ሳልሳይ ክፋል ምዕራፍ 6 ዘይነብ ዓሊ መን'ያ?
- Semere Solomon

- Aug 14
- 6 min read
ምዕራፍ 6
ዘይነብ ዓሊ መን'ያ?
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ኣብ መንጎ 2000ን 2021ን ዓ.ም.፡ ዘይነብ ዓሊ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ተጠቒመ ብርክት ዝበሉ ሃገር ጠቀስ ጽሑፋት ኣበርኪተ ነይረ። እዞም ኣብ ማሕበራዊ ብዙሓን ዝዝርግሑ ዝነበሩ ጽሑፋት፡ ኣብ በበይኖም ኣርእስታት ዘተኮሩ’ኳ እንተ ኾኑ መንቀሊኦም ግን ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ ነይሩ።
ኣብ’ቲ ኣብ መጀመርታ 2000ታት ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ ዘይነብ ነቶም ሽዑ ዝኽሰቱ ዝነበሩ ፍጻመታት ብዘይ ቀልዓለም ብቐርኖም ብምሓዝ ዘ ትያትሎም። ንብዙሓት በቲ ናይ’ቲ መንግስቲ ፕሮፓጋንዳ ክታለሉ መፈንጠራ ተዘርጊሑሎም ዝነበረ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ዜጋታት ድማ ከም ዝሓስቡ ገይራቶም። እቲ ጽልዋ ድማ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይነበረን። ገለ ሰባት፡ ሓቀኛ መንነትካ ምሕባእ ናይ ፍርሂ ተግባር ኢዩ ክብሉ ይኽእሉ’ኳ እንተ ኾኑ፡ ዘይነብ ግን ክንዮኡ ዝኸይድ ዕላማ እዩ ነይሩዋ። ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ነቶም እዋናውያንን ጠቐምትን ሓበሬታታት ብትብዓት ዝህቡዋ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት መንነቶም ከይተቃልዕ መሪጻ። ከመይሲ፡ ንዘይነብ፡ ድሕነቶምን ውሕስነት ህይወቶምን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ስለ ዝነበረ።
እዚ ብሕንፍሽፍሽ ዝልለ ዝነበረ ፖለቲካዊ ተርእዮ’ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998-2000 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸፍተ ጐነጻዊ ግጭት ወይ ኲናት ዝተጋህደ ኮይኑ፡ ንሃገርና ዝበድሀ ርኡይን ተነቃፍን ቅልውላው’ዩ ነይሩ። ካብ 2000 ክሳብ 2001 ዓ.ም.፡ ኤርትራ ኣብ ማእከል’ቲ ዕግርግር ዝመልኦ ፖለቲካዊ ህቦብላን ብቕልጡፍ ዝቀያየር ፖለቲካዊ መልክዐ መሬትን እያ ነይራ እንተ ተባህለ ከም ምግናን ኣይቊጸርን።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ፡ ሓያሎ ጸለውቲ እሞ ኸኣ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ዜጋታት (ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር)፡ ነቲ ንልዕልና ሕጊ ዕሽሽ ብምባል ቀይዲ ዝበተኸ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝነቅፍ መርገጺ ወሲዶም።
ተቓወምቲ ድፍረት ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ጉዳያት ብምልዓል ስክፍታታቶም ብቕሉዕ ኣብ ኣደባባይ ክዛረቡሉ ጀሚሮም። እቲ ተባዕ ተግባራቶም ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህዝባዊ ዘተን ክትዕን ኣበጊሱ፡ ንናይ’ቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘተን ድማ ናብ ሓድሽ ብራኸ ኣደዪቡዎ።
እቲ በቲ ጉጅለ 15 ዝፍለጥ ናይ ተቓውሞ መድረኽ ዝተፈረመ ክፉት ደብዳበ፡ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ከምኡ እውን ቅዋም ብዘይ ውዓልሕደር ንኽትግበርን ዝጣበቕ ነበረ። እቲ ክፉት ደበዳበ፡ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝሓቚፍ ኮይኑ፡ ናይ’ተን ብህግደፍ ዝመሓደራ ንግዳዊ ትካላት ግጉይ ኣተሓሕዛ ቁጠባ ሃገር፡ ጉድለት ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ንጹር ፖሊሲታት ዘይምህላው፡ ምዝውታር ሞያ ዝጐደሎ ምሕደራን ኣሰራርሓታትን፡ ቦርድ ኣማኸርቲ ዘይምህላው፡ ሕጽረት ኣሰራርሓ ኦዲትን ዝኣመሰሉ ተነቀፍቲ ጉዳያት ኣልዒሉ ብሰፊሕ ዘትዩሉ። እቲ ክፉት ደብዳበ፡ እቲ ግንባር ኣብ መንግስታውያን ጉዳያት ኢድ ኣእታውነት ደው ከብል ብምጥላብ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምምስራት ዝዓለመ ናይ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ስልጣንን ሓላፍነትን ናይ ምልማስን ምንካይን ተግባራት ድማ ተቓዊሙዎ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ እቲ ክፉት ደብዳበ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝፍጠር ግርጭታት ወይ ዘምርድዳኣት ንምፍታሕ፡ ዞባዊ ስኒትን፡ ብሰላም ማዕረ ማዕረ ምንባርን፡ ዘተን (ከም ኣገዳሲ መሳርሒ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭታት) ከም መትከላት ክእመነሎምን ክትግበሩን ኣስሚሩሉ። ተራ ኤርትራን ቦታኣን ኣብ ዞባናን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለምን እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ኣብሪሁ።
እቲ ክፉት ደብዳበ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ብርቂ ነገር’ዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንጉጅለ ኢሳያስን ሰዓብቶምን በዳሂ፡ ንስልጣኖም ድማ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ ነይሩ። እዚ ጭውነት ዝመልኦ ፖለቲካዊ ምልዕዓል’ዚ ንመሰረት ናይ’ቲ “ከም ዘለዎ ይቐጽል” (status quo) ዝብል ኣምር ክዕቅብ ዝደሊ ዝነበረ ጉጅለ ኣነቓኒቑዎ።
ነቲ ክፉት ደብዳበ ዝፈረሙሉ፤ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ ሓሚድ ሕምድ፡ ሳልሕ ከክያ፡ እስጢፋኖስ ስዩም፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ጀርማኖ ናቲ፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ከምኡ እውን ሃይለ መንቀርዮስ ይርክቡዎም።[i]
ክልተ ተመዓደውቲ ሓይልታት፡ በቲ ሓደ ወገን ጉጅለ 15፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ደገፍቲ ፕረሲደንት፡ ኣብ ዉዕዉዕ ፖለቲካዊ ክትዕ ተሸሚሞም ነበሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ንፍልልያት ርእይቶ ዓለምን ፖሊሲን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ግዜ ከይወሰደ ግን ናብ ቀጥታዊ ረጽሚ ተሰጋጊሩ። ህግደፍ፡ ንጉጅለ 15 ንምስንባድን ንምፍርራህን፡ መንግስታዊ ትካላትን ወግዓዊ መስመራት መራኸቢ ብዙሓንን ተጠቒሙ ብዘይ ምቊራጽ ናይ ምጽላምን ስም ናይ ምድዋንን ዘመተ ጀሚሩ። ኣብ’ዚ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ዘይወግዓዊ መድረኻት ብምኽፋት ነቲ ስም ሰባት ንምድዋን ዝሰርሓሉ ዝነበረ መካኒዝም ኣጠናኺሩዎ።
ጉጅለ 15 ስክፍታታቶም ንምግላጽ ውሱን መገድታት ጥራይ ኢዩ ነይሩዎም፣ እንኮ ኣማራጺ ድማ በተን ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋዜጣታት ድምጾም ንምስማዕ ነበረ። እዚኣተን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንምብዳህ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ተባዓት ፖለቲከኛታት ዝተሳተፉዎ ናይ ቃለ መሕትትን ሓተታታትን መድረኽ ኮይነን ከገልግላ ጀመራ። ብፍላይ እቲ እዋን’ቲ፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋዜጣታት ናይ ተቓወምቲ ድምጽታት ከቃልሓ ዝጀመራሉ ኢዩ ነይሩ። ከም ስዩም ጸሃየ (ናጻ ብዓል ሞያ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት (ዘመን)፡ ዩሱፍ መሓመድ (ጽጌናይ)፡ ዳዊት ይስሃቅ (ሰቲት)፡ ስዒድ ዓብደልቃድር (ኣድማስ) ከምኡ እውን ፍስሃየ "ጆሹዋ" ዮሃንስ (ሰቲት)፡ ዓቢ ትብዓት ኣርእዮም እዮም፣ በዚ ድማ ብዕለት 18 መስከረም 2021 ተኣሲሮም።[ii]
ዘይነብ ብትብዓት ንድምጺ ፈረምቲ ክፉት ደብዳበን ነጻ መራኸቢ ብዙሓንንን ወኪላ ኣብ ኣፍልጦን መርትዖን ዝተመርኰሱ ሓያለይ ሓተታታት ክትጽሕፍን ክትዝርግሕን ጀሚራ። ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ርእይቶታትን ዘለዎም ሓሳባት ብናጻ ክገልጹን ከስምዑን መሰል ከም ዘለዎም ተጣቢቓ። ኣብ ቅድሚ'ቲ ዝቕልቀል ዝነበረ መንፈስ ራዕድን ጸለመን ስቕ ምባል ሞራላዊ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብዘየወላውል መገዲ ተኻቲዓ። ዘይነብ ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ስግኣት ከተጠንቅቖ ቆሪጻ ተላዒላ ስለ ዝነበረት፡ ብርዓ ተጠቒማ ሓሳባታ ብቕንዕናን ብንጹርን መገዲ ዝገለጸትሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኣዝዩ ዝጸልመተሉ ሰዓት፡ ብዛዕባ’ቶም ጀጋኑ እዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣውጺኣ፥
“ምእሳር ጀጋኑና፤ ጀጋኑ ክብሎም እየ ምኽንያቱ ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ ግዜ ኲናት ጅግንነትን ተወፋይነት ዘርኣዩ፡ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ቃልሲ ንደሞክራሲ፡ ጅግንነታዊ ተግባራት ከርእዩ ከለዉ ስለ እተዓዘብና። ንዕላማ ደሞክራሲ ዝግበር ቃልሲ ዝያዳ ንምሕያል ዝዓግተና የልቦን። ምእሳር ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ኣብ ዓለምና ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ብዙሓት ዓፈንቲ ስርዓታት ንመንፈስ ደሞክራሲ ንምቕታል ከም ልሙድ መሳርሒ ይጥቀሙሉ እዮም። ማንዴላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ፣ ኪም፡ ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ነበር እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ እዩ። ከምኡ እውን ናይ ፊሊፒንስ ነፍስሄር ኮራዞን ኣኪኖ፣ ሌክ ቫሌሳ ካብ ፖላንድ፣ ቫክላቭ ሃቨል ካብ ሃንጋሪ፣ ማሃትማ ጋንዲን ካልኦት ብዙሓት ፖለቲካውያን መራሕትን፡ ኩሉ ዓይነት ጸቕጥታት ሰጊሮም እዮም ተዓዊቶም። ጀጋኑና ፍትሓዊ ዕላማ ስለ ዘለዎም ክዕወቱ እዮም። ብርግጽ "ገበን'' ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ስለ ዘይፈጸሙ። ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ድማ ብዓጀባን ክብርን ክትንስኡ እዮም። ምኽንያቱ ድምጾም ንምስማዕ ኩሉ ሕጋውን ሰላማውን መገዲ ጥራይ እዮም ተኸቲሎም።
“ጉዳያት ብቕጽበት እንተ ዘይተኣሪሞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ‘ውድቀት’ ንኽፈልጥ ብማለት፡ እቲ ዝኸበረ መስመር ኣተሓሳስባ ተኸቲሎም እዮም። እዚ ጽሑፍ ንዓኻትኩምን ንኽቡር ሓሳባትኩምን እተወፈየ እዩ። ተስፋ ኣይትቚረጹ። ጀጋኑ ፈጺሞም ተስፋ ኣይቈርጹን እዮም (Ali Z., 2001)።”
ንዝኽሪ ናጻ ፕረስ ኣመልኪታ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢላ፥
“ናይ ናጻ ኣተሓሳስባ ፈለምቲ ወይ ጀጋኑ ክብሎም እየ። ኣይሞቱን። ዳግማይ ልደቶም ኣብ ቀረባ እዋን ከመስክሩ እዮም። ድሮ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ህይወት፡ ሓደ ባህሊ ኣተኣታትዮም ኣለዉ። ባህሊ ጭውነት፡ ነጻ ዋሕዚ ሓበሬታ፡ ምልውዋጥ ሓሳባት፡ ንቕሓት ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ትብዓት። መሰረታት ናይ’ቲ ፈራሕን ሕጊ ኣልቦን ስርዓት ንምንቕናቕ ዝደፍር ባህሊ። ምዕጻዎም እውን ነቲ ናይ ኤርትራውያን ድምጺ ንምምካት ዘለዎም ድሌት ኣይክዓግቶን እዩ። እቲ ኢንተርነታዊ መድረኽ ከም መተካእታ ኣብኡ ኣሎ። ኣብኡ ከኣ እዮም ሰንደቕ ዕላማኦም ዘምበልብሉዎ። ኣ ምላኽ ይ መስገን፡ ኣካል ማሕበረሰብ ዓ ለም ኢና። ኣ ምላኽ ይመስገን፡ በቲ ከማና ሰባት ዝመሃዙዎ ተክኖሎጂ ጌርና ድምጽና ከነስምዕ ኢና (Ali Z., 2001)።”
ዘይነብ፡ ኣብ ተኸታተልቲ ጽሑፋታ፡ ስልጣኖም ንምዕቃብ ዝዓለሙ ተንኰላትን ክፍኣትን ህግደፍ ኣቃሊዓ። ኣብ ሰፊሕ ኣርእስታት ብዕምቈት ብምእታው፡ ንስነ ሓሳብ ህግደፍ፡ ናይ’ቲ ውድብ ባህሪ ኣብ ሕገ ኣልቦነትን ህውከትን ከመይ ኢሉ ከም ዝሰሰነ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ኣሰራርሓኡ ኣቓሊዓ።
ዘይነብ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ቅልውላው ንምዕጋት ስጉምቲ ክወስዱ ብማለት ንህዝቢ ኣጠንቂቓ። ብዛዕባ ለውጢ ንምምጻእ ዝህሉ ኣማራጺ መገድታት ዘትያ፡ ንኹሉ ናይ ፈርሓትን ዓመጽትን ተግባራት ድማ ብትሪ ኮኒናቶ።
ዘይነብ፡ ኣብ ጽሑፋዊ ኣበርክቶኣ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ብዕምቈት ኣትያ፣ ብድምር ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓንቀጻት ኣቕሪባ። ዳህሳሳታ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዝሽፍኑ እዩም ነይሮም፥ ናይ’ቲ ስርዓት ባህሪ፡ ኣብ ፖለቲካኡ ዝረአ ምትሕልላኻትን ምስጢርን ውዲትን፡ ናይ’ቲ ውድብ ኣፈጣጥራ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ስርዓት ዘሎ ናይ ስልጣን ዳይናሚክ፡ እቲ ገዛኢ ኣካል ዝጥቀመሉ ናይ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” (brinkmanship) ፖለቲካ፡ ናይ’ቲ ሽዑ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ትርጉምን እንታይነትን፡ ከምኡ እውን ጽልዋ'ዚ ግጭት ኣብ ልዕሊ ናይ’ቲ ፕረሲደንት ዝጠፈሸ መሪሕነት፡ ወዘተ።
ዘይነብ ንኣንበብታ ብዛዕባ'ቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብልን ዝለዋወጥን ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ድማ ንፍሉጣት ፖለቲካውያን መራሕትን ሰብ ሚድያን ኣብ ማእሰርቲ ንክቕየዱ ዘሳበበ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣቐዲማ ሓበሬታ ሂባ እያ። ተነብያ እያ። በቲ ስርሓ ገይራ ድማ ነቲ ዝቕጽል ናይ ለውጢ ቃልሲ ንምምራሕ ዘኽእሉ ጠቐምቲ እትብሎም ሓሳባትን ርድኢትን ኣቕሪባ እያ።
ካልእ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፥ ቴድሮስ ተስፋይ (ናተይ ብርዒ ስም) ኣብ ጥሪ 21, 2001 ዓ.ም. ኣብ’ቲ When and Where Did Things Go Wrong for the ‘Party of the People’? ዝብል ጽሑፍ፡ ብዙሕ ጉዳያት ኣልዒሉ ዘትዩ። እዚ ኣብ ሰሚናራት ህግደፍ እተዘተየሉ ወረቐት’ዚ ክሳዕ ክንደይ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ጻዕ ጻዕ ከም ዘበሎም’ዩ ዝእምት። ኣብ’ቲ ጽሑፍ፡ ንድሕረ ናጽነታዊ ጒዕዞ ኣመልኪቱ፡ ዝተፈጸሙን ክእለዩ ዝግብኦም ዝነበሩን ጌጋታት ኣብ ምንታይ ዘተኮሩ ምንባሮምን ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ። እቲ ጽሑፍ ብቐንዱ ንመሰረተ እምነታት (ብናተይ መረዳእታ ድማ ምስምሳት) ናይ ህግደፍ ብዝበለጸ ኣቃሊዑ። እቲ “ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ድማ ብኢድካ” ዝእምነቱ ህግደፍ፡ ንኹሉ’ቲ ተግባራቱ ኣብ ትሕቲ “ፍሉይነት” (uniqueness) ዝብል ምስምስ’ዩ ዘተግብሮ። ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገር ዕጹብ ድንቂ (unique) እዩ ብምባል ነቲ ጸረ ደሞክራሲያዊ ዝኾነ ባህርያቱ ክሽፍን ዘይፍንቅሎ እምኒ የሎን ብምባል ኣጋሊጹ።
ናይ ህግደፍ ዕላማ ጥፍኣትን ዕንወትን ምዃኑ፡ ህግደፍ ብዘይካ መጠኑ ዝሓለፎ ሓይሊ (excessive power) ምጥቃም ካልእ ቋንቋ ከም ዘይፈልጥ፣ ህግደፍ፡ ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዓለም ካልእ ብዛዕባ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካል ከም ዘየሎ፣ መሰረት ህላወ ህግደፍ ኣብ ኲናት ወይ ቅልውላው ኣበጊስካ ኣብ ምሕደራ ቅልውላው ዝተመስረተ ምዃኑ፣ ህግደፍ፡ መፍትሒ ሽግራት ዓለም ኣብ ጁባኡ ጥራይ ከም ዘሎ ዝኣምን ውድብ ምዃኑ፣ ህግደፍ፡ ኤርትራ ህግደፍ እያ፡ ህግደፍ ድማ ኤርትራ እዩ ዝብል መሰረታዊ እምነት ከም ዘለዎን ብንጹር ኣቐሚጥዎ ከም ዝርከብን ድማ ኣቃሊዑ።
መወከሲታት
Ali, Zeineb, A decade since 1991: Life under PFDJ, Asmarino.com, January 30, 2002
Ali, Zeineb, A call from a sister, Asmarino.com, September 22, 2001
Tesfai Tedros, Where did things go wrong for the “party of the people?” Asmarino.com, January 21, 2001
እግረ-ጽሑፋት
[i] Eritrea Hub, The Open Letter signed by the G15— now Eritrean political prisoners, Asmara, September 15, 2021,https://eritreahub.org/the-open-letter-signed-by-the-g15-noweritrean-political-prisoners Accessed on October 16, 2023
[ii] Committee to Protect Journalists (CPJ), 15 Journalists imprisoned in Eritrea, September 16, 2005, https://cpj.org/2005/09/15-journalists-imprisoned-in-eritrea/ Accessed on October 16, 2023



Thanks a lot Zeynab Ali and TesfaiT (SSolomon) for your valuable inputs to the struggle starting from the days when regime opponents were not many. I hope you also had something to say about my favourite G-13 and their Berlin Manifesto that did not get a deserved attention at that time.
Keep up!
Best wishes
WAmmar
Fantastic contribution!!!
There was a circulation of interesting articles, printed out from offices and Internet cafes, we all use to read them voraciously, to get deeper insight of the then unfolding political circumstances, persistently engulfing our loved country.
I remember reading them with my mom in an internet cafe in Asmara and she used to be soo facinated your analysis