media/HDR_2010_EN_Complete_reprint. pdf (accessed on January 24, 2024)
[iii] Ibid



ሰላም ኣቶ ሰመረ።
እዚ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ጽሑፍ ኩለንትናዊ ትሕዝቶን ምህሮን ዝሓቖፈ፡ ዘይተጋነነ፡ ክውንነታዊ፡ መሃሪ ኮይኑ ረኺበዮ። ዝበዝሐ ሰብ ከምብቦን፡ ዝሰፍሐ ውጽኢት ክርከቦን መታን፡ ኣብ ማሕበራውን ሓፈሻውን ሜድያታት ክቃላሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኣየኒ። በብ 10 ደቓይቕ ተመቓቒሉ ክንበብን፡ ትሕዝቶኡ ብልክዕ ክባጻሕ ከኣ፡ ከምዛንታ ኮይኑ ክቐርብን ብድምጺ ተመሊኡ ክዝርጋሕን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ይብል።
ምጽሓፍካ ክትቅጽሎ'ሞ፡ ምኽርኻን ትምህርትኻን ናብ ወለዶታት ክሰግርን፡ ዕድመን ጥዕናን ይምነዬልካ!