top of page
Search

ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 5፡ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ስም ዝተጸውዐ

 

 

ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን 

ምዕራፍ 5፡ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡

ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ስም ዝተጸውዐ

(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)

 

ኣብ ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ክልተ ወሰንቲ ተዋሳእቲ ውድባት ነይሮም። እዚ ምዕራፍ’ዚ፡ ካብ 1961 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣንጻር ጐበጣ ኢትዮጵያ ብፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ናይ ዝገጠሙ ቀንዲ ውድባት መንነት ንምብራህን ትንተና ንምቕራብን ዝዓለመ እዩ። ኣብ’ተን ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መልክዕ መሬት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝዝንብዩ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ፍጻመታት ተኸሲቶም እዮም። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ’ቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፋ ካልኦት ውዳበታት ኣይነበራን ማለት ኣይኮነን።


ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ከም ሓደ ዘየቋርጽ (ወይ ቀጻሊ) ጉዕዞ ጌርካ ክውሰድ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ንታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ከም ሓደ ዘይንጸል ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ኢሉ ዘካየዶ ነዊሕን ዘይሕለልን ቃልሲ ምዃኑ ምእማን ማለት እዩ። ምምስራት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ታሪኻዊ ኣመሰራርታን ኣመዓባብላን መስርሕን ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ደሓር ህዝባዊ ግንባር)፡ ውጽኢት ናይ ሓደ ዝተሓላለኸ ውህደት ናይ ዝተፈላለዩ ውድባትን (ቀዳማይ ወገን፡ ካልእይ ወገን፡ ዑበል) ምንባሩ እውን ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ እዩ።


ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ጽልግልግ ዝመልኦ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝምዕብላ ዝነበራን ምዕቡላትን ሃገራት ዝጸሉ ዝነበረ ዓለማዊ ናይ ጸጋማዊ ምንቅስቓሳት ማዕበል ክርአ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ፥ ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ዝተሰየመ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝቀያየር ዝነበረ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መልክዐ መሬት ንምብዳህን ንምግጣምን መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቕምን ባህርያትን ብልጫታትን ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ ንምዃን በቒዑ’ዩ።


ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ናይ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸብለልትነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ብቕዓትን ኣወዳድባን ዝንየት ኮይኑ፡ ፍሉይን ዝተራቐቐን ድልዱልን ወተሃደራዊ መሳርሒ ወይ መጋበርያ ዝመለለይኡ ኮይኑ ይግለጽ። እቲ ኲናት፡ በላሕትን ምዑታትን ናይ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ክኢላታት ፈጢሩን ኮስኲሱን። ብዙሓት ካብኣቶም ምቕሉል ኣጀማምራ ህይወት (humble beginning) ዝነበሮም ተራ ዜጋታት ኮይኖም ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም - ሓረስቶት፡ ተማሃሮ፡ ምሁራት፡ ሰራሕተኛታት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ከምኡ እውን ካብ ኩሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ቀጸላታት ዝተዋጽኡ ኢዮም። እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ፤ ጾታ፡ ብሄር፡ ሃይማኖታዊ ጸግዒ ብዘየገድስ ንኹሎም ዘካተተን ዝሓቘፈን ምንቅስቓስ ስለ ዝነበረ።


መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ዕላማታት ቃልሲ ኣብ ምንጻር፡ ሕግታት ናይ’ቲ ተበግሶ (rules of engagement) ኣብ ምርቃቕ፡ ስርዓተ ልምድታት ኣብ ምትእትታውን ምትግባርን፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ስርዓተ ክብርታት ኣብ ምስራጽን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሩ። ተዋጋኢ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር፡ ትብዓት ዝመለለይኡ ኮይኑ፡ ብኹሉ መለክዕታት ጅግንነትን ተወፋይነትን ዝሰነቐን ዝዓጠቐን፡ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ናጽነት መስዋእቲ ክኸፍል ድሕር ዘይብል ምንባሩን ይምስከረሉ። እዚ ተወፋይነት'ዚ ክንዮ ዓውደ ውግእ ዝኸይድ ኢዩ ነይሩ። ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ተነጽሎ፡ ተሪር ኩነታት መነባብሮ፡ ጽንኩር ሙቐት፡ ጽንኩር ኣቀማምጣ መሬት፡ ሕጽረት ኣጽዋርን ተተኰስትን፡ ሕጽረት ካልኦት ኣገደስቲ ጸጋታት፡ ከምኡውን ካብ ህዝቡ ንምንጻል ብስርዓት ደርግን ማሕበርነታዊ ደምበን እተኻየደ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ እውን ተጻዊሩ እዩ።


ጽንዓት፡ ወሳኒ መለለዪ ባህርይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ’ዩ ነይሩ። ክንድ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ግንባር፡ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ዘይሕለል ቆራጽነትን ኒሕን ኣርእዩ እዩ። ንተዓጻጻፍነቱ ዝገልጹ፡ ንዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ዝቀያየሩ ፖለቲካዊ ኩነታትን ንምብዳህ ዘኽእል ዓቕምን ኣካይዳን ኣጥርዩ። ኣብ ውሽጢ መሳርዑ፡ ነቲ "ድሌት፡ ኣደ ምህዞ’ያ" ዝብል ኣበሃህላ ዘረጋግጹ፡ ነቲ ዕላማ ብቐጻሊ ንምዕዋት ዘይሕለሉን፡ ብዝለዓለ ተወፋይነት ዝሰርሑን ሓደስቲ ፈጠራታት ዘተኣታትዉን ውልቀ ሰባት ነይሮም እዮም። ናይ ህዝባዊ ግንባር መሃዝነትን ምትዕጽጻፍን ንናይ መወዳእታ ዓወቱ ልዑል ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ድማ ጽልዋ'ቲ ግንባር እናሰፍሐ ከይዱ፡ ብመገዲ ሓፋሽ ውዳበታቱ ኣቢሉ ድማ ንዓቢ ክፋል ህዝቢ ክጉስጉስን ክሓቁፍን በቒዑ። ካብ’ቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ዝነበሩ ኤርትራውያን እቶትን ደገፍን ክረክብ እውን ክኢሉ። እዚ ደገፍ'ዚ ብግዴኡ ንንጥፈታቱ ነዳዲ ብምዃን፡ ሞራል ህዝቢ ኣብ ምብራኽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይሩዎ።


ልክዕ ከም’ቲ ኣብ’ቲ ዕግርግር ዝመልኦ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝተቐልቀሉ ሓያሎ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት፡ እዚ ፍሉይ ምንቅስቓስ’ዚ ኣብ ማርክሰ ለኒናዊ ስነ ሓሳብ እምነት ነይሩዎ። ቀንዲ መትከላቱ ምልኪ ሸቃሎ ምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ደርቢ ሸቃሎን ሓረስቶትን ምሕዝነት ምምዕባል፡ ፍጹም ማዕርነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ምምስራት፡ ብሕታዊ ንብረት ምህጋር፡ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጸጋማውያን ምንቅስቓሳት ሓድነትን ምሕዝነትን ምድግጋፍን ምድንፋዕ ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።


ህዝባዊ ግንባር ኣዝዩ ምእኩል (centralized) ዝኾነ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ። እዚ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ ባህሉን ኣተሓሳስባኡን ቅኒተ ኣእምሮኡን ዘንጸባርቕ ነበረ። ንፍልልያት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ናይ ምጽዋር ባህሪ ግን ኣይነበሮን። እዚ ፍልልያት ናይ ዘይምጽዋር ባህሊ’ዚ፡ ኣብ ከም ናይ 1973 ዓ.ም. ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ወይ ምንቅስቓስ የሚን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ተጋሂዱ። ኣብ’ዚ ከይተሓጽረ ኣብቶም ምስ ከም ብዓል ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝደናገጹን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ርእይቶታት ዘለዎም ውልቀ ሰባት እውን የንጸባርቕ ነበረ። ገለ ሰባት እውን ምስ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ዘይነበሮም ክነሶም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ጥራይ ስለ ዝነበሮም፡ መንካዕ፡ የሚን ዝብሉ ቅጽላት ኣስማት እናተዋህቦም ናይ’ዚ ባህሊ’ዚ ግዳያት ኮይኖም ከም ዝተረፉ ዝፍለጥ እዩ።


ከምዚ ዓይነት ዓፈናን ጭፍለቓን ድሕሪ ናጽነት ብዘይ ምቍራጽ ቀጺሉ። ከም ኣብነት፡ ኣብ’ቲ ብ1993 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ተጋደልቲ ናዕቢ (ንመሰረታዊ ናይ መነባብሮ መሰላት ዝሓተቱ) እተወስዱ ስጉምትታት፣ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ናይ ኲናት ስንኩላን ዝወረደ ግፍዒ፣ ኣብቶም ከም ጉጅለ 13፡ ጉጅለ 15 (G-13, G-15) ተባሂሎም ዝፍለጡ ጉጅለታት ዝበጽሐ ኣደራዕን ማእሰርትን፣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት ዝተወስደ ስጉምትታት፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ናይ ኣኽርያ ቤት ትምህርቲ ምንቅስቓስ መሪሖምዎ ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኣቦታት (ከም በዓል ሓጅ ሙሳ)፡ ከም ብዓል ቢተወደድ ኣብርሃን ብርሃነ ኣብርሀን ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት፡ ከምኡ እውን ኣብቶም መንግስቲ ንምዕላው ዝዓለመ ብናዕቢ ፎርቶ ዝፍለጥ ናይ ጥሪ 2013 ዓ.ም. ምንቅስቓስ እተሳተፉ ላዕለዎትን ማእከሎትን ኣባላት ሲቪላዊ ኣገግሎትን ተዋጋኢ ሰራዊት ህግደፍን ዝተወስዱ ስጉምትታት ክጥቀሱ ይከኣል። ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነይሮም ተባሂሎም፡ ምስ እስላማዊ ጥሩፍነት ጸግዒ ኣለኩም ብዝብል ምስምስ ካብ ፈቐዶኡ ተኣርዮም ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሳዕ ሕጂ ተዳጒኖም ዘለዎ ዜጋታት’ሞ ኣዴኦም ትቚጸሮም።


ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ዘይተኣደነ ስልጣን ዘለዎ ግንከ ንኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ወተሃደራዊ መሳልል ፈጢሩ። እዚ ጉጅለ'ዚ ዘይተኣደነ ሓይልን ስልጣንን ክግብት ፍቓድ ተዋሂቡዎ እዩ።


ናብ’ቲ ስርዓት ዝቐንዐ ዝመስል፡ ዝኾነ መልክዕ ወይ ትሕዝቶ ዘለዎ ተቓውሞ፡ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ከቢድ ነበረ። እንተላይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ወይ ምሕቃቕ። ካልኦት ኣማራጺታት፡ ከም ምፍናው ወይ ርፍትያ፡ ግምታት ተዋሂብዎም ኣይፈልጥን።


እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሞት ጽዋእ ኣጋጢምዎም እዩ። ገለ ካብ’ቶም ፍሉጣት ንምጥቃስ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዮሃንስ ስብሃቱ፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ሃብተሰላሰ ገብረመድህን፡ ኣፍወርቂ ተኽሉ፡ ደበሳይ ገብረሰላሴ፡ ዶክተር ርእሶም፡ ገብረኣምላኽ ኢሳቕ፡ ዶክተር ሚካኤል፡ ግርማይ በርሀ፡ ተወልደ ኢዮብ፡ ደሃብ ተስፋጽዮን፡ ኣበራሽ መልከ፡ መሲሕ ርእሶም፡ ሚካኤል በረኸትኣብ፡ ሳሙኤል ገብረድንግል፡ ኣለም ኣብርሃ፡ ተኽለ ገብረክርስቶስ፡ ጎይትኦም በርሀ፡ ከምኡ እውን ሃይለ ዮሃንሶም[i] (Eritrean Human Rights Electronic Archive, n.d.)።

መስፍን ሓጎስ ብዛዕባ ዕጫ ናይ ገለ ካብዞም ሰባት'ዚኦም ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፥

 

እቲ ዝኸበደ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሃብተሰላሴ ገብረመድህን፡ ተወልደ ኢዮብ፡ ኣፍወርቂ ተኽሉ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዮሃንስ ስብሃቱ፡ ርእሶም ዘርኣይ፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ኣበራሽ መልከ፡ ደሃብ ተስፋጽዮን ዝተፈጸመ ናይ ሞት ፍርዲ እዩ (Hagos. M., 2023)።


መስፍን ዝኸበደ ክብል እንከሎ ናይ ሞት ፍርዲ ማለቱ’ዩ። እቶም ካልኦት ኣባላት ናይ’ቲ ምንቅስቓስከ ብሞት እንዶ ኣይኮኑን ዝተቐጽዑ? መስፍን ነቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ክርእዮ እንከሎ፡ ስግኣቱን ስግኣት ናይ መሪሕነት መሳርሕቱን፡ ዝተጋነነ ክኸውን ከም ዝኽእልን እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ እውን ዘይተመጣጣኒ ከም ዝነበረ ይኣምን። እዚ ኢሉ ከብቅዕ ግን ነቲ ዝተወስደ ናይ ሞት ፍርዲ ድማ ይድግፍ። ብመሰረት ወይ ኣበሃህላ መስፍን፡ ጉጅለ መንካዕ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መንጎ ክልተ ጸላኢ ተቐርቂሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውሽጣዊ ዕንወት ወይ ምግምማዕ ስለ ዘውረዱ እዮም ብምባል ነቲ ፍርዲ ይድግፎ (Hagos M., 2023)።


ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ወይ እውን ፍሉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም ተጋደልቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ኣዝዩ ኣረሜናዊ ብምንባሩ፡ ንገለ ውልቀ ሰባት ናይ ኣእምሮ ምዝንባል ከም ዝፈጠረሎም (ጉዳይ ዶክተር ሚካኤል፡ ሞያኡ ፋርማሲስት) ንገሊኦም ድማ ናብ ፈተነ ቅትለት ነብሲ ከም ዝደፋፍኦም (ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ዝገበሮ ፈተነ ነብሰ ቅትለት) ከም መርትዖ ክጥቀሱ ይከኣሉ።


ገለ ምሁራት ግን፡ ድሕሪ ምግዳድን ምፍርራሕን፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣትዉ ፍቓደኛታት ነይሮም። ሃይለ ምሕጹን ሓደ ካብኣቶም’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ክጽንበር ተፈቒዱሉ፡ ብዛዕባ ብጾቱ ድማ ኣጽቂጡ። ኣነ ባዕለይ ኣብ 1976 ዓ.ም. ምስ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ኣብ ሓደ መዳጐኒ ቦታ ተኣሲረ ነይረ። ሃይለ ክረኽበኒ እንከሎ ዳርጋ ከም ዘይፈልጠኒ ኮይኑ’ዩ ዝቐርብ ነይሩ።


ካልኦት መርገጺኦም ኣለስሊሶም ወይ እውን ፈሪሖም ናብ ቀንዲ መስመር ፖለቲካ ኢሳይያስ ዝተጸንበሩ፡ ብዓል ጴጥሮስ ሰሎሞንን ስብሓት ኤፍረምን ይርከቡዎም። ጴጥሮስ ኣብ ኣሃዱ ምህንድስና ህዝባዊ ግንባር የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ እዩ።


ኣብ ልዕሊ ገለ ውልቀ ሰባት ዝተኻየደ ዘይሕለል ወፍሪ ጸለመ፡ ንብዙሓት ሃገራውያን፡ ጸላእቲ ሰውራ ኮይኖም ከም ዝውሰዱን ብቐጻሊ ድማ ብጥርጣረ ከም ዝረእዩን ከም ዝንጸሉን ገይሩዎም እዩ። ገሊኦም ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ብጾቶም ከም ዝግለሉ ተገይሩ። ዓቕሞም ብዘፍቕዶ ንከየበርክቱ ድማ ዕድል ተነፊጉዎም። ገለ ንምጥቃስ፥ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፊናንሳ)፡ ወልደንኪኤል ሃይለ፡ ተኪኤ ተስፋልደትን ኣድሓኖም ገብረማርያምን። ንወልደዝጊ እውን እዝክሮ። ይቕረታ ስም ኣቦኡ ክዝከሮ ኣይከኣልኩን። ተዋጋኣይ፡ ኣብ ዝኣመነሉ ዕላማ ክምህ ዘይብል፡ ተሪር፡ ውፉይ ኢዩ ዝነበረ። ኣነ ብዝበለጸ ብፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ) ኢየ ዝፈልጦ። ንሓጺር እዋን ኣብ ከበሳ ተራኺብና ኣዕሊልና ነይርና። ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር ምስ ሓይሊ ኢብራሂም ዓፋ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን ምልቃም ናይ’ቶም ተደናገጽቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ካብ ከበሳ ተሳሒቡ ንሳሕል ወሪዱ እንደገና ከኣ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ። ኣብ ሳሕል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ዝርዝር ሓበሬታ የብለይን። ብጅግንነቱ ብደረጃ መሪሕነት ብርጌድ (ብርጌድ 31) ክሰርሕ ድማ በቂዑ። ኣይጸንሐን ግን ተሰዊኡ።


ገለ እኹል ዓቕሚ ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ ብዘጋጠሞም ምግላልን ጸለመን፡ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ኣይከኣሉን። መስፍን ሓጎስ ኣቐዲሙ ኣብ እተጠቕሰ መጽሓፉ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፥


እቲ ምስ መንካዕ ዝነበሮም ምትእስሳር ከም መንቅብ (stigma) ስለ እተራእየ፡ ገለ ገለ ሰባት ክሳዕ 1975 ዓ.ም. ኣገዳሲ ተራ ከም ዘይጻወቱ ኮይኖም። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ ፖለቲካ ኮሚሳር ናይ ሓይሊ ምስ ተሰወአ፡ ስብሓት ኤፍረም ቦታኡ ንክሕዝ ተላኢኹ፡ ግን ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ድማ እታ ሓይሊ ብሰንኪ'ቲ ስብሓት ምስ መንካዕ ዝነበሮ ምትእስሳር ምቕባል ስለ ዝኣበየቶ ኢዩ (Hagos M., 2023)።


ንዓይ እውን ከም’ዚ ዓይነት ፍጻመታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ፣ ሓደ መርኣያ ናይ’ቲ ፍጻመ ድማ ኣብ 1977 ዓ.ም. ነቲ ዓዲ ሓውሻ ዝመደበሩ ኣሃዱ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ከተማታት (ብባዶ ሽድሽተ እውን ዝፍለጥ) ደቡባዊ ክፍሊ ኣስመራ፡ ከም ሓላፊ ኮይነ ከገልግል ከለኹ ኢዩ ኣጋጢሙ። ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ኣስመራ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ተኸቢባ ነይራ። ናተይ ኣሃዱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማ ስዉር ስርሒታት ኣብ ምውህሃድ ዓቢ ተራ ትጻወት ነይራ። ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕማማትና ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብዛዕባ ምንቅስቓሳትን ውጥናትን ጸላኢ ስለያዊ ሓበሬታ ምእካብን ስርሒታት ምውህሃድን ኢዩ ነይሩ፣ ነዚ ድማ ብAN/PRC 77 እትፍለጥ መራኸቢት ራድዮ (Radio Set) ተጠቂመ እየ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ። እዚ፡ ብዘይካ’ቶም ብኣሃዱና ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝካየድ ዝነበረ ኢዩ።


ሓደ ንግሆ፡ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ናይ ቦጦሎኒ 23.3 ዝነበረ ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ናብ’ቲ ንጥፈታት ናይ’ቲ ኣሃዱ እነካይደሉ ዝነበርና መደበር ብምምጻእ ነታ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ራድዮ ከረክቦ ሓቲቱኒ። ፍሊጶስ ራድዮኡ ምብልሻው ከም ዘጋጠማን ንምጽጋና ድማ ገለ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን ብዝብል ምስምስ ነታ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ራድዮ ብቐጥታ ከረክቦ ሓተተኒ። ሓውሲ ትእዛዝ ኢዩ ነይሩ። ከም መልሲ ድማ በታ ራድዮ ክፍጽሞ ዘለኒ ወሳኒ ዕማማት ስለ ዘለኒ ከረክቦ ከም ዘይክእል ብትሕትና ገለጽኩሉ። ናብ ደቀምሓረ ከይዱ ኣብኡ መተካእታ ንክሓትት ድማ ሓሳብ ኣቕረብኩሉ።


እንተኾነ፡ እዚ ትእዛዝ ኢዩ ብማለት ኣብ ሕቶኡ ጸንዐ። ካብ’ቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝመደበሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ዝኾነ ናይ ቀረባ ሓላፊየይ፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ካብኡ ጥራይ ትእዛዝ ከም ዝቕበል ብትሪ ደገምኩሉ። ፍሊጶስ ንቦትኡ እናተመልሰ "መንካዕ" ዝብል ቃል ብምድርባይ ዘለፈኒ። እዚኣ ዘይርስዓ ፍጻመ ኢያ። ብድሕሪ’ዚ ፍጻመ'ዚ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ምስ መሳርሕቱ (ኣዛዚ ቦጦሎኒ) ብርሃነ ጸሃየን ምስ ወልደንኪኤል ኣብርሃን ከም ዝተዛረብናሉ እዝክር። ክሳዕ’ቲ ኣብ 1981 ዓ.ም. ናብ ብርጌድ 44 ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይነ ዝምደብ ድማ ምስ ፍሊጶስ ሰላምታ እውን ኣይነበረናን። ዝምድናና ዝተመሓየሸሉ ካብኡ ንደሓር ኢዩ።


ሓደ ግዜ ተዓለምቲ ከለና፡ እታ ጉጅለና ወተሃደራዊ ታዕሊምን ፖለቲካዊ ትምህርትን እትወስደላ ዝነበረት ቦታ - ኣብ ገርገር ኣስመራ - ምስ ኤርሚያስ ደበሳይ (ፓፓዮ ዝሳጉኡ ሕጂ ናይ ሕልና እሱር) ብኣጋጣሚ ተራኸብና። እዚ ፍጻመ ዘጋጠመ፡ ብቕጽበት ድሕሪ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምጽምባረይ ኢዩ። ኤርሚያስ ንዓይ ምስ ረኣየ ብሓቂ ዝተገረመ ኮይኑ ተራእዩኒ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ ብግልጺ "እንታዴኻ ክትገብር መጺእካ?" ብምባል ነቲ ኣብ’ቲ እዋን'ቲ ዘሕልፎ ዝነበረ ርኡይ ብስጭትን ነድርን ኣንጸባረቐለይ። ኩነታቱ ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዝነበረ ድማ ብኡ ንብኡ ተረድኣኒ። ኤርሚያስ ካብ ግዜ ንእስነተይ እየ ዝፈልጦ። ክንድ ዝኾነ ድማ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ነይሩና። ምስ ዓቢ ሓወይ ቢሆን ሰሎሞን (ብ1978 ዓ.ም. ኣብ ውግእ ባረንቱ ዝተሰውአ) እውን ናይ ቀረባ እዕሩኽ ኢዮም ነይሮም። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ዓቢ ሓው ኤርሚያስ ዝኾነ በየነ ደበሳይ ኣቦ ጥምቀተይ ኢዩ። ክልቲአን ውፉያት ካቶሊካውያን ዝኾና ኣደይን ኣዲኡን ዓሚቝ ዕርክነት ከም ዝነበረን ምጥቃስ እውን ኣገዳሲ ይመስለኒ። ኤርሚያስ፡ ክልቴና ኣብ ባዶ ሽድሽተ ንሰርሓሉ ኣብ ዝነበርና እዋን በቲ ዝበለኒ (እዚ ኣብ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ምስ ኣተወ ማለት ኢዩ) ተጣዒሱ፡ እቲ ኣብ ገረግር ዝተዘራረብናሉ ንካልኦት ብጾት ፈጺመ ከይነግር ድማ ኣማሕጸነኒ። ንፖለቲካዊ ዕብየቱን ንህይወቱን ስለ ዝሰግአ ኢዩ ዝብል ገምጋም ድማ ኣሎኒ። ጴጥሮስ ሰሎሞን ይኹን ካልኦት ኣብ ገረግር ኣስመራ እንከሎኹ መጺኦም ዝርእዩኒ ዝነበሩ ተጋደልቲ እውን እንተኾነ እውን ብስጭት ከም ዘነበሮም ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። ንኢሳያይስ ብስሙ ዝጽውዖ ዓርኪ ኣየጋጠመንን። መብዛሕትኦም ፓንቾ ቪላ ብዝብል ቅጽል ስም ኢዮም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ። ፓንቾ ቪላ ኣብ መክሲኮ ናይ ሓረስቶት ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ መራሒ’ዩ ነይሩ። ንኢሳይያስ ናይ ሓረስቶት መራሒ ኮይኑ ንምሁራን ይጭፍልቕ ስለ ዝነበረ ከኣ’ዩ እዚ ሳጓ’ዚ ለጊብዎ።


ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ህዝባዊ ግንባር ብኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ብጾተይ ብርክት ዝበሉ ኢዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ንክምህምኑ ተበይኑሎም። እዚ ዘየቋርጽ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንገሊኦም ከም ዝለምሱ፡ ንገሊኦም ርእሰ ተኣማንነቶም ከም ዘጥፍኡ፡ ርእሶም ከም ዘትሕቱ፡ ሞራሎምን መንፈሶምን ከም ዝስበር ገይሩዎም ኢዩ። ገለ ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ነብሰ ቅትለትንምፍጻም ተደሪኾም። ገለ ተጋደልቲ ካብ’ዚ ኩነታት ንምልቃቕ ወይ ንምግልጋል፡ ሜዳ ለቒቖም ናብ ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ ከይተረፈ ሰፊሮም ኢዮም።


ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ እቶም ብጸቕጢ ይኹን ብሓይሊ፡ ኣንጻር'ቲ ውድብ ከም ዝሰርሑ ዝተናዘዙ፡ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ፡ ላግጺ ወይ እውን ውርደት የጋጥሞም ነይሩ። እዚ ነቲ ብዓል ጆሰፍ ስታሊንን ማኦ ሰ ቱንግን ኣንጻር ናይ ፖለቲካ ተቐናቐንቶም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ጽዩፍ ሜላ ዘንጸባርቕን ዘዘኻኽርን ሜላ ኢዩ። መስኪናይ ኣለም ግደይ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ፈቐዶ ኣሃዱታት እናዞረ (ብኣባላት ሓለዋ ሰውራ ተሰንዩ) ዝተናዘዘ ተጋዳላይ ኢዩ።


ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ መሪሕነት እውን እንተ ኾነ፡ ነብሰ ቅትለት ዘይተለምደ ኣይነበረን፣ ከም ኣብነት፡ መሓመድ ዓሊ ክለይ (ኣዛዚ ብርጌድን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባርን)፡ ሃብተማርያም ተኽለ፡ ደብተራ (ሓላፊ ኣሃዱ ስለያን ኣባል ማእከላይ ሽማግለን)፣ ተኽለ ባህልቢ፡ ወዲ ልቢ (ሓላፊ ስለያ ዞባ ሰሜን)፡ ዶ/ር መኮነን ሃይለ፡ ወዲ ዘርአ (ኣሽዓል)፡ ኣለም ሃይለ (ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ፡ ዞባ ሰሜን)፡ ዶክተር ብእምነት ጃዕፈር፡ ከምኡ እውን ወዲ ሃለቃ (ኮሚሳር ብርጌድ 4) ካብ’ቶም ብዘሕዝን መገዲ ነብሶም ዘጥፍኡ ውልቀ ሰባት ኢዮም።


ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ’ቲ ፍሉይ ባህርያት ዝውንንን ዝመለልይኡን መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዘደንቕ ምምስሳል ነይሩዎ። ኢሳይያስ፡ ሰባትን ውድብን ናይ ምቊጽጻር ባህርይ ወይ ክእለት ነይሩዎ። ንኹሉ ናይ’ቲ ውድብ መዳያት ክመርሕን ከመሓድርን ከኣ ብርቱዕ ድሌት ነይሩዎ። መሰረቱ ፖለቲካዊ ውዲት ወይ ተንኰል ኮይኑ፡ ኩሉ ግዜ ንተግባራቱን ውሳኔታቱን ኣቐዲሙ ዝመዝን፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መዘንኡ ዝነበሮ ፍርሒ ድማ ብመዛኑኡ ከም ዝጠራጠር ዝገብሮ ውሽጣዊ ናይ ዘይውሕስነት መንፈስ ዝዓብለሎ ገጸ ባህርይ ከም ዝነበረ ስሞም ክጠቕሶም ዘይደሊ መሳርሕቱ ይገልጹዎ። ትዕቢቱን ነብሰ ፍትወቱን ደረት ስለ ዘይፈልጥ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ማእከላዊ ተራ ክጻወት ይደሊ ጥራይ ዘይኮነስ ንገዛእ ነብሱ እውን ስሕበት ማእከል ናይ’ቲ ውድብ ከም እትኸውን ገይሩ ቀሪጹዋ ነይሩ።


ቁጽጽር ህዝባዊ ግንባር ኣብ ክልቲኡ ፖለቲካውን ስነ ሓሳባውን ዓውድታት ዝዝርጋሕ ነበረ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ግንባር መዋቕር፡ ሓደ ሕቡእ ሰልፊ ተመስረተ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝባዊ ግንባር ንዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ይኹን ናጻ ኣተሓሳስባ ብምዕምጻጽ መፋረዪ ምልካውነት ኮይኑ ገቢሉ። እቲ ሕቡእ ሰልፊ ብተበግሶ ኢሳይያስ፡ ነቲ ብመንካዕ ዝፍለጥ ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምቕባር ኢሉ ዝመስረቶን፡ ብኻልእ ኩርናዕ ክመጹ ንዝኽእሉ ተቓውሞታት ብኣግኡ ንምቑጻይን፡ ናይ ውልቁ ፖለቲካዊ መሳርሒ ንምግባር ዝፈጠሮ ውድብ ኢዩ ነይሩ።


ኣባል ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ኴንካ ንክትሕጸ፡ ኣብ ልዕልቲ ብመንካዕ ዝፍለጥ ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ተሪር ናይ ተቓውሞ መርገጺ ክትወስድን እሙን (ንውልቀ ሰባት) ክትከውንን መሰረታዊ ኢዩ ነይሩ። እዚ’ኣቶም እቶም ክልተ መሰረታውያን መምዘኒታት ነበሩ። ኣብ ማርክስነት ምእማን ከም መምዘኒ ይውሰድ ነይሩ ኢዩ ዝብሉ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ደገፍቲ ኣለዉ። ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ደኣ ካብ በዓል ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ተስፉ ኪዳነ፡ ኣፍወርቂ ተኽሉ፡ ደበሳይ ገብረሰላሴ፡ ጎይትኦም በርሀ (ብጻይ)፡ ዶክተር ርእሶም፡ ገብረኣምላኽ ኢሳቕ፡ ወርቁ ዘርኣይ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ምሁራት ንላዕሊ ብዛዕባ ማርክስነት ኣፍልጦ ዘለዎምን ዝምክሑን ምሁራት ስለ ምንታይ ዘይተንጸንበሩዎ? ምጽንባሮምስ ይትረፍ ናይ ሞት ጽዋእ ዝቐሰሙ ተጋደልቲዶ ኣይኮኑን?


እታ ሕብእቲ ሰልፊ፡ ናይ ኢሳይያስ ናይ ውልቁ መሳርሒ እንተ ዘይትኸውን ነይራ ስለምንታይ ደኣ ብኢደ ዋኒኑ ኣደስኪሉዋን ኣፍሪሱዋን? መንከ ሓቲቱዎ? እቲ ሓቂ ንጹር ኢዩ። ኢሳይያስ ክሳዕ’ቲ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ እተገልግለሉ ሰዓት ተጠቒሙላ፡ ኣገልግሎታ ኣብቒዑ ኢዩ ኣብ ዝበለሉ እዋን ድማ ምስ ኣባላታ ጉሒፍዋ። እቲ ስነ ኣእምሮ ኣባላት ግን ነዚ ውሳኔ’ዚ ኣይተቐበሎን። ብኻልእ ምኽንያት ዘይኮነስ ንነብሶም ከም ፍሉያት ፍጥረታት ገይሮም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ወይ ከም ዝሓስቡ ስለ ዝተገበረ ኢዩ። ካብ’ቲ ፈጢሮምዎ ዝነበሩ ኩነተ ምቾት (comfort zone) ክወጹ ስለ ዘይደለዩ። ኣብ ታሪኽ ክነብሩ ስለ ዝደለዩ። ብኡ ገይሮም ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ሸውሃቶም ከርውዩ ስለ ዝሰልጦም።


ህዝባዊ ግንባር ብመገዲ’ቲ ቤት ትምህርቲ ካድር ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ማእከል፡ ንስነ ሓሳባዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውልቀ ሰባት ዝፈጸሙዎን ዘይፈጸሙዎን ፖለቲካዊ ጌጋታት ክናዘዙ ንምግዳድ እውን ተጠቒሙሉ ኢዩ። እዚ ናይ ምሕጻብ ሓንጎል መስርሕ፡ ኣባላት ግንባር ነቲ ናይ’ቲ ሰልፊ ትረኻታትን እምነታትን ከም ሓሜን ንክደግሙዎ ንምቕራጽ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ቊጽጽር ዝያዳ ንምድልዳል፡ ተጋደልቲ ብጾቶም ክስልዩ፡ ብፍላይ ድማ ንዝተማህሩ ኣባላት'ቲ ውድብ ዒላማ ክገብሩ ይተባብዑ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝተማህሩ ኣባላት’ቲ ውድብ ጥርጣረታት ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እቲ ውድብ ኣብቶም ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ነይሩዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ብዝተፈላለየ ዓይነት መገዲ ብምግዳድን ብጸቕጥን ምሕረት ኣየርኣየን።


ህላወ ሕቡእ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ጉባኤ ብወግዒ’ኳ እንተ ተገልጸ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ከም’ቲ ኣብ መጽሓፍ ዳን ኮነል ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ፡ ብወግዒ ተጠቒሱ ወይ ተዘሪቡሉ ኣይፈልጥን። ህዝባዊ ግንባር፡ በቲ ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ዝፍለጥ ሕቡእ ማርክሳዊ ውድብ ዝእለን ዝጽሎን ከም ዝነበረ ዳን ኮነል የብርህ። እዚ ሕቡእ ውድብ'ዚ ንፍልቀት (evolution) ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምጽላውን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ኣብ ምቕራጽን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ብኣገላልጻ ዳን ኮነል፡ ናይ’ቲ ሰልፊ ኣገዳሲ ዕማም ንህግሓኤ ናብ ሓደ ስሙር ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካል ንምቕራጽ ዘተኮረ ኢዩ ነይሩ። ዳን ኮነል ጽሑፉ ብምቕጻል፡ እዚ ጻዕሪ’ዚ፡ ኣብ ኣባላት ሰውራዊ ኣካይዳ ንምስራጽን ሓድሽ ርእዮተ ዓለም ንምትእትታውን፡ ከምኡ እውን ንከፋፋሊ ክብርታት ዝቃወም ሃገራዊ ሓድነት ንምዅስኳስ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ኮይኑ ተወሊዱ፡ እንተ ኾነ ግን ካብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ንላዕሊ ዝያዳ መሳርሒ ቊጽጽር ኮይኑ (Connell, 2005)።


ኣብ ደገ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን መልእኽቱ እናዘርገሐ፡ ግሎባዊ ዝርገሐ ዘለዎ ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማሽን ፈጢሩ። ከም ፈስቲቫላት ቦሎኛ ዝኣመሰሉ ምትእኽኻባት፡ ነቲ ጽልሙት (dark) ገጻት ህዝባዊ ግንባር እናሓብኡ፡ ነቲ ኣወንታዊ መዳያት ጥራይ እናኣርኣዩ፡ ንሰውራዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ቅያዊ ንምግባር ከም መድረኻት ኮይኖም ኣገልጊሎም።


ህዝባዊ ግንባር፡ ንኣባላቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ምድባት መቒሉዎም ነበረ፥ ደሞክራስያውያን፡ ሃገራውያን፡ ከምኡ እውን ፍሉይ ፖለቲካዊ ዝንባለ ዘለዎም ወይ "ዝምቡላት"። እቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ብመሪሕነት ሰልፊ ይዕብለል ነበረ። ስዒቦም ዝመጹ እቶም ማእከሎት ካድራትን ተራ ኣባላት ሰልፊ ኢዮም። ቀጺሎም ድማ ኣባላት ግንባር ይመጹ። ናይ ሰልፊ ኣባላት፡ ሓበሬታን ካልኦት ዝያዳታትን (excesses) እንተላይ ናይ ስልጣን ሓለፋታት፡ መስተ፡ ሽጋራ፡ ዋላ እውን ጾታዊ ሞጎስ (favors) ይረኽቡ ነበሩ። እዚ ስርዓተ ኣቃውማ’ዚ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝነበሮ ቊጽጽርን ምትላልን ዝያዳ ኣደልዲሉዎ ነይሩ። እቲ ናይ’ቲ ሰልፊ መሳርሒ፡ ምስ ናይ ጸጥታ መሳርሒ ይመሳሰል ነበረ፣ እቲ ፍልልይ ኣብ’ቲ ኣጸዋውዓ ስም ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ከም ሓቂ፡ ናይ ጸጥታን ስለያን መሳርሒ ኢዩ ነይሩ።


ናይ’ቲ ውድብ ስነ ሓሳባዊ መሰረታት፡ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ክፈልቕ (evolve) ዝጀመረ። ካብ ማሕበርነታዊ ሓረጋት ርሒቕካ ዝያዳ ኣብ ሃገራዊ ኣረኣእያ ዘተኮረ ፖለቲካዊ ክትዓት ድሕሪ’ዚ ጉባኤ ኢዩ ተቐልቂሉ። ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወሰደ ጻዕሪ ወይ ተበግሶ ብንጹር እዝክር። ሽዑ ኣስታት ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዝኾኑ ኣባላት (ካድረታት) ህዝባዊ ግንባር ተኣኪቦም ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ብዛዕባ ትሕዝቶ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንምምይያጥ ባይታ ተፈጢሩ። እቲ ዕማም ንሓንቲ ሽማግለ ምስንዳእ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ኣሃዱ ተዋህበ። ካብ ውሽጢ’ዛ ሽማግለ ኣርባዕተ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነበሩ። ኣብ’ታ ጕጅለ'ቲኣ ንክሳተፍ ፍሉይ ዕድል ረኺበ ነይረ። ኣብቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ንትሕዝቶን ቅርጽን ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝምልከቱ ክትዓት ክልተ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ተቐልቂሎም። እዚኣቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥


መብዛሕትኦም፡ ማርክሰ ሌኒንነት፡ ናይ’ቲ ግንባር መሪሕ መትከል (guiding principles) ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል እምነት ነይሩዎም።


ኣነ ከም ሓያል ተኻታዒ ዝርከቦም ውሑዳት ውልቀ ሰባት (ኣለምሰገድ ተስፋይን ኪዳነ ሰሎሞንን ዘለዉዎም)፡ ንማርክስነትን ማሕበርነትን፡ ናይ’ቲ ግንባር መሪሕ መትከል ክኸውን ከም ዘይብሉ ተማጒትና። እቶም ውሑዳት፡ ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ክሳዕ ሓደ ውሱን ደረጃ ነቲ ውድብ ኣገልጊሉዎ ክኽውን ይኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ ከም ቀንዲ መጠርነፊ ስነ ሓሳብ ጌርካ ምቕጻሉ ግን እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዘይክእል መጒትና። እቶም ውሑዳት፡ እቲ ግዜ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ መሪሕ መትከላት ዝሓትት ኢዩ ኢልና ተኻቲዕና። ንሕና፡ ንሰባት ኣብ ዙርያ ክብርታት ናጽነት፡ ሃገራውነት ወይ ፍቕሪ ሃገር፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምጽውዋር ከም ፖለቲካዊ ባህሊ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋጽ፡ ምኽባር ኤርትራዊ ባህልን ሃይማኖትን ካልእን፡ ከነስተምህርን ህዝቢ ናብኡ ከነዕስልን ከም ዘለና ተኻቲዕና። እታ ኣነ ዝነበርኩላ ንእሽቶ ጉጅለ፡ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዝያዳ ውጽኢታውን ኣድማዕን ክውንነታውን ኢዩ ዝብል እምነት ነይሩዋ።


ኣነን እቶም ውሑዳት ኣባላት ናይታ ሽማግለን እውን ኣገዳስነት ምዕሩይነት፡ ምጽውዋር፡ ውርዙይነት፡ ሃገራዊ ዕርቂ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝቐንዐ ተሪር ቃላት ምንካይ ኣገዳስነቱ ኣስሚርናሉ። ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ቀጻሊ መስርሕ (continuum) ክረአ ኣለዎ ዝብል ምጒት ብምቕራብ ድማ ብዛዕባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ እንዛረበሉ እዋን ከም “ኣድሓርሓሪ”፡ “መስፍናዊ"፡ "ቀቢላዊ" ዝኣመሰሉ ቃላት ከይዝውተሩ ብትሪ መጒትና። ኣባላት ናይታ ጉጅለ፡ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ተቓላዕነት (vulnerabilities) ወይ ድኽመታት እንተ’ለዎ፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየዶ ናይ ሓባር ቃልሲ ከም ዘይንጸል ኣካል ኮይኑ ክረአ ከም ዘለዎን ነዚ ታሪኽ’ዚ ድማ ከም ናትና ጌርና ክንሓቑፎ ከም ዘሎናን ኣዘኻኺርናን ኣስሚርናን። ኣብ’ቶም እምነታት ጸኒዐ ደው ብምባለይ ድማ ክሳዕ ሎሚ ሓበን ይስምዓኒ።


ኣብ’ቲ ክትዕ፡ ገለ ብፍላይ ብዛዕባ ማርክሳዊ ፍልስፍና ህንጡይነት ዝነበሮም (ወይ እውን ጌና ዘይበለየሎም ወይ ዘይወጻሎም) ብጾት፡ መጐታውን ታሪኻውን ነገርነት ኣብ’ቲ ዝተመሓየሸ ናይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ መምርሒ ጽሑፍ (ማኑዋላት) ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ኣለዎ ይብሉ ነይሮም።


እቲ ዘተ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ምስ ነፍስ ወከፍ ንክትዕ ዝቐርብ ሓድሽ ኣርእስቲ፡ ተጻረርቲ ኣረኣእያታት ይቕልቀሉ ነበሩ። ገለ ካብ ብጾትና፡ ሃይማኖት ከም ናይ ሕብረተሰብ ዕጸ ፋርስ ክውሰድ ኣለዎ ስለዚ ድማ ክንቃለሶ ይግባእ ዝብሉ፥ ገለ ተጣበቕቲ እውን፡ ብሕታዊ ዋንነት ከም ኣምር ክዳኸም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ የቐድሙ ነበሩ። ውሑዳት፡ ደርቢ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ንክፍጠር ድሌቶም ዝገልጹ እውን ኣይተሳእኑን። እዚ ስነ መጐታት'ዚ፡ ብጾትና ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ምስ’ቲ እቲ ግንባር ዝኣምነሎም ዝነበረ ፍልስፍና ዝነበሮም ጸግዒ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተጸበናዮስ ኣይነበረን።


ኣነን ውሑዳት ብጾተይን ኣብ እምነትና ጸኒዕና ነበርና። ሓሓሊፉ ካብ ረስኒ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ፡ ምፍርራሕ ወይ ድማ ታህዲድ ዝመስል ምኽሪ ይመጽኣኒ ነይሩ። ገሊኦም ድማ ንቓላተይ ከፍኩሶ ምኽሪ ዝልግሱ ኣይተሳእኑን። ሓደ ሓደ ብጾት ካብ ሓቀኛ ሓልዮት ተበጊሶም ንድሕንነተይ ክሓስቡለይ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን ንእምነተይ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዉ ነይሮም። ገሊኦም እሞ ከኣ ሓለዋ ሰውራ (ቤት ማእሰርቲ) ካልኣይ ግዜ ክጽበየኒ ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ከይተረፈ ዘቕርቡ ኣይተሳእኑን። እቲ ሓበሬታ ድማ ብዝቐርቡኒ ዝነበሩ ሰባት ይበጽሓኒ ነበረ። ኣሕመድ ኣል ቐይሲ (ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ግንባርን ሰልፍን) ሓደ ምሸት ኣብ ሂምቦል ናባይ መጺኡ፡ ብዛዕባ’ቲ ብዛዕባይ ዝዝረብ ዝነበረ ኩሉ ኣሉታዊ ምዃኑን ቁሩብ ህድእ እንተ ዘይኢለ ድማ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ምኽሪ ሂቡኒ። ኣነ ግን ፈጺመ ኣይተቐበልኩዎን። ሰሚዐካ ኣለኹ ጥራይ ኢለ ሓሊፈዮ። ድሒሩ፡ ኣሕመድ ንባዕሉ ብትእዛዝ ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ተኣሲሩ።[ii]vii ኣብዚ እዋን’ዚ ወላ’ኳ እቲ ሕቡአ ሰልፊ ከም’ቲ ዝድለ ንጡፍ ኣይኹን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ሰልፊ ዝተጸንበሩሉ ወይ እውን ንክጽንበሩ ዝተሓተቱሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ብዘይካይ። ሰመረ ሰሎሞን ንማርክስነት ኣይኣምነሉን ኢዩ ስለ ዝተባህለ።


ንኣሕመድ ኣል ቐይሲ ኣብ 1991 ዓ.ም. ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጸ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል እቴጌ መነን ረኺበዮ። ቐይሲ ምስ ረኣየኒ ተገሪሙ፡ ሰላምታን ናፍቖትን ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ፡ "ድሕሪ'ቲ ኣብ ሂምቦል ዘበገስካዮ ክትዕ ዳግማይ ክረኽበካ እየ ኢለ ተጸብየ ኣይፈልጥን" ኢሉ ሓሳባቱ ኣካፊሉኒ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ’ቲ ብዛዕባ ምኽላስ መምርሒ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ህዝባዊ ግንባር ዝካየድ ዝነበረ ምይይጥ፡ ኣብ ማርክሰ ሌኒንነት ዝነበረኒ ጽኑዕ ተቓውሞ ኢዩ ዝውከስ (refer ዝገብር) ነይሩ። ብኣበሃህላ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ኣነ ነቲ ኩነታት ክሰግሮ ፍጹም ትጽቢት ኣይነበሮን። ብዝወሰድክዎ መርገጺ ክግረምን ክምሰጥን ድማ ይዝከረኒ። ለካስ ዝፈልጦ ነይርዎ ኢዩ። ግንከ ክነግረኒ ኣይደለየን።


ውሳነ ክውሰን ኣድለየ፣ ምስ’ቲ ቀንዲ ተልእኾ'ቲ ግንባር ዝሰማማዕ ውሳነ። መምርሒታት ክወጽእ ነይርዎ፡ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ክትዓት ንዘይተወሰነ እዋን ክቕጽል ምዃኑ ስግኣት ነይሩ። ናይ’ቲ ውሳነ ሓላፍነት፡ ብዘይካ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ካልእ ክኸውን ከም ዘይክእል ፍሉጥ ነበረ። ዋና ጸሓፊ ግንባር ካብ’ቲ ኣብ ዓምበርበብ (ሳሕል) ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ናብ’ቲ ሓያሎ ላዕለዎት ካድረታት ናይ’ቲ ውድብ ዝተኣከቡሉ ቦታ - መዓስከር ሂምቦል - ዝመጸሉ ምሸት ይዝከረኒ። ንዋና ጸሓፊ ግንባር ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት ኣቐዲሙ መብርሂ ከም ዝተዋህቦ ርግጸኛ እየ ነይረ። ይኹን’ምበር፡ ዕላማ ናይ’ቲ ኣብ ቦታና ምርካቡ ካብ ክልቲኡ ወገን ንዝመጽእ ክትዕ ንምስማዕን ምኽርን መምርሕን ንምሃብን ኢዩ ነይሩ።


ናይ ክልቴኡ ወገናት ክትዕ ድሕሪ ምስማዕ (ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ’ዩ ብዛዕባ’ቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ክትዓት መግለጺ ዝሃበ)፡ ዋና ጸሓፊ ነታ ሽማግለ ምስንዳእ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንጹርን ገላጽን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከይዱ። ናይ ለውጢ ግዜ ከም ዝኣኸለ ኣረጋጊጹ። ቃላቱ ንኣምር ማሕበራዊ ፍትሕን ትርጉሙን ብሰፊሑ ዝሽፍን ነበረ። እታ ሽማግለ ነቲ ማሕበርነታዊ ሓረጋት ብፍላይ ድማ ንማርክስነት ቃናኣ ከተጉድሎ ወይ ከተለስልሶ መምርሒ ሂቡ። ሃገራውነት፡ ምርግጋጽ ደሞክራስያዊ መሰላት፡ ምጽውዋር፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ኣገዳስነት ታሪኽ ከም ሓደ ቀጻሊ መስርሕ ምርኣይ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ካልእን ዘጠቓለለ እኩብ መሪሕ መትከላት ዝሓቖፈ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣነ፡ ምስ ውሑዳት ነዚ ኣተሓሳስባ’ቲ ዝርዕሙን ዝቕበሉን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ብጾተይ፡ በቲ ዋና ጸሓፊ ዝወሰዶ መርገጺ ተገሪምና። ንኣረኣእያና ከም ምጽዳቕ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፣ ሓደ ካብ’ቶም ውሑዳት ንለውጢ ዝጣበቑ ድምጽታት ብምዃነይ ድማ ተሓቢነ።


እቲ ዘገርም ግን ነቲ ዋና ጸሓፊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማሕበርነት እንታይ ይኹን ብምባል ግብረ መልሲ ዝሃበ ሓደ ሰብ (ጴጥሮስ ሃይለማርያም) ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ብውርዙይ ግን ከኣ ብጽኑዕ ኣገባብ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ዝጠቐሶም መትከላት ከም ኣማራጺ ዘይብሎም መምርሒታት ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት እንተ ድኣ ሃልዩዎ ድማ ኣብ ልቡ ክሕዞ ንጴጥሮስ ኣዘኻኺሩዎ።


ኣብ’ቲ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ምስ’ቲ ሓድሽ ኣረኣእያ ብዝሳነ ኣጋባብ ብደረጃ ግንባር ንምንዳፍ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ፡ ዋና ጸሓፊ ስለምንታይ ምሳይን ምስ’ቶም ውሑዳት ኣባላትን ወጊኑ ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ። ኣነ ከም ዝርድኣኒ፡ ንሱ ንባዕሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዝምዕብል ዝነበረ ኩነታት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ጥራይ እየ ክግምት ዝኽእል፣ ምናልባት ንነብሱ ከም ፕራግማቲስት ከቕርባ ይደሊ ነይሩ ይኸውን። ይኹን’ምበር፡ ብናተይ ኣረኣእያ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ካልእ ቦታ ኢዩ ዘሎ። ካድረታቱ፡ ናይ’ቲ ንሱ ዝሃቦም ”እሙናት” ዝብል መዓርግ ብቕዓት ከም ዘይነበሮም ጥራይ ኢዩ ዝእምት። ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ኣዋርዲኩምኒ፡ ድሕሪት ኢኹም ዘለኹም ዝብሎም ዝነበረ ይመስል።


ምስ ሓደ ብጻይ (ስሙ ብናይ ድሕነቱ ስግኣት ምኽንያት ዘይጠቕሶ ዘለኹ) ብዛዕባ ነፍስሄር ሮመዳን መሓመድ ኑር ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ መርገጺ ዋና ጸሓፊ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ብዝምልከት ዝገበርኩዎ ዕላል ብንጹር እዝክር። ሮመዳን ነቲ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ - ኢሳይያስ ኣፍወርቂ - ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ ዕቃበ ከም ዝነበሮን፡ ነቲ ልዑል ኣኽብሮት ዝህቦ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ከም ምጽራር ከም ዝመስል ገይሩ ብምሕባር ንብጻየይ ኣካፊሉዎ። ሮመዳን ሓላፊ ክፍሊ ፍትሒ ኮይኑ ዘገልግል ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኢዩ ነይሩ።


ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን እውን ተመሳሳሊ ዕቃበታት ከም ዝነበሮም እፈልጥ። አረ ገሊኦምስ ደቂ ማደሊና (ንዓይን ንምዕባይ ሓወይ ኪዳነ ሰሎሞንን) ጸጊበን ክብሉ ከም እተሰምዑ እዝክር።


ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ኣነን ኣለምሰገድ ተስፋይን ኣብ’ቲ ኣርባዕተ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩዋ ሽዱሽተ ኣባላት ዝሓቖፈት ኣርታዒት (editorial) ኣካል ክንጽንበር ዕድመ መጺኡና። እቲ መደብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድማ ምስ’ቲ ሓድሽ ኣረኣእያ ብዝሳነ መገዲ ተሰሪሑ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ንጽሬት ካልኦት ኣበርክቶታት ናይ’ቲ ማንዋል ምክትታል ዝተዋህበኒ ሓላፍነት፡ ብእተፈላለዩ ኣርእስታት ክጽሕፍ እውን ሓላፍነት ተዋሂቡኒ።


ኮነል፡ ንኣለምሰገድ ተስፋይ ብምጥቃስ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ጽኑዕ ማርክስነት ናይ ምውጻእ መስርሕ ከም ዘበገሰ ይሕብር። ኣብ 1989 ዓ.ም. ህዝባዊ ግንባር ምስ እዋናዊ ኩነታት ብዝበለጸ ዝሰማማዕ መደብ ፖለቲካዊ ትምህርቶም ንምኽላስ ንእሽቶ ጉጅለ ካድረታት መዚዙ። ኣሕመድ ኣል ቐይሲን ሃይለ መንቀርዮስን ነዚ ዕዮ'ዚ መሪሖምዎ፣ ኣብ ሓደ ኣኼባኦም ድማ እቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካብ ተሪር ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ክርሕቕ ከም ዘለዎ ተወሲኑ (Connell, 2005)።


ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣብ’ታ ኣብ መንጎ ኣባላት ግንባር፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምዕባይን ጥዑይ ፖለቲካዊ ዘተ ንምትብባዕን ዝዓለመት “ሓርበኛ” እትብሃል ውሽጣዊት መጽሔት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣካል ኣዳላዊ ቦርድ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ መድረኽ (plat- form) ክኸውን ፍሉይ ዕድል ኣጋጢሙኒ። እዛ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ'ዚኣ ብሓቂ እተገርም እያ ነይራ። ኣብ’ታ ኣዳላዊት ቦርድ ምስ ከም ብዓል ኣሕመድ ኣል ቐይሲ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ኪዳነ ሰሎሞን፡ ማሕሙድ ጭሩም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ብምትሕብባር ሰሪሐ።


እታ ውሽጣዊት መጽሔት፡ ኣብ ከም ደሞክራሲ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣካይዳን ጠባያትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር፡ ተመሳሲልካ ምንባር (conformism)፡ ተራ ምሁራት ኣብ ውሽጢ ግንባር፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ብሓለፍቲ ዝዝውተሩ ዝነበሩ ዝያዳታት (excesses) ዝኣመሰሉ ሕቶታትን ካልኦት ብኣባላት ግንባር ዝቐረቡ ኣገደስቲ ጉዳያትን ተሳስን ናይ ክትዕ መድረኽ ተመቻቹን ነበረት። ካብ’ዚ ብምብጋስ እታ መጽሔት፡ ኣብ ደሞክራስያዊ መትከላት ዝተሰረተ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ወሳኒ ተራ ምሁራት ኣብ ምዕባይ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ከምኡ እውን ኣገዳስነት ሃገራዊ ሓድነት ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣርእስታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓተታታት ኣቕሪባ። ብፍላይ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ግንባር ብዝነበሮም ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ኣዝዮም ዝሕበኑ ግን ከኣ ንለውጢ ድሉዋት ዘይኮኑ ገዳይም ተጋደልቲ ዝገልጽ ነዊሕ ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከሎ፡ እታ መጽሔት ዘሕደረቶ መስተንክር ጽልዋ ብንጹር እዝክሮ። እዛ “መን’ዩ ካድር?” ዘርእስታ ሓተታ ባዕለይ ምስ ቐይሲ እናተሓጋገዝኩ ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ትግርኛ ክትርጉማን ከርቅቓን ይዝከረኒ። እዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ፡ ካብ ኣንበብቲ ሓያል ግብረ መልሲ ረኺባ፡ ውዕዉዕን ደራኽን ዘተ ድማ ኣለዓዒላ። ንብርክት ዝበሉ ገዳይም ተጋደልቲ ግን ኣይተበረሃቶምን። ንገለ ገሊኦምስ ወረ ኣቖጢዓቶም። ከመይሲ ንዓኣቶም ከም ዒላማ ዝገበረት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖም።


ብተወሳኺ፡ ኣነ፡ ምስ ብዙሓት ኣባላት ግንባር ካብ ዝገበርክዎ ቃለ መሕትት ብምውካስ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ደሞክራሲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ዝገልጽ ሓተታ ኣቕሪበ። ካብ’ቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ድማ ነፍስሄር ወርቁ ዘርኣይ፡ በላይነሽ ኣርኣያ፡ ሂወት ሽጎም፡ ገነት ተወልደ፡ ካልኦት ተጋደልትን ነይረን። ኣረኣእያአን ኣብ ውሽጢ ግንባር ዘሎ ሕጽረት ደሞክራሲ ኣብ ምጉላሕን፡ ርኡይ ምምሕያሻት ናይ ምግባር ግዴታ ከም ዘሎን ዘስመረ ኢዩ ነይሩ። እዚ ጽሑፍ'ዚ ሓድሽ ዙርያ ግብረ መልስን ዘተን ኣበጊሱ። እዚ ሕቶ’ዚ ብመሰረቱ ዘይተበርሆም ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ክበዝሕ ኢዩ ዝብሉ ናይ’ቲ ግንባር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣይተሳእኑን። ንኸም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ክትዓት ዘለዓዕሉ ኣርእስታት ንምምላስ ግዜኦም ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ከኣ ርዱእ እናኾነ ኢዩ መጺኡ።


"እቲ ዝበዝሐ ክጻወር ኣለዎ'' ዝብል ዘቕረብኩዎ ካልእ ጽሑፍ ወይ ሓተታ እውን ነይሩ። ብፍላይ ናብ ተዛረብቲ ትግርኛ ወይ ደቂ ከበሳ ዝቐንዐ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ውሑዳን (minorities) ዘሎ ተኣፋፍነት (sensitivities) ኣቓልቦ ክገብሩ ብምዝኽካርን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝዓለመን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ነጥቢ'ዚ ብኣብነት ገይረ ብንጹር ከም ዘስፈርኩዎ እዝክር። ሓደ ሰብ ብዓረብኛ ዝተማህረ ክነሱ፡ ትግርኛ ከንብብን ክጽሕፍን ብዘይ ምኽኣሉ ብተዛረብቲ ትግርኛ ከም መሃይም ይቚጽር ምንባሩ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ዕላማይ፡ እቶም ንኻልኦት ኣገደስቲ ዝኾኑ ክብርታትን ልማዳትን ብኻልኦት ክኸብሩ ከም ዝግባእ ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ። ካልኦት ኣብነታት እውን ጠቒሰ።


ኣቦ መንበር ኣዳላዊ ቦርድ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ነታ ጽሕፍቲ ምስ ረአያ፡ ምስ’ቲ ትሕዝቶ ተሰማሚዑ፡ ግን እታ ጽሕፍቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ከተልዕሎ እትኽእል ክትዕ ኣመልኪቱ ስክፍታታቱ ገሊጹለይ። ተኣፋፊት ድማ ኢያ ኢሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እታ ጽሕፍቲ ከይተሓትመት ተሪፋ።


ሓንሳእ እታ መጽሔት ምስ ተበገሰትን ህቡብነት እናኣጥረየት ምስ ከደትን፡ ካብ ኣባላት ግንባር ናብ’ታ መጽሔት ዝለኣኽ ዝነበረ ኣበርክቶታት ናህሪ ብዘለዎ ኣገባብ ቀጺሉ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዉዕዉዕ ክትዓት ይካየዱ ከም ዘለዉ ክኣምኑ ዘይከኣሉን ዘይደለዩን ብዙሓት ኣንበብቲ ነይሮም። ኣስደሚምዎም ድማ። እታ መጽሔት ቀልጢፋ ህብብቲ ኮይና፡ ዘይተኣደነ ተፈታውነት ድማ ረኺባ። እቶም እተላዕሉ ኣርእስታትን ጉዳያትን ርሱን ክትዓት ስለ ዘልዓሉ፡ እቲ መሪሕነት ክጻወሮም ኣይከኣለን፣ ኣይደለየን እውን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ መሪሕነት ነታ መጽሔት ንሓዋሩ ክዓጽዋ ወሲኑ። ህላወኣ ሓጺር ኮይኑ፡ ክልተ ዓመት ዘይመልእ ኢዩ ነይሩ። ዳን ኮነል ብዛዕባ ተፈታውነት ናይታ መጽሔት በዘን ዝስዕባ ቃላት ይገልጽ፤


ኣብ መጨርሽታ ሰማንያታት፡ ንኣብነት፡ ምስ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ዝተኣሳሰረ ሓደ ናይ ምሁራን ጉጅለ፡ ብሓባር ኮይኖም ሓንቲ ውሽጣዊ መጽሔት ኣማዕቢሎም። ዕላማኣ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወዓል ሕደር ዘይበሃለሎም ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዕምቆት ዘለዎም ዜናዊ ጸብጻባትን ክትዓትን ንምቕራብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ’ዚ ዕማም’ዚ ዝተሳተፉ ድማ መሓመድ ኣል ቐይሲ፡ ኪዳነ ሰሎሞን፡ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣለምሰገድ ተስፋይን ዘምህረት ዮሃንስን ነበሩ። እቲ ፈተነ (experiment) ንሓደ ዓመት ዝኸውን ከይዱ። እታ መጽሔት ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ህብብቲ ኮነት። እታ መጽሔት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ተዓጽያ ኣባላታ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ፋሕ ከም ዝብሉ ተገብረ (Connell, 2005)።


በቲ መጽሔት “ሓርበኛ” እተልዕሎም ዝነበረት ሕቶታት ዘይቀሰኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ግንባር፡ ንሓደገኛነት ናይታ መጽሔት ኣመልኪቶም ናብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኣቕሪቦምዎ። ሓደ ካብኣቶም ነፍስሄር ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ነበረ። ”እዛ መጽሔት እዚኣ ብተጋደልቲ ከም እንድፈር ገይራትና፡ ተጋደልቲ ምስማዕ ኣብዮምና፡ ክዳፈሩና ድማ ጀሚሮም፡ ወዘተ” ዝብሉ ቁሪምሪማት ኣስምዐ። ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ግንባር - ኢሳይያስ ኣፍወርቂ - ትቕብል ኣቢሉ፡ ሓቅኻ ኢኻ ነዛ መጽሔት'ዚኣ ማርተሎ ጌርና ክንደቑሳ ኢና ብምባል መሊሱሉ።[iii]


ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እንከሎና ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ሓደ ካልእ ፍጻመ ነይሩ። እዚ ምስ ህቡብነት መጽሔት ''ሓርበኛ''ን ምስ’ቲ ኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣሕዲሩዎ ዝነበረ ስክፍታን ዝተኣሳሰር ኢዩ። ሓደ ግዜ እቲ ንኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ሃይለ ወልደትንሳአን ዝሓቁፍ መሪሕነት ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ምስ ኣሰናዳኢት ቦርድ ሓርበኛ ርክብ ንምክያድ ኣብ ቦታና ተረኺቡ። መሪሕነት ሃገራዊ መርሓ ኣብ ኣተሓሕዛ መጽሔት “ሓርበኛ” ዘለዎ ዕቃበታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ኩሎም ሓተታታት ብዘይ ናይ ክልቲኦም ፍቓድ ከይዝርግሑ ዝመስል ሓበሬታ ክህቡ ፈቲኖም። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኣሰናዳኢት ቦርድ ''ሓርበኛ''ን መሪሕነት ሃገራዊ መርሓን ዲቕ ዝበለ ክትዕ ተላዒሉ። ኩሎም ኣባላት ኣሰናዳኢት ቦርድ ''ሓርበኛ'' ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ብዘይ ቀልዓለም ተቓዊሞምዎ። ኣብ ምንህሃር እውን ተበጺሑ። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ፡ ውሳኔና ከነፍልጠኩም ኢና ኢሎም ንቦታኦም

ተመሊሶም። እንታይ መልሲ ሒዞም ከም ዝመጹ ዝተሰወሮ ሰብ ግን ኣይነበረን።


ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ዋና ጸሓፊ ግንባር፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ናይ’ቲ ውድብ ፖለቲካዊ ምእዘናን (orientation) መጻኢ መስመራትን ንምዝታይ፡ ኣኼባ ላዕለዎት ካድራት ህዝባዊ ግንባር ዝጸውዓሉ ኣኼባ ብንጹር እዝክር። እቲ ኣኼባ ኣብ ዓምበርበብ ኢዩ ተኻይዱ። ሕጂ እውን ንዓይ ሓዊስካ ውሑዳት ተሳተፍቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉዳያት ነጻ ክትዕ ከም ዘየለ፡ ክፉት ዘተ ዝካየደሉ መድረኻት ክድንፍዕ ከም ዘለዎ ተማጒትና። ኣብ’ዚ ክትዕ ድምጸይ ደጋጊመ አስሚዐ ነይረ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብዘይካ እቶም ሓሳቦም ክገልጹ ዝደፈሩ ሰባት ዘጋጠሞም ሳዕቤን፡ ስዒቡ ዝመጸ ኣኼባ ኣይነበረን። እታ ንውሽጣዊት መጽሔት “ሓርበኛ” እትመርሕ ዝነበረት ጋንታ ተበታቲና፡ ኣባላታ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ’ቲ ግንባር ኣሃዱታት ተበታቲኖም።


ኣብ መወዳእታ፡ እታ ንመጽሔት ''ሓርበኛ'' እትመርሕ ዝነበረት ኣሃዱ ኢያ ነታ "ኤርትራ" እትብል መዝሙር፡ ሃገራዊት መዝሙርና ክትከውን ዝብል ሓሳብ ዘቕረበትን በታ መጽሔት ገይራ ዝጎስጎሰትን። መዝሙር ''ኤርትራ” ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገራዊት መዝሙር ክትከውን በቒዓ። በዚ ድማ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስ ይስምዓኒ።


መወከሲታት

Connell, Dan, Conversation with Eritrean Political Prisoners, Trento, The Red Sea Press Inc., 2005

EHREA

Hagos, Mesfin, Interview with Mesfin Hagos on his book (ኣብ መጽሓፍ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝተሞርኰሰ ሰፊሕ ዝርርብ, Dehay Eritrea, August 11, 2023


[i] www.ehrea.org Accessed on October 11, 2023

[ii] ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ብቐጥታዊ ትእዛዝ ዋና ጸሓፊ ግንባር ከም ዝተኣስረ ይገልጽ። እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ድሮ ምእሳሩ ዘጋጠመ ምንህሃር ምስ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ’ቲ ምንህሃር ዝነበሮ ክትዕ፡ኣሕመድ ኣል ቐይሲ ንዋና ጸሓፊ ፒኖሸ (Pinochet) ኢሉ ጸዊዑዎ። ዝተኸሰሰሉ ገበን፡ ምስ ሓደ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤርትራዊ እስላማዊ ጉጅለ ምትእስሳር ነይሩዎ ተባሂሉ ስለ እተጠርጠረ እዩ። ገበኑ ንምርግጋጽ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ፡ ኣሃዱ ስለያ ወጻኢ ናይ’ቲ ግንባር (72 ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ንሓደ ኣባል ናይ’ቲ ዝተባህለ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ውልቀ ሰብ ኣብ’ታ ማኪና ናብ ኤርትራ እናተጓዕዘ እንከሎ ብሰንኪ ኣየር ምስኣን ሞይቱ።

[iii] ናይ ስልኪ ዕላል ምስ ኣሕመድ ኣል ቐይሲ። 

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
Oct 09

It is very intetesting article.

Thank you b/Semere, as usual!

I remember, we use to read Harbegna voraviously, that we couldnt wait until the next publication comes with timely topics. As members of the support unit in the head quarters of the National Guidance, and Cadres' School, in our extra time, we participated in transcrbtion works of interviews of partcipants of the Harbegna.

Like
bottom of page