ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 2፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር፡ ፈደራላዊ ስርርዕ ኢትዮ-ኤርትራን፣ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን
- Semere Solomon

- Sep 23
- 6 min read
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን
ምዕራፍ 2፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር፡
ፈደራላዊ ስርርዕ ኢትዮ-ኤርትራን፣ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን
ምንቅስቓስ ናጽነት ካብ ሰላማዊ ተቓውሞ ናብ’ቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለን ብምኽኑይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝልለየሉ ደረጃ ንክሰጋገር ዕስራ ዓመታት ወሲዱሉ።
2.1 ኣርብዓታት
ኣርብዓታት፡ በዞም ዝስዕቡ መለለዪ ባህርያት ይግለጹ፥
ውሽጣውያን ረቛሒታት
ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ በቲ ሚዛን ሓይሊ ብቐንዱ ብረብሓ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ሶቭየትን ናይ ዝሓቘፉ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ዝዘንበለሉ ኵነታት’ዩ ተደምዲሙ። ነገራት እናበርሁ ምስ ከዱ፡ ስዕረት ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ርኡይ ኮይኑ፣ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ናይ መወዳእታ ዕርድታት ኢጣልያ ብምዃን፡ ሰራዊት ኢጣልያ ንሰራዊት እንግሊዝ ኢዱ ክህብ እንከሎ ተዓዚባ።
እዚ ናይ ስልጣን ምቅይያር ኵነት፡ ምምሕዳር ብሪጣንያ ንኤርትራ ንክቆጻጸራ ኣኽኢሉዎ። ህላወ ምምሕዳር ብሪጣንያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታውያን ደሞክራስያዊ መሰላት ንክጥቀም እኽኢሉዎ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምቛም ማሕበራትን ዝምልከት ናጽነታት ወይ መሰላት የጠቓልል።
ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ተራ ጋዜጣታት ግስጋሰ ኣርእዩ ነበረ። ጋዜጣታት፡ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ድምጺ ምዃን በቒዐን ጥራይ ዘይኮነስ ዉዕዉዓት ክትዓት ንከበጋግሳ እውን ግዜ ኣይወሰደለንን። እዚ ለውጢ'ዚ፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ ግደ ነይሩዎ። እዚ ምዕባለ'ዚ ብግዴኡ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ምቕያስ መጻኢት ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ኣጎሃሂሩዎ።
ከም ናይ’ዚ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሃዋህው ግብረ መልሲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ቅርጺ ክሕዛ ጀሚረን። እዘን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ገሊአን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ገሊአን ደማ ኣብ ብሄራውን ሃይማኖታውን መስመራት ዝተመስረታ ነበራ። እዘን ሰልፍታት'ዚኣተን፡ ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ናጽነትን ሕብረትን ዝነበራ ሰልፍታት፡ ነቲ ዝተፈላለየ ረብሓታትን ኣረኣእያታትን ህዝቢ ኤርትራ ከጎሳጉሳን ክውክላን ይጽዕራ ነበራ።
ጋዜጣታት፡ ድምጺ ናይ’ዘን ፖለቲካዊ ውዳበታት ኮይነን ከገልግላ እንከሎዋ፡ ሓያልን ውዕዉዕን ፖለቲካዊ ክትዓት ብምቕልቃሉ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንኽዓቢ ምኽንያት ኮይኑ። ምልውዋጥ ሓሳባትን ክትዓትን ዘተን ነቲ ህዝቢ ናብ ንጡፍ ተሳትፎ መጻኢ ሃገሩ ንኽሰሓብ ሓጊዙዎ።
ኣብ’ዚ ፖለቲካዊ ምብርባር ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኹለን ደገፍቲ ናጽነት ውድባትን ውዳበታትን ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ባይታ (platform) ምምስራት ኣገዳስነቱ ጎሊሑ ተራእየ። እዚ ባይታ'ዚ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ማለት መሰል ርእሰ ውሳነን ናጽነትን ንምዕዋት ወሳኒ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።
ኣርብዓታት እምበኣር እዞም ዝስዕቡ መለለዪ ባህርያት ነይርዎም፥ ውዕዉዕ ፖለቲካዊ ክትዓት፡ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ዘይርጉእ ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ምብራኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ፡ ሓሓሊፉ ዝረአ ናይ ተስፋ ምቚራጽን ተስፋ ምዕባይን ህሞታት፡ ከምኡ እውን፡ ናይ ሓድነት ህሞታት በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ ፖለቲካዊ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን። ኵላቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ዝሰግሮም ዝነበረ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ዘንጸባርቑ ነበሩ። እዘን ዓሰርተ ዓመታት'ዚኣተን ኣብ ዝቐጸሉ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተራእዩ ፖለቲካዊ ኣከያይዳታትን ጒዕዞን ዝእምታ ነበራ። ንዝመጹ ዓሰርተታት ዓመታት ንፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ክሃስዩ ዝኽእሉ ምዕባለታት ኣቐዲሙ ዝረኣየ ጉጅለ ልሂቃን እውን ወሊደን። ነቶም ነቲ ኵነታት ንውልቃዊ ወይ ንጉጅላዊ ዕላማኦም ወይ ረብሓኦም ክምዝምዙ ዝደልዩ ዝነበሩ ዜጋታት እውን ወርቃዊ ዕድል ፈጢረን።
መራሕቲ፡ መብዛእትኡ ግዜ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝሰፈኖ ኵነታት’ዮም ዝልለዩን ዝፍጠሩን። ናይ ኤርትራ ኵነታት እውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ሰባት፡ ኣብ ዙርያ ግርማ ሞጎስ (charisma) ዘለዎም መራሕቲ ክዓስሉ ጀሚሮም። ቅድሚ ነዞም ሰባት'ዚኣቶም ኣሚኖም ዝኽተሉዎም ድማ፡ መን ምዃኖምን እንታይ ዕላማን ራእይን ከም ዝነበሮም ወዘተ ክፈልጡ ይደልዩ ነበሩ። ሓንሳእ ምስ ተቐበሉዎም ግን ከም ጣዖት ከምልኹዎም ጀመሩ። ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ፍስሃ ወልደማርያም (ጋንዲ)፡ ደግያት ተሰማ ኣስበሮም ገለ ካብ’ቶም ናይዘን ዓሰርተ ዓመትት'ዚኣተን ፍርያት’ዮም ነይሮም።
ዓለምለኻዊ ኵነታት
ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ዓወት ናይ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ሶቭየትን ዝሓቖፈ ሓይልታት ኪዳን ኣበሲሩ። ድሕሪ’ዚ ዓወት’ዚ፡ ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ኣብ’ቲ ዝተሳዕረ ወገን ናይ’ቲ ግጭት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊታ ንሰራዊት እንግሊዝ ኢዱ ንክህብ ተገዲዳ። ስዒቡ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ብሪጣንያ ከም እትኣቱ ተገይሩ። ምምሕዳር ብሪጣንያ፡ ምሕደራ ኤርትራ ንምክትታል ዝተመስረተ ነበረ። ናይ ኤርትራን ካልኦት ግዝኣታት ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት (ሶማልያን ሊብያን) ዕጫ ርግጸኛ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተወከለ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ መጻኢአን ንምውሳን ተኸታተልቲ ምይይጥት ጀሚሩ ነበረ።
ኣብ’ዚ ኵሉ ዘተታት’ዚ፡ ንኣተሓሕዛ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ከም ርእይቶ ቀሪቦም። ይኹን’ምበር፡ ኣብ መንጎ'ቲ ድሕረ ኲናት ዝተኸስተ ጂኦፖለቲካዊ ሕልኽላኻት፡ ረብሓታት ሓያላት ሃገራት ልዕሊ ድሌታትን ባህግታትን ናይ’ቶም ኣበየ ከባቢኡ ዝነበሩ ህዝብታት ከም ዝስራዕ ርዱእ ኮነ። በዚ መንጽር'ዚ፡ ድሌት ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ናይ መራሕቲ ሓይልታት ዓለም ዝሰፍሐ ስትራተጂያዊ ኣተሓሳስባታት ብምዕብላሉ ዳሕረዋይ ቦታ ይሕዝ ነበረ።
2.2 መለለዪ ባህርያት ሓምሳታት
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ፈደራላዊ ስርርዕ ኣተዋ። እዚ ድማ በቲ ናይ ዓበይቲ ሓይልታት ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ብፍላይ ድማ ኣመሪካ፡ ዝተመርሐ ትልሚ እዩ ነይሩ። ቅዋም ኤርትራ ብባይቶ ይጽደቕ እምበር፡ ብዙሕ ግዜ ከይወሰደ’ዩ ግን ናይ ምብሕጓጉ ኣንፈታት ክርአ ዝጀመረ።
ድሕሪ’ዚ ቀስ እናበለ ዝማዕበለ ምብሕጓግ ፈደራላዊ ስርርዕ ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ረጽሚ (polarized) ፖለቲካ እናኾነ መጺኡ። እዚ ናይ መርገጽታት ምርሕሓቕ'ዚ፡ ክንዮ’ቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብምኻድ ብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ክሕዝ ከም ዝጀመረ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣስተብሂሎምሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ኣባላት ባይቶ፡ ንጹር ፍልልያት ተፈጢሩ፡ ገሊኦም ምስ ብሎክ ናጽነት ገሊኦም ድማ ምስ ሰልፊ ሕብረት ተሰሊፎም። እዚ ምፍንጫላት'ዚ፡ በቲ ብጋዜጣታትን ብወረን ኣቢሉ ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ህዝቢ ብሰፊሑ ይፍለጥ ነበረ።
ኣብ ውሽጢ ባይቶ ኤርትራ ወጥሪ እናገደደ ብምኻዱ፡ ካብ ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛታትን ካልኦት ሃገራውያን ጉጅለታትን ተቓውሞ ኣስዒቡ፡ ብናይ ፖሊስ ግፍዕታት ድማ ተደቚሱ። ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ብምእታዉ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ተድላ ባይሩ፡ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ተራ ተጻዊቱ እዩ። በቲ ብንጉስ እተመዘዘ ቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ድማ ተተኪኡ።
ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ነቲ ኢትዮጵያ እትጥቀመሉ ዝነበረት ሰላሕታዊ ግን ከኣ ኣዕናዊ ሜላታት ብኸም’ዚ ዝስዕብ ይገልጾ፤
"ኢትዮጵያ ንተደጋጋሚ ጥርዓናትን ተቓውሞን ሸለል ብምባላን ከምኡ እውን ኢድ ብምትእትታዋን ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኣሕዚኑን ኣጉሂዩን እዩ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ጣልቃ ብምእታው፡ ርእሰ ምሕደራ ኤርትራ ንምድኻም ንሰልፊ ሕብረት ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምውሳድ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሰልፊ ሓድነትን ነቶም ኣብ ናይ ምዕራብ ኣውራጃ እስላማዊ ሊግ ዝነበሩ ኣዝዮም እሙናት ናይ ቀደም ተሓባበርታ ከይተረፈ ኣልጊሳቶም፡ ነጺላቶም፡ ጠሊማቶም፡ ኣጓንያቶም፡ ናብ ንመሰል ኤርትራ ዝጣበቑ ጽኑዓት ፈደራሊስት ድማ ቀዪራቶም። ጥልመት ኢትዮጵያ ነቶም ናይ ቀደም ሕብረታውያን መሻርኽታ ናብ ቅሉዕ ተቓውሞ ከም ዝቐንዑ ብምግባር ንብዙሓት ናብ መሳርዕ ናይ’ቲ ዝቕልቀል ዝነበር ምንቅስቓስ ናጽነት ከም ዝጽንበሩ ገይራ።" (Giorgis, 2014)
ወኪል ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ፡ ልዑል ወይ ራስ እንዳርጋቸው መሳይ እውን እንተ ኾነ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኤርትራ ኣእዳዉ ኣእትዩ እዩ። ኣለምሰግድ ተስፋይ ኣብ’ታ "ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቲየንዞ ክሳብ ተድላ 1951-55''[1] (ተስፋይ፡ 2005) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ዝርዝር ጸብጻብ የቕርብ እዩ።
ፖለቲካዊ ዓፈና ቀጺሉ። መራሕቲ ድማ ስጉምቲ ፖሊስ፡ ማእሰርትን ምፍርራሕን ኣጋጢሙዎም። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ልዕሊ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዓብደልቃድር ከቢረን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ናጽነት ዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ፡ ፈተነ ቅትለት ምክያዱ እዩ። ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝሕብሩዎ፡ ከቢረ ብዘይ ርህራሀ ብልኡኻት ሰልፊ ሕብረት እዩ ተቐቲሉ።
ከም ግብረ መልሲ ናይ’ቲ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ሓያሎ ፍሉጣት ሰባት፡ ከም ብዓል ኢብራሂም ሱልጣን፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ተድላ ባይሩን ወልደኣብ ወልደማርያምን ካብታ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ግብጺ ዕቚባ ሓቲቶም። እቲ ናይ ባንዴራ ኤርትራ ምውራድ ተግባር እውን ኣብ ደረት ትርኢት ይርአ ነበረ።
ኣብ ሞንጎ'ዚ ብዕግርግር ዝልለ እዋን፡ ብሓራካ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ሓርነት፡ በቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ተመስሪቱ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ብቕልጡፍ ኣብ ኤርትራ ህላወኡ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ሃገራውያን ኤርትራውያን ንጉዳይ ናጽነት ንምስጓም ኣብ ምስጢራዊ ዋህዮታት ክውደቡ ጀሚሮም። ዕላማ ሓረካ ድማ ሃገራዊ ሓድነት ንምውሓስ’ዩ ነይሩ (Tesfai A., 2016)።
ዓለምለኻዊ ኵነታት
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሊበራላውያን ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፋሽሽትነትን ናዚነትን ተዓዊቶም። ከም ውጽኢቱ ድማ ድሕሪ’ቲ ኲናት ዝነበረ ፖለቲካዊ መልክዕ መሬት (landscape) ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢጣልያን ግዝኣታታ ነበርን ርኡይ ለውጢ ተራእዩ። ኢጣልያ ካብ ሶማልያን ሊብያን ኤርትራን ሓዊስካ ካብ ኵሉ መግዛእታታ ከም እትሕረም ተገብረ።
ብፍላይ ኤርትራ፡ ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ፈደራላዊ ስርርዕ ንኽትኣቱ ዝተሓላለኸ ዕጫ ገጢሙዋ። እዚ ውሳነ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ተቐቢሉዎ። ሰብ ይቀበሎ ኣይቀበሎ ብዘየገድስ ግን፡ ሓደ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ይምነ ከም ዝነበረ ምግንዛብ የድሊ። እዚ፡ ፈቲና ጸሊእና ታሪኽና እዩ።
እዚ ፈደራላዊ ስርርዕ’ዚ፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ባይቶ ኤርትራ ክኸውን እንከሎ፡ ጉዳያት ወጻእን ምክልኻልን ድማ ንኢትዮጵያ ብሓላፍነት ተዋሂቡ። እቲ ንጉስ ድማ ቀንዲ ተራ ንኽጻወት ስልጣን ተዋሂቡዎ። እዚ ፈደራላዊ ስርዓት'ዚ፡ ብዘይካ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ፡ ካልኦት መለለዪ ባህርያት እውን ነይሮሙዎ እዮም።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ኢዳ ከተእቱ ብምጅማራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብሕንፍሽፍሽ ዝልለን ታሪኻዊ መድረኽ ኣበጊሱ። ኣብ መንጎ’ተን ክልተ ሃገራት ድማ ንሓዋሩ ዝተሓላለኸ ዝምድና ንኽፍጠር ጠንቂ ኮይኑ።
2.3 ንኣርብዓታት ካብ ሓምሳታት እንታይ ይፈልዮም?
ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዝነበረ ኵነታት፡ ተጻረርቲ ኣረኣእያታት ዝውክሉ፡ ገሊኦም ንናጽነት ኤርትራ ዝጣበቑ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ዝጣበቑ፡ ነፍስ ወከፎም ነናቶም ኣጀንዳታት ብውዕዉዕ ስምዒት ወንን ዘስፋሕፍሑ ፖለቲካውያን ልሂቃን ፈጢሩ ነበረ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ካልእ ወገን ፖለቲካዊ ዕላማ ስግኣት ነይሩዎም። ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ዝድግፍ ዝነበረ ሰልፊ ሕብረት፡ ንጽልዋ እስልምናን ዓረባዊ ዓለምን ስክፍታታቱ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ደጋፊ ናጽነት ዝኾነ ቀጽሪ ድማ ብመስፍናዊ ስርዓት ክመሓደር ዝህሉ ዕድል ስግኣት ፈጢሩሉ ነበረ። ገለ ኣባላት ሰልፊ ሕብረት ኣብ ግርህና ዝተመስረተ ንጽልዋ እስልምናን ዓረባዊ ዓለምን ዝምልከት ስክፍታት ነይሩዎም። ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምስ ተረድኡ ግን ናይ ጣዕሳ ምልክታት ከርእዩ ጀሚሮም። (Tesfai A., 2001)።
ኣርብዓታትን ሓምሳታትን፡ በቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት እናጎልሐ ዝኸደሉ ዝነበረ ኵነታት’ዩ ዝልለ። ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ብኣኡ መጠን ዘገም እናበለ ለውጢ ከምጽእ ጀሚሩ። ይኹን’ምበር ካብ ፖለቲካውን ብሄራውን ወይ እውን ሃይማኖታውን ዝመሰረቱ ፍልልያት ክገላገል ግን ኣይከኣለን።
ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ፈደራላዊ ስርርዕ፡ ነዚ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ፍልልያት ንምፍታሕ ናይ መሰማምዒ (compromise) መፍትሒ ኮይኑ ተቐልቂሉ። ነዚ ድማ ብዙሓት ምስ’ቲ ኢትዮጵያ ብቕጽበት ንኤርትራ ክትሕውሳ ዝነበራ ድሌት ወይ እውን ኤርትራ ክትምቀል ዝብል ኣብ ውጥን ቤቪን ስፎርዛ (Bevin-Sforza Plan) ዝተዘርዘሩ ዓንቀጻት ክነጻጸር እንከሎ ዝያዳ ምቹእ ኣማራጺ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። ካልእ መማረጺ ድማ ኤርትራ ብሞግዚነት ክትጸንሕ ዝብል’ዩ ነይሩ።
ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን፡ እዚ ፖለቲካዊ ወጥሪ’ዚ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣበርቲዑ ከፋፊሉዎ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዕጫ ህዝቢ ኣብ ዝውሰነሉ እዋን፡ ካብ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ፡ ባዕዳዊ ረብሓታት ይቕድም ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ክልቲኡ እዋናት ዓመጽን ምፍርራሕን ገኒኑ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ማሕበረ ፖለቲካዊ መልክዐ መሬት ዝያዳ ከም ዝተሓላለኽ ገይሩዎ ነይሩ።
[1] ኣለምሰገድ ተስፋይ፥ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ያካብ ማትየንዞ ክሳብ ተድላ 1951- 1955፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ሰነ 2005



Comments