top of page
Search

ሳልሳይ ክፋል ጥማዕ ዝኽርታተይ ምዕራፍ 2 ኣብ’ቲ ንኽትቃለስ ዝተጸምበርካዮ ውድብ ጓና ምዃን

Updated: Aug 1

 

 

 


 (ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)


2.1 ሓጺር ድሕረ ባይታ

 

ፖለቲካውን ማሕበራውን ተነጽሎን ስም ምድዋንን ጸሎሎ ምቕባእን ንሓደ ወዲ ሰብ ንምእማኑ ዘጸግም ከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ወጥርን ይፈጥረሉ እዩ። እዚ ብድሆ'ዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ብዓለማዊ ጸ ጋማዊ ፍልስፍና ዝተጸልወ ውድብ ክፍጸም እንከሎ ድማ ዝያዳ ኣሰካፊ ይገብሮ። ከመይሲ እዞም ዝተጠቕሱ ውድባት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኢና ንቃለስ ዘሎና እናበሉ ከይተፈለጦም ዘማዕብሉዎምን ዝዂስኲሱዎምን ናይ ምልኪ ባእታታት ስለ ዘሳስዩ።

 

እቲ ብኸም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ዝሳሰ ባዕዳዊ ስነ ሓሳብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክጸልዎ ዝህቅን ሕብረተሰብ ከምኡ እውን ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን መዋቕር፡ መሰረት የብሉን። ምስ’ቲ ዘይዓቐንካ ሳእኒ ምውዳይ ወይ ዝገዝፈካ ክዳን ምልባስ ዝመሳሰል እውን እዩ። ምስ’ዚ ባዕዳዊ ስነ ሓሳብ ንምምዕርራይ ተባሂሉ ዝውሰድ ተበግሶታት ድማ ግጉያት ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል።

 

ብመሰረት'ዚ ጸጋማዊ ስነ ሓሳብ'ዚ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ደርብታት ማለት ቡርጅዋ፡ ንኡስ ቡርጅዋ፡ ሰራሕተኛ፡ ሃብታም ሓረስታይ፡ ማእከላይ ሓረስታይን ድኻ ሓረስታይን እናተባህለ ይከፋፈል። ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ'ዞም ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ቀጸላታት ንጹር ፍልልያት ምግባር ኣዝዩ በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ተማሃሮን ምሁር ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተሰብን መብዛሕትኡ ግዜ ከም ንኡስ ቡርጅዋ እዮም ዝቚጸሩ፡ ብባህሪኦም ድማ ተወላወልቲ ተባሂሎም ስለ ዝፍለጡ (per­cieved) ከም ሓደገኛ ክፋል ናይ’ቲ ሰውራ ይቑጸሩ። እቲ ስነ ሓሳብ ነዚ ክፋል ናይ’ዚ ሕብረተሰብ ብ ጥንቃቐ ክትሓዙ ከም ዘለዎም ይሰብኽን የ ጐሳጒስን። እቲ ዝገርም፥ ኣባላት'ዚ ጉጅለ "ከም ደርቢ ነብሰ ቅትለት ክሳዕ ዘይፈጸሙ" ክእመኑ ከም ዘይከኣል ይግለጽ። ብኻልእ ወገን፡ ሃብታማት ሓረስቶት ከም ጸላእቲ ህዝብን ጸላእቲ ቃልስን እዮም ዝቑጸሩ።

 

ብኣጠማምታ’ዚ ጸጋማዊ ኣረኣእያ፡ ሃይማኖት ከም ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዕጸ ፋርስ’ዩ ዝረአ። ኣብ እግዚኣብሄር ምእማን ከም ኣድሓርሓሪ ዝቚጸር ኮይኑ፡ ቤተ ክርስትያን ድማ ንውጹዓት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምእሳር ገዛእቲ ደርብታት ዝጥቀሙሉ መሳርሒ’ዩ ተባሂሉ ይእመነሉ። እቲ ናይ’ቲ ቃልሲ ሓፈሻዊ ዕላማ፡ ደርቢ ኣልቦ ሕብረተሰብ ምምስራት እዩ። እ ዞም ሓርነታውያን ም ንቅስቓሳት'ዚኣቶም፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ሰ ፊሕ ዓለማዊ ማሕበርነታዊ ምንቅስቓስ ይቚጸሩ። ዕላምኦም ድማ ደርባዊ ቃልሲ ምክያድን ቁጠባዊ ማዕርነት ዝተረጋገጸላ ዓለም ምህናጽን እዩ።

 

እዚ ስነ ሓሳብ'ዚ ፍጹም ምእዙዝነት (conformity) ናይ ኣተሓሳስባ ይጠልብን የገድድን። ኣብ ልዕሊኡ፡ ዝኾነ ናይ ምጥርጣር ምልክት ምርኣይ ድማ ልዑል ዋጋ ከኽፍል ይኽእል። ሓደስቲ ሓሳባት ወይ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ምስሳይ፡ ከም ዝንቡልነት (deviation) ይጽብጸብ፣ ምጽውዋር ድማ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ። ተቓወምቲ ድማ ግዳያት ናይ ኣረኣእያኦም ክኾኑ ይኽእሉ።

 

እቲ ንኹሉ ነገር ብመነጽር ደርባዊ ቃልሲ ዝቐርጽ ህዝባዊ ግንባር፡ ንኹሉ ተቓውሞ (ንኡስ ድዩ ዓቢ ብዘየገድስ) ብዘይ ምሕረት ይጭፍልቕ። እቶም ካብ’ቲ ቅቡል ወይ ልሙድ ኣረኣእያ ወጻኢ ዝኾነ ውልቃዊ ኣረኣእያታት ዘሳስዩ ሰባት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳዕ ብደዎም ዝቕበሩ ነቐፌታ የጋጥሞም። ውልቃዊ ግርጭታትን ዘይምርድዳእን ከይተረፈ ፖለቲካዊ መልክዕ ይውሃቦ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ'ቶም ኣብ ደርባዊ ቃልሲ ዝተመርኮሱን ዘይተመርኮሱን ግርጭታት ንምልላይ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ምስ ሓላፊኡ ዘለዎ ዘይምርድዳእ ምስ ደርባዊ ቃልሲ ምትእስሳር ከም ዝህሉዎ ምግባር ዘይዝውቱር (uncommon) ኣይነበረን። ብሕልፊ ከኣ እቲ ተጋዳላይ፡ ተመሃራይ ወይ ምሁር ምስ ዝኸውን። ናይ ስልጣን ህርፋን ኣለዎ ተባሂሉ ድማ ይንቀፍ።

 

እቲ ብ ስም ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ዝ ፍለጥ ተቓውሞ፡ " ኣድሓርሓሪ"፡ "ዝምቡል”፡ "ኣዕናዊ"፡ "ከፋፋሊ" ካልእን ዝብሉ ቅጽላት ተዋሂብዎ ነይሩ። መፍትሒኡ ድማ ምጽናቱ (liquidate) እዩ ነይሩ። ተገይሩ ድማ።

 

ኣብ መንጎ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ደገፍትን ተቓወምትን ርሱን ክትዕ እናተኻየደ እንከሎ፡ ከም ኢሳይያስ ኣፍወርቅን፡ ሮመዳን መሓመድ ኑርን፡ መስፍን ሓጎስን ዝኣመሰሉ ሰዓብቱን ነቲ ዝነበረ ስርዓት (status quo) ንምዕቃብ ይጽዕሩ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢረ።

 

ዋላ’ኳ ንጡፍ ኣባል ናይ’ቲ ምንቅስቓስ እንተ ዘይነበርኩ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ከምኡውን ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ናይ ፍረሽማን ፕሮግራም እ ንከለኹ ዝ ፈልጦም መ ማህርተይን መ ተዓብይተይን ደ ገፍቲ ና ይ’ቲ ምንቅስቓስ ኮይኖም ጸኒሖሙኒ። እዚኣቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝመጹ ዜጋታት ኢዮም ነይሮም። ምሳኣታቶም ምርኻብን ምዕላልን እምበኣር ባህርያዊ’ዩ ነይሩ። ተዓላማይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እምበኣር ምስ ብዙሓት ካብኣቶም ኣዕሊለን ተመያይጠን። ብርክት ዝበሉ ካብኣቶም ድማ ሕጉሳት ኮይኖም ኣይረኸብኩዎምን። ንኣተሓሕዛ መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ይጽይንዎ ነበሩ። ገለ ካብኣቶምሲ መሳፍንቲ እዮም ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን። ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ዝኾነ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ክጽንበር ዕድል ዝረኸበ ምሁር፡ ናይ’ዚ ምንቅስቓስ’ዚ ኣባል ክኸውን ግድነት’ዩ ነይሩ። ብናተይ ገምጋም፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ 1973 ዓ.ም. ምኽሳቱ፡ ነቲ መሪሕነት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ወይ ዕድል’ዩ ነይሩ። ኣብ 1975 ዓ.ም. (ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምሁራት መንእሰያትነቲ ውድብ ኣብ ዝተጸንበሩሉ እውን) ኣጋጢሙ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኢልና እስከ ንሕሰብ። እቲ መሪሕነት ንኽንደይ ተጋደልቲ ኢሉ ምኣሰረ። እቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ሳሕል ቀቢርዎ ንከበሳታት ኤርትራ ምምጽኡ ነብሱ ኣድሒኑ። ተሰቲሩ ከኣ።

 

ወተሃደራዊ ስልጠናን ፖለቲካዊ ትምህርትን ኣጠናቒቐ ናብ’ቲ ተዋጋኢ ሰራዊት ምስ ተመደብኩ፡ ንደገፍቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ፡ ናይ ምፍርራሕን ምግዳድን ተግባራትን፡ ብዘይጠቕሙ ጉድለታት ናይ ምንቃፍ ኩነታትን የጋጥሞም ከም ዝነበረ ብዓይነይ ተዓዚበ እየ።

 

መከራይ ዝጀመረ፡ ክልቲአን ግንባራት ንምቅርራብ ዕማም ዝተዋህባ ሽ ማግለ (ብኣቀራራቢት ሽማግለ እትፍለጥ) ድሕሪ ምፍራሳ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ። ካብ ናይ ሽዑ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ግንባር፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ጻውዒት መጺኡኒ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ወግዓዊ ሓላፍነተይ ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ባህልን ትምህርትን ነበረ። እዚ ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ ድማ ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ እታ ብተጋደልቲ ዝተመዘዘት ኣቀራራቢት ሽማግለ ጸብጻባ ነቲ ዝመረጻ ኣካል ሂባ ሓላፍነታ ምስ ኣውረደት እዩ። ኣነ ኣባል ናይታ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሽማግለ እየ ነይረ።

 

ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣነ ክምልሶም ዘሎኒ ሓደ ሓደ ሕቶታት ከም ዘለዉን፡ ክሳዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ መምርሒ ዝረክብ ድማ ምስ ናይ ጸጥታ ጉጅለ (ሓለዋ ሰውራ) ክጸንሕ ከም ዝኾንኩን ሓበረኒ። ብሰሎሞን ወልደማርያም ዝምራሕ ጉጅለ ጸጥታ፡ ካብ መጀመርታ ብምንታይ ምኽንያት ናብ’ታ ንሱ ዝመርሓ ጉጅለ ከም ዝተላኣኽኩ ርግጸኛ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ኢሳይያስ ሓበሬታ ክሓትት ሰብ ልኢኹ። ንሱ ድማ ክሳዕ ካልእ መምርሒ ዝረክብ ኣብኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ከም ዘሎኒ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

 

ብናተይ ግምት፡ ኢሳይያስ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ሽማግለ ዝዋስኡ ዝነበሩ ኣባላት ብዛዕባይ ጸበጻብ ተመሓላሊፉሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ መን ምዃኑ ግን ኣብ ምጽንጻን (speculation) ክኣቱ ኣይደልን። ግምት ግን ኣሎኒ። በዚ ኾይኑ በቲ፡ ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ንዓይ በዞም ጉዳያት እዚኣቶም ተኸሲስካ ኣሎኻ ኢሉ ዝቐረበኒ ሰብ ወይ ኣካል ኣይነበረን። የሎን እውን። ብድሕረይ ዝብሃል ግን እሰምዖ ነይረ።

 

ሓያሎ ሰሙናት ብዘይ ዝኾነ ሓድሽ ምዕባለ ሓለፈ። ብድሕሪኡ፡ ነፍስሄር ዳዊት ሃብቱ (ኣባል ጋንታ ጸጥታ ነበር)፡ ንዓይ ጸዊዑ ካብ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኢዱ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣረከበኒ። እቲ ጽሑፍ፡ መ ብርሂ ክህበሎም ትጽቢት ዝ ግበረሎም ተኸታተልቲ ሕቶታት ዝሓዘ ነበረ። ከም ዝዝክሮ፡ እቶም ሕቶታት ከም መቕድም ናይ’ቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ ድሕረ-ባይታይ ብምድህሳስ ጀሚሮም፡ ቀጺሎም ብቐጥታ ናብ’ቲ ቀንዲ ኣርእስቲ (ናብ’ቲ ብመንካዕ ዝ ፍለጥ ም ንቅስቓስ 1 973 ዓ .ም.) ኣ ትዮም።

 

ብዛዕባ ም ንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ኣመልኪቱ ዘሎኒ ኣረኣእያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ’ቲ ምንቅስቓስ መርገጺየይ እንታይ ከም ዝነበረን ተሓቲተ። ነዚ ዕድል'ዚ ተጠቒመ፡ ኣረኣእያይ ገሊጸ፡ ነዚ ዝስዕብ ድማ ብጽሑፍ ደጋጊመ ኣመሓላሊፈዮ፥


“መምርሒ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ግርጭታት ከም ዘለዉ ይጠቅስ ወይ ይዝርዝር፥ ቀዳማውን ካልኣውን ግርጭታት። እቲ ቀዳማዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ግንባርን ተጻባኢኡ ስርዓት ኢትዮጵያን ዘሎ እዩ፡ ዘይዕረቕ ግርጭት ስለ ዝኾነ ከኣ ብጐነጻዊ ኣገባብ ይፍታሕ፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝረአ ውሽጣዊ ፍልልያት ከም ካልኣዊ ግርጭት ይውሰድ እሞ ብደሞክራስያዊ ዘተ ወይ ልዝብ ድማ ክፍታሕ ይምረጽ ይብል።


“ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣባላት ግንባር ወይ ጉጅለታት ንዝተፈጥረ ወይ ዝተኸስተ ውሽጣዊ ግርጭት ዝውክል ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ዘሎ ናይ ርእይቶታት ብዙሕነት ዘንጸባርቕ እዩ። እዞም ኣረኣእያታት ኣዝዮም ክፈላለዩ ይኽእሉ’ኳ እንተ ኾኑ፡ ነዚ ፍልልያት ንምፍታሕ ግን ሰላማውን ደሞክራስያውን ዘተ ተመራጺ መገዲ ከም ዝኾነ ምጉላሕ ኣገዳሲ እዩ። ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ዕላማ ንህዝባዊ ግንባር ካብ ውሽጡ ንምድኻም ዘይኮነስ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ንምጒስጓስ ስለ ዝኾነ።


“ኣነ እምበኣር፡ ኣብ’ቲ ምንቅስቓስ ንዝነጥፉ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣይድግፍን እየ።”


ድሕሪ’ቲ ኣፈናዊ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ፡ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣነን ቀጻሊ ናይ መልእኽቲ ምልውዋጥ መስርሕ ቀጺሉ። ነፍስሄር ዳዊት ሃብቱ ድማ ብቐጻሊ ከም መንጎኛ ወይ ተለኣኣኺ ኮይኑ የሳልጥ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኹሉ ምልውዋጥ’ዚ፡ ኢሳይያስ ንገምጋመይ ዘይቅኑዕ ከም ዝኾነ ዝእምት’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣነ ግን ነቶም ንዓይ ዓቢ ትርጉም ዘለዎም ኮይኖም ዝተሰምዑኒ ዝተወሰኑ መሰረታውያን መትከላት ብጽኑዕ ግን ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብ እናተኸላኸልኩ፡ ነተን ኣረኣእያታተይ ብቐጻሊ እየ ዝገልጸን ነይረ። እዚ መከራ'ዚ ኣብ’ቲ መዳጐኒ ማእከል ንኣዋርሕ ቀጺሉ። ክሳዕ ካብ ኢሳይያስ መልሲ ዝስማዕ።

 

ጒዕዞይ ዘይተጸበኽዎ ነጥበ መቐይሮ ኣጋጢሙዎ። ሓደ ንግሆ፡ ኢሳይያስ ናብ’ቲ መቐየዲ ቦታ ድሕሪ ምምጻእ፡ ብነፍስሄር ዳዊት ሃብቱ ተዓጂቡ ጸዊዑኒ። ነቲ ዘተ ንምክያድ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ በዓቲ ኢና ተኣኪብና። ኢሳይያስ ካብ ሽዑ ንደሓር ናጻ ምዃነይ ሓበረኒ፣ ግን ከኣ ኣብ ካልእ ምድብ። ኣብ ክንዲ ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ባህልን ትምህርትን ኮይነ ናብ’ቲ ናይ ቀደም ኣሃዱየይ ዝምለስ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ኣብ ምውዳብን ምንቕቓሕን ህዝቢ ዝነጥፍ ዝነበረ ኣሃዱ ክጽንበር መምርሒ ተዋሂቡኒ። ኤርሚያስ ደበሳይ ሓላፊ ናይታ ኣሃዱ’ዩ ነይሩ።

 

ቅድሚ ምብጋሰይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲመ ዝተኣሰርኩሉ ምኽንያት ንምሕታት ሓይልን ትብዓት ኣኻኺበ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይተረድኣኒ በደል ወይ ክሲ መብርሂ ክህበኒ ንኢሳይያስ ብትሕትና ሓቲተዮ። ብፍላይ ካብ ማእሰርተይ ክመሃረሉ ዝኽእል ምህሮን (lesson) ከም’ዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ንኽወርደኒ ዝገበርኩዎ ፍሉይ ጌጋታትን ንኽፈልጥ እውን ተወከስክዎ። ንኢሳይያስ ከም’ዚ ዓይነት ሕቶታት ምቕራብ ከም ድፍረት ክቚጸር ዝኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ ንእስነተይን ውሑድ ተሞክሮይን ከም መመኽነይታ እናጠቐስኩ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ኣቕሪበዮ።

 

ኢሳይያስ ዋላ’ኳ ዝኾነ ቁም ነገር ዘለዎ ሓበሬታ መልሲ ከይሃበኒ ብሰፊሑ እንተ ተዛረበ፡ ኣብ መወዳእታ ግን፡ "ግዳይ ናይ ኩነታት" (victim of circumstances) ክኸውን ይኽእል ከም ዝነበርኩ ዝብል ዘይንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉለይ። ብናቱ ኣበሃህላ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ንህላወ’ቲ ግንባር ዝፈታተኑ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት (ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ፡ ናይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ፥ ወዘተ) ከም ዝነበሩ ከኣ ብተወሳኺ ጠቒሱለይ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቐ ስለ ዝፈልጥ ተወሳኺ ሕቶታት ካብ ምሕታት ተቖጢበ። ናብ’ቲ ዝተመዘዝኩሉ ኣሃዱ ድማ ጐዕዞይ ጀሚረ። ናብ ከበሳ ምስ ደየብኩ ዝረኸብክዎ ሰብ ኣስመሮም ገረዝጊሄር እዩ ነይሩ። ሽዑ ኣስመሮም ናይ ዞባ ሰሜን ሓላፊ ከም ዝነበረ እዝክር። ድሕሪ ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ከተማታት (ባዶ ሽድሽተ) ምምዳበይ ምሕባሩ (ከም’ቲ ኢሳይያስ ዝሓበረኒ)፡ ተስፋይ ተምነዎ (ሓደ ካብ’ቶም ኣባላት ኣቀራራቢት ሽማግለ) ኣውራጃዊ ምዃኑ ትፈልጥዶ ኔርካዶ ኢሉ ሓቲቱኒ። ዝፈልጦ ነገረ ከም ዘየሎ ኢለ መሊሰሉ። እቲ ዘረባ ክቕጽሎ ኣይደለየን። ብኡ ንብኡ ድማ ኣቋሪጽዎ። ኣነ እውን ነቲ ዘረባ ክቕጽሎ ኣይመረጽኩን። ምስ ተስፋይ ተምነዎ ካብ ሓደ ኣውራጃ’ውን ኣይኮናን።

 

ክሳዕ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ምኽንያት ማእሰርተይ ዝኾነ መብርሂ ክህብ ዝደፈረ ሰብ የሎን። ምስ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ብ 2016 ዓ.ም. ብተለፎን ኣብ ዝገበርኩዎ ዝርርብ፡ ንሱ ኣብ ማእሰርቲ እንከለኹ ብዛዕባይ (ኣብ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ዝነበረኒ ተሳትፎ) ገለ ሕቶታት ክምልሽ ብሃይለ ጀብሃ (ምክትል ሓላፊ ጋንታ ጸጥታ) ተሓቲቱ ከም ዝነበረ ገሊጹለይ። ሃይለ ጀብሃ ድሕሪ ምእሳረይ መማሳመሲ ክረክብ ፈተነታት ገይሩ’ዩ ማለት እዩ። ምናልባት ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ዝኾነ ይኹን ምስ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ምድንጋጽ የርኢ ነይሩ ዝበሃል ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ፈቐዶኡ ዝልቀሙሉ ዝነበረሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ስምኦን ኢማም (ወዲ ኢማም) መቕጻዕቱ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ወዲኡ ንከበሳ ክብገስ እንከሎ ከም ዝተራኸብና እውን እዝክር። ወዲ ኢማም ጸኒሑ ኣብ 1 978 ዓ .ም. ኣብ ደቡብ ተሰዊኡ።

 

ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብኣጋጣሚ ምስ ብጾት ገብረኣምላኽ ኢሳቕን ደበሳይ ገብረስላሴን (ትኪ) ተራኺበ ንኸዕልል እውን ዕድል ረኺበ። ገብረኣምላኽ ካብ ግዜ ንእስነተይ እየ ዝፈልጦ። ኣዝዩ ብሉጽ ተመሃራይ ኮይኑ ንዓባይ ሓፍተይ ምሸት ምሽት ገዛ እናመጸ ቊጽሪ ክምህራ እንከሎ ይዝከረኒ። ካብ መሰልጠኒ መምህራን ከም ብሉጽ ተመሃራይ ተሸላሚ ኮይኑ’ዩ ተመሪቑ። ብድሕሪኡ ብዝረኸቦ ናይ ማህደር ትምህርቲ ዕድል ተጠቒሙ ንሕብረት ሶቭየት ብምኻድ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ። ካብ ሕብረት ሶቭየት ከኣ’ዩ ንሜዳ ዝተሰለፈ። ገብረኣምላኽ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ርአየኒ ብዙሕ ጉህዩ። ንሱ ንባዕሉ ድሕሪ መውጋእቱ ካብ ደቡብ የመን ድሕሪ ምምጽኡ ኢና ንራኸብ ዘሎና ። ብዛዕባ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ ቅሬታ ድማ ብዘየወላውል መገዲ ገሊጹለይ። ኣይጸንሐን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ኣብኡ ድማ ሓቒቑ። ምስ ደበሳይ እውን ንሓጺር ግዜ ከም ዘዕለለና ይዝከረኒ። ደበሳይ እውን ከም ገብረኣምላኽ ሕክምንኡ (ድሕሪ መውጋእቱ) ወዲኡ ካብ ዓደን ምስ ተመልሰ’የ ረኺበዮ። ደበሳይ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ስክፍታኡ ገሊጹለይ። ደበሳይ እውን ዕጫ ገብረኣምላኽ’ዩ ኣጋጢምዎ። ደበሳይ ሓደ ካብ’ቶም ምስ ኢትዮጵያውያን ገስገስቲ ብጾቱ ነፋሪት ጨውዩ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸ መንእሰይ ኤርትራዊ’ዩ።

 

ከም ናይ’ዚ ተመኩሮ'ዚ ሳዕቤን፡ ኣብ’ቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘሕለፍኩዎ እዋናት፡ ”ዝምቡል” ዝብል ቅጽል ስም ተለጢፉኒ ካብ ኩሉ ተገሊለ። ብድሕረይ ድማ ናይ ምጽላም ዘመተ ተጀሚሩ። ”መንካዕ’ዩ”፡ ”ንሱን ተስፋይ ተምነዎን ኣባላት ኣቀራራቢት ሽማግለ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እውን ምስ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፍሉይ ርክባት ይገብሩ ነይሮም እዮም”፡ ”ሰመረ ሰሎሞን ኣብ’ቲ ምስ ተሓኤ ዝግበር ዝነበረ ምቅርራብ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ዕንቅፋት ኮይናትና ነይራ ኢሉ ተዛሪቡ” ዝብሉ ውሑዳት ካብ’ቶም ጸለመታት እዮም። ኵሎም ድማ ውጹኣት ሓሶታት እዮም። ከም ሳዕቤኑ፡ ብጾተይ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ካባይ ክርሕቁ ጀሚሮም። ሓደ ሰብ ኣብ ሓለዋ ሰውራ (መዳጐኒ ማእከል ህዝባዊ ግንባር) ተኣሲሩ ነይሩ ምስ ዝብሃል፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ስሙ ይበላሾ፣ ሰብ ድማ ይርሕቆ። ኣነ ድማ ካብ’ዚ ናጻ ኣይነበርኩን። ሃገራውነተይ ከመስክር ድማ ነዊሕ ግዜ ወሲዱለይ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም፡ መተዓብይትኻን መማህርትኻን ዝነበሩ ሰባት ወይ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ወይ እውን ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓታቶም ክብሉ ክርሕቁኻ ክትርኢ እንከለኻ እዩ። ኣስማት ክጠቅስ ኣይደልን ግንከ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብርክት ዝበሉ እዮም። ደሓር ደኣ ኢዶም ረኺባቶም እምበር።

 

ኣብ’ቲ መዳጐኒ ማእከል ዘሕለፍኩሉ ግዜ፡ ምክትል ሓላፊ ጉጅለ ጸጥታ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑኒ። ሃይለ ጀብሃ ድምጹ ክብ ኣቢሉ፡ ሰዓብቲ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ካብ ሰለይቲ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ጐዳእቲ ኢኹም ወይ እውን ትኸፍኡ ኢሉ ጨዲሩለይ። እዚ መግለጺ'ዚ ብዙሕ ኣተሓሳሲቡኒ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ የስደምመንን የሰንብደንን። ሓዚነ ድማ። ከም’ቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ብወለንታይ ጉዳይ ሃገር ደሪኹኒ ማሙቕን መብጽዓ ዝመልኦን ናይ ትምህርቲ (ኣብ ሃገረ ሽወደን ካብ ኡፕሳላ ዝተባህለ ከተማ ናይ ፋርማሲ ተመሃራይ እየ ነይረ) ዕድለይ ገዲፈ እየ ንሜዳ ኣብ ፈለማ 1974 ዓ .ም. ዝተሰለፍኩ።

 

ቅድሚ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፍጻመ፡ ኣብ’ቲ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ተጸምበርኩ ዘጋጠመ ካልእ ፍጻመ ነይሩ። ም ስ’ቶም መ ተዓልምተይ ወተሃደራዊ ስልጠናን ፖለቲካዊ ትምህርትን ኣብ እንወስደሉ ዝነበረናሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍጻመ ንነፍስሄር ሮመዳን መሓመድ ኑር፡ (ሽዑ ምክትል ኣቦ መንበር ህዝባዊ ሓይልታት) እትምልከት’ዩ ነይሩ። ናብ’ቲ ዝነበርናዮ መዓስከር ክበጽሕ መጺኡ፡ ንሓጺር እዋን ጸኒሑ ድማ ከይዱ። ቃላቱ ግን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዝኽረይ ተቐሪጹ ኣሎ። እናኸደ እንከሎ "እዛ ወዲ መንካዕ’ያ" ወይ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ሰዓቢት’ያ ኢሉኒ። ከም’ዚ ዝበለ ዘረባ ካብ ሓደ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘሎ ኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት፡ እሞ ከኣ ኣዝዩ ፍሉጥ ሰብ ኣይተጸበኽዎን። ከምኡ ክብል ምስ ሰማዕኩ ግን ኣዝየ ጉህየ። ደንጽዩኒ እውን። ሕሰብዎ’ሞ፥ ንሓደ ምቾት ላዕለዋይ ትምህርቱ ገዲፉ፡ ዝረኸበት ትርከበኒ ኢሉ ንሜዳ ዝወጸ ህንጡይ መንእሰይ (እሞ ከኣ ምስ ተጋዳላይ ሮመዳን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሌላ ዘይነበሮ ሰብ) ከም’ዚ ኢልካ ምድሃል ምስ ምንታይ ይቚጸር? እዚኣቶም እምበኣር’ዮም መራሕቲ ህዝባዊ ሓይልታት ነበር። እዚ ፍጻመ'ዚ ነባሪ ጦብላሕታ ገዲፉለይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሮመዳን መሓመድ ኑር ዝነበረኒ ኣኽብሮት ድማ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝበንን ገይሩዎ።

 

ሓደ ዘይርስዖ ካልእ ፍጻመ እውን ክጠቅስ እደሊ። ኣብ ባርካ ላዕላይ’ዩ፡ እታ ኣቀራራቢት ሽማግለ ስርሓ ንምፍጻም ትንቀሳቐስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ መገዲ፡ ከነዕርፍ ኢልና ኮፍ በልና’ሞ ሻሂ ኣፍሊሕና ከነዕልል ጀመርና። በራኺ፡ ነፍስሄር ሓሰን ሓመድ ኣሚር፡ ነፍስሄር ኣማኑኤል ቀሺ፥ ተስፋይ ተምነዎን ኣነን ዘጠቓለለት ሽማግለ። እቲ ዕላል ብምንታይ ከም ዝተጀመረ ኣይዝክሮን ግን ነፍስሄር ኣማኑኤል ቀሺ ብድድ ኢሉ ብሃንደበት ”ኣንታ ተበላጺ” ክብለኒ ይዝከረኒ። እሂ እንተ በልክዎ፡ ”ንስኻ ፍቕሪ ሃገር እንተ ዝነብረካ ስለምንታይ ካብ ሽወደን ተሰሊፍካ፡ ካብ ኣስመራ ምስላፍዶ ኣይምቐለለካን!” ኢሉ ነዲሩ ተዛረበ። ጉዳዩ ገሪሙኒ። ደንጽዩኒ እውን። ኣነ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ሜዳ ዝተሰለፍኩ ሰብ እየ ነይረ። ኣብ ክንዲ እንቋዕ ብደሓን መጻእካስ እዚ ኹሉ ጸርፊ? ''ስማዕንዶ ኣማኑኤል፡ ኣነን ንስኻን ብዕድመ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎና፡ ንተመክሮኻ ኣብ ገድሊ እውን ኣይዳረጎን እየ። ኣብ ክንዲ ትሕብሕበንስ ተበላጺ ክትብለኒ?” መለስኩሉ። እቶም ብጾተይ ኩሎም ገሪሙዎም ግን ብትሪ ዝተቓወሞ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ”ደሓን፡ ደሓን፡ እዚ ዘረባ’ዚ ኣየድልን እዩ” ተባሂሉ ጥራይ ተሓሊፉ።

 

ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊ ታዕሊም ገረግር ኣስመራ መተዓልምተይ ዝነበሩ ብጾት፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ነፍስሄር ተኽላይ ሓረካ፡ ነፍስሄር ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፡ ነፍስሄር የማነ ኪዳነ (ጃማይካ)፡ ነፍስሄር ገብረሚካኤል (ቀሺ)፡ ሓደ ተወልደ (ማኛ) እንብሎ ዝነበርና ካብ ጀርመን ዝተሰለፈ ተጋዳላይን ኣነን ዝሓቘፈ ነበረ። ገብረሚካኤል (ቀሺ) ኣብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ከርከበት (ባርካ) ንመምህር ምሕረትኣብ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ብዘሕዝን መገዲ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ኣነን ምሕረተኣብን ክልቴና ኣብ ቦጦሎኒ 27 ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ ኴንና ኣብ እነገልግለሉ ዝነበርና እዋን፡ ገብረሚካኤል (ቀሺ) ኣብ ትሕቴና ከም ናይ ሓይሊ ኮሚሳር ኮይኑ የገልግል ነይሩ። እቲ ኣሰቃቒ ፍጻመ ድሕሪ ናይ ሕቡእ ሰልፊ ኣኼባ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ምሕረትኣብን ጉጅልኡን ንገብረሚካኤል ብጃጃውነት ነቒፎምዎ። ብድሕር'ዚ ምሕረትኣብ ከዕርፍ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ሰለም ምስ ኣበለ፡ ገብረሚካኤል መጺኡ ብጥይት ቀቲሉዎ፣ ንነብሱ ድማ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ኣብ’ቲ እቲ ተግባር ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኣብ ዝነበረ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ድቃስ እናወሰድኩ ካብ’ቲ እቲ ፍጻመ ዝተፈጸመሉ ቦታ ሒደት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቐ ነይረ። ኣብ’ታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ተዘክሮታተይ ዘይሃስስ ኣሰር ገዲፉለይ። ተወልደ ማኛ ሃሱስ ናይ ሲ.ኣይ.አይ. ተባሂሉ ተቐቲሉ።

 

ዘይከም ናይ ሮመዳን መሓመድ ኑር ተስፋ ዘቚርጽ ዘረባ፡ እቶም ክቡራት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት (ተወልደ ኢዮብን ወልደንኪኤል ሃይለን) ኣብ ገርግር ኣስመራ (ሳሕል)፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስ ልጠና ወይ ታዕሊም ከም ዝነበርኩ ምስ ፈለጡ፡ ክበጽሑኒ መጺኦም። ምስ ክልቲኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገበርኩዎ ዕላል ባህ ዘብል ተመክሮ’ዩ ነይሩ። ናይ ምትብባዕ ቃላቶምን ክቡር ምኽሮምን ዓሚቝ ስምዒት ኣሕዲሩለይ። ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ዘሕለፍኩዎ ናይ ንእስነት ዓመታት፡ ተወልደ ኢዮብን ወልደሚካኤል ሃይለን (ወዲ ሃይለ) ከም ናይ’ቲ ከባቢ ጀጋኑ ዝፍለጡ መንእሰያት እዮም ነይሮም። ጐረባብቲ እንዳ ዓባየይ ስለ ዝነበሩ ኣጸቢቐ’የ ዝዝክሮም። ብድሕሪኡ ግን ንተወልደ ኢዮብ ኣይረኣኹዎን። መሳቶኡ ንናይ ተወልደ ኢዮብ ጅግንነት የድንቑ ከም ዝነበሩ ግን እዝክር። ምስ ወልደንኪኤል ሃይለ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዓዲ ሓውሻ ተራኺብና። እዚ ኣብ 1977 ዓ.ም. እዩ ነ ይሩ። ሓጺር ግንከ ምዉቕ ዕላል ነ ይሩ።

 

ካልእ ከይዘከርክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ኣብ ታዕሊም ከም ኣባል ናይታ ኣሃዱ (ኣሰልጣኒ) ኮይኑ ዝኣልየና ዝነበር ተጋዳላይ ፍቕረ መስፍን ነይሩ። ፍቕረ ናይ ሃረር ኣካዳሚ ምሩቕ እዩ ነይሩ። ታዕሊም ተወዲኡ ነናብ ቦታና ክሳዕ እንምደብ ካባይ ተፈልዩ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ድማ መስዩ ድፋዕ ኣብ እንወጻሉ ዝነበራና እዋን። ክሳብ ዋርድያ ንጅምር ብዙሕ ነዕልል። ኣንጺፍና ድማ ጐድኒ ጐድኒ ንድቅስ። ምስ ፍቕረ ዕላልና ብዙሕ እዩ ነይሩ። ፖለቲካ፡ ዕላል ከተማ፡ ዕላል ኤውሮጳ፡ እንታይ እሞ ክትብሎ። ልዕሊ ኩሉ ግን ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ብዕምቈት ዘላለየኒ ፍቕረ እዩ። ይመኽረኒ ከኣ። ምኽሩ መብዛሕቴኡ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ሓይልታት ምስ ከድኩ ብዛዕባ ከጋጥመኒ ዝኽእል ኩነታት ኢዩ። ኣዝዩ ጠቓሚ ድማ ነበረ። ድሕሪ ቊሩብ እዋንን ኣብ ክንዲ ዓላምየይ፡ ዓርከይ ኮይኑ። ምክብባር ዘለዎ ዕርክነት። ፍቕረ ኣዝዩ ህዱእ፡ ረዚን፡ ብሱል፡ ከምኡ እውን ሓላዪ እዩ ዝነበረ። ኣነ ካብ ሓይልታት ንሳሕል ተመሊሰ ናብ ክፍሊ ዜናን ትምህርትን ባህልን ምስ ተመደብኩ፡ ንሱ ከም መራሕ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ’ተን ኣብ ሳሕል ተመስሪተን ዝነበራ ቦጦሎንታት ከም መራሕ ሓይሊ ኮይኑ የገልግል ነይሩ። ምርኻብና ቀጺሉ፡ እቲ ጥዑም ዕላልና እውን ከምኡ። ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ውግን ናቕፋ ተሰዊኡ። ንፍቕረ ኩሉ ግዜ ብናፍቖት ይዝክሮ።

 

ቅድሚ ናጽነት፡ ምስ ኢሳይያስ ዝገበርኩዎ ናይ መወዳእታ ትርጉም ዘለዎ ርክብ ኣብ 1988 ዓ.ም. ኣባል ኣሰናዳኢ ቦርድ ውሽጣዊት መጽሔት ሓርበኛ ኮይነ የገልግል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ግዜ'ቲ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ኤርትራውያን ውድባት ብዝምልከት ንዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ቃለ መሕትት ከግብር ዕማም ተዋሂቡኒ። ድሮ'ቲ ቃለ መሕትት ዝካየደሉ መዓልቲ፡ ምስ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ተመርዕዩ ኣብ ሕጽኖት ዝነበረ ተስፋሚካኤል ገብረመድህን (ሸሪፎ) ዝበሃል ዓርከይ ድራር ተዓዲመ። ኣነን ተስፋሚካኤልን ብዓልቲ ቤቱን (ኣኽበረት ጓል ባድረ) ድራር ምስ በላዕና፡ ኢሳይያስ ምስ መሰየ መጺኡ ኣብ’ቲ መስተ ተጸንቢሩና። ኢሳይያስ ክድረር ሓቲቱ ድዩ ኣይሓተተን ኣይዝክሮን እየ። ኢሳይያስ ብነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተሰንዩ እዩ መጺኡ። የማነ ገብርኣብ እውን ጸኒሑ ተጸምቢሩና። ኣብ’ዚ እዋን'ዚ፡ ተስፋሚካኤል ኣብ ናይ ህግደፍ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ይርከብ። ኣብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኢዩ ብኣባላት ጸጥታ ዝተወስደ።

 

ኣብ’ቲ ድራር፡ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ንየማነ ገብረኣብ፡ ንሱን ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ኣ ብ ኣ መሪካ እ ንከሎዉ ማ ርክሳዊ ሰ ልፊ ን ምቛም ዝ ነበሮም ዕ ላማ ብምጥቃስ ኣሽካዕሊሉሉ። የማነ ህድእ ብዝበለ መገዲ ነቲ ጉዳይ ሸለል ክብሎ መሪጹ። ናይዝጊ ንዓይ እውን በቲ ኣብ ሽወደን ዝነበረኒ ናይ መንእሰይ ህይወተይ እናልዓለ ከላግጸለይ ጀሚሩ። ኢሳይያስ ግን ብቐጻሊ ናይዝጊ ንዓይ ኣብ ዝትዂትዀኒ ዝነበረ እዋን ዘረባ ከቋርጽ ይምሕጸኖ ነይሩ።

 

ይኹን’ምበር፡ እቲ ዕላል ዘይተጸበናዮ ኣንፈት ክሕዝ ጀሚሩ። ኢሳይያስ ሰኺሩ ከም ዘይነበረ’ኳ አ ረጋግጽ፡ እንተ ኾነ ግ ን ነ ቶም ኣብ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ዝ ተሳተፉ ብ ጾቱ ክቐትል ከ ም ዝ ደፋፉኡዎ ብምሕባር ነቲ ዘረባ ክደጋግሞ ጀመሩ። ”ንብጾተይ ክቐትል ኣገዲዶሙኒ” እናበለ ድማ ክዛረብ ጀሚሩ። እዚ ኑዛዜ’ዚ ኣዝዩ ኣሰንቢዱኒ፣ ኢሳይያስ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ቅድሚ ሓደ ኣብ 1976 ዓ.ም. ዝገለሎን ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝለኣኾን ሰብ (ኣነ) ከም’ዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ክህብ ከም ዝመረጸ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። እዚ ንዓይ ክሳዕ ሎሚ ምስጢር ወይ እውን ሕንቅሊተይ ኮይኑኒ ኣሎ።

 

እዞም ጠባያት (ናይ ጣዕሳ ጠባያት) እዚኣቶም ዋላ እውን ኣብ’ቲ ድሕሪ’ቲ ናይ 2001 ዓ.ም. ዘጋጠመ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጥ ምንቅስቓስ እውን ኣንጸባሪቑ እዩ። ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ፍጻመ’ቲ ዝወዓሉ ሓደ ሰብ ከም ዘዕለለኒ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ እንዳ ዓርኩ (ዓብደላ ቀላቲ) ከፍጥር ኢሉ መጺኡ (እዋን ጾመ ሮመዳን)። መስዩ እዩ ነይሩ፡ ዓሊ እውን ቁሩብ ጥዒሙ’ዩ መጺኡ። እቲ ዕላል እናመቀረ ምስ ከደ ሃንደበት፡ “ምስ ክንደይ ጀጋኑ ንሰርሕ ኔርና፡ ሕጂ ምስ ወኻሩ ተሪፍና፡” እናበለ ክዛረብ ጀሚሩ።


2.2 ኣብ ፖለቲካዊ ተነጽሎ፡ ማሕበራዊ ምግላል፡ ስም ምጽላም ዘለዎ ህይወት ምንባር ከመይ ይመስል?

 

ብኢሳይያስ ካብ ዝግለል ጀሚረ ብቐጻሊ ብካድረታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ጸኒሑ ድማ ብህዝባዊ ግንባር ብናይ ጥርጣረ ዓይኒ ክርአ ጀሚረ። ዝተመደብኩሉ ናይ ስራሕ ቦታ ብዘየገድስ፡ ሰባት ሓደ ካብ’ቶም ተረፍ መረፍ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ምዃነይ፡ ስለ’ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ክህሉ ከም ዘሎኒ ብምስጢር ብኣባላት’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ይሕበሮም ነበረ። ክብደት ናይ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ንሃገሩ ብተወፋይነት ኣድላዪ መስዋእቲ ክኸፍል ፍቓደኛ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ዝቐንዐ ጥርጣረን ምክትታልን፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ እዩ ነይሩ። ናይ ስም ምጽላም ጐስጓሳት እውን ልሙድ ኮይኑ ነበረ። ኣብ 1978 ዓ.ም. ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ (ሃብተማርያም ተኽለ፡ ብ'ደብተራ’፡ እውን ይፍለጥ’ዩ) ንሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይን መትዓብይተይን ካባይ ክርሕቕ ከም ዘለዎ ብተደጋሚ ይሕብሮ ነይሩ። እቲ ዓርከይ ብሰንኪ’ቲ ምሳይ ዝነበሮ ምቅርራብ ብዙሕ ሽግር ረኺቡ። ያኢ! ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ምኻድ ከም መቕጻዕቲ ተቘጺሩ ብርክት ዝበሉ እዋናት ምፍርራሕ በጺሑዎ። እቲ ዓርከይ፡ ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ፡ ድሕሪ ናጽነት’ዩ ነጊሩኒ።

 

ብዛዕባ ህላወ'ቲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝሰርሕ ዝነበረ ሕቡእ ወይ ድማ ምስጢራዊ ሰልፊ ብመገደይ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣባላት ሰልፊ፡ ንምንቅስቓሰይ ብቐረባ ክዕዘቡ መምርሒ ተዋሂቡዎም። ኣባላት ሰልፊ ዝገብሩዎ ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን ብጥንቃቐ ዝተሓዝ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ብርጌድ 31 ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይነ የገልግል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እቶም ኣባላት፡ ምስጢራዊ ኣኼባታት ክገብሩ ሓሓሊፈ ይዕዘብ ነይረ። ሓደ መዓልቲ፡ ተኽላይ ሃብተስላሴ ዝኣልዮ ብምሉኦም ኣባላት ሰልፊ ዝተረኸቡሉ ኣኼባ ኣጓኒፉኒ። ተረኣኢና ስቕ ስቕ ኮይኑ።

 

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ብርጌድ 44 ኮምሽነር ቦጦሎኒ ኮይነ እሰርሕ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ መሳርሕተይ ዓሊ ማንጁስ (ኣዛዚ ቦጦሎኒ) ብሸለልትነት ኣብ ጣውላ ዝገድፎም ዝ ነበረ ናይ’ቲ ሰልፊ ደብዳበታት ይርኢ’ሞ ከም ዘይርኤኹ ይሓልፎ። ስቕ ምባል ድማ መሪጸ። ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ብኣጋጣሚ ምርካብ እውን ዘይተለምደ ኣይነበረን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይተሓስበ ሰዓታት እዮም ዝእከቡ። ንኣኼባታት ሰልፊ ብለይቲ ካብ ድፋዕ ክወርዱ ከለዉ ዝረኽቦም ተጋደልቲ ነይሮም። ተረኣኢኻ ስቕ እዩ እቲ ነገሩ።

 

ሓደስቲ ዝተመልመሉ ኣባላት ሰልፊ፡ ንውድብ ዘለዎም ተኣማንነት ንምርኣይ መሳርሒ ብምዃን ኣንጻረይ ክሰርሑ ይተባብዑ። ከም’ቲ ነቶም ፍሉይ ሓለፋ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ ዝወሃቦም ናይ ሓበሬታ ምርካብ ዕድል ኣይትረክብን። ዝኾነ እተቕርቦ ሕቶ ከም ም ህንጣይ፡ ሓበሬታ ክትረክብ ከም ምድላይ ኮይኑ ይርአ። ንመርገጺ ሰልፊ ከም ምብዳህ ኮይኑ ድማ ይውሰድ። ሓደ ሓደ ግዜ ርእይቶ ኣብ እትህበሉ ግዜ እውን ከም ኮነ ኢልካ ንሰልፊ ምጽራር ኮይኑ ይጽብጸብ። እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሳዕቤን ይህሉዎ። ምስ ብጾትካ እ ትገብሮም ዝ ምድናታት ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ክትትል እዮም። ይከታተሉኻ ከም ዘለዉን ጸብጻብ ክህቡ ምዃኖምን እውን ከም ርዱእ ጌርካ ክትወስዶ ኣሎካ።

 

ምስ መን ከም እተዕልል፡ ምስ መን ከም ዝተራኸብካ፡ እንታይ ከም ዝበልካ ኩሉ ከም ጸብጻብ ይቐርብ። ለይትን መዓልትን ድማ ብዛዕባኻ ክዝትዩ የሕልፉዎ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታትካ ጣልቃ ይኣትዉ። እዚ ተግባራት'ዚ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሎኒ ኣረኣእያ ካብ ምግላጽ ተቖጢበ ኣይፈልጥን። እቲ ዘገርም፥ ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብግርህና ዘዕለልካዮ ሓሊፉ ይጸንሓካ። ሓደ ግዜ ገለ ገለ ኣባላት ክፍሊ ትምህርቲ (እቲ ፍጻመ ኣብ ዜሮ ዝተባህለ መዓስከር’ዩ ነይሩ) ብዛዕብ ኣመሰራርታ ሰልፊ ሓቲቶምኒ። ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ድማ ናይ ቬትናም፡ ሩስያን፡ ቻይናን፡ ካምቦድያን ዝኣመሳሰሉ ተመክሮታት ከም ኣብነት እናጠቐስኩ ሰፊሕ መብርሂ ሂበዮም። ንኣቀዋውማኦምን ውድባዊ ቅርጾምን ብዝምልከት እውን ኣብሪሀ። ዝገረመኒ ነገር እንተሎ፡ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት፡ በራኺ ገብረስላሴ (ሽዑ ሓላፊ ጨንፈር ትምህርትን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን) ኣኼባ ጸዊዑ ንኹሎም እቶም ኣብ’ቲ ዕላል ዝነበርና ሰባት ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተዛረብና ብዝርዝር ክንገልጸሉ ሓቲቱና። ብቐንዱ ድማ ንዓይ። ኣነ ኸኣ ከም ዘለዎ ኣቕሪበሉ። በራኺ እቲ ዝደልዮ ረኺቡ ኣፋንዩና። ንዓይ ግን እዛ ፍጻመ እዚኣ ኩሉ ግዜ’ያ ትገርመኒ ነይራ። በራኺ ከም ኣባል ሰልፊ መጠን ጸብጻቡ ኣተሓላሊፉ ማለት እዩ።

 

ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ውሽጢ ቦጦሎኒ ንዝርከቡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዝሓቊፍ ሕቡእ ኣኼባታት ሰልፊ ይካየድ ነይሩ። እዚ ፍጻመታት'ዚ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ንእሽቶ ኣሃዱ ይወሃብ እሞ፡ ኣብ መስመር ጸላኢ ወይ ብድሕሪ መስመር ጸላኢ፡ ናይ ዳህሳስ ተልእኾታት ክመርሕ ዕማም ይወሃበኒ። እቲ ዕላማ ብሩህ ኢዩ። ካብ’ቶም ኣኼባታት ከም ዝርሕቕ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ሓደ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ፡ ኣብ ዞባ ባርካ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብንጥፈት ኣብ ወተሃደራዊ ግጭት ተዋፊርና እንከለና’ዩ ኣጋጢሙ። ሽዑ ይዝከረኒ ፍሊጶስ ወልደሃንስ (ኣዛዚ ብርጌድ 44) ካብ ሳሕል ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ቦታ መጺኡ። መጀመርያ ንኣባላት ሰልፊ ክረክብ ስለ ዘለዎ ድማ ኣነ ንስለያዊ ተልእኾ ተባሂሉ ካብ’ቲ ዓስኪርናሉ ዝነበርናሉ ቦታ ከም ዝእለ ተገይሩ። ካልእ ድማ ኣብ ብርጌድ 44 የገልግል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዘጋጠመ እዩ። እዚ እውን ንተመሳሳሊ ምኽንያት።

 

ሓደ መዓልቲ (እዚ ድሕሪ 1991 ዓ.ም. እዩ ነይሩ)፡ ኣነን ተስፋማርያም ተኸስተን (ወዲ ባሻይ) ኣብ ባር ሮያል ኣስመራ ቡን እናሰተና ኣብ ዕላል ተጸሚድና ኔርና። ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ምቅርራብ ኔሩና። ሽዑ ተስፋማርያም ብሃንደበት፡ ስምካ ናብ ሓንቲ ካብ’ተን ሕቡኣት ዋህዮታት ናይ’ቲ ውድብ ሰልፊ ምስ ቀረበ፡ ስለምንታይ ኣባል ሰልፊ ክትከውን ከም ዘይተደለኻ ትፈልጥዶ ብምባል ሓተተኒ። ምንም ኣፍልጦ ከም ዘይብለይ ገሊጸሉ። ብድሕር'ዚ ከም’ዚ ክብል መለሸ፡ "ሓደ ዓዃይ፡ ሰመረ ሰሎሞን ኣብ ማርክስነት ስለ ዘይኣምን ኣባል ሰልፊ ክኸውን ኣይበቅዕን'ዩ ብምባል ተቓዊሙካ ስሙ ከኣ እከለ እዩ” ኢሉኒ።

 

ካልእ ፍጻመ ኣብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ባርካ ኣብ መንጎ ህ ዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤ ርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጽዕጹዕ ሓድሕዳዊ ኲናት ዘጋጠመ እዩ። እዚ፡ ኣብ ማእከል'ዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ፡ ማለት ኣሕዋት በቲ ንናይ መራሕትና ጥሙሕን ኣነነትን ጉጅላዊ ረብሓን ክንብል ኣብ ኲናት ተጸሚድናሉ ዝነበርና ዘሕዝን እዋን’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ወተሃደራዊ ረጽምታት፡ ምስ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ ከምኡ እውን ኣባል ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ምስጢራዊ ሰልፍን ዝነበረ ብጻይ (ወዲ ተካ) ናይ ቀረባ ምሕዝነት መስረትና። በቲ ኣብ’ቲ ውግእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረይ ዝነበረት ቦጦሎኒ ዘርኣየቶ ፍጥነትን ቅልጣፈን ትብዓትን ኣዝዩ ተመሲጡ ነበረ። ምሕዝነትና እናዓበየ ከደ፡ ይኹን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ኣባል ናይ’ቲ ሕቡእ ውድብ ምዃነይ ንምፍላጥ ሓተተኒ። ከም ዘይሰማዕኩ መሲለ ንሕቶኡ ጐስየዮ ሓለፍኩ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ክርሕቐኒ ጀመረ፣ ቅርበትና ድማ ነከየ። ኣባል ሰልፊ ከም ዘይኮንኩ ፈሊጡ ክኸውን ነይሩዎ ዝብል ጥርጣረ ኣሕዲሩለይ። ነቲ ዝገበርናዮ ዕላል ንመሳርሕቱ ምስ ዘካፍል፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ነይሩ፡ ብኡ ምኽንያት ድማ ይኸውን ካባይ ክርሕቕ ዝመረጸ። ወዲ ተካ ምስ ህወሓት ተሓባቢርካ ብዝብል ክሲ ካብ ዝስወር ሓያለይ ኮይኑ። ብህይወቱ ዘሎ እውን ኣይመስለንን።

 

ሕጂ ክሓስቦ እንከለኹ ሓደ ዘስሕቕ ዝመስል ግንከ ዘገርም ፍጻመ እውን ኣጋጢሙኒ። ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝቐጸለ ናይ 1980 ዓ.ም. ኲናት፡ ተጋድሎ ሓርነት ለቒቖምዎ ዝኸዱ መዓስከሮም፡ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፎም ወግዓዊ መጽሔት ረኺበ። ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር “ነጸብራቕ” እያ ስማ። ከንብባ ከለኹ ዝተዓዘቡ ኣባላት ሕቡእ ሰልፊ ሕሹኽሹኽ ክብሉ ተዓዚበ። ኣነ ግን ከም ዘየተውዓልኩሎም ኮይነ ምንባበይ ቀጸልኩ። ኣንቢበ ድማ ኣብ ሻንጣይ ኣእተኽዋ። ካብ’ቲ ዓሪፈሉ ዝነበርኩ ቦታ ሻንጣይ ገዲፈ ንሓጺር እዋን ተኣለኹ’ሞ ጽንሕ ኢለ ምስ ተመለስኩ እታ መጽሔት ተሰሪቓ ጸኒሓትኒ። ኣይተኸታተልክዋን ድማ። ንፍሉጥ ምኽንያታት።

 

ሓደ ምሸት፡ ናጽነት ምስ ተረኽበ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ንዓይን ንኻልኦት ክልተ ብቐረባ ዝፈልጠና ብጾትን (ኣስማቶም ብፍላጥ ዝተሳሕበ) ናብ ገዝኡ ንድራር ዓደመና። እቲ ዕላል ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘተኮረ ነበረ። ዕላል ምስ ቐይሲ ጥዑም እዩ። ብኣተሓሳስባ ናጻ ስለ ዝኾነ ይፈዂሰካ። ነቲ ዕቱብ ዕላል ዋዛ ስለ ዝሕውሰሉ ድማ መቐረት ይህሉዎ። እናሻዕ ድማ ያ ጀምዓት ኣል ኼር እናበለ ዘይተጸበኻዮም ሓበሬታት ወይ ምስጢራት የካፍለካ። እናመሰየ ምስ ከደ፡ ሓደ ካብ’ቶም ክልተ ኣብ’ቲ ድራር ዝተዓደሙ ብጾት (ኣስማቶም ብፍላጥ ዝተሳሕበ) ኣብ’ቲ ግዜ ገድሊ ኣብ ልዕለይ ክቱር ጽልኢ ከም ዝነበሮ ብ ግልጺ ገለጸለይ። እቲ ዘገርም ወዲ ኣሃዱየይ እውን ኣይነበረን። ቊሩብ መስተ ኣሰኒፍዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ስለምንታይ ኢለ ምስ ተወከስኩዎ ድማ ንኽጸልኣኒ ካብ’ቲ ውድብ ንጹርን ቀጥታውን መምርሒ ከም ዝተዋህቦ ኣግሃደለይ። ልክዕ ቃላቱ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፥ ”ውድበይ ከምኡ ስለ ዝበለትኒ”። "እሞ እቲ ውድብ ከምኡ ክትገብር ስለ ዝኣዘዘካ ጥራይ ኢኻ ጸሊእካኒ?" ብምባል ስምባደይ ገለጽኩሉ። እቲ ዘይንቕነቕ መርገጺኡ ተስፋ ዘቚርጽ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ብተግባራቱ ጣዕሳ ከም ዘይብሉ ብንጹር ገሊጹለይ። ተስፋ ቘሪጸ። ከምኡ ዝኣመሰሉ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ውልቀ ሰባት (12+5+2) ክነሶም ንዓይ ብምውጋን ዓይኖም ሸፊኖም ነቲ ናይ’ቲ ሰልፊ ምኽርታት ዝሰምዑ ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢረዮ። ከም ግብረ-መልሲ ናይ’ቲ ንዕቀቱ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢለዮ፥ "ሓደ መዓልቲ ውድብካ ሕርሕራይ ገይሩ ክገብረልካ እዩ።” በቲ ዘረብኡ ኣዝየ ስለ ዝተቘጣዕኩ ድማ ብሃንደበት ተንሲአ ንግዳም ወጺአ። ኣይተመልሰኩን ድማ። ብኡ ኣቢለ ንገዛይ ከድኩ። ልክዕ ከም’ቲ ዝተተንበኹዎ፡ እቲ ውድብ ብሓቂ ጠሊሙዎ እዩ። ጸኒሕና ግን፡ ኣነን ንሱን ኣዕሩኽ ኴንና። እዚ ፍጻመ’ዚ ሓደ መሰረታዊ ነገር የቃልዕ። ይትረፍዶ ሓረስቶትን ካልኦት መንቋሕቋሕታ ዘይብሎምን ብጾት፡ እቶም ምሁራት ኢና ዝብሉ እውን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጠባይ የርእዩ (ምስ ኣዒንቶም እንከሎዉ ዝዓወሩን ኣሜን በሃልትን፡ ኮነ ኢሎም ዝ ጋገዩን) ከም ዝ ነበሩ’ዩ ዘርኢ። አረ እንሓንሳእሲ ሰውራውያን ምእንቲ ክበሃሉ ብማለት ነቶም ንዕኦም ዝመስሉ ምሁራን ክቕጥቕጡ ዝውዕሉ ነይሮም እዮም።

 

ሓደ ካብኦም እስጢፋኖስ ስዩም እዩ። ኣነ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምክትታል ክግበረለይ ከም ዘለዎ ንገለ ሰባት መምርሒ ከም ዝሃበ ይፈልጥ። ካብ’ቶም ክከታተሉኒ መምርሒ ዝተዋህቦም ሰባት’ዩ ድሒሩ ገሊጹለይ። ሓደ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣባላት ናይ’ቲ ኣሃዱ ብድኹም ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ነቒፈዮ። ኣባላት ሰልፊ እውን ኣይተኸላኸሉሉን። ብድሕሪኡ ምስ እስጢፋኖስ ስዩም ሰላም ናይ እግዚሄር እውን ኣይነበረናን። እስጢፋኖስ ስዩም ሓደ ካብ’ቶም ምስ’ቲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ ተዳጒኑ ዝርከብ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር እዩ።

 

ሓደ ካልእ ኣጋጣሚ እውን ክጠቅስ እደሊ። ኣብ ሕሽክብ ዝብሃል ቦታ (ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል) ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳርን ክፍሊ ሓለዋ ሰውራን ጐረባብቲ ኢና ኔርና። በዚ ድማ፥ ኣባላት እቶም ክልተ ክፍልታት ኣብ ከም ስፖርትን ካልኦት ናይ ም ዝንጋዕ ንጥፈታትን እናሻዕ ንራኸብን ነዕልልን ነበርና። ኣብ’ዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣማኑኤል ልጃም እዩ። ከምኡ እውን ተስፋልደት ሚካኤል። ነዞም ርክባት’ዚኣቶም ዝተዓዘበን ዝከታተል ዝነበረን ናይ’ቲ ሽዑ ሓላፊኦም (ተወልደ ዓንዱ) ጸዊዑ ንኣማኑኤል (እንተ ዘይተጋግየ እውን ንወዲ ሚኪኤል) ምሳይ ንዝነበሮ ርክብ ከም ዝሓተቶን ካባይ ንክርሕቕ ከ ም ዝሓበሮን ኣማኑኤል ኣ ዕሊሉኒ። እዚ ተግባር’ዚ ንተወልደ ዓንዱ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ኣይነበረን። ምዕባይ ሓወይ (ኪዳነ ሰሎሞን) ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ክሳተፍ ንሳሕል ምስ ወረደ፡ ሓውኻ ናይ 1973 ዓ.ም. (መንካዕ) ምንቅስቓስ ተደናጋጻይ እዩ፡ ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ ድማ ኢሉዎ።

 

ንኣባላት ሰልፊ ምንቃፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሳዕቤን ነይሩዎ። ከይትነቕፎም ዝድርቱ ነገራት እውን ነይሮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ብርጌድ 4 ግዴታኡ ክፍጽም ብዘይ ምኽኣሉ ዘጋጠመ እዩ። ምሳና ጐድኒ ጐድኒ ከጥቅዕ ዝነበሮ፡ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ደንጕዩ ኣርኪቡና። ነዚ ጉዳይ ኣብ ዝሰፍሐ ኣኼባ ከልዕሎ ብምሕሳብ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ምስ ኣዛዚ ብርጌድ 31 (ብረራይ) ተማኺረ። እንተ ኾነ ግን እቲ ጉዳይ ድሮ ፍታሕ ከም ዝረኸበ ተሓቢረ። እዚ ተግባር’ዚ ንገለ ኣብ ብርጌድ 4 ዝነበሩ ኣባላት ሰልፊ ንምክልኻል ዝዓለመ ይመስል።

 

ምስ ቦጦሎኒ 27 ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብደረጃ ቦጦሎኒ ዝተወደባ ኮሚቴታት (ናይ ምምሃርን ምጽሓፍን ምንባብን/ናይ ትምህርቲ፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ እውን ኮሚተ ድፋዕ) ብምትእትታው፡ ጸጋታት ቦጦሎኒ ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ንምብጻሕን ብቕዓት ንምዕባይን ኣበርቲዐ ሰሪሐ። እዚ ኣገባብ ኣሰራራሓ'ዚ ክሳብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ካልኦት ግንባራት ከም ግንባር ናቕፋ ተሰጋጊሩ። ቅድሚ ናብ ብርጌድ 44 ምስግጋረይ፡ ኣዛዚ ብርጌድ 31 ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ብዝነበረኒ ልዑል ናይ ምውዳብ ክእለተይን ጅግንነተይን ንኢዱኒ። ይኹን’ምበር፡ በይነይ ምዃን ደስ ይብለኒ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ንጹል ኢኻ ኔርካ ንምባል’ዩ ያኢ! እዚ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን (ንሱን መሳርሕቱን ዝኾኑ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ኣባላት እዮም ዝርሕቑኒ ነይሮም)። ንሱ ድማ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ምስ ተኽላይ ዝነበረኒ ፍልጠት ካብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ተራ ኣባላት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ኢዩ ጀሚሩ። ቅድሚ ናብ ብርጌድ 44 ምጽንባረይ፡ ንተኽላይ ብዛዕባ እቲ ዝጽንበሮ ዝነበርኩ ኣሃዱ ክሕብረኒ ሓቲተዮ። ተኽላይ፡ ብዛዕባ ፍሊጶስ ወልደሃንስ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ግን ሓቢሩኒ።

 

ኣብ’ዚ ኦርዌላዊ ክውንነት'ዚ፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ምክትታል ኩነታት’ዩ ዝነብር። ነፍስ ወከፍ ምንቅስቓሱ እውን ይስለ። ኣባላት’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ተወዲቦም እዮም ናብ ኣኼባ ዝመጹ፡ ዘልዕሉዎም ኣርእስታት ኣቐዲሙ ይንገሮም፣ ኣብ ኣኼባታት ዘይሰዓር ሓይሊ ይፈጥሩ፣ ንዝኾነ ዝተዘርበ ቃል ንምውቃዕ ድሉዋት እዮም። ነቲ ተዛራባይ ብዘይ ዕረፍቲ ነቐፌታ የዝንቡሉ። እቶም ንጹሃት ኣባላት ግንባር ከይተረፉ፡ ምሳኻ ከየዕልሉን ከይራኸቡን የጠንቅቕዎም ነበሩ።

 

ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ኣባላት፡ ምስ ዝኾነ ኣባል ግንባር ንዝነበረኒ ርክባት ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዮም ዘእትዉዎ። ሓደ መዓልቲ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ኣዛዚ ብርጌድና፡ ንዓይ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ም ስ ነ ፍስሄር ኣ ድሓኖም ገብረማርያም ዘሎኒ ዝምድና ሓቲቱኒ። ነፍስሄር ኣድሓኖም ኣብ ብርጌድ 23 ናይ ብርጌድ ኮሚሳር ኮይኑ’ዩ ዘገልግል ነይሩ። ኣብ ናይ ክልተ ሰሙን ናይ ካርቶግራፊ ኮርስ ብሓባር ንሳተፍ ስለ ዝነበርና ድማ ጽቡቕ ነዕልል ኔርና። ን ተኽላይ፡ ምስ ኣድሓኖም ምዃን ከም ዘሐጉሰኒ፡ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ምዕላል ደስ ከም ዝብለኒ፡ እቲ ዕላል ድማ ኣእምሮ ዘብልሕ ከም ዝኾነን ገሊጸሉ። ንሱ ግን፡ ኣድሓኖም ኣብ’ቲ ውድብን መሪሕነቱን ጽቡቕ ተቐባልነት ስለ ዘይነበሮ፡ ካብኡ ክርሕቕ መኺሩኒ። ምስ ኣድሓኖም ነዕልል ከም ዝነበርናን ተኽላይ ሓበሬታ ዝሃቡዎ ብዓል መን ከም ዝኾኑ ጥርጣሬታት ኣሎኒ። ኣብ ምጽንጻን ክኣቱ ግን ኣይደልን። እንተ ኾነ ተኽላይ ምኽሪ ይሃበኒ እምበር፡ ምስ ኣድሓኖም ዝነበረኒ ዝምድና ኣየቋረጽኩዎን፡ ምስኡ ካብ ምዕላል እውን ፈጺመ ኣይተቖጠብኩን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ፡ ኣድሓኖም ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ'ዚ ኣካፊለዮ። ሽዑ ድሮ ኣባል ሰልፊ ኮይኑ ነይሩ እዩ። እቲ ኩነታት ከም ዘሕዘኖ ግን ገሊጹለይ። ብዛዕባ ካልኦት ክዛረቡኻ ዘይሓፈሩ፡ ብዛዕባኻ ብድሕሬኻ እንታይ ከም ዝበሃል ንምእማት ኣየሸግርን እዩ።

 

ብኣንጻር’ቲ ተኽላይ ሃብተሰላሰ ኣብ ልዕለይ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ነፍስሄር ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣባይ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ ነፍስሄር ኣድሓኖም ኩሉ ግዜ ይነግረኒ ነይሩ። ኣብ እዋን ኣኼባታት ኣዘዝቲ ብርጌድ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ ብዛዕባይ ብኣሉታዊ መገዲ ክዛረብ እንከሎ፡ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ብቐጻሊ ይከላኸለለይ ከም ዝነበረ ኣዘንትዩለይ። "ሰመረ ሰሎሞን ጅግና እዩ፣ ብዛዕባኡ ሕማቕ ምዝራብ ተብዝሖ ኣሎኻ፡'' ይብሎ ከም’ዝነበረ ኣድሓኖም የዘንቱ።cxxv ምናልባት ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ መጥቃዕቲ፡ ምስ ብርጌዱ ካብ ዝገበርክዎ ምትሕብባር ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣብ’ቲ እዋን'ቲ፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሕጂ ብርጋዴር ጀነራል ዘሎ፡ ልክዕ ከማይ ናይ ቦጦሎኒ ኮሚሳር ኣብ ብርጌድ 4 ኣብ ትሕቲ ም ምሕዳር ነ ፍስሄር ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ትእዛዝ ውጩ ይ ሰርሕ ነይሩ። ተኽለ ማንጁስ ቦጦሎኒየይ ኣብ ምሉእ’ቲ መጥቃዕቲ ብዘርኣየቶ ዝነኣድ ኣፈጻጽማ ቀጻሊ ናእዳን ኣድናቖትን ይገልጽ ነይሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ነፍስሄር ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ንእሽቶ ሓወይ ኣብ ዝራኸበሉ ዝነበረ እዋን "ሓውኻ ጅግና እዩ፣ እንታይ'ሞ ገዲፉና እንዶ ከይዱ" ይብሎ ነበረ። እዚ ድማ ናብ ሕቡራት ሃገራት (United Nations) ክጽንበር ከም ዝኸድኩ ምስ ሰምዐ እዩ።

 

ምዕራፍ 5 ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ናይዛ መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምንዳፍ ሓድሽ መምርሒ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ብዝምልከት ኣንጻር ሓያሎ ኣባላት ሰልፊ ዝነበረኒ መርገጺ ብሰፊሑ ገሊጹዎ ኣሎ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምንጻር ፍልስፍናዊ መሰረታት ናይ’ቲ ግንባር’ዩ ነይሩ። እቲ ሕቶ፡ ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘስርሓና ኣብ ዝብል ክትዕ ዝተመስረተ’ዩ ነይሩ። ጽኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይን መትከላተይን ክሳዕ’ቲ ባዕሉ ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ውድብ ኣብ’ቲ ጉዳይ ምትእትታው (intervention) ዝገብር፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ይቃወሙኒ ነይሮም እዮም። እቲ ዝገርም፡ ኣብ 1989 ዓ .ም. ብመምርሒ ናይ’ቲ ሕቡአ ሰልፊ፡ ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ብጃምላ ንኣባልነት ሰልፊ ክሕጸዩ ከለዉ፡ ሰመረ ሰሎሞን ኣብ ማርክስነት ኣይኣምንን’ዩ እናተባህለ ስመይ እውን ክለዓል ኣይፍቀድን ነይሩ።

 

ሓደ መዓልቲ፡ ውልቀ መላኺ ሮማንያ፡ ኒኮላ ቻውቸስኮ ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ ምስ ሰማዕኩ ተሓጒሰ ከም ዝነበርኩ እዝክር። ብሓቂ ድማ ተሓጒሰ ነይረ እየ። ድሕሪ ቊሩብ መዓልታት፡ ሓደ ሰብ፡ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናብ ዓምበርበብ ኣብጺሑዎ። እዞም ፍጻመታት ንኣሽቱ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፡ እቲ መሰረታዊ መልእኽቲ ግን ርእይቶይ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዝነበረ’ዩ ዘርኢ። ንኻልኣዊ ግርጭታት ብደሞክራስያዊ ዘተ ንምፍታሕ ብምእማነይ ከምኡ እውን ምስ ሰዓብቲ ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም. ምርድዳእ ክግበር ርእይቶ ብምሃበይ ህይወተይ ንዘልኣለማዊ ንሓደጋ ትቃላዕ ነይራ።

 

እዚ ዲስቶፕያዊ (መከራ ዝሰፈኖ ኩነታት) ንነፍስ ወከፍ መዳይ ናይ ህይወትካ ብጥብቂ ይከታተሎ - ካብ ዕርክነት ክሳዕ ምምራጽ ዓርኪ። እዚ ምግናን ኣይኮነን። ኩሉ’ቲ ንሓደ ዕላማ ኢልካ እተርእዮ ዘይሕለል ተወፋይነት ኣብ ቀጻሊ ምልክት ሕቶን ጥርጣረን ይኣቱ። መወዳእታ ዘይብሉ ንእምነትካን ተግባራትካን ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ብድሆ የጋጥመካ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓለም፡ ናይ ተመሳሲልካ ምኻድ ባህሊ ይጥለብ፡ ተቓውሞ የቕጽዕ፡ ውልቃውነት ድማ ኣብ’ቲ ንስነ ሓሳባዊ ዕብለላ ዝግበር ዘይሕለል ቃልሲ ከም ሓደገኛ ረቛሒ ይቚጸር።

 

ብርጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ምስ ኣንቶንዮ ተስፋይ ኣብ ተለቪዥን ሰነድ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብቐረባ ተኸታቲልኩምዎ እንተ ዄንኩም፡ ኣዝዩ ዘገርም ነገር ትዕዘቡ። ገብረሂወት ወዲ ሓምቢርን ተኸስተ ሃይለን ከመይ ገይሮም ኣብ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ከም እተመልመሉ ምገረመኩም። ነፍስሄር ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ብብውልቆም ጸዊዑ፣ ንክልቲኦም፡ ውድባዊ እምነቶም ስለ ዝተረጋገጸ ኣባላት ሰልፊ ክኾኑ ከም እተሓጽዩ ሓቢርዎም። ኣብ’ቲ ዝተመልመሉሉ እዋን፡ ነፍስ ወከፎም ንልዕሊ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓ መታት ኣገልግሎቶም ነቲ ውድብ ዝወፈዩ ነበሩ - ወዲ ሓምቢርን ተኸስተ ሃይለን ብ 1972ን 1973ን ዓ .ም. እዮም ናብ ህዝባዊ ሓ ይልታት ዝተጸምበሩ።

 

ብምኽንያት’ቲ ንነዊሕ እዋን ብተወፋይነት ዝገበሩዎ ኣገልግሎት፡ ብስረኦም ኣብ ውሽጢ’ቲ ወተሃደራዊ ስርዓተ ኣርከን እውን (heirarchy) ናብ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ሓላፍነታት (ኣዘዝቲ ብርጌድ) ደይቦም ነይሮም። ክልቲኦም ኣብ’ቲ ውድብ ዝነበሮም ተኣማንነት ከም ዝተረጋገጸ ግን ድሕሪ 17ን 18ን ዓመታት እዩ ዝንገሮም ዘሎ። ከም’ዚ ዝበለ ውርደት ቀሊል ኣይኮነን። ንኽትቅበሎ እውን ኣሸጋሪ እዩ። ኩሉ'ቲ ቅድሚ ናብ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ምጽንባርካ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከንቱ ከም ዝነበረ’ዩ ዝሕበረካ ዘሎ። ምኽንያቱ ድማ ኣባል ሰልፊ ኣይነበርካን። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ንሓደ ሰብ ነብሰ ቅትለት ክሓስብ ኣይደፋፍኦንዶ? እዚ ብውሕዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቊስሊ፡ ከም ጨው ምንስናስዶ ኣይቊጸርን?

 

ነፍስሄር ወርቁ ዘርኣይን መሰልታን (ሓው ንሙሴ ተስፋንኪኤል ኣልኣዛር ክጥቀስ ይከኣል)፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክጻወርዎ ዝነበሮም በዳሂ ህይወት እስከ ንርአ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ህዝባዊ ግንባር ብቐጻሊ ግዳይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮይኖም ጸኒሖም። ንኹሉ ኣባል ውድብ፡ ብዛዕባ "ክሕደቶም" ንህግሓኤ ካብ ውሽጡ ን ምድኻም ዝ ገብሩዎ ዝነበሩ ዘይሕለል ጻዕርን ክፈልጥ የገድዱዎ። እቲ በዚ ዝተሰብከ ኣባል ውድብ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነዞም ሰባት እዚ’ኣቶም ከመይ ገይሩ ከም ዝርእዮም ንምግማት ኣሸጋሪ ኣይከውንን።

 

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ናይታ ክብርቲ ወርቁ ዘርኣይ ዜና ዕረፍቲ ብሓቂ ዘጒሂ’ዩ ነይሩ። ዘልኣለማዊ ሰላም ይቀበላ! ወርቁ ብብዙሕ መዳይ ምስ ናተይ ዝመሳሰል ተመክሮ ኣሕሊፋ። እቲ ዝዓቀበቶ ስምዒታትን ዝተጻወረቶ ምረትን ምስኣ ተቐቢሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ንጽንዓታ፡ ንሃገራ ዝነበራ ተወፋይነት፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝነበራ በዳህነት ክኽሕዶ ዝደፍር ሰብ ክህሉ ኣይክእልን።


2.3. እቶም ምርጫታት

 

ኣብ ህይወተይ ንዘጋጠሙኒ ብድሆታት ንምግጣም፡ እዞም ዝስዕቡ ሽድሽተ ጽኑዓት ምርጫታት ነይሮምኒ፥

 

ቀዳማይ፡ በቲ ንብርክት ዝበሉ ብጾት ዘጋጠሞም ናይ ልዕሊ ዓቕምን ተስፋ ምቚራጽን መከራን ኩነታት ተዋሒጠ፡ ከም’ቶም ካልኦት ቅድመይ ዝሓለልፉ ነቲ ዘሕዝን መገዲ ነብሰ ቅትለት ክመርጽ ምኸኣልኩ ነይረ።

 

ካልኣይ፡ እቲ ዘይሕለል ጸቕጢ ኩነታተይ ናብ ኣፍደገ ጽላለ ክደፍኣኒ ይኽእል ነይሩ።

 

ሳልሳይ፡ በቲ ኣብ ልዕለይ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ጸቕጥታትን ኢደይ ንጸላኢ ምሃብ መሪጸ ክኸውን እኽእል ነይረ።

 

እቲ ራብዓይ ኣማራጺ፡ ዶብ ሰጊረ ናብ ሱዳን፡ ካብኡ ድማ ናብ ኤውሮጳ ወይ ሰሜን ኣመሪካ ብምኻድ፡ ዓደይ ምግዳፍን ካብ’ቲ ቃልሲ ምግላልን’ዩ ነይሩ።

 

እቲ ሓምሻይ ኣማራጺ፥ ምናልባት እቲ ኣዝዩ መሪር ክኸውን ዝኽእል፡ ንሃገረይ እናገልገልኩ ኣብ ዓውደ ውግእ ዕጫይ ምግጣም ኢዩ ነይሩ። ነዚ ሓደጋ'ዚ ብቐጻሊ’ኳ እንተ ተቓላዕኩ፡ ህሩግ ኢለ ክኣትዎ ግን ኣይመረጽኩን።

 

እቲ ሻድሻይ ኣማራጺ፡ ምንቅስቓስ መንካዕ ብምውቃስ ጣዕሳ ምርኣይ ዘጠቓልል ነበረ። እዚ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ባህልን ትምህርትን ኮይነ ንኽምለስ መገዲ ምኸፈተለይን ናብ’ቲ ምስጢራዊ ውድብ ክኣቱ ምተፈቐደለይን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ንምዃን ንጹር መገዲ መትሓዘኒ። ይኹን’ምበር፡ ነዚ ኣማራጺ'ዚ ንከይስዕብ ብንቕሓት ወሲነ። ነቲ ናይ ብጾተይ ማእሰርቲ (ድሒሩ ድማ ነቲ ከቢድ ናይ ሞት ፍርዲ) ምቕባል፡ ናይ ሕልና ወቐሳ ከስዕበለይ ስለ ዝኽእል፡ ኣቕሊለ ክወስዶ ዘይክእል ሞራላዊ ምውጋይ እዩ ነይሩ። ከም’ዚ ዓይነት ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዝተረፈ ህይወተይ ነዊሕ ናይ ጣዕሳ በሰላ ምገደፈለይ ነይሩ።

 

ይኹን’ምበር፡ ነዚ ኩሉ ምርጫታት ዝጻረር ውሳነ’የ ወሲደ፡ ማለት፡ ካብኣቶም ዋላ ሓደ ከይወስድ መሪጸ። ኣብ ክንድኡስ፡ እቲ ቃልሲ ዝጠልቦ ዓቢ መስዋእቲ ብዘየገድስ፡ ክጸንዕን ክቕጽልን ወሰንኩ። ንእምነተይ ኣጽኒዐ ብምሓዝ፡ ብዘይ ምንዋጽ ኣብ ተወፋይነተይ ጸኒዐ። ኣብ እምነተይ ክጸንሕ መሪጸ፡ ንኹሉ ብምስጋር ዕድለኛ ኮይነ ድማ ነዚ ተዘክሮኣዊ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዕድል ወይ ኣጋጣሚ ረኺበ።

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ገለ ገለ ብጾት ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ልዕለይ ንዘርኣዩዎ ባህርያት ብጣዕሳ ገሊጾሙዎ። ገሊኦም ከምኡ ክገብሩ በቲ ሕቡእ ሰልፊ መምርሒ ስለ ዝተዋህቦም'ሞ ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም። “ከምኡ እንድዮም ኢሎምና፡ እንታይ ደኣ ክንገብር” ዝብሉ ይርከብዎም። ገሊኦም ድማ ንድሕነቶም ብምፍራህ ካባይ ይርሕቁ ከም ዝነበሩ ሓቢሮም። ካልኦት ድማ፡ ሰብ ኣብ ልዕለይ ጌጋ ርድኢት ከም ዝነበሮን፡ ፍሉይ ብድሆታት ከም ዘጋጠመንን ኣሚኖም። ገሊኦም ድማ በቲ ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ዝነበረኒ ምጽዋርን ጽንዓትን ተገሪሞምን ኣድናቖቶም ገሊጾምን። ሓደ ብጻየይ "ብሲኦል ሓሊፍካ ግን ኢድካ ሂብካ ኣይትፈልጥን። ዘይተጸዓድነትካን ቆራጽነትካን የድንቖ፤ ኣነ ኣብ’ቲ ቦታኻ እንተ ዝነብር (ወይ እውን ከም’ቲ ንስኻ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ እንተ ዘጋጥመኒ) እንተ ወሓደ ነብሰ ቅትለት ወይ ካብ ሃገር ምህዳም ከም ኣማራጺ ምወሰድኩዎ ነይረ ኢሉ። ሓደ ካልእ ተጋዳላይ ነበር “ንሕና ሓንሳእ ኢና ተጋዲልና ንስኻ ግን ሰለስተ ግዜ ኢኻ ተጋዲልካ” ክብለኒ እዝክር። ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነበር እዩ።

 

ሓደ ውፉይ ኣባል ናይ’ቲ ሕቡእ ውድብ ከይተረፈ "ዕጫ ህዝባዊ ግንባር ኣቐዲምካ ርኢኻዮ ኔርካ። ኣሰርካ እንተ ንስዕብ ወይ እንተ ወሓደ ምኽርኻ እንተ ንሰምዕ ኔርና ከመይ ጽቡቕ ነይሩ" ክብል ጣዕሳኡ ገሊጹ። እዚ ናይ ጣዕሳን ኣድናቖትን መግለጺታት ንቕንዕናይን ትዕግስተይን ቆራጽነተይን ከምኡ እውን ነቲ ጸገማት ንምብዳህ ክኽተሎ ዝመረጽኩዎ ውሕሉል ግንከ ዝተሓላለኸ መገዲ ዘጉልሕ ነበረ።

 

ሰባት ነዚ ኣሰቃቒ ተመክሮ ከመይ ገይረ ከም ዝተጻወርኩዎ ክፈልጡ ይደልዩ ይኾኑ። ሓደ ንዓመታት፡ ተነጽሎን ጸለመ ባህርያትን ማሕበራዊ ምግላልን ዝጻወር ሰብ፡ ኣብ ተስፋ ምቚራጽ ክወድቕ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ከጋጥሞ ወይ ንዘጋጥምዎ ብድሆታት ኢዱ ክህብ ይኽእል እዩ። ሓደ መሳርሕተይ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ብህረራ ከይተጸለልካ ምውጻእ፡ ዘደንቕ ክስተት ምዃኑን፡ ከም ኣገዳሲ መጽናዕታዊ ኣርእስቲ ድማ ንክኢላታት ዓውደ ስነ ልቦና ክውሃብ ከም ዘድልን ገሊጹለይ።

 

ንኣእምሮኣዊ ጥዕናይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሓያሎ ረቛሒታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚ ዓይነት ኩነታት ብህድኣት ዝጻወር ሰብ ምዃነይ ሓደ ካብ’ቲ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከሎኹ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዝኸኣልኩዎ ንዓይ እውን ክሳዕ ሕጂ ይገርመኒ። እዚ ውህበት ወይ በረኸት (providence) ኣምላኽ ክኸውን ይኽእልዶ?

 

ነቲ ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ክእለተይ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘማዕበልኩዎ ንብድሆታት ናይ ምግጣም ዓቕሚ ወይ ናይ ነብሰ-ምምዕርራይ ክእለት (coping mechanism) ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት ንደጋዊ ቅስቀሳ (stimulus) ብዝተፈላለየ መገዲ ምላሽ ይህቡ እዮም፣ ምናልባት እዚ ናተይ ባህርያዊ ግብረ መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ ካብ’ቲ ናይ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ልምዲ ንምጥራይ ዝገበርኩዎ ጻዕሪ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ ግዜ፡ እቲ ሓቂ ናብ ብርሃን ምውጽኡ ዘይተርፍ ምዃኑ፡ ኩነታት ክቀያየሩ ምዃኖም፡ ዋላ እውን እቲ ኣዝዩ ነባሪ ዝመስል ፖለቲካዊ ሕጽኖት ከይተረፈ ክሃስስ ምዃኑ ኣጽኒዐ እኣምን ነይረ። ነዚ ስፍሕ ዝበለ ራእይ ካብ ዓይነይ ኣርሒቐዮ ኣይፈልጥን። ኣብ ቅድሚ መሪሕነት ሞገስ ንምርካብ ኢለ ናይ ሓሶት ጸጋማዊ ሜላታት ከይተጠቐምኩ ከም ውፉይ ሃገራዊ መጠን ኣብ’ቲ ዕላማ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ኣብ ምእማነይ ጸኒዐ እየ። እዚ ጽኑዕ ኣ ገባብ'ዚ ኣብ መወዳእታ ልቦና ዝመልኦ ምርጫ ምዃኑ ተረጋጊጹ፣ ረብሓታት ከም ዝነበሮ ድማ ይኣምን። ይዝከረኒ ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዳግም ምስንዳእ ዝግበረ ዝነበረ ክትዓት ንነብሰይ ከም ሃገራዊ ገይረ’የ ዘቕርባ ዝነበርኩ። እቲ ውድብ ሃገራዊ መንነት ስለ ዝነበሮን ካብኡ ተበጊስካ ርእይቶ ክትህብ መሰል ስለ ዘለካን። እዚ ንባዕሉ ሓደ ሜላ’ዩ።

 

እቲ ራብዓይ ምኽንያት፡ ካብ’ቲ መጻሕፍቲ ምንባብ ዝነበረንን (ክሳዕ ሕጂ ዘዘውትሮን) ዘሎንን ዓሚቝ ፍቕርን ባህግን ዝነቐለ እዩ። ከም ሓደ ንፉዕ ኣንባቢ መጠን፡ ኣብ እዋን ጭንቀትን ተስፋ ምቚራጽን ኣብ ውሽጢ ገጻት መጻሕፍቲ ምጽንናዕ ይደሊ ነይረ። ስነ ጽሑፋዊ ጒዕዞይ ንብምሉኡ ክላሲካዊ ጽሑፋት ሩስያ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ስርሓት ቶልስቶይ፡ ዶስቶዮቭስኪ፡ ሾሎኮቭ፡ ቸኮቭ፡ ጎርኪ፡ ጎጎል፡ ፑሽኪን፡ ፓስተርናክን ሶልዠኒትሲንን ዝሓቘፈ እዩ። ኣብ ጽሑፋት ማርክስ፡ ኤንገልስ፡ ለኒን፡ ስታሊን፡ ማኦ ሰ ቱንግ፡ ጀነራል ጂያፕ፡ ኣፋናሲየቭን ኤንቨር ሆሻን እናጠሓልኩ፡ ኣብ ማርክሳዊ ስነ ጽሑፍ እውን ጠሊቐ እየ። ናይ ምፍላጥ ድሌተይ ናብ ከም ብዓል ባሲል ደቪድሰን፡ ኤርሊክ ሃጋይ፡ ጆርጅ ኦርዌል፡ ሮበርት ላምብ፡ ሮበርት ካፕላን፡ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ኣልበርቶ ፖለራ፡ ተኸስተ ነጋሽ፡ ናዋል ኤል ሳዕዳዊ፡ ተስፋጽዮን መድሃኔ፡ ከምኡ እውን ናይ በዓሉ ግርማ "ኦሮማይ"፡ ሪቻርድ ፓንክረስት፡ ጆን ስፐንሰር ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። ጂዮቫኒ ቦካቺዮ ዝጸሓፋ ደካሜሮን፡ ናይ ማርዮ ፑዞ ዘ ጎድ ፋዘር፡ ናይ ካፍካ ዘ ትረያል፡ ናጊብ ማህፉዝ ዝጸሓፋ ቺልድረን ኦፍ ጋባላዊ፡ ናይ ታራንት ዘ ሬድ ኦርኬስትራ፡ ንጉጊ ዝጸሓፋ ፔታልስ ኦፍ ብላድ እውን ኣብ ዝርዝር ናይ’ተን ዝተነበባ መጻሕፍትን ካልኦት ብዙሓት መጻሕፍትን ቦታአን ረኺበን እየን። ኣብ መንጎ ውግእን ኣብ ድፋዕ እናተዘናጋዕኩን እውን ናይ ኣምሓርኛ መጻሕፍቲ (ካብ ጸላኢ ዝተማረኹ) አንብብ ነይረ።

 

ንዓይ ምንባብ፡ ሃይማኖት’ዩ ነይሩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ መጻሕፍቲ እንተ ዘይህልዉ ነይሮም እንታይ ምኾንኩ ነይረ ብምባል ብዙሕ ግዜ እሓስብ።

 

ብቐረባ ከዕልሎም ዝኽእል ዝነበርኩ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ስለ ዝነበሩኒ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚኦም ክኣምኖም ዝኽእል ኣዕሩኽ፡ ንዕላላትና ዘየጋልጹ ወይ ንፖለቲካዊ ረብሓኦም ዘይጥቀሙሉ ውልቀ ሰባት እዮም ነይሮም።

 

ኣብ መወዳእታ ግን ጽንዓተይን ተጻዋርነተይን ርእሰ ተኣማንነተይን፡ ንኽነብር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ንኽስስን እውን ከም ዘኽኣለኒ ኣጸቢቐ ይኣምን። እዚ ግን፡ ብኹሉ መዳይ ፍጹም ሰብ ከም ዝነበርኩ ፈጺሙ ዘመላኽት ኣይኮነን። ኣይምካሕን ከኣ። ጌጋታት ክፍጽም ንቡር’ዩ ነይሩ።

 

ብህይወት ምህላወይን፡ ነዚ ከኣ ብስመይን ብስም ካልኦት ከማይ ዝኣመሰሉ ብኣማኢት (እንተ ዘይኮይኑ ብኣሽሓት) ዝቚጸሩ ብጾተይ ምዝንታወይን፡ ኣዝዩ ዓቢ ባህታ ይህበኒ።


ይቕጽል ............................................. ናብ ምዕራፍ 3

 
 
 

2 Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
Jul 19

ይገርም ኢዩ፡ ብህይወት ሃሊና ንዝሓለፍናዮ ከነዕልለሉ እውን የጸግም ኢዩ።

እንቋዕ ሃለኻ። እዚ'ውን ንባዕሉ ዕግበት ኢዩ

Like

Tsega
Jul 19
Rated 5 out of 5 stars.

🙏 for sharing your story and so many whose voices are muffled

Like
bottom of page