ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠለመ መብጽዓን - ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ - መስከረም 2024
- Semere Solomon

- Sep 1
- 14 min read
ክቡራት ኣንበበቲ፡ ከምቲ ቅድሚ ቍሩብ ኣዋርሕ ዝጀመርክዎ፡ ሕጂ'ውን ተኻታተልቲ ምዕራፋት ናይታ ብመስከረም 2024 ብትግራኛ ዝተሓትመት "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠለመ መብጽዓን" ዘርእስታ መጽሓፈይ ከቕርቦም ተበግሶ ወሲደ ኣለኹ'ሞ ሃየ ሰናይ ንባብ ይግበረልኩም። ርእቶኹም ድማ ኣይፈለየኒ።
ሓውኹም ሰመረ ስሎሞን
ናይ ሎሚ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ ንመን ከም ዝተወፈየት፡ መእተዊ፡ መቕድም፡ ከማኡ'ውን ምስጋና የጠቓልል፡
እዛ መጽሓፍ፡እዛ መጽሓፍ፡ ንፍቑራት ወለደይ ማዳሌና ዮሴፍን ብላታ ሰሎሞን ኣባይን ከም ክብሪ የውፍያ። በቲ ደረተ ኣልቦ ፍቕሮምን ዘይጽንቀቕ ሓልዮቶምን ንዓይን ንኣሕዋተይን ንህይወትና ጐደና ሓቂ ብዘትሕዝ መገዲ ኰስኲሶምናን ኣዕብዮምናን። ክሳዕ ሎሚ ድማ ተረባሕቲ ናይ’ዚ ኣተዓባብያ’ዚ ኴንና ንቕጽል ኣሎና።
ብተወሳኺ፡ ነዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ ንእሽቶ ሓወይ መሓሪ ሰሎሞን አወፍያ። ስቓዩ ነቶም ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ ንዓመታት ተኣሲሮም
ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ዝውክል እዩ።
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ንዝኽሪ ናይ’ቶም ክልተ ስዉኣት ኣሕዋተይን - ሩፋኤል ሰሎሞንን፡ ቢሆን ሰሎሞንን - ኣብነታት ናይ’ቶም ንናጽነት ኤርትራ ህይወቶም ዝኸፈሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያንን እውን ትውክል።
መእተዊ
ብ ጀሮልድ ኪልሶን
እዛ ኣብ ኢድካ ሒዝካያ ዘሎኻ “ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሰለስተ ዝተፈላለየ ዛንታታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ እያ። ንሳ፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፡ ሓንቲ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየትን ልምዓትን፡ ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ተበግሶታትን ምዕባለ ከተርኢ እንተ ኾይና ኣብ ቦታኦም ክህልዉ ዘለዎም ረቛሒታት እትእምት መጽናዕታዊት መጽሓፍ እያ። ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ ዝያዳ ናይ መጠንቀቕታ ዛንታ እያ፡ ማለት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ናጽነት ዝረኸበት ሃገር ግን ከኣ ኣብ ልምዓታዊ መዳይ ንምዕዋት፡ ስርዓተ ምሕደራ፡ ፖሊሲታት ወይ ብቑዕ መሪሕነት ዘይብላ፡ እንታይ ከጋጥማ ከም ዝኽእል ትግምግም።
ካልኣይ፡ እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ናይ’ቲ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደን፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ብምጭባጥ ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝተዛዘመን፡ ንሰውራ ኤርትራን ቃልሲ ናጽነትን ዝምልከት ሓጺርን ኣብ ቀረባ ተመክሮ እተመስረተን ታሪኽ ዝሓዘት እያ። ብተወሳኺ፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ድሕረ ናጽነት ዝተኸሰቱ ጥልመታት መትከላት ሰውራን ህሉው ኩነታትን ብገለ ሸነኹ ትግምግም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ታሪኽ ብመነጽር ናይ ቀረባ ዓይኒ ምስክርን፡ ብድምጺ ሓደ ኣብ’ቲ ቃልሲ ንጡፍ ኣበርክቶ ዝገበረን ደራሲ እዩ ቀሪቡ ዘሎ። በዚ ዝተመሓየሸ ጽሑፍ'ዚ፡ ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዛዕባ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ዝባኸኑ ዕድላት፡ ከምኡ እውን ህይወቶም ዝኸፈሉ ዜጋታት ብዝምልከት ኣፍልጦ ይህብ። ይኹን’ምበር ተስፋ ኣይቈረጸን፣ ነቲ ህዝባ ኣብ እዋን ሰብዓታት ክበጽሖ ሓሊናትሉ ዝነበረት ዓቕሚ ብምዕቃብ፡ ሓራን ብፍትሒ እትመሓደርን ብልጽግትን ኤርትራ ክትፍጠር ምዃና ኣይጠራጠርን።
ንሰመረ ሰሎሞን ከም ተጋዳላይ ናጽነት፡ ወይ ከም ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይኮነስ፡ ከም ኣብ ዓውዲ ኣህጉራዊ ልምዓት ዘገለገለ መሳርሕተይን ብጻየይን ገይረ’የ ዝፈልጦ፡ ብዛዕብኡ ዘለኒ ኣረኣእያ ድማ ከካፍለኩም እደሊ። ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሰመረ ዝተላለኹሉ ኣብ 2003 ዓ.ም.፡ ክልቴና ኣብ ክሪኤቲቭ ኣሶሽየትስ ኢንተርናሽናል (Creative Associates International) ዝተባህለ ፍሉጥ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ንሰርሕ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን እዩ። ሰመረ፡ ናይ ሽዑ መደበሩ ኣብ ዒራቕ ኮይኑ፡ ድሕሪ ውድቀት ሳዳም ሑሴንን ወራር ኣመሪካን ኣብ’ታ ሃገር መሰረታዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዳግማይ ንምህናጽ ኣብ’ቲ ብዩ.ኤስ.ኤይ.ኣይ.ዲ. (USAID) ዝመሓደርን ዝምወልን ፕሮጀክት ይሰርሕ ነይሩ። ኩነታቱ በዳሂ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሰመረ ግን ንዝኾነ ዝፍጠሩ ብድሆታት ብትብዓትን ጽንዓትን ይገጥሞም ነበረ። እቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ፡ ሰመረ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ናይጀርያ፡ ፕሮጀክትታት መሰረታዊ ትምህርቲ ንምምሕዳር በቒዑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ በዳሂ ዝነበረ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ማለት ኣብ’ቲ ቦኮ ሓራም ዝተባህለ ግብረ ሽበራዊ ትካል ዝነጥፈሉ ዝነበረ ዞባ። ሰመረ፡ ነዞም ፕሮጀክትታት'ዚኦም ካብ’ቲ ኣብ ውዕላት ዝሰፈረ ንላዕሊ ብዝበለጸ ንኸድምዑ ብመሪሕነት ደረጃ ኣልዩዎም። ንዓይ ካብ ኩሉ ዘደነቐኒ፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ህውከት ዝሰፈኖን ልምዓታዊ ሃዋህው ብብቕዓት ክሰርሕ ምኽኣሉን፡ ኣብ ህይወት ህጻናትን ማሕበረሰባትን ለውጢ ናይ ምምጻእን ክእለቱን እዩ። በቲ እቲ ጉጅለ ፕሮጀክት ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ ዓሚቝ ኣኽብሮት እውን ኣዝየ ተገሪመ። ጀነራል ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ፣ ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ግን ብሓቂ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ከም ዝነበረ ክግንዘብ ክኢለ።
ኣነን ሰመረን ንብዙሕ ዓመታት፡ ቡን እናሰተና፡ ብዛዕባ ዓውዲ ልምዓት ኣመልኪትና፡ እንታይ ከም ዘድመዐን ስለምንታይ ብዙሕ ግዜ ከም ዝፈሸለን ንዘዛረብ ኔርና። ሰመረ ሓያል ኣንባቢ እዩ፣ በብእዋኑ ድማ ንልምዓት ዝምልከት ተመሳሳሊ መጽሓፍቲ ነንብብ ኔርና፥ ኣነ ነቶም ዝምህሮም ዝነበርኩ ተመሃሮ ምእንቲ ክጥቀመሉ፡ ንሱ ድማ ሸውሃት ፍልጠቱ ካብ ምርዋይ ዝተላዕለ።
ሰመረ ልምዓታዊ ስራሓት ምእንቲ ክዕወት እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ እኩብ መትከላት ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዛ መጽሓፍ ድማ፡ ምሕደራ (governance) ወሳኒ ባእታ ናይ ዕዉት ልምዓታዊ ስራሕ ምዃኑ የጉልሕ። ሰናይ ምሕደራ ንክህሉ፡ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ዝወሓደ ወይ ዜሮ ብልሽውና፡ ናጻ ፕረስ፡ ቅኑዕን ክፉትን ዘተ፡ ተጻራሪ ሓሳባት ናይ ምቕባል ክእለት፡ ከምኡ እውን ፍልልያት ብሕውነታዊ መገዲ ዝፈትሕ ኣገባብ ክህሉ ይግባእ ይብል። መሰረታት ሰናይ ምሕደራ፡ ዝተማህረን ተሳትፎኡ ዘዕዝዝን ህዝቢ ዘጠቓልል እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ንኹሉ’ቲ ህዝቢ፡ ጾታን ብሄርን ሃይማኖታዊ እምነትን ብዘየገድስ። ከምኡውን ነቶም ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝርከቡ ህዝብታት ዘጠቓልል እዩ።
ሰመረ፡ ብሞያኡ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሰሪሑ እዩ። ክፉትን ግሉጽን ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ምዕባለ ክመጽእ ከም ዝኽእል ናይ ዓይኒ ምስክር እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ሰናይ ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ዘይህልወሉ ወይ ብሓደ ሰልፊ ወይ ግርማ ሞጎስ (charisma) ዘለዎ ሓያል/ዲክታተር ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት፡ ዋላ ጸጋታት ይሃሉወን ከም ዝፈሽላ ርእዩ እዩ። ብመሰረት’ቲ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ፡ ድሌትን ትምኒትን ዝመሰረቱ ቁጠባውን፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጢ ካብ ደገ ብለገስቲ ዝትግበር ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር፡ ካብ መንግስትን ካብ ውሽጢ’ቲ ህዝብን ብሓባር ክመጽእ ኣለዎ በሃሊ እዩ። ምወላ ለገስቲ ከም መበገሲ ንለውጢ ተራ ክህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ግን ነቲ ለውጢ ክመርሖ ኣይክእልን። ሰመረ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ታሪኽን ህሉው ኩነታትን ክገልጽ እንከሎ ነዛ ነጥቢ'ዚኣ ኣዝዩ እዩ ዘስምረላ።
“ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን" ብቐሊሉ እትንበብን መሳጢትን መጽሓፍ ኢያ። ሰንበት ምሸት እያ ጀሚረያ፡ ሰኑይ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ወዲአያ። ሰመረ፡ ታሪኽ ይትርኽ ኣሎ፣ ብዙሓት ታሪኻት ኣቀናቢሩ ጽቡቕ ገይሩ የቕርቦም። እቲ ጽሑፍ ከም ማይ ይውሕዝ፣ ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት ምጽሓፍን ምስ ውልቃዊ ትረኻታት ናይ ምትእስሳርን ክእለቱ ተደማሚሩ ነታ መጽሓፍ ደራኺትን መሳጢትን ገይሩዋ ኣሎ።
እዛ ሕታም'ዚኣ ናይታ ቀዳመይቲ ዝተመሓየሸት ሕታም እያ። ኣብዛ ሕታም’ዚኣ ደራሲ ብዛዕብ ውልቃዊ ህይወቱ (ብዛዕባ ቀዳሞት ዓመታትን ኣተዓባብያኡን) ኣስፊሑ ይዛረብ። ከምኡ እውን ብዝተማልአ መገዲ ትንታነ ዘድልዮምን ዝግብኦምን ኣገደስቲ ጉዳያት ተወሳኺ ሓበሬታ የቕርብ። እቲ ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ነቲ ካብ’ቶም ዝያዳ ክፈልጡ ባህጊ ዘለዎም ቀዳሞት ኣንበብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ንምምላሽ ዝተወሰኸን ዝዓለመን ኢዩ። ብናተይ ርእይቶ፡ እዚ ብዛዕባ ባህርያት ሰመረ ግሩም መግለጺ ኢዩ፡ ማለት ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ኣንበብቲ ርእይቶታት ብዕቱብ መገዲ ምውሳዱን መልሲ ንምሃብ ድማ ጻዕሪ ምግባሩን ክነኣድ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ናይ ቀረባ ታሪኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣመሪካን ምዕራብን ብተዛማዲ ዘይፍለጥ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ጽሑፋት ሰመረ፡ ኣብዛ መጽሓፍን ቅድሚኡ ኣብ ዘቕረቦም ሓተታታትን፡ ነቲ ኣብ’ታ ስትራተጂዊት ሃገር ክህሉ ዘለዎ ኣቓልቦ ይእምት። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ከም’ቲ ሰመረ ዝብሎ፡ ኣብ መሪሕነትን ስርዓተ ምሕደራን ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ። እታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ብኸመይ ከም ዝበጽሐት ምፍላጥ፡ ታሪኻ ምፍላጥ፡ ንሓንጸጽቲ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጐረባብታ ንዝህሉ ለውጢ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ኣብ ዝዘራረቡሉ እዋን፡ ወሳኒ ክኸውን እዩ። እዚ ፍልጠት’ዚ፡ ንቐጻሊ ወለዶ ኤርትራውያን ዜጋታት እውን ነቲ ሓድሽ ክውንነቶም ንኽርድኡን ብኸመይ ኣገባብ ንቕድሚት ከም ዝጐዓዙ ንኽፈልጡን ክጠቕሞም እዩ።
“ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን" እታ ብዳምቢሳ ሞዮ እተደርሰት "ምዉት ረድኤት" ዘርእስታ መጽሓፍን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ገይረን እየን። ሰመረ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ትኹረት ብምግባር፡ ልምዓት ምስ ፖለቲካን ምሕደራን ዘለዎ ምትእስሳር ኣቓልቦ ስለ ዝህብ ነታ መጽሓፍ ኣገዳሲት ይገብራ። ብተወሳኺ፡ ነታ መጽሓፍ ደራኺት ዝገብራን ነቲ ዛንታ ሓይሊ ዝህቦን ናይ’ቲ ደራሲ ውልቃዊ ተመክሮን ርእይቶታትን እዩ።
ጀሮልድ ኪልሰን
ሓባራዊ መስራቲ ማእከል ታሪኽ ልምዓት ፕሮፌሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣህጉራዊ ልምዓት
10 ነሓሰ 2024
መቕድም
ብደራሲ
ገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዝርጋሕ ቀዳመይቲ ሕታም ናይዛ መጽሓፍ፡ ካብ ኣንበብቲ ብርክት ዝበሉ ኣገዳስቲ ርእይቶታት ብምርካበይ ዕድለኛ እየ። ክቡር ግዜኦም ንዘወፈዩለይ ኣንበብቲ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ከመስግኖም እደሊ። እዞም ርእይቶታት ኣብ’ቲ መጽሓፍ ዝተዘተየሎም ዛዕባታት ብዕምቈት ንኽድህስስን ንከመሓይሽን ኣኽኢሎምኒ እዮም።
ገለ ኣንበብቲ ኣብ ገለ ዝተወሰኑ ምዕራፋት ዝያዳ ትንተና ከም ዘድሊ ኣመልኪቶም። ገለ፡ ዕሽሽ ንእተባህለሎም ክፋላት ወይ ብኣዕጋቢ መገዲ ዘይተዳህሰሱ ኮይኖም ንዝተሰምዕዎም ኣርእስታት፡ ብዝያዳ ክሰፍሑን ክግለጹን ተማሕጺኖም። ገለ ኣንበብቲ ድማ ንሓደ ሓደ ዘቕረብኩዎም ስነ መጐታት መርትዖታት ንምሃብ ዝዓለሙ ዝያዳ ውልቃዊ ትረኻታትን ሓበሬታታትን ምውሳኽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ። ብተወሳኺ፡ ንንእስነተይ ወይ ንኣተዓባብያይ ዝድህስሱ ሓበሬታታት ኣብ’ቲ ጽሑፍ ከስፍሮ ርእይቶ ተዋሂቡኒ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣተዓባብያይ ንዝቐጸሉ ምዕራፋት ህይወተይ ኣብ ምቕራጽ ኣበርክቶ ነይሩዎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ስለ ዝኣመኑ እዩ።
ነዚ ሃናጺ ግብረ መልሲ ዕግበት ብዘለዎ መገዲ ንምምላስ፡ ብትግሃት ሰሪሐ እየ ክብል እኽእል። ነዛ ካልኣይቲ ሕታም መጽሓፈይ ናብ ኣንባቢ ከቕርብ ከለኹ ዝስምዓኒ ሓጐስ እምበኣር ወሰን የብሉን። እዛ ዝተመሓየሸት ሕታም'ዚኣ ነቶም ዝተፈላለዩ ጋጋት ብምምላእ፡ ንኣንበብቲ ዝያዳ ዝሃብተመ ናይ ንባብ ተመክሮ ከተቕርብ ሃቐነ ትገብር። እዛ ካልኣይ ሕታም'ዚኣ ትጽቢት ክቡራት ኣንበብተይ ዘማልአት ክትከውን ድማ ተስፋ እገብር።
ኣብዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ክንዮ’ቲ ንሃገራዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ’ዚ ቃልሲ ዝተቐልቀሉ ኣገደስቲ ዝኾኑዝተፈላለዩ ታሪኻውያን ምዕራፋት ብዕምቈት ክምርምርን ክትንትንን ፈቲነ ኣሎኹ። ምንቅስቓስ ናጽነት ከም ቀንዲ ዕላምኡ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ ዘማእከለ ብሰፊሕ ራእይ ዝተመርሐ ወይ ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ወፍሪ ወይ ተበግሶ እዩ። ብመሰረቱ፡ እቲ ምንቅስቓስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምርገጋጽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ መሰል ዝሓሸ ህይወት፡ መሰል (ብዘይ ፍርሕን ናጻ ብዝኾነ መገድን) ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ምውዳብን ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ምስታፍን፡ ፍትሓውን ምዕሩይን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል፡ መሰል ቁጠባዊ ዕግበትን ዕብየትን (gains)፡ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ መሰል ምምዕባልን ምዕቃብን ባህልታት ሕብረተሰብ፡ መሰል ምንባርን ህይወትካ ከም ምርጫኻ ምምራሕን፡ ምዕቃብ ግዝኣተ ሕጊ፡ ከምኡ እውን ፍልልያት ብልዝብ ኣብ ምፍታሕን ብሓባር ዝንበረሉ መገዲ ሃሰው ኣብ ምባልን እውን ዝሃቀነ እዩ። ኣብ’ዚ ከይተሓጽረ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ስኒትን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድናን ሓባራዊ ህይወት ንምምዕባልን ዝዓለመ እዩ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ተማሊኦም ድዮም ኣይተማልኡን ንዝብሉ ሕቶታት’ያ እምበኣር እዛ መጽሓፍ ክትምልሶም እትፍትን።
ምልካዊ ስርዓት ዘይተርፍ ሳዕቤን ምንቅስቓስ ናጽነት ድዩ ነይሩ ወይስ ነቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ እንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ ንምፍዋስ፡ መከላኸሊ ስጉምትታት ክውሰድ ይከኣል ነይሩ እዩ ንዝብል ሕቶ እውን ኣብዛ መጽሓፍ ክምልሶ ፈቲነ ዘለኹ ጉዳይ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ትንተና፡ ካብ’ቲ ሕሉፍ ጠቓሚ ምህሮታት ብምቕሳም ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ጌጋታት ንኸይፍጸሙ ጥንቃቕ ንምዝውታር ዝዓለመ እውን እዩ።
ኣብ ትንታነታተይ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ውድዓዊ ክኸውን እፍትን። ኣብ ክንዲ ኣብ ዝተሓላለኹ ንኣሽቱ ታሪኻዊ ፍጻመታትን ተረኽቦታትን ምትኳር፡ ኣብ ኣተረጓጉማ (interpretation) ናይ ኣገደስቲ ፍጻመታት ኣቃልቦ ክህብ እፍትን። እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ናጽነታዊ ጕዕዞ'ታ ሃገር ጽልዋ ዝገበሩ ኣገደስቲ ውዕሎታትን ተኸቲሎም ዝመጽኡ ሳዕቤናትን ብዝምልከት ዝተፈላልለዩ ተኣፈፍቲ ሕቶታት ንምምላሽ እዩ።
ኣብ’ቲ "ስለምንታይ" ዝብል ናይ’ቲ ፍጻመታት ቅደም ተኸተል ትኹረት ክገብር እየ። ከመይ’ሲ እዚ ታሪኻዊ ዋሕዚ’ዚ፡ ሃገር ናበይ ገጻ ከም ዘበለት ዝእምት ኮይኑ ክረከብ ስለ ዝኽእል። ብዘይካ’ዚ፡ ጽልዋ ማሕበረቁጠባዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራን (ናቱ ፍልቀትን) እንታይነት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት (dynamic)፡ ከምኡ እውን ጽልዋ ኣህጉራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ማለት ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት፡ ክምርምር እየ። ተራ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ጽልዋታት ኣብ ምቕራጽ ሃገራውን ዞባውን ፍጻመታት እውን ክድህሰስ እየ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንገለ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብዝምልከት ምስ’ቲ "ስለምንታይ" ዝብል ሕቶ ዝዛመዱ ጉዳያት ዝምልሽ ስለ ዝኾነ።
ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ እታ መጽሓፍ ነዚ ታሪኻዊ ጕዕዞ ኣብ ምቕራጽ፡ ተራ ናይ ከም በዓል ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ክትድህስስ እያ። እቲ ሓላፍነት፡ ኣብ ሓባራዊ ወይ ውልቃዊ ኣእዳው ምንባሩ እውን ክትምርምር ክትፍትን እያ።
እዛ መጽሓፍ፡ ንግዜ ዝምልከት ሕቶ እውን ከተልዕል’ያ - ናይ ገለ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ርድኢት ንምምዕባል ስለምንታይ ክንድ’ዚ ግዜ ወሲዱ ንዝብል ሕቶ እውን ክትምልስ ክትፍትን እያ። እቶም ኩነታት ጌና ከይሳዕረሩ ከለዉ ምክልኻል ክግበር ይከኣል ነይሩ ኢለ ኣብ ዝካትዓሉ እውን ድማ ነቶም ዕላማታት ንምዕዋት ስትራተጂታት ከቕርብ፡ ከምኡ እውን ካብ ዝሓለፈ ተመክሮታት ኣየኖት ምህሮታት ክቕሰሙ ከም ዝኽእሉ ከጉልሕ እየ።
ዝተፈላለዩ መጻሕፍትን ሓተታታትን ካልኦት ናይ ሓበሬታ ምንጭታትን ከም መወከሲ ኣብ ልዕሊ ምጥቃም፡ ከም ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘኻዕበትኩዎ ፍልጠትን ተመክሮን እውን ኣብ ትንተናታተይ ክጥቀመሎም እየ። ህይወት ናይ ሓደ ተጋዳላይ እየ ዝነብር ነይረ። ናይ ሳሕል፡ ጋሽ ባርካ፡ ሰምሃር፡ ሰንሒት፡ ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይ፡ ሰራየን ዳንካልያን ኣየር ብዝግባእ ኣተንፊሰ እየ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት እውን ተፈቲነ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ተነጽሎን ውልቃዊ ጸለመን ኣጋጢሙኒ እዩ። እቲ ብቐጥታ ዘዋህለልኩዎ ናይ ባዕለይ ተመክሮ፡ ኣብ’ቲ ትንታነ ንዝህሉ ባዕላውነት ንኸጉድል ወይ ንኽንኪ ድማ የኽእለኒ’ዩ ኢለ ይእምን።
ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ካብ ዕድመይ ንዕላማ (ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ሜዳ፡ ሸውዓተ ዓመታት ድማ ድሕሪ ናጽነት) ወፍሪ ሃገራዊ ምስረታን ምሕብሓብን ሃገር ግዜይ ወፍየ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ክሳዕ ብ 1998 ዓ.ም. ካብታ ሃገር ዝወጽእ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ከም ኣካያዲ ስራሕ ኮይነ ኣገልጊለ። በቲ ዝነበረንን ዘሎንን ተመክሮን ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝነበረንን ዘሎንን ርክባትን፡ ርእይቶታተይ ኣብ ክውንነት ዝተመስረቱን ምዙናትን ከም ዝኾኑ ጥርጥር የብለይን። እቲ ምስ ገዳይም ብጾተይ ዘሎኒ ርክባት፡ ኣብ’ቲ ህሉው ኩነታት ቀጻሊ ኣፍልጦ ንኽህልወኒ ክሳዕ ሕጂ ይሕግዘኒ ኣሎ። በብእዋኑ ንዝቕልቀሉ ምዕባሌታትን ውድዓዊ ርድኢትን ንኽህሉወኒ ድማ ይረድኡ።
ብትምህርታዊ ውጥናን ምሕደራን ናይ ዲፕሎማ ምስክት ወረቐት፡ ብዘላቒ ልምዓትን ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲን ድማ ናይ ማተርስ ዲግሪ ድሕሪ ምምራቐይ፡ ንዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት፡ እንተላይ ንውድብ ሕቡራትሃገራትን (UN) ንኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID) ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከገልግል ዕድል ረኺበ። እዚ ንልዕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ዝኣከብኩዎ ተመክሮ፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ነታ ዝፈትዋ ዓደይ ለቒቐ ድሕሪ ምውጽአይ እዩ። ሞያ ኣህጉራዊ ልምዓት፡ ናብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም፡ ከም ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ማእከላይ ኤስያን ካልኦትን ከም ዝኸይድን ንኩነታተን ከም ዝቃላዕን ገይሩኒ እዩ። እዚ ተመክሮ’ዚ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ልምዓታውን ጉዳያት ዘለኒ ኣህጉራዊ ኣረኣእያ ብዓቢኡ ጸልዩዎን ኣስፊሑዎን እዩ። ስለዚ፡ ክጽሕፍ ከለኹ ካብ’ዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝደለብኩዎ ፍልጠትን ተመክሮን ብምብጋስ ኢዩ። ኣብ’ዚ ከይተሓጸርኩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ዘምርሑ ፍጻመታት (ምርጫታትን) ንዓመታት ብቕንዕና ድሕሪ ምግምጋምን ምሕሳብን እውን እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ታሪኽ በቲ ሓደ ሰብ ንፍጻመታት ዝህቦ ኣተረጓጕማ ምጽላዉ ዘይተርፍ ምዃኑ ምእማን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓይነትን ዓቐንን ሓበሬታ ብዘየገድስ፡ እዞም ሓቅታት ብኸመይ ይትርጎሙ? ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድናታት ከመይ ይመስል? እቶም ፍጻመታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት እዮም ተጋሂዶም? ንዝብሉ ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ውልቃዊ ወገናውነት (bias) ትዝምብል ኢኻ። ብመሰረቱ፡ ታሪኽ፡ ናይ ኣረኣእያ (perspective) ጉዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ ውልቀ ሰባት ነቲ ሕሉፍ ካብ ናይ ውልቆም ኣረኣእያን ክብርታትን ርእዮተ ዓለምን ተበጊሶም እዮም ዝትርኹዎም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ወገናውነት ፈጺመ ናጻ እየ ክብል ኣሸጋሪ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ንእምነታተይን ተመክሮታተይን ርእይቶታተይን ብዝምልከት ብግልጺ ከካፍል ምዃነይ ንኣንባቢ ከረጋግጽ እደሊ። ዘይከም’ቶም ዝበዝሑ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ “ኣነ” ዝብል ተውላጠ ስም ምጥቃም ኣየሕፍረንን እዩ። እዚ ውልቃዊ ታሪኸይ እዩ፣ ብሓቀኛን ምዙንን መገዲ ከቕርቦ ድማ ክህቅን እየ።
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ፡ ዕሙቕ ዝበለን ደራኽን (thought provoking) ትንተና ከተቕርብ ትጽዕር። እቲ ጽሑፍ ነቲ ታሪኻዊ ምዕባለታትን ዝተሓላለኸ መርበብ ረቛሒታትን ንምብራህ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ዝያዳ ተስፋ ዘለዎ መጻኢት ሃገር ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ራኢታት ንምቕራብ ከኣ ከም ዕላማ እወስዶ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ገለ ሰባት ንምልዓሎም ዝፈርህዎም ወይ ኮነ ኢሎም ዝጐስዩዎም (መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ውልቃዊ ወገናውነት ወይ ድማ ብሰንኪ ገለ ልምዳዊ ኣተሓሳስባ) ጉዳያትን ርእይቶታትን ብተኸታታልን ብዘይ ቀልዓለምን ከተልዕል እያ። መኣረምታ ንምቕባል ክፉት እየ፡ ዝያዳ ኣእማኒ ወይ ኣማራጺ ኣረኣእያታት እንተ ተዋህበ ድማ ብሓጎስ እቕበሎ። ኣብ’ቲ ብመንፈስ ጭውነትን ቅንዕናን ዝካየድ ክትዕን ልዝብን እየ ዝኣምን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ድሕነት ናይ’ቶም ሓበሬታ ዝሃቡኒ ሰባት ንምሕላው፡ ምንጭታተይ ከይገልጽ ክመርጽ እኽእል እየ። እዚ ምርጫ'ዚ ብፍላይ ኣብ’ቲ ድሕነት ውልቀ ሰባት ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዝኽእለሉ ኩነታት ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ሓሓሊፈ፡ ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ንመጐተታተይ ወይ ትንታነታተይ ንምድራዕ ካብ ዝብል እምነት፡ ትረኻዊ መርትዖታት (anecdotes) ከቕርብ እየ። እዞም ትረኻዊ ጸብጻባት ብፍላይ ንገለ ግምታት ንምድጋፍ ብመርትዖታት ንምስናይ ዝዓለሙ ኮይኖም ቅድሚ ሕጂ ንዝኾነ ሰብ ዘይተገልጹ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ናይ ትረኻ ቅደም ተኸተልን ምስ’ቲ ካብ’ዞም ፍጻመታት ዝተለለዩ ቴማዊ ዳህሳሳት ብምውህሃድ ዝተቐናበረት እያ። ኣንበብቲ፡ ነዞም ቴማታት መሰጥቲ ወይ ስሓብቲ ኮይኖም ክትረኽብዎም ድማ ተስፋ እገብር። እቶም ርእሶም ዝኸኣሉ ዝመስሉ ምዕራፋት ንሓድሕዶም ዝመላልኡን ዝተኣሳሰሩን ምዃኖም ክፍለጥ ድማ ይግባእ። እዞም ምትእስሳራት'ዚኣቶም ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ብኸመይ ንሓድሕዶም ከም ዝጻላለዉ ክገልጽ ክፍትን እየ።
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ንኣካዳምያዊ ዕላማ ተባሂላ ኣይተደርሰትን። ንሰብ ሞያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ግዱስ ኣንባቢ ተባሂላ ዝተዳለወት እያ። ብንጹርን ቀሊልን ኣገባብ ዝተጻሕፈት ኮይና፡ ዝኾነ ግዱስ ኣንባቢ ኣብ’ታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ "መብራህቲ ተስፋ" ተባሂላ ትንኣድ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር ዝተጋህደ ዝተሓላለኸ ፍጻመታት ንምርዳእ እውን ከተኽእሎ እያ ኢለ ይእምን።
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ “ገለ ገለ ሓሳባት ንመጻኢ” ዘርእስቱ ምዕራፍ (ካልኣይ ክፋል ምዕራፍ 9) ክህሉዋ እዩ። ኣብ’ዚ ከኣ እየ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ታ መጽሓፍ ዝተባህለ ኩሉ መጠቓለሊ ርድኢተይን ሓሳባተይን ዘካፍለሉ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ንገለ ካብ ታሪኽ ዝተቐስሙ ምህሮታት ከጉልሕን፡ መንእሰይ ወለዶ ንመጻኢት ኤርትራ ኣብ ምቕራጽ ኣብ ግምት ከእትዎም ዘድሊ ገለ ገለ ለበዋታት ከተቕርብን እያ።
እዛ መጽሓፍ ሰለስተ ክፋላት ዘጠቓለለት እያ። ቀዳማይ ክፋል፡ ሸሞንተ ምዕራፋት ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ’ቲ ናይ ናጽነት ምንቅስቓስ - ኣርብዓታት ክሳዕ መጀመርያ ተስዓታት - ዝተኸስቱ ምዕራፋት ታሪኽ፡ ትንተናዊ መብርሂ ክህብ ፈተነ ይገብር። ብድሕሪ’ዚ ዝመጽእ ነቶም ትሽዓተ ምዕራፋት ዝሓዘ ካልኣይ ክፋል እዩ። ኣተኩሮኡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጀኦፖለቲካውን ምዕባሌታት ድሕረ ናጽነት ኮይኑ፡ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ንምምላስ ብመርትዖታት ዝተሰነዩ ትንታነታት የቕርብ። ነቲ ስርዓት ንምግላጽን ኩለንተናዊ ባህርያቱ ንምፍታሽን እውን ብመንጽር ሓደ ሓደ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ዕሙቕ ዝበሉ መጽናዕትታት ዘካየዱ ምሁራንን ክኢላታትን ንሳቶም ዝገበርዎም ዳህሳሳትን ከርኢ ይፍትን። እቲ ሳልሳይ ክፋል፡ ጥማዕ ናይ ኣተዓባብያ ዝኽርታተይን ገድላዊ ተመክሮታተይን (ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር) ዝሓቍፍ እዩ። ሽድሽተ ምዕራፋት ድማ የጠቓልል። ኣወዳድባ ናይዞም ምዕራፋት፡ ካብ’ቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቍሩብ ይፍለ እዩ። በዞም ዝስዕቡ ምኽንያትት፥
ኣነ፡ ኣብ’ቲ ብእንግሊዝኛ ዘሕተምክዎ መጽሓፍ፡ ቍሩብ ካብ’ቲ ልምዳዊ (conventional) ኣገባብ ውጽእ ኢለ እየ ከቕርቦ ፈቲነ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብድሓረ ባይታ ምጅማር፡ ብቀጥታ ናብ’ቲ ቁምነገር (ትንታነኣዊ ሓተታ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኣመጻጻኡን) እየ ክኣቱ ፈቲነ። እዚ ድሕሪ ምግባር፡ ተመሊሰ ነቲ ታሪካዊ መስርሕ ክርኢ ሃቂነ። ንኣንባቢ ኣሰልቻዊ ምእንቲ ከይከውን ድማ ሓሓሊፈ ናተይ ውልቃዊ ተመክሮታት ከካፍል ፈቲነ። እዚ፡ በቲ ሓደ ወገን እታ መጽሓፍ ከም ሓንቲ ምርምራዊት ጽሕፍቲ ጥራይ ኮይና ንኸይትርአ ካብ ምጥንቃቕ ዝነቐለ’ዩ ነይሩ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ብርክት ዝበሉ ኣንበብቲ፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብትግራኛ ናይ ምትርጓማ ውጥን እንተ ድኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ነቲ ልምዳዊ ኣገባብ ተኸቲላ ክትጽሓፍ ተላቢዮም። ኣወዳድባ ናይዛ መጽሓፍ ካብታ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈት ፍልይ ዘብላ እምበኣር፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያት እዩ። ካልእ ኣብዚ ከይተቐስኮዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ እቶም ኣብዛ ብትግራኛ እትቐርብ ዘላ መጽሓፍ ዝወሰኽክዎም ሓደስት ምዕራፋትን ሓደስቲ ሓተታትን እዩ። ብርክት ዝበሉ ከኣ እዮም። ኣንባበ ጠቐምቲ ኮይኖም ንክረኽቦም ድማ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ።
ብቐንዱ፡ እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ከም ናይ መርገጺ ሰነድ (position paper) ወይ መግለጺ እምነታተይ ኮይና እያ ከተገልግል ዝጽበያ። ኩሎም’ቶም ዘቕርቦም መግለጺታት ድማ ኣብ’ቲ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዘገም ኢለ ዝዀስኮስኩዎን ዘማዕበልኩዎን ፖለቲካዊ እምነታትን መትከላትን ስርዓተ ክብርታትን ዝተመሰረቱ እዮም።
እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ኣብ ክንዲ'ቶም በቲ እተፈጸመ በደል ኣዝዮም ዝጠዓሱ ፈተውቲ ፍትሒ ዝኾኑ ደቂ ሃገር፡ ንኣይ ወሲኽካ፡ ነቶም እተጠልሙ ኤርትራውያን ይቕረታ ንምሕታት እውን ተገልግል። ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፥ ኣምሳያ’ቲ ዝኸፈልካዮ ክቡር መስዋእቲ፡ ኣፍልጦን ሽልማትን ይግበኣካ ነይሩ። ክብርን መጎስን’ኳ ክውሕደካ። ህይወትካ ክቕየር ነይርዎ። ጻማኻ ክትክፈል ነይሩካ። በደቅኻ ክትከሓስ ነይሩካ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ህይወትካ ሓደ ኣራዊት ኣምጺእናልካ። ብስቓይካ ዝሕጎስ ኣራዊት። ነዚ ድማ ምሉእ ሓላፍነት ንወስደሉ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ንኹሉ’ቲ ዝከፈልካዮ መስዋእቲ ኣኽቢራ እትነብር ህያብ ትኹን። ካብ’ዚ ጸገም'ዚ ሓያላት ኴንና ከም እንወጽእ ድማ ርግጸኛ እየ።
ኣብ መወዳእታ ክናዘዝን ሓደ ካብ ምስጢራተይ ከካፍልን ኣፍቅዱለይ። ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚረ ብዝተፈላለዩ ናይ ብርዒ ስማት - ከም ዘይነብ ዓሊ፡ ቴድሮስ ተስፋይን ደሃብ ሙሴን - ክጽሕፍ ጸኒሐ እየ። እቶም ኣብ 2000ታት ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝከታተሉ ዝነበሩ፡ ናይዞም ጽሑፋት ዝኽሪ ከም ዝህሉዎም ርግጸኛ እየ። ትሕዝቶ’ዞም ጽሑፋት’ዚኣቶም ኣብ ቀዳማይ ሕታም ናይ’ዛ መጽሓፍ እውን ቀሪቦም ኣለዉ።
ምስጋና
እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ክውንቲ ንምግባር ዝተኸተልክዎ ጒዕዞ ብርክት ዝበሉ ብሉጻት ውልቀ ሰባት ብዝሃቡዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ደገፍን ምኽርን ምትብባዕን ዝሃብተመ ዓሚቝ ጒዕዞ እዩ። ንኹሎም’ቶም ነዚ ስራሕ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ኣበርክቶ
ዝገበሩ ሰባት ልዑል ምስጋናይ አቕርብ።
መጀመርያ ልባዊ ኣድናቖተይ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሽወደን ዝነበረት - ሕብረት በርሀ - የቕርብ። ንሳ ነቲ ጽሑፍ ብምሉኡ ኣብ ምግምጋም ዝገበረቶ ኣስተዋጽኦን ዝወፈየቶ ግዜን ወሳኒ’ዩ ነይሩ። ንሓቅታት ብጥንቃቐ ምፍታሻን ልቦና ዝመልኦ ግብረ መልሲ ብምሃብን ዓሚቝ ሕቶታት ብምልዓልን፡ ንትሕዝቶ'ዛ መጽሓፍ ብዕምቈት ኣህብቲምዎ እዩ። ኣንፈት ናይታ መጽሓፍ ብሉጽ ኣብ ምግባርን ዕምቈታ ኣብ ምብራኽን ኣበርክቶኣ ኣገዳሲ’ዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ንዓርከይን ኣብ ክሪኤቲቭ ኣሶሴይትስ መሳርሕተይን ነበር ንጀሮልድ ኪልሰን ዓሚቝ ምስጋናይ አቕርብ፣ ንሱ ንሓንቲ ደቒቕ እውን ከየማትአ ብመሰረት ዘቕረብኩሉ ሕቶ፡ መቕድም መጽሓፈይ ብሓጎስ ምጽሓፉ አመስግኖ። ንዶክተር ሻሮን ፍሪማን፡ እታ ክብርቲ ናይ ሞያ መጓዕዝተይን ኣብ ክሪኤቲቭ ኣሶሴይትስ ኢንተርናሽናል መሳርሕተይን ነበር፡ ነቲ ኢደ ጽሑፍ (manuscript) ብዕቱብ መገዲ ብምግምጋማ ልባዊ ምስጋናይ እገልጸላ። እቲ ልቦና ዝመልኦ ግብረ መልሳን ሃናጺ ነቐፌታኣን ንጽሬት'ዛ መጽሓፍ ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ከም ዘደየቦ ዝከሓድ ኣይኮን። ብተወሳኺ፡ ንዶክተር ሽደን ሰሎሞን፡ ዳዊት መስፍን፡ ሚርያም ዮሃንስ፡ ዶክተር ቶማስ ሰሎሞንን ሰመረ ሃብተማርያምን፡ ነታ መጽሓፍ ብሰፊሑ ኣብ ምግምጋምን፡ ድሕሪ ምዝርጋሓ ድማ ምሳይ ዓሚቝ ምምያጥ ብምክያዶምን ልባዊ ምስጋናይ ይብጽሓዮም። ንሳቶም ብገንዘብ ዘይሽነኑ ርድኢታቶም ብምልጋስ ኣብ ውሽጢ እቲ መጽሓፍ ንዝነበረ ገለ ጋጋት ንምዕጻውን ንዝተወሰኑ ኣርእስታት ንምስፋሕ ርእይቶ ብምሃብን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም።
ንስድራይ - ነታ ዝፈትዋ በዓልቲ ቤተይ ፋይዛ ኣደምን ንዝፈትዎም ደቀይን - ሰብለ፡ ኣይዳ (ዶሪና)ን ሰሚርን - ኣብ ህይወተይ ሓይሊ ኮይኖም ብምጽናሖም ክብረት ይግብኦም’ዩ ይብል። ኣብ’ቲ ናይ’ታ መጽሓፍ ማእለያ ዘይብሉ ሰዓታት ምጽሓፍን ምኽላስን ንዝለገሱለይ ዘይንቕነቕ ደገፍን ዘርኣይዎ ትዕግስትን ምርዳእን መዐቀኒ ዘይብሉ ናይ ምስጋና ዕዳ ኣሎኒ። እቲ ትዕግስቲ ዝመልኦ ምትብባዕኦም ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ጒዕዞ ኣዝዩ በዳሂ ህሞታት ኒሕ ሂቡኒ። እዚ ድማ ብዛዕባ ጕዕዞይ ርድኢት ንክረኽቡ ከኽእሎም ተስፋ እገብር፤ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ከም ኣቦ ስድራን ውልቀ ሰብን፡ ድሒሩ ድማ ከም ኣክቲቪስትን ከም በዓል ሞያ ኣህጉራዊ ልምዓትን።
ንጓለይ - ሰብለ ሰመረ ሰሎሞን - ግዜኣ ሰዊኣ ነቲ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ኢደ ጽሑፍ ብዕምቈት ብምርኣያ ብልቢ አመስግና። ብናታ ትኩር መኣረምታ፡ ዝኾነ ናይ ሆህያት፡ ናይ ስርዓተ ነጥቢ፡ ወይ ናይ ሰዋስው ጌጋ ከም ዘየለ ተረጋጊጹ። ኣርትዓዊ (ኤዲቶርያል) ርእይቶታታ እውን ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ ነይሩ። ነቲ ንደቀቕቲ ነገራት ዝሃበቶ ኣቓልቦን ትኹረትን ካብ ምድናቕ ሓሊፈ ዝብሎ የብለይን። እዚ ድማ ነቲ ናይ’ቲ ኢደ ጽሑፍ ሓፈሻዊ ብሉጽነት ኣብ ምዕባይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብ’ዚ ጻዕሪ'ዚ መሻርኽቲ ስለ ዝኾነት ድማ ከመስግና እደሊ። ናይ’ታ መጽሓፍ ገበር (ዲዛይን) ዝገበረት ሰብለ እያ። በዚ እውን አመስግና።
ንሓው ኣማኑአኤል ሳህለ ክብ ዝበለ ክብርን ኣድናቖተይን ይብጽሓዮ። ተርጓሚ ናይ’ዛ መጽሓፍ ንክኸውን ድሕሪ ምምራጸይ፥ ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዘደንቕ ክእለትን ጻዕርን ቅልጣፈን ምሳይ እናተሓጋገዘን ለይትን መዓልትን እናሰርሐን ነዛ መጽሓፍ ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ክትርጉማ ምብቅዑ ድማ ደረት ዘይብሉ ምስጋናይ ይብጸሓዮ። ኣማኑኤልን ኣነን እናተቐባበልናን እናተመላላእናን እናተረዳዳእናን ዝተጐዓዝናሉ ፕሮጀክት መዘና ዘይብሉ ተመክሮ ረኺብናሉ። ንጽፈት ወይ ዘይጽፈት ናይ’ቲ ዕማም (ምትርጓም መጽሓፍ) ድማ ክልቴና ብማዕረ ተሓተትቲ ኢና።
ነቶም ዘተባብዑኒ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብዛ መጽሓፍ ተመክሮታተይን ሓሳባተይን ንኽስነድ እሞ ንኻልኦት ጠቓሚ ክኸውን ብማለት ዝጸንዑ ውልቀ ሰባት ልባዊ ኣድናቖተይ ይብጸሓለይ። ብዙሓት ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮን ፍልጠትን ብሓጎስ ብምክፋል ንናይ’ዚ ስራሕ ዕምቈትን ስፍሓትን ብዓቢኡ ኣሃብቲሞሙዎ እዮም። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቶም ግዜኦም ወፍዮም ንናይታ መጽሓፍ መጀመርታን ካልኣይን ሕታማት ብምንባብ ጠቐምቲ ርእይቶታት ዝሃቡን፡ ከምኡ ብምግባር ድማ ንዕምቈታን ጽሬታን ክብ ዘበሉን ኣዝየ አመስግኖም።
ሓደ ከይሰገርክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ኣንበብቲ ምስ በጽሐት፡ ሓደ ኣዝዮ ዘገርም ነገር ኣጋጢሙ። እቶም መንእሰያት (ናይ ጽባሕ መራሕቲ) ነታ መጽሓፍ ኣንቢቦም ብሓባር ድሕሪ ምዝታይ፡ ሓደ ንምእማኑ ዘሸግር ድንቂ ዝኾነ ንርእይቶታቶም ዘንጸባርቕ ግብረ መልሲ ልኢኾምለይ። ስለ’ቲ ተገዳስነቶም ድማ ኣዝየ የመስግኖም። ክብረት ይሃበለይ። እዚ፡ ንዓይ ሓደ ኣገዳስን ሞራል ዝህብን ምዕባለ’ዩ። እቲ ሓተታ ነዊሕን ዝርዝራውን’ዩ። ኣብ’ዚ ጥራይ ዝሕጸር ግን ኣይኮነን። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ቁምንገረ ዝሓዘለ’ዩ። ኩሉ ዘጠቓለለ ድማ እዩ፥ ናእዳ፡ ነቐፌታ፡ ርእይቶ፡ መተሓሳሰቢ ወዘተ። ገለ ካብ’ቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ኣብ ታሕቲ ከቕርቦ እየ፦
“እታ መጽሓፍ፡ ብዘየወላውል መገዲ ደራሲ ብዛዕባ’ቶም መሰረታውያን ጠንቅታት ናይ’ዞም ሎሚ እንርእዮም ዘሎና ሽግራት ዓሚቚ መረዳእታ ከም ዘለዎ ምስክር እያ። እዚ ድማ ብዓሚቚ ምርምርን ስነ ጽሑፋዊ ክለሳን (literature review) ብቐዳማውን ካልኣውን ሓበሬታዊ ምንጭታት ዝተደገፈ ምዃኑ’ዩ። እታ መጽሓፍ፡ ንሽግራታና ከም መፍትሒታት ኮይኖም ከገልግሉ ዝኽእሉ ኣዝዮም ጠቐምቲ እንብሎም መተሓሳሰቢታት እውን ኣስሚራትሎም ኣላ።
“እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ካልኦት ኤርትራውያን ምሁራት (ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ምቾት ዞባታት (comfort zones) ተሓቢኦም ዘለዉን ካልኦት ስቕታ ዝመረጹን) ንቕድሚት ወጺኦም ዛንታታቶ ምስ ካልኦት ክሻረኹ ድርኺት ክትኮኖም ምዃና ኣይንጠራጠርን።
“እዚ ትረኻ’ዚ ምስ’ቲ ልዑል ክእለት ኣጸሓሕፋ ደራሲ ተደሚሩ፡ ከም ኣካዳምያዊ መወከሲ ንትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ትካላት ምርምርን ኮይኑ ንከገልግል ዕድላት ክኸፍት’ዩ።
“እታ መጽሓፍ፡ ኣዎንታዊ ግብራውያን ስጉምትታት ንክውሰዱ ኣገደስቲ መተሓሳሰብታት ስለ እተቕርብ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዓቢ ድርኺት ክትፈጥረሎም እያ። ሓደ ሓደ ምስ’ዞም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንከይተሓባበሩ ዕቃበ ዘለዎም ውልቀ ሰባት እውን እንተ ኾነ (ብስንኪ ናይ ተሓታትነት ፍርሒ)፡ እታ መጽሓፍ ብዘቕረበቶ ልቦና ዝመልኦ መተዓረቒ ነጥብታት ክማረኹ ስለ ዝኽእሉ ኣብ’ቲ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበረ ጻዕሪ ንክተሓባበሩ ድርኪት ክፈጥረሎም እዩ።
“ነቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብደራሲ ዝቐረቡ መተሓሳሰቢታት፡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን፡ ፍልልያቶም ብዘየገድስ ብሓባር ኮይኖም ንኽሰርሑ ዕድላት ክፈጥረሎም ይኽእል’ዩ።
“ራእይ ናይ’ቲ ደራሲ፡ ነቲ ማህሚኑ ዝነበረ ተስፋ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዳግም ክኹስኩስ’ዩ። ናይ ትንሳኤ ስምዒት ድማ ክፈጥር’ዩ። ኣብ ምርግጋጽ ዓወት ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ፡ ተስፋ ኣገዳሲ ረቛሒ’ዩ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ልቢ ኩሎም ኣንበብቲ ተስፋ ከተስርጽ’ያ።
“ሓደ ሓጺር ሓተታ ብዛዕብ’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ብትግርኛ ክዝርጋሕ ኣለዎ። ኩሉ ኤርትራዊ ምእንቲ ከንብቦ።”
ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ብመወዳእታ ዘይብሉ ናይ ምድህሳስ ዝንባሌን ጽምኢ ፍልጠትን ተደሪኾም ፍልጠት ከኻዕብቱ ጻዕሪ ዝገበሩ ኣንበብቲ ልዑል ምስጋናይ አቕርብ። ኣብ’ዛ መጽሓፍ ዘሎኩም ተገዳስነት ብሓቂ ዝኽበርን ዝንኣድን ኣዝዩ ዝምስገንን እዩ።
ነፍስ ወከፍኩም፡ ኣብ’ዚ ንምእማኑ ዘጸግም ጒዕዞ ኣበርክቶ ዝገበርኩም፡ ናይ’ዚ ጻዕሪ ዘይነጻጸል ኣካል ብምዃንኩም አመስግነኩም።
ናብ ቀዳማይ ክፋል ምዕራፍ 1 .............................................................................................................ይቕጽል



Comments