top of page
Search

ድሕረ-ለውጢ፡ መዋጥር ቀዳመይቲ መዓልቲ - ክልተ ሕርያታት - ቀውሲዶ ቐጻልነት፧

Oct 12
10 min read

Updated: Oct 13

ድሕረ-ለውጢ፡ መዋጥር ቀዳመይቲ መዓልቲ - ክልተ ሕርያታት

ቀውሲዶ ቐጻልነት፧

 

ሰመረ ሰሎሞን

12 ጥቅምቲ 2026

 


መተሓሳሰቢ ንኣንበብቲ

ቅድሚ ነዛ ሓጻር ዓንቀጽ’ዚኣ ምንባብ፡ ንኽቡራት ኣንበብቲ ሓንቲ ንእሽቶ መተሓሳሳቢት ከቕርብ ኣፍቅዱለይ። እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ ምስዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸሲቱ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ ምትሕሓዝ የብላን። ንኣይ እታ “ድሕረ-ለውጢ እትኽሰት ቀዳመይቲ ወጋሕታ” ወትሩ ምስ ኣተሓሳሰበትኒ’ያ። እዚ ቴማ’ዚ ኣብ በበይኖም ጽሑፋተይ ይኹን ኣብቶም ክሳዕ ሎሚ ንኣንበብቲ ዘቕረብክወን ሰለስተ መጻሕፍተይ ብተደጋጋሚ ኸም ዘልዓልኩዎም ምዝካር’ውን ኣገዳሲ ኽኸውን’ዩ። ሕጂ’ውን እንተ ኾነ፡ በዚ ይኹን በቲ፡ እቲ ለውጢ ኽመጽእ’ዩ ዝብል ነቕ ዘይብል እምነት ኣሎኒ። እሞኸ ደኣ እታ ጽባሕ ለውጢ ዘላ መዓልቲ እንታይ ኮን ትመስል ትኸውን ካብ ዝብል መበገሲ’ዩ እምበኣር ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ምሕሳብን ምጽሓፍን ኣገዳሲ ኾይኑ ዝተራእየኒ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ውዱእን ዝርዝራውን’ውን ኣይኮነን። ከም ካልኣይ ወይ ተወሳኺ ዕላማ ናይዛ ዓንቀጽ’ምበኣር ካልኦት ክኢላታት ብዝበለጸ ኸዕምቝዋን ከክስፍሕዋን ብማለት ዝተጻሕፈ’ዩ።

 

 

I. እታ ቐዳመይቲ ወጋሕታ ድሕረ-ለውጢ

እስከ ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮና ኽንቀርጽ ንፈትን። ሓደ መዓልቲ ከካብ ድቃስና ንበራበር’ሞ ኣብ ኤርትራ እቲ ንነዊሕ እዋን እንጽበዮ ዝነበርና ለውጢ መጸ ንበል። ኵልና ምሰምበድና እመስለኒ። እቲ ስንባደ’ውን ብቕጽበት ብዙሓት ሓሳባት መለዓዓለልና። በዚ ኾይኑ በቲ ግን ንደለይቲ ለውጢ ይኹን ደገፍቲ መንግስቲ እቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝቕጀሎም ቀንዲ ጕዳይ ሕቶ ምውሓስ ርግኣት ወይ ሰላም ናይታ ሃገር ምዃኑ ዝጠራጠር ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን። እቲ ስግግር’ውን ጥጡሕ ክኸውን ዘይምነ ዜጋ ዘሎ ኾይኑ’ውን ኣይስምዓንን።

  

ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ፖለቲካዊ ስግግራት ብሃንደበትን ብቕልጡፍን ኣብ ዝፍጸሙሉ እዋን እቲ ዝርአ ህዝባዊ ዕልልታን ሓጐስን (እንሓንሳዕ’ውን ብብኽያት ዝተሰነየ ታሕጓስ) ዳርጋ መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ናይ መጀመርታ ግዳይ ናይቲ ዓወት’ዩ ዝኸውን። እዚ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ሓደ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት (ብውሽጢ’ሞ ብሃገሮም ብዘስቘርቝሩ ባእታታት ዝመጽእ ለውጢ፡ ብኽድዓትን ውሽጣዊ ግርጭታትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ብውሽጣዊ ናይቲ ስርዓት ቡኽቧኸን ምድኻምን፡ ዝተደራረበ ቕብጸተ-ተስፋ ዝመበገሲኡ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብግዳማዊ ጸቕጥታት ወይ’ውን ብሕውስዋስ ናይዞም ዝጠቐስናዮም ዝተፈላለዩ ረቛሒታት) ክወድቕ ወይ ክፈርስ ይኽእል’ዩ። እቲ ብኡ ንብኡ ዝግንፍል ስምዒት’ምበኣር ከም ሓደ ዘስክር ታሪኻዊ ፍድያ ሕነ ኮይኑ ኽግለጽ ይከኣል። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዘይ ገደብ ዝተተግበረ ሕሱም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዝተወንዘፈ ቕዋማውነት፡ ብስቱራት መሓውራት ኣብያተ ማእሰርትን ብቝጠባዊ ተነጽሎን ተኣሲራ ዝጸንሐት ሃገር፡ ካብ መቝሕ ባርነት ክትገላገል እንከላ እቲ ስምዒት ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይከውንን። ኣማስይኡ እቲ ፖለቲካዊ ደረት-ትርኢት ምስ ዝርሖ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ ብፍኑው ህዝባዊ ስምዒት ዝስነ ኽስተት ክህሉ’ዩ። ገሊኦም ካብ ፍርሒ ዝነቐለ ኣብ ኣባይቶም ክሽጐጡ’ዮም። ገሊኦም ድማ ህንጥይና ዝመበገሲኡ ናብ ጐደናታት ኣስመራ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ባጽዕ ክከዓዉ’ዮም። ሓደ ነቲ ሓደ ሃለዋት ክሓትት ክድረኽ’ዩ። ግንከ ጥንቅቕን ቍጥብን ኢሉ።  

 

ኣብ ናይ መወዳእታ ትንታነ ግን ሓደ ኽንሰግሮ ዘይንኽእል ሓቂ ኽህሉ’ዩ። እዚ ድማ ድሕሪ ምውዳቕ ወይ ምእላይ ውልቀ-ምልኪ፡ ህይወት ኣብ ዘለዎ ደው ክብል’ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝጸንሐ መንግስታውን ዘይመንግስታዊን መሓውር ግድን ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ኸኣ ኣገልግሎት ክረክብ ኣለዎ።

 

ኣብ ከተማታት ባጽዕ፡ ደቀምሓረ፡ ዓሰብ፡ . . . ዝርከቡ ምምሕዳራዊ ትካላት ኣገልግሎታት ማይን ጸዓትን ክህቡ ኣለዎም። ህዝባዊ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ስርሖም ክቕጽሉ ኣለዎም። ሓለውቲ ዶብን ጕምሩኽን ዝህብዎ ኣገልግሎት ክቕጽል ኣለዎ። ብዝያዳ ኣገዳሲ ድማ፡ እቶም ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ተዓስኪሮም ዝነበሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ዋና ኣብ ዘይብሉ ወዋቕረ-እዚ ተበታቲኖም ሃገር ኣብ ዕግርግር ንኸይትኣቱ ጥንቃቐ ኽግበር ኣለዎ።   

 

እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ እምበኣር ነቲ ብኡ ንብኡ ድሕሪ’ቲ ለውጢ ዝጽበየና ዘሎ ሓደገኛን ፈታንን ባይታ ንምድህሳስ ዝዓለመት’ያ። ዜጋታት መብዛሕቲኡ ግዜ ብድሕረ-ግጭት ኣብ ዝኽሰት መስርሕ ህንጸት-ሃገር ኣብታ ድሕረ-ለውጢ ዘላ ቐዳመቲ ወጋሕታ ኽግበሩ ዝግብኦም ዕማማት ጥልቕ ኢሎም ኣየስተውዕሉሎምን’ዮም። ተጐስዮም ይሓልፉ’ዮም እንተ ተባህለ’ውን ከም ምግናን ኣይቍጸርን። እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ እምበኣር ኣብ ታሪኽ ዝተረጋገጹ ንህላወ ሓንቲ ሃገር ወሰንቲ ዝኾኑ ንብድሆታት ቀዳመይቲ ወጋሕታ ድሕረ-ለውጢ ኽትፍትሽ’ያ። ብንጹር ክቕመጥ እንከሎ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ ሽዑ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ህይወት ዜጋታት ዝዕቅቡ ሲቪልያውያን ምሕደራዊ ትካላት ካብ ሱሮም ከይቦርቆቐ መጋበርያታት ምልኪ ብዘይ ንሕስያ ኽኣሊ ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወይ ግምት ዝምርኰስ’ዩ። 

 

ንሓደ ካብ ውልቀ-ምልክን ኣዝዩ ዝተማእከለ ስርዓተ-ምሕደራን ዝገላገል ሕብረተ-ሰብ፡ እዚ ፈተና’ዚ ኽልሰ-ሓሳባዊ ኣይኮነን። ሓደ እዉን መስርሕ’ዩ። ዝተፈላለዩ መዳያት ድማ ኣለዉዎ። በቲ ሓደ ወገን፡ ዓቕሊ ህዝቢ ብዝፈታትን ኣሰጓጕማ ኽኸውን የብሉን። ኣብተን ቀዳሞት ሰብዓን ክልተን ሰዓታት፡ ኣብተን ቀዳሞት ሚእቲ መዓልታት፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ዝውሰዱ ውሳነታት (ቅኑዓት ይኹኑ ግጕያት) ወሰንቲ’ዮም። ሓንሳእ ምስ ተተግበሩ ድማ ንድሕሪት ንምምላሶም ኣዝዮም ኣጸገምቲ ዝኾኑ ትካላዊ ሳዕቤናትን ኣንፈታት’ዮም ዘኸትሉ። እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብኣዝዩ ጥንቑቕ ዝኾነ ስጕሚ ኽምርሽ እንተ ደኣ ጀሚሩን ብምስምስ ምርግጋእ ነቶም መሓውር ዕምጸጻን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝዕብለሉ ዝነበሩ ቝጠባዊ ብሕትውናታት ከም ዘለዉዎ እንተ ገዲፍዎምን ብስዉር ዝንቀሳቐሱ ናይቲ ዝፈረሰ ስርዓት ሰብ ብርኪ ዝኾኑ ባእታታት ነቲ ዝተኸስተ ለውጢ ናይ ምቕልባስ ኵነታት ክገብሩ ይዕድም። ብኣንጻር’ዚ ድማ ብዘይ ምስትውዓልን ሃወኽ ብዝደፋፍእ ኣገባብን እንተ ተተግቢሩ ንባዕሉ መንግስቲ ናይ ምብትታን ሓደጋ የስዕብ። እቲ ዝጸንሐ ቢሮክራሲ ካብ ሱሩ ይምሖ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብሓደ ለይቲ ይፈርሱ፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ምድላው እቲ ምምሕዳራዊ መዋቕር ይዓኑ።  ውጽኢቱ ድማ ስርዓተ-ኣልቦነት ወይ ፋሉልነት ይኸውን።  

 

ስነ-ህንጻ (architecture) ቐዳማይቲ መዓልቲ’ምበኣር ነዚ መዋጥር ዝመልኦ ዅነታትንምስጋር፡ ነቶም ረቀቕትን መስመራውያንን (linear) ዝኾኑ ሞደላት ምዕራባዊ ደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ኸም ዘለዎም ምቕባል ግብራዊ ትካላውነት ምውሓስ ከም ዘድሊ እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ ትከራኸር። እዚ ማለት ድማ ብጥንቃቐ ዝተነድፈ ኽልተ-መስመራዊ ስትራተጂ ምኽታል ማለት’ዩ። ነዞም ዝስዕቡ ድማ ከጠቓልል ይኽእል፦ እቲ ቕጽበታውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱን ምውጋድ ዘይሕጋውያን ኣካላት ዕምጸጻ ከም ቀዳምነት ክውሰድ ይግባእ። ሲቪላውያን ምሕደራዊ ኣሃዱታት ከም ዝነጣጠፋ ምግባር ድማ ጐኒ ጐን’ዚ ዕማም ይኸይድ። ንምክያዶም ዘገልግሉ ቐረባት ምቕራብን ሕጋውነቶም ዝለብሱሉ ዅነታት ምፍጣርን ድማ ይጥለብ።     

 

2. እተን ናይ ስግግር ማንታ ሕማማት፦ ቀውሲዶ ወይስ ንይምሰል ኢልካ ዝግበር ቀጻልነት ምውሓስ 

ዘመናዊ ንጽጽራዊ ታሪኽ ነቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ፈተና ዘጠቓልሉ ኽልተ ኣቦኦም ዘፍለጡ መጠንቀቕታታት ዝኾኑ ኣንፈታት ከም ዘለዉ የረድኣና። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ድሕሪ ምፍራስ’ቲ ማሕበርነታዊ ቐጽሪ ኣብ ዩሮኣስያ ዝተኸስቱ ፖለቲካዊ ስግግራት ኣብ ሓደ ካብ’ዞም ክልተ ኣዝማምያታት (ቀውሲ ወይ ቀጻልነት) ክጐዓዝ ግድን ነይሩ። ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ንዘጋጠሙ ፍሽለታት ብፍላይ መዘኻኸሪ ኽኾኑ ዝኽእሉ ኣብነታት የቕርብ።

  

ሀ. ሱር በተኻዊ ቐውስን ዘስዕቦ ትካላዊ ባዶነትን

እቲ ቐዳማይ ሓደጋ፡ እቲ ናይ ባዶ-ሰሌዳ (tabula rasa) ፈተና’ዩ። ሓደ ምልካዊ ስርዓት ኣብ መንጎ ገዛኢ ሰልፍን እቲ መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ስለ ዘህስሶ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሲቪልያዊ ምሕደራዊ መዋቕር ተበኪሉ ይጸንሕ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ብጃምላ ኽፈርስ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘሳሲ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይዚ ጌጋ’ዚ ቐንዲ ኣብነት እቲ ድሕሪ 2003 ዓ.ም. ድሕሪ ወራር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ዘጋጠመ ዅነታት’ዩ። እቲ ብኡ ንብኡ ዝተመስረተ ልፍንቲ ግዝያዊ ምምሕዳር (Coalition Provisional Authority) ብቍጽርታት ሓደን ክልተን ዝተሰምዩ ትእዝዛት ኣውጺኡ። ብመሰረት’ዞም ትእዛዛት፡ ኵሎም ኣባላት’ቲ ገዛኢ ሰልፊ (ሰልፊ በዓስ) ዝነበሩ ኣባላት ሲቪልያዊ ኣገልግሎት ካብ ስራሕ ከም ዝሰናበቱን ሓይልታት ምክልኻል ዒራቕ ድማ ከም ዝብተንን ተገይሩ። እቶም ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ተክኖክራስያውያን (ሞያውያን)፡ መምህራን፡ መሃንድሳትን ኣባላት ምዱብ ሰራዊትን ከም ናይቲ ውልቀ-ምልኪ ስነ-ሓሳባዊ መቐጸልታት ተወሲዶም። ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ጥዑይ ምሕደራ ንኽፍጠር ባይታ ዘጣጥሕ፡ መሰሎም ዝተገፈን፡ ዕጡቓትን ዝተዋረዱን ሰባት ዝሓቘፈ ቕጽበታዊ ምትእኽኻብ ናይ ዕጡቓት ፈጢሩ። ነቲ ዝተተኽለ ሓድሽ ምሕደራዊ መዋቕር ድማ ኣዳኸሞ። እቲ ድሕሬኡ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ቐውሲ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ፈውሲ ኣይተረኽቦን። ኣብ ጐደቦና’ውን እንተ ተመልከትና ኣብ ሶማልያ ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝተኸስተ ምፍራስ ማእከላይ ስልጣን ከምኡ’ውን ድሕሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሊብያ ዝተራእየ ምድኻምን ምዕናው ስሩዓት መንግስታውያን ትካላት ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ንትሕተ-ሃገራዊ ምፍንጫላት፡ ምፍጣር ጐይቶት ኲናትን ከምኡ’ውን ኢድ-ኣእታውነት ደገን ከም ዝዓደሙ ንርኢ።

  

ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ዕደላ እኽልን ካልኦት ሃለኽቲ ኣቕሑትን፡ ናውቲ ህንጻን ክሳብ ተሌኮሙኒከሽንን ገጠራዊ መጐዓዝያን ብሒትዎ ኣብ ዘለወሉ ዅነታት፡ ተርእዮ ፍጹም ቀውሲ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ዝኸውን። ዘይተወሃሃደ ደውታ ናይቶም ብሚኒስትሪታት ዝዕመሙ ዕማማት ከምኡ’ውን ፍኑውን ህዉኽን ምብታን ሰራዊት፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ክፈጥርን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕሪ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጐበጣ ኽዕድምን ይኽእል’ዩ።

 

ለ. ስማዊ ለውጥን ሳዕቤናቱን

ብኣንጻር’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኽስተት፡ እቲ ለውጢ መዋቕራዊ ምስ ዘይከውን ተረፍ-መረፍ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓተ ብስቱር ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ንድሕሪት ናይ ምጕታት ተበግሶ ኽወስዱ ወይ’ውን ውዲት ክኣልሙ ዘይሕሰብ ኣይኮነን።  እዚ ተርእዮ’ዚ ዝኽሰት፡ ሲቪላውያን ኣለይቲ’ቲ ለውጢ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኸይፍጸም ብምስካፍ ነቲ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ፋይናንስያዊ መዋቕር ከይተንከፉ ስማዊ ስልጣን ኣብ ዝርከቡሉ እዋን’ዩ። ናይዚ ርኡይ ኣብነት እቲ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዑመር ኣል በሺር ዘጋጠመ ዅነታት’ዩ። እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረሲደንት ዑመር ኣል-በሺር ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ተርእዮ ኸም ሓደ ዞባዊ ትራጀዲን መጠንቀቕታን ክውሰድ ይከኣል። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ዘይስጡም ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን (ኣብ መንጎ’ቲ ነቲ ለውጢ ንኽመጽእ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሲቪክ ሕብረተ-ሰብን እቲ ሰራዊትን) ነቶም ወተሃደራዊ-ኢንዱስትርያዊ ትካላትን ሓውሲ-ዕጡቓት ሓይልታትን ፋይናንስያውን ስርሒታዊ ንጥፈታቶምን ብናጻ ኸካይዱ ገዲፍዎም። ንጽላት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ሲቪልያዊ ምሕደራ ኣብ ክንዲ ምእታው፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ እቶም መርበባት ዕምጸጻ ሃብቲ ኸኻዕብቱ፡ ሰብ-ሰርሖ ቝጠባዊ ሕጽረታት ክፈጥሩ፡ ነቶም ኣብ ነንሓድሕዶም ዝተኸፋፈሉ ሲቪላውያን ኪዳናት ብሜላ ኽዕብልሉን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነታ ሃገር ናብ ዕንወት ዘምርሕ ኲናት ሓድሕድ ሸሚሞምዋ። 

  

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ፖለቲካዊ ስግግርን ኣለይቱ ወይ መራሕቱ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝመሳሰል መጻወድያ ኸጋጥሞም ይኽእል’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ጕሉሕ ተረኣይነት (visibility) ዘለዎ ትካልን መንግስታዊ ቢሮክራሲን ኮይኑ’ዩ ኽሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ከም ኮርፖሬሽን ንግዲ ቐይሕ ባሕርን ማዕከን ሕድርን ብዝስመዩ ትካላት ኣቢሉ ናይቲ ውድብ ፋይናንስ ምስ ናይ መንግስቲ ኣታዊታት ኮነ ኢሉ ኸም ዝወሳሰብ ገይሩ’ዩ። ኣዘዝቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት’ውን ካብ ሕጋዊ ኦዲት ወጻኢ ኽሰርሑ ጸኒሖም’ዮም። ፋይናንስያዊ ዓቕሚ ህግደፍ፡ ፍሉይ ቤት-ፍርድን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከም ዘለዎ ገዲፍካ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክትቅይር ኢልካ ምሕሳብ’ምበኣር ብኮሚተ ዝምራሕ ምልካዊ ምሕደራ ምጥያስ ማለት’ዩ።

 

3. ባዶ ዝመበገሲኡ ኣተሓሳስባ  

ሓደ ሓደ ኻብቶም ብዛዕባ ኤርትራ ዝተኻየዱ ምሁራዊ መጽናዕትታትን ዲፕሎማስያዊ ትንታነታትን እቲ ብ"ጸሊም ጒድጓድ" (black hole) ዝፍለጥ ክልሰ-ሓሳብ’ዩ። ካብዞም ዝስዕቡ ግምታት ድማ ይብገስ፦ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ዓ.ም.  ንደሓር ስለ ዘይተኣከበ፡ እቲ ብ1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ቕዋም ኣብ ግብሪ ስለ ዘይወዓለን ከምኡ’ውን ናጻ ፕረስ ብ2001 ዓ.ም. ስለ ዝተዓጽወን ኤርትራ ምሕደራዊ ዓቕሚ ዘይብላ ትካላዊት ምድረ-በዳ’ያ ዝብል’ዩ። ካብዚ ጽንሰ-ሓሳብ ዝብገስ እቲ ሓደገኛ ናይ ባዶ-መበገሲ (zero baseline) ግምት ይምንጩ። እዚ ግምት’ዚ ድማ ድሕረ-ለውጢ ትካላት ሕጊ፡ ምሕደራን ሲቪልያዊ ስርዓትን ካብ ባዶ ኽፍጠሩ ኣለዎም ዝብል ኣምር የሳሲ። እዚ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኽውንነት ዘንጸባርቕ ድዩ፧ እዚ መልሲ ዘድልዮ ጕዳይ’ዩ።

  

እዚ ገምጋም’ዚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ትካላት ስለ ዝተዳኸሙ ኸም ዝሞቱ ጌርካ ናይ ምቕራብ ግምት ስለ ዘሳሲ’ዩ ተበጋጊሱ። ቍሩብ ጥልቕ ኢልካ ነቲ መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ምስ እትርእዮም ግን ኣብቲ ትሕቲ’ቲ ውልቀ-ምልኪ ዝመለለይኡ ምሕደራ ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ሰለስተ መሰረታውያን ዕቝራት መዋቕራዊ ጸጋታትን ትካላዊ ተጻዋርነትን ንዕዘብ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፦   

 

ሀ. ኣብ ሲቪልያዊ ኣገልግሎት ዝነጥፍ ሞያዊ ዓቕሚ ፦ ኣብ መንጎ’ቲ ናይቲ ስርዓት ፖለቲካውን ጸጥታውን ማእከል (ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት፡ መሓውር ሃገራዊ ድሕነትን ንግዳዊ ትካላት ህግደፍን) በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ደማ መስመራውያን ሚኒስትሪታት (line ministries) ዘሎ ፍልልይ ብዕቱብ ምምርማር ከድሊ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕርን ህንጻን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ሓላፍነት ኮይኖም ዝነጥፉ ሰብ ሞያ፡ ክኢላታት ሕርሻ፡ መሃንድሳት ማይ፡ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማታትን ምስ ኵሎም’ቶም ድሩትነታትን ኣዝዩ ውሑድ ደሞዝን ነቶም መሰረታውያን ዕማማት መንግስቲ ኸሰላስሉ ይርኣዩ’ዮም። እዞም ሰብ-ሞያ ናይቲ ፖለቲካዊ ዕምጸጻ ሃንደስቲ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ናይቲ ዓማጺ ስርዓት ጅሆታት’ዮም። ንጹርነት ዕማማቶም፡ ዘዕግብ ደሞዝን ድርኺት ስራሕ ዝፈጥር ሃዋህው እንተ ተፈጢሩ ንሳቶም ነቲ ድሕረ-ለውጢ ዝሰላሰል ምምሕዳራዊ ዕማማት ቅጽበታውን ስርሒታዊ ዓንዲ-ሕቖ ኽኾኑ ከም ዝኽእሉ ኽዝንጋዕ ኣይግባእን። 

 

ለ. ልማዳዊ ፍትሒ (ሕጊ እንዳባ) ፦ ነዊሕ እዋን ቅድሚ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ይኹን ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ዝተደንገጉ ኣዋጃት፡ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራ ንትሕዝቶ መሬት፡ ሕጊ ስድራ-ቤት፡ ምምቕራሕ ጸጋታትን ዕርቅን ምድቕቓስ ደምን ዝምልከቱ ኣዝዮም ዝማዕበሉ፡ ዝተወረቑን ዘይተወረቑን ልማዳውያን ሕግታት ይመሓደሩ ነይሮም’ዮም። እዚኣቶም ንኸም ሕግታት ኣድከመ ምልጋእ፡ ሎጎ ሳርዳ፡ ካርነሽም ዝኣመሰሉ ልምዳውያን ሕግታትን ከምኡ’ውን ንልማዳውያን ሕግታት ናይቶም ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝርከቡ ኣብ ማሕረስን ጕስነትን ዝተመርኰሰ ህይወት ዝነጥፉ ማሕበረ-ኮማት የጠቓልሉ። ኣብቲ ኣዝዩ ውልቀ-ምልኪ ሳዕሪሩሉ ዘሎ እዋን’ውን እንተ ኾነ (ስሩዓት ኣብያተ-ፍርዲ ሕጋውያን ዘይኮነ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተተክኡሉ እዋን) እንዳባን ዓበይቲ ዓድን ብዘይ ዓውዓውታ ማሕበራዊ ስኒቶም ዓቂቦምን ኣብ ከከባቢኦም ዝለዓሉ ምስሕሓባት ክፈትሑ ጸኒሖምን  ይፈትሑን ኣለዉ። እዞም ደቂ-መሬት (indigenous) ዝኾኑ ሕጋውያን መዋቕራት ከም ተረፈ-መረፍ ናይ ጥንቲ ዝርአዩ ዘይኮነስ ዕምቘት ዘለዎም ሕጋውን ባህላውን መሰረት ዘቕርቡ ባይታታት’ዮም። ኣቓልቦ ኽወሃቦም ድማ ይግባእ።

  

ሐ. ቅዋማዊ ተዘክሮን ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ጸጋን፦ ቅዋም ከም ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ መብጽዓ’ዩ ዝግለጽ። ከምኡ’ውን ንፍልልያት ናይ ኣተሓሳስባ ንምትዕራቕን ስልጣን ንምድራትን ዘገልግል መሳርሒ’ዩ። ቅዋም ብኣሳታፊ ዝኾነ መገዲ እረማ ኽግበረሉ ዝኽእል ሰነድ’ውን እዩ። ኣብዚ፡ እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣብ ናፍቖት ዘመነ ገድሊ ተመርኲስካ ምግዛእ ዘይኮነስ፡ ንሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ ውዕል ከም ሓደ ዝኸበረ ሰነድ ናይቲ ሃገር ወሲድካ ምትግባሩ’ዩ። ኣብ ትግበራ ዘይበጽሐ ቕዋም፡ ናጽነት ዘይብሎም ኣብያተ ፍርዲ፡ ርእሶም ከመሓድሩ ዘይክእሉ መንግስታውያን ትካላት ወይ ሚኒስትሪታት፡ ከምኡ’ውን ድምጺ ዘይብለን መራኸቢ ብዙሓን ፈጢሩ። ተሳትፎ ዘተባብዕ ቅዋማዊ መስርሕ ካብ ዘይፈልጣ ሃገራት ብዝተፈልየ፡ ኤርትራ ነቲ ብ1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ቕዋም (ምስናይ ጕድለታቱን ሃጓፋቱን) ትውንን። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ምምኽኻር ኮይኑ ንሰፊሕ ዜጋዊ ተሳትፎ ባይታ ዘጣጥሐን ንጽጽራዊ ሕጋዊ መጽናዕትን ዘሳሰየን ነበረ። ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ሓይልታት ብውክልና ደረጃ ዘይተኻፈልዎ መስርሕ ከም ዝነበረ ግን ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ሃጓፍ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ተናሓናሕቲ ውድባት ቅሬታ ኣሕዲሩ ጥራይ ዘይኮነስ ሓቛፍን ንሃገራዊ ዕርቂ ማእከል ዝገበረን መንግስቲ ንምምስራት ዘየተባብዕ ሸነኽ ከም ዝነበሮ’ውን ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ከም መሰረታዊ ሰነድ ኮይኑ ድዩ ኽርአ ወይስ ከም መወከሲ ኽጥቀመሉ፡ ናይቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓላፍነት ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝነብር ዓቢ ፋይናንስያውን ክኢላውን ዓቕሚ ዘለዎ ዓለም-ለኻዊ ዲያስፖራ ኣሎ። እዚ ዓቕሚ’ዚ ኻብቲ ዓምጻጺ ዝኾነ ግዱድ ግብሪ ኽልተ ካብ ሚእቲ ተገላጊሉ ሃገሩ ኸገልግል ዝጽበ ዓቕሚ’ዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ድሕረ-ስግግራዊ ዳግመ-ህንጻ’ምበኣር ካብ ባዶ ዝጅምር ኣይኮነን።  ተበግሶ ዳግመ-ህንጻ ኣብቶም ህሉዋት ምምሕዳራውያን፡ ሕጋውያንን ሰብኣውያንን ዓቕምታት ክምርኰስ ኣድላዪ’ዩ። 

 

ንምጥቕላል’ምበኣር፡ ናይታ ኣብታ ድሕረ-ለውጢ እትኽሰት ቀዳማይቲ መዓልቲ ስጕምቲ ትካላዊ ቐጻልነት ምዕቃብ ክኸውን ይግባእ። ነቲ ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝጸደቐ ቕዋምን ካልኦት ኣገደሰቲ ዝበሃሉ ሰነዳትን ከም መወከሲ ብምጥቃም መስርሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ምርቃቕ ቅዋም ምጅማር ከድሊ’ዩ። ንስሩዓት ኣብያተ-ፍርዲ ምብርባርን ሕግታት እንዳባ ንኣበየ ኸባቢኡ ዝርአዩ ምስሕሓባት ዝፈትሑሉ ባይታ ምጥጣሕን ክጠልብ’ዩ። ንዅሎም ኣብ ማእከላይ ደረጃ ሓላፍነት ክነጥፋ ዝጸንሑ ኣባላት ሲቪልያዊ ኣገልግሎት ደሞዝ ምምሕያሽን ድርኺት ስራሕ ምፍጣርን ክሕተተ’ዩ። ንዓመታት ኣብ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብገጻት ዝተኸፋፈለ መደባት ምጥያስ ምውዳድ ከድሊ’ዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኽነጥፉ ዝጸንሑ ስትራተጅያውያን ዋኒነ ትካላት ናብ ልኡላዊ ማዕከን ሕድሪ ብቕጽበት ምትሕልላፍን ቀስ ብቐስ ናይ ባጤራ ምርግጋእ እናተኻየደ እንከሎ ድማ ስራሓት ማእከላይ ባንክ ምዕቃብን’ውን ከድሊ’ዩ።

 

4. ተተግባሪ ትካላውነት  

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መትከላት ተተግበርቲ ንኽኾኑ ዝሕግዙ ኣልያታት ምቕራብ ኣገዳሲ’ዩ። እዞም ኣልያታት’ዚኣቶም ነቶም ካብ 1991 ዓ.ም.  ጀሚሩ ዝወጹ ኣዋጃት፡ ኣብ ካልኦት ካብ ድሕረ-ምልካዊ ስርዓታት ዝተኻየዱ ፖለቲካዊ ስግግራት (ፖላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን) ዝተረኽቡ ንጽጽራዊ ምህሮታትን ከምኡ’ውን ስነ-ህዝባውን ፋይናንሳውን ደረታት ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተዉ ጭቡጣት መጽናዕትታት መሰረት ዝገብሩ ብሰለስተ መምርሒ ሕግታት ተመርኲሱ ይሰርሕ፦

  

ሀ.   ናይቲ ገዛኢ ሰልፍን ጽላት ጸጥታን ምትእስሳር ካብቲ መንግስቲ ምፍላይ

ኣብ ድሕረ-ለውጢ ዝትግበር መሳርሒ ምሕሓይ (vetting mechanism) ሓባራዊ በደል (collective guilt) ከም ኣተሓሳስባ ካብ ምስሳይ ክቝጠብ ኣለዎ። እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ ኣብ መንጎ ትካላዊ ኣባልነትን ውልቃዊ ተሓታትነትን ዘሎ ልሉይ ዶብ ተቐምጥ። ኣባልነት (ህግደፍ ይኹን ሲቪልያዊ ኣገልግሎት)፡ ንምብራር ወይ ምስንባት ናይቶም ውልቀ-ሰባት ምኽንያት ክኸውን ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ልዕሊ ገበናት (ልዕለ-ሕጊ ንዝኾኑ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝእዝዙ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ኣባላት ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ናይ ዜጋታት ስወራ ግደ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ ዓበይቲ ገበናት ስርቂ ዝተሳተፉ፡ ወዘተ) ፈጺሞም’ዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ውልቀ-ሰባት በብውልቆም ክስታት ክምስረቱ’ዩ ዘለዎም። እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ’ምበኣር ነቶም ተራ ኣባላት ሲቪልያዊ ኣገልግሎት ንኡሳን መኰንናትን ውሕስነት ስራሕ ብምሃብ ነቲ ኣብ እዋን ስግግር ክፍጠር ዝኽእል ፍርሕን ኣብ ምምሕዳር ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጋጋትን ይንክዮ። 


ለ. ብገጻት ዝተኸፋፈለ ቕደም-ተኸተል ናይ ንጥፈታት  

ቍጠባዊ ንጥፈታት ንምብርባር ዝዓለመ ቝጠባዊ እረማ ምግባር፡ ጥየሳ ሓይልታት ምክልኻል፡ ምውዳድ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ሰልፋዊ ምርጫታትን ዝኣመሰሉ ዕማማት ኣብ ሓደ እዋን ምትግባር ምፍታን ንሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ ኸኸትል ይኽእል’ዩ። ትካላዊ ዳግመ-ህንጻ’ምበኣር ኣብ ነንሓድሕዶም ዝመረዃዀሱ ሰለስተ ገጻት ተኸፋፊሉ ኽትግበር ይግባእ፦

 

  • ቀዳማይ ገጽ - ህጹጽ ናይ ምርግጋእ እዋን (ቀዳሞት ሚእቲ መዓልታት) ፦ ዶባትን መኽዘናት ኣጽዋርን ምውሓስ፡ እሱራት ፖለቲካ ምፍታሕ፡ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ምፍራስ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ ቻርተር ምእዋጅ፡ ምኽፋል ደሞዝ ኣባላት ሲቪልያዊ ኣገልግሎትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከምኡ’ውን ሰብኣውን ንግዳውን ዕማማት ዘገልግሉ መስመራት ቀረብ ምኽፋት።

 

  • ካልኣይ ገጽ - ጥየሳ ሰራዊት (ኣብ መንጎ 101–365 መዓልታት ዘሎ እዋን) ፦ ቀዳማይን ካልኣይን ገጽ ጥየሳ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትግባር፡ ንዘይተወሰነ እዋን ተዓስኪሮም ዝጸንሑ መምህራንን ኣባላት ሲቪልያዊ ኣገልግሎትን ከም ሰብ ሞያ ኣፍልጦ ምሃብን ናብ ምዱባት ደሞዝተኛታት ምቕያርን፡ ንትካላት ህግደፍ ኦዲት ብምግባር ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ቝጽጽር ምእታው፡ ነቲ ወግዓውን ጐድናውን መጠን ሸርፊ ናቕፋ ምውህሃድን ከምኡ’ውን ናጻ ኮሚሽን ሓቂን ዕርቅን ምምስራትን።

 

  • ሳልሳይ ገጽ - ቅዋማውነት ምትእትታው (ኣብ መንጎ ካልኣይን ሳልሳይን ዓመት ድሕረ-ለውጢ) ፦ ሓይልታት ምክልኻል ሞያውነት ከም ዝለብስ ምግባር፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተኣወጀ ኣዋጅ መሬት ዳግም ምርኣይ፡ ሃገራዊ ቕዋማዊ ጕባኤ ምጽዋዕን ምክያድን፡ ከምኡ’ውን ናብ ውድድራዊ ሃገራዊ ምርጫታት ዘብጽሕ ናጻ ቆጸራ ህዝብን መዝገብ መረጽትን ምውዳድ።

  

ሐ.   ፖለቲካዊ ቝጠባን ሃገራዊ ጸጥታን

ንብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ሰራዊት ዝተሰናበቱ መንእሰያት ናይ ሽቕለት ዕድል ኣብ ዘይተፈጥረሉ ሃዋህው ዝኾነ ሕጋዊ ወይ ቅዋማዊ ንድፊ ኽቕጽል ኣሸጋሪ’ዩ። ስለዚ ሃገራዊ ጸጥታ ምውሓስ ምስ ቍጠባዊ ዅነታት ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ብገጻት ዝትግበር መደብ ጥየሳ ሰራዊት ምስ ኣብ ሕርሻ፡ ዳግመ-ህንጻ ትሕተ-ቕርጺ፡ ተክኒካዊ ትምህርትን ሞያ ስልጠናታትን ከምኡ’ውን ብርእሰ-ማል ዲያስፖራ ዝድገፉ ፋይናንስያዊ ኣገልግሎታት ዝትግበሩ ዕማማት ዘተሓሕዝ’ዩ።

  

መደምደምታ

እቲ መደምደምታ፡ ነዞም በበይኖም ጽላታዊ ሰማያዊ ቕዳሓት (blueprints) ናብ ሓደ ዝተዋደደ ናይ 1,000 መዓልታት መርሓ-ጐደና ብምጥርናፍ፡ ንኤርትራ ኻብቲ ተሃዋሲ ድሕረ-ምልካዊ ስርዓት ናብ ሓንቲ ጽንዕቲ ቕዋማዊት መንግስቲ ንምስግጋር ዘድልዩ ኣብ ነንሓሕዶም ዝተረኣኣሱ መስርሓት የድልያ። 

  

ፖለቲካዊ ስግግር፡ ሓደ ፍጻመ ወይ ጭርሖ ኣይኮነን። ኣዝዩ ረቂቕ መዋቕራዊ ዲሲፕሊን ዝሓትት ዕማም’ዩ። ኣብ ኤርትራ ህሞት ፖለቲካዊ ሕሳብ-ምውርራድ ኣብ ዝብጽሓሉ እዋን፡ ንምምሕዳራዊ ጌጋ ዝወሃብ ቦታ ኣዝዩ ጸቢብ ክኸውን ኣለዎ። ነታ ቐዳመይቲ ወጋሕታ ድሕረ-ለውጢ ዘገልግሉ መሰረታት ናይ ምርቃቕ ዕማም እቲ ደሮና ናብ መሬት ክሳብ ዝዓልብ ምጽባይ ኣየዋጽእን’ዩ። ሕጂ ኽጅምር ኣለዎ።

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
Oct 13
Rated 5 out of 5 stars.

Great work as usual!

Like
bottom of page