ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል - ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ብጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)
- Semere Solomon

- Mar 1
- 3 min read

ተረፍ ኣድናቖተይ
………
መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተተልመ መብጽዓን ከንብባ እንከለኹ፣ ብዙሕ ግዜ ዝመላለሰኒ ዝነበረ ሕቶን ድንግርግር ዝበለንን እንተዳኣ ነይሩ፡ እቲ ዝተጠልመ መብጽዓ ዝብል ሓረግ'ዩ። ንዓይ ድሮ ቅድሚ እዛ ናጽነታ ተሰሪቕዋ ዘሎ "ናጽነት" ምምጽኣ ኣብ "ሜዳ" ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኰነስ ክጥለም እንከሎን ጽባሕ ንግሆ'ውን መብጽዓ ወይ ዝተኣትወ ቃል ክትግበር ከም ዘይኰነን ሰመረን ካልኦት ተጋደልትን ይምስክሩ ነይሮም እዮም። ናይዚ ጥልመት እዚ ግዳያት ብሓፈሻ ኩሎም ተጋደልቲ እቲ ውድብ እኳ እንተነብሩ ብፍሉይ ግን እግዝኣቢሄር ትረፉ ኢልዎም ዝተረፉን እቶም ኣብ ሜዳ ዝሓቐቑን ምሁራንን ደቂ ሓረስቶትን ተጋደልቲ እዮም። ነዚ ብጭብጢ ንምስናዩ ድማ እታ ሰመረ ነቲ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝበድሃላ ስነ-ሞጎት'ያ። ክልተ ዓይነታት መፍትሒ ግርጭት ከም ዝነበሮም እቲ ሓደ ብብረት እቲ ካልኣይ ግን ብልዝብ ዝብል ዝተጻሕፈን ከም ትምህርቲ ዝውሃብ ዝነበረን መምርሕን ሕግን እቲ ውድብ ምስ ብጻይካን ምስ ጻላኢኻን ዘሎ ግርጭት ብብረት ከም ዝፍታሕ ብግብሪ ይትግበርን እንድሕር ነይሩ ድሮ እቲ መብጽዓ ይጥለም ነይሩ'ዩ። ሰውራ እሞ ከምኡ እንድዩ ዝብል በለጸኛን ዘይሓላፍነታዊን መልሲ ክሰምዕ እንከለኹ ቀጭማዕ ኣይብለንን።
ካልእ ብዙሕ ግዜ ኪሕ ዝበለና "ዝተፈልየ ፍጹም ፍቕርን ምትሕልላይን" ነይሩ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝብል'ዩ። ከምዚ ብቐንዱ ኣብ መጽሓፍ ሰመረ ዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ ቃለ መሕተታት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ክንሰምዖ ዝጸናሕና ምስክርነታት ብዙሓት ነባራት ተጋደልትን፡ ኣብ ንሓድሕድካ ምጭኽኻንን ምጥልላምን ዝነበሮ ቃልሲ ጥቕልል ኣቢልካ ዕፉን ብሽፉኑ "ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ" ብምባል'ዩ ዝኽየድ ነይሩ ምባል ዘይፍትሓውን ዘይ ኣእማንን'ዩ። ግሉጽነትን ቅንዕናን ድማ ይጎድሎ። ሓቀኛ ምስሊ ናይቲ ዝነበረ ሕብራዊ ከይዲ እቲ ቓልሲ ስለዘይገልጽ ድማ መወከሲ ክዀነካ ኣይትመርጾን።ሰመረ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ኣብ መጽሓፉ ገጽ 48 "ከም ፌስቲቫላት ቦሎኛ ዝኣምሰሉ ምትእኽኻባት፡ ነቲ ጽልሙት (dark) ገጻት ህዝባዊ ግንባር እናሓብኡ፡ ነቲ ኣወንታዊ መዳያት ጥራይ እናርኣዩ፡ ንሰውራዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ቅያዊ ንምግባር ከም መድረኻት ኰይኖም ኣገልጊሎም" ብምባል ብትብዓት ነቲ ንሱ ባዕሉ ህይወቱ ዘወፈየሉ ቃልሲ ብቕንዕና ይነቕፎ። እቲ ዘሕዝን ኣብዚ ዝሓለፈ ሳላሳን ሓሙሽተን ዓመታትን ጌና ውን ዝቕጽል ዘሎን ረቂቕ ክፋእን ትዕቢት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምዃኑ'ዩ።
ናእሽቱ ካብ ኣስተብህሎ ዝሓለፉ ገይጋታት ዝብሎም
……
ብፍሉይ ዝገረመኒ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ እርማት ንባብ (proofreading) ዝተገብረ ጥንቃቐ'ዩ። ካብ ምልእቲ መጽሓፍ ክልተ ግድፈት ጥራይ ረኺበ። ንሳተን ድማ ሕጂ ኣበየናይ ገጽ ምንባረን ዘይዝክረን እየን
እታ ሓንቲ" ኣብ ኣብ" ትብል "ኣብ" ክልተ ግዜ ምድጋማ'ዩ። እታ ካልኣይቲ ግን ኣይዝክራን። ብዙሕ መጻሕፍቲ ብርክት ዝበሉ ግድፈት ፊደላትን ቃላት ምርካብ ዜና ኣይኰነን ንዓይ። ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ጽሕፈት ግን ይበል ዘብል'ዩ።
…. ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ገጽ 29 ብዛዕባ ርክብ ህግሓኤ ን ህወሓትን ክገልጽ እንከሎ "ርክብ ህግሓኤን ህወሓትን እንደገና ንምድልዳል ባይታ ዝንጸፈሉ ኩነታት ተፈጢሩ" ይብል። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ምዕራፋት እዞም ክልተ ውድባት ርክቦም ዝተጀመረሉን ዝበትከሉን ስለዘይገለጸ ሃጓፍ ናይ ትረኻ ኣጓኒፉ ኣሎ። መዓስ'ዮም ርክብ ጀሚሮም፧ ኣበይ ቦታ'ኸ፧ እንታይኸ ነቲ ዝጀመርዎ ርክብ ከም ዘይድልል ገይርዎ፧ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ትደሊ እሞ ኣይትረክብን።
…. ካብ ምዕራፍ ሓደ ክሳብ ምዕራፍ ክልተ ዘለዉ ዛዕባታትን ፍጻመታትን ከም መእትዊ እዚ መዘክራዊ መጽሓፍ ዘይጽልኡ እኳ እንተዀኑ ከይተጀመሩ ዝውድኡ ኣዝዮም ድሩት ሓበሬታት ዝሓዙ ብምዃኖም ብፍላይ ካልኦት ብዛዕብኦም ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ንዘይንበበ ኣንባቢ ግር ክብልዎ ወይ ድማ በቲ ኣብኡ ዘሎ ውሑድ ሓበሬታ ምሉእ ታሪኽ እቶም ፍጻመታትን ዛዕባታት ዝሓዘ ከይመስሎ የሰክፈኒ። ክዓምቁ ነይርዎምዶ ወይስ ጠቒሊሎም ኣብዚ መዘክራዊ መጽሓፍ ክኣትው ኣገዳስነት ኣይነበሮምን ዝብል ክትዕ ምስ ነብሰይ ኣይጸገብኩዎን ኣለኹ።
ብፍላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን፡ እቲ ብ"ኣረድእ" ዝፈልጦ ሰብን ጸሓፍን ከም ብዙሓት ሰንኰፋት ጸሓፍቲ ነቲ "ጽውጽዋይ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት" ዝብል ዝደጋገም ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ጎሮቤትና ዝዀነት ሃገር ኢትዮጲያን ነዚ "ጽውጽዋይ" ዝትርኹ መራሕታን ብኸምዚ እናሓለፍካ ምሽምጣጥ ንዓኣቶም ኣይብድህን ንዓና ድማ ርትዕን ጭብጥን ዘይጨብጥ ብምዃኑ ወይ ከስፍሖ ከለብመና ወይ ድማ ቁንጣሮ ፍልጠት ሓደገኛ ምዃኑ እናፈለጠ ኣብ ሓደጋ ከእትወና ከመይ'ቢሉ ነብሱ ገይሩሉ፧ ቢለ ካብ ምስትንታን'ውን ጌና ኣይዕረፍኩን።
….. ከምዚ ዓይነት ስነ-ልቦናን ኣንደበትን ርትዓውነትን ትብዓትን ሒዙ ንምንታይ'ዩ ምስክርነቱ ብመጽሓፍ ደረጃ ብውሕዱ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዘይጸሓፈልና ብምባል ቂር ይብለኒ እሞ በቲ ኣብዛ መጽሓፉ ካብ 2000 ዓ.ም. ጀሚሩ ብናይ ብርዒ ሽም ዘይነብ ዓሊን ቴድሮስ ተስፋይ ገይሩ ንጡፍ ነቓፊ ሕማቕ ካይዳ ስርዓት ዓድናን ኣማእዛኒ ህዝብን ኰይኑ ከም ዝዓየየ ከከንብብ ግን ብእኡ ይደዓስ።
…. ከም መኸንበቲ ጦብላሕታይ እምብኣር፡ ልክዕ ከምቲ ኣዴታትና ዝተፈላለየ ዓይነት ስፈታት ሰፍየን ምስ ወድኣ ንስፈአን ብኣዝዩ ድሙቕ ቀይሕ ጸማት ገይረን ዝኽብትኦ፡ ኣነ'ውን ብሓቂ ልበይ ዝተንከፈንን ፍሉይ ጦብላሕታ ዝፈጠረለይን ኣደይ ማዳሌና ዮሴፍ ናብ ወደን ሰመረ ሰለሙን ካብ ዝጽሓፍኦ ስምዒትን ፍቕርን ናፍቖትም ሻቕሎትን ኣድናቖትን ለበዋን ድፍድፍ ዝዀነ ደብዳቢአን ገለ ነግሕታት ወሲደ ክኽንብቶ።
"ሰመረ ወደይ፡ ጽቡቕ ከም ዘለኻ ብምስምዐይ ደስ ኢሉኑ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቀጻሊ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ትሃብካ። በጃኻ ብዛዕባና ኣይትጨነቕ፡ ኩላትና ጽቡቕ ኣሎና" ካብ ፍቕርቲ ወላዲቱ ብ1989 ንሰመረ ዝተጻሓፈሉ ልብኻ ዝስንጥቕ ፍቕሪ፡ ሻቕሎትን ትብዓትን ሓንቲ ዕጥቕቲ ኣደ ዝጾረ ደብዳበ ዝወሰድኩዎ'ዩ።
ኣነ ድማ ከም ፍቕርቲ ወላዲቱ "ድንግል እመብርሃን ምስ ወዳ ምሳኻ ትኹን። ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ክንከስበልካ ብዕድመን ጥዕናን ንበረልና። ብዛዕባናን ወሪዱናን ዘሎ ብድሆታትን ተሻቐል። ጸሓፍ፡ ኣማእዝን፡ "ኣረድኡ" እናበልካ ኣረድኣና" እብሎ።
……
ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)
ሽወደን 2026



Comments