ሳልሳይ ክፋል ጥማዕ ዝኽርታተይ ምዕራፍ 4 - ምድስካል፥ ንብሉጽ ስራሕ ዝወሃብ ሽልማት
- Semere Solomon

- Jul 31
- 7 min read
Updated: Aug 5
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ምዕራፋት ብዝርዝር ቀሪቡ ዘሎ፡ ፕሮፌሰር ስተፈን ኮትኪን ኣብ’ቲ ሰፊሕን መሃርን ትንታነኡ፡ ሓደ ኣገዳሲ ባህሪ ናይ ምልካውያን ስርዓታት፡ ዕድላት ህይወት ንምቊጽጻር ዝውፍይዎ ግዜን ጻዕርን ምወላን እዩ። ዝያዳ ንምብራህ፡ ፕሮፌሰር ኮትኪን ብማሕበረሰብኣዊ መነጽር ነዚ ክስተት ክገልጾ እንከሎ፡ እዞም ስርዓታት'ዚኣቶም፡ ኣብ’ቲ ሃገር ንዝህልዉ ናይ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ኣህጉራዊ ጒዕዞን ዋንነት ንብረትን ዝኣመሰሉ ዕድላት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቊጽጽሮም እዮም ዘእትዉዎም። ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝበለ ስርዓት፡ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ናይ ምዕባይ ወይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣብ ሰናይ ድሌት ናይ’ቲ መላኺ ስርዓት’ዩ ዝምርኮስ። ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝግለጽ ተቓውሞ፡ ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ሓለፋታት ወይ ዕድላት ናይ ምስራዝ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል። እዚ ከኣ ንመላእ ስድራ ቤቱ ዘይነዓቕ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ይኽእል።[i]
ውልቃዊ ድሕረ ባይታይን ኣነ ዘሳስዮ ርእዮተ ዓለምን ብዝምልከት፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝጥቀመሉ መዐቀኒታት፡ እሙን (loyal) ተባሂለ ከም ዘይግለጽ ወይ እውን ከም ዘይውሰድ ይርድኣኒ እዩ። ከመይሲ እቲ ስርዓት ኣብ ፍልልያት ናይ ኣረኣእያ ዘለዎ መርገጺ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስታዊ መዋቕር ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ተመዚዘ ንምስራሕ ካብ’ቲ ስርዓት ሞገስ ክረክብ ትጽቢት ኣይተገብረለይን፣ ኣነ እውን ኣይነበረንን። ሞጎስ እንተ ኣርኣየኒ ድማ ካብ ክእለተይ ክጥቀም ስለ ዝደለየ ወይ እውን ብተጽዕኖ ናይ ሓደ ሓደ ብቕዓተይ ዝምስክሩ ውልቀ ሰባት ጥራይ’ዩ ነይሩ። እንተ ዘይኮይኑ እቲ ስርዓት ኣብ ዝኾነ እዋን ከባርረኒ ተኽእሎ ነይሩዎ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባ ሰባት ምሉእ ቊጽጽር ንምግባር ዝህቅን መላኺ ስርዓት፣ ኣንጻር ባህርያት መንግስቲ ወይ መራሕቱ ምዝራብ ወይ ዕቃበታት ምርኣይ ሓደገኛ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ፡ እንትርፎ ተመሳሲልካ ምኻድ ካልእ ኣማራጺ የለን። ሓደ ውልቀ ሰብ ምስ’ቲ ናይ’ቲ ስርዓት ትረኻ ክሰማማዕ፡ ካብ ምሕታት ክቚጠብን፡ ኮታ ኣሜን ኢልካ ምኻድ ግዴታ እዩ። እዚ ምስ ዘይከውንከ? ምግላል ወይ ምውሳን (marginalization) ከም መቕጻዕቲ ይዝውተር።
እቲ ብድሕሪ’ዚ ፖለቲካዊ ምግላል ዘሎ ፍልስፍና ወይ ዕላማ በበይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሰባት ንምቚጽጻርን ቦትኦም ከም ዝፈልጡ ንምግባርን ንፍሉያት ጉጅለታት ወይ ውልቀ ሰባት ብምዕፋንን ጽልዋኦም ብዘይ ተቓውሞ ክቕጽልዎን የኽእሎም። ናይ ውልቀ ሰባት ፖለቲካዊ እምነት (ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ምስ ዝህሉዎም) ወይ ኣብ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ከም’ቲ ዝድለ ምስ ዘይከውን፡ ናይ’ዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ’ዚ ግዳያት ንክኾኑ ሕጹያት ዘግብር እዩ። ”ምድስካል” እምበኣር ሓደ ካብ’ቲ ሜላታት እዩ።
ጽልዋ ምድስካል፥ ኣብ ውልቀ ሰባትን ኣተሓሳስባኦምን ዓሚቝ ሳዕቤን ክህሉዎ ይኽእል እዩ። ኩነተ ኣእምሮ ናይ’ቶም ናይ ምድስካል ግዳያት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ጽንዓት ናይ’ቲ ውልቀ ሰብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ረቛሒታትን ዝምርኮስ ይኸውን። ውልቀ ሰባት ንምድስካል ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይህቡ። ጽንዓቶምን ዘይጽንዓቶምን ድማ ንኣእምሮኣውን ስምዒታውን ህይወቶም ኣብ ምቕራጽ ልዑል ኣበርክቶ ይገብር። ብተወሳኺ፡ ናይ ከባቢኻ ኣረኣእያ፡ ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ኩነተ ኣእምሮኻ (ብፍላይ ድማ ከም ዝተደርበኻን ዋጋ ከም ዘይብልካን ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ) ዝህሉዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ቀሊል ኣይከውንን።
ምድስካል፡ ኣብ መንጎ መሳርሕቲ፡ ብሓፈሻ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝህሉ ምትእምማን ብኣሉታ ይጸልዎ እዩ። እዚ ተግባር'ዚ፡ ናይ ምግላልን ተነጽሎን ናይ ሕልና ዕርበትን ስምዒታት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ንስነ ኣእምሮኣዊ ህይወት ዝጸሉ ናይ ምንጻልን ብስጭትን ስምዒት ክፈጥር ይኽእል። እዚ ቀጺሉ ከም ኣብ ረግረግ ወይ ድንግርግር ዝበለ ኩነታት ከም ዝጠሓልካ ንኽስመዓካ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል፣ ውጽኢቱ ድማ ርእሰ ምትእምማን ምጉዳል፡ ነብስኻ ምድርባይ፡ ካብ ኩሉ ነገራት ምርሓቕ፡ ኣብ ፖለቲካ ዘሎካ ተገዳስነት እውን ምብናን የስዕብ። ኣባላት ማሕበረሰብካ፡ መንግስቲ ዝጐሓፈካ ወይ ከኣ ኣብ ከምኡ ዓይነት ኩነታት ዝደርበየካ ወይ ንኽትወድቕ ዝገበረካ ምኽንያት ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ምስ ዝኣምኑ ድማ ስቓይካ እናገደደ ይኸይድ።
ምድስካል፡ ውልቀ ሰባት ምስ’ቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ዝነበሮም ዝምድና ናይ ምብታኽ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንማሕበራዊ ምግላል የዕብዮ። ብክሊኒካዊ ኣዘራርባ፡ ዋላ’ኳ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክኢላ’የ ክብል እንተ ዘይደፈርኩ፡ እቶም ነዚ መከራ ዘስተማቕሩ ሰባት ግን፡ ብምኽንያት ጸቕጥን ናይ ምግላል ስምዒትን፡ ንጭንቀትን ምቕዛንን ዝያዳ ዝተቓልዑ ይኾኑ። እዚ ብድሆታት'ዚ የጋጥም እምበር፡ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ ምግላል ዘደንቕ ጽንዓትን ምጽማምን ሓይልን የርእዩ እዮም።
ምድስካል፡ ኣብ ኩነታት ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክፍጸም ይኽእል እዩ። ኣብ ጉዳየይ፡ እቲ ምኽንያት ፖለቲካዊ’ዩ ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንዓመታት ንሃገረይ ብኣብነታዊ መገዲ ኣገልጊለ’የ ኢለ እየ ዝኣምን። ከም’ዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ከም ዘይእሙን ተቘጺረ። እዚ ንዓይ ንመጀመርያ ግዜ ዘጋጠመኒ ክስተት እውን ኣይኮነን። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን እንተ ኾነ፡ ውሽጣዊ ግርጭታት ብዘተ ክፍታሕ ኣሎዎ ዝብል ርእይቶ ስለ ዝነበረኒ፡ ተነጽሎን ስዒቡ ድማ ማእሰርቲ ኣጋጢሙኒ እዩ። እዚ፡ ነቲ ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ዝምልከት እዩ። እዚ ርእይቶ ወይ እምነት'ዚ፡ ነዚ ናይ ጽገና ምንቅስቓስ ንምድቋስ ምስ ሓረስቶትን ብኣጻብዕ ዝቚጸሩ ተበለጽትን ተጸጊዑ ዝነበረ መሪሕነት ኣይተዋሕጠሉን።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ ኣብ ሕቡእ ንጥፈታት ሰልፊ ብዝነበረኒ ኣፍልጦ፡ በዚ ድማ ንናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ንጥፈታት ከም ዕንቅፋት ኮይነ ስለ ዝተረኣኹ፡ ካብ’ቲ ተዋጋኢ ሰራዊት ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ከም ዝምደብ ተገይሩ። ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ተመዲበ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት ንከየተኩር ብማለት ብቐጻሊ ዕንቅፋት ይገጥመኒ ነይሩ፡ በዚ ድማ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ብተደጋጋሚ ናብ ግንባራት ከም ዝዋፈርን ከም ዝመላለስን ተገይሩ። ናብ ግንባራት ምኽታት ንቡር ወይ ልሙድ ተርእዮ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብዝገበርኩዎ ኣበርክቶ እውን ሕቡን’ኳ እንተ ኾንኩ፡ ከም’ዚ ዝበለ ውልቃዊ ምክልባት ግን ንቡር ኣይነበረን። ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ዝኸተትኩሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ።
ናይ መወዳእታ ተራይ ከም ናይ ብርጌድ ኮሚሳር፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸኒሑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ከም ዝምለስ ተገይሩ። ዋላ’ኳ ውሱናት ኣገደስቲ ዕማማት እንተ ነበሩኒ፡ እቲ ኣገዳሲ ኢለ ዝቘጽሮ ግን ንሓንቲ “ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ” ዘርእስታ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ (ኣልበርቶ ፖለራ) ዝተጻሕፈትን ብነፍስሄር ኣባ ይስሃቅ ገብረየሱስ ዝተተርጐመትን መጽሓፍ ብምውካስ፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘሎኒ ኣፍልጦ ከካፍል ምኽኣለይ እዩ። ኣብ’ቲ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ መደብ ትምህርቲ፡ ልዕሊ ሚእቲ ተጋደልቲ ተሳቲፎም ነይሮም። ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ብስራሕ ደንጒዮም ዝመጹ ኣባላት ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር እውን ንኽልተ ሰሙናት ዝወስድ መደብ ትምህርቲ ሂበዮም።
ብዘይ ሓድሽ መደብ ዕዮ፡ ብ1998 ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ ተኣለኹ፡ ሓደ ነገር እንደገና ከም ዝተደግመ ተረጋጊጹለይ። እዚ ኹሉ፡ ንዓይ ንምውራድን ሞራለይን መንፈሰይን ንምስባርን ዝዓለመ ናይ ምግላል ሜላ’ዩ ነይሩ።
ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ስርዓት፡ ውልቀ ሰባት ሓንሳእ ምስ ተገለሉ ክምህምኑን ኣብ ጐደናታት ቀንፈዘው ክብሉን’ዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ውልቀ ሰባት ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ብምቅብጣር ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ክልምኑ፡ ወይ እውን "ናብ ልቦም ብምምልላስ" ዳግማይ ሞጎስ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።
ካብ ስራሕ ክሰናበት ብቕዳሕ መልክዕ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ደብዳበ ምስ ኣቕረብኩ፡ ብዋዛ ኣብ ጫማይ ካልእ ሶል ክውስኽ መኺሩኒ። ነቲ ኩነታት ዋላ’ኳ ብዋዛ እንተ ተዛረቦ፡ ፈጺመ ኣይፈተኹዎን። ኣይተቐበልክዎን እውን።
ዋላ’ኳ እቲ ንቡር ግብረ መልሲ፡ ንኽውንነት ተቐቢልካ ተረፊዕካ ምንባር እንተ ነበረ፣ ኣነ ግን ካብ ዕግበት፡ ንዓመጽ መሪጸ። ነቲ ስርዓት ክብድሆ መሪጸ፣ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንምስንባት ሕቶ ኣቕሪበ፡ ደሞዘይ ምቕባል ድማ ኣቋሪጸ። ንምዝኽኻር ዝኣክል እታ ደብዳበ ናይ ሸውዓተ ዓመት ውፉይ ኣገልግሎተይ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድሕሪ ምጥቃስ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክሰናበት ትሓትትን ደሞዘይ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ምውሳድ ድማ ስነ ምግባራዊ ስክፍታታት ዘልዕለለይ ምዃኑ ብምግላጽ ደሞዝ ምቕባል ከቋርጽ ምዃነይን ትሕብር።
እዚ ውሳነ’ዚ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ፣ ጽቡቐይ ዝምነዩ ሰባት ንድሕነት ገዛእ ርእሰይን ቤተ ሰበይን ክጥንቀቕ ተማሕጺኖምኒ። ገለ መሳርሕተይን ብጾተይን ብዛዕባ ኩነታተይ ዋላ ሓንቲ ከይብል ወይ ብዛዕባ መንግስቲ ሕማቕ ከይዛረብ ምሕዝነታዊ ምኽሪ ሂቦምኒ። ዋላ’ኳ ሚኒስተር ትምህርቲ ከም ኣማኻሪ ኮይነ ከገልግል እንተ ተወከሰኒ፡ ተስፋ ምቚራጸይን፡ ኣብ መንግስቲ ዝነበረኒ እምነት ከም ዝበነነን ብምግላጽ ነቲ ሓሳብ ኣይተቐበልኩዎን። ኣብ ኤርትራ ናጻ ህይወት ናይ ምምራሕ መሰለይ ከረጋግጽ ቆሪጸ ብምውሳን፡ ካብ’ቲ ገዛኢ ሰልፊ (ህግደፍ) ኣባልነተይ ክስሕብ እውን መደብ ነይሩኒ እዩ።
ከም ኤርትራዊ ዜጋ መጠን፡ ካብ መንግስቲ ዝጽበዮ እንተሎ፡ ብውሕዱ በቲ ዝመረጽኩዎ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሰይ ህይወት ክመርሕ ዕድል ክወሃበኒ እዩ። ካብ ፖለቲካ ተገሊለ ምንባር ምርጫይ ምስ ዝኸውን ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክኽልክለኒ መሰል የብሉን ዝብል ቀሊል መልእኽቲ ናብ ገዛኢ ሰልፊ ከመሓላልፍ መሪጸ።
ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንኽእለ ወይ ክሰናበት ዝሓተትኩዎ ሕቶ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ መልሲ እናተጸበኹ እንከሎኹ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ቡን ንምስታይ ክንራኸብ ዓደመኒ። ብሓደ ኴንና ብማኪና ናብ ኣጓዱ (ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ቤትመግቢ) ኣምራሕና። ቡን እናሰተና፡ ብዛዕባ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንምስንባት ዝወሰድኩዎ ውሳነ ኣመልኪትና ኣዕለልና። እቲ ብጉርሑ ዝፍለጥ ፍሊጶስ፡ "እቲ ዝወሰድካዮ ተባዕ ስጉምቲ ኣይጸላእክዎን። መንግስቲ፡ ነቲ ክትህቦ እትኽእል ልዑል ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ብቕልጡፍ ክምድበካ ጸቕጢ ክኾኖ ይኽእል'ዩ፡ ይኹን’ምበር፡ ጥንቃቐ ግበር ክሳዕ መወዳእታ ድማ ኣይትድፍኣሉ፡ ከይትዕወት ትኽእል ኢኻ።" ኢሉኒ። ኣብ’ቲ እዋን'ቲ፡ ብልክዕ ኣዕሩኽ ኔርና ክብል ኣይደፍርን። ነቲ ዕላልና ግን ይፈትዎ ነይሩ። ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘሎኒ ኣረኣእያ ክሰምዕ
ህንጡይነት ዝነበሮ ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣነን ፍሊጶስን ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኣብ ዝርከብ ባር፡ ኣብ ማኪናኡ ኮፍ ኢልና ንሰቲ ኔርና። ኣብ ዕላልና፡ ኣብ ኤርትራ ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ ዝኽእል ዓይነት ሰብ እንተልዩ ፍሊጶስ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍኢመሉ፣ ተገሪሙ። ሰውራታት፡ ከም’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ብተለምዶ ብዕልዋ መንግስቲ ከም ዘይዛዘም ብምግላጽ ብዋዛ መልሲ ሂቡኒ። ነጥበይ ዝያዳ ንምግላጽ፡ ኣብነት ካምቦድያን ድሕሪ ሰውራ ዘጋጠመ ውጽኢቱን ጠቒሰሉ። እናሰሓቐ፡ ነቲ ዕላል ከነቋርጾ ጠሊቡ። “ኣቲ ወዲ ይኣኽለኪ” ኢሉኒ፡ ብናይ ሓረስታይ ድምጸ ልሳን ዝተጸልወ ትግርኛ ገይሩ።
ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንኽወጽእ ኣብ ዝገበርኩዎ ናይ መወዳእታ ፈተነ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ቈጸራ ሓቲተ። ናብ ዘውዲ (ጸሓፊት ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ) ኣትየ፡ ንሳ ድማ ጽቡቕ ገይራ ተቐቢላትኒ። ኣብ’ቲ መዓልቲ ቈጸራ፡ ብግዚኡ ስለ ዝመጻእኩ፡ ምስ ፕረሲደንት ተማኺራ ክሳዕ እትመጽእ ክጽበ ሓቲታትኒ። ድሕሪ ቊሩብ ግዜ፡ ፕረሲደንት መልሲ ከም ዘይሃበ ዝሕብር ዜና ሒዛ ተመልሰት። ”ኣብ’ዚ ሰዓትዚ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክራኸብ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን፡ ግደፍኒ” ከም ዝበላ ነጊራትኒ።
ገለ መዓልታት ቅድሚ'ዚ ርክብ'ዚ፡ ምስ ፕረሲደንት ቆጸራ ክረክብ ተስፋ ብምግባር ኣብ ቤት ጽሕፈት ዘውዲ ኮፍ ኢለ ከለኹ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ቻርሊ (ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት) ህላወይ ኣስተብሂሉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክመጽእ ዓደመኒ። ድሮ እቲ ናይ ስንብታ ደብዳበ ብካርቦን ቅዳሕ ረኺቡዎ ስለ ዝነበረ፡ ምኽንያት ምብጻሐይ ንሱ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጥ ሓተተ። ጥርጣረኡ ምስ ኣረጋገጸ፡ ከም’ዚ ዓይነት ተግባር ፍጹም ቅቡል ከም ዘይኮነ ብምሕባር፡ ዘይምቕባሉ ገሊጹለይ። ነታ ደብዳበ ክስሕባ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቡለይ። ነቲ ዘይሓተትኩዎ ምኽሪ ብምንጻግ፡ ኣብ ክንድኡስ መልእኽተይ ናብ’ቲ ዝምልከቶ ሰብ - ፕረሲደንት - ጥራይ ከሕልፈለይ ብትሕትና ሓቲተዮ፡ ብቕልጡፍ ድማ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጻእኩ። እቲ ዘገርም፥ ሓደ ምስ’ቲ ናተይ ዝመሳሰል ጉዳይ ዝነበሮ ሰብ (ስሙ ንድሕነቱ ኢለ ካብ ምጥቃስ ክቚጠብ እየ) ምስ የማነ ገብረመስቀል የዕልል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰንብታ ንኽወሃበኒ ከም ዝተፈቕደለይ ገይሩ’ዩ ገሊጹሉ።
ስቕታ መንግስቲ ግዜ ወሲዱ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ክጽበ ኣይደለኹን። ዕድለይ ባዕለይ ክውስን ወሰንኩ። ግሩም መደብ ኣውጺአ ናብ ስደት ኣምራሕኩ። በቲ ዝወሰድኩዎ ህይወት ዝቕይር ውሳነ ድማ ፈጺመ ኣይተጣዓስኩን።
ካብ’ታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ዒራቕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ምስ ተጸንበርኩ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝተኻየደ ዕላል ከካፍለኩም፤ ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም ናብ’ታ ኣነን ስድራ ቤተይን ንነብረላ ዝነበርና ካብ መንግስቲ ዝተኻረናያ ገዛ (ገዲፍናያ ዝኸድና) ገዓዘ። ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ጐረቤተይ ስለ ዝነበረ፡ ኣድሓኖም ድማ ግድን ጐረቤቱ ኮይኑ ማለት እዩ።
ከም ኣገላልጻ ኣድሓኖም፡ ተኽላይ ነቲ ናተይ ምኻድ ከም ዘይገረሞ ገሊጹ። "ደሓር ከኣ ሰመረ'ኮ ምስ ሲ.ኣይ.ኤ. ይሰርሕ ነይሩ'ዩ። ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብተደጋጋሚ ክራኸብ እርእዮ ነይረ፣ እርይ ቊጽር ኣቢሉ ኢዩ ምስጢራትና ዝህቦም ነይሩ" ብምባል ኣንጸርጽሮቱ ገሊጹሉ።[ii] ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ልምዓት ዝገብሮ ዝነበርኩ ምትሕብባር ይርኢ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ የብለይን። እዚ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከም ኣካያዲ ውጠናን ልምዓትን ኮይነ ከገልግል እንከሎኹ ዝረኽቦም ዝነበርኩ ወጻእተኛታት ርእዩ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኢዩ። በቲ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ልምዓት ዝገብሮ ዝነበርኩ ርክባት ሲ.ኣይ.ኤ. ዝብል ስያመ ክወሃበኒ እንተ ኾይኑ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን መሳርሕቱን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ልኡኻን ብቐጻሊ ክራኸቡ እንከለው፡ ብኸመይ ይርእዮ ማለት'ዩ? እዚ ንኣንባቢ እገድፎ።
ሓደ ኣንባቢ እንተፈለጦ ጠቓሚ እዩ ዝብሎ ነገር እውን ኣሎ። ካብ ስራሕ ተኣልየ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ግዜይ ከመይ ገይረ የሕልፎ ከም ዝነበርኩ ንኣንበብቲ ይገርሞም ይኸውን። ከም’ቲ መንግስቲ ዝሃቀኖ ኣብ ጐደናታትን ባራትን ቀንፈዘው ክብል ኣይተረኤኹን። መስተ ከይለክፍ ብመደብ ምሒለ። ወጋሕታ ተበራቢረ ንብዓልቲ ቤተይ ናብ ስራሕ የብጽሓ። ከም ልምዲ ምስይ ክብል እንከሎ ካብ ገዛ ወጺአ ብእግረይ እንቀሳቐስ። ዝበዝሐ ግዜየይ ድማ ኣብ ንባብ የሕልፎ። ከም ሕሱም ድማ ኣንቢበን ትምህርታውያን ቪድዮታት ድማ ተኸታቲለን። ምስ ፈተውተይን ኣዕሩኽተይን ሓሓሊፈ ምዕላል ድማ ከም መዘናግዒ ይጥቀመሉ ነይረ።
ግዳያት ምድስካል፡ መስፍን ሓጎስ፡ ገብረሚካኤል (ሊሎ)፡ ነፍስሄር ጻዕዱ ባህታ፡ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ብርሃነ ጸሃየ (ብርጋዴር ጀነራል)፡ ነፍስሄር ግርማይ ገብረመስቀል፡ ረዘነ ስዩም፡ ጠዓመ በየነ፡ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ)፡ ሳልሕ እያይ ካልኦት ብዙሓት ይርከቡዎም።
ይቕጽል ............................................. ናብ ምዕራፍ 5
[i] Modern Authoritarianism and Geopolitics: Thoughts on a Policy Framework, Stephen Kotkin, Apr. 11, 2022 https://www.youtube.com/watch?v=E7ZtsajvV98 Accessed on October 11, 2023
[ii] ናይ ተለፎን ዕላል ምስ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ



Comments