ሰማያዊ ማዕበል ኣብ ቀራና መገዲ
- Semere Solomon

- Oct 26
- 5 min read
Updated: Oct 31
ሰማያዊ ማዕበል ኣብ ቀራና መገዲ
ሰመረ ሰሎሞን
26 ጥቅምቲ 2025
መእተዊ፡ ሓደገኛ ህሞት

ኣብ ናይ መቐልሶ (pivotal) እዋን ንርክብ። እቲ ኣዝዩ ሓያል ትእምርቲ ናይ ሕንጋዶ (defiance) ዝኾነ ብሰማያዊ ማዕበል ዝፍለጥ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ምንቅስቓስ ብሰሪ’ቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሒቕታ ናህሩ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ከም ንድልያ ፍትሒ ዝሓረንና ኤርትራውያን ድማ እዚ ኵነታት’ዚ ክቕጽል ከነፍቕድ የብልናን። እቲ ኣብ’ዚ ምንቅስዋስ’ዚ ተዓቚሩ ዘሎ ሓይልን ተስፋን ብሓደ ሓደ ኣብ’ቲ ምቅስቓስ ተፈጢሮም ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ክዳኸም የብሉን።
እቲ በቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ መንእሰያት ዝተለዓዓለን ዝምራሕን ዘሎ ሰማያዊ ማዕበል ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብቐሊሉ ዘይርአ ለውጢ ከም ዝኽሰት ገይሩ’ዩ። ንነዊሕ እዋን ንደምበ ተቓውሞ ሓሊኹ ሒዝዎ ንዝነበረ ናይ ፍርሒ መንደቕ ኣብ ምፍራስ ዓቢ ግደ ነይርዎ። ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ክዳኸም ክትርእዮ እንከለኻ፡ ንኣባላቱ ጥራይ ዘይኮነ ንዅሉ’ቲ ኣብ ድልያ ፍትሒ ተዋፊሩ ዘሎ ዜጋ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ። እዚ ዝጽበየና ዘሎ ጕዕዞ ናይ ኣረኣእያ ሓደነት፡ ስትራተጅያዊ ንጹርነት፡ ከምኡ’ውን ነቶም እቲ ምንቅስቓስ ዘበገሶም መሰረታውያን ዕላምታት ሓባራዊ ተወፋይነት ክሓትት’ዩ።
ውርሻ እብያ መንእሰያት፡ ካብ ታሪኽ ናብ ዘመናዊ ምልዕዓል
እዚ ብሰማያዊ ማዕበል ዝፍለጥ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ሓደ ዝተነጸለ ተርእዮ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዕምጸጻን ጽቕጥን ዝበድሀን ዝብድህ ዘሎን ግዜ ዘየህስሶን (timeless) ግሎባዊ ምንቅስቓስ መንእስያት’ዩ። ካብ ጽድያ ዓረብ ጀሚሩ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ነፓል፡ ኬንያ፡ ማዳጋስካር፡ ሞሮኮ ከምኡ’ውን ጆርጂያ ዝተራእዩ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ቄሮ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፣ ካልኦትን ንብልሹዋትን ዓመጽትን መንግስታት ኣብ ምውዳቕ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይኖ ኣገልጊሎም’ዮም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ’ውን እንተኾነ መንፈስ እምቢታ ናይ መንእሰያት ዓቢ ቦታ ኣለዎ።
ኣብ ኣርብዕታት፡ ሓምሳታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም መሪሕን ዓንዲ ሕቖን ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተገብረ ወፍሪ ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም። ጻማ ናይ’ቲ ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእቲ ድማ ናይ ኤርትራ ልዑላውነት ተረጋጊጹ’ዩ። ናይ ሎሚ መንእሰያት፡ ወረስቲ ናይ’ዚ ውርሻ’ዚ እዮም። ግንከ ኣብ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ዝግበር ዘሎ ጥምጥም። ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ምብዳህ ዘይኮነስ ኣንጸር’ቲ መብጽዓ ጠሊሙ ሃገር ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዓማጺ ሰርዓት። ኣንጻር’ቲ ወለዱ መስዋእቲ ንዝኸፈሉሉ ዕላማታት ደው ኢሉ ዝምክተና ዘሎ ስርዓት።
ምረት፡ ቁጥዐ፡ ነድሪ፡ ከምኡ’ውን ብስጭት መንእሰያት፡ ብስም ሰማያዊ ማዕበል ዝፍለጥ ካብ መንግስቲ ለውጥን ተሓታትነትን ዝጠልብ ምንቅስቓስ ፈጢሩ። እዞም ምንቅስቓስ’ዚ ንዘይዕግበት ዝውክል’ዩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝጀመረን ብዓብላሊ መልክዑ ብመንእሰያት ዝምራሕ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ኣባላቱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ እዮም። እቲ ዓሚቝ ዘይዕግበቶም፡ ነቲ ስርዓት ብመጻኢኦምን ብናይ’ታ ሃገር መጻኢን ከም ዝተጻወተ ጌሮም ካብ ምርኣይ ዝመንጨወ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ፡ ሓደ ካብ’ቲ መንግስቲ ኣብ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ንዘሕደሮ ፍርሒ ንኽሕምሸሽ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ምንቅስቓስ’ዩ። ብናይ ከባቢ ጉጅለታት ወይ ጨናፍር ተወዲቡ ዝሰርሕን ዓለማዊ ሽፋን ዘለዎን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጨናፍራቱ ብመጠኑ ምውኽኻስ ዘዘውትርን’ውን እዩ። ኣብ ሓያሎ ክፋላት ዓለም፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ዴንማርክ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ካልኦትን ተዘርጊሑ ድማ ንጥፈታቱ ከካይድ ይርአ።
እቲ ምንቅስቓስ ክብገስ እንከሎ ዝተጠቕመሎም ጐነጻዊ ኣገባባት ክንቀፍ ዘለዎ መዳይ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ’ዩ። ካልኦት ድኽመታት’ውን ኣይሰኣንዎን’ዮም። ነቲ ምንቅስቓስ ከኣ ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ’ዩ። ከምኡ ኮይኑ ግን እቲ ምንቅስቓስ ከም’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ዘየኮነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ተበግሶ ቃልሱ ዝቐለሰን ንናይ ደገ ሓይልታት ምትእትታው ዕድል ዘይህብን’ዩ ነይሩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብመንእሰያት ዝምርሑን ዝውነኑን ምንቅስቓሳት ባህርያዊ ሳዕቤናት ናይ ዘይፍትሓውያንን ዓምጸጽትን ስርዓታት’ዮም። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ተርእዮ’ምበኣር ካብዚ ተነጺሉ ዝርአ ኣይኮነን።
ብድሆታት ብዲያስፖራ ዝምርሑ ምንቅስቓሳት
ኣብ ኤርትራ፡ ዘይከም ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ዝኾነ ይኹን እብያ ወይ ተቓውሞ ብዘይ ንሕስያ’ዩ ዝጭፍለቕ። ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ጭውያ ወዘተ ውሑዳት ካብ’ቶም እቲ ስርዓት ኣዘውቲሩ ዝጥቀመሎም ናይ ጭቆና ተግባራት’ዮም። ሰላማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ንምክያድ ዝህሉ ተኽእሎ ድማ ጸቢብ ይኸውን። ሰማያዊ ማዕበል’ምበኣር ካብቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተላዕሉን ዝለዓሉን ተመሳሳሊ ባህርያት ዘለዎም ምንቅስቓስ መንእሰያት ቁሩብ ፍልይ ዘብሎ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ሰማያዊ ማዕበል መደበሩ ወጻኢ ካብ ኤርትራ’ዩ። እዚ ንባዕሉ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምንቅስቓስ ሰፍ ዘይብል ብድሆ’ዩ። እዚ ክስተት’ዚ ንኣብ ዲኣስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓቢ ሓላፍነት የሰክሞም። ናይ’ቲ ስርዓት ነቲ ምንቅስቓስ ንምድዋን ዝጥቀመሉ ትረኻ ብዘየገድስ ድማ ጠንቂ ወይ መበገሲ ናይ’ዚ ምንቅስቓስ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዳይናሚክ’ዩ።
ዕላምኡ ድማ መሰላት ኵሎም ዜጋታት ዝረጋገጸላ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ኵሎም ሸነካት ህይወት እተውሕስ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና፡ ምስ ጐረባብታን ዓለምን ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ሃናጺ ዝምድና እትምስርት ደሞክራሲያዊትን ንዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት እትጽዕትን ብልጽግትን ሃገር ምምስራት’ዩ።
ውሽጣዊ ሓደጋ፡ ፍልልያት ንምውጋድ ምጽዓት
እብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ካብ’ቲ በቲ ስርዓት ዝመጽእ ግድማዊ ጸቕጢ ንላዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰማያዊ ማዕበል ዝርአ ዘሎ ፍልልያት ዝይዳ ሓደገኛ ኮይኑ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እቲ ዘገርም ድማ እቶም ፍልልያት ኣብ መሰረታውያን ዕላማታት ናይቲ ቃልሲ ዝተመርኰሱ ዘይምዃኖም’ዩ። እቶም ዘይምርድዳኣት ኣብ ዙርያ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣመዳድባ ናይ’ቲ ቃልሲ፡ ተራን ግቡኣትን ናይ’ተን ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ዓለም ዝነጥፋ ዘለዋ ጨናፍር ናይ’ቲ ምንቅስቓስ፡ ዓይነትን ዕምቘትን ናይ’ቶም ዝምስረቱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሽርክነታት/ኪዳናት ወዘተ ዘጠቓለሉ’ዮም።
ነቲ ዘሎ ወጥሪ ግላዊ ወይ ጕጅላዊ ረብሓታትን ባህግታትን ዘጋድዶ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ ግን ኣብ ልዕሊ’ቲ ውልዶ ምንቅስቓስ ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ ሰፍ ዘይብል ክኸውን ከም ዝኽእል ዘሎ ተኽእሎ’ዩ። ከመይ ጌርካ ነዚ ብድሆ’ዚ ገጢምካ ነቲ ምንቅስቓስ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋግሮ’ምበኣር ቀዳማንት ዝወሃቦ ጕዳይ ክኸወን’ዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዘሎ ሕርያ እንታይ’ዩ ክኽወን፧ ነቲ ግርጭት ምቕጻልዶ ወይስ ምፍታሕ፧ ከም ዝብእስ ምግባርዶ ወይስ ከም ዝረጋጋእ ምግባር፧
ምቕጻሉ’ሞ ፈጺሙ ዘየዋጽእ’ዩ። ኤርትራ፡ ነዚ ናህሪ ንኽድልብ ረዚን ዋጋ ዝተከፍሎ ቃልሲ ንድሕሪት ንኽጕተት ከተፍቅድ ኣይትኽእልን’ያ። ጻዕሪ ናይ’ዞም መንእስያት፡ ክሕሸሽ ዘይግብኦ ክቡር ሃገራዊ ጸጋ’ዩ። ንፍልልያት ብልዝብ ካብ ምፍታሕ ሓሊፍካ ድማ ካልእ ዝኾነ ኣማራጺ የለን። ንምግናን ዘይኮነ ኣብ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ግዚያውያን ቅልውላዋት ከጋጥሙ ንቡር’ዩ። እቲ ቁም ነገር ልቦና ብዝመልኦ ኣገባብ ፍታሓት ሃሰው ምባል’ዩ።
ኣድላይነት ስትራተጅያዊ ኣጠማምታ
ምንቅስቓስ ሰማያዊ ማዕበል ኣድማዒ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ዓሚቚ ነፍሰ-ድህሰሳ (self-reflection) ክጽመድ፡ መኣዝን ግስጋሰኡ ከነጽር፡ ከምኡ ድማ ባህርያዊ ብዝኾነ መገዲ ክፈልቕን ይግባእ። ኵሎም ሰዓብቲ ናይ’ዚ ምንቅስቓስ ዘልዕልዎም ዘለዉ ሕቶታት’ምበኣር ከም ህጹጻት መጸዋዕታታት ንዕርቂ፡ ምርድዳእ፥ ከማኡ’ውን ጭውነት ክውሰዱ ይግባእ። ሰማያዊ ማዕበል ነዞም ዝስዕቡ ጕዳያት ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሎም ድማ ይሕተት፦
ምስ ባህግታት ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝናበብ ኣብ ዙርያ መሰረታውያን ዝኾኑ ዕላምታት ቃልሲ ምዕሳል፣
ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነጥፉ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ድልዱል ድንድል ምምስራት፣
ብድምጾምን ተግባራቶም እሙናት መሻርኽቲ ናይ’ቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታት ከም ዝኾኑ ምምስካር፣
ኣብ ምብዳህ’ቲ ስርዓት ዝዝርግሖም ፈላለይቲ ዝኾኑ ትረኻታት፡ ክንዮ’ቲ መልሰ-ተግባራዊ (reactive) ስትራትጂ ምኻድን ቅድመ-ንጡፍ (proactive) ስጕምትታት ምውሳድን፣
እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት ብኣስገዳድ ዝእክቦ 2% ግብሪ መደልደሊ ስርዓቱ ስለ ዝኾነ ብሓይሊ ምምካት፣
ናይ’ቲ ስርዓት ግፍዕታትን ኣብ ዘይምርግጋእ ናይቲ ከባቢ ዘለዎ ግደን ብልሓት ብዝመልኦ ኣገባብ ዓለም ከም እትፈልጥ ምግባርን
ምስ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብ መትከላት ሽርክነት ዝተመስረቱ ጽምዶታት ምእታውን
እዚ ስትራትጅያዊ ኣተሓሳስባን ጥርናፈን ምልክት ናይ ድኽመት ዘይኮነ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ምልክት ምስሳንን ብስለትን’ዩ። እዚኣቶም ነቲ ሱር ዝሰደደ ተጻባኢ ንምብዳህ ዘገልግሉ ቀንዲ መቕውማት (ingredients) እዮም።
መጸዋዕታ ንሓድነትን ንጹር ጐደና ቃልስን
እዚ ናይ ቃልሲ ጕዕዞ’ዚ፡ ትዕግስቲ፡ ርእሰ-ዳህሳስ፡ ከምኡ’ውን ዓሚቚ ፖለቲካዊ ልቦና ክጠልብ’ዩ። ተሃዊኸን ይኽዕውኦ ተደቢረን ይሓፍስኦ ከይከውን ነገሩ ካብ ታህዋኽ ምቝጣብ ከድሊ’ዩ። እቲ ምንቅስቓስ ንዕኡ ዝምእምኦ ኣገባብ ክመርጽ ሓላፍነቱ’ዩ። ግንከ ብዘይ ንጹር መምርሒ ክኸውን የብሉን።
ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ብዕድመ ዝጸገቡን ናይ ቃልሲ ተመክሮ ዝደለቡን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ’ቲ ምንቅስቓስ ንዝተኸስተ ግዜያዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ከም ኣሳልጥቲ ኮይኖም ንዘተ ከም መሳርሒ ክደፍኡሉ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ግን ብዘይ ጸቕጢ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መጠረሽታ እቲ ዕላማ፡ ናይ ሓባር፡ ንዅሉ ዘሳትፍ፡ ከምኡ’ውን ሓቛፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጽላል ምቛም’ዩ። ንመትከላት ልዝብን ምጽውዋር ፍልልያት ናይ ኣረኣእያን ማእከል ዝገበረ ክኸውን ድማ ይግባእ። እቲ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ጽላል ነዞም ዝስዕቡ ሰለሰተ መሰረታውያን ዕላማታት የሳሲ፦
ናይ ስርዓት ለውጢ
ምቛም ሓደ ሓቛፊ መሰጋገሪ መንግስቲ
ብቕዋም እትመሓደር ኤርትራ ምምስራት
ኵሎም’ቶም ኣብ ትሕቲ ምንቅስቓስ ሰማያዊ ማዕብለ ተጠርኒፎም ዘለዉ ሰብ ብርኪ፡ ጕጅላዊ ወይ ግላዊ ረብሓታት ንጐኒ ገዲፎም ንረብሓ ህዝብን ቃልስን ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም። መንእሰያትና ዕቱባትን በላሕትን’ዮ። ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቃልሲ ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ካብ ሰቦም ንላዕሊ ንሳቶም ዘለዎም ግንዛበ ይዓቢ። እቲ ስርዓት ንኸተኣታትዎ ዝፈተነ ናይ ፍርሒ ሃዋህው ንምስባር ዘርኣይዎ ሓሞት ‘ኣደ ወሊዳ ትምከን’ ዘብል’ዩ። ኣብዚ ሰዓት’ዚ ድማ ሓድነቶም ንምዕቃብ ልቦና ከርእዩ ኣለዎም። ሓይሎም ኣብ’ዚ ባህሪ’ዚ ዝተመርኰሰ’ዩ። እቲ እንኮ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዝ መሳርሒ ድማ ንሱ’ዩ። ሰማያዊ ማዕበል እናሰወደ’ምበር እናሰሓወ ዝከይድ ምንቅስቓስ ክኸውን ከነፍቅድ የብልናን።


ሓው ሰመረ ከመይ ኣለኻ?
ንሰማያዊ ማዕበል ኣመልኪትካ ዝዘርጋሕካዮ ኣዝዩ እዋናውን መሃርን ጽሑፍ ብጽሞና ኣንቢበዮ። ተቀባሊ ወይ ተግባሪ እንተረኺቡ ድማ እቲ መፍትሒ ንሱ ኢዩ።