ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጅያዊ ሓላፍነት ኤርትራን
ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጂያዊ ሓላፍነት ኤርትራን
ሰመረ ሰሎሞን
4 ጥቅምቲ 2026

መእተዊ
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ኣብ ከቢድ ናይ ዘይርጕእነት ኵነታት ይሽመም ኣሎ። ብሸነኽ ደቡብ ኤርትራ ተደኲና እትርከብ ኢትዮጵያ ብኣብ ነንሓድሕዶም ዝተርኣኣሱ ጐነጻውያን ረጽምታት፣ ኣከራኸርቲ ራእያት ብዛዕባ ሃገረ-መንግስቲ፣ ዓሚቝ ቍጠባዊ መቝጸይቲ፡ ከምኡ’ውን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ትፍንን ትሳቐ ኣላ። እዚኣቶም ተነጺሎም ዝረኣዩ ፍጻመታት ጸጥታ ወይ’ውን ግዜያውያን ፖለቲካዊ ረብሻታት ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ፡ ብዛዕባ ፈደራላውነት፡ ፖለቲካዊ ውክልና፡ ዜግነት፡ መሬት፡ ስልጣን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ መዋቕር ናይ ኢትዮጵያዊ ሃገረ-መንግስቲ ዘለዉ ዘይተፈትሑ ዘይምርድዳኣት ዘንጸባርቑ’ዮም።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኸመይ ምላሽ ይህቡ ዝብል ሕቶ ምልዓል’ምበኣር ግቡእ’ዩ። እቲ ምላሽ እንታይ ገደሰኒ ዝዓይነቱ (indifference) መርገጺ ምውሳድ ወይ’ውን ብስምዒት ተደሪኽካ ምስ ሓደ ወገን ናይቶም ተነሓናሕቲ ኢትዮጵያውያን ጕጅለታት ፖለቲካ ጸግዒ ምውሳድ ወይ ምድንጋጽ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ስትራተጅያዊ ብስለት ዝሓትት ጕዳይ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ’ዞም ዘንጸላልዉ ዘለዉ ሓደጋታት ንጹር ግንዛበ ምጥራይ፣ ዲሲፕሊንን ጥንቃቐን ብዝመልኦ ኣገባብ ንልኡላውነት ኤርትራ ምክልኻል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኢድ-ዘይተኣታትውነት፡ ሰላማዊ ኣፈታትሓ ግጭታትን ዞባዊ ምርግጋእን ዝተሰረተ መትከላዊ እምነት ምስሳይ ማለት’ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ዕድል ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ብባዕሎም ጥራይ’ዩ ኽውሰን ዘለዎ። ሓላፍነት ኤርትራ ድማ ሃገራዊ ረብሓታታን ልኡላውነታን እናተኸላኸለት፡ ዶባታ ዝኽበረሉ፡ ድሕንነት ሰላማውያን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳኣት ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ዝፍተሓሉ ዞባዊ ሃዋህው ምውሓስ’ዩ።
1. ቅልውላው ኢትዮጵያ መዋቕራዊ’ምበር ሓሓሊፉ ዝኽሰት ፍጻመ ኣይኮነን
እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቕልውላው ወይ ዘይርጕእነት ውጽኢት ናይ ሓደ ዝተነጸለ ዕጥቃዊ ረጽሚ፡ ሓደ መንግስቲ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ’ውን ሓንቲ ኽልል ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ካብ ንዓመታት እናተዋህለሉ ኽመጽኡ ዝጸንሑ ዓሞቕቲ መዋቕራዊ ግርጭታት ዝምንጩ’ዩ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦ ነንሓድሕዶም ዘይሳነዩ ሃገራዊ ራእያት፣ ዘይተፈትሑ ታሪኻዊ ቕሬታታት፣ ብዛዕባ ፈደራላውነትን ርእሰ-ምሕደራን ዝተኸስቱ ኽትዓትን ክሳዕ ሕጂ መፍትሒ ዘይተረኽበሎም ምዃኖምን፣ ዘይምዕሩይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምምቕራሕ ስልጣን፣ ከምኡ’ውን እቲ እናብኣሰ ኽኸይድ ዝጸንሐ ንሲቪልያዊ ህይወት ወተሃደራዊ ባህሪ ናይ ምልባስ ኣዝማምያታትን። ብኣጠቓላሊ’ምበኣር እታ ሃገር ኣብ ሓደ እዋን ፖለቲካዊ፡ ቅዋማዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ቅልውላዋት ኣጋጢምዋ ኣሎ።
ፖለቲካውን ቅዋማውን ዕጹው መገዲ
ሕመረት ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቕልውላው ኣብ ዙርያ መዋቕር ናይቲ ሃገረ-መንግስቲ ዝርአ ዘሎ ዘይምርድዳእ’ዩ። ኣብ መንጎ ዝያዳ ዝተማእከለ ሃገራዊ ስልጣንን ድልዱል ብሄረ-ኽልላዊ ርእሰ-ምሕደራን ዘሎ ወጥሪ ኽፈትሕ ዝኽእል መብዛእትኦም ሰብ-ብርኪ ዝቕበልዎ ፖለቲካዊ መረዳድኢ ባይታ ኣይተረኽበን ዘሎ።
ንብዙሓት ማሕበረ-ሰባትን ክልላውያን መራሕትን፡ ፖለቲካዊ ሕድገታት ምግባር ከም ግድፈት (compromise) ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ንድሕነት፡ መንነት፡ መሬት፡ ውክልና ወይ’ውን ሓባራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ህልውናዊ ሓደጋ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ። እዚ ድማ ናይ ሓደ ወገን ፖለቲካዊ መኽሰብ ወይ ረብሓ ከም ናይቲ ኻልእ ወገን ቀጻሊ ኽሳራ ተገይሩ ዝረኣየሉ ሓደገኛ ናይ ዜሮ-ድምር ኣተሓሳስባ ይፈጥር። እዚ ሓያለይ ሳዕቤናት ኣለዉዎ፦
ፖለቲካዊ ዘተ ብተደጋጋሚ ግዜ ብዕምጸጻ፡ ወተሃደራዊ ግትኣትን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጃትን ይትካእ፣
ግጭታት ንምሽምጋል ተባሂለን ዝቖማ ትካላት፡ መሳርሒ ናይቶም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይነን ምስ ዝርአያ ተኣማንነተን የጥፍኣ፣
ምርጫዊ ውድድር መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ኣብ መንነት ዝተመስረተ ምጕስጓስ ይተኣሳሰር፣
ኣብ ቅዋማዊ ኣልያታትን ሰላማዊ ልዝብን ዘሎ ህዝባዊ እምነት ይሃስስን
ጕጅላዊ ተኣማንነት ድማ ንሰፊሕ ዜጋዊ ሓላፍነትን ሓባራዊ ሃገራዊ ድሕንነትን ይጋርዶ።
እቲ ጸገም’ምበኣር ኢትዮጵያ ግጭታት ዘለዋ ሃገር ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ነቶም ፖለቲካዊ ፍሕፍሓት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝቖማ ትካላት፡ በቲ ግጭት ብተደጋጋሚ ግዜ ምድኻመን’ዩ።
ቍጠባዊ ጽንቃቐ
ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘይርጕእነት ካብቲ እታ ሃገር ዘለዋ ቝጠባዊ ጸቕጢ ተነጺሉ ዝረአ ኣይኮነን። ጐነጻዊ ግጭት ሃገራዊ ጸጋታት የህልኽ፣ ኣፍረይቲ ጽላታት የዕኑ፣ መስመራት ቀረብ የተዓናቕፍ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብቶም ዝርካቦም ውሑዳት ጸጋታት ዘሎ ውድድር የዛይዶ።
ኣብ ወተሃደራዊ ዕንደራታት ዝግበሩ ወጻኢታት ንኣብ ትሕተ-ቕርጺ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕርሻዊ ልምዓት፡ ዕድላት ሽቕለትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዝግበሩ ወፍርታት ብኣሉታ ይዘልዎም። ናህሪ ዋጋታት፡ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ፡ ግዴታታት ዕዳ፡ ሽቕለተ-ኣልቦነትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዋጋታት መነባብሮን ድማ ንህዝባዊ ቕሬታ ኸም ዝብእስ ይገብሮ። እዚ ብግዲኡ መንግስቲ መሰረታውያን ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ ዝህልዎ ዓቕሚ ይዳኸም። ግጭት ንምህርታዊ (productive) መሰረት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ’ውን ይሃስዮ’ዩ፦
ሕርሻ ብሰንኪ ብኵራት ጸጥታ፡ ምዝንባልን ዝተደረተ ምንቅስቓስን ይተዓናቐፍ፣
ዕዳጋታትን መስመራት መጐዓዝያን ዘየተኣማምኑ ይኾኑ፣
ስድራ-ቤታት፡ ካብ መሬት፡ ጥሪት፡ ኣባይቲ፡ ዘዋህለልዎ ገንዘብን ተጠቓምነትን መሰረታውያን ኣገልግሎታት ይሕረሙ፣
ዘቤታውያን ትካላት ብሰሪ ብኵራት ጸጥታ ስለ ዝህሰዩ ምንካይ ወፍርን ምቍራጽ ንግድን ይገጥሞም፣
መንእሰያት ዕድላት ሽቕለት ስለ ዘይረኽቡ ናብ ዕጡቓት ጕጅለታት ይጽንበሩ፣
ከምኡ’ውን መሰረታዊ ነገራዊ ድልየታቱ ንምምላእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ፡ ካብ ፍርሒ፡ ቂምን ብሄራዊ ትፍንንን ዝነቐለ ንጐነጻዊ ፖለቲካዊ ምልዕዓል ዝያዳ ይቃላዕ።
ማሕበራዊ ምፍንጫልን ሰብኣዊ ማህሰይትን
ክሳራ ናይቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ግጭት ክኔው ዓውደ-ውግእ’ዩ ይኸይድ። ንማሕበረ-ኮማት ፋሕ-ብትን የእትወሎም፤ ንስድራቤታት የፈናቕሎም፤ ትምህርቲ ከም ዝቋረጽ ይገብር፤ ንማሕበራዊ ምትእምማን የዳኽሞ፤ ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ይሓድግ። ታሪኻዊ ቕሬታታት ብማሕበራዊ ሚድያ፡ መርበባት ዜናን ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ኣቢሉ ይብእስ። ማሕበረ-ሰባት ድማ ንተኸታታሊ ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባራትን ሓባራዊ መቕጻዕትን ዝያዳ ተሳጣሕቲ ይኾኑ።
ኣብ ውሽጢ ኵነተ-ህውከት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ፡ ስእነት ሽቕለት፡ ምዝንባል ህይወትን ፖለቲካዊ ተነጽሎን ዝዓቢ ወለዶ ሰላም ክሃንጽ ክትጽበዮ ዝከኣል ኣይኮነን። እዞም ሰብኣዊ ሳዕቤናት መፍትሒ እንተ ዘይረኺቦም ድማ እቶም ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ካብቶም ንኽብረትን ህልውናን ብሰላማዊ መገዲ ኸውሕሱ ዘይከእሉ መንእሰያት ምምልማል ይቕጽሉ።
ምድኻም ጸጥታን ምብዛሕ ኣጽዋርን
ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምድኻም መንግስታዊ ጸጥታዊ ቝጽጽር ሓደ ኻብቶም ዝዓበዩ መለለዪታት ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቕልውላው’ዩ። ፈደራላዊ ሓይልታት፡ መዋቕራት ጸጥታ ክልላት፡ ፍሉያት ሓይልታት፡ ከባብያውያን ዕጡቓትን ዘይወግዓውያን ናይ ርእሰ-ምክልኻል ጕጅለታትን ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዕላማታት ክንቀሳቐሱ ይርአዩ።
መንግስታዊ ቝጽጽር ፋሕ ዝበለን ዝተመቓቐለን ምስ ዝኸውን፡ ዓመጽ ንምዕጋት ዝያዳ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ግንባራት ይበዝሑን ከባብያዊ ቕሬታታት ዕጥቃዊ መልክዕ ይሕዙን። ብዘይካ’ዚ ግዝያውያን ኪዳናት ብቕልጡፍ ክለዋወጡ ይርአዩ። እቲ ግጭት’ውን ናብ ዝተፈላለዩ ኽልላት ክላባዕ ዝኽእለሉ ባይታ ይፈጥር። እዚ ብግዲኡ ናይ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መሳርያታትን ዝውውር ንኽውስኽ ዕድል ይፈጥርን ሓይልታት ግዳም፡ ዘቤታውያን መሻርኽቲ ወይ ተላኣኽቲ (proxies) ንኽፈጥሩ ዕድላት ይኸፍትን።
ኢትዮጵያ ኸበድትን ዝተደራረቡን ቅልውላዋት የጋጥምዋ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ምብትታን’ታ ሃገር ይኹን ዝተናውሐ ዅናት ክቕጽል ግድነት ኣይኮነን። መጻኢ’ታ ሃገር ኣብቲ ፖለቲካውያን ውድባት ዝፈጥርዎ ተኣማኒ ዝኾነ ልዝብ ምምላስ፡ ዕጥቃዊ ምልዕዓላት ምግታእ፡ ንሰላማውያን ሰባት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ግጭታት ብዘይ ጐነጽ ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ዘለወን ትካላት ዳግማይ ናይ ምህናጽ ዓቕሞም ዝምርኰስ’ዩ።
2. ቅልውላው ኢትዮጵያ ንኤርትራ ስለምንታይ የገድሳ
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይርጕእነት ዕሽሽ ክትብሎ ኣይትኽእልን’ያ። ጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ቍጠባ፡ ኤኮሎጂ፡ ስደት፡ ጸጥታን ንግድን ንኽልቲአን ሃገራት ኣዝየን ከም ዝተኣሳሰራ ይገብረን። ከምዚ ኾይኑ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ቕልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝህልዎ ሳዕቤናት ኣፍልጦ ምሃብን ግንዛበ ምጥራይን ማለት ኤርትራ ኣብ ምውሳን ዘቤታዊ ፖለቲካዊ መጻኢ ኢትዮጵያ ኢዳ ኸተእቱ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ፍልልይ ቀሊል’ዩ፦ ኤርትራ ኣብ ሰላም፡ ምርግጋእ፡ ሕጋውያን ዶባትን ውሑስ ዞባዊ ዝምድናታትን ረብሓ ኣለዋ። ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ግጭታት ኢትዮጵያ ተዓወቲ ምምራጽ ድማ ንረብሓኣ ኣይኮነን። ዘይርጕእነት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓያለይ መገድታት ክጸልዋ ስለ ዝኽእል። ሒደት ንምጥቃስ፦
ጸጥታ ዶብ፦ ምልባዕ ጐነጽ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ውግእ፡ ከምኡ’ውን ስግረ-ዶባዊ ዘይርጕእነት ከም ሳዕቤናት ክግለጹ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ማሕበረ-ኮማት ዝወርድ ጸቕጢ’ውን ኣብ ልዕሊ ወጻኢታት ጸጥታ ቕጽበታዊ ምዕራግ ከስዕብ ይኽእል’ዩ። እዚ ብዋጋ ካልኦት ንጥፈታት መንግስታት’ዩ ኽኸውን።
ሰብኣዊ ጽልዋ፦ ምዝንባል፡ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ዘይውሑስ ቀረብ መግቢ፡ ከምኡ’ውን ዝተዘረገ ናብራ ዘይተርፉ ኽስተታት ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ዓቕምታትን’ውን ተወሳኺ ጸቕጢ ይፈጥር።
ዞባዊ ቍጠባ፦ ምቍራጽ ንግዲ፡ ዘይርጕእነት ባጤራ፡ መርበባት ኮንትሮባንድ፡ ዝተሃስየ ትሕተ-ቕርጽን ንቝጠባዊ ዕድላትን ንግዲ ዶብን ዞባዊ ወፍርን የዳኽም።
ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር፦ ውድድር ሃገራት ወሽመጥ፡ ውድድር ቀይሕ ባሕሪ፡ ፖለቲካ ፈለግ ኒል፡ ከምኡ’ውን ግዳማዊ ረብሓታት ጸጥታ ንሓደጋታት ውክልና ውግእን ጽልዋ ወጻእን የዛይድዎን የብእስዎን።
ዞባዊ ጸጥታ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ምስቲ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ቦታታትን ዘሎ ዘይርጕእነት ተደሚሩ ካብ ሳሕል ክሳብ ቀይሕ ባሕርን ባብ ኣል-መንደብን ዝዝርጋሕ ብመጠኑ ዝሰፍሐ ጸጥታዊ ቕልውላው ክፈጥር ይኽእል።
ሱዳን ከም ሓንቲ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ብዕቱብ ክትውሰድ ይግባእ። ውሽጣውያን ፖለቲካውያን ወገናት ንግድድፍ ዕሽሽ ኢሎም ንብጐነጽ ዝመጽእ ዓወት ከም እንኮ ህልውናዊ መገዲ ገይሮም ምስ ዝወስድዎ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት (መንግስታት፡ ዞባውያን ሓይልታትን ካልኦት መወልትን) ነቲ ዝተፈጥረ ባዶሽ ተጠቒሞም ኢድ ምትእትታው ይገብሩ። እቲ ዘቤታዊ ግጭት ምስ’ቲ እንዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ይተኣሳሰር’ሞ ሰላማዊ ፍታሕ ምርካብ ዝያዳ ኣጸጋሚ ይኸውን።
ዕጫ ኢትዮጵያ ናይ ግድን ከምቲ ኣብ ሱዳን ተወሲዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕርያ ኽኸውን ወይ’ውን ኢትዮጵያ ኣሰር ሱዳን ክትክተል’ያ ማለት ግን ኣይኮነን። እቲ ምህሮ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ግድድፍ ከም ክሕደት ምስ ዝቝጸር፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ሸለል ምስ ዝበሃል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ ሕጋዊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምኽታል ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ምውጋን ከም ተመራጺ ምስ ዝውሰድ ፖለቲካዊ ውድቀት ከጋጥም ዘሎ ዕድል እናዓበየ ይኸይድ።
3. ወተሃደራዊ ስጕምቲ ፍታሕ ኣይኮነን
ካብቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠሙ ዂናታት ክውሰዱ ዝግብኦም ምህሮታት ኣለዉ። እቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ጐደቦና ዘጋጠሙ ውግኣትን ፖለቲካዊ ቕልውላዋትን ንኤርትራውያን ቅንዕናን ዲሲፕሊንን ዝመለለይኡ ኣስተንትኖ ወይ ገምጋም ክገብሩ የገድዶም። ኣብቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወልዐ ኣዕናዊ ግጭት፡ ዘይንዓቕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ (ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ዲያስፖራን) ብመርትዖ ዘይተሰነየ፡ ህዉኽ፡ ስምዒታውን፡ ኣብ ወገናዊ ህንጥይና ዝተመርኰሰን መርገጺ ወሲዱ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝለዋወጡ ዝነበሩ ናይ ዓወትን ስዕረትን ትረኻታት ተሸሚሙ ኽቡር ግዚኡ ኣባኺኑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶን ናብ ጥፍኣት ዘምርሕን ጕዳይ ኣትዩ መስሓቕ ሸራፋት’ውን ኮይኑ’ዩ።
እቲ ተመክሮ’ዚ ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ስትራተጅያዊ ሓቂ የጕልሕ። ወተሃደራዊ ዘመተ ኻርታታት ዓውደ-ውግእ ክቕይር ይኽእል ይኸውን። ብባዕሉ ግን ታሪኻዊ ቕሬታታት፡ ቅዋማዊ ዘይምርድዳኣት፡ ቍጠባዊ ተነጽሎ ወይ ሕቶታት ፖለቲካዊ ሕጋውነት ክፈትሕ ኣይክእልን’ዩ። ንሓደ ወተሃደራዊ ዘመተ ብዘይ መዋቕራዊ ዘተ ምዝዛም ማለት ድማ ነቲ ዝቕጽል ዕልወት (rebellion) መገዲ ምጽራግ ማለት’ዩ።
እዚ ዂናት’ዚ ናይ ኤርትራ ዂናት ኣይኮነን
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ፈደራላዊ ስርርዕ (arrangement)፡ ቅዋማዊ መጻኢ፡ ከምኡ’ውን ሕቶ መሪሕነት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ጕዳይ’ዩ። ኤርትራ ምሕደራ ዘቤታዊ ፖለቲካ ብዕጥቃዊ ኢድ-ኣእታውነት፡ ምስ ሓደ ጕጅለ ወገን ብምውሳድ ይኹን ብዘይወግዓዊ ፖለቲካዊ ምትእትታው ኣቢላ ቕርጺ ኸተትሕዞ ኽትፍትን መሰል የብላን።
ብዛዕባ ሕሉፍ ዝተፈላለዩ ገምጋማት ክህልዉ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፡ መጻኢ ናይ ኤርትራ ጸጥታን ምርግጋእን ግን ኣብ ዘቤታዊ ግጭታት ኢትዮጵያ ብዝግበር ኢድ-ኣእታውነት ክህነጽ ኣይግባእን። ሰረተ-እምነት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኢድ-ዘይምትእትታው፡ ማዕርነት ዝመለለይኡ ልኡላውነት፡ ሰላማዊ ዝምድናታትን ኣብ ዲፕሎማሲ ዝተመስረተ ኣፈታትሓ ግጭትን ክምርኰስ ኣለዎ።
እዚ ኣገባብ’ዚ ብልኡምነት ዝግለጽ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ልቦና ዝመልኦ ሜላ ስትራተጅያዊ ርእሰ-ዕቃበ’ዩ። ሜላ ኢድ-ዘይምትእትታው ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝኽሰቱ ዘቤታውያን ረጽምታት ካብ ምስታፍ ምቝጣብ ወይ ምንጻግ፣
ምስ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብምስምስ “ጽምዶ” ዝግበር ሽርክነታት ምንጻግ፣
ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ምስ ዝመጣጠር ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ጕጅለ ወገን ካብ ምውሳድ ምቑጣብ፣
ዓመጽ ንምንካይን ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምርግጋጽን ዝግበሩ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ጻዕርታት ደገፍካ ምሃብ፣
ፖለቲካዊ ዘይምርድዳኣት ብዘተን ብሕጋውያን ትካላትን ኣቢሎም ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል መትከል ምቕዳም፣
ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ከም መሳርሒ ናይ ካልእ ሃገር ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ምትሕንናቕ ንምጥቃም ንዝገብር ፕሮፓጋንዳ ምምካት፣
ከምኡ ድማ ሃገራዊ ጸጋታት ኣብ ዘቤታዊ ጽንዓትን ስኒትን፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ምርግጋእን ጸጥታ ዶብን ምውዓል፡
ኢድ-ዘይምትእትታው ማለት ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ስቓይ ስቕታ ምምራጽ ማለት ኣይኮነን። ንሕጋዊ ሃገራዊ ምክልኻል ምርሕራሕ ማለት’ውን ኣይኮነን። ትርጕሙ፡ ንዲፕሎማሲ ብወተሃደራዊ ኢድ-ኣእታውነት ከይትትክእ ምንጻግ፡ ከምኡ’ውን ግጭታት ወጻኢ ንናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኣረዳድኣ ብዛዕባ’ቲ ዞባ (ፖለቲካዊ ፍርዲ)፡ ጸጋታትን መጻኢ ዕድልን ከይውሕጥዎ ጥንቃቐ ምግባርን ምቅዋምን ማለት’ዩ።
ኵሉ-ሓቘፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምእላሽ
ጻውዒታት ዘተ ክኔው ጽንብላዊ ቋንቋ ዝኸይድ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ። ተኣማኒ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ተዋሳእትን ጸበብቲ ጕጅለታት ልሂቃንን ዝተሓጽረ ክኸውን ኣይግባእን። ንሲቪልያዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ዝተመዛበለ ህዝቢ፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ናጻ በርገሳውያን ድምጽታትን ነተን ብዓመጽ ዝያዳ ዝተጐድኣ ክልላትን ዝሓቍፍ ክኸውን ይግባእ። ተኣማኒ ዝኾነ ንተዅሲ ምቍጽጻር ዘኽእል ኣልያን ግጭት ንምንካይ ዘርዊ ስርርዕን ከምኡ’ውን ቅዋማዊ ኽትዓት ብዘይ ዕምጸጻ ዝዝተየሉ ሕጋዊ መስርሕ ምጥጣሕን ከድሊ’ዩ።
እቲ ዕላማ ነቲ ግጭት ንግዜኡ ዝዓግት ጥማዓዊ ስምምዕ ሰላም ምውሓስ ክኸውን የብሉን። ኣብ ክንድኡስ፡ ማሕበረ-ሰባት ንጐነጽ ከም መሳርሒ ኸይተጠቕሙ ኽወዳደሩሉ፡ ክደራደሩሉን ብሓባር ክነብሩን ዝኽእሉሉን ፖለቲካዊ ስርዓት ዳግማይ ምህናጽ ክኸውን ኣለዎ።
4. ትምክሕቲ ዘይተሓወሶ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራ
እቲ ኣብ ዘይምልከተካ ጕዳይ ናይ ዘይምትእትታው ሰረተ-እምነት ሃገራዊ ድሕነት ብማዕሪኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝግበር መትከላዊ ምክልኻል ልኡላውነት ኤርትራ ኽስነ ኣለዎ።
ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር’ያ። እቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዶባታ፡ መሬታ፡ ኣየራዊ ኽልታት፡ ግዝኣታዊ ማያታን ወደባታን ቅድመ-ኵነታዊ ሓለፋታት ኣይኮኑን። መሰረታዊ መለለዪ ሃገረ-መንግስታዊ ህልውናኣ’ዮም። ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ብምስምስ ታሪኻዊ ናፍቖት፡ ፖለቲካዊ ጸቕጢ፡ ሓይሊ ዝተሓወሶ ምፍርራሕ ወይ’ውን በይናዊ ናይ ኣጀታ ጠለባትን ክኽለስ ኣይክእልን’ዩ። ዘይሕጋዊ ስለ ዝኾነ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓሰብ፡ ባጽዕን ኵሉ ካልእ ክፋል ግዝኣታን ዘለዋ ምሉእ ልኡላውነታዊ ስልጣን ዘጠቓልል’ዩ።
ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሕጋዊ ንጹርነት’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኢትዮጵያ ከም ወደብ-ኣልቦ ሃገር መጠን፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ወደብ-ኣልቦ ሃገራት፡ ብኽልተኣውን ብዙሐ-ወገናውን ስምምዓት ንግዲ ኣቢላ ተጠቃምነት ክትሓትት ሕጋዊ መሰል ኣለዋ። እንተኾነ ግን፡ ተጠቃምነት ምስ ልኡላውነት ፈጺሙ ኽደናገር የብሉን።
ንግዳዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ብልዝብ ዝብጻሕ ስምምዕ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ። ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ልኡላውነት ግን ብጠለብ፡ ብምግፋዕ ወይ ብምፍርራሕ ኣቢልካ ኽቕየር ኣይክእልን’ዩ።
ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዓሰብን ባጽዕን ዘለዋ ሕጋዊ ዋንነታዊ ስልጣን፡ ግዝኣታዊ ሓድነታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ባሕራዊ ግዝኣታ ዘለዋ ቍጽጽር፡ ብሓደ ወገን ብዝግበር ክለሳ፡ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ወይ ናይ ምስፍሕፋሕ ጣቋ ዘረባታት (rhetoric) ክቕየር ኣይክእልን’ዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ጠለብ ምስቲ ማዕርነት ዝመለለይኡ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ከምኡ’ውን ሓይሊ ናይ ምጥቃም ይኹን ምፍርራሕ ክልከላ ዝብሉ መትከላት ዝጋጮ’ዩ። ንምስፍሕፋሕን ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝ ቋንቋን ዝወሃብ ግቡእ ምላሽ ድማ ጽኑዕ፡ ሕጋውን ህዱእን ኵለ-መዳያዊ ስጕምቲ ኽኸውን ኣለዎ።
ብልቦና ዝልለ ምክልኻል ልኡላውነት ኤርትራ
ኤርትራውያን ኵሉ’ቲ ብምስምስ “ጽምዶ” ኣብ ዘይጕዳይካ ዝግበር ኢድ-ኣእታውነት ብትሪ ክነጽጉ ይግባእ፣
ኤርትራውያን ንዅሉቲ ብስርዓት ኢትዮጵያ ዝቐርብ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ብትሪ ኽቃወሙ ይግባእ፣
ኤርትራውያን ኣብ ጕዳይ ምክልኻል ሃገርን ጥሕሰት ልኡላውነትን ዘተኰረ ዅለንተናዊ ዘመተታት ክካይዱ ይሕተቱ፣
ኤርትራውያን ንዓበድበድን ዘይሓላፍነታዊ ዘረባታትን እናነጸጉ ኣብ መርትዖ ዝተመርኰሰ ሕጋዊ መጐት ከሕይሉ ይግባእ፣
ኤርትራውያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝግበር ስምዒታዊ ምልዕዓል ክነጽጉን ሞያዊ ዲፕሎማሲ ድማ ከቐድሙን ክሰርሑሉን ይግባእ፣
ኤርትራውያን ዝኾነ ይኹን ናይ ምስፍሕፋሕ ዕላማ ዘሳሲ ኣተሓሳስባ ኽነጽጉን ዞባዊ ሽምግልናን ዘተን ድማ ኽጽውዑን ይግባእን
ኤርትራውያን ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ምጽጋዕ ክነጽጉን ሃገራዊ ጽንዓትን ድሉውነትን ድማ ኸደልድሉን ይግባእ።
ንናይ ግዳም ምትዅታዃት ዝወሃብ ዝሓየለ መልሰ-ተግባር፡ ብህረራ (panic)፡ ጽልኢ ወይ ወተሃደራዊ ፈኸራ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ንማዕርነት ማእከል ዝገበረ ልኡላውነት፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ተኣማኒ ናይ ግትኣት ዓቕሚ (deterrence) ከምኡ’ውን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ብቕዓት ምእማን’ዩ።
ልኡላውነትካ ምክልኻል ዲሲፕሊን ይሓትት። ንጐረባብቲ ህዝብታት ከም ጸላእቲ ናይ ምቕራብ ፈተናታት ምምካት’ውን ይሓትት’ዩ። ኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ከየጸለሙ ነቲ ናይ ግዝኣት ምስፍሕፋሕ ጥሙሕ ክነጽግዎ ይኽእሉ’ዮም። ሓደ መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ወገናት’ቶም ዶባት ዝርከብ ተራ ህዝቢ ንዂናት ዝኸበደ ዋጋ ኸም ዝኽፈል ኣፍልጦ እናሃበ፡ ዶባቱ ብጽንዓት ክከላኸል ስትራተጅያዊ ግዴታ ኣለዎ።
5. ልቦና ውሽጣዊ ጽንዓትን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ይሓትት
ልኡላውነት ኣብ ዶብ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕሎ። ብውሽጣዊ ጽንዓት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ’ዩ ዝድልድል። ልዕልና ሕጊ፡ ቅዋማውነት፡ ቍጠባዊ ዓቕሚ፡ ህዝባዊ ምትእምማን፡ ሲቪካዊ ስኒት፡ ውሕስነት መግቢ፡ ትካላዊ ብቕዓት፡ ምሁር መንእሰይ፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ጸጋታት ንሓባራዊ ድሕነትን ረብሓን ክውዕል ምርግጋጽ ይሓትት።
ሓያላት ትካላት፡ ዝበረኸ ማሕበራዊ ምትእምማን፡ ከምኡ’ውን ዝያዳ ጽንዓት ዘለዎ ቝጠባ ዘለዋ ሃገር፡ ብስምዒት ከይተደፋፈአት ወይ ኣብ ወተሃደራዊ መፍትሒታት ጥራይ ከይተመርኰሰት፡ ንናይ ግዳም ዘይርጕእነት ብዝበለጸ ኽትምክት ትኽእል’ያ።
ሓባራዊ ዞባዊ መጻኢ
ህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ፖለቲካውን ኤኮሎጅያውን (ከባብያውን) ቦታ’ዮም ዝነብሩ። መንግስታት ይእመኑሉ ኣይእመኑሉ ብዘየገድስ፡ ቍጠባታቶም፡ ማያቶም፡ ናይ ንግዲ መስመራቶም፡ ናይ ስደት ኣንፈታቶምን ሃዋህው ጸጥታኦምን ዝተኣሳሰረ’ዩ።
መተካእታ ናይቲ እንርእዮ ዘለና እናብኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኲናትን ወረ ዂናትን ኵነታት የዋህ ሕልሚ ኣይኮነን። እቲ እንኮ ፍታሕ እቲ ኣብ መንጎ ልኡላውያን ሃገራት ክግበር ዝግብኦ ግብራዊ ምትሕግጋዝ’ዩ። ንመጻኢ ዝጠመተ ዞባዊ ቕርጸ-መቓን ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኸጠቓልል ኣለዎ፦
ንዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ዶባትን ልኡላውነትን ምኽባር፣
ንኽልተኣዊ ወጥሪታት ንምንካይ ዝሕግዙ ዲፕሎማስያዊ ኣልያታት ምጥቃም፣
ኣብ ስምምዕን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረቱ ሕጋውያን ትሕተ-ቕርጽታት ንግድን መጐዓዝያን ምውዳድ፣
ንህዝብታት ዘርብሑ ስግረ-ዶባዊ ንግዲ ምትብባዕ፣
ብዛዕባ ደርቂ፡ ዘይውሑስ ቀረብ መግቢ፡ ምዝንባልን ህጹጽ ኵነታት ህዝባዊ ጥዕና ንምውጋድን ተወሃሂድካ ምስራሕ፣
ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ደቂ-ሰባትን ንዝተወደበ ገበንን ንምክልኻል ሓባራዊ ጻዕርታት ምክያድ፣
ንንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ምሕላውን ናይ ግዳማውያን ሓይልታት ኢድ-ኣእታውነት ኣብ ዘቤታውያን ጕዳያት ምንጻግን
ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ሽምግልና ምጥቃም።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምእንቲ ኽተሓጋገዛ ኢለን ልኡላውነተን ኣሕሊፈን ክህባ ኸፍቅዳ የብለንን። ኣይግባእን’ውን። ብኣንጻሩ፡ ትርጕም ዘለዎ ምትሕግጋዝ ክህሉ ዝኽእል፡ ልኡላውነት ብሓድሕዳዊ ምክብባር ክስነ እንከሎ ጥራይ’ዩ።
መደምደምታ፦ ስትራተጅያዊ ንጹርነት ኣብ ክንዲ ስምዒታዊ መልሰ-ተግባር
ልቦና ምልክት ድኻም ኣይኮነን። ንዘላቒ ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ኸየእተኻ ንግዝያውያን ስምዒታት ናይ ምንጻግ ዲሲፕሊን’ዩ።
ኤርትራ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስምዒት ከይጠሓለት ንልኡላውነታ ኽትከላኸል፤ ንጐረባብቲ ህዝብታት ከየጸለመት ዶባታ ኽትሕሉ፤ ዘቤታዊ ግጭት ኢትዮጵያ ከም ጕዳያ ኸይወሰደት ንዘይርጕእነት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኽትህብ፤ ከምኡ’ውን ንቶኽቶኽቲ ዘረባታት ብሕጊ፡ ብዲፕሎማሲ፡ ብሲቪካዊ ህድኣትን ብሃገራዊ ድሉውነትን ኣቢላ ምላሽ ክትህብ ይጥለብ። እቶም መሰረታውያን ስትራተጅያውያን መትከላት ንጹራት’ዮም። ነዞም ዝስዕቡ ድማ ኸጠቓልሉ ይኽእሉ፦
ዕጥቃዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓብላልነት መሳርሒ ምኹናን፣
ብኢትዮጵያውያን ዝምራሕ ኵሉ-ሓቘፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምድጋፍ፣
ኤርትራ ኣብ ዘቤታዊ ግጭታት ኢትዮጵያ ኢዳ ካብ ምእታው ምቝጣብ፣
ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ኤርትራ ግዝኣት፡ ወደባት፡ ኣየራን ባሕራዊ ስልጣናን ብዘይ ዝኾነ ምልምማጥ ምክልኻል፣
ንኤርትራ ብቝጠባዊ ጽንዓት፡ ብሲቪካዊ ስኒት፡ ብትካላዊ ብቕዓትን ብሞያዊ ዲፕሎማስን ኣቢልካ ምሕያልን
ግጭታት ብልዝብ፡ ብሕጋዊ ሽምግልናን ኣብ መንጎ ልኡላውያን ሃገራት ብዝግበር ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝፍተሓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽትፍጠር ምጽዓርን
ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናይ ምሉእ ወተሃደራዊ ዓወት ጥበራ (illusion) ኣይክረክብን’ዩ። እቲ ዞባ ዝያዳ ውሑስ ክኸውን፡ ሃገራት ንብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዶባት ከኽብራ፡ ህዝብታት ንፍልልያቶም ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብዘተ ኽፍትሑ፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ነቲ ኣዕናዊ ናይ ውክልና ውግእ ኣተሓሳስባ ኽትክእ እንከሎ ጥራይ’ዩ።
ኤርትራ ኣብ ዘይምልከትዋ ዂናታት ካብ ምእታው ብምንጻግ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ሕጋዊ ልኡላውነታ ብጽንዓት ብምክልኻል፡ ንሃገራዊ ረብሓታታ ሎሚ ኸተውሕስ፡ ከምኡ’ውን ንጽባሕ ዝያዳ ሰላማዊ፡ ምትሕግጋዝ ዝሰፈኖን ውሑስን ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምህናጽ ዕድል ንምዕቃብ ኣስተዋጽኦ ኽትገብር ትኽእል’ያ።




Thanks for this timely article. I was hoping that you would give a m7ch targeted focus on this specific issue below. Given that Ethiopia is increasingly presenting access to the sea as a legitimate national objective, and that this position appears to enjoy considerable support among the Ethiopian population, can the Eritrean government's efforts to build alliances with other Ethiopian factions and regional powers, including Egypt, be considered a legitimate defensive strategy? Eritrea, acting alone, may not possess sufficient military or economic capacity to deter a much larger Ethiopia. From that perspective, cultivating regional alliances could be viewed as an attempt to create a balance of power and raise the costs of any Ethiopian military action against Eritrea. The stakes…