ሃገራዊ ሓድነት ከም ድፍኢት፦ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ግዳማዊ ስግኣት
- Semere Solomon

- Jan 26
- 3 min read
ሃገራዊ ሓድነት ከም ድፍኢት፦ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ግዳማዊ ስግኣት
ብሰመረ ሰሎሞን
26 ጥሪ 2026

ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ንቡር ናይ "ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ" ሕቶ ሓሊፉ፣ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ "ይብጽሓኒ እዩ" ዝብል ጥርዓን ከቃልሕ ጸኒሑን የቃልሕ ኣሎን። እዚ ተርእዮ’ዚዚ ኣብ ዞባና ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንልዑላውነት ሃገራት ዝጻባእ ሓደገኛ ቅድመ-ፍጻመ (precedence) እዩ ዝፈጥር ዘሎ።
ሕጋዊ ኣገባብ ወይስ ወተሃደራዊ ድፍኢት?
ዝኾነ ብወገን ኢትዮጵያ ዝለዓል ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ሕቶ፣ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ዲፕሎማሲያዊ ልዝብን ክፍታሕ ዝኽእል ጉዳይ’ዩ። ይኹን እምበር፣ እቲ ጉዳይ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝግህስ ምስ ዝኸውን፣ ናብ ዘይተርፍ ጐነጽን ኵናትን’ዩ ዘምርሕ። ስለዚ’ዩ ድማ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓይሊ ዝተሓወሶ ናይ ምጉብዕባዕ ስጉምቲ ብደረጃ ዓለም ክኹነን ዝግብኦ። ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር፣ ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰላ (right to self-defense) ዝተሓለወ’ዩ። እዚ መሰል እዚ ድማ ብወተሃደራዊ ድልውነት ጥራይ ዘይኮነ፣ ዓሚቚ ፖለቲካዊውን ዲፕሎማሲያውን ብልሒ ዝሓትት እዩ።
ናይ "ጽምዶ" ፖለቲካን ስግኣታቱን
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታታ ብምትሕብባር ንኢትዮጵያ ክትወራ ትዳሎ ከምዘላ ብምኽሳስ፣ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ኤምባሲታትን ንምእማን ይጽዕር ኣሎ። ብተመሳሳሊ፣ መንግስቲ ኤርትራ እውን "ጽምዶ" ዝብል ስትራትጂ ብምኽታል ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ንስርዓት ብልጽግና ንምምካት ክተሓጋገዝ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ክልተኣዊ ናይ ውክልና ውስስእ (proxy interactions)፣ ነቲ ህልው ኩነታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ይገብሮ ኣሎ።
ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ልዕሊ ኵሉ ልኡላውነት
ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ደገፍቲ ይኹኑ ተቓወምቲ መንግስቲ፣ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገር ሓደ ድምጺ’ዮም። እቲ ብኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕንደራ ንማንም ኤርትራዊ ዝወሓጠሉ ኣይኮነን። ዋላ እቶም ንለውጥን ፍትሕን ዝቃለሱ "ደምበ ፍትሒ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ወገናት፣ ሃገር ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ከላ ሰሚዕካ ከም ዘይሰማዕካ ምሕላፍ ታሪኻዊ ጌጋ ምዃኑ ይርዳእዎ እዮም። ስለዚ ድማ፣ ገለ ገለ ወገናት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽምዶ ብምእታው ነዚ ወራር ንምምካት ዝዓለመ ርክባት ክገብሩ ምጽናሖም ይንገር እዩ። እዚ ርክባት እዚ ንሃገር ንምድሓን ዝዓለመ ክሳብ ዝኾነ ነውሪ የብሉን። ግንከ ብወገን መንግስቲ ክማልኡ ዝግብኦም መሰረታውያን ቅድመ-ኵነታት ኣለዉ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፡
እቲ ዝሓየለ ሓጹር፦ ሃገራዊ ዕርቅን ሓድነትን
ከምቲ "ለባም ሰብ ቅድሚ ተዃሉ ምምጽኦም ሓጹር ይሰርሕ" ዝበሃል፣ ኤርትራ ክትሃንጾ ዘድልያ ዝሓየለ መከላኸሊ ሓጹር ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝተመስረተ መንግስቲ ምስራት’ዩ። ምስ መንግስቲ ዝግበር ዝኾነ ርክብ ወይ ልዝብ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተኾይኑ፣ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ቀዳምነት ክወሃቦምን ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ብዘየወላውልን ወግዓዊ ብዝኾነን መገድን ክቐርቡ ይግባእ፦
ዘይቅድመ-ኵነታዊ ተበግሶ ንምግባእ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ፦ ንዅሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፡ ሃይማኖታውያንን ያታውያንን መራሕቲ፡ ምሁራት ወዘተ (ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራን ዝርከቡ) መጸዋዕታ ብምግባር ሓደ መሰጋገሪ ባይቶ ንሃገራዊ ድሕነት ምቛም ኣድላዪ’ዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ ኣብ’ዚ ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ምምስራት ናይ ሓደ ብሃገራዊ ዕርቂ ዝልለ መንግስቲ ከምርሕ ኣለዎ።
ሓቛፊ መንግስቲ ምምስራት፦ መንግስቲ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘለዎ ፍልልይ ንጐኒ ብምጽጋዕ፣ ንዅሉ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም ንሃገራዊ ዕርቅን ጥምረትን ክድግፍን ከነጣጥፍን ኣለዎ። እዚ ሓቛፊ መንግስቲ’ዚ እዞም ዝስዕቡ ዕማምት ይህልዉዎ። ሀ. ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወይ ቀውሲ ምክትታል ለ. ንሓንትን ልዑላዊትን ኤርትራ ወኪሉ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ምክያድን ሐ. ንመስርሕ ትግባረ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ምብግጋስ። እዚ መስርሕ’ዚ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት ዝዕዘብኦን ኣህጉራዊ ደንብታት ዝኽተልን ክኸውን ኣለዎ። ናይ ኵሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ውሕስነት ምእንቲ ከረጋግጽ።
ውሽጣዊ ጽገናን ምግባርን ውሽጣዊ ዓቕሚ ምሕያልን፦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ግለላን ፖለቲካዊ ዕምጸጻን ኣገባብ ኣመራርሓ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይዕግበት ፈጢሩ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ንግዳማዊ ሓደጋ ንምምካት፣ ቅድም ቀዳድም ምስ ህዝቡ ክዕረቕን ናይ ውሽጡ ዓቕሚ ከዕቢን ይግባእ።
ኵሎም ናይ ሕልና እሱራት ምፍታሕ፦ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዅሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሕ። እዚ፥ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህዝቢ ጽቡቕ ምትእምማን ንምፍጣር ክውሰድ ዘለዎ መሰረታዊ ስጕሚ’ዩ። እዚ ተግባር’ዚ ብልሕን ሞራላዊ ዓቕምን ናይታ ሃገር ዝገልጽን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ’ዚ ፍታሓዊ ጕዳይ ዝጥርንፍን ተግባር’ዩ።
ዲፕሎማሲያዊ ብልሒ፦ ወተሃደራዊ ምድላዋት ጥራይ እኹል ስለዘይኮነ፣ ኤርትራ ምስ ዓለምለኻውያን ሓይልታት (ከም ሕመኣ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ቻይና፣ ሩስያ) ከምኡ እውን ምስ ዞባውያን ትካላትን (ኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ) ብምስራሕ፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ጸቕጢ ብሕጋዊ መገዲ ክትምክቶ ይግባእ።
መደምደምታ
ኤርትራ ኣብ ቀራና መገዲ ትርከብ ኣላ። እዋኑ ናይ ትዕቢት ዘይኮነ ናይ ልቦናን ጥበብን እዋን’ዩ። ህላወ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እቲ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ድፋዕ ብፍትሕን ብሓድነትን ዝተሃነጸ ስጡም ሕብረተሰብ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ተጠቒሙ፣ ንሃገር ካብ ወራር ዘድሕን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንመጻኢ ወለዶታት ውሕስቲ ሃገር ዘውርስ ስትራትጅያዊ ለውጢ ክገብር ፖለቲካዊ ድሌት ከርኢ ይግባእ። እቲ እዋን ሕጂ እዩ። ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቅድመ-ኵነታት ከማልእ ቅሩብነት ምስ ዘየርኢ ግን እቲ ኵናት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ምሕላው ዘይኮነ ናይቲ ስርዓት ዕምሪ ንምንውሕ ጥራይ’ዩ ከገለግል።
ንተወሳኺን ዝርዝርን ሓበሬታ ነቲ ብዕለት 14 ሕዳር 2025 ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣመልኪተ ዝጸሓፍኩዎ ሓተታ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠዊቕኩም ተኸታተልዎ፦



ዘሎኒ ጉምጋም ኣብዚ ህልው ተከሲቱ ዘሎኩነት
ምስ ዝከይድ ዘሎ ውድዕ ኩነታት ደምበ ፍትሒ ዝህልወና እንኾ ኣማራጺ እዚ ተዘርዚሪ ዘሎ ገምጋም ኢዩ። ብስሚዒት ድሌት ተገዚእና ስርዓት ክንቅይር ዝተሓለፈ ተመክሮ ደምበ ፍትሒ ኣድማዕነት ዘይነበሮ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኩነታት ደምበ ፍትሒ ኣብ ከምዚ ኩለት ኪበጽሕ ዘክኣለ ኢዩ።እዚ ሕጂ ዘሎ "ተቃውም"ጨሪሱ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ምስ ልኡላውነትና ዝጻረር ሓይሊ ጠጠው ምባል፣ድሌትን ትጽቢት ህዝቢ ውን ዝጻረር ምኾኑ፤ህዝቢ ኤርትራ ንምረት ቁጠባዊ ስእነት ዝመርጽ ልኡላውነቱ ኣሕሊፋ ዘይህብ ምኾኑ ኢዩ ገምጋመይ።
እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላዕሎ ዘሎ ሕቶ ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ተኣማሚኑ ኢዩ?
ዝከፈልናዮ መስዋትን ዝሓለናዮ ምረትን
ነዚ ጉዳይዚ ኣብትሕቲ ዝኾነ ኹነት ረጊጽና ክንምክት፤ ድሌትናን ሕቶናን ከይጉሰ ውን ኣተሓሕዛና ከነሕይልን ብጥበብ ኪንቃለስን ኢዩ ዘሎኒ ርእቶ።