ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 6፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
- Semere Solomon

- Oct 17
- 8 min read
ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን
ምዕራፍ 6፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንሓባራዊ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ፡ በቲ ኣንጻር ጎበጣ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ዝፈለሞን ዝገብሮ ዝነበረን ተቓውሞ ይልለ። ምስረታ ናይ’ዚ ውድብ’ዚ ክንዮ’ቲ ንምምስራቱ ዝደረኹ ምኽንያታትን ክንዮ’ቲ መንነት መራሕቱን ክርአ ይግባእ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንብዙሓት ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሃገራውያንን ውፉያትን ውልቀ ሰባት ጠርኒፉ ንናጽነት ኤርትራ ከረጋግጽ ኢሉ ዝተበገሰ ሃገራዊ ውድብ ኢዩ። ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ልሉይ ምዕራፍ ኢዩ። ከመይሲ ንናጽነታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ስለ ዘሰጋገረ።
ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሞራል ዘስነቐ ፍጻመ ይኹን’እምበር፡ ጉዕዞ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ መፈለምታ እዋን ብውሽጣዊ ምፍልላይን ምፍንጫልን ዝለለ ኢዩ ነይሩ። ገሊኡ ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ዝተሰረተ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ብሄራውን ሃይማኖታውን ድራኸታት ዘበገሶ ኢዩ ነይሩ።
ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ሓደ ርኡይ ድኽመት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ውድብ ዝነበረ ጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓትን ንጹር ራእይ ዘይነበሮ መሪሕነትን ኢዩ። እዚ መሪሕነት'ዚ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ዕላማ ንምጉስጓስ ኣበርቲዑ’ኳ እንተ ሰርሐ፡ ሰሪ ፖለቲካዊ ብቕዓቱ ግን ንውሽጣውያን ፍልልያቱ ክኣልን ሓያል ጎድንታቱ ክምዝምዝን ዓቕሚ ኣይነበሮን። እዚ ከኣ ነቲ ዝዓኩኽ ዝነበረ ውድብ ዘጋጠሞ ብድሆታት ኣጋዲዱዎ ነበረ።
ኣብ’ቲ ድሒሩ ዝመጸ ምዕራፍ ታሪኹ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ "ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን ኢዩ" ዝብል ዓብላልን ሓደገኛን ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ተቐልቂሉ።
ካብ ሃገር ወጻኢ ዝመደበሩ መሪሕነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ክውንነት ዝተነጸለ ብምንባሩ ብዝግባእ ንኽመርሕ ድሩትነት ነይሩዎ እንተ ተባህለውን ምግናን ኣይከውንን። ዝርገሐ ወይ እውን ህላወ ወገናዊ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን ንድሕሪት ኬድካ ምስ እትርኢ፡ ኣሰሩ ኣብ’ቲ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቃውማ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ዝምንጩ ኢዩ ነይሩ።
እዚ ምትፍናን’ዚ ብዘየገድስ፡ ተሓኤ፡ ብግስ ምስ በለ ዕላምኡ ንምስጓም ኣብ ልዕሊ ዕርድታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊትን መጥቃዕቲ ፈንዩ። ዋላ’ኳ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ መሰናኽላትን ዋሕዲ ኣጽዋርን ካልኦት ጸጋታትን እንተ ኣጋጠሞ፡ እቲ ግንባር ንኹሉ ብምምካት ንቕድሚት ገስጊሱ። ከም ግብረ መልሲ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ቆላታት ኤርትራ እተዘውትሮ ዝነበረት ዓድታት ናይ ምንዳድ ስጉምትታትን ካልኦት እትኽተሎም ዝነበረት ጨካን ስጉምትታትን ብሰንኪ’ዚ ድማ ናብ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ዘስዓቦ ጃምላዊ ስደትን ኣብ ህዝቢ ምረትን ቁጥዐን ብምልዓል፡ ነቲ ሃልሃልታ ተቓውሞ ዝያዳ ከም ዝጐሃሃር ገይሩዎ።
እቲ ግንባር፡ ኣብቶም ቀዳሞት ዓመታት ምስረታኡ፡ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ኰስኲሱ እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ስለ ዝነበሮን እቲ ግንባር ድማ ንመነባብሮን ቀረብን ብዝምልከት ኣብ’ቲ ከባቢ ህዝቢ ክምርኮስ ስለ ዝነበሮን፡ ርእሰ ምድሓን ወይ ናይ ህላወ ሕቶ፡ ናይ ቃልሱ ቀንዲ ሕመረት ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ፡ ስርሒታቱ ኣብ ኣውራጃታት ጋሽ ባርካን ሰንሒትን ተደሪቱ ዝነበረ ውድብ፡ ቀስ ብቐስን ደረጃ ብደረጃን ስርሒታቱ ናብ ካልኦት ኣውራጃታት ኤርትራ ተዘርጊሑ። ናይ’ቲ ግምባር ቀዳሞት ኣባላቱ ብብዝሒ ካብ ቆላታት ኤርትራ ዝመጹ ኮይኖም፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እዮም ነይሮም። ይኹን’ምበር ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት፡ ክርስትያንን ኣስላምን ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ኣብ መሳርዑ ክጽምበሩ ጀሚሮም።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ክሳዕ እቶም ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ ዝነበሩ ገስገስቲ ባእታታት ማርክስነት ዝብል ሰልፊ ዕዮ ዝምስርቱ፡ ንዝተፈላለዩ ስነ ሓሳባዊ ኣረኣእያታትን ፍልልያትን ከም መድረኽ ኮይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ሕሩይ ተድላ፡ ነቲ ምስ ስዒድ ሳልሕ፡ ኢብራሂም ገደም፡ ዑመር መሓመድ፡ ሲራጅ ዓብዱን መሓመድ ኑር ኣሕመድን ዝርከብዎም ዝተወሰኑ ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ዝተራኸበሉ እዋን እዝክር። ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማርክሰ ሌኒናዊ ጉጅለ ምህላዉ ብምሕባር ዕድመ ኣቕሪቦምሉ፡ ንሱ ድማ ብወለንትኡ ተቐቢልዎ (Bairu, 2016)።
ብዛዕባ ተራ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ዕዮ ኣመልኪቱ ኢብራሂም ቶቲል እዚ ዝስዕብ ሓተታ ኣብ’ቲ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝብል ዘይተሓትመ መጽሓፉ የቕርብ፥
ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ. ብ1968 ዓ.ም. ብምስጢር ዝተመሰረተ ማርክሰ ለኒናዊ ሰልፊ እዩ። ዕለማታት ሰልፊ ዕዮ ከም ኵሉ ካልእ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ልዕልነት ፖለቲካዊ መስመሩ ንምርግጋጽ ኢዩ። መድረኽ ስሳታት ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ጸጋማዊ ትሕዝቶ ዝነበሮ መድረኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ኢዩ ነይሩ። ጸጋማውያን ሓይልታት ብኹሉ መልክዓቶም ድማ ኣብ ቃልሲ ዝበለጸ ኣብነትን ተወፋይነትን የርእዩ ነይሮም። እዚ ድማ ንጸጋማውን ማርክሳውን ኣተሓሳስባታት ብፍላይ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ. ድማ ብውሱን ደረጃ ኣብ ምዝርጋሕ ተራ ነይሩዎ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ከም ተኸታታልን ዝተኣሳሰረን ዝመስል ሽግራት፣ ጠንቁ ሰውራ ዝምርሓሉ ሰውራዊ መስመር ብዘይ ምህላዉ ኢዩ ናብ ዝብል ዕግበት ንመስረት’ቲ ሰልፊ ዕዮ ኣብጺሑዎም። “ብዘይ ሰውራዊ ክልሰሓሳብ ሰውራ የለን”፡ “ብዘይ ሰውራዊ ውድብ ሰውራ የለን”።
ኣባልነት ሰልፊ ዕዮ ክሳብ’ዚ ንዛረበሉ ዘሎና መድረኽ ኣብ ሜዳን ወጻእን ኣብ ውሑዳት ሰባት ዝተወሰነ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኵነታት ተ.ሓ.ኤ. እውን ነቲ ሰልፊ ኣባልነቱ ንከየሰፍሕ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጥንቀቕ ገይሩዎ። ኣበርክቶ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ጉባኤ ኣዶብሓ ኣዝዩ ዝተወሰነ ኢዩ ነይሩ። እቶም ካብ ቁጽሪ ኣጻብዕቲ ኢድ ዘይሓልፉ ኣባላቱ ናብ ጉባኤ ሒዙምዎ ዝኣተዉ ፕሮግራም፡ እቲ ሽዑ ዝጥለብ ዝነበረ ከም ምስማር ሰራዊት ሓርነት፣ ግዝያዊ መልክዕ ዘለዎ መሪሕነት ምቛም፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሃገራዊ ጉባኤ ምክያድ ዝብል ኢዩ ነይሩ።
ሰልፊ ዕዮ ኣብ ሜዳ ስሩዕ ንጥፈታት ከካይድ ዝጀመረሉ ካብ’ዚ እንዛረበሉ ዘሎና እዋን ኣትሒዙ ኢዩ። እቲ ንጥፈታት ከም’ቲ ጸኒሕና እንርእዮ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዓጻጺፉ ነቲ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ. ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ሓይሊ ንክኸውን ኣብቂዕዎ።
እንተ ኣብ’ዚ ንዛረበሉ ዘሎና መድረኽ፣ ኣባላቱ ኣብ ክሊ ምንቅስቓስ ናይ’ቲ ካድር ነቲ ስምምዕ ዝተገበረሉ መደብ ንምዕዋትን ኣብ ምእራም ተ.ሓ.ኤ ካድር ተርኡ ንክጻወት ኣብ ምትብባዕን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። (ቶቲል፡ ዕለት የብሉን)
ምስ ህዝባዊ ግንባር ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባላት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ንክገልጹ ዘተባብዕ ዝያዳ ሊበራላዊ ሃዋህው ነይሩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ሰብዓታት ዝተራእየ ኵነት ኢዩ።
ኣብ 1975–76 ዓ.ም. ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ግንባራት (ኣቀራራቢት ሽማግለ ክልተ ውድባት) ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምምዕባል፡ ኣባል ናይ’ታ ዝተመደበት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይነ ኣብ ዘገልገለኩሉ እዋን፡ ምስ ቊጽሮም ዘይነዓቕ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክዋሳእ ዕድል ረኺብና።
ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዘየቋርጽ ናይ ስነ ሓሳብ ፍልልያት ቀጺሉ ነበረ። እዚ ስነ ሓሳባዊ ክትዕ ኣብ መሪሕነት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብተደጋጋሚ ንሓድሕዶም ይፈታተኑ ነይሮም ኢዮም፣ ከምኡ እውን እቶም ተራ ኣባላትን ማእከላይ ደረጃ ካድረታትን። ናይታ ኣቀራራቢት ሽማግለ ኣባል ኮይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዉዕዉዕ ክትዓት ይካየድ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓይኒ ምስክር እየ። እዞም ዘተታት ኣብ ዙርያ ከም ሃገራዊ ሓድነትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ዝዘውር ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ምስ’ቲ መሪሕነት ዝሓዞ መርገጺታት ዝጋጮን ብናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ዝልለን ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ተራ ኣባላትን መሪሕነትን እውን ኣብ ምጽውዋር ዝተሞርኮሱ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ተዓዚበ።
እዚ ዝስዕብ ግምት ወይ ጽንሰተ ሓሳብ (hypothesis) ተወሳኺ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ምርምር ዘድልዮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ተመሳሳሊ ስነ ሓሳብ ምንባሩ ብዘየገድስ (ክልቲኦም ጸጋማዊ ዝንባለ ዘሳስዩ ዝነበሩ ውድባት ኢዮም ነይሮም)፡ ስለምንታይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ህዝባዊ ግንባር ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ትኹረት ክወሃቦ ዝኽእል ሊበራላዊ ሃዋህው ነይሩ ዝብል ግምተይ ከቕርብ እፈቱ።
ክልቲኦም ኣብ ማርክስነት ይኣምኑ ነይሮም፣ ነፍስ ወከፎም ድማ ንናይ ነፍስ ወከፎም ግንባር ዝመርሕ ሕቡእ ሰልፊ ነይሩዎም። እቲ ዘገርም ከም’ቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ሰልፊ ዕዮ ኣብ 1968 ዓ.ም. ኢዩ ተመስሪቱ። እቶም ህዝባዊ ሓይልታት ብዝብል ስም ዝተፈልዩ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር፡ ብዛዕባ’ዚ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን ክትብል ብዙሕ ኣሸጋሪ ኢዩ። ድሒሮም ኣብ 1970 ዓ.ም. ስለምንታይ ሓደ ካልእ ማርክሰ ለኒናዊ ሰልፊ ከም ዘቖሙ እውን ንምርድኡ የጸግም ኢዩ።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጢ መሳርዑ ንዝነበረ ዲሲፕሊን ምናልባት ብዝያዳ ኣጽኒዑ ክሕዝ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ናይ መወዳእታ ትንታነ ግን፡ እቲ ሕመረት ናይ’ቲ ጉዳይ ኣብ’ቲ ነፍስ ወከፍ ውድብ ሓቚፍዎም ዝነበረ ኣባላትን ማሕበረ ባህላዊ ቅርጽን ስነ ኣእምሮኣዊ ኣቃዋውማኦምን (መራሕትን ተራ ኣባላትን) ዝምርኮስ ኮይኑ ይስምዓኒ። እዚ ብግዲኡ ኣብ ናይ’ቶም ውድባት ፖለቲካዊ ባህልታት ኣበርክቶ ዝገበረ ይመስል። ነዚ ግምት'ዚ ብከም’ዚ ዝስዕብ ከብርሆ ክፍትን እየ፥
ኣብ መጀመርታ ስሳታት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብደቂ መታሕት ዝተዓብለለ ውድብ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ምስ’ቲ ብተዛረብቲ ትግርኛ ተዓብሊሉ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝጻረር ኢዩ ነይሩ። ተዛረብቲ ትግርኛ ብብዝሒ ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክጽንበሩ ዝጀመሩ ድሕሪ 1973 ዓ.ም. ጥራይ ኢዩ።
እተን ተጠርኒፈን ንህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝመስረታ ክልተ ውድባት (ቀዳማይ ወገን - ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን - ካብ ሰምሃር ዝመበቈሉ፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራን - ካብ ከበሳ ዝመጸ) ክብገሳ ከለዋ ማዕረ ጽልዋ ነይሩወን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ምስ ግዜ፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ሰልፊ ነጻነት ኤርትራ ወይ ካልኣይ ወገን እናዘዘወ መጺኡ። እዚ ድማ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ መሳርዑ ስለ ዝወሓዙ ኢዩ። ምስ ግዜ፡ ባህሊ ትግርኛ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝያዳ ጉሉሕ እናኾነ መጺኡ። ወላ’ኳ ብቚጽሪ ውሑዳት እንተኾኑ እቲ ብዑበል ዝፍለጥ ሓይሊ ኣካል ናይ ህዝባዊል ሓይልታት ከም ዝነበረ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይመስለኒ።
ሕብረተሰብ ትግርኛ ከምኡ እውን ባህሉ፡ ምስ ናይ ቆላታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዳ ኣርከናዊ (hierarchical) መሰረት ዘለዎ ኣቃውማ ኢዩ ዘንጸባርቕ። እቶም ትግርኛ ዝዛረቡ ከበሳውያን ካብ’ቶም ኣብ ቆላታት ዝርከቡ ህዝቢ ንላዕሊ ዝያዳ መስፍናዊ ቅርጽታትን ስርዓተ ክብርታትን የአንግዱ ነበሩ። እዚ ምናልባት ጽልዋ ናይ’ቲ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ማሕረስ ዝተሰረተ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣርከናዊ ኣቃውማ'ዚ በቲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር እተባህለ ኣብ ኵሉ ደረጃታትን ጽፍሕታትን ተመሳሲልካ ናይ ምንባር ጠባይ (conformism) ንኽሰፍን ዝጣበቕ ዝነበረ ባዕዳዊ ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ብምጽላው ዝያዳ ክሕይል ኣኺኢሉዎ ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎኒ። ውጽኢቱ ድማ ንናይ ሓሳባት እዱብነት (regimentation) ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ነበረ። እዚ ብግዴኡ፡ ንተመሳሲልካ ናይ ምንባር ስነ ሓሳብ ምቹእ ሃዋህው ፈጢሩ።
ናይ’ቶም ደቂ ቆላ ዝያዳ ተጻዋርነት ዝመልኦ ባህሊ፡ በቲ ንዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ንምስማዕን ንምእንጋድን ዘለዎም ቅሩብነት ዝልለ ኮይኑ፡ ምስ’ቲ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቃውሞኦም ዝተኣሳሰረ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሰበኽ ሳግማዊ ባህሊ፡ በይናውነት፡ ትዕግስቲ፡ ምጽውዋርን፡ ኣብ እዋን ጸገማት ድማ ጸዋር ናይ ምዃን (resilient) ባህሪ ይፈጥር ኢዩ።
ንኣብነት፡ ንኣተዓባብያ ህጻናት ብዝምልከት፡ ኣብ ትግረ ዝዛረቡ ማሕበረሰባት ዝዓብዩ ቈልዑ ካብ’ቶም ኣብ ናይ ትግርኛ ተዛረብቲ ከበሳውያን ዝዓብዩ ቈልዑ ዝፍለ ኢዩ። ቋንቋ ትግረ ኣብ ዘዘውትሩ ማሕበረሰባት ዝዓበዩ ብጾት ከዕልሉ ከለዉ፡ ርእይቶ ህጻናት ምስ ናይ ዓበይቲ ርእይቶ ብዝመጣጠን ደረጃ ዋጋን ኣኽብሮትን ዝውሃቦ ምዃኑ የጉልሑ። ኣብዞም ማሕበረሰባት ዝኹስኰሱ ህጻናት፡ ኣብ ቅድሚ ወለዶም ወይ ሽማግለታት ርእይቶኦም ከካፍሉ ኣይጽግሞምን ኢዩ። ከምኡ ክገብሩ እውን ይተባብዑ ኢዮም። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ትግርኛ ዝዛረቡ ከበሳውያን፡ ሽማግለታት ኣብ ዕላል ተጸሚዶም ከለዉ፡ ቈልዑ ካብ ምዝራብ ክቚጠቡ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። ሓሳቦም እንተ ገለጹ ከኣ ብዓበይቲ ይግንሑ።
ካልእ ዝተዓዘብኩዎ ባህላዊ ፍልልይ እውን ነይሩ። ንሱ ድማ እቶም ካብ መታሕት ዝመጹ ውልቀ ሰባት ምስ’ቶም ትግርኛ ተዛረብቲ መዛኑኦም ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ዝዓበየ ናይ ሓድሕድ ይቕረ ምብህሃል ዝንባለ የርእዩ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ስነ ሓሳባውን ረቛሒታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ባህሊ ፍልልይ ከረድኡ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ልዕሊ ዝኾነ ነገር፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ማሕበረ ባህላዊ ኵነታት፡ ኣብ ውሽጡ ብዝደፋፈሩ ግን ከኣ ተመጣጣኒ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዎም ተወዳደርቲ ጉጅለታት ዝቖመ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ብፍላይ ካብ መጀመርታ ሰብዓታት ርኡይ ነበረ። ከም’ዚ ኮይኑ ግን እዞም ጉጅለታት'ዚኣቶም ሓባራዊ ዕላማ ነይሩዎም ኢዩ። ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ።
ብኣንጻር'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ድምጽታት ተቓውሞ (dissenting views) ዝጻወር ኣይነበረን። ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ፡ እቲ ውድብ ብምሉኡ ነቲ ቃላት ከም ዘለዎ የቃልሖ ነይሩ። እዚ ካብ’ቲ እቲ ንዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዘፍቅድን ዘአንግድን ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣዝዩ ዝፍለ ኢዩ። ኣብዚ፡ ብዛዕባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ሰብዓታት እየ ዝዛረብ ዘለኹ።
ዘይከም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፡ ሓደ ርእይቶ ካብ’ቲ ብጽኑዕ ዝተሓዝአ ኣረኣእያ መሪሕነት፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኢሳይያስ፡ ብቚሩብ እውን ፍልይ ዝበለ ይኹን፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ወይ እውን ርእስኻ ዘድንን ነቐፌታ ከጋጥሞ ይኽእል ነይሩ። ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ኵነታት ድማ ውልቀ ሰባት ፈጺሞም ይንጸሉ ነይሮም። ነቶም ዝተፈልየ ኣረኣእያታት ዘቕርቡ፡ ከም "መቓቓሊ"፡ "ኣዕናዊ" ወይ "ዝንቡል" ወዘተ ዝብሉ ስያሜታት ብቐሊሉ ይለግቦም ነይሩ። እዚ ድማ ልክዕ ምስ’ቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ንተቓወምቲ ድምጽታት “ወያነ”፡ ”ከዳዕ”፡ “ተምበርካኺ” ወይ ”ሲ.ኣይ. ኤይ” እናበለ ዘጠምቖም ዘሎ ኣስማት ዝመሳሰል ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ተመክሮ የዘኻኽር።
በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ፍልልያት ብጎነጽ ክፍታሕ ምርኣይ ንባዕሉ ተጋራጫዊ ኢዩ። ኣብ ሱዳን፡ ራሳይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ካብ ኤርትራ ምውጽኡ ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ኵነታቱ ንምግምጋም ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን ዝተኸስተ ፍጻመ ምጥቃስ ኣኻሊ ኢዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ክንፊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ መሪሕ ኣካል ዝነበረ ዓብደላ እድሪስ፡ ብመገዲ ድብያ ንተሳተፍቲ ናይ’ቲ ዋዕላ ብምጥቃዕ፡ ንመሪሕ ኣካል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎም። መልኣከ ተኽለ፡ ሓላፊ ጸጥታ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንማእሰርቲ ምስ ተቓወመ፡ ኣብ’ቲ ስዒቡ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ተቐቲሉix።[i]
ካብ’ቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተኻየደ ግዳማዊ ኲናት ንላዕሊ፡ እቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ውሽጣዊ ምፍልላይን ግርጭታትን፡ ኣብ ምብትታኑ ዝዓበየ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ርኡይ ዝኾነ ናይ ስነ ሓሳብ ፍልልይ ከም ዘይነበረ ከስምረሉ እደሊ። ክልቲኦም ብሕቡእ ማርክሰ ሌኒናዊ ሰልፍታት ዝምርሑ ኢዮም ነይሮም። እቲ ብህግሓኤ ዝቐርብ ምጒት፡ ማለት፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ፍልልያት ኣብ ስነ ሓሳብ ዝተሰረተ ኢዩ ኢሉ ምክርኻሩ ድልዱል መሰረት የብሉን። ሱር ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ውድባት ኣብ ናይ ስልጣን ውድድርን ፍልልያት ዘይምጽውዋርን ዝተመስረተ ግጭት ምንባሩ ብዘየወላውል መገዲ ክገልጽ እፈቱ።
ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ምስ ሓደ (ብጸጥታዊ ምኽንያት ስሙ ክጥቀስ ዘይደለኽዎ) ኣባል ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጽሓፍ እናሓሰበ እንከሎ ዝገበርኩዎ ዕላል እዝክር። ብዛዕባ'ቲ ሓሳብ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ክዛተየሉ ጸኒሑ። ሓደ ንግሆ ቡን እናሰተና፡ "ብዛዕባ ፍልልይ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዘሎካ ርድኢት ከተካፍለኒ ትኽእልዶ?" ብምባል ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ ድቦላ ኮይኑዎ፡ ቅድሚ መልሲ ምሃቡ ንሓጺር እዋን ኣስተንተነ፡ "እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ'ዩ። ብዛዕባ'ዚ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ኢሉኒ። ዋላ’ኳ ስነ ሓሳባውያን ህግሓኤ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርግጸኛታት ኮይኖም እንተ ቀረቡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት፡ ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ውሑድ ምዃኑን፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ እተፈጥረ ፍልልይ ድማ ውድድር ስልጣን ምዃኑን እምነተይ ምዃኑ ገሊጸሉ። ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ህዝባዊ ግንባር ክትጽሕፍ ምፍታን ናብ ናጻ መደምደምታ ኣየብጽሓካን ኢዩ ብምባል ድማ ካብ’ዚ ጉዳይ'ዚ ክርሕቕ መኸርኩዎ። ነቲ መደቡ ንዘይተወሰነ ግዜ ዘመሓላለፎ ይመስል።
መወከሲታት
Bairu, Herui Tedla, Eritrea and Ethiopia—A front row look at the issues of conflict and the potential for a peaceful resolution, Trenton, The Red Sea Press, 2016
Totil, Ibrahim, ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፣ n.a.
[i] ብዓብደላ እድሪስ እተመርሐ ዕልዋ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሞት መልኣከ ተኽለን፡https://zantana.net/coup_within_elf_and_the_death_ of melake t ekle/#: ~ : t e x t=The y % 20 amዛታ ና፡bushed% 20 the% 20 participants%2of,with%EPLF%20undermining%20the%20front. ጥሪ 29¸ 2024 እተረኽበ



Comments