top of page
Search

ሰመረ ሰሎሞን ንኤርትራ ከም ሓንቲ ዝፈሸለት ሃገር ዘይኮነስ፡ ከም ሓንቲ ዳግማይ ክትህነጽ እትኽእል ንግዜኡ ተሰናኺላ ዘላ ሃገር ገይሩ የቕርባ። ገማጋማት መጽሓፍ - ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሃገራዊ ሕውየት

Updated: Feb 14

ገማጋማት መጽሓፍ - ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሃገራዊ ሕውየት



ኤርትራ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ድኽነትን ድሕረትን ንኽትወጽእ፡ ክብሪ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ዝሰርዐ ሰናይ ምሕደራ፡ ናብቲ ንደልዮ ምዕሩይ ምዕባለ ዝመርሓና እንኮ መንገዲ ከም ዝኾነ፡ ሰመረ ብመጽናዕትታትን ተመክሮኡን ኣሰንዩ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ጽቡቕ ጌሩ መዝጊብዎ ኣሎ። ኤርትራ እንደገና ተወሊዳን ተሓዲሳን፡ ህዝባ ከቢሩ ዝነብረላ ሃገር ንኽትከውን ዝምነ ሰናይ ሕልሚ'ዩ። እቲ ሕልሚ ግብራዊ ክኸውን ግን፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ቦዂሩ ዘሎ ሞራላዊ ትብዓት እንደገና ተበራቢሩ ቀንዲ መለለዪና ምስ እንገብሮ ጥራይ’ዩ።  ሰመረ ካብዚ ረማሲ ፍርሕን ናይ ሕልና ሞትን ከገላግለና ዝኽእል፡ ብኻልኦት ኣህዛብ ተፈቲኑ ዝሓለፈ ተመክሮታት ዘርዚሩ ይነግረና'ሎ። ነዚ ብኣካልን ብሓሳብን ተጊህና እንተ ተዋፊርናሉ ኸኣ፡ እቲ እንደልዮ ምዕሩይ ምዕባለ ኣብ ንድሕሪት ዘይንምለሰሉ ደረጃ ቀኒዑ ናይ ኤርትራን ህዝባን ቀንዲ መለለዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን። እዚ ሃናጺ ባይታ ክፍጠር ግን፡ ክብሪ ሰብ ልዕሊ ኵሉ ዝሰርዐ ናይ ሕልና ትንሳኤ የድሊ።

-        ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ኣንተርፕረነር፡ ሕ.መ.ኣ.


‘ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር’ ትብል ካልኣይቲ መጽሓፍ መሳጢት ኮይና ረኺበያ። ምኽንያቱ ነቲ ብከቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነት፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ናብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስግጋር ኣይተኻእለን። ስለዚ፡ እዛ መጽሓፍ፡ ንሕሉፍ ኣወንታውን ኣሉታውን ታሪኽና ኣዛሚዳ፡ ናብ ማሕበራ ፍትሒ ንምስግጋር ዘድልዩ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ንምግባር ዝሕግዙ ሓሳባት ተቕርብ። ደራሲ ሰመረ ካብ ተመኩሮ ቃልስን ተመኩሮ ስርሑን ዝተዋህለልለ ብቕዓት መሰረት ዝገብረ ጽሑፍ ኣቕሪቡልና ኣሎ።

-        ብሪ//ጀነራል ተኸስተ ሃይለ፡ ሽወደን


እዛ ብሰመረ ሰሎሞን ዝተደርሰት ሓዳስ መጽሓፍ፡ ንናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ከምኡ’ውን ጂኦፖለቲካዊ ቅልውላዋት ንምርማር ትህቅንን ንሃገራዊ ሕውየት ዘገልግል ኵለምተናዊ መርሓ ጐደና ንሃገርዊ ሕውየት ድማ ትእምምን። ብዛዕብ ምስግጋር ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንዝተጻሕፉ ስነ ጽሑፋት እውናዊት መወሰኽታ ኮይና ክትንበብ ዘለዋ መጽሓፍ’ያ።

-        ዶክተር መሓመድ ኼር ዑመር፡ ጸሓፍን ተማራማርን፡ ኖርወይ  



እዛ ክብርቲ መጽሓፍካ፡ ቆፎ መፋትሕ፡ ናይ ህልዉን መጻእን ሽግራት ሃገርና እያ እንተበልኩ: ካብ ሓቂ ዝርሓቕኩ ኣይመስለንን።

ስለዚ፡ 

  • ኣንቱም፡ ንእንነብሮ ዘለና ኩነታት ኣንቢብኩም፡ ፍታሕ ንምርካብ እትቃለሱ ዘለኹም፡ እዛ መጽሓፍ ትምልከተኩም’ያ።

  • ኣንቱም፡ እዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ዝእለየሉ ግዜ መሰጋገሪ መደብ ዕዮኹም ንምድላው ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም፡ እዛ መጽሓፍ ትምልከተኩም’ያ።

  • ኣንቱም፡ ኣብታ ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ተሞርኲሳ እትጉዓዝ ሃገርና፡ ስልጣን ሒዝና ክንመርሕ ንኽእል ኢና እትብሉ: ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ እዛ መጽሓፍ ትምልከተኩም’ያ።

  • ኣንቱም፡ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል፡ “ጉዕዞ ስእላዊ ቅርጺ” ወይ ከኣ “መርሓ ጎደና”፡ ሃሰስ እትብሉ፡ እዛ መጽሓፍ ትምልከተኩም’ያ።

  • ኣንቱም፡ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ዓዘቕቲ ኣቲና እትብሉውን እዛ መጽሓፍ ትምልከተኩም እያ።

-        ሰመረ ፍስሃየ፡ ፕሮፍሶር-ነበር ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ፡ ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ መሃንድስ፡ ፈረንሳ



ንመጽሓፍካ ብኣትኩሮ ነቢበያ። ብዕምቈትን ስፍሓትን ትሕዝቶኣ ተደኒቐ። ሓሳባትካ ብውድዓዊ ሓቅታት ምስናይካ ካብ ካልኦት መዛኑኣ መጻሕፍቲ ጸብለለ የብላ። ነታ ድሕሪ ምልኪ ስርዓት ኢሳይያስ ክንርእያ እንናፍቕ ኤርትራ ድማ፡ ምስናይ ኩሉ ብድሆታቱን ተስፋታቱን ተብርህ። ስለቲ ታሪኻዊ ኣበርክቶኻ ኣናመስገንኩ፡ ኵሉ ንኤርትራ ሰናይ ዝሓስበላን ክገብረላ ዝናፍቕን ድማ ብምስትውዓል ክነባ እላቦ።

-        ክብርኣብ ይመስገን፡ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሕ.መ.ኣ.


እዛ መጽሓፍ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ህሞት፡ እሞ ኸኣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ንልዝብ ከገልግሉ ዝኽእሉ ጠቐምቲ ሓሳባት ሒዛ ትቀርብ ምህላዋ ፍልይቲ ይገብራ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘእንግዱ ኤርትራውያን ግንከ ንትስፉው መጻኢ ዝብህጉ ክትዓት ንምብግጋስ ተኽእሎ ኣለዋ ኢለ ይኣምን። ካብ ትንታነ ንልዕሊ፡ ንጹራት ሓሳባት፡ መርሓ-ሕንጽጻት ከምኡ’ውን ተስፋ ብምውፋይ ንሓንቲ ዝተረጋግአት፡ ብልጽግትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ድማ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ።

-        ዮሱፍ ሓሰን፡ ላዕለዋይ ናይ ሲቪሊያዊ መሃንድስነት ክኢላ፡ ሽወደን


ኣብዚ ብዘሰክፍ ዘይርጉጽነትን ቅልውላውን ዝግለጽ ኵነታት ሃገርና፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም ፋኑስ ተስፋ ኮይና ተገልግል። እዛ መጽሓፍ፡ ምስ ክብረትን ድሕንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጋጮ እንተ ኾይኑ፡ ልኡላውነት ጥራይ እኹል ከም ዘይኮነ ብድፍረት ትምጕት። እዚ ንደቂ ሰባት ማእከል ዝገበረ ናይ ደራሲ ኣቀራርባ፡ ርእሰ-ውሳነ ከም እንኮ መገዲ ብልጽግና ሃገር ምዃኑ ከም ቀዳምነት ይሰርዕ። እዚ ድማ ንሕና ኣብ ስደት ዘለና ሓደ መዓልቲ ተመሊስና ነቲ ዘይተፈጸመ መብጽዓታት ናይታ እንፍቅራ ሃገርና ክነተግብር ዕድል ዝህብ እዩ።

–       ኣይዳ ሰመረ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፕሮግራም -  ክኢላ ተክኖሎጂ ጥዕና፡ ሕ.መ.ኣ.


እዚ ስራሕ እዚ፡ ካብ ናይ ተቓውሞ ጽሑፍ ንላዕሊ፡ ከም ሓደ ስትራተጅያዊ ውጥን (blueprint) ገይረ'የ ዝገልጾ።

መጻኢ ኤርትራ ኣብ ለውጢ መንግስቲ ዝሕጸር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ባህሪ ስርዓተ ምምሕዳር፡ ስርዓተ ቍጠባን ከማኡ’ውን ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ምልዋጥ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ይከራኸር። ‘ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር’ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ኵነታት ነቐፌታ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሃገራዊ ሕውየትን ተሃድሶን ዝኸውን ስትራተጅያዊ ስነ ህንጻ (architecture) እተቕርብ መጽሓፍ'ያ። ሰመረ ሰሎሞን ንኤርትራ ከም ዝፈሸለት ሃገር ዘይኮነስ፡ ከም ሓንቲ ዳግማይ ክትህነጽ እትኽእል ንግዜኡ ተሰናኺላ ዘላ ሃገር ገይሩ የቕርባ።

-        ዶክተር ሞጎስ ያቆብ፡ ናይ ሕርሻ ምሁር፡ ካናዳ



 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page