ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 1፡ ንናይ ናጽነት ቃልሲ ዘበገሱ ምኽንያታት
- Semere Solomon

- Sep 23
- 4 min read
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን
ምዕራፍ 1፡ ንናይ ናጽነት ቃልሲ ዘበገሱ ምኽንያታት
ናጽነት ሃገር ንምውሓስ ወይ ዝኾነ ማሕበራዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝግበር ቃልሲ ወይ ምንቅስቓስ፡ ሱሩ ኣብ’ቲ ዝተሓላለኸ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ኣቀዋውማ ዝምርኮስ ዳናሚክ ኢዩ ዝረክብ። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ብተደጋጋሚ ከም ዝተቐልቀሉ ታሪኽ ምስክር እዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ብኽልተ ተጻረርቲ መዳያት ይግለጽ። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጢ እቲ ተገዚኡ ዘሎ ህዝቢ ዝርአ ናይ ለውጢ ድሌት፡ ብኣንጻሩ ድማ ናይ’ቶም ገዛእቲ ስነ ኣእምሮ እቲ ኵነታት ከም ዝነበሮ ክቕጽል ዘለዎም ጥሙሕ። እዚ ዳሕረዋይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ምግዳድ ወይ ብናይ ምትላል ሜላን’ዩ ዝካየድ።
እቶም ጨቈንትን/ኣንበርከኽትን፡ ኣብ ባህላውን ስነ ሓሳባውን ልዕልንኦም ተመርኲሶም ኣብ ውሽጢ’ቶም ተገዛእቲ፡ ናይ ተማእዛዝነትን ተመሻኻንነትን ጠባይ ንምስፋን ብንጥፈት ይጽዕሩ። ዝተራቐቐ ትካላውን ወተሃደራውን ፕሮፓጋንዳውን ሜላታትን ከምኡ’ውን ናይ ምፍርራሕ መሳርሒታትን ብምጥቃም ድማ ዓብላልነቶም ክቕጽሉ ብዘይ ምቊራጽ ይጽዕቱ።
ብተወሳኺ፡ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት፡ ሓደሓደ ግዜ ዘይተጸበኻዮም ግዳማዊ ረቛሒታት ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ጽልዋ ከሕድሩ ስለ ዝኽእሉ፡ ነቲ ናይ ስልጣን ዳይናሚክ ዝያዳ ከም ዝተሓላለኽ ይገብርዎ። ይኹን’ምበር፡ ሚዛን ሓይሊ እውን እንተ ኾነ ምስ ግዜን ካልኦት ካብ ቊጽጽር ሰብ ወጻኢ ብዝኾኑ ረቛሕታትን ምቕያሩ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዩ።
ስለዚ ነቶም ንኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንናጽነት ወይ መሰል ርእሰ ውሳነ ኣበርክቶ ዝገበሩ ምኽንያታት ወይ ረቛሒታት ክንትንትን እንከለና፡ ዝምድናታት ናይ’ቶም ውሽጣውያን ናይ ለውጢ ሕግታትን ጽልዋ ግዳማዊ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ተመክሮ ወዲ ሰብ ዘሎ መሰረታዊ ድፍኢት ንለውጢ፡ ኣፍልጦ ምሃብን ምግንዛብን እውን ኣገዳሲ እዩ። ንኵነታት በዚ መንጽር'ዚ ምርኣይ እምበኣር ኣብ ስነ መጎታዊ መደምደምታ ንኽትዓልብ ይሕግዙኻ።
እምበኣር ሕጂ፡ እቶም ውሽጣውን ኣህጉራውያንን ረቛሒታት እንታይ ይመስሉ ከም ዝነበሩ ንርአ።
1.1 ኣብ ምንቅስቓስ ናጽነት ኣበርክቶ ዝገበሩ ውሽጣውያን ረቛሒታት
ኣብ’ዚ ወሳኒ ናይ ታሪኽ እዋን፡ ነቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምቕራጽ ሓያሎ ውሽጣዊ ረቛሒታት ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። እዞም ረቛሒታት'ዚኣቶም ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ንምውሓስ ዝነበሮ ድሌት እጃም ነይሩዎም።
ቊሩብ ምልስ ኢልና እንተ ተመልከትና፡ ታሪኽና፡ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ዝቐንዐ ሓደ ሓደ ናይ ተቓውሞ ፍጻመታት ይምዝግብ። ብፍላይ ድማ ኢጣልያ፡ ናይዛ ሕጂ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ብራኸ ዝርከብ ናይ ተቐማጦ መሬት፡ መሬት ዶሚናለ (Terra Dominiale) ኢላ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን ብተቐማጦ’ዛ መሬት ዝተራእየ ጐነጻዊ ግብረ መልሲ ነይሩ እዩ። እዚ ፖሊሲን ሕግን'ዚ ንሓረስቶት ነቲ ካብ ኣቦታቶም ዝወረስዎ መሬት ብግቡእ ንኸይጥቀሙሉ ዝኽልክል ነበረ። እዚ ብግዲኡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዓዃይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኤርትራ ቁጥዐ ብምልዕዓል ረጽማዊ መልክዕ ሒዙ ነይሩ። ሓደ ካብ’ዚ፡ እቲ ብደግያት ባህታ ሓጎስ ዝምራሕ ዝነበረ ጐነጻዊ ተቓውሞ ነበረ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ብስነ ሓሳባዊ ይኹን ብሃይማኖታዊ ምኽንያት፡ ንሃጸይ ኢትዮጵያ ተኣማንነት ዝነበሮም ኤርትራውያን ከም ዝነበሩን ብርክት ዝበሉ ካብ’ኣቶም ድማ ኣብ መሳርዕ ሃጸያዊ ሰራዊትን ምምሕዳርን ከም ዝተጸምበሩን ይፍለጥ። ይኹን’ምበር፡ ብሓፈሻ፡ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ዝፈታተን ውሁድ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይነበረ ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ኣብ ግዜ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር (British Military Administration)፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ፍልይ ዝበለ ነበረ። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ብናጻ ዝገልጸሉን ኣብ ማሕበራት ዝጥርነፈሉን ዕድላት ረኺቡ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ’ቲ ሕሉፍ ህይወት ናይታ ሃገር ርኡይ ናይ ጒዕዞ ለውጢ ዘመልክት ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝዓምበባሉን ድምጸን ዘስምዓሉን ሃዋህው ኣማዕቢሉ። እዞም ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት'ዚኣቶም ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ብዛዕባ ናይ ኤርትራ መጻኢ ዘለዎም ፍሉይ ራእይ ብጋዜጣታትን ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ብምግላጽ፡ ንፖለቲካውያን ልሂቃንን ሓፋሽ ህዝብን ዘሳተፈ ዉዕዉዕ ፖለቲካዊ ክትዓት ኣበጋጊሶም።
ይኹን’ምበር፡ እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕጉስ ዘይነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ምንቅስቓሳት ንምዕፋን (ወይ ንረብሓኡ ንምውዓልን ንምጥምዛዝን) ብዙሕ ጻዕርታት ብምግባር ነቶም ንናጽነት ዝጣበቑ ዝነበሩ ባእታታት በዳሂ ሃዋህው ፈጢሩሎም።
ጐኒጐኒ'ዚ ድማ፡ ሓደ ውሽጣዊ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ዝነበረ ምንቅስቓስ ወይ እውን ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ሃይማኖትን ራዕድን ምፍርራሕን ከም መሳርሒኡ ተጠቒሙ ነቲ ጻውዒት ናጽነት ከዳኽም ጀሚሩን ፈቲኑን ነበረ። ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ፖለቲካ፡ ጐነጻዊ ጸቕጢ ተጠቒሙ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ናጽነት ስምዒት ክዕፍን ሃቂኑ እዩ።
ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ደገፍ ፍሉያት ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምርካብ ስትራተጂያዊ ፖለቲካዊ መናውራታት ብምጥቃም፡ ንጉዕዞ ናጽነት ዝያዳ ከም ዝተሓላለኽ ገይሩ። ጽውጽዋይ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ናጽነት ኢትዮጵያ ተጠቒሙን ፍርሒ እስልምናን ዓረባዊት ዓለምን (ብፍላይ ድማ ናይ’ተን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ ሃገራት) ብምልዕዓልን፡ ንክርስትያን ከበሳውያን ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዕላማኡ ክስሕብ ፈቲኑ። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ንዝህሉ ሓድነት ዝድግፍ ዝነበረ ናይ ሕብረት ምንቅስቓስ፡ ናህሪ እናወሰኸ ብምኻዱ ድማ ንደገፍትን ንተደናገጽትን ናጽነት ብድሆ ኮይኑዎም ነበረ። ብተወሳኺ፡ እቶም ንናጽነት ዝጣበቑ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ሌላ ይኹን ተመክሮ ኣህጉራዊ ጉዳያት ስለ ዘይነበሮምን ምስ ዲፕሎማስያዊ ብልጫታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ክወዳደሩ ኣይከኣሉን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ከም’ተን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ
ኢጣልያ ተቖሪነን ዝነበራ ከም ሊብያን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ካብ መግዛእቲ ናይ ምግልጋልን ናጻ ናይ ምዃንን ልዑል ትጽቢት ነይሩዎ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ተስፋታት'ዚ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣንጻር ባህጊ'ቲ ዘይነዓቕ ክፋል ህዝቢ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ፈደራላዊ ስርርዕ (arrangement) ክትጸንሕ ምስ ወሰነ፡ እቲ ትጽቢት ቅሂሙ።
እዚ ብዘይ ድሌት ዘይነዓቕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ፈደራላዊ ስርርዕ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ምፍራስ ገጹ በጽሐ። ከም ሳዕቤኑ፡ ነቲ ናይ ናጽነት ባህጊ ዝነበሮም ዜጋትት ሃገር ቆራጽነትን ኒሕን ዝያዳ ላምባ ዝኸዓወሉ ተርእዮ ኮይኑ። ብሓጺሩ፡ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዜጋታት፡ ንከም ዓፈና፡ ስትራተጂያዊ መናወራታት ሃጸያዊት ኢትዮጵያን፡ ዝተጠልመ ትጽቢታትን ዝኣመሰሉ ዝተወሳሰቡ ውሽጣውያን ረቛሒታት ደሚርካ ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋን’ዚ ነቲ ኤርትራዊ ናጽነታዊ ምንቅስቓስ ኣለዓዒልዎ ዝነበረ ሃልሃልታ መሊሱ ኣበርቲዕዎ።
1.2 ጂኦፖለቲካ
ንባህርያት ጂኦፖለቲካ ንምርዳእ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንኣመሪካን መሻርኽታን ዘለዎ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ምምርማር ጠቓሚ እዩ። ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ መን ይዓብልል ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ነበረ። ከም ዓርኪ ምዕራባውያን ሓይልታት ዝረአ ዝነበረ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ነቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ተገዳስነት ዝያዳ ኣበራቢሩዎ።
ኣብ ዓውዲ ጂኦፖለቲካ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ብጂኦፖለቲካውን ስትራተጂያውን ምኽንያታት፡ ንኢትዮጵያ ልዕሊ ኤርትራ ከም ዝብህግዋ ገይሩዎም። ጽልዋ ኣመሪካን መሻርኽታን (ወይ ሰብ ኪዳን) ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ቀሊል ስለ ዘይነበረ ድማ ንካልኦት ድምጽታት ተቓወሞ ስቕ ከብሎም ክኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝነበራ ቦታ (standing)፡ ብናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ህቡብነት ዝተደርዐ ኮይኑ፡ እዚ ኵነታት'ዚ ንረብሓ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣገልጊሉ እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ባሕሪ ኣልቦ ብምዃና፡ ኣብ’ዞም ጂኦፖለቲካውያን ትልምታት ኣብ ግምት ክኣቱ ዝድለ ረቛሒ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ኤርትራውያንን ውሱናት መሻርኽቶምን ንጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ንምምጻእን ንምጉስጓስን ዝገበሩዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እኹል ከም ዘይነበረ ምግንዛብ የድሊ።



Comments