ሳልሳይ ክፋል - ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ብጸጋይ መሓሪ (ተመርዕ)
- Semere Solomon

- Feb 28
- 4 min read
ሳልሳይ ገጽ ጦብላሕታይ

ሰመረ ሰለሙንን ንመንእሰያት ዘለዎ ፍቕርን ኣፍልጦን
ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ኣብ ልዕሊ እቲ መንእሰይ እንከሎ ዝተወጽዖ ወጽዓ እሙን ብምዃን ነዞም ናይዚ መድረኽን ግዜን መንእሰያት ዘለዎ ፍቕሪ፡ ኣኽብሮትን ንወጽዓኦም ናይ ልቢ ኣፍልጦ ብምሃብን ብትብዓት ንቓልሶም ኣፍልጥ ይህቦ። ነቲ ብዙሓት ምሁራትን ገዳይም ተጋደልትን ብትብዓት ክጽውዕዎ ዘይደፍሩ መጸውዒ ሽም ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ "ተቓውምቲ" የብለይን ዝብል ስርዓት ዓድና ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ደገ ማሓውራቱን ኣጽፋሩን ራዕዲ ዝፈጠረ "ብርጌድ ንሓመዱ ወይ ሰማያዊ ማዕበል"፡ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ብትብዓት ነቲ ሽም የድምጽን ይጽሕፎን።
ከምዚ ብምባል ድማ ኣብ መጽሓፉ ገጽ 166 ሰኒድዎ ይርከብ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ኩነታት ንዕዘብ ብርጌድ ንሓመዱ ወይ ሰማያዊ ማዕበል ዝተሰምየ ዓለማዊ ምንቅስቓስ። እዚ ብኤርትራዊ መንእሰያት ዝተወደበ ንኢንቲፋዳ ዝመስል ናዕቢ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤውርጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣሜሪካ ኣፍሪቃን ጨናፍራት ኣለዎ። እዚ ምንቅስቃስ'ዚ ነቶም ብኹሉ ዓይነት ሽግር ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሓቘፈ እዩ። ገሊኦም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክሰግሩ እንከለዉ ብጥይት ዝተሳሕቱ፡ ካልኦት ብግዱድ ዕስክርና ተሳቕዮም መዕቈቢ ንምርካብ ምድረ በዳ ሰሃራ ክሰግሩ እንከለው ብግፍዕታት በደዊን ዝተቓልዑ፡ ገሊኦም ድማ ማእከላይ ባሕሪ እናሰገሩ እንከለዉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትወ ወዘተ። እዞም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ነቲ ንእሰነቶም ዘባኸነ ስርዓት ከም ሕሱም ይጸልእዎ። ምረትን ቁጠዓን ኣለዎም። በቲ ስርዓት ዝተጠልሙ ኰይኑ ድማ ይስምዖም። ልዑል ፖሎቲካዊ ስምዒት ዘለዎም ኰይኖም፡ ምዑታት እውን እዮም። ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ጨንፈር ንምኽፋትን ቃልሰም ንምጉህሃርን ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ"
ኣብዚ ሕጥቦ ጽሑፍ ንዓይ ዝዓጀበኒ፡ እቲ "ብኹሉ ዓይነት ሽግር ዝሓለፉ" ዝብል ለውሃት፡ ትብዓትን ቅንዕናን ዝመልኦ ምስክርነት ሰመረ'ዩ።
ነዚ ምስክርነት'ዚ ከይምስክሩ ኣዒንቶም ብፍላጥ ዘዕወሩ፡ ኣእዛኖም ብፍላጥ ዘጽመሙ፡ ልቦም ድማ ብጭካነን በለጽን ከም ከውሒ ሩባ ዘትረሩ ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ብኸምዚ ዝስዕብ ይብድሆምን ይገልጾምን።
"ንዓይ ከም ዝመስለኒ እዚኣቶም ኣብ ውሑስ ህይወት ክሳብ ዘለዉ ኤርትራ ንዕኦም ከም ሓንቲ መካነ እንስሳ (zoo) እያ። በጺሖምዋ፡ ርእዮሙዋ፡ ተዘናጊዖሙላ ይመጽኡ። ንዓኣቶም እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከም'ተን ኣብቲ መካነ እንስሳ ዘለዋ እንስሳታት እዩ" ብምባል ይገልጾም። ኣብዛ ሕጥቦ ጽሑፊ ልዕል ኢሉ ድማ "እዚ ንገለ ገለ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ውሑስን ጥጡሕን መነባብሮ ዘለዎም ደቆም ሓቚፎም ዝሓድሩን ኣባላት ድያስፖራ ዝምልከት እዩ። እዚኣቶም ንስቓይ እቲ ህዝቢ (ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት) ኣቓልቦ ዝህቡ ኣይመስሉን ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሃገርና ኩነታት ንቡር ከም ዝዀነ ገይሮም ኸቕርቡ ይርኣዩ" ብምባል ደጊሙ "ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ስቓይ" ኢሉ ኣድሚቑ ምእንቲ መንእሰያት ይምስክርን ይጣበቕን።
ብፍሉይ ዝዓጀበኒ ትብዓቱን ቅኑዕን ዓሚቕን ርድኢቱ ብዛዕባ ሃገራውነት'ዩ። ኣብዚ'ውን ነቶም ነዚ ኣብ ዝሓለፉ ሳላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ሓቀኛ ኣምር ሃገርነት ቀቲሉ ካብቲ ከም መዘርባዕ ተዋጋእን ሕማቕ ሽታን ዘለዎ ሃገራውነት ዘብቆለ ስርዓት ስለዝተጸየነ መንእሰይ ከም ሃገሩ ዝኸሓደን ፍቕሪ ሃገሩ ከም ዘይብሉን ገይሮም ክገልጽዎን ከዋስንዎን ንዝፍትኑ፡ ሕጂ ውን ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን እቲ ሓቀኛ ሃገራውነት ከም ጸሓይ ሓጋይ ኳዕ ኣቢሉ ኣድሚቑ ብርሃን ሓቀኛ ሃገራውንት የርእየና። በዚ ኣቢሉ ድማ መንእሰያት እቲ ሓቀኛ ሃገራውነት ጸሚኦም ከም ዘለዎን ነዚ ዓይኒ ማይ ሓቀኛ ሃገራውነት ክረኽብዎን ረኺቦም ድማ ነቲ ዓይኒ ማይ ብምኽፋት ንኩሉ ኤርትራዊ ሓቀኛ ሓቒቕ ፍቕሪ ሃገርን ሃገራውነትም ከፈልፍሉ የዘኻኽር። ነዚ ኣብ ሃገርና ንሃገርና መንግስትነታ ካብ ህዝባ መንዚዑ ኣብ ተረኹማሺ መንበር ተዀድጩ ዘሎ ስርዓት ዝፈጠሮ ሃገራውነት ብዝርድኣና ቋንቋ የረድኣና። ከምዚ እናበለ ካብ ገጽ 188 ክሳብ 189።
"ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህግደፍን ሃገርን ፍልልይ የሎን። ሕልፍ ኣብ ዝበሉ እዋናት ድማ ኣብ መንጎ መንግስትን ህግደፍን ሃገርን ኢሳይያስን ፍልልይ የለን። ህግደፍ ማለት መንግስቲ ማለት እዩ። መንግስቲ ማለት ሃገር ማለት እዩ። ሃገር ማለት ህግደፍ ማለት እዩ። ህግደፍ ማለት ኢሳይያስ ማለት እዩ። ነዚ ስነ ምጐት'ዚ እንተ ዳኣ ተኸቲልና፡ ንህግደፍ ወይ ንመንግስቲ ኤርትራ ወይ እውን ንኢሳይያስ ዘይድግፍ ሰብ ሃገራዊ ኣይኰነን" ብምባል ትኽብትኽ ብትብዓት ይገልጾ። ነዚ ሃገራውነት እዚ ድማ "ኣብ ጽልኢ ዝተመርኰሰ ሃገራውነት ክህነጽ ኣለዎ። ጸላእቲ ምስ ዝውሕዱ እውን ካልኦት ክናደዩ ወይ ሃሰው ክብሃሉ ኣለዎም" ብምባል ክፍኣትን ሰንኰፍነትን በዚ ዘሎ ስርዓት ዝተሃንጸ ሃገራውነት ይገልጾ" ይብል። እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገርን ንሓደ ሰብ ሃገራዊ ዘብሎ ክገልጽ እንከሎ ድማ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ብኸምዚ የቐምጦ። ኣብ ገጽ 188 ከምዚ ነንብብ "ሃገራዊ ምዃን ምስ ሓጥያት ዝቑጸር ኣበሳ ኣይኰነን። ንሃገርካ ምፍታው፡ ንሃገርካ ምሕላይ፡ ንሃገርካ ምውፋይ፡ ንሃገርካ ምምናን (dedication) ብሃገርካ ምኹራዕ፡ ብሃገርካ ምሕባን፡ ብሃገርካ ምስቁርቋር ነውሪ የብሉን። ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ ዘኹርዕ ነገር እዩ። ሃገራውነት ረቂቕ ኣምር ኣይኰነን። ምስዞም ኣብ ላዕሉ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ዝተኣሳሰር እዩ። ነዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ባህርያት ክሳዕ ዝሓዘን ብዋጋ ረብሓታት ካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ክሳብ ዘይተፈጸመን ሃገራውነት ቅዱስ'ዩ" ብምባል ኣቕልል ኣቢሉ ኣምር ሃገራውነት የዘኻኽረና።
ኣብዚ ድያስፖራ መንእሰያት ብፍሉይ ዝውቀሱሉ ኣቦታትና ናይ ምሕደራ ስልጣነ ፈጢሮም ይትረፍ ንሰብ ንግኡዝ እምኒ እኳ መሰል ዝህብን ዘኽብርን ሕግን ድግን እንዳባ ዝፈጠሩሉ ኣውራጃነት፡ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ብትብዓት ካብ ገጽ 36 ክሳብ 37 ብዝርዝር ጌና ካብ ሜዳ ብርቀት እቲ ስርዓት ብኽፋእ ንስልጣኑ ይሰርሓሉ ከም ዝነበረን ውጽኢቱ ድማ "ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ኣውራጃውነት ምጥቃስ ጥራይ ኣኻሊ እዩ" ብምባል ብዝርዝርን ኣብነታትን ኣስነዩ ነቲ ስርዓት ይብድሆ።
በዚን በቲ ኣብ መጻሕፍቱን ቃለ መሕተታቱን ዝህቦ ሚዛን፡ ሓቂ፡ ትብዓት ፡ ሓልዮትን ርህራሄን ዘለዎ ምስክርነታቱ ናይ ብኡነት ኣቦን ዓርክን መንእሰያት ብምዃኑ የርእየና። ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ዘይከም ብዙሓት ገዳይም ተጋደልትን ሰበ-ስልጣን ናይቲ ስርዓት ነበርን ንኢስይያስ ከም ሰብ ነቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብን ዝመርሖ ዘሎ ስርዓትን ብምልኣት ብትብዓት ክነቕፍዎ ሕንቕንቕ ዝብሎም፡ ንኢስይያስን ኢስይያስነትን ኣብ ቀዳማይ ክፋል ምዕራፍ ሸሞንተ ነቲ ውድብን ነዚ ዘሎ ስርዓትን ድማ ኣብ ምልእቲ መጽሓፍ ሚዛኑ ከይቕነነ፡ ስምዒቱ ከይሰዓሮ ሕማቖምን ጽቡቖምን ብቕንዕናን ትብዓትን መስኪርዎን ገሊጽዎን ኣሎ። ምእንቲ'ዚ ድማ መንእሰያት ከኽብርዎ እዮም። ዘደንቕ ብቕዓትን ማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ ቁጠባውን ኣፍልጥኡ ጥራይ ዘይኰነስ ቅንዕንኡን ትብዓቱን ነዚ መንእሰይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ ዘይብተኽ ሰንሰለት ምስ መንእሰያት ክህልዎ እብህግን እምነን።
ይቕጽል ............. ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል



Comments