top of page
Search

ሳልሳይ ክፋል - ጥማዕ ዝኽርታተይ ህይወተይ - ምዕራፍ 1፡ ጕዕዞ ህይወተይ፣ ጕዕዞ ከበድቲ ምርጫታትን ፍሉያት ተመክሮታትን

Updated: Jul 18


(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)

 

ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊደ፡ እቲ ህዝቢ መንነቱ ክገልጽ ይዳሎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝምዕብል ዝነበረ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ከኣ ዓብየ። ንላዕለዋይ ትምህርተይ (ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር) ብፍቓደይ ገዲፈ፡ ንነብሰይ ንነዊሕ ዓመታት ንዕላማ'ዛ ሃገር፡ ኤርትራ፡ ወፍየያ።

 

ኣብ ምዉቕ ሕቚፊ ፈቃራት ስድራ ቤት፡ ብደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ተሓብሒበን ተዀስኲሰን ዓብየ። ወላዲተይ፡ ዓሚቝ ሃይማኖታዊ እምነት ዝነበራ ፈቃርን ሓላዪትን ወላዲት ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ዓርኪ እያ ነይራ። ምስ ደቃ ዝነበራ ርክብ ነቲ ምስ ሓደ እሙን ዓርኪ ዝግበር ዕላል ዘንጸባርቕ’ዩ ነይሩ። ምዉቕ ዕላላታ ድማ ብናጻ መገዲ ንደቃ ተካፍሎም ነበረት። ዕርክነታ ናብ ኵሎም ደቃ ብምስፋሕ፡ ምርድዳእን ቅንዕናን ቅሉዕነትን ዘለዎ ሃዋህው ክትፈጥር ክኢላ።

 

ወላዲተይ ብእንዳ ኣዴኣ ናይ ብሌንን ጣልያንን መበቈል ኣለዋ። ኣምና ኢላ ብዛዕባ ዓባያ ከተዘንትወልና ድማ እዝክር። ንሕና ግን ኣየርከብናላን። ሓብታ ንዓባያ (ዓባየይ ዓደላ ኢልና ኢና ንጽውዓ ዝነበርና) ግን ኵልና ኣርኪብናላ። ኣብ ገዛና ኣብ እትቕንየሉ ዝነበረት እዋን ሰጥ ከተብለና እንከላ ድማ እዝክር። ሓያል ሰበይቲ’ያ ነይራ። ንወላዲተይ ኣባሓጉኣ (ብወገን ወላዲታ) ካብ’ቶም ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ንኤርትራ ዝመጹኡ ላዕለዎት መኰንናት ናይ ኢጣልያ ሰራዊት’ዩ ነይሩ። ለውትናንት ጀነራል ጆቫኒ ባቲስታ ዶ ተባሂሉ ድማ ይ ጽዋዕ ነበረ። ቅድሚ ብ1941 ዓ .ም. ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ንውሑዳት ዓመታት ኣብ መንግስቲ ኢጣልያ ከም ሰነተር (senator) ኮይኑ እውን ኣገልጊሉ።[i] ለውትናንት ጀነራል ጆቫኒ ባቲስታ ዶ ብ1870 እዩ ተወሊዱ።[ii] እንዳ ኣቦኣ ንወላዲተይ ዓዲ ተስፋይ ይበሃሉ። መረበቶም ከኣ ከረን ላዕላይ ኢዩ።

 

ወላድየይ ካብ ወረዳ ተኸላ (ኣውራጃ ሰራየ ዝውለድ ኮይኑ) ዕቱብን ኣዝዩ ሓያል ሰብን’ዩ ነይሩ። ዝኾነ ጌጋ ስጉምቲ ወይ ዕሽነት ዝመልኦ ስሕተት ቅድሚ ምፍጻምካ ሳዕቤን ተግባራትካ ብጥንቃቐ ክትሓስበሉ ኣሎካ። ኣካላዊ ማህረምቲ ከዘውትር ፈጺሙ ርእየዮ’ኳ እንተ ዘይፈልጥ፡ ትኵር ኣጠማምታኡን ኵራ ዝዓሰሎ ወይ ዝመልኦ ገጹን ግን ናይ’ቲ በደል ክብደት ንምትሕልላፍ እኹል’ዩ ነይሩ። ወላድየይ ኣብ ገዛ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ እቲ ገዛ ፍጹም ስቕታ ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ማኪና ካብ’ቲ ማዕጾ ናይ ገዛና ወጺኣ ማዕጾ ኣብ ዝተዓጽወሉ ህሞት ኣብ መንጎ ንኣሽቱ ኣሕዋት ዋዕዋዕታን ባእስን ይፍጠር ነይሩ።

 

ኣብ ኮምቦኒ ኮለጅ ክመሃር እንከሎኹ ናይ ቤት ትምህርተይ ሪፖርት ካርድ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሽዱሽተ ሰሙን ባዕሉ ክፍርሞ ነይሩዎ። ነጥብታት እናረኣየ ይፍርም’ሞ ካብ’ቲ መመገቢ ክፍሊ እናወጻእኩ እንከሎኹ፡ "ዝሓሸ ነጥቢ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ ዝብል ግምት ኣሎኒ" ዝብል ርእይቶ ይህበኒ’ሞ ስቕ ይብል። በቃ።

 

ኣቦይ መበቈላውነት (originality) ኢዩ ዝፈቱ ዝነበረ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ሓድሽ ቅዲ ጸጒረይ ተዓዚቡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝመረጽኩ ሓተተኒ። ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓያሎ ኣወዳት ተመሳሳሊ ፋሽን ከም ዝኽተሉ ነጊረዮ። ንሱ ድማ ካብቶም ካልኦት ፍሉይ ክኸውንን ብርቅን ሓድሽን ነገራት ክመርጽን ሓቢሩኒ። ”ዋላ ቅርጺ ኮኾብ ዝመስል ናይ ጸጉሪ ኣቀማቕማ ዲዛይን ዘይትገብር” ኢሉኒ። ድሕሪ እቲ ዕላል፡ እቲ ቃላቱ ንነዊሕ እዋን ምሳይ ጸኒሑ። ኣብ ኣከዳድና እውን ከምኡ። ንኽትቀድሕ ኣየተባብዓካን።

 

ኣቦይ ኣባል ኣል ራቢጣ ኣል እስላምያ’ዩ ነይሩ - ኣብ 1940ታት ንናጽነት ኤርትራ ከግህድ ዝጽዕር ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ።

 

እቲ ብወለደይ ዝሰረጸን ናይ ህይወት ትምህርትን ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ዝቐሰምኩዎ መንፈሳዊ ምህሮታትን፡ ማለት እቲ ክትገብሮ ዘሎካን ዘይብልካን ነገራት፡ ከም መሪሕ መትከል ህይወተይ ኮይኑ የገልግለኒ ኣሎ።

 

ሰንበት ሰንበት ብዘይካ ኣቦይ ኵሉ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከይዱ ናይ ንግሆ ቅዳሴ ከሰምዕ ግዴታ ነይሩዎ። ወላዲተይ ከኣ’ያ ኰብኲባትና ትኸይድ። ኣቦይ ኣብ ካቴድራለ ድሒሩ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ቅዳሴ ይኸይድ ነይሩ፣ ድሕሪ ቅዳሴ ብማኪና ናብ ዓርበ ሮቡዕ ወይ ናብ በለዛ ሒዙና ይኸይድ። ንዘናጋዕ ድማ።

 

ኣቦይ ፍርያት ናይ’ተን ብካቶሊካውያን ሚስዮናት ዝተኸፍታን ዝመሓደራን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ’ዩ ነይሩ። መማህርቱ ብዓል ነፍስሄር ፊተውራሪ ሰሎሞን ተኽለን (ወላዲኡ ንጴጥሮስ ሰሎሞን) ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋሃንስ በርሀን ከም ዝነበሩ ከዘንቱ እንከሎ ይዝከረኒ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ከም ካልኦት ኤ ርትራውያን ዜጋታት ከም ኣስተርጓሚ ኮይኒ ኣገልጊሉ። ጸኒሑ ግን ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ።

 

ንእስነተይ ዋላ’ኳ ካብ’ቲ ናይ ካልኦት መሳቶይ ዝፍለ እንተ ዘይነበረ፡ ብንሕንሕ ኣሕዋትን፡ ኣብ ሓላዪ ሕብረተሰብን ዝተደኮነ ሓጎስ ዝመልኦ ስሉም ዓለባ’ዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ፡ ምንጪ ባእሲ ኣሕዋት ዝነበረ ሳጓታት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናይ ፍቕሪ መጸውዒ ኮይኑ። ሓሓሊፉ ባእስን ምጭቕጫቕን’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝነበረ ምትእስሳር ምስ ግዜ እናተጠናኸረ መጸ። ጸወታን ንሰብ ዘሕርቑ ተግባራትን (mischieves)) ምግባርን ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ዕድመይ እውን ዘይነጻጸል’ዩ ነይሩ፣ ግን ካብ ደረቱ ዝሓልፍሲ ኣይነበረን።

 

ኣብ ግዜ ንእስነተይ፡ ክልተ ፍሉያት ሰባት ከም ኣርኣያ ኮይኖም ይቕልቀሉ። ቀዳማይ፡ ነፍስሄር ኣኮይ መድሃኔ ዮሴፍ፡ ካብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ በይሩት (American University of Beirut) ብቐዳማይ ዲግሪ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ስነ ቍጠባ ለንደን (London School of Economics) ድማ ብኻልኣይ ዲግሪ ዝተመረቐ፣ ብንኡስ ዕድመኡ ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝበጽሐ፡ ከምኡ እውን ከም መምህር ዩኒቨርሲቲን፡ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን፡ ኣካያዲ ስራሕ ናቕፋ ኮርፐረሽንን ኮይኑ ዝሰርሐ። ካልኣይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቐዳማይ ዲግሪ፡ ካብ ካናዳ ድማ ካልኣይ ዲግሪ ዝረኸበ ኣቦ ጥምቀተይ ነፍስሄር በየነ ደበሳይ ነይሩ። ንሱ ኣብ’ቲ ብሕታዊ ጽላት (ኣብ ገላትሊ ሃንኪ ደሓር ድማ ኣብ ፋብሪካ ባራቶሎ) ከም ብሉጽን በሊሕን ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ኣገልጊሉ። በየነ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ካብ’ቶም ንጡፋት ኣባላት ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ ዝነበረ። ብተወፋይነቱን ብዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶን ድማ አድናቆተይ ወሰን የብሉን። እቲ ማሕበረ ሰብ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ውልቀ ሰባት ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ እዝክር። ከም ናተይ ኣብነት (role models) ገይረ ድማ እወስዶም ነበርኩ።

 

መድሃኔ በሊሕ፡ መስተውዓሊ፡ ለባም፡ ሕዉስ፡ ትርጉም ዕርክነት ዝርዳእን ዝፈልጥን (ብንኡስ ዕድመኡ ዝተዓራረኾም መትዓብይቱ ዕድመ ልክዕ ብዕርክነት ከም ዝወድኦ እየ ዝፈልጥ)። ንዓና ንብዕድመ ንኣሽቱ ደቂ ሓፍቱ ድማ ናይ ቀረባ ኰስኳሲናን ኣርኣያን እዩ ነይሩ። ከም መሰታኡ የዕልለካን ይሰምዓካን። ን ጽቡቕ ጠባያትካ ካብ ምንኣድ ድሕር ዘይብል፡ ክትጋገ እንከለኻ ድማ ዝገንሕ ዓቢ ሓው’ዩ ነይሩ። ንወላዲተይ ኣዝዩ ይፈትዋ ነይሩ። ማ ድሉ ሓ ፍተይ ይ ብላ፡ ክ ሳብ ብ ሞት ካብ’ዛ ዓለም ዝፋኖ ድማ ስእላ ኣብ ጠረጴዛኡ ነያራ። ንገዛ ቅድሚ ምምጽኡ እንተ ድኣ ደዊሉ፡ ኣደይ እንታይ ዓይነት ምግቢ ቀሪባ ከም እትጸንሕ ይፈልጥ እዩ። ቅልዋ። ንኣቦይ፡ ኣያ ሰሎሞን ኢሉ’ዩ ዝጽወዖ ዝነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ድማ ልዑል ኣኽብሮት ነይርዎ። ኮፍ ኢሎም ክካትዑ ከለዉ ነዊሕ ግዜ እዮም ዝወስዱ። መድሃኔ ቅድሚ ሓዳሩ ምውጽኡ ሓሙስ ሓሙስ ምስ ኣቦይ ኣብ ገዛና እዩ ዝምሳሕ ነይሩ።

 

ካብ ዘይርስዖ ናይ መድሃኔ ዘረባታት፡ ክትካትዖ እንከሎኻ እንተ ዘይተረድኦ “ኣረድእ” ይብለካ። መርትዖ ወይ ጭብጢ ኣቕርብ ክንዲ ማለት ኢዩ። ክትዓትካ ብመርትዖ ክሳብ ዘየሰነኻዮ ድማ ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ኣይከኣልን። ኣነ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ምስኡ ኣብ ዕላል ኣብ ዝጽመደሉ እዋን እሞ ከኣ ህውኽ ኢሉ ብዛዕባ ሓደ ሓደ ብዕምቈት ኣፍልጦ ዘየማዕበለሎም ጉዳያት (ንኣብነት ህዝባዊ ግንባርን ኣሰራርሕኡን) ርእይቶ ዝህብ ዘሎ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዑኒ፡ “ዘይተዋህልል” ክብሎ ይዝከረኒ እሞ “ሓቕኺ እኮ ኢኺ ሳሚር ይብለኒ።” “ሳሚር ኣዋህልል’ዩ ዝብለካ” ኢሉ ድማ ምስ ኣዕሩኽቱ ከም መመሰሊ ገይሩ ንዘረባይ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ “ኣረድእ” እትብል ናይ መድሃኔ ቃል ኣዘውቲረ ይጥቀመላ እየ። ከመይሲ ክትዓትና ብመርትዖታት ክስነ ኣለዎ ዝብል እምነት ስለ ዘሳሲ። ካብ’ዚ ሓሊፈ እውን ዝኾነ ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ክህበኒ እንከሎ ተቐዳዲመ ምንጪ ይሓትት። “ዩትዩብ” እንተ ኢሎምኒ ስቕ ኢለ ኣይቅበሎን እየ። ብዙሓት ከካብ ጁባኦም ኣውጺኦም ስለ ዝዛረቡ። መድሃኔ ክዛረብ እንከሎ ናይ ሰዋስው ጌጋ ኣይፍጽምን እዩ። እቶም ቃላትን ሓረጋትን ካብ ኣፉ ብጥንቃቐ’ዮም ዝወጹኡ። ሃንደራእ ኢሉ ድማ ኣይዛረብን። ቀልዲ መን ከርክቦ። ከም መብዛሕትኦም ናይ ቀደም ደቂ ኣስመራ (ወይ ከኣ ኣዝማሪኒ)።

 

ዋይ.ኤም.ሲ.ኤይ. (YMCA) ንእስነተይ ኣብ ምቕራጽ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ፣ ስፖርትን ምዝንጋዕን ጥራይ ዘይኮነስ ብመገዲ’ተን ዝጥርንፋና ዝነበራ ክለባት ብዋጋ ዘይሽነን ናይ ኣመራርሓ ትምህርቲ እውን ተለጊሱለይ። ካብ ኲዕሶ ሰኪዔት ክሳብ ቸስ፡ ዋይ.ኤም.ሲ.ኤይ. ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝሰላሰለሉ ባይታ’ዩ ነይሩ። ኣነ፡ ነፍስሄር ጌታቸው ሃይለ፡ ነፍስሄር ግርማይ ዮውሃንስ (ቮቸ)፡ ተኽለ ኣብራሃ፡ ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ)፡ ለማ ሃይለማርያም፡ ነፍስሄር ጴጥሮስ ወልደ፥ ኣርኣያ ይሕደጎ፡ ኣብራሃም ነጋሲ፡ ነፍስሄር ዓወተ ወልዱ፡ ነፍስሄር መስፍን ሃይለ ኣባላት ናይታ እትጥርንፈና ዝነበረት ጆሊ ጋይስ (Jolly Guys) ዝሰመናያ ክለብ ኢና ኔርና። ምስ’ተን ከም ብዓል ኤቨርላስቲንግ (Everlasting)፡ ያንግ ፍላወርስ (Young Flowers) ዝኣመሰላ ክለባት ድማ ምዉቕ ዝምድና ነይሩና። ካባና ብቊሩብ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ስለ ዝነበሩ እውን ይመኽሩና ነይሮም። ግርማይ ዮውሃንስን (ቮቸ) ተኽለ ኣብርሃን ድማ ኣብ’ቲ ናይ ክለባት ባይቶ ይውክሉና ነበሩ።

 

ዋይ.ኤም.ሲ.ኤይ. እቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃይለስላሴ ዝተመረቑን ካልኦት ገዳይም ተምሃሮን፡ ነቶም ንፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ዝቀራረቡ ዝነበሩ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብትምህርቲ ዝሕግዙሉ ዝነበሩ ማእከል ኮይኑ እውን ኣገልጊሉ እዩ። ካብ ዘይርስዖም ፍጻመታት እቲ ብግዜ ክረምቲ ሓለፍቲ ዋይ.ኤም.ሲ.ኤይ. ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ዶንጎሎ ዝውድብዎ ዝነበሩ ምብጻሕ ወይ ካምፒንግ (camping) እዩ። እዚ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝወስድ መገሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከም እትሳተፍ ይገብረካ። በብዓይነቶም ምስ ገመድ ምእሳር ዝተኣሳሰሩ ክእለታት ተጥሪ፡ ስነ ምግባር ትመሃር፡ ትሕምብስ፡ ምሸተ ምሸት ድማ ኣብ ክሊ ዝኣጐድካዮ ሓዊ ኴንካ ትዝምርን ትዘናጋዕን። ከም ጋንታ ትንቀሳቐስ፡ ከም ጋንታ ትተሓጋገዝ፡ ከም ጋንታ ድማ ትዋሳእ። እዚ ኣብ ናይ ሓባር ህይወት ከመይ ኢልካ ክትዋሳእ ከም ዘሎካ ንኽትመሃር ይሕግዘካ።

 

መድሃኔ ዮሴፍ ንናይ ኲዕሶ ሰኪዔት ጋንታና ካብ ጁብኡ ብምምዋል (ስፖንሰር ብምግባር)፡ ካብ ቃኘው ስተሽን ምስ ዝመጸ ክኢላ ኣመሪካዊ ኣሰልጣኒ ምትእስሳር ከም ዝህሉዋ ገይሩ እዩ። ብቕዓትና ኣብ ምብራኽ ድማ ወሳኒ ግደ ነይሩዎ። ስልጠናና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቦችዮፊላ’ዩ ዝካየድ ዝነበረ። ኣናሻዕ ድማ ኣብ ቃኘው ስተሽን ዝበሃል ዝነበረ መዓስከር ኣመሪካዉያን ወተሃደራት።

 

ፊልምታትን ምሕዝነት እሙናት ኣዕሩኽን (ጌታቸው ሃይለን ግርማይ ዮውሃንስን ብፍላይ)፡ ንምዝንጋዕን ንገዛእ ርእስኻ ንምግላጽን ምቹእ ተወሳኺ ሃዋህው ይፈጥረልና ነበረ። ጌታቸው ሃይለ - ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር - ብ1978 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቐቲሉ። ሓዉ - ነጋ ሃይለ - እውን ከምኡ። ክልቲኦም ብኢድ እቲ ጨካን ስርዓት ደርግ። ጌታቸውን ነጋን ክልቲኦም ውፉያት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር’ዮም ነይሮም። ሓብቶም የሺ ሃይለ ድሕሪ’ቲ ከም ናይ ከተማ ውድብቲ ኮይና ምግልጋላ ኣብ 1978 ዓ.ም. ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢራ። ቅድምን ድሕርን ናጽነት ሃገርን ድማ ብዝለዓለ ተወፋይነት ኣገልጊላ።

 

ካብ ንእስነተይ ጀሚረ (ምስ ኣሕዋተይ) ብሽክለታ ናይ ምውናን ፍሉይ ዕድል ረኺበ። ወዲ 15 ዓመት እንከሎኹ ድማ ወግዓዊ ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና ጀሚረ። ኣቦይ ነዚ ጉዳይ ብዘይተጸበኹዎ መገዲ’ዩ ፈጺሙዎ።

 

ሓደ ቀዳም ንግሆ፡ እንበጽሖ ቦታ ከይገለጸ ከሰንዮ ሓተተኒ። ማኪና ምስ ተሰቐልና፡ ናበይ ንኸይድ ከም ዝነበርና ፍጹም ኣንፈት ወይ ግምት ኣይነበረንን። ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥቓ መርካቶ ኮፐርቶ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና (ኣውቶስኩዎላ ኣፍሪቃ) በጻሕና። ካብ ማኪና ቅድሚ ምውራደይ፡ ኣቦይ ነቲ ዝጽበየና ዝነበረ ሰብ እና’መልከተ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ባዕሉ ክነግረኒ ምዃኑ ሓቢሩ ተሰናበተኒ። ስም ናይ’ቲ ምዝዋር ማኪና ንኽምህረኒ ዝተመደበ መምህር ፍጹም ይብሃል። ምስ ፍጹም ክሳዕ’ቲ ትምህርቲ ዝጠናቐቕ ኣዝዩ ምዉቕ ዝኾነ ዝምድና መስሪትና። ይዝከረኒ፡ ፍጹም ወዲ ኣባ ሻውል’ዩ ነይሩ። ሓደ ካልእ ዘይርስዖ ናይ ኣቦይ ጠባይ ከም’ቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሃንደበትነቱ እዩ። ሓደ መዓልቲ ደገ ውዒለ ኣማስያይ ገዛ እምለስ’ሞ እንተ ርኤኹ ብሽግለታይ ኣብ ገዛ ዘየላ። ንኣደይ እንተ ሓተትኩዋ ንኣቦኻ ተወከሶ ትብለኒ። ተደሪረ ናብ ምድቃሰይ እኸይድ። ንጽባሒቱ ንግሆ ኣቦይ ይጽውዓኒ እሞ ኣብ ማኪና ተሰቐል ይብለኒ። ሒዙኒ ብቐጥታ ናብ እንዳ ቶርፓዶ ዝብሃላ ክቡራት ብሽግለታት ዝሽየጣሉ ናይ ሓደ ኢጣልያዊ ዜጋ ዱኳን ይወስደኒ፣ ደሓር ሓንቲ ካብተን ተዳልየን ዝነበራ ሓደስቲ ብሽግለታት ክወስድ ድማ ይሕብረኒ። ብሽግለታይ ሒዘ ንገዛይ እምለስ። ለካ ድሒረ ከም ዝፈለጥኩስ ኣቦይ ነታ ብሽግለታይ ንሓደ ካብ ገጠር ዝመጽአ ዘመድ’ዩ ሂቡዎ።

 

ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ካብ’ታ ዓባይ ሓፍተይ ኢለን ሰሎሞን ጀሚርካ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ’ቲ ብኢየሱሳውያን (ጀዝዊትስ) ዝመሓደር ዝነበረ ጽቡቕ ስም ዘትረፈ ቤት ትምህርቲ ኮምቦኒ ኮለጅ ኣስመራ ተማሂሮም። ዓባይ ሓብተይ (ኢለን ሰሎሞን) ንኮምቦኒ ብብሽግለታ ገይራ ትመላለስ ከም ዝነበረት ስድራይ የዘንትዉ። እዚ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣዝዩ ብርቂ ነገር’ዩ ነይሩ።

 

ትምህርተይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምውዳእ፡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተይ ጀሚረ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ (ሃገረ ሽወደን) ቀጺለ። ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ፍረሽማን ፕሮግራም እዞም ዝስዕቡ መማህርተይ እዝክር፤ ኪዳነ ገብረሚካኤል (ካርሎ)፡ ብርሃነ ኣስገዶም፡ ኪዳነ ሰሎሞን (ምዕባይ ሓወይ)፡ ኢሳይያስ ተስፋጽዮን፡ ዑቚበ ኣብርሃ፡ ተወልደ ዓንዱ፡ ቴድሮስ ኣማኑኤል፡ ነፍስሄር ተኸስተ (ዲኦ)፡ ነፍስሄር ኣስካለ፡ ነፍስሄር ወዲ ጴጥሮስ፡ ነፍስሄር ኣስመሮም ገ ብረየሱስ፡ ነፍስሄር ኣማኑኤል ፍስሃየ፡ ነፍስሄር ኣብርሃ ተ ስፋይ፡ ሰመረ ፍስሃየ፡ ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ዘርኣይ ፍስሃየ ወዘተ። ብዓል ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ስብሓት ኤፍረም፡ የማነ በየነ (ጠሊፋ)፡ ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ)፡ ኣብርሃ ካሕሳይ (ኣቲላ)፡ ክብሮም ደበሳይ (ቅሱን)፡ ወዘተ ናትና ሲንየርስ እዮም ነይሮም።

 

ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን) ናይ ቋንቋ ሽወደን መማህርተይ ዝነበሩ ዩሱፍ ሓሰን፡ ኪዳነ ገብረሚካኤልን (ካርሎ) ብርሃነ ኣስገዶምን ይርከቡዎም። ድሕሪ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምጥንቓቕና፡ ሰለስቲኦም ኣብ ስቶክሆልም ፋካልቲ ናይ ኢንጂነሪንግ ንምጽንባር ክተርፉ እንከለው፡ ኣነ ግን ናብ ናይ ፋርማሲ ፋካልቲ ንምጽንባር ንኡፕሳላ ግዒዘ። ትምህርተይ ድማ ጀሚረ። ቴድሮስ ኣማኑኤል - ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ መማህርተይ ዝነበረ ዓርከይ - ጽንሕ ኢሉ ኣብ ኡፕሳላ ተጸንቢሩኒ።

 

ኣብ ሽወደን እንከለኹ ኣብ’ቲ ውዳበ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ብንጥፈት ይሳተፍ ነበርኩ። ኣብ ፓቭያ (ኢጣልያ) ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ እውን ምስ ኪዳነ ገብረሚካኤል (ካርሎ) ተሳተፍኩ። ናይ “ፓቭያ ብይን” ዝብል ህቡብ መግለጺ ሒዝና ክንውጽእ ድማ እዝከርኒ። ንዓመት ዝኣክል እውን ከም ዋና ጸሓፊ ናይ ጨንፈር ሽወደን ኮይነ ኣገልጊለ። እዝከረኒ፡ ኣነን ቴድሮስን ሓንቲ “ገድሊ ኤርትራ” እትበሃል ብቛንቋ እንግሊዝኛ እትጽሓፍ መጽሔት ከነዳሉ ጀሚርና ኔርና። ኣብ’ቲ ጉባኤ ናይ ፓቪያ ብዓል ሳሙኤል ባይረ (ሽዑ ጎንጨ)፡ ተስፋልደት ማሪያኖ፡ ወልዱ ዮውሃንስ፡ ምጽላል ልጃም፡ ሙሴ (ሕጂ ኣብ ጀርመን ዝነብር)፡ ብንጥፈት ክዋስኡ ድማ እዝክር። ብድሕሪ’ዚ ኣብ በርሊን (ጀርመን) ውሑዳት ሰባት ተኣኪብና ንብይን ፓቪያ ብደቂቕ ርኢና ሓድሽ መግለጺ ከነውጽእ እውን ይዝከረኒ። ኢያሱ ሃብቱ - ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ልዕሌና ተመሃራይ ዝነበረ - ንጨንፈር ኢጣልያ ወኪሉ መጺኡ ከም ዝነበረ እውን እዝክር።

 

ተመሃሮ እንከለና፡ ኣበየ ኵርናዓት ዓለም ዝተኸስቱ ገስገስቲ ኣህጉራውያን ምንቅስቓሳት ብሓፈሻ፡ ሃገራውያን ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባና ዓቢ ጽልዋ ነይርዎም። ከም ብዓል ክዋመ ኑክሩማ (ጋና)፡ ኣሚልካር ካብራል (ጊኒ ቢሳው)፡ ፍራንዝ ፋኖን (መበቘሉ ማርቲኒክ ኮይኑ ግንከ ኣብ ኣልጀርያ ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ዝቃለስ ዝነበረ)፡ ሆ ቺ ሚን (ቬትናም)፡ ቸ ጐቫራ (ቦሊቭያ)፡ ጀሚላ ቡሂረድ (ኣልጀርያ) ዝኣመሰሉ መራሕቲ ናይ’ዞም ምንቅስቓሳት ኣብ መንጎና ኣዝዮም ህቡባት ነበሩ። ኣሰር እግሮም ክንክተል ድማ ንህንጠ ነበርና።

 

ኣካዳሚያዊ ትግሃት መለለዪ ናይ’ቲ እዋን ትምህርተይ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ 12 ክፍሊ ኣብ ''ፍሉይ ክፍሊ''፡ ክፍሊ ቋንቋ ፈረንሳ (French section) ቀዳማይ ብልጫ ብምውሳድ እየ ዛዚመዮ።

 

ብኣጋኡ ንንባብ ብምቅላዐይ፡ ነቲ ናይ ፍልጠት ሸውሃተይ ኣበሪኽዎ። ኣብ 14-15 ዕድመይ ኣብ 9ይን 10ይን ክፍሊ እናተመሃርኩ እንከለኹ ዳርጋ ንኹለን ብኣፍሪቃውያን እተደርሳ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ (African Writers Series) ካብ ቤተ መጻሕፍቲ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ እናተለቃሕኩ ወዲአየን።

 

ኣብ ዓውዲ ስነ ጽሑፍ፡ ካብ ሃብታማት ቤተ መጻሕፍቲ ነፍስሄር ኣኮይ መድሃኔ ዮሴፍን፡ ካብ ኣቦ ጥምቀተይ በየነ ደበሳይን፡ ከምኡ እውን ካብ ንእሽቶ ሓዉ ነፍስሄር ዮናስ ደበሳይን መጻሕፍቲ ይልቃሕ ነይረ።

 

መደበር ቃኘው (ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ) ንዓይን ንኣሕዋተይን ምስ ናይ ኮሚክ መጻሕፍቲ (comic books) ኣላልዩና፣ እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ኣልቤርጎ ኢጣልያ፡ ኣስመራ፡ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ኪዮስክ ብምልውዋጥ ይካየድ ነበረ። ንሓደ መጽሔት ብዓሰርተ ሳንቲም ንገዝኦ እሞ ነቲ ዘንበብናዮ ንሓደ ብሓምሽተ ሳንቲም ሼጥና ነቲ ዘየንበብናዮ ንገዝእ። ኣደይ ግን ፈጺማ ኣይፈትዎም’ያ ነይራ። ኵሉ ግዜ ድማ "ካብ’ዞም "ፊጉሪኒ" (ስእልታት) ርሓቑ፡ ኣብ ናይ ቤት ትምህርትኹም መጻሕፍቲ ኣተኩሩ" ትብል ነበረት። ኣነን ኣሕዋተይን ግነ ኣደይ ንኸይትረኽቦም’ሞ ከይትድርብዮም ብማለት ነቲ ኮሚክ መጻሕፍትና እንሓብኣሉ ዝተፈላለየ ምስጢራዊ መሕብኢ ቦታታት ነይሮሙና።

 

ኣብ ውሽጢ ስድራይ ናይ ምንባብ ባህሊ ሰሲኑ ነበረ። ኣቦይ ክሳዕ ኣዝዩ ዝመሲ ኣብ መጽሔታት ጥልያን ይጥሕል ነበረ። እታ ዝፈትዋ ሰሙናዊት መጽሔት "ዶመኒካ ደል ኮሪየረ" (ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ እትሕተም ሰሙናዊት መጽሔት) ኮይና ኣብ ግዜ ምሳሕን ድራርን ድማ እተመሳቐለ ቃላት ("ክሩቺ ቨርባ") ይጻወት ነይሩ። ነፍስሄር ዓባይ ሓፍተይ ኣስመረት ሰሎሞን ድማ ናይ መጻሕፍቲ ምንባብ ፍቕሪ ስለ ዝነበራ ንመዓልታት ኣብኡ ትእለኽ ነበረት። ሓንሳእ ሓንሳእ ንኽልተ-ሰለስተ መዓልታት ኣይንሪኣን። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ከም ኣስመረት ገይሩ መጻሕፍቲ ዘንብብ ወይ እውን ፍቕሪ መጻሕፍቲ ዝነበሮ ሰብ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ዓበይቲ ኣሕዋተይ ኣልጋነሽን ነፍስሄር ኣሰፋሽን ኣብ ክልቲኡ መጽሔታት ጥልያንኛን እንግሊዝኛን ከም "ሮማንሶ"፡ "ሓቀኛ ፍቕሪ"፡ "ሓቀኛ ዛንታ" እናተገላበጣ የንብባ ነበራ። ጸኒሐን ድማ ናብ ልብ ወለድ ተሰጋጊረን።

 

ቋንቋታት ንምምሃር ልዑል ፍቕሪ ነይሩኒ። ኣብ ምሸታዊ ቤት ትምህርቲ ፕሪንቺፐ (ዳንተ ኣሊጊየሪ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ) ቋንቋ ጥልያን ንሓሙሽተ ዓመት ብተኸታታሊ ተማሂረ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኣሊያንስ ፍራንሰዝን ቋንቋ ፈረንሳ ተማሂረ፣ ድሕሪ ትምህርቲ ወይ ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕርፍቲ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጃልያ (ቤት ትምህርቲ ማሕበረሰብ ዓረብ) ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ እወስድ ነይረ። ቋንቋ ዓረብ ምናልባት ናብ ጀብሃ እንተ ተጸምበርና ኢልና ዝጀመርናዮ ትምህርቲ’ዩ ነይሩ። ብርክት ዝበልና ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኢና ነይርና። ብድሕሪ’ዚ ምስ ኣማኑኤል ዘርአማርያም ቀጺልናዮ። መምህርና ኡስታዝ ዑስማን ዝተባህለ መንስዐታይ ነበረ።

 

ናይ ወላዲተይ መጻሕፍቲ ጸሎት፡ ብኽብረት ዝተታሕዙ ማዕከናት መንፈሳውነት፡ ኵሎም ብቛንቋ ጥልያን’ዮም ነይሮም። ኣደይ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጣልያን’ያ ተማሂራ።

 

ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ህይወተይ ኣብ ናይ’ታ ኣብ ቃልሲ ዝነበረት ሃገር ልደትን ምዕባለን ምሕብሓብን እየ ኣሕሊፈዮ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝነበረኒ ሓላፍነታት ምስ ምምስራት ናይታ ብድልዱል ማሕበረ ቍጠባዊ መዋቅር ዝተሰነየ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ሓራ ኤርትራ ብቐረባ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ።

 

ብዙሕ መብርሂ ብዘየድልዮ ምኽንያታት፡ መብዛሕትኡ ስርሐይ ወይ ኣበርክቶይ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ህዝባዊ ግንባር ይኹን፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዘይ ዝኾነ ገንዘባዊ ካሕሳ ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብ መፋርቕ 1990ታት ጥራይ’ዩ እቲ መንግስቲ ተምሳላዊ ደሞዝ ክህብ ዝኸኣለ። ኣብ ምውላድ ኤርትራ ዘጥረኹዎ ተመክሮታትን ኣብ’ተን ናይ ድሕረ ናጽነት ዓመታት ዝነበረኒ ተሳትፎን ንባዕሉ ከም ዓስቢ’የ ዝቖጽሮ።

 

ንሜዳ ካብ ሃገረ ሽወደን’የ ተሰሊፈ። ንሜዳ ንኽከይድ ምስ ወሰንኩ፡ ንሰለስቲኦም መሳድድተይ ዝነበሩ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ (ዩሱፍ ሓሰን፡ ኪዳነ ገብረሚካኤል (ካርሎ)ን ብርሃነ ኣስገዶምን ምስ ገለጽኩሎም ድማ ሰንቢዶም። ውሑዳት መዓልታት ምስኣቶም ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ን ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ተኽላይ ሓረካን ገብረሚካኤል (ቀሺ) ኣብ ጀርመን ተጸንቢረዮም። ብሓባር ብምጒዓዝ መጀመርያ ናብ ኢጣልያ (ሚላኖ)፡ ደሓር ሊባኖስ (በይሩት)፡ ካብኡ ድማ ንየመን (ዓደን) ተጐዓዝና። ብኢጣልያ ክሓልፍ እንከለኹ ምዕባይ ሓፍተይ - ነፍስሄር ኣሰፋሽ ሰሎሞን - ኣብ ፓርማ ዝተባህለ ከተማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፋርማሲ ተመሃሪት ነይራ። ከይትሻቐል ብምፍራሕ ግን ከይነገርክዋ’የ ንሜዳ ኤርትራ ጒዞይ ቀጺለ። ደሓር’ዩ ሓደ ካብ’ቶም መሳድድተይ (ኪዳነ ገብረሚካኤል) ኣብ ቦሎኛ ምስ ረኸባ ዝነገራ። ከም ዝበኸየት ድማ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ምስ ተራኸብና ገሊጹለይ።

 

ኣብ ዓደን ምስ’ቶም ሽዑ ናይ’ቲ ቤት ጽሕፈት ሓለፍቲ ዝነበሩ ብጾት ወልደንኪኤል ገብረማርያምን ኣሕመድ ጣህር ባዱሪን ተራኸብና። ምስኣቶምን ምስ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ውጉኣት ተጋደልትን ድማ ኣብ ዓደን ንውሑዳት ሰሙናት ጸናሕና። እዝከረኒ ሽዑ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሜዳ ንዓደን መጺኡ ነይሩ። ምሳና ድማ ኣብኡ ቀንዩ። ክሊማ ዓደን ምዉቕ እዩ። ጸሓይ ዓራርቦ ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጺእና ክንናፈስ ንኸይድ። ኢሳይያስ ኵሉ ግዜ ምሳና ይመጽእ፡ ነዕልል ድማ። ከም ዝዝከረኒ ናብ በይሩት ገጹ ኢዩ ዝጐዓዝ ነይሩ።

 

መራኽብ ምስ መጽኣ፡ ምስ’ቶም ንሜዳ ዝኣትዉ ዝነበሩ ሕክምና ዝግበረሎም ዝነበሩ ተጋደልትን ኣጽዋርን ጠያይትን ናብ ሜዳ ኤርትራ ጒዕዞና ኣምራሕና። ሽዑ እየ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ብርሃነ ገረዝጊሄር ዝተራኸብኩ። ብርሃነ ኣባል’ታ ብባሕርያ እትጽዋዕ ዝነበረት ኣሃዱ’ዩ ነይሩ። ህድእ ኢሉ ዘዕልልን ለባምን ሰብ ኮይኑ ድማ ረኸብክዎ። ጽቡቕ ዝምድና ድማ ፈጠርና።

 

ድሕሪ ናይ ውሑዳት መዓልታት ጒዕዞ፡ ኣብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ በጻሕና። ንመጀመርያ ግ ዜ ዝ ርኤኹዎም ተጋደልቲ ናይ’ታ ብክፍሊ እምዳድ (ኣጽዋር) እትጽዋዕ ዝነበረት ኣሃዱ ኣባላት እዮም ነይሮም። ካብ’ዚኣቶም ፍስሃየ ወልደገብሪኤል፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላን ፍሊጶስ ወልደሃንስን እዝክር። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ይኹን ኣብ ካልእ ንጥፈታት ኣገልጊለ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትርጉም ኣልቦ ኲናት ሓ ድሕድ፡ ን ኽልቲኡ ው ድባት ን ምዕትራቕ ኣ ብ ዝ ግበር ዝ ነበረ ጻዕሪ ንህሓሓኤ ንምውካል ብተጋደልቲ ኣብ ዝተመረጽኩሉ እዋን፡ ጌና መንእሰይ እየ ነይረ።

 

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ፖለቲካዊ ትምህርትን፡ ናብ ሓይሊ ዓወተ (ጋንታ ማሕሙድ ዛበጣ) እየ ተመዲበ። ሽዑ ህዝባዊ ሓይልታት (ብምልእታ) ብኣስታት ሸሞንተ ሓይልታት (ነፍስ ወከፈን ስሳ ተጋደልቲ ዝጠርነፋ) ዝቘመት ውድብ ነበረት። ብዘይካ’ዚአን፡ ነተን ሓይልታት ድጋፍ ዝህባ ውሱናት ክፍልታት (ሕክምና፡ ስንቂ፡ ዕጥቂ ወዘተ) እውን ነይረን። ተመክሮ ጒዕዞ ንከበሳ ቀሊል ኣይነበረን። ብዛዕባ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ነዊሕ መገዲ ምጓዓዝ ወዘተ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። መዓስከራት ጸላኢ ሕቖና ሂብና ነንሓድሕድና እንተሃናኾተሉ ዝነበርና ተመክሮ እየ ዝዝከር ዘሎኹ። ነቲ ኣብ ሽዕብን ሰሎሞናን ተደኲኖም ዝነበሩ መዓስከራት ኮማንድስ ሕቖና ሂብና ምስ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንዋጋእ ነበርና። ከ በሳ ምስ ወጻእና እውን ከምኡ። ብዓል በራኺ ወዲ ፈንቅል፡ ገረዝጊሄር ቀሺ፡ ግርማይ ዓይነታ፡ ተኽሉ ሸሪፍ፡ ሳልሕ ጠጠው፡ ኣሚራይ፡ ወዘተ ዝተሰውኡለን መዓልታት ከም ትማሊ እዝክረን። ካልኦት ደቂ ኣሃዱይ እውን።

 

እዚ ኣሰቃቒ ዝኾነ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ምንት ምንታይ’ዩ ዝካየድ ዘሎ ኢልካ ትሓስብ። ምስ የማነ ኪዳነ (ጃማይካ) ዋላ’ኳ ኣብ ክልተ ዝተፈላልያ ኣሃዱታት እንተ ነበርና፡ ክንራኸብ እንከለና ግን ብዛዕባኡ ንዝትን ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ድማ ንትስፎን ኔርና። ምስ ጃማይካ ድሕሪ ውግእ ደፈረ (ካርነሽም) ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ኣልዒልና ነዊሕ ከነዕልል እዝከር። ምስ ጃማይካ - ዋላ’ኳ ብዕድመ ዝዓብየኒ እንተ ኾነ፡ ፍልጠትና ካብ ንእስነትና’ዩ ዝጅምር። ጐረባብቲ ኢና ኔርና (ገዝኦምን ገዛናን ነጸላ መንደቕ ይፈልዮ ነይሩ። እቲ ጉርብትና ጸኒሑ ናይ ክልቲኡ ስድራ ቤታት ሕውነት ኣማዕቢሉ። ኣብ ሓጎሶምን ጓሂኦምን ድማ ተፈላልዮም ኣይፈልጡን።

 

ሓይሊ ዓዋተ እንከሎኹ ዘይርስዖ ተጋዳላይ ኣጋጢሙኒ። መንግስትኣብ ልኣከ ይብሃል። ወዲ ልኣከ ኢልና ንጽውዖ ኔርና። ኣብ ገጠር ዝዓበየ ኮይኑ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ ይመስለኒ። ምውድኡን ዘይምውድኡን ግን ኣረጋጊጸ ክዛረብ ኣይክእልን። ኣብ ኣካላዊ ጽሬት ኣዝዩ’ዩ ዘተኵር፡ እዚ ማለት ድማ ዕርፍቲ ኣብ ዝረኽብናሉ ግዜ ነብሱ ይሕጸብ፣ ክዳውንቱ ይሓጽብ፣ ጸጉሩ ድማ ብደምቢ ይስንትር። ናቶ ዝበሃል ብረት’ዩ ዝስከም ነይሩ። ናቶ ካብ ካላሽን ቊሩብ ዕብይ ትብል። ብብረቱ ጸወታ የልቦን። ኵሉ ግዜ’ዩ ዘጽርያን ዝከናኸናን። ኣብ ጒዕዞ ንከበሳ ተዓራሪኽና። ብዙሕ ድማ ከነዕልል ጀሚርና። ንሱ ብተመክሮኡ፡ ኣነ ድማ ብተመክሮይ። ኵሉ ግዜ ኣብ ሕማቕካ ኣብ ጎድንኻ ኣሎ። ካብ ሰብ ድማ ብዙሕ ክፈልጥን ክመሃርን ይደሊ። ኣብ ኤውሮጳ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ከዕልሎ እንከለኹ ኣዝዩ ይምሰጥ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ።

 

መንግስትኣብ፡ ሰብ ንኽድንግጸልካ ከተፍቅድ የብልካን ዝብል እምነት ነይሩዎ። “ሰባት ንኽድንግጹልካ ምስ እተፍቕድ፡ ይንዕቁኻ፡ ሓንሳእ ምስ ነዓቑኻ ድማ ብዕቱብ ኣይወስዱኻን፡” ይብል ነበረ። “ሓድሽ ኴንካ ኣእጋርካ ጨፈቕፈቕ እናበለ ተጐዓዝ፡ ማይ ከም ዝጸማእካን ከም ዝጠመኻን ሰብ ክፈልጥ የብሉን” ይብል ነበረ። እዚ፡ ኣብ ተመክሮ ገድሊ ዓቢ ምህሮ’ዩ ነይሩ። ቃላቱ ድማ ኵሉ ግዜ ምስ ዘከርክወን እየ። መንግስትኣብ ተሰዊኡ እዩ። ኣበይን መዓስን ግን ኣይዝክሮን። እዛ “ሰብ ንኽድንግጸልካ ከተፍቅድ የብልካን” እትብል ምኽሪ ናይ ወዲ ልኣከ ብዙሕ ግዜ’የ ዝጥቀመላ። ንሓደ ውልቀ ሰብ (ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ) ዓቕሙ ዘፍቅዶ ገይሩ ህይወቱ እናመርሐ እንከሎ “መስኪናይ” ኢሎም ንዝጽውዑ ኣዕሩኽተይ፡ መስኪናይ ኣይትበልዎ/ዋ፡ እናበልኩ ምግሳጽ ድማ ኣመል ኮይኑኒ። ሓደ ካልእ ናይ ስራሕ ሓላፍየይ ዝነበረ ኣዝየ ዘኽብሮ ዝነበርኩን ክሳዕ ሕጂ ዘኽብሮን ሰብ ንነፍሶም ከም ግዳያት ገይሮም ንዘቕርቡ ሰባት ይወቅስ። እዞም ውልቀ ሰባት ንኽዕወቱ ዘለዎም ተኽእሎ ድማ ጸቢብ ኢዩ ይብል። ኣነ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቅነት ኣለዎ ኢለ ይኣምን።

 

ምስ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ (ኣብ ጋንታ ኣቡበከር) እንከለኹ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዉዕዉዕ ኲናት ተኸፊቱን ተኻይዱን። ይዝከረኒ ሓደ ባጊ (ወይ እውን ባቂ) ናሮ እንብሎ ዝነበርና መድፋዓጂ ብሬን ኣብ ቅድመይ ብጥይት ናይ ጸላኢ ርእሱ ክህረምን ክወድቕን። ኣብኡ ድማ ቀቢርናዮ። ሓደ ካልእ ዘይርስዖ ሽዑ ብጥይት ዝተሃርመ ገዲም ተጋዳላይ ተስፉ ኪዳነ ነበረ። ተስፉ ተጸይሩ ንሕክምና እናኸደ እንከሎ ዓሪፉ። ተስፉ ኪዳነ ሓደ ካብ’ቶም ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ተጋደልቲ ኮይኑ ናይ’ታ ጋንታና ህይወት ኢዩ ነይሩ። ብኽልስ-ሓሳብ ኣዝዩ ዝተራቐቐ፡ ምቕሉል፡ በሊሕ፡ ሕያዋይ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ መምህርና’ዩ ነይሩ። ዕጥቂ ምስፋይ ስርሐይ ኢሉ ስለ ዝተተሓሓዞ ንኹላ’ታ ጋንታ ንሱ’ዩ ዝሰፍየላ ዝነበረ። ብኡነት ኢደ ሰሎሞን! ተስፉ ሓደ ካብ’ቶም ብሰንኪ’ቲ ምስ ም ንቅስቓስ ናይ 1973 ዓ.ም. ዝነበሮ ምድንጋጽ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዒላማ (target) ኣትዩ ዝነበረ ሰብ’ዩ። ከም ዝዝከረኒ፡ ተስፉ ምስ ብዓል ጴጥሮስ ሰሎሞን ካብ ሶማልያ’ዩ ንህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ብናተይ ግምት፡ ተስፉ እንተ ዘይስዋእ ነይሩ ዕጭኡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምጥስጣስ ምኾነ። ወይ እውን ከም’ቶም ዝተቐንጸሉ ምተቐንጸለ። ከም በርሀ ጻዕዳ ጥይት ዘይፈርሕ ሰብ ኣየጋጠመንን። ንጥንቃቐ ኢሉ ድንን ኢልካ ምኻድ ኣይፈልጦን እዩ። ራድዮኡ ብጸጋማ’ይ ኢዱ ሒዙ ደው ኢሉ’ዩ ዝዋጋእን ዘዋግእን። ንተጋደልቱ ሞራል ምሃብ ከም ስርሑ ይሕዞ። ተጋዳላይ ክጠምን ክ ጸምእን ኣየፍቅድን። ኣብ ስራሕ (ኲናት፡ ጒዕዞ እግሪ፡ ሸከም፡ ወዘተ) ግን ጸወታ ኣይፈልጥን እዩ። ምስ በርሀ፡ ኣብ ዓደን (ሽዑ ደቡብ የመን) ኢና እንፋለጥ። ንሱ ተወጊኡ ክሕከም፡ ኣነ ድማ ካብ ሽወደን መጺአ ንሜዳ ክኣቱ። ኣብ ዓደን ጽቡቕ ሌላ ጌርና። ብዙሕ ዘረባ’ኳ ዝፈቱ እንተ ዘይነበረ፡ ፍሽኽትኡ ግን ይዝከረኒ። ዕላለይ ደስ ይብሎ ከም ዝነበረ እዝክር። እፈትዎ ድማ ነበርኩ።

 

ኣብ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ እንከለኹ’የ ምብርኳትን ሕልኮን ዝተመሃርኩ። መሊኸዮ ከኣ። ንሃብታይ ዝተባህለ ብጉልበት ፍርዝን ዝበለ ወዲ እምባደርሆ ኵሉ ግዜ የውድቖ ነይረ። ደቂ ከባቢኡ ድማ ይስሕቅዎ ነበሩ። እዚ ግብረ መልሲ ናይ ደቂ ዓዱ የሕርቖ ስለ ዝነበረ መመሊሱ ይገጥመኒ። እንተ ተዓወተለይ ኢሉ። ኣበደን። ንኻልኦት እውን ከምኡ። ምስ ወዲ ጸገዳይ ግን ተሃላለኽቲ ኢና ኔርና። ወዲ ጸገዳይ እውን ወዲ እምባ ደርሆ’ዩ ነይሩ። ካብ ወዲ ጸገዳይ’የ ብዝያዳ ምብርኳት ተማሂረ። ኣዚና ኢና ንፋቶ ዝነበርና።

 

እታ ብሓይሊ በርሀ ጻዕዳ እትፍለጥ ዝነበረት ኣሃዱና ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ንምዝታይ ንዝግበር ኣኼባ ወኪል ንምምራጽ ኣብ ፍሸ ምራራ ተኣኪብና። በርሀ ዘረባ ስለ ዘይፈቱ ነቲ ኣኼባ ክመርሖ መዚዙኒ። ካብ ኣባላት'ታ ሓይሊ ካብ 145 ድምጺ 144 ረኺበ። ሽዑ መራሒ መስርዕ ኮይነ’የ ዘገልግል ነይረ።

 

ብድሕሪኡ ምስ’ቶም ካብ ዝተፈላለየ ሓይልታት ዝመጹ ብጾተይ ኣብ ሰለሙና ዝተባህለ ቦታ ተኣኪብና። እታ ኣብ ሰለሙና ዝተኣከበት ጉጅለ፡ ኣብ ሓድነት ዘሎና ኣቀራርባን ርእይቶን እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈት ኮሚተ መሪጻ። ኣነ ሓደ ካብ’ቶም ኣባላት እታ ሽማግለ ኮይነ ተመሪጸ።

 

ምስ ተራ ተጋደልትን ላዕለዎት ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ንሓባራዊ ዕላማን (ናጽነት) ሓድነትን ዝምልከት ጉዳያት ንምትሕብባር ኣብ ዘተን ሓሳብ ምልውዋጥን ምስታፍ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ግሩም ተመክሮ እዩ ነይሩ። ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተዋጽአት ሽማግለ፡ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ፡ ላዕላይ ባርካን፡ ዞባታት ሳሕልን ኣብ ዝርከባ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዑደት ኣካይዳ።

 

ኣብ’ዚ ናይ ዕርቂ ወፍሪ፡ እታ ሽማግለ፡ ንዑስማን ሳልሕ ሳበ (ሓላፊ ወጻኢ ልኡኽ ህዝባዊ ሓይልታት) ኣብ ዞባ ሳሕል መደበር ህዝባዊ ሓይልታት ኮይና እተገልግል ዝነበረት ቦታ (ብሌቓት) ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ረኺባቶ። ንሱ ብልኡኻቱ ተዓጂቡ’ዩ መጺኡ። እታ ሽማግለ ንስራሓታ ኣመልኪታ ድማ ኣዕጋቢ ሓበሬታ ሂባቶ። ዑስማን እውን ምኽሩ ነታ ሽማግለ ለጊሱላ።

 

ብዘይካ’ዚ፡ እታ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈት ሽማግለ፡ ምስ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስን መንግስትኣብ ኢሳቕን - ክልቲኦም ንኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤናሰኣ) ወኪሎም ዝመጽኡ እውን ተ ራኺባ። ንሳቶም ምስ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ንምምይያጥ ካብ ኣመሪካ ተጓዒዞም መጺኦም ነይሮም። ምስኦም ዝተራኸብናሉ ዕላማ ድማ፡ ክልቲኡ ውድባት (ህሓሓኤን ተሓኤን) ንምቅርራብ ዝካየድ ንዝነበረ ጻዕርታት ንምሕባር’ዩ ነይሩ። መንግስትኣብ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምምላሱ፡ ጽልግልግ ብዝበለ መገዲ’ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ። ንሱ፡ ሓደ ካብ’ቶም ህዝባዊ ግንባር ንሕብረት ሶቭየት ብዘይ ምኹናኑ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ተሪር መርገጺ ዝወሰደ ሰብ እዩ።

 

እታ ብሓሙሽተ ኣባላት ህሓሓኤ ዝቘመት ሽማግለ፡ ካብ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝረኸበቶ ኣቀባብላ ምዉቕ ኮይኑ፡ ዘተና ኣብ ምሕዝነታውን ምዉቕን ሃዋህው እዩ ተኻይዱ። እቲ ኒሕን ወንን ደረተ ኣልቦ ስለ ዝነበረ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትሕቲ ስሙር መድረኽ ብሓባር ክሰርሑ ዝኽእሉላ መዓልቲ ንነዊሕ ክጽበዩ ኣይከኣሉን።

 

ብተወሳኺ፡ ኣባላት’ታ ሽማግለ ምስ’ተን ኣብ መላእ ኤርትራ ዝነጥፋ ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሓይልታት እውን ተራኺቦም። ኣብ ሳሕል ምስ ካድረታት ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበርናዮ ምይይጥ እውን እዝክር። ኣዝዩ ውዕዉዕ ክትዕ ዝነበሮን መሃርን እዩ ነይሩ። ብዓል ተክላይ ዓደን ዝተረኽቡሉ ናይ ካድረታት ጉጅለ ብዛዕባ ትሕዝቶ ስሙር ግንባር ብዕምቈት ክንዝቲ ይዝከረኒ።

 

ነፍስ ወከፍ ግንባር ዝዓቀቦ ገለ ፍልልያት’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሕቶ ናጽነትን ሓድነትን ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግንባራት መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘይነበረ ርዱእ’ዩ ነይሩ።

 

ቅድሚ ምፍራስ’ታ ሽማግለ፡ መጀመርያ ምስ ነፍስሄር ኣማኑኤል ኣይንኣለም (ኣማኑኤል ቀሺ) ኮይነ ካብ’ቶም ሽዑ ዝተመልመሉ ሓደስቲ ኣባላት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተዋጺኣ ዝተመስረተት ሓዳስ ሓይሊ ብሓባር ከመሓድር (ከም ኮሚሳር ሓይሊ) ተመዲበ ነይረ። እዛ ሓይሊ ዝተመስረተትሉ ምኽንያት፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣየርወለድ ኣብ ደጀንና ክወርድ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዝነቐለ ነበረ። ኣነን ኣማኑኤል ቀሽን፡ ኣሃዱታትና ሒዝና ኣብ ሓለዋን ምክትታልን ተጸሚድና ነበርና።

 

እዚ ድማ ቅድሚ (ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ) ምስ ኣሕመድ ቀይሲ ብሓባር ከም ሓላፊ ዜናን፡ ባህልን ትምህርትን ምምዛዘይ ነበረ። ኣነን ኣሕመድ ኣል ቐይሲን ናብ ዜሮ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ ኣሃዱታትና ንጥፈታተን ዝጅምራሉ ኵነታት ፈጢርና። ንኣባላት ጨናፍራት ዜናን ባህልን ትምህርትን ሓዊስካ እቲ ቊጽሪ ኣባላት ብርክት ዝበለ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣሃዱ’ዚ እናተዋሳእኩ እንከለኹ’ዩ እታ ሽማግለ ነቲ ዝመረጻ ኣካል ጸብጻባ ክትህብ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝተጸውዐት።

 

ኣኼባ ተወዲኡ ናብ ቦታይ እናተመለስኩ እንከሎኹ፡ ካብ ንጡፍ ስራሕ ደስኪለ ብመምርሒ መሪሕነት ከም እሱር ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከም ዝጸንሕ ተገይሩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝጸናሕኩሉ እዋን ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ (ምዕራፍ 2) ብሰፊሑ ክድህስሶ እየ።

 

ጸኒሐ ድማ ንፍሉይ ተልእኾ ኣብ ወሰናስን ከተማ ኣስመራ ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ኣስመራ (ኣሃዱ ባዶ ሽድሽተ) ተመዲበ። እቲ ተልእኾ ድማ ንህዝቢ ከተማ ብዝተፈላለዩ ሓፋሽ ውዳበታት መልክዕ ምንቃሕን ምጒስጓስን ምውዳብን’ዩ ነይሩ። ነታ ኣሃዱ ክኣሊ ዝተመዘዘ ተጋዳላይ፡ ኤርሚያስ ደበሳይ ኢዩ ነይሩ። ፓፓዮ ብዝብል ሳጓ እውን ይፍለጥ ነይሩ። ናይ’ቲ ኣሃዱ ወሰንቲ ኣባላት፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ (ሄር ሽሚድት)፡ ፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ)፡ ነፍስሄር ረዘነ እምባየ (ብሞያ ፋርማሲስት)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ስርሒታት ዝነበረ ነፍስሄር ተኽለ ባህልቢ (ወዲ ልቢ)፡ ነፍስሄር ወይኒ መንገሻን ኣ ነን (ሰመረ ሰሎሞን) ይርከቡዎም። ኵላቶም ብዘይ ዝኾነ ክትትል፡ ብናጻ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሚዛን ዘለዎም ካድረታት እዮም ነይሮም።

 

ካብ ውሽጢ ኣስመራ ሲቪል ተመሲሉ ዝንቀሳቐስ ንጡፍን ውፉይን ናይ መሪሕነት ጉጅለ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ጋንታና ምልእቲ’ያ ነይራ ኢልካ ክትጽውዓ ኣይምተኻእለን። ካብ’ዚኦም እዞም ዝስዕቡ ድማ ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኪዳነ ሰሎሞን (ዓቢ ሓወይ፡ ምስጢራዊ ስሙ፡ ከበደ)፡ ነፍስሄር ኣፈወርቂ ተወልደመድህን (ምስጢራዊ ስሙ፡ ቢሮክራሲ)፡ ነፍስሄር ርእሶም ተኽለማርያም (ምስጢራዊ ስሙ፡ ታርዛን)፡ ነፍስሄር በየነ ደበሳይ፣ ነፍስሄር ክብሮም ገብረመድህን (ወዲ ቡላ)፡ ካሌብ ሰሎሞን (ንእሽቶ ሓወይ)፡ ኢዮብ (ኣእዳወይ ይሰበራ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ)፡ ነፍስሄር ገብሩ ተስፋጋብር፡ ነፍስሄር ኣለም (መኸበብ)፡ ክብረኣብ ኪዳነ (ጠበቕ) ከምኡ እውን ነፍስሄር ትኳቦ (ጸሎት)።

 

መብዛሕትኦም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ውፉያት ኣባላት፡ ከም መራሕቲ ጨናፍር ኮይኖም ኣገልጊሎም፣ በብጨንፈሮምን ዓውድታቶምን ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓበይቲ ስርሒታት የ ወሃህዱ ነ ይሮም። እ ዞም ብ ጾት ብ ዘይ ፍ ርሒ ም ስ ጸ ላእን መ ዓልታዊ ብድሆታትን ይገጥሙ ነይሮም። ነፍስ ወከፍ መዓልቲ፡ ነፍስ ወከፍ ሰዓትን ደቒቕን ካልኢትን ድማ ብቐጻሊ ብጥቓ ሞት ዝጐዓዙ ዝነበሩ ብጾት እዮም ነይሮም። ሓደ ካብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ውፉያት (ኪዳነ ሰሎሞን) ብ1977 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንከተማ ኣስመራ ወኪሉ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ተሳቲፉ እንደገና ስርሑ ክቕጽል ናብ ኣስመራ ተመሊሱ። እንታይ ዓይነት ድፍረት’ዩ ክርድኣካ ኣይክእልን። ሕሰቡዎ’ሞ፡ ሓደ ካብ’ቶም ጉባኤኛታት ንጸላኢ ኢዱ እንተ ዝህብ፡ ህይወት ኪዳነ ሰሎሞን ንኸመይ ዝበለ ሓደጋ ክቓልዕ ምኸኣለ ነይሩ።

 

ብምስጢር ዝተጠርነፉ ኣባላት ህሓሓኤ (ናይ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን) ኣብ ትሕቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ኣብ "ዋህዮታትን” "ጨናፍርን" ተወዲቦም ይሰርሑ ነይሮም።

 

ናይ’ቶም ካብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ 3-7 ኪሎ ሜተር ረድየስ እንንቀሳቐስ ዝነበርና ቀንዲ መደበር፡ ድርፎ’ዩ ነይሩ። ስርሒታትና ካብ ወረዳታት ካርነሽም፡ ሚናበ ዘርኣይ፡ ሰሓርትን ኢና እነወሃህዶ ዝነበርና። ቀንዲ ሓላፍነትና ድማ ነቶም ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝርከቡ ነበርቲ ከተማን ዓድታትን ብምጥርናፍ ነቲ ብህሓሓኤ ዝምራሕ ዝነበረ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝድግፉን ተወፍዮም ከም ዝሰርሑ ንምግባርን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

 

ኣብ ኣስመራ ወተሃደራውን ስለያውን ካልእ ስርሒታትን ንኽንመርሕን ከነወሃህድን እውን ሓላፍነት ኔሩና። ተዋሂቡና ዝነበረ ሓላፍነት ነዚ ዝስዕብ ይመስል ነይሩ፥ ሓደስቲ ምስጢራውያን ኣባላት ህሓሓኤ ምምልማል፡ ካብ ጸላኢ ስለያዊ ሓበሬታ ምእካብ፡ ኣብ መሳርዕ ጸላኢ ብምእታው ኣብ ጐድኒ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ንኸገልግሉ ምምልማል፡ ስርሒታት ጸላኢ ምፍሻልን ምብርዓንን፡ ንብረት ጸላኢ ምዝማትን ናብ ሓራ ዝወጹ ከባቢታት ምግዓዝን፡ ከምኡ እውን ወኪላት ጸላኢ ምምካትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምግባርን። ኣድላይነት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፡ ከም ናይ ለይቲ ኣጋይሽ ኴንና ናብ ኣስመራ ምእታው ስራሕና ነበረ። ንህላወን ቀጻልነትን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ካብ ጸላኢ ኣቑሑት (መድሃኒት፡ ናይ ፕላስቲክ ጫማታት፡ ዓለባ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ፡ እኽሊ፡ መለዋወጢ ኣቝሑትን ካልእን) ብምዝማት ናብ ሜዳ ንኽወርድ ዝህሉ ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ጥራይ ዝተሓጽረ ግን ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ግዜ ንቦጦሎኒታት ናብ ኣስመራ ብምምራሕ ብለይቲ ዝተወሰኑ ስርሒታት ንፍጽም ኔርና ኢና።

 

ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመት "ድምጺ ህዝቢ" እትብሃል ወርሓዊት መጽሔት ነ ሕትም ኔ ርና። ና ይ’ታ መ ጽሔት ኣ ዳለውቲ ኣ ነን ፍ ስሃየ ሃ ይለን (ኣፍሮ) ክንከውን እንከሎና፡ ኪዳነ ሰሎሞን (ከበደ) ኣብ’ታ መጽሔት ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ነይሩ። ኪዳነ ሰሎሞን በሊሕ ኣይዲዮሎግን (ideolgue) ናይ ፖለቲካ ተንታንን ብሉጽ ናይ’ታ ኣሃዱ ኣባልን እዩ ነይሩ። "ድምጺ ህዝቢ" ኣብ ኣስመራን ኣብ ቀረባ ዓድታትን ብሰፊሑ ትዝርጋሕ ነበረት። ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምጥርናፍን ድማ ዓቢ ተራ ተጻዊታ እያ። ተኽለ ባህልቢ (ወዲ ልቢ)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ስርሒታት ብምዃን ብተደጋጋሚ ናብ መቐለ፡ ደሴ፡ ኣዲስ ኣበባ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ናብ ካልኦት ከተማታት ይጐዓዝ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኪዳነ ሰሎሞን (ከበደ) የሰንዮ ነይሩ።

 

ጋንታና ምስታ ብነፍስሄር ብርጋዴር ጀነራል መብራህቱ ተኽለኣብ (ቫይናክ) እትምራሕ ዝነበረት ጋንታ መስዋእቲ (ፈዳዪን) ኣድማዒ ምውህሃድ ብምግባር ትሰርሕ ነይራ። ኣባላት ናይታ ጉጅለ ሰመረ፡ ወዲ ኪዳነ፡ ደሱ ተስፋጽዮን ከም ዝነበሩ እዝክሮም። ቊሩብ ጸኒሐ ናይ’ታ ካብ ዓዲ ሓውሻ (ካብ ኣስመራ ብወገን ደቡብ እትርከብ ዓዲ) ስርሒታት እትፍጽም ዝነበረት ኣሃዱ ባዶ ሽድሽተ ሓላፊ ኮይነ ተመዲበን ኣገልጊለን።

 

ተመክሮ ባዶ ሽድሽተ ኣብ ደቡብ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ክጠቓለል ይኽእል፥ ኣብ 1977 ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓውሻ ኲናት ጻዕጺዑ ነይሩ። ምስ’ተን ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ኣብ’ቲ ግንባር ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት (ብርጌድ 51ን ብርጌድ 23ን ከምኡ እውን ኣሃዱታት ከቢድ ብረት - ብርጌድ 76) ድማ ምዉቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ኣማዕቢልና። ብዛዕባ ምንቅስቓስ ጸላእን መደባቱን ብቐጻሊ ሓበሬታታት ንረክብን ንዝምልከቶ ኣካል ነመሓላልፍን ኔርና። ለይቲ ንገለ ገለ ቦጦሎንታት ኣሰኒና ኣብ ከተማ ኣስመራ ስርሒታት ነካይድ ኔርና። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንብረት ጸላኢ ብጃምላ ናብ ሓራ መሬት ከም ዝመጽእ ኣብ ምግባር ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

 

ኣነን ተኽለ ባህልቢን (ወዲ ልቢ) ጽቡቕ ዝምድና ፈጢርና። ንሱ ብቐጻሊ ናብ ቦታና ይመላለስ ስለ ዝነበረ ግዜና ብሓባር ከነሕልፎ ዕድል ረኺብና። ወዲ ልቢ በሊሕን ትሑትን ብዛዕባ ነብሱ ብዙሕ ዘይዛረብ ግንከ ንጡፍን ደፋርን ሰብ’ዩ ነይሩ። ምስ ወዲ ልቢ ኴንና ሓደ ሓደ ትምህርታውያን ዕላላት ንውድብ ኔርና። ይዝከረኒ፡ ምስ መሓሪ ሸቃ (ሽዑ መራሕ ብርጌድ 51ን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ዝነበረ) መሓመድ ዓሊ ክለይን (ሽዑ መራሕ ብርጌድ 51ን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ዝነበረ) ከም ብዓል ዓሊ ኢብርሂምን ወዲ ሊቀን ዕንዱክርን ዝተሳተፍዎ ብኪዳነ ሰሎሞን ዝተዳለወት “ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ’ዩ” ዘርእስታ ትንተናዊት ጽሕፍቲ ሓደ ምሸት ከነቕርበሎም ተረዳዲእና። ወዲ ልቢ ኣነ ከቕርበሎም ደፋፊኡኒ። ምሉእ ለይቲ ድማ ክንካታዕ ሓዲርና። ብተመሳሳሊ መገዲ ምስ ሓለፍቲ’ዘን ኣሃዱታት ዘይወግዓዊ ግንከ ተመሳሳሊ ቁምነገር ዘለዎም ዕላላት ነካይድ ኔርና። ሽዑ’የ ንተጋዳላይ ዓሊ ኢብርሂምን ተጋዳላይ መሓሪ ሸቃን ብቐረባ ዝፈለጥክዎም። ኣዝዮም በላሕቲ ሰባት ምዃኖም ድማ ተገንዚበ። መሓሪ ሸቃ ምቕሉል መበቈል (humble origin) እዩ ነይርዎ። ብልሑን ዝያዳ ናይ ምፍላጥ ሸውሃቱን ግን መዘና ኣይነበሮን። ምስ ወዲ ጸገዳይ (ኣብ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ወዲ ሓይለይን ጋንታይን ዝነበረ) ሽዑ ማእከልነት ቦጦሎኒ ኣብ ብርጌድ 51፡ ብቐጻሊ ንራኸበን ነዕልልን ነበርና። ምሳይ ኣብ ዓዲ ሓውሻ ዝሓድረሉ እዋናት እውን ነይሩ። ብዛዕባ ብርጌድ 51 ብጥልቀት ክፈልጥ ዝጀመርኩ እውን ካብ’ቶም ምስ ወዲ ጸገዳይ ካብ እንገብሮም ዝነበርና ዕላላት እዮም።

 

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ብጠለብ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ (ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ) ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ተሳሓብኩ’ሞ፡ ከም ሓላፊ ዞባ ምብራቕን ሰሜንን ጨንፈር ትምህርቲ ኮይነ ተመደብኩ። ኣብ’ቲ ኣብ ዜሮ (መደበር ጨንፈር ትምህርቲ) ዝካየድ ዝነበረ ምድላው ካሊክሉም ቋንቋ እንግሊዝኛ እውን ተሳተፍኩ።

 

ኣብ 1978 ዓ.ም. ድሕሪ’ቲ ብስትራተጂካዊ ምዝላቕ ዝፍለጥ ምንስሓብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱታት ክጽንበር ተመዲበ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ዳርጋ ንሽዱሽተ ዓመት ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይነ ኣገልጊለ። ኣብ ሓያሎ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት (ወራራት) ናይ ምስታፍ ፍሉይ ዕድል ድማ ረኺበ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ። ብሰራዊት ጐበጣ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መጥቃዕትን፡ 2ይ፡ 3ይ፡ 4ይ፡ 5ይ፡ 6ይ፡ ወራራትን፡ ብ"ተበግሶ" ዝፍለጥ ብ1979 ዓ.ም. ብህዝባዊ ግንባር ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታትን። ኣብ ውግእ ቈሲለ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ኣካላተይ ናይ ቦምባ ቊርጽራጽ (ስኬጆ) ኣሎ።

 

ኣብ ዞባታት ሳሕልን ጋሽ ባርካን ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክሳብ’ቲ ውድብ ንኤርትራ ለቒቑ ዝወጽእ ኣብ ዝተናውሐ ወተሃደራዊ ረጽምታት ብዓቕሚ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ተዋፊረ ሰሪሐ እየ። በዚ ድማ እቲ ውድብ (ተሓኤ) ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ስርሒታት ኣብ’ዚ ኣብቂዑ። እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ እየ ዝርእዮ። ተጋዳላይ ወልዴ ዓማር ኣብ ግንቦት 2024 ምስ ደሃይ ኤርትራ ቃለ መሕትት ኣብ ዝሃበሉ ግዜ፡ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ዓቕሚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክሳዕ 40,000 ይግመት ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ክንድ’ዚ ዓቕሚ ሒዙ’ዩ እምበኣር ተሓኤ ዝተበታተነ።[iii]

 

ኣብ መወዳእታ 1983 ዓ.ም. ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ተሳሒበ። ኣብ መንጎ 1983ን 1987ን ዓ.ም.፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ካብ ደጀን ንግንባራት፡ ካብ ግንባራት ንደጀን ብምንቅስቓስ ናብ ግንባራት ናቕፋ፡ ባርካን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን እናተዋፈርኩ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንኣሃዱታት ውግእ ደገፍ እናገበርኩ፡ ወትሩ ከም ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይነ ኣገልጊለ። ሓደ ካብ’ቶም ሓያሎ ምድባተይ፡ ኣብ ብርጌድ 4 ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ነፍስሄር ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይነ ምግልጋለይ እዩ። ኣብ ብርጌድ 4 ምስ ተጋዳላይ ወዲ ኤልያስ ንሓጺር እውን ብሓባር ሰሪሕና።

 

ብድሕሪኡ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣነን ስምኦን ገብረድንግልን (ሽዑ ሓላፊ ኣሃዱ ምልክት ዝነበረ) ኣብ መደበር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንዝነበረ ዕቚር/ሓጋዚ ሓይልታት ንምጥርናፍን ንምምራሕን ብሓላፍነት ተመዚዝና። እቲ ነዞም ሓይልታት ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ዝነበረኒ ቀንዲ ተራ፡ ነቲ ኣሃዱ ናብ’ቲ ብብርጌድ ዝተወደበ ምሉእ ኣሃዱ ውግእ ንክቕየር ም ኽንያት ኮይኑ፡ ድሒሩ ድማ ናብ ክፍለ ሰራዊት 85 ከም ዝወሃሃድ ተገይሩ። እዚ ንብዙሓት ዕማማት የጠቓልል ነይሩ። ምዝናቕ ዓይነት ተጋደልቲ ኣብ’ተን ዝተፈላለያ ኣሃዱታት፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምሃብ፡ ሓለፍቲ (ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት) ምምዳብ፡ እቲ ዝድለ ዕጥቂ ምስ ክፍሊ ኣጽዋር እናተረዳዳእካ ጠለባት'ቲ ኣሃዱ ምምላእ፡ ነቲ ኣሃዱ ዘድሊ ካልእ ሎጂስቲክስ ምምላእ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ንዝተወሰኑ ተጋደልቲ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ሰዲድካ ከም ናይ ሓውሲ ኮማንዶ ዝመሳሰል ስልጠና ከም ዝረኽቡ ምግባር። እዞም ስልጠና ዝተዋህቦም ተጋደልቲ ድሕሪ ስልጠናኦም ናብ’ተን ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ናይ’ቲ ብርጌድ ብማዕረ ከም ዝዝርግሑ ተገይሩ። በዚ ደረጃ'ዚ ድማ ምስ ኣሕመድ ዳሊን (መራሕ ብርጌድ) ከምኡ እውን ምስ ምክትል ኣዛዚ ብርጌድ ዝነበረ ብርሃነ ጸሃየን (ወዲ ጸሃየ) ከም ኮሚሳር ብርጌድ ተመዚዘ። እቲ ኣሃዱ ናብ ስራሕ ንኽበጋገስ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ድማ መምርሒ መጺኡኒ፣ ሓላፍነተይ ንኢዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ) ከረክብ። ኣረኪበዮ ድማ።

 

ስምኦን ገብረድንግል ኣብ መጀመርያ 2000ታት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ብዝነበረ ኣብ ጸበብቲ ረብሓታት ዝተመስረተ ምስሕሓባት ዝጠንቁ ናይ መቕተልቲ ፈተነ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ብዓል መን ከም ዝፈጸምዎን ስለምንታይ ከም ዝተፈጸመን ምስጢር ኮይኑ ተረፋ። እቲ ምርመራ ተኻይዱ እዩ። ገበነኛታት በዓል መን ምዃኖም እውን ተፈሊጡ ኢዩ። ግንከ ክእወጅ ኣይተደልየን። ብዙሓት ሓለፍቲ ክልከሙ ስለ ዝኽእሉ። ስምኦን ገብረድንግል ኣምሳያ ናይ ማህረመቱ ናይ ብሪጋዴር ጀነራል መዓርግ ተዋሂብዎ ኣፉ ከም ዝሕዝ ተጌሩ። ስምኦን ነዚ ጸይሩ ዝኸይድ ሰብ እዩ። ስለ ምንታይ እዚ ጉዳይ’ዚ ክግለጽ ከም ዘይተደልየ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ክዛረቡ እንከለዉ “ብሃገራዊ ድሕነት ምኽንያት’ዩ ክግለጽ ዘይተደልየ” ይብሉ። እዚ ግን ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ሃገራዊ ድሕነት ዘይኮነስ ጉጅላዊ ድሕነት ብዝበለጸ ስለ ዘገድሶም እዩ።

 

1987-91 ዓ.ም. ኣብ ህይወተይ ኣገደስቲ እዋናት እየን ነይረን። ኣብ’ዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ ኣዳላዊ ቦርድ ናይ ሓንቲ “ሓርበኛ” እትብሃል ውሽጣዊት መጽሔት ናይ ምስራሕ ፍሉይ ዕድል ረኺበ። እዛ ብሽድሽተ ሰባት ዝቘመት ኣሃዱ፡ ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዛ መጽሓፍ ምዕራፍ 5 ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ፡ ንኣሕመድ ኣል ቐይሲ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ኪዳነ ሰሎሞን፡ ማሕሙድ ጭሩምን ሰመረ ሰሎሞንን (ኣነን) ዝሓቘፈት’ያ ነይራ።

 

“ሓርበኛ”፡ ከም ውሽጣዊት መጽሔት፡ ዘተን ክትዓትን ብምጉህሃር ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንምዕባይ ዝዓለመት ኮይና፡ ሓደስቲ ሓሳባት ንምትእትታው እውን ከም ቤተ ፈተነ ወይ ላቦራቶሪ ከተገልግል ትኽእል’ያ ዝብል ትጽቢት ነይሩ። ኣባላት ኣዳለውቲ ቦርድ፡ ስፍሓትን ዕምቈትን ስርሖም ኣብ ምዝርዛር፡ ኣገደስቲ ኣርእስታትን ጉዳያትን ኣብ ምልላይን ምምራጽን፡ ንዕኦም ንምዝርጋሕ ድማ ኣድማዕቲ ኣገባባት ናይ ምሕንጻጽ ሓላፍነት ነይሩዎም። እታ ጨንፈር ክኔው ምድላው መጽሔት፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ምስናድ ኣገዳሲ ዕማም እውን ተዋሂቡዋ። ኣነ እውን ብወገነይ ንኣባላት ግንባር ከም ማንዋል ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮይና ዘገልገለት ንቕድመ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ኣቕሪበ ነይረ። ዘምህረት ዮውሃንስ ብዛዕባ ቅድመ-መግዛእታዊ ታሪኽ ክጽሕፍ ክጅምር እውን ይዝከረኒ።

 

እታ መጽሔት ዘልዓለቶም ኣገደስቲ ጉዳያት፡ እቲ መሪሕነት ክጻወሮ ዘይከኣለ ክትዓት ፈጢሩ። ከም ሳ ዕቤኑ ድ ማ እቲ መሪሕነት ነታ መ ጽሔት ንሓዋሩ ክትዕጾ ወሲኑ። እታ መጽሔት ንትሕቲ ክልተ ዓመት ጥራይ ኢያ ኣገልጊላ። እቲ ንውሽጣዊ መጽሔት ''ሓርበኛ'' ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዝነበሮ ኣሃዱ ተበቲኑ፡ ኣባላታ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ናብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተመዲቦም። ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ተኣሲሩ፡ እዚ ድማ ሳዕቤን ናይ’ቲ ኣብ መጽሔት ዝለዓል ዝነበረ ኣዘራራቢ ክትዓት ብዝነበሮ ምትእስሳር ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ጠንቂ መእሰሪኡ ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣነ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ካብ’ቲ ክፍሊ ብምልጋስ፡ ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ሓላፊ ምድላው ካሪኵለም ኮይነ ክሰርሕ ዳግማይ ተመደብኩ። ኣብ ምድላው ካሪኵሉም ኣብ ዝነበርኩሉ እውን ነፍሰይ ንምምሃር በቒዐ። ነቲ ሞያ ብዝምልከት ዘየንበብክዎ መጽሓፍትን ዘይተዋሳእኩሉ ኣኼባን ኣይነበረን። ካብ’ቶም ሰብ ተመክሮን ሰብ ሞያን ድማ ብዙሕ ተማሂረ። ኣብ’ዚ ኣሃዱ’ዚ ምምዳበይ፡ ዋላ’ኳ በቲ መሪሕነት ግንባር ከም መቕጻዕቲ ዝውሰድ እንተ ነበረ፡ ኣነ ግን ከም ምርቓ (blessing in disguise) እየ ዝቘጽሮ። ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፡ ብዛዕባ’ቲ ጽላት (sector) ኣፍልጦይ ዓብዩ። ኣገዳስነቱ ኣብ ህንጸት ሃገር ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዝነበረኒ ግንዛበ ኣበሪኽዎ። ኣብ ትምህርታዊ ውጠና ዓቢ ፍልጠት ቀሲመ። እዚ ተዋህሊሉ ነቲ ድሕረ ናጽነት ኤርትራ ኣብ’ዚ ጽላት’ዚ ዝገበርክዎ ኣስተዋጽኦ ድሕረ ባይታ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ናይ’ቲ ብኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ዝፍለጥ፡ ድሒሩ ማሕበርነታዊ ፓርቲ ተባሂሉ ዳግማይ ዝተሰየመ ሕቡእ ሰልፊ ኣባል ኣይነበርኩን። ይኹን’ምበር ገና ኣብተን ቀዳሞት ዓመታቱ፡ ኣብ 1979 ህልውናኡ ከረጋግጽ ክኢለ። ሰነዳት ሰልፊ ከም ዝረኸብኩን ዘንበብኩን፡ ብዛዕባ ህላወ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ግንባር ከም ዝፈለጥኩን ምስ ተረጋገጸ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ (ተኽላይ ሃብተሰላሴ፡ ኣዛዚ ብርጌድ) ጸዊዑኒ። ህላወ ሓደ ሕቡአ ሰልፊ ድሕሪ ምእማን፡ ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር እንተ ተዛሪበ፡ እንተ ኣመልኪተ ወይ እውን እንተ ኣሚተ ብሞት ዘሕትት ገበን ምዃኑ ገሊጹለይ። መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ብዛዕባ ናይ’ዛ ምስጢራዊት ውድብ ህላወ ኣፍልጦ ከም ዘሎኒ ከም ዝፈልጡ ተገይሩ። ኣብ ሓደ ውድብ ኣብ ውሽጡ ካልእ ሕቡእ ውድብ ከም ዘሎ እናፈለጥካ፡ ኣብ’ቲ ውድብ ከም ጓና ምዃን ዝስምዓካ ስምዒት፡ ኣብ ፍሉይ ምዕራፍ (ምዕራፍ 2) ብዕምቘት ክገልጾ እየ።

 

ሓሙሽተ ኣሕዋት ካብ ሓንቲ ስድራ ቤት ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢርና፣ ክልተ (ሩፋኤል ሰሎሞንን ቢሆን ሰሎሞንን) ኣብ ውግእ ባጽዕን ባረንቱን ተሰዊኦም። እቲ ሕሳስልደ ገዛ (መሓሪ ሰሎሞን) ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር፡ ሓደ ንግሆ ብነሓሰ 2014 ዓ.ም. ብኣባላት ጸጥታ ካብ እንዳ ቡን ተወሲዱ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ’ቲ ስርዓት ክሳዕ ለይተ ሎሚ ተዳጒኑ ይርከብ። ዓባይ ሓፍተይ (ኣልጋነሽ ሰሎሞን) ኣብ ማእከል ሰብዓታት ኣብ ኤውሮጳ ከም ኣደ መንበር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ኣገልጊላ። ብድሕሪ’ቲ ምስ ላዕለዎት ካድረታት ህዝባዊ ግንባር ዘጋጠመ ዘይምርድዳእ ካብ’ቲ ዝነበራ ሓላፍነት ተኣልያ ህይወታ ኣብ ስዊዘርላንድ ትመርሕ ነይራ።

 

መሓሪ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ከም ናይ ፋይናንስ ዳይሬክተር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሓላፊ እዩ። ኣስመራ፡ ማእከል ኵሉ ንጥፈታት ደርጊ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ስዉር ስርሒታት ዘካይድ ውፉይ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምንባሩ፡ ኣብ 1981 ዓ.ም. ናብ ሜዳ ተሰጋጊሩ። ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ድማ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ኣገልጊሉ።

 

ካብ ኣስመራ ምውጽኡ ግድን ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰለይቲ ደርጊ ኣብ መንበሪ ስድራ ቤትና ኣብ ገጀረት፡ ኣስመራ፡ ዝተቐብረት AN/PRC 77 ራድዮ ምስ ረኸቡ እዩ። እታ ሬድዮ፡ መሓሪን ብጾቱን ካብ ማእከል ኣስመራ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ምስጢራዊ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝጥቀሙላ ዝነበረት ራድዮ እያ። እቲ ዘሕዝን፡ ሓደ ተታሒዙ ስቅያት ዝበጽሖ መሳርሕቱ ድሒሩ ንሰለይቲ ደርጊ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቡ፡ መሓሪ ብዘይካ ንበረኻ ምኻድ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ናይ ደርጊ ናይ ስለያ ኣባላት፡ ኣደይ ነቲ ኵነታት ብዓቢ ስምባደ ክትዕዘቦ ምስ ረኣዩ (ኣብ መንበሪ ስድራ ቤትና ፍተሻ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን)፡ ሓደ ካብኣቶም "እዘን እመቤትና ቅድስቲ ይመስላ" በለ። ብዘይ ገለ ጉድኣት ድማ ገዲፎምዋ ከይዶም።

 

ኣነ ክሳዕ ካብ ስራሕ ደው ዝብል ወይ ዝድስክል ካብ 1991 ክሳዕ 1998 ዓ.ም. ከም ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኮይነ ብምግልጋለይ ሓበን ይስምዓኒ። ስርዓት ኣስመራ ነዚ ናይ ምድስካል ወይ ካብ ስራሕ ደው ምባል ተግባር’ዚ ብዘይ ግሉጽ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ (መብዛሕትኦም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነጥፉ ዝነበሩ) ኣዘውቲሩ የተግብሮ። እንተ ኾነ እቲ ምኽንያት መብዛሕትኡ እዋን ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ዝገርም፡ ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ምዃነይ’ዩ። እቶም ናይ’ዚ ተግባር’ዚ ግዳያት፡ ብተለምዶ ሓላፍነቶም ናብ ካልእ ብዓል ስልጣን ከሰጋግሩ መምርሒ ይወሃቦም’ሞ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ናይ ዘይርጉጽነት ኵነታት የንሳፍፉ። ናይ’ቲ ምድስካል ንውሓት ዝፍለጥ ኣይኮነን። እቶም ውልቀ ሰባት ብዛዕባ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ዝኽእሉሉ ኵነታት እውን ኣፍልጦ የብሎምን። እቲ ውሳነ ካብ ቊጽጽሮም ወጻኢ ብዝኾነ ኣጋጣሚታት ጥራይ’ዩ ዝውሰን።

 

ምስ ደስከልኩ ብኡ ንቡኡ ናይ ስንብታ ደብዳበ ኣቕሪበ፣ ነቲ ከም ልሙድ ዝውሰድ ኣገባብ ብምጥሓስ ድማ ካብ መንግስቲ ደሞዝ ምውሳድ ኣቋሪጸ።

 

እቲ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ከም’ዚ ዝስዕብ ትብል ነይራ፦

 

“ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ዓመት ውፉይ ኣገልግሎት ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክሰናበት እሓትት። ደሞዘይ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ምውሳድ ስነ ምግባራዊ ስክፍታታት የልዕለለይ ምዃኑ ክገልጽ እደሊ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ደሞዝ ምቕባል ከቋርጽ ወሲነ ኣለኹ።”

 

እታ ደብዳበ ናብ ሚስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ዝተላእከት ኮይና፡ ቅዳሕ ድማ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር (ማሕሙድ ሸሪፎ)፡ ከምኡ እውን ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተላኢኹ።

 

ነዚ ኣርእስቲ ኣብ ምዕራፍ 4 ናይ’ዚ ክፍሊ’ዚ ብሰፊሑ ክድህስሶ እየ።

 

ብድሕሪኡ ምስ ዩኔስኮን (UNESCO) ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራትን (UNOHCI) ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ስራሕ ጀሚረ፡ ኣብኡ ድ ማ ከ ም ላ ዕለዋይ ሓ ላፊ ው ጥንን ፕ ሮግራምን ኮ ይነ ን ሓሙሽተ ዓ መታት ኣገልጊለ። ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት እናነጠፍኩ ከለኹ ብዘላቒ ልምዓትን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስን (Sustainable Development and International Diplomacy) ናይ ማስተርስ ዲግሪ ረኺበ። ብድሕሪ’ዚ፡ ብዩኤ.ኤስ.ኤይ.ኣይ.ዲ. (USAID) ኣብ ዝምወሉ ፕሮግራማት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብምስራሕ ዘይነዓቕ ተመክሮ ቀሲመ። ኣብ ውሽጢ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ኵነታት ጥሒለ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ማእከላይ እስያን ካልኦት ዞባታትን ሓዊስካ እናተንቀሳቐስኩ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓት ልዑል ኣበርክቶ ክገብር በቒዐ። እዚ ተመክሮታት'ዚ ንኣህጉራዊ ኣረኣእያይ ብዓሚቝ ኣሀብቲሙዎ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፖለቲካን ልምዓታዊ ብድሆታትን ዝነበረኒ ርድኢት ድማ ኣስፊሑዎን ኣዕሚቚዎን።

 

ትግርኛ ናይ ኣደ ቋንቋይ እዩ። ኣፋውን ጽሑፋውን እንግሊዝኛ ይመልኽ። ኣብ ቋንቋታት ፈረንሳይኛ፡ ጣልያንኛ፡ ናይ ስራሕ ፍልጠት ኣለኒ። መሰረታዊ ዝኾነ ክእለት ቋንቋ ዓረብ ኣለኒ፣ ብዙሕ ዝጀሃረሉ ግን ኣይኮነን። ኣብ ሽወደን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምልከት ናይ’ቲ ቋንቋ ኣጥርየ ነይረ። ሕጂ ግን ናብ ምርሳዕ ገጹ ከይዱ። እዚ ተመክሮ’ዚ ብምውናነይ ንነብሰይ ከም ዕድለኛ ኢየ ዝቘጽራ።

 

ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ምልቃቐይን ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ምውሳነይን፡ ኣብ መሳርሕተይ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ኣለዓዒሉ። እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ንብዙሓት ድማ ኣሰንቢዱዎም። ገሊኦም ምስ’ቲ ዝወሰድኩዎ ውሳነ ኣይተሰማምዑን፣ ዝያዳ ትዕግስቲ ክገብር ከም ዝነበረኒ ድማ ገሊጾም፣ ገለ ገለ ሰባት እውን ከም ብታህዋኽ ዝተወስደ ምርጫን ከም ምስ መንግስቲ ዝጻረር ተግባርን ገይሮም ርእዮምዎ። ገሊኦም በቲ ዘጋጠመኒ ጸገም ምሳይ ይደናገጹ’ኳ እንተ ነበሩ "ድሕነቱን ድሕነት ስድራ ቤቱን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ኣይነበሮን" ብምባል ንተግባራተይ ብግልጺ ክድግፉ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ገለ ውሑዳት ግና ቅኑዕ ውሳነ ከም ዝወሰድኩ ይኣምኑ ነበሩ።

 

ካብ’ታ ዝደስከልኩላ መዓልቲ'ቲኣ ንደሓር ብቐረባ ምክትታል ከም ዝህልወኒ ስለ ዝፈለጥኩ እቲ ናይ ምስንባት ውሳነ ንዓይ ሓደገኛ’ዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ሃገር ለቒቐ ዝወጸሉ መገዲ ሃሰው ክብል ነይሩኒ፣ ረኺበ ድማ።

 

እቲ ዘገርም ነገር ግን፡ ሓደ ሰብ፡ ንሱ ድማ ሜ/ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ንውሳነይ ምድጋፉ እዩ። ድሕሪ ምኻደይ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለሃይማኖት ልብሱ፡ ምስ ካልኦት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እናሰተየ ኣብ ዘካየዶ ዕላል፡ ኤርትራ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ኲናት እናሃለወት ካብ ሃገር ክወጽእ ኣይነበሮን ብምባል፡ ንተግባራተይ ጌጋ’ዩ ክብል ነቒፉ። ጀነራል ፍሊጶስ ግና ኣብ’ቲ ዘረባ ብምእታው ነቲ ውሳነይ ደጊፉዎ። ኣብ ቦታኡ እንተ ዝነብር ነይረ ከምኡ ምገበርኩ ብምባል ድማ ብተወሳኺ ገሊጹ። ነቲ ብዙሕ ከበርክት ዝኽእል እናሃለኹ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንኽግለል ዝተወስደ ውሳነ’ዩ ዝጠቅስ ነይሩ። እዚ ዕላል'ዚ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምዝዛሞም፡ ሓያሎ ወተሃደራዊ መኰንናት ካብ ቻይና ድሕሪ ምምላሶም ንምጽንባል ኣብ ዝተኻየደ ድራር’ዩ ተኻይዱ። ናይ’ዚ ፍጻመ ኣዘንታዊ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ቻይና ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራዊ መኰንናት እዩ ነይሩ።

 

ሓደ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደሊ ላዕለዋይ ሓላፊ እውን ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዝወሰደ ፈሊጠ። ብውሽጦም ኣገናዕ ዝበሉ ሰባት እውን ከም ዝነበሩ ዳሕራይ ተጋሂዱለይ።

 

ምስ በራኺ ገብረሰላሴ (ሚኒስተር ዜና ነበር) ናይ ስንብታ ደብዳበ ምስ ኣቕረብኩ ኢና ተራኺብና። ምስ ነገርክዎ፡ በራኺ ግብረ መልሲ ኣይሃበን። ተዓንዚዙ ስቕ በለ። በራኺ ሓደ ካብ’ቶም ብቐረባ ዘዕልሎም ሰባት’ዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ተስዓታት ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢድን ጓንትን ኴንና ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሕና ኢና። ዝምድናና ካብ’ቲ ኣባላት ኣቀራራቢት ሽማግለ ኴንና እንሰርሓሉ ዝነበርና እዋን’ዩ ዝጅምር።

 

ዓብደላ ጃብር (ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ነበር፡ ህግደፍ፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት) ብዛዕባ ውሳነይ ንምሕታትን ንውሳነይ ዳግማይ ግምት ንምግባር ዝህሉ ተኽእሎታት ንምድህሳስን ናብ ቦታይ መጺኡ። ሓሳበይ ክቕይር ከም ዘይኮንኩ ቀልዓለም ብዘይብሉ መገዲ ምስ ነገርክዎ ድማ ካባይ ተሰናበተ። ምስ ዓብደላ ጃብር ብዙሕ ቅርበት ነይሩኒ። ኣብ ብዙሓት ተኣፈፈቲ ጉዳያት እውን ነዕልል ኔርና ኢና። ናይ ፖለቲካ “ኣዕሩኽ” እናብዝሐ ምስ ከደ ግን እናተረሓሓቕና ኬድና።

 

እቲ ውሳነ ሓያልን ብሓላፍነት ዘሕትትን ከም ዝነበረ ካባይ ስዉር ኣይነበረን። ምስ መንግስቲ ኣብ ረጽሚ ምእታው ስለ ዝኾነ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ’ዩ። እዚ ብዘየገድስ ግን ክውሰድ ዝነበሮ ስጉምቲ’ዩ ነይሩ። ሓደጋ (risk) ከይወሰድካ ዝመጽእ ለውጢ ስለ ዘይህሉ። ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ’ቲ ውድብ/መንግስቲ ንመጀመርያ ግዜ ከይኮነ እውን ኣይተርፍን እዩ። ሓደ መልእኽቲ ግን ከመሓላፍ ደልየ፡ “ካብ ሽዑ ንድሓር ንድሕሪት ከም ዘይጥምት። ”ካብ ሽዑ ንደሓር ወናኒ መጻኢ ዕድለይ ባዕለይ ምዃነይ” መልእኽቲ ንምትሕልላፍ።


[iii] ቃለ መሕትት ደሃይ ኤርትራ ምስ ወልዴ ዓማር፡ ግንቦት 2024

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
Jul 14

የቐንየልና ሓው ሰመረ ሰሎሙን፡ ብሓቂ ብኩሉ ሸንኽ ነቢብካ ዘይምኖ ታሪኽ እዩ።

ብዙሕ የመስግነካ።

ኣንዮንዮ ተስፋይ

Edited
Like
bottom of page