እቲ ዘይተማልአ መብጽዓ፡ ንውርሻና እናኽበርና ንክውንነት ምግጣም፡ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝቀረበ መደረ
- Semere Solomon
- 2 days ago
- 8 min read
Updated: 4 hours ago
እዚ ዝስዕብ መደረ ብኣጋጣሚ ናይ ሓምሳ ዓመት ምስረታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ዝተገብረ ጽንብል ብዝተገብረለይ ዕድመ መሰረት
ብኣካል ተረኺበ ዝሃብክዎ'ዩ።
"ኣብ እቲ ዘይተማልአ መብጽዓ፡ ንውርሻና እናኽበርና ንክውንነት ምግጣም"
ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝቀረበ መደረ
ብሰመረ ሰሎሞን
24 ሓምለ 2026
ክቡራን ኣጋይሽ፡ ኣሰናዳእቲ’ዚ መደብን፡ መሳርሕተይ ነበርን ናይ ቀደም ተመሃሮን፤
ከመይ ኣምሲኹም፧

መበል 50 ዓመት ምስረታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንምጽንባል ኣብ ቅድሜኹም ምርካበይ ዓቢ ኽብሪ ይስምዓኒ። ምስ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክዛረብ ንዝተገብረለይ ዕድመ፡ ከም ኣዝዩ ልዑል ክብሪ’የ ዝርእዮ። ምስጋናይ ወሰን ከም ዘይብሉ ድማ ክገልጸልኩም ኣፍቅዱለይ።
ሎሚ ኣብዚ ኣዳራሽ ኴና፡ ኣብ ማእከል’ቲ ሓርነታዊ ኲናት ዝተወልደ ትካል ፍርቂ ዘመን ጕዕዞኡ ክነብዕል ከለና፡ ናይቶም ኣብ መንጎና ዘየለዉ ጾርን ስምዒትን ከይተሰምዓና ክንሓልፍ ኣይከኣልን’ዩ። ምሳና ኰይኖም ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክጽንብሉ ዝግብኦም ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ነዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክርእዩ ኣይበቅዑን። ንሳቶም ህይወቶም ንቕዱስ ዕላማ ናጽነት ኤርትራ በጃ ሂቦም’ዮም። ሎሚ ንዝኽሮም ኣብ ልብና ሒዝናዮ ኣለና፡ ንዘልኣለም ድማ ክንዝክሮም ኢና።
ኣብ መንጎ እቶም ሰማእታት፡ ንደቂ ተጋደልትን ህዝብን ከም መምህራን፡ ኣለይቲ፡ ኰስኰስትን መራሕትን ኰይኖም እናገልገሉ ህይወቶም ንዘወፈዩ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ተጋደልቲ ነይሮም’ዮም። ንሳቶም ኣብ ክልተ ገጽ ዘለዎ ኵናት’ዮም ተጸሚዶም ነይሮም፦ እቲ ሓደ ኣብ ኣብ ግንባራት፡ እቲ ካልእ ድማ ንድንቍርናን ካብ ሱሩ ንምምሓው። ዕማሞም ምምሃር ጥራይ ኣይነበረን፤ እንታይ ደእ ነቲ ናይ ሓዳስ ሃገር ተስፋ ዝስከም ኣእምሮ’ውን ሃኒጾም’ዮም። ሎሚ ድማ ነዚ ድርብ መስዋእቶም ከንጸምብል’ውን ይግብኣና’ዩ።
ብሕታውያን ተዘክሮታት፦ ውርሻ ቤት ትምህርቲ ሰውራ
ነዓይ እዚ ዝኽሪ’ዚ ኣዝዩ ብሕታውን ጥቡቕን ትርጉም ዘለዎ’ዩ። ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ምዕባለ ጕዕዞ በዚ ትካል’ዚ ብዓሚቝ ተቐሪጹ’ዩ። ኣብ መጨረሽታ ሰብዓታት፡ ብናይ ቀደም መሳርሕተይ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ ብዝተገብረለይ መጸዋዕታ መሰረት፡ ቅድሚ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ምኻደይ፡ ካሪኵሉም ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ምርቃቕ ንኽሕግዝ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሒደት ኣዋርሕ ኣሕሊፈ ነይረ። ጸኒሑ ድማ፡ ልክዕ ቅድሚ ብርሃን ናጽነት፡ ነታ ቤት ትምህርቲ እንደገና ክገልግል ተጸዊዐን ከም ሓላፊ ምድላው መምርሒ ትምህርቲ (ኵሪኵሉም) ኰይነ ንክሰርሕ ፍሉይ ዕድልን ክብረትን ረኺበ’የ።
እዚኣቶም ምስ ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ ዓመት ገና ዝጽምብሎም ዘለኹ ክቡራት ዝኽርታት’ዮም። እዚ ተመክሮ’ዚ፡ ኣብቲ ናይ ሓርነት ቃልሲ እጃመይ ከበርክት ዘኽኣለኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ኣነ ክህቦ ዝኽእል ዝነበርኩ ንላዕሊ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር’ዩ ምሂሩኒ። ኣብዚ ትካል’ዚ’ዩ እቲ ንምሉእ ህይወተይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንኽሰርሕ ዘበገሰኒ መሰረታዊ ፍልጠት፡ ድሌትን ኣረኣእያን ዘጥረኹ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከም ሓላፊ ውጠናን ልምዓትን ዘሕለፍክዎ ናይ ሸውዓተ ዓመታትን ናብቲ ድሕሪኡ ዝቀጸለ ናይ 25 ዓመታት ኣህጉራዊ ልምዓት ሞያዊ ጕዕዞይ’ውን ዝተሰጋገረን’ዩ።
ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ደብዳብ ነፈርቲ ኴንካ፡ ናይ መሃርን ተመሃርን፣ ናይ ብሉጽነትን ናይ ሓባር ሓልዮትን ማእከል ዝገበረ ማሕበረ ሰብ ክህነጽ ከም ዝኽእል ዘመስከረ ህያው ኣብነት’ያ።
እቲ ዝተቓለስናሉ ራእይ
እቶም ዝለዓለ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ንጹርን ብሩህን ዕላማ ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም’ዮም በጃ ሓሊፎም። ንሳቶም ናጻ፡ ውዕውዕትን ብልጽግትን ኤርትራ ክርእዩ’ዮም ተመንዮም።
ጎረባብታን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ዘድንቕዋ ሃገር’ዮም ተመኒዮም። እዚ ኣድናቖት እዚ ድማ በቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ መሰታ ዘይብሉ መስዋእቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብንጹርን በሊሕን ስትራተጅታት ብዝምራሕ ሃገራዊ ህንጸት ዝመጽእ ክኸውን’ዩ ኢሎም ኣሚኖም። ድልዱላት ትካላት፡ ተጻዋርነት ዘለዎ ዘመናዊ ቍጠባ፡ ብሉጽን ስልጡንን ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ልዕሊ ኲሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዕለታዊ ናብራኡ ንኸምሓይሽ ዘለዎም ቅኑዕ ድሌት’ዩ ነይሩ እቲ ራእዮም።
ኣብቲ ማእከል ናይዚ ራእይ’ዚ ልዕልና ሕጊ’ዩ ነይሩ። ሰማእታትና ዝተሰወኡ፡ ኣብ ፍትሓዊ፡ ቅኑዕን ስርዓታውን ናይ ምሕደራ ባይታ ዝተመስረተ ማሕበረ ሰብ ክንሃንጽ ኢና ብዝብል እምነት’ዩ—ናጽነት፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ቍጠባዊ ዕብየትን ኣብ ኲሉ ዞባታት ሃገር ዘረጋግጸ ማሕበረሰብ። ንሳቶም፡ ንሓባራዊ ርድየትን ርትዓዊ ውክልናን ቀዳምነት ዝህብ ናይ ምሕደራ መሓውር’ዮም ተመኒዮም።
እቲ ዝበርዓነ ተስፋ፦ ንኽውንነት ብጋህዲ ምግጣም
ይኹን እምበር፡ ሕጂ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ፡ ካብቲ ናይ ሓርነት ሰንደቕ ኣብ ኤርትራ ዝተሰቅለሉ እዋን ጀሚሩ ነዚ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹ፡ ብዓሚቝን ረዚንን ሓዘን እወሓጥ። እቶም ዝሓለምናዮም ተስፋታት ኣይጨበጥናዮምን። ትምኒትና ከይተማልአ ተሪፉ፡ መጻኢና ድማ ዘይውሑስ ኮይኑ ንርእዮ ኣለና።
ናጽነት ሓደ ተራ ጂኦፖለቲካዊ ወይ ድማ ልኡላውነት ዘውሓሰ ፍጻመ ጥራይ ኣይነበረን። ብፍሉይ መስዋእትን ብናይ ሓባር ጽንዓትን ዝተረኽበ ስነ ምግባራዊ ዓወት’ዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ናጽነት ዝተተሓሓዙ ትጽቢታት ግን ነይሮም’ዮም። ክብሪ፣ ተሓታትነት፣ ከምኡ’ውን ብሕጊ ደኣ’ምበር ብፍርሒ ዘይመሓደር ፖለቲካዊ ህይወት። እዞም ትጽቢታት’ኣቶም የዋህነት ዝመለለይኦም ወይ’ውን ብግዳማዊ ድርኺት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተጻዕኑ ትጽቢታት ኣይነበሩን። እንታይ ድኣ ኣብ’ቶም ነዋሕቲ ዓመታት ናይ ቃልሲ፣ ብኤርትራውያን ብባዕሎም ብተደጋጋሚን ብንጹርን ዝተገልጹን ስጋ ዝለበሱን’ዮም ነይሮም።
ይኹን’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት እቲ ብዙሓት ዜጋታት ዝተጸበይዎ ፖለቲካዊ መዓልቦ ኣይተረኽበን። ኤርትራ ናብ ዝተናወሐ ናይ ትካላትን ሲቪላዊ ህይወትን ድስካለ ወይ ናይ ውንዘፋ ኵነታት’ያ ተሸሚሚ።
ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ኵሉ ተዀሊፉ፣ ኵሉ ኣቋሪጹን ደስኪሉን። ምስምስ ናይ ጸጥታ፡ ሰናይ ስርዓተ ምሕደራ ንኸይትከል ምኽንያት ኮይኑን ኣሎን።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ምንጪ ሓድነትን ዕላማን ዝነበረ ናይ ሓርነት ቋንቋ፡ በብቑሩብ ካብ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንምህዳም ወይ ንምሕባእ ናብ ዘኽእል ቋንቋ ተለዊጡ።
ብሓርነታዊ ኲናት ዝተጨበጠ ስልጣን፡ ናብ ሲቪላዊ ስልጣን ንኽቕየር ኣይበቕዐን። እቲ ብመስዋእቲ ዝተረኽበ ተቐባልነት ወይ ሕጋውነት ኣብ ክንዲ መልክዕ ናይ ትካላውነት ዝለብስ ወይ ዝሕደስ ከም ዝኽሪ ጥራይ ተዓቂቡ። ንኤርትራ ድማ ኣብ ገደብ ኣልቦ ናይ ጸጥታ ኵነተ-ህላወ ሸሚምዋ። ከመይ ገይሩ’ዩ ሓደ ሞራላዊ ሕጋዊ ተቐባልነት ዝነበሮ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ሓርነታዊ ምንቅቓስ፡ ሓንቲ ብፖለቲካ ዝደስከለት፡ ብቝጠባ ዝሰንከለት፡ ብማሕበራዊ ሸነኽ ድማ ዝተኣደበት ሃገር ፈጢሩ፧ እዚ ዓብን በዳህን ሕቶ’ዩ።
ኤርትራ ትራጀዲ ናይ ዝተወንዘፈ ዜግነት ኮይና ንርእያ ኣለና። ሓደ ፍሉይ ባህርይ ናይ ኤርትራ ኣብ “ኵነት-ቀዋሚ ህጹጽነት” እትነብር ሃገር ምዃና’ዩ። እዚ ድማ ደይ መደይ ተባሂሉ በቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝድፍኣሉ ምስምስ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ዜግነት ንዘይተወሰነ ግዜ ተወንዚፉ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ንጹራት መሰላት ዜጋታት ወይ ድማ ብሕጊ ዝተነጸሩ (defined) ግቡኣት (obligations) ዜጋታት የለዉን ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ኤርትራ ሲቪልያዊ ደረት-ትርኢት (civilian horizon) የለን ኣንተ ተባህለ ከም ምግናን ኣይቍጸርን። እዚ ድማ ገደብ-ኣልቦ ውንዘፋ ናይ ህይወት ኣስዒቡ። ንብህይወቶም ዘለዉ ዜጋታት ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ይጸልዉዎ። ሀ) ዝተሓሸሸ ግዜ ለ) ዝተወንዘፈ ዜግነት ሐ) ባህሪ ወተሃደራውነት ዝለበሰ ህይወት ከም ንቡር ጌርካ ምውሳድ። እዚ ኸኣ ሓደ ዘይንቡር ክስተት’ዩ።
ኤርትራ ድሕሪ’ቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ሓርነት ቃልሲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ኲነታት ክትወድቅ ምርኣይ ፈጺሙ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ። ነዞም ሓቅታት’ዚኣቶም ዕሽሽ እንተ ኢልናዮም ግን ንታሪኽና ከም ምብዳል ጥራይ’ዩ ክቝጸር ዝከኣል። ነዚ ዘለናዮ ህሉው ኲነታት ብቕንዕና ንምምርማር ድማ ትብዓት ክህልወና ይግባእ።
ሎሚ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ምሕደራ ተሸሚማ ትርከብ። እቲ ብጥንቃቄ ዝተነድፈን ዝጸደቐን ናይ 1997 ዓ.ም. ቅዋም (ምስናይ ድኽመታቱ) ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን። ሃገራዊ ባይቶ ንልዕሊ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ደስኪሉ። እቲ ፖለቲካዊ ስግግር ንምውሓስ ተልእኾ ዝወሰደ ግዝያዊ መንግስቲ ንባዕሉ ናብ መሳርሒ ዕምጸጻ ተቐይሩ። እዚ ፍጹም ምልኪ ዝመለለይኡ ስርዓተ ምሕደራ ነቶም ታሪኻውያን ሃይማኖታውያን ትካላትናን መራሕቶምን’ኳ ኣይመሓረን።
መንእሰያት ኣብ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ተገዲዶምን ተሓይሮምን ይርከቡ። ዜጋታት ንመራሕቶምን መንግስቶምን ተሓተትቲ ክገብሩ ብፍጹም ስለ ዘይኽእሉ፡ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ይርከብ። ልዑል ውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጥታት’ኳ እንተ ሃለዉ፡ እቲ ናይ ሕጂ መሪሕነት፡ ናብ ፖለቲካዊ ጽገና ዝወስድ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ድሌት ኣየርእን ዘሎ።
ቍጠባውን ማሕበራውን ክሳራታት
እዚ ፖለቲካዊ ውድቀት እዚ ንማሕበረ ሰብናን ቍጠባናን’ውን ኣዕንይዎ’ዩ። ቍጠባ ኤርትራ መሰረታዊ ድሌታት ህዝቢ ዘይማልኣሉ ብናይ ዕንጋሎ ቍጠባ ተተኪኡ። ኣብ ጸብጻብ ሰብኣዊ ልምዓት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP Human Development Index)፡ ኤርትራ ካብ 195 ሃገራት መበል 175 ደረጃ ሒዛ ምርካባ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ፍሉይ መለለዪ ኽብሪ ሓርነታዊ ቃልስና ዝነበረ ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ሎሚ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ወሪዱ ኣሎ። እቶም ብብዝሒ ንስደት ዘምርሑ ዘለዉ ሰብ-ሞያ፡ ምሁራንን መንእሰያትን፡ ዓቢ ናይ ኣእምሮኣዊ ጽንተትን ዝደኸየ ውሽጣዊ ሃዋህውን ፈጢሮም ኣለዉ።
ትሕተ ቕርጺ ይዓኑ ኣሎ። ምንጪ ጸዓት ኣብ ናይ ዘልኣለማዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ይርከብ። ቀረብ ጽሩይ ማይን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ብኸቢድ ተሃሲዩ ኣሎ። ዝርጋሐ ኢንተርኔት ካብ መላእ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ እቲ ዝተሓተን ዝዘሓለን’ዩ።
እቲ ስርዓት ንዞባውያን ግጭታት፣ ቀጻሊ ዘይምርግጋእን ግዳማዊ ቍጠባዊ እገዳታትን ከም መመኽነይታ ክጥቀመሉ’ኳ እንተ ፈተነ፡ ነቲ ሓቂ ግን ከም ዘለው ከነቕርቦ ይግባእ። እቲ ዋና ዕንቅፋት ዕብየት ኤርትራ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ’ዩ መበገሲኡ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይቲ መንግስቲ ምስ ደረጃ ምዕባለ ዓለም ዘይከይድ እተሓሳስባ፣ ግጕይ መረዳእታ ናይ ዘመናዊ ልምዓት፣ ብኵራት ፖለቲካዊ ድሌትን ኣዝዩ ዝንቡዕ ናይ ግዳም ፖሊሲን ዝምንጩ’ዩ።
እቲ ዝዓበየ ህያው ምስክር ናይዚ ውድቀት እዚ፣ እቲ ቀጻሊ ኮይኑ ዘሎ ዓቢ ስደት መንእሰያትና’ዩ። ንሳቶም ካብታ ወለዶም ናጻ ከውጽእዋ ህይወቶም ዝከፈሉላ መሬት’ዮም ዝእለዩ ዘለዉ። ነዚ ኲነታት’ዚ ዝያዳ ዘብእስ ድማ፣ እቲ ተለዋዋጢ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኲነታትን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽን ሓደገኛን ወተሃደራዊ ግጭት ክኽሰት ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑንዩ።
እቲ ናይ መጻኢ ጕዕዞን ናይቲ ተቓውሞ ብድሆታትን
ነቲ ህጹጽ መልሲ ንምርካብ ናብቲ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ገጽና እንተ ኣተኰርና’ውን፡ ካልእ ዘሰክፍ ኵነታት ንዕዘብ። ሕጂ ዘሎ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፡ ብኣረእኣያ ኣብ ሓደ ዘይዓሰለን ዘይስጡምን’ዩ። ኣብ ሓባራዊ ባይታ ንምምጽኡ ቀጻሊ ፈተነታት’ኳ እንተ ሃለዉ፡ ግዜ ግን ይጠፍኣና ኣሎ። እቲ ብዝሒ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ንባዕሉ ኣንጻራዊ ውጽኢት’ዩ ዘምጽእ ዘሎ። ንህዝቢ ኤርትራ—ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰይኑ ብዝኸበደ መገዲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና—ግቡእን ደሞክራስያውን ኣማራጺ ኣብ ምህናጽ ክውዕል ዝግብኦ ዝነበረ ሓይሊ፡ እቲ ዝበዝሐ ግዜን ጸዓትን ንሓድሕድካ ኣብ ምውንጃል’ዩ ዝጠፍእ ዘሎ።
መደምደምታ
ክቡራት ፈተውተይን መማህርተይን መቓልስተይን፤
ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ትምህርቲ እቲ ዝለዓለ ናይ ሓርነት መሳርሒ’ዩ ዝብል እምነት መሰረት ገይሩ’ዩ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ተሃኒጹ። “መጻኢ ናይ መንእሰያት’ዩ”፣ “ሓደ ማሕበረ ሰብ ክቕጽል እንተ ኰይኑ ድማ ኣብ መንእሰያቱ ከውፍር ከም ዘለዎ” ዝብል ጽኑዕ ሓሳብ ሒዙ’ዩ ተመስሪቱ።
እነሆ 50 ዓመት ምስረታኡ ኣብ እነጸምብለሉ ዘለና እዋን፡ ብናፍቆት ንድሕሪት ጥራይ ኣይንጠምት። ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝኽሪ፡ ነቲ ናይ ሓቀኛ ቃልስና ክብርታት እንደገና ንምግንጻልን ንምቕጻልን ንጠቐመሉ። ነቶም ሰማእታትና፡ ነቶም ኵርሽ ኣብ ኢዶም ሒዞም ዝወደቁ መምህራና፡ ኣለይትናን ኰስኰስትናን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ኤርትራውያን፡ ነቲ ምእንታኡ ዝተኸፍለ ዓቢ መስዋእቲ ዝምጥን ተራን ሃገርን ክንሓትትን ክንሰርሕን ግቡእ ኣሎና። ኣብ መጨረሽታ በዘን ዝስዕባ ቃላት ክፋነወኩም፦
ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበርን ፈተውቶምን ዘቕርቦ ዘለኹ መደረ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣይኮነን። ንኤርትራ ከም ሓንቲ ዝፈሸለት ወይ ተስፋ ዘይብላ ሃገር፣ ወይ’ውን ከም ሓንቲ ባህላዊት ግድል ወይ’ውን ከም ሓንቲ ህዝባ ንደሞክራሲ ዘይተቐረበ ሃገር ንምቕራብ’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ከም ሓንቲ ዝተጠልመት ፕሮጀክት።
ናይ ኤርትራ ትራጀዲ፡ ንድሕሪት ምንቍልቋላ ወይ ጐተት ምባላ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከተዳምጽ ፍቓደኛ ዘይምዃና ንምብራህ’ዩ። ታሪኽ ተራቕቖ (abstract) ዘይኮነስ ብህይወት ዝንበር ተመክሮ’ዩ። ስለዚ፡ ንታሪኽ ከም ሓደ ዕጹው ምዕራፍ ጌርና ክንርእዮ ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ከም ሓደ ዝፈልቕ ዘሎ መስርሕ።
ናይ ኤርትራ ቀንዲ ሽግር እቲ ተዀሊፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ስግግር’ዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሳዕቤን ግዳማዊ ጸቕጥታት—ዞባዊ ዘይምርግጋእ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ተነጽሎ፡ ወይ ድማ ዘይተፈትሐ ግጭት—ከም ዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ወላ’ኳ’ዞም ረቛሒታት ጽልዋ ኣይነበሮምን እንተ ዘይተባህለ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ዘይምሉእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣጋጋዪ’ውን’ዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጕዕዞ፡ ከም ሳዕቤን ኵነታት ዘይኮነስ፡ ከም ውጽኢት ናይ ሓደ ኮነ ተባሂሉ ዝተቐረጸ ፖለቲካዊ ሕርያ ናይ መራሕትቱ ጌርካ ክርአ ይግባእ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸ መሪሕነት፡ ኣብ ክንዲ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘተኣታቱ፡ ንቝጽጽር ከም መርሓ ጐደና ምሕደራኡ ብምምራጽ፡ ኣብ ክንዲ ስትራትጅያዊ ረብሓ ሃገር፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ኣቐዲሙ። ፖለቲካዊ ሕርያኡ ንሱ ምዃኑ ድማ ደጋጊሙ ኣነጺሩ። ሽግራና’ምበኣር ሽግር ውልቀ ሰባት ኣይኮነን። መዋቕራዊ (structural) ሽግር’ዩ።
ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከየዕነወት ወይ ርእሰ ቕትለት ከይፈጸመት ክትሕደስ ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ድሕረ ለውጢ፡ ኤርትራውያን ፍልልያቶም ኣናማሕደሩ ብሓባር ክነብሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ነቕ ዘይብል ተስፋ’ውን ኣለኒ። ከም’ቶም ፖለቲካዊ ስግግር ንኸይግበር ዝሓንገዱ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ሕርያና ነዚ ንምውሓስ ካብ ኮነ ዘይንዕወተሉ ምኽንያት ኣይርአየንን።
እቲ ሕቶ’ምበኣር፡ ኣብ ኤርትራ ከመይ ገይሩ እዚ መብጽዓ’ዚ ይትግበር ዝብል’ዩ። ካልእ ኣማራጺ የለን እንትርፎ ብሕዳሰ (renewal)። ሕደሳ ክመጽእ እንተ ኾይኑ ግን ኣብ ሕማም ረሲዕ ክምስረት ከም ዘይክእል ምጕላሕ ከድሊ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ፍታሕ ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ናይ 35 ዓመታት መሪር ተመክሮ’ዩ ዝርከብ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ዝብግኦ ኣስተንትኖት ክወሃቦ ዝግባእ።
ነዚ ንምንጻር’ምበኣር ኣተኵሮና ካብ ምልላይ ብድሆታት፡ ምቅላዕ ፍሽለታት፣ ምስናድ ፍልልያት—ኣብ መንጎ መብጽዓን ክውንነትን— ወይ’ውን “ካብ እንታይ ደኣ ተረኽበ፧ ኢልካ ምቝዛም ናብ ‘ስለ ምንታይ ይቕጽል ኣሎ፧’ “እንታይ’ዩ መፍትሒኡ፧” ኣብ ዝብሉ ክትዓት ከምርሕ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክምዕብሉ ዝኽእሉ ክስተታት ስምዕታ እናቕረብና ዝኽርታት’ውን ከይድምሰሱ ጻዕሪ ምግባር ከድልየና’ዩ።
ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም’ምበኣር፡ ዕላማና ነቲ ዝተዀልፈ ፖለቲካዊ ስግግር ከመይ ጌርና እንደገና ከም እነበጋግሶ፡ ወይ ድማ መስመር ሓዲድ ንዝሰሓተ ጕዕዞ ከመይ ጌርና ከም እነስተካኽሎ መብጽዓ እንእትወሉ ዕለት’ዩ።
ምምሕዳራት ግዝያውያን’ዮም፣ ይመጹ ይኸዱ፣ ይቕልቀሉ ይበኑ። እንተ ብሕግታት ተፈጥሮ፡ እንተስ ብኻልኦት ኣገባባት። ብሃገር ዝውከል ህዝቢ ግን ቀዋሚ’ዩ። ህላወኡ ግን ከም ውሁብ ክውሰድ ኣይግባእን። እታ ብሃገራዊ መንነት ትንፋስ ዝተዘርኣላ ሃገር ወትሩ ክትኵስኰስ ኣሎዋ። ህላወኣ ከም ብሌን ዓይኒ ብጥንቓቀ ክሕሎ ኣሎዎ። ምልኣታ ንምውሓስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትፈልቕ (evolve) ኣለዋ።
ምስ ዝለዋወጡ ኵነታት ክትናበብን ክትብድህ ዘኽእላ ዓቕምን ክትድልብ ኣሎዋ። ነበረያ ነበረ ከይትኸውን ምእንቲ። እዚ ዕማም’ዚ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናይ ዜጋታት ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ኤርትራዊ ዝምልከት’ዩ። ወላ’ውን’ቶም ደገፍቲ’ቲ ስርዓት ኢና እንብል፡ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣትያ ከም ዘላ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ንመጻኢ ትውልዲ እንገድፈሉ ውርሻ ሓደ’ዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ከም ‘ኣደ’ ንዅሉ ሓቛፊት ዝኾነት ኤርትራ። ንልምዓታ እተውሕስ ኤርትራ።
ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ዕድመ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዙሕ'ዩ። ኣብ ዕድመ ሓደ ህዝቢ ግን ሓደ ሓጺር ናይ ታሪኽ ምዕራፍ’ዩ። ንለውጢ ክንሓስብ እንከለና’ምበኣር ብዓይኒ’ዚ ኣጠማምታ’ዚ ክንርእዮ ዝግባእ ይመስለኒ። መጻኢ ናይዚ ሓድሽ ወለዶን ብድሕሪኡ ዝፍጠር ወለዶን ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ። እቲ ሕቶ’ምበኣር ሕቶ ወለዶኣዊ ውርሻ’ዩ። ነዚ ግን ተዳሊና ዲና፧ ድሕሪ ለውጢ ንኽምዕብሉ ዝኽእሉ ክስተታት ሓሲብናሎም ዲና፧ እዚ’ዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ። “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ከይክውን ነገሩ እንታይ’ዩ ክግበር ዘለዎ።
ነዚ ንምትግባር ድማ እቶ እንኮ ምርጫ ናይ ኵሎም ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝነብሩ ደለይቲ ለውጢ ነቲ ዝሓንገደ መሪሕነትን ዘሳስዮም ናይ ዕንወት፡ ራዕድን ከበባን ኣተሓሳስባታት (siege mentality) ኣሊኻ ብመገዲ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ ኣቢልካ ንኵሉ ዝሓቝፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ምትካል’ዩ። ነዚ ከመይ ጌርና ቅርጺ ከም እነልብሶ ምሕሳብ ከድልየና’ዩ።
ኤርትራውያን ሓባራዊ መጻኢ ንኽሃንጹ ዘኽእሎም ሞራላዊ ዝኽሪ ዝሳስዩ ህዝቢ’ዮም። እዚ ዓቢ ጸጋ’ዩ። እዛ መደረ’ዚ’ምበኣር ንዘለዉ ጋጋት ንምዕጻው ትጽቢት ዝግበረሉ ድልድል ኮይኑ ክውሰድ አተሓሳስብ። ንኣብ መንጎ ተኣማንነትን ነቐፌታን፣ ዝኽርን ተሓታትነትን፣ ምርግጋእን ፍትሕን ዘለዉ ምፍሕፋሓት ዘተዓርቕ ኮይኑ ክርአ እላቦ። እዚ መደረ’ዚ ምስቶም ብዛዕባ’ታ ‘ድሕሪ ፍርሒ’ ዘላ መዓልቲ ዝሓስቡ ዜጋታት ግን እትቃዶ መሲላ ትርአየኒ። ከመ’ሲ ናይ ኤርትራ መጻኢ ኣብ ምትካእ መራሕቲ ጥራይ ዝምርኰስ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሞራላዊ፣ ሕጋውን ሰብኣውን ደረታት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ትዅረት ዝህብ ስለ ዝኾነ።
ራእይ ንሓዳስ ኤርትራ
እዚ ራእይ’ዚ፡ ኤርትራ ብጐረባብታን ብማሕበረሰብ ዓለምን ዝተኸብረት ሃገር ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። እዚ እኽብሮት’ዚ ድማ ካብቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ኩሉ-ሸነኻዊ ስትራተጂን ዕላማን ህንጸት ሃገር ዝምንጩ ክኸውን እዩ።
እዚ ሃገራዊ ራእይ እዚ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ኣዕማድ ዝተሰረተ’ዩ፡-
ሰናይ ምሕደራን ልምዓት ዓቕሚ ሰብን፦ ኣብነታዊ ምሕደራን ግዝኣተ ሕግን ብምስፋን፡ ድልዱልን ዘመናውን ቍጠባ ብምህናጽ፡ ከምኡ’ውን ልዑልን ጠቓምን ትምህርትን ስልጠናን ዝዓጠቐ ዓቕሚ ሰብ ብምፍራይ፡ ንዝሓሸ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ሓልዮት ምግሃድ።
ማሕበራዊ ፍትሕን ቁጠባዊ ዕብየትን፦ ንመትከላት ማሕበራዊ ፍትሒ ማእከል ዝገበረን ድሌታትን ባህግታትን መላእ ሕብረተሰብ ኣብ ምምላእ ዝተሰረተን ቍጠባዊ ልምዓት ምርግጋጽ።
ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ፦ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ተሳትፎአን ዝጠልብ፡ ድሌተንን ባህገንን ዘማልእ ኩነታት ምፍጣር።
ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምኒ ምስጋናይ ወሰን የብሉን።