ሌላ ምስ ሓዳስ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ጌጋታት በዚ ሓድሽ ወለዶ ከይድገሙ፣ ዕላል ምስ ሓደ ትኵር መንእሰይ ኤርትራዊ
- Semere Solomon

- Jan 18
- 4 min read
Updated: Jan 20
ሌላ ምስ ሓዳስ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን
ጌጋታት በዚ ሓድሽ ወለዶ ከይድገሙ፣ ዘተ ምስ ሓደ ትኵር መንእሰይ ኤርትራዊ
ሰመረ ሰሎሞን

ዝሓለፈ ሕዳር 2025 ምስ ሓደ ኣብ ሽውደን ዝነብር ትኵር ኤርትራዊ መንእሰይ ብስልኪ እናዕለልና እንከለና፡ ብሃንደበት ስክፍትኡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ከምዚ ክብል ኣተንቢሁለይ። “ለውጥስ ክመጽእ'ዩ፡ ዘይተርፍ'ዩ። ነዚ ለውጢ ኣምጺአ ዝብል ስርዓት ድሕሪ እቲ " ለውጢ" ኣብ ህዝቢ ኣውሪድዎ ዘሎ ኣበጉድር በቲ ጽባሕ ንግሆ ለውጢ ዘምጽእ ወለዶ ከይድገምስ እንታይ መማእዘኒ ሓሳባት ኣለካ፧" ኣነ ድማ “እትሓቶ ዘሎኻ ሕቶ ኣዝዩ ቅኑዕን ኣገዳስን’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣስፊሐ ኣቢለ ክምልሰልካ ግን ግዜ ክትህበኒ ኢኻ" ኢለ መልስኩሉ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ ሓሳባተይ ኣብታ ተሓቲማ ናብ ኣንበብቲ ክትቀርብ ክልተ-ሰለስተ ቕነ ተሪፍዋ ዝነበረት ሓዳስ መጽሓፈይ የንሳፍፍ ነይሩ። ሓዳስ መጽሓፈይ ተሓቲማ ንኣንበበቲ ክትቀርብ ምዃናን ንሕቶታቱ መልስታት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮ ዝበልክዎም ሓሳብት ድማ ኣብኣ ክረኽቦም ከም ዝኽእልን ግን ኣይጠቐስኩሉን። ውሑዳት ሳምንታት ድሕሪ ዕላልና እታ መጽሓፍ ንኣንበብቲ ቀሪባ። እቲ ዝጠቐስክዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ዕድል ረኺቡ ነታ ሓዳስ መጽሓፍ ከንብባን ብዛዕብ ጠቓምነት ናይቲ ትሕዝቶ ድማ ናይ ባዕሉ መደምደምታታት ክገብርን ተስፋ ኣለኒ። ንሱ ወላኳ ነታ መጽሓፍ ብሕጂ ከንብባ ምዃኑ እንተ ተማባጽዐ፡ ድሮ ግን ኣብቲ ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ ተመርኲሱ ዝሓመመትን ፈውስን ሕውየትን ዘድልያ ሃገር ከም ዘላትና’ሞ ደራሲ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ብትብዓት መስኪሩ ኣሎ ክብል ጠቒሱለይ።
ኣብ ዘምጽእኒ ጕዳይ ክምለስ፣ ትሕዝቶ ናይዛ ኣብዚ ቀረበ ግዜ ንኣንበብቲ ቀሪባ ዘላ ሓዳስ መጽሓፈይ’ምበኣር ነቶም እቲ ትኵርን ብጕዳይ ሃገር ዘስቘርቁርን ኤርትራዊ መንእሰይ ዘልዓሎም ሕቶታት መልሲን ንምሃብ ዘንቀደት’ያ። ጽሟቕ ናይቶም ኣቕሪበዮም ዘለኹ ሓሳብት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡-
ኵሎም’ቶም ኣብ ዘመናን ዝተጐሃሃሩ ህዝባዊ ምልዕዓልት ወይ ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ለውጥታት ናይ ግድን ኣይኮኑን ናብ ጥዑይ ምሕደራ ወይ ደሞክራሲ ከምርሑ። እቲ ብጽድያ ዓረብ (Arab Spring) ዝፍለጥ ኣብ መጀመርያ 2010 ዓ.ም. ዝተራእይ ህዝባዊ ናዕቢ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ከምዚ ኮይኑ ከብቕዕ ግን እቶም ክሳዕ ሕጂ ድሕሪ ለውጢ ዝርኤናዮም ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍፋት ክውገዱ ኣይክእሉን ነይሮም ማለት ግን ኣይኮነን። ነዚ ንምግባር ግን ብኣፍልጦን ውሕልነትን ዝትግበሩ ውርጹጻት ሜላታት ብኣግኡ ክህልዉናን ንክንትግባሮም ድማ ፖለቲካዊ ቅሩቡነት ከነርኢን ከድሊ’ዩ።
ቀንዲ ዕላም ናይዛ ሓዳስ መጽሓፍ’ምበኣር፡ ነዞም መጠንቀቕታ ዝመስሉ ሓሳባት ንምጥርናፍ ዘኽእል መርሓ-ጐደና ምቕራብ’ዩ። እታ መጽሓፍ ክንዮ ትንተና ህልዊ ኵነታት ሃገርና ብምኻድ መፈወሲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንእትብሎም ሓሳባት ወይ መዘካከርታት ተቕርብ። እቶም ማእከላውያን ወይ ሕመረታውያን ሓሳባትን ለበውታትን ናይታ መጽሓፍ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ሃንጽቲ ክትዓት ንምጕህሃርን ስርዓታዊ ብዝኾነ መገዲ ድማ ነቶም ኣገደስቲ መዳያት ናይቲ ዘይተርፍ ዝመስል ለውጢ ንምምእዛንን ዘንቀዱ’ዩም። እስከ ብሕቶን መልስን መልክዕ በብሓደ ንርኣዮም፦
ባህሪ ናይቲ እንጽበዮ ለውጢ እንታይ ይመስል፧ እታ መጽሓፍ ለውጢ ንስለ ለውጢ ወይ ድማ ዙረት (rotation) ናይ ወልቀ ሰባት ወይ ፖለቲካኛታት ዘይኮነስ፡ ናይቲ ፖለቲካዊ ስርዓትን ፖለቲካዊ ባህልን መሰረታዊ ቅየራ (transformation) ማለት ምዃኑ ተብርህ። እዚ ድማ እቶም ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝተዓወቱ ወይ ስልጣን ዝጨበጡ ኣካላት ምሉእ ብምሉእ ዝረብሑሉ (winners-take-all) ክስተት ምፍጣር ዘይኮነ ኣስታፊን ኣብ ግዝኣተ ሕግን ዝተመስረተ ምሕደራዊ ስርዓት ወይ ቅርጺ ምትእትታው ወይ ምትካል ማለት’ዩ።
እንታዩ’ዩ ክልወጥ ዘለዎኸ፧ እቲ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ’ቶም ክመሓዉ ወይ ድማ እረማ ወይ ጽገና ዘድልዮም ትካላት፡ ሕግታትን ከምኡ’ውን ደንብታት ኣየኖት ምዃኖም ብግልጺ ተቐምጥ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦ ስርዓተ-ፍርዲ፡ ንህዝቢ ዝተሓታትነቱ ምሕደራ፡ ቅርጸ-መቓን ቍጠባዊ ፖሊሲ፡ ከምኡ’ውን ጸጥታዊ መጋበርያታት። እዚኣቶም ናጻን፡ ንግሉጽነት ማእከል ዝገብሩን ከምኡ ድማ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝቐንዑን ክኾኑ ከም ዘለዎም ድማ መጐተ ተቕርብ።
ሜላታት ለውጢ እንታይ ከመስሉ’ዮም፧ እታ መጽሓፍ ንውጺኢት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ እቲ መስርሕ’ውን ተመጣጣኒ ኣቓልቦ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ትምጕት። እታ መጽሓፍ ሓቛፊ፡ ኣብ ገጻት ዝተኸፋፈለ፡ ብምርድዳእ ወይ ኢሂን-ምሂን ምባል ዝምራሕ ወይ ዝእለ ሜላ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተስምረሉ። ኣብዚ ከይተሓጽረት፡ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሰናርዮታት’ውን ትእምት። እስዒባ ድማ ብስትራተጅያዊ መገዲ እናተማሕደረ ዝትግበር መሰጋገሪ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ’ውን ትድህስስ። እዚ መሰጋገሪ ገጽ’ዚ ናይ ህዝቢ ንቝሕ ተሳትፎ ዘረጋግጽን ኣብ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝተመስረተን ዘላቕን ክኽውን ከም ዘለዎ ድማ ተስምር።
ሕመረትውያን ባእታታት ናይ’ቲ ስርዓት እንታይ ይመስሉ፧ እታ መጽሓፍ እቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ናይቲ ዝትከል ስርዓት እንታይ እንታይ ክኾኑ ከም ዘለዎም ተተንብህ። ንኣገዳስነት ቅዋማዊ ልኡላውነት፡ ንነውጺ ዝጻወርን ኣብ መንጎ መንግስትን ብሕታዊ ጽላትን ማእከል ዝገበረን ሕውስዋስ ቍጠባ ዘአንግድ፡ ከምኡ ድማ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ንሰብኣዊ መሰላትን ሲቪልያዊ ሓርነትን ክህልዋ ከም ዘለዎ ተስመረሎም።
መንዮም’ቶም ሰብ ብርኪ፧ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ትንታነ ንብዙሓት ተዋሳእቲ የለሊ። መናእሰይ፡ ደቀንስትዮ፡ ሓረስቶት፡ ሰብ ዋኒን፡ ዲያስፖራ፡ ኣባላት ሲቪሊያዊ ኣገልግሎት፡ ሰራዊት፡ ከማኡ’ውን ፖለቲካዊ ኣቀዋውማታት ከም ሰብ ብርኪ ይርአዩ። ከም ዕኑዳት ተዓዘብቲ ዘይኮነ ግን ከም ንጡፋት፡ ፍሉይ ግደን ሓላፍነትን ዘለዎምን ኣብቲ መስርሕ ናይ መሰጋገሪ መስርሕ ንኽሳተፉ ድማ መተባብዒ (incentive) ዘለዎምን ተዋሳእቲ ንክኾኑ ምቹእ ባይታ ክፍጥረሎም ኣለዎ ትብል።
ክውነንታዊ ናይ ግዜ መቓን እንታይ ይመስል፧ እታ መጽሓፍ፡ ሓቀኛ ቅየራ ወለዶኣዊ ፕሮጀክት ምዃኑ ብዘይ ቀልዓለም ተስምረሉ። ክውንነታዊ ዝኾነ ናይ ግዜ መቓን ድማ ትእምም። እብ መንጎ’ዞም ዝስዕቡ ገጻት ድማ ፍሉይነት (distinction) ክትገብር ትፍትን። በዞም ዝስዕቡ ድማ ክጠቓለሉ ይኽእሉ፦ እቲ ኣብ መንጎ ነንሓድሕድካ እምነት ናይ ምፍጥር እዋን ኣዋርሕ ክሳዕ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል፣ መሰረታውያን ዝኾኑ ትካላዊ ጽገናታት ካብ ሓደ ዓመት ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ሕብረተ ሰባዊ ጥመረት ምውሓስ ድማ ካብ ዓሰርተ ዓመታት ንላዕሊ ክወስድ ይኽእል’ዩ ትብለ።
ስትራተጅያዊ ቀዳምነታት ብኸመይ ይስርዑ፧ እታ መጽሓፍ ንጹራት ዝኾኑ ተርታ (sequence) ናይ ክትግበሩ ዘለዎም ዕማምት ትእምም። ከም ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን፣ ምሕንጻጽ/ምንጻር ኣገባባት መሰጋገሪ ፍትሒ፣ ምሕዋይ ቍጠባ ሃገር ዝኣመሰሉ ዕማማት ንጽባሕ ዘይበሃለሎም ቀደመትነታት ምዃኖም ትእምም። ካልኦት እረማታት ኣብ’ዚኦም ዝተጠቕሱ ዕማማት ዝምርኰሱ ምዃኖም ድማ ተስምረሉ።
ከመይ ዝእእመሰሉ ብድሆታትን ዕድላትከ ንጽበ፧ እቶም ኣብታ መጽሓፍ ዝቐረቡ ትንተናታት ንሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ናይቲ ምስግጋር ከምኡ’ውን ንኽምዕብሉ ዝኽእሉ ዕድላትን ሓደጋታትን ብንጹር የቐምጡ። ብድሆታት፡ ንዘረግቲ ጕጅለታት (spoilers)፡ ቍጠባዊ ውድቀት፡ ዞባዊ ምትእትታው ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ከም ህላወ ንቑሕ መንእሰይ፡ ዝተጠርነፈ ዓዱ ዝፍቅር ዲያስፖራ፡ ጭውነታዊ ብህርይ ናይቲ ህዝቢ፡ ስትራትጅያኢ ኣቀማምጣ ናይታ ሃገር፡ ከማኡ’ውን ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደት ከም ዕድላት ክግለጹ ይኽእሉ።
ድሕረ-ለውጢ ዝትከል ስርዓት ካብዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዝፈልይዎ ረቛሒታት ኣየኖት’ዮም፧ ኣብ መጠረሽታ ናይዚ እማመ’ዚ እቶ ባህርያት ናይቲ ናይ ለውጢ ቅርጸ-መቓን (framework) እቶም ክኾኑ ዘይብሎም ክስተታት’ዮም። መለለዪ ባህሪኦም ድማ ነዞ ዝስዕቡ ይመስሉ፦ ሓቛፍነት ኣብ ክንዲ ምግላል፣ ተሓታትነት ኣብ ክንዲ በብዝፈጸምካዮኡ ገበናት/ጌጋታት ናጻ ምዃን፣ ብቕዓት ዘማእከለ መዝነት (meritocracy) ኣብ ክንዲ ጕይትነት፣ ልዝብ ኣብ ክንዲ ዕምጸጻ፣ ኣገልግሎት ንህዝቢ ምሃብ ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይ-ሸይ ምባል።
ነዞም ጕዳያት ኣብ ምብራህ፡ እታ መጽሓፍ ንዘይርጉጽነት፡ ብቅርጺ ዝለበሰ ራእይ ትትክኦ። ነቶም እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ደላይ ፍትሒ መንእሰይ ዘልዓሎም መረርቲ ሕቶታት ንምምላስ ድማ ትህቅን። እቲ ሓድሽ ወለዶ እቲ ዝቐደመ ወለዶ ዝፈጸሞም ጌጋታት ምእንቲ ከይደግም፡ ተስፋ ጥራይ ዘይኮነ ንጉዕዞ ሃገራዊ ተሃድሶ ንምምእዛን ዘኽእሉ ግብራውያን ተተግበርቲ ሓሳባት ተተንብህ። ንህዝቢ ኣብ ዙራያ’ዞም ተጨበጥቲ ውጥናት ክትዕ ከም ዝገብር፡ ኣፍልጦ ከም ዝዕቢ፡ ከምኡ ድማ ከም ዝርነፍን ምግብር ውሑዳት ካብቶም ብኣግኡ ክውሰዱ ካብ ዘለዎም ቅድመ-ጥንቃቐታት (precautions) እዮም።



Comments