top of page
Search

ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 4፡ ካልኣይ ገጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ሰማንያታት ክሳዕ 1991 ዓ.ም.

 

 

ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን 

ምዕራፍ 4፡ ካልኣይ ገጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ሰማንያታት ክሳዕ 1991 ዓ.ም.

 

(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)

 

ካልኣይ ገጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ሰማንያታት ክሳዕ 1991 ዓ.ም.


4.1  ባህርያት/መለየዪታት

ሰማንያታት ብሓደ ዕግርግር ዝመልኦን ዘሕዝንን ፖለቲካዊ ኵነታት ኢዩ ዝልለ። ክልቲኦም ግንባራት ፍልልያቶም ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም ዳግማይ ኲናት ሓድሕድ ንክውላዕ ጠንቂ ኮይኑ። ኣብ ክልቲኡ ወገን ዓቢ ክሳራታት ብምስዓብ ድማ ስቓይ ህዝብና ንክቕጽል ምኽንያት ኮይኑ።


ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብክብደት ግዳማዊ ጸቕጥታትን (ኲናት ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ውሽጣዊ ምስሕሓባትን ምስ ተበታተነት፡ ኣባላታ ናብ ርሑቕ ሃገራት፡ ከም ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ ዝበታተነ ጃምላዊ ስደት ኣጋጢምዎም። ኣብ’ቶም ተስፋ ዝቖረጹ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ምረትን ቁጥዐን ነድርን ነጊሱ። ኣብ ዲያስፖራ ንዓብላልነት ህዝባዊ ግንባር ዝፈታተን ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ሓይሊ ንምዃን ድማ ፈቲኖም።


ኣብ’ቲ ዉዕዉዕን ርሱንን ኵነታት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሜዳ ኤርትራ በዳሂ ዘይብሉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ኮይኑ ወጺኡ። ኣብ ሞንጎ'ቲ ዝለዋወጥ ዝነበረ ውሽጣዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ድማ ሓደ ወሳኒ ህሞት ተኸሲቱ፣ ብሳግም ዝፍለጥ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈንጨለ ውድብ፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ፡ ምስ’ቲ ውድብ ብወግዒ ተጸምቢሩ። እዚ ናይ ክልቲኦም ወገናት ውህደት’ዚ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ዘተን ናይ ሓባር ጻዕርን’ዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መልክዐ መሬት ኤርትራ ሓደ ኣገዳሲ ምዕባለ ነይሩ።


እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዘይሕለል ናይ ምርብራብ ኲናት ቀጺሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዞባ ሳሕል መደምደምታኡ ረኺቡ። እቲ ወሳኒ ህሞት ምስ’ቲ ኣብ ኣፍዓበትን ከባቢኣን ዝተፈጸመ ምዕናው ናደው እዝ ዓቢ ምዕራፍ ኣበሲሩ። እዚ ድማ ንስርዓት ደርጊ (ገዛኢ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ) ናይ ፍጻመኡ መጀመርታ ነበረ።


ብደገ፡ ኣብ’ቲ ብዕግርግር ዝፍለጥ ናይ’ዚ ከባቢ ታሪኽ፡ ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት ጽፍሕታት ደርጊ ምፍልላይ ክቕልቀል ጀሚሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ ስርዓት መንግስቱ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ። ናይ’ዚ ደፋር ዕልዋ መንግስቲ ሃንደስቲ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፣ ጀነራል መርዕድ ንጉሰ ድማ ቀንዲ ቀያሲ ናይ’ቲ ውዲት ኮይኑ ተረኽበ’ሞ ብሞት ተቐጽዐ። ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጠሞም።


ኣብ’ቲ ግዜ'ቲ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ መድረኽ ሓደ ኣዎንታዊ ምዕባለ ተራእዩ። ርክብ ህግሓኤን ህወሓትን እንደገና ንምድልዳል ባይታ ዝንጸፈሉ ኵነታት ተፈጢሩ። እዚ ዘጉላዕልዕ ዝነበረ ምሕዝነት'ዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንክካየድ መገዲ ዝጸረገ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ናይ’ቲ ዞባ ኣገዳሲ ጽልዋ እውን ኣሕዲሩ።


ግዜ ተለዊጡ፡ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1991 ዓ.ም. ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ኣተዉ። እዚ ድማ፡ ነቲ ብኲናትን ዕግርግርን ዝልለ ዝነበረ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዚያዊ ምርግጋእ ፈጢሩሉ። ኣብ መንጎ'ተን ተቐናንቐንቲ ዝነበራ ክልተ ሃገራት ድማ ናይ ፖለቲካ ሕጽኖት ተጀሚሩ።


እቲ ጂኦፖለቲካዊ መልክዕ መሬት እናተለወጠ ምስ ከደ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን መራሒ ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተነጸለ መጸ። እዚ ተነጽሎ'ዚ ምስ’ቲ ኣብ ሕብረት ሶቭየት እተኸስተ "ፐረስትሮይካ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ዘመን ተጋጢሙ። እዚ ናይ ጽገናን ዳግመ ውደባን እዋን'ዚ ኣብ መወዳእታ ናብ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣምረሐ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ብህዝባዊ ፖለቲካዊ ናዕብታት ፖለቲካዊ መልክዑ ዳግማይ ዝቕረጽ ዝነበረ ምብራቕ ኤውሮጳ እውን ዘመነ ኮምዩኒዝም ከም ዘብቅዕ ገይሩ እዩ።


ኣብ መንጎ'ዚ ድራማ ዝመልኦ ፍጻመታት'ዚ፡ እቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ብርክት ዝበላ ማሕበርነታውያን ሃገራት ውህደት ተበታተነ። ኣብ ዓለም ድማ ሓድሽ ተርእዮ ተቐልቀለ። ካብ ክልተ ቀጽራዊ ዓለም ናብ እንኮ ቀጽራዊ ዓለም ምኻድ።


4.2 ንናጽነት ኤርትራ ኣበርክቶ ዝገበሩ ረቛሒታት

ኣብ’ቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ኣኽብሮትን ሞጎስን ዝግብኦ፡ እቲ ብጽኑዕ ኒሕን ወንን ቆራጽነትን ክሳዕ መወዳእታ ደው ዝበለን ብተጻዋርነቱ ዝልለን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ፍልልያቶም ብረጽሚ ዝልለ’ኳ እንተ ነበረ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ባህግታቱ ክዉን ንምግባር ስለ ዘገልገሉ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ይግብኦም ኢዩ። ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝረኸቡዎ ዓወት ኣበርክቶ ኣሎኒ ንምባል መሰሉ ክኽልክሎ ዝኽእል ሓይሊ የለን። እቶም ናይ ክልቴኡ ውዳበታት ምዑታት ተጋደልቲ ሓርነት፡ በቲ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ (ብፍላይ ድማ መስዋእቲ ንእስነቶም)፡ ናእዳ ይግብኦም እዩ። ንሰማእታትናን ከምኡ እውን ስንኩላን ኲናት፡ ንዕላማ ኢሎም ህይወቶም ስለ ዝወፈዩ ዝለዓለ ክብሪ ክንህቦም ይግባእ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ገዚፍ ዓወት’ዚ ከምጽእ ብምኽኣሉ ክብሪ ይግብኦ፡ ምኽንያቱ መዘና ዘይብሉ ደገፉ ንክልቲኡ ውዳበታት እንተ ዘይህብ ነይሩ ምንቅስቓስ ናጽነት ኣይምተዓወተን።


ዓወት ኲናት ንናጽነት፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ፖለቲካዊ ጸግዒ ብዘየገድስ፡ ከም ጥርዚ ናይ’ቲ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ መታሕት ይኹኑ ደቂ ከበሳ፡ ኣመንቲ ምስልምና ይኹኑ ክርስትና፡ ከምኡ እውን ኵለን ብሄራት ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኮይኑ ክረአ ይግባእ።


ነቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ብኢድ ብጾቶም ዝጠፍኡ፡ ከም ናይ’ቲ ብመንካዕ ዝፍለጥ ናይ 1973 ዓ.ም. ናይ ጽገና ምንቅስቓስ፡ ከምኡ እውን የሚን፡ ፋሉል[i] እናተባህሉ ዝጽውዑ ዜጋታት፡ ንኣበርክትኦም ኣፍልጦ ምሃብን ምዝካርን እውን ኣገዳሲ እዩ። ከም ገዲም ኣባል ህዝባዊ ግንባር መጠን፡ ብዘይካ ሕቶታት ምሕታት ካልእ ገበን ዘይብሎም (ሸለል ክብሃለሎም ዝግባእ) ደቂ ቤት ትምህርተይን መተዓብይተይን ካልኦት ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ዝቃለሱ ዝነበሩ መንእሰያትን ምቕታልን ምሕቃቕን ሞራሎም ምሕምሻሽን ክኹነንን ክውቀስን ዝግብኦ ታሪኻዊ ገበን ኮይኑ እረኽቦ።


ኣነ፡ ነቲ መሪሕነት ሰውራ ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ ኲናት ዝገበሮ ልዑል ኣበርክቶ ብዘየወላውል መገዲ ግቡእ ኣፍልጦ ክህቦ ግቡእ ይመስለኒ። ከም’ዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ኣብ ልዕሊ እዞም ንጹሃት ዜጋትት ዝፈጸሞ ግፍዒ ብዘየወላውል መገድን ብግልጽን ይኹንኖ። ካብ’ቲ ናይ’ቲ መሪሕነት ፍልይ ዝበሉ ኣረኣእያታት ዘለዎም ሰባት፡ ኣረኣእያታቶም ክሳሰዩን ወይ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክፍትሑን ይግባእ ነይሩ፣ እንተ ኸፍአ ድማ ውልቀ ሰባት ካብ መሳርዕ ናይ’ቲ ግንባር ብሰላም ዝፋነዉሉ መገዲ ክፍጠር ነይርዎ። እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ኣብ’ዚ እዋን'ዚ ንዕዘቦ ዘለና ኵነታት፡ ሱሩ ኣብ’ቲ ግዜ ኲናት ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ባህሊ’ዩ ነይሩ። ሳዕሪሩ ድማ።


ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ፡ ንህሓሓኤ ንምጽጋን እምበር ንኸፍርሶ ዕላማ ኣይነበሮን ዝብል እምነት ኣለኒ ምኽንያቱ ድማ ኣባላቱ (ብዙሓት ካባኣቶም ብቐረባ ዝፈልጦምን ልቢ ንልቢ ዘዕለልክዎምን) ከም ካልኦት ኣባላት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ሃገራውያን ብውሑዱ፡ እንተ ዘይኮነ ድማ ገስገስቲ እዮም ነይሮም። ህሓሓኤ፡ ንመሰላት ኣባላቱ ንምሕላው ብዝሓሸ ኣገባብ ክሰርሕ ነይሩዎ በሃልቲ እዮም ነይሮም። ከም’ቲ ብመሪሕነት ዝተሰየመ "ኣዕናዊ ምንቅስቓስ" ኣይነበረን። ናይዞም ኣባላት ወለዲ፡ ደቆም ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝሞቱ’ኳ ኣይተሓበሩን። ከመይ ዝበለ ነውራም ተግባር!


ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዘይተኣደነ ምንባሩ፡ ብገምጋም 65 ሽሕ ከም ዝተሰውኡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይሕብር (ፕረሲደንት ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ)። እቲ መስዋእቲ ክንዮ'ቲ ህይወት ምጥፋእ ይኸይድ። ናይ’ቲ ኲናት ተወሰኽቲ ሳዕቤናት በዞም ዝስዕቡ ክጠቓለሉ ይኽእሉ እዮም፤ ዝመኸነ ቁጠባዊ ዕድላት፡ ብሰንኪ እቲ ዝተናውሐ ኲናት ዝሰዓበ ምምዝባል (ውሽጣውን ስደት ናብ ካልኦት ሃገራትን) ህዝቢ፡ ዕንወት ማሕበራዊ መዋቅር፡ ምብትታን ስድራ ቤትን፡ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ክፋል ናይ’ቲ ህዝቢ ዝወረደ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላን ከምኡ እውን በቲ ብድሕሪ ብርቱዕ ስንባደ ዝመጽእ ጸቕጢ ኣእምሮ (PTSD) ዝሳቐዩ ተጋደልትን ህዝብን። እቲ ዘገርም ግን ብዙሓት ተጋደልቲ ነበር ብPTSD ከም ዝሳቐዩ ኣፍልጦ የብሎምን ወይ እውን ኣይኣምኑሉን እዮም።


ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ምፍልላይ ፖለቲካ ክሳዕ ሕጂ ዘሰክፈና ዘሎ ጾር ኮይኑ ኣሎ።


ካልኦት ነቲ ዓወት ኣበርክቶ ዝገበሩ ረቛሒታት እውን ኣቃሊልካ ክረኣዩ የብሎምን። እዚ’ኣቶም ከኣ ነቲ ተቓወምቲ ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ ኵነታት ንምቕያር ዝገበሩዎ ልዑል ኣበርክቶን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ደርጊ ዝተራእየ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጥን የጠቓልል።


ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እውን፡ ግሎባዊ ፍጻሜታትን ምቅይያራትን ኣብ ቃልሲ ናጽነት ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ ነበረ። ምብትታን ሕብረት ሶቭየት (ንስርዓት ደርጊ ዓቢ ወተሃደራዊ ናውቲ ዘቕርብን ዲፕሎማሲያዊ ደገፍ ዝህብን ዝነበረ)፡ ውድቀት ከምኡ እውን ምፍራስ መንደቕ በርሊንን ነቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ንውድቀት ምልካውያን ስርዓታት መገዲ ዝኸፈተ ህዝባዊ ናዕብታትን ከም ኣገደስቲ ፍጻሜታት ኮይኖም ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብሓፈሻ ሃፈጽታ ናይ’ቲ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ዓውዲ (arena) ብሓፈሻ ዝመጸ ለውጢ እውን ንውጽኢት ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ምጽላው ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።


4.3 ብዘይ ሕቡእ ውድብ ናጽነት ክውን ክኸውን ይኽእል ነይሩ ድዩ?

ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ዝተዘተየሉ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝንቀሳቐስ ሕቡእ ማርክሳዊ ሌኒናዊ ውድብ ነይሩ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብዘይ መሪሕነት ናይ’ዚ ሕቡእ ሰልፊ (ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ፡ ድሓር ማሕበርነታዊ ፓርቲ ተባሂሉ ዝተሰየመ)፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ዓ.ም. ናጽነታ ኣይምረኸበትን ነይራ ዝብል ብሂል ብዝተፈላለዩ ሰባት ይቃላሕ እዩ።


ነዚ ርእይቶ'ዚ ክገጥመሉ እደሊ። በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፥ ሓርነታዊ ቃልሲ ንክዕወት ቅኑዕ ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዕላማ መሰረት ብምግባር ንህዝቢ ከሕብርን ዓቕሙ ከጎሳጉስን ዝኽእል ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ እውን ይሓትት ነይሩ እዩ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣዝዩ ብሱል ብምንባሩ፡ ተራ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐንዱ፡ ብኣድማዒ መገዲ ቅኑዕ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ምትሕልላፍን በዚ መሰረት ድማ ዝድለ መሪሕነትን ምምእዛናን ምሃብ’ዩ ነይሩ።


ኣብ’ተን ቀዳሞት ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ዘይነበረ ተመክሮ ኤርትራ ይሕብር። ነቲ ናይ’ቲ እዋን ብድሆታት ክገጥም ዝኽእል ውድብ ወይ ውድባት ከም ዝፍጠራ ንምግባር ግዜን ብዙሕ መስዋእትን ወሲዱ እዩ። እተን ቀዳሞት ዓመታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘላቒ ምሕደራ (management) ናይ’ቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ብድሆትት ምትኳር፡ እቲ ዝበዝሐ ግዜ፡ ጉጅላዊ ፖለቲካዊ ረብሓታትካ ንምርዋይ ማሕበረ ቁጠባዊ ፍልልያት ኣብ ምምዝማዝ ትኹረት ዝተገብረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።


ብቐንዱ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብህጹጽነት ኲናትን በቲ ሽዑ ዝተኸስተ ቅልውላውን ዝድረኽ ድልዱል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውድብ ድሕሪ ምቛሙ፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ምእኩልን ዲሲፕሊን ዘለዎን ኣቃውማ ዘድለዮ ክኸውን ከም ዝኽእል ምእማን ርትዓዊ እዩ። እዚ ማለት ግን ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሕቡእ ውድብ ጌርካ ጥራይ ኢዩ ክእለ ዝነበሮ፡ ወይ ድማ ነዚ እገባብ’ዚ ተጠቒምካ ምልካዊ ስልጣን ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ ነይሩ ማለት ግን ኣይኮነን። ከም’ዚ ዝበለ ኣብ ምልኪ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስልጣን እንተ ዘይህሉ፡ ዓወት ክብጻሕ ኣይከእልን ነይሩ ድዩ ንዝብል ሕቶ ጥንቁቕ ኣስተንትኖ ዝሓትት እምበር ከም ንቡር ክውሰድ ኣይግባእን። እዚ፡ ዓሚቝ ምስትንታን ዘድልዮ ሓባራዊ ዘተ (reflection) ዘድልዮ ጉዳይ እውን እዩ። እዚ፡ ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ሓደ ሓቂ ግን ንጹር ኮይኑ ኣሎ፥ እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ህሉዊ ምልካዊ ኣሰራርሓ፡ ብሃንደበት ዝተኸሰተ ወይ እውን ከም ማና ካብ ሰማይ ዱብ ዝበለ ኣይኮነን። እቲ ሱሩ ካብ ዘመን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመንጨወ ኮይኑ ኣብ ንውሕ ዝበለ እዋን ዝጨብጨበን ዝተጠናኸረን እዩ።


ኣብ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝነበረ ኵነታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ እቲ ነቲ ሕቡእ ሰልፊ ዝኣሊ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ልሂቅ፡ በቲ ሕቡእ ሰልፊ ኣቢሉ እሙናት (ናይ ግድን ማርክሳውያን ወይ ማሕበርነታውያን ዘይኮኑ) ሰዓብቲ ንምፍጣር ተጠቒሙሉ እዩ። እዚ ድማ፡ ብዋጋ ናጻን ነቐፌታውን ኣተሓሳስባ ናይ ኣሜን በሃልነትን ልኡምነትን ባህሊ ኣማዕቢሉ። ብድሌት ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ኣካል ዝግዛእን ንዑኡ ዝምእዘዝን ዕስለ (collective) ንክፍጠር ድማ ኣበርክቶ ገይሩ። ህዝባዊ ግንባር፡ በቲ ሕቡእ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣቢሉ፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱን ካልኦትን (ኣባላት ግንባርን፡ ሓፋሽ ህዝብን) ደረት ዘይብሉ ፍልልይ ፈጢሩ። መዓልታዊ ጉዳያቱ ብፍጹም ምስጢር ዘካይድ ምስጢራዊ ማሕበረሰብ መስሪቱ። እዚ ናይ ምስጢርን ውዲትን ባህሊ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዘይ ምቁራጽ ቀጺሉ። ኣብ’ዚ ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ሓቂ ኣሎ፡ ንሱ ድማ፡ ኣብ’ቲ መጀመርያ እውን፡ ሰባት ናብ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ንምሕጻይ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ቀንዲ መለክዒ (criterion) እቲ ኣብ ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ዝነበሮም ኣረኣእያ እዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምንቅስቓስ ፍጹም ተቓዋሚ ምዃንን ምኹናንን ማለት እዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ንመብዛሕትኦም ሰዓብቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ንምውጋን ወይ ንምውሳን (marginalize) ተባሂሉ ዝተማህዘ ሜላ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣባላት'ቲ ምንቅስቓስ፡ ምሁራት ወይ ድማ ተመሃሮ ከም ዝነበሩ ምዝካር ድማ ጠቓሚ ይኸውን። ብዝሖምን ዓይነቶምን ዘይንዓቕ ከም ዘይነበረ ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ኣነ ብወገነይ በብውልቆም ክርእዮም እንከለኹ ከም ስሕት ኢልካ እትረኽቦም ክቡራት ኣእማን (rare stones) ገይረ’የ ዝገልጾም። ብልሒ፡ ንቕሓት፡ ተወፋይነት፡ ምዕቡል ኣተሓሳስባ፡ ጉብዝና፡ ትብዓት፡ ምትዕጽጻፍን፡ ዘይተጸዓድነት ኣብ ጽንኩር ኵነታት፡ ንጌጋታት ብድፍረት ምብዳህ ዝመለለይኦም ገስገስቲ ብጾት ገየረ’የ ዝወስዶም። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ምምራሕን ምዕዋትን ሰውራ ክነብሮም ዝኽእል ዝነበረ ኣስተዋጽኦ ድማ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይምኾነን። ናይ’ቲ ሽዑ እዋን ላህመት (cream) ናይ’ቲ ሰውራ ተባሂሎም እንተ ተገልጹ እውን ምግናን ኣይኮነን።


ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ርኢናዮ፡ እቲ ውድብ፡ እሙናት (ብምኽንያት’ቲ ምስ’ቲ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝኾነ ውድብ ዘለዎም ጸግዒ፡ ንነብሶም ከም ፍሉያትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ጸብለልትነትን ከም ዘለዎምን ጌሮም ዝርእዩ ውልቀ ሰባት) ዝብሎም ሰባት ብምውዳብን ከም መቈጻጸርን መገደድን መካኒዝም ኮይኑ ንከገልግል ንፍሉይ ዕላማ ዝተመስረተ ውድብ’ዩ ነይሩ።


ኣባላት ሕቡእ ሰልፊ፡ ኣባላት ንዘይኮኑ ሰባት ብጥርጣረ ይከታተሉዎም ነይሮም፥ (ኣብ ውሽጢ ኣኼባታትን ካብ ኣኼባታት ወጻእን)። ተራ ኣባላት ግንባር (ኣባላት ሰልፊ ዘይኮኑ) እንታይ ባህርያት ከም ዘርእዩ፡ ምስ መን ከም ዝራኸቡ፡ እንታይ ከም ዝዛረቡን ዘዕልሉን፡ ንዝተፈላለየ ኵነታት እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ከም ዝህቡ ብዝምልከት ንነዊሕ ናይ ለይታዊ ሰዓታት ክዝትዩ ይሓድሩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኵነታት፡ ኣባል ሰልፊ ዘይምዃን፡ ርእሰ ምትእምማን ክሳዕ እትስእን ንኸቢድ ምጽራይ ወይ ምርመራ (scrutiny) የቃልዓካ ነይሩ። ንሓደ ኣባል ሰልፊ፡ ብዝኾነ በደል ምንቃፉ እውን ልዑል ዋጋ ከኽፍል ይኽእል ነይሩ።


ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሕቡእ ሰልፊ ከም ዝነበረ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ብወግዒ ምስ ተገልጸ፡ ሎሚ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ነቲ ኣርእስቲ ብግልጺ ከልዕሉ ወይ ብዛዕብኡ ክዝትዩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ ነበር ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ምስ ናይ ማፍያ ዝመሳሰል ናይ ስቕታ ስርዓት (omerta) ንዘልኣለም ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እቶም ሽፉናት ኵነታት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ውዲታትን ገበናትን፡ ንኹሉ ግዜ ተሓቢኦም ክጸንሑ ተበይኑሎም እዩ።


ገለ ናይ’ቲ ምስጢራዊ ሰልፊ እሙናት፡ እቲ ማርክሳዊ ለኒናዊ ሰልፊ፡ ጀጋኑ ኲናትን ናይ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ክኢላታትን ፈጢሩ’ዩ። ብዘይ ናታቶም ኣስተዋጽኦ ድማ፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣይምረኸበትን ነይራ ዝብል ሓሳብ የቐድሙን ይጉስጉሱን። ነዚ ትረኻ'ዚ እውን ክገጥሞ እደሊ።


ትብዓት/ጅግንነት ፍርያት ማርክስነት ዘይኮነስ ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ወዲ ሰብ እዩ። ንዕኡ ዝኹስኩስ ጥጡሕ መድረኽ - ንኣብነት ዓውደ ኲናት - ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ። ምዅስኳስ ትብዓት፡ ጽንዓትን ዘይንቕነቕ ተወፋይነትን፡ ኣብ እምነታትካ ዓሚቚ ርድኢት ናይ ምምዕባልን ምኽዕባትን ባህሊ ይጠልብ። እቲ ዝነበረና ዕላማ፡ ናይ ኤርትራ ባህርያዊ መሰል ርእሰ ውሳነ ኣብ ምእማን ስለ ዝነበረ፡ እቶም ናይ መወዳእታ መስዋእቲ ዝኸፈሉ፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምግልጋልን ንምርግጋጽን ኢዩ ነይሩ። ናይ’ቶም ነዚ ዕላማ ኢሎም ህይወቶም ዝኸፈሉ ናይ መወዳእታ ቃላት ድማ "ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ" እምበር "ዓወት ንማርክስነት" ኣይነበረን። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት (ካብ ኵሉ ጽፍሕታት ህይወት) ከምኡ ዝገበሩሉ ብሓደ ንጹር ምኽንያት እዩ፥ እዚ ድማ መሰል ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ እዩ። ባዕሉ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ እንተኾነ እውን፡ ማርክስነትን ጅግንነትን ብባህሪኦም ዝተኣሳሰሩ’ዮም ኢሉ ኣይኣምንን እዩ። ምኽንያቱ ድማ እነሆ፥


ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘገልገል ዝነበረ ዓርከይ ነፍስሄር የማነ ኪዳነ (ጃማይካ)፡ ሓደ እዋን ምስ መሳርሕቱ ምስ ነፍስሄር መለስ ዜናዊን ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ኣብ ኣስመራ መስተ እናሰተዩን እናተዘናግዑን እንከለዉ ዘጋጠሞ ፍጻመ ኣዘንትዩለይ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ወርቃዊ ምሕዝነት ኣብ ዝነበረለን እዋን’ዩ ነይሩ። ምድሪ እናመሰየ ምስ ከደ፡ ሳዕቤን ኣልኮላዊ መስተ ድማ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኢሳይያስ ብመሪሕነት ህወሓት ከላገጽ ጀመረ። ባህሊ ቆራጽነትን ትብዓትን ጅግንነትን ንምትእትታውን ንምስፋንን ማርክሳዊ ለኒናዊ ጉጅለ (ማርክሳዊ ሌኒናዊ ሊግ ትግራይ) ከም ዝመስረቱ ዝእምት ክትዕ ድማ ኣቕረበ። ከም’ዚ ድማ በለ፦


ጅግንነት ክመሃዝ ኣይክእልን'ዩ። ተፈጥሮኣዊ ባህሪ'ዩ፡ ሓደ ሰብ ወይ ይውንኖ ወይ ኣይውንኖን። ኣነ ንነብሰይ ከም ተባዕ እየ ዝቖጽራ፡ ምኽንያቱ ኣባሓጎታተይ ተባዓት ስለ ዝነበሩ። ኣብ ናይ ባዕለይ ዲ.ኤን.ኤ. (DNA) እዩ ዘሎ።


ኢሳይያስ ንኣባሓጎኡ ጎሹ ኣባ ደሕን (ኣብ የሓ ትግራይ ዝተቐብረ) እዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ብመሰረት ዓርከይ ነፍስሄር የማነ - ናይ ቀረባ ዘመድ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ - ጎሹ (ኣባ ደሕን) ሓደ ካብ ጀነራላት ራስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኮይኑ ናብ ኤርትራ ዝመጸ ሰብ እዩ። ቀደም፡ መራሕቲ ብስም ኣፍራሶም እዮም ዝጽውዑ ነይሮም፣ ከም ኣሉላ ኣባ ነጋን ጎሹ ኣባ ደሕንን። እዚ ኹሉ ንሓደ ኣገዳሲ ነገር የነጽር፡ ነቲ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ዘይተሰዓርነትን ኣገዳስነትን ካብ መጠን ንላዕሊ ሰማይ ንምዕራግ እተገብረ ፕሮፓጋንዳ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝተገብረ ምንባሩ እዩ።


ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ነበር ብሓባር ኢዮም ዝዘናግዑ፡ ኣብ ሃገራዊ ስክፍታ ዘለዎም ጉዳያት ድማ ናጻ ኮይኖም ምስ ካልኦት ክዛተዩ እውን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። እቲ ስክፍታ ክሳዕ ሕጂ ኣብ መንጎኦም ይቕጽል ኣሎ። ከም ጽቡቕ ኣብነት ድማ እቲ ኣብ 2000ታት ኣብ ሓደ እዋን ዝተቐልቀለ “መድረኽ” ዝብሃል ውድብ እጠቕስ። እዚ ውድብ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ብራስለስ፡ ቤልጅየም ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባኡ፡ ንኣባላት ሰልፊ ነበር ጥራይ (ወይ እውን እንተ ወሓደ ንመብዛሕትኦም) ዓዲሙ። እዚ’ኣቶም ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ኣባላት ነበር ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዝራሕርሑዎ ግን ከኣ ገና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕሚ ዘለዎም ንሳቶም ጥራይ ምዃኖም ዝእመነሎምን እዮም። ካልእ ዘገርም ነገር፡ እቶም ናይ’ቲ ኣኼባ ወደብቲ፡ እንተላይ ንዓሊ ዓብዱ (ሚኒስተር ዜና ዝነበረሞ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ኣውስትራልያ ዕቚባ ዝሓተተ) እዮም ኣብ’ቲ ኣኼባ ንክሳተፍ ዕድመ ዝገበሩሉ። ካልእ ዘገርምከ? ንሓደ ካብ’ቶም ገዳይም ተጋደልቲ እሞ ኣባል ጉጅለ 15 ዝነበረ - ኣድሓኖም ገብረማርያም - ዕድመ ኣይተላእከሉን።


ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ብውልቃዊ ምኽንያት ኣብ ኣመሪካ ዝመጸ ተጋዳላይ ነበርን ኣባል ሕቡእ ሰልፍን ዝነበረ ሰብ ረኺበ። ዕላልና ናብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣሰካፊ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኵነታት ኣቕኒዑ። ብዛዕባ ክህልዉ ዝኽእሉ መፍትሒታት ምስ ተወከስክዎ ግን፡ ዝረኸብክዎ መልሲ ኣዝዩ ኣስደሚሙኒ። ንሱ፡ “ከም’ዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንከም’ዚ ከማኻ ዝኣመሰሉ ናይ ደገ ሰባት ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ንዓና ዝምልከት ኢዩ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ድማ ንዛተየሉ ኢና፡ ኣይትሰከፍ፡” ኢሉ መሊሹለይ። ምልክት ናይ’ቲ “ንሕና ኣንጻር ንሳቶም” ዝብል ኣተሓሳስባ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፣ መለለዪ ሱር ዝሰደደን ሕዱርን ሕማም ኣባላት’ቲ ሕቡእ ሰልፊ።


ከምኡ እውን፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ንምምኽናይ፡ ገለ ገለ ናይ’ቲ ውድብ ስነ ሓሳባውያን (ideologues)፡ ከም ብዓል ኣሕመድ ኣል ቐይሲን ሃይለ ወልደትንሳኤን (Connell, 2005)፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ምውጋድ ኣውራጃውነት ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ይምጉቱ ከም ዝነበሩ ዳን ኮነል ይጠቅስ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸስተ ኵነታት ከም መርትዖ እንተ ድኣ ወሲድናዮ፡ (ክንወስዶ ኣሎና ከኣ በሃላይ እየ) ነዚ ዘረባ’ዚ ውዱቕ ይገብሮ። ብኣንጻሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ጐይቶት ውግእ ፈጢሩ፡ መስፍናዊ ዝንባለታትን ኣሰራርሓታትን ኣጋዲዱን ከም ዝብእስ ገይሩን ኢዩ። ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ኣውራጃውነት ምጥቃስ ጥራይ ኣኻሊ እዩ።


ብተወሳኺ ካብ ኣውራጃ ሰምሃር ወይ ቀይሕ ባሕሪ (ቀዳማይ ወገን) ዝመበቆሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ወትሩ (ኣንጻር ምንቅስቓስ 1973፡ "የሚን"፡ ሳበ ወዘተ) ፖለቲካዊ መርገጺታት ክወስዱ ከለዉ ብሓደ ድምጺ ኢዮም ዝወስዱ ዝነበሩ። ካብ ምስ ካልኦት ብዝያዳ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ከም ዝነበሩን ዘለዉን’ዩ ዝፍለጥ። ስለምንታ ኢዩ ሓደ ወዲ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ባዕሉ መርገጺ ክወስድ ዘይደፍር። ስለምንታይ’ዩ መርገጺታቶም ብመልክዕ ቀጽሪ (block) ዝወስዱ ዝነበሩ። እዝስ ኣየተሓትትንዶ? ስለምንታይ’ዩ ናጻ ስግረ ኣውራጃዊ መርገጽታት ዘይወሰዱ?


ኣብ ኣርእስቲ ኣውራጃውነት ካብ ሃለና፡ ህግደፍ፡ ነዚ ኣምር ብኸመይ ከም ዝትርጉሞ ገለ ካብ ትዕዝብትታተይ ከቕርብ እፈቱ። ውሑዳት ኣብነታት ክገልጽ ፍቐዱለይ፡ ኣንበብቲ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ይግበሩ።


1. ነባራት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ (መንደፈራ)፡ በቲ ኣብ’ታ ናይ ቀደም ቤት ትምህርቶም ዝረአይዎ ኣሰካፊ ኵነታት ኣዝዮም ስለ ዝጐሃዩን ዝተተንከፉን፡ ተበግሶ ወሲዶም ክተኣኻኸቡን ናይታ ቤት ትምህርቲ ህንጻ ንምምሕያሽ ናይ ገንዘብ ምእካብ ወፍሪ እውን ጀመሩ። ዕላምኦም ድማ ነቲ ክፍልታት ምሕዳስን ቤተ መጻሕፍቱን ቤተ ፈተነኡን ካልእ መሳለጥያታቱን ዘመናዊ ንምግባርን’’ዩ ነይሩ። ኣብ ዲያስፖራ ንዝርከቡ ናይ’ዚ ቤት ትምህርት’ዚ ነባራት ተማሃሮ ብምርካብ ድማ እቲ ተበግሶ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ቆላሕታ ብቕልጡፍ ረኺቡ፡ ውጽኢቱ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ዝግመት ጸጋታት ምውሓዝ ኣስዒቡ። ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ በዚ ተበግሶ ከም ዘይተሓጎሰ ገሊጹ። ነታ ነቲ ወፍሪ እትከታተልን እተወሃህድን ዝነበረት ኮሚቴ፡ ናይ’ቲ ገንዘብ ጉዳይ ንመንግስቲ ክገድፍ መምርሒ ተዋሂቡዎ፡ እዚ ድማ እቲ ቅዱስ ተበግሶ ብቕጽበት ደው ክብል ምኽንያት ኮይኑ።


2. ኣብ 1992 ዓ.ም.፡ እታ ብዓልቲ ጸጋ ዝኾነት ስድራ ቤት ነስረዲን - መበቆላ ካብ ከባቢ መንደፈራ (ዞባ ደቡብ) - ኣብ መንደፈራ ንህንጸት ምዕቡል ሆስፒታል ንምምዋል ዝነኣድ ተበግሶ ወሲዳ። እቲ ፕላን ምስ ተዛዘመ፡ ህንጸት ቀጺሉ ክጅምር ነይሩዎ፡ ይኹን’ምበር መንግስቲ ብዘይተሓስበ መገዲ ጣልቃ ብምእታው፡ ነቲ ፕሮጀክት ሃንደበት ደው ኣቢሉዎ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ ብማሕበረሰብ ዝተመርሐ ጻዕሪ ብሃንደበት ደው ዝበለሉ ምኽንያት ኣይቀረበን።


3. ኣብ መፋርቕ 2000ታት፡ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ከባቢ፡ ናይ ሓባር ኣተዓባብያ ዝነበሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝዓለመ "ደቂ ገዛውትና" ወይ እውን “መተዓብይትና” ዝብል ፕሮጀክት ኣበጋጊሱ። እቲ ተበግሶ ኣብ መንጎ እዞም ውልቀ ሰባት ርክብ ንምምችቻው ዝዓለመ ኮይኑ፡ በብወገኖም ማሕበረሰቦም ነበር ንምድጋፍ ናይ ሓባር ጻዕርታት ንምዕባይ ዝዓለመ እውን’ዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር ብሚስጢር ብዝተጎልበበ ምኽንያታት እቲ ፕሮጀክት ብሃንደበት ደው ኢሉ።


4. ኣብ ቅርጺ ስርዓታትን ፖለቲካን ህግደፍ፡ መበቈልካ፡ ካብ ፍሉይ ዓዲ፡ ወረዳ፡ ወይ ኣውራጃ ብግልጺ ምዝራብ ዳርጋ ከም ነውሪ’ዩ ዝቚጸር። ከም’ዚ ዓይነት ዝምድና ንፖለቲካዊ ዕላማታት ክሳዕ ዘይተመዝመዘ፡ ምስ ሓንቲ ፍልይቲ ዓዲ፡ ወረዳ ወይ ኣውራጃ ሓቀኛ ናይ ምትእስሳር ስምዒት ምግላጽ እንታይ ጉድኣት ኣለዎ? ምስ ኣባላት ዓድኻ ወይ ምሳኻ ናይ ሓባር ኣተዓባብያ ዝነበሮም ውልቀ ሰባት ብምዃን ማሕበር ምምስራትከ እንታይ ኣበሳ ኣለዎ? ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ዓዱ ወይ መበቈላዊ ቦታኡ ቤት ትምህርቲ ክሃንጽ እንተ ደልዩኸ? ድሌታት ሕብረተሰብን ናይ’ቲ ከባቢ ምምሕዳርን ዘማልእ እንተ ኾይኑ እንታይ ጉድኣት የስዕብ?


5. ናጽነት ምስ ተረኽበ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣውራጃውነት ንምምካት ብዝብል ሓሳብ ካርታ ኤርትራ ዳግማይ ተሰሪሑ። እቶም ናይ’ቲ ውጥን ሃንደስቲ (ብዓቢኡ ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ)፡ ነቲ ካርታታት ምቕያር፡ ስምዒታት ኣውራጃውነት ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ብኣድማዒ መገዲ ከም ዝድምስሶ ብሓቂ ይኣምኑ ነይሮም ድዮም?


ብናተይ ኣረኣእያ፡ ትሕተ ሃገራዊ ወይ ጸቢብ ስምዒታት ንምምካት እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ ኣገባብ ቁጠባዊ ውህደት እዩ። እዚ ድማ ዘመናዊ ቁጠባ (ሕርሻ፡ ምስናዕን ናይ ኣገልግሎት ኢንዱስትርን) ምምስራት ምምዕባልን፡ ምዕቡል መርበብ ጽርግያታት፡ መስመር ባቡርን ስርዓታት መጓዓዝያ ኣየርን ምህናጽ፡ ስሉጥ ናይ መራኸቢታት ትሕተ ቅርጽን ነጻ መራኸቢ ብዙሓንን ምዝርጋሕን ዝተማህረ ህዝቢ ምኹስኳስን የጠቓልል። ብዘይካ’ዚ ኣብ ጽልኢ ዘይኮነስ ኣብ ፍቕሪ፡ ኣብ ምክብባር፡ ኣብ ምጽውዋር፡ ኣብ ምዕቡል ስርዓተ ክብርታት፡ ኣብ ጭውነት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዝተመስረተ ሃገራውነት ምኹስኳስ የድሊ። ካርታ ዳግማይ ምስኣል ጥራይ ጸቢብ ስምዒታት ንምጥፋእ ከም ተኣምራታዊ መፍትሒ ኮይኑ ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ መስርሕ'ዚ፡ ግዜን ስትራተጅያዊ ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። ኣቋራጭ መገዲ ድማ የብሉን።


መወከሲታት

Connell, Dan, Conversation with Eritrean Political Prisoners, Trento, The Read Sea Press Inc., 2005


[i] ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እቲ መሪሕነት ኣብ ሓድነት ዝነበሮ ኣካይዳ ዝቃወም ምንቅስቓስ ድሒሩ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበረ ጉጅለ። 

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page