ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን ምዕራፍ 7፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)
- Semere Solomon

- Oct 23
- 13 min read
Updated: Oct 25
ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን
ምዕራፍ 7፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) እቲ ካልኣይ ገጽ ወይ መቐጸልታ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን "ሓድሽ ደም" ብዝብል ምስምስ (pretext) ሓድሽ ህይወት ዝለበሰ ምስሊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ክቐርብ ፈቲኑ። ነዚ ለውጢ'ዚ ሓድሽ መሪሕነት ብምሻምን ንሃገራዊ ቻርተር ብምርቃቕን ብምእዋጅን ኢዩ ዝፈለሞ።
ኣብ’ቲ ብ21 ጥሪ 2001 ዓ.ም. ቴድሮስ ተስፋይ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝጸሓፍኩዎ ሓተታ፡ ንህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምዃን ዘብቅዑዎ ዝተሓላለኹ ተኸታተልቲ ፍጻመታት ከም ዝተጋህዱን፡ እዚ ድማ ኣብ ዕጫ ናይታ ሃገር ዘይነዓቕ ጸላዊ ሓይሊ ኮይኑ ቦሎኽ ንኽብል ከም ዝሓገዞን ገሊጸ ነይረ። ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኤርትራ ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት ዓውደ ውግእ ከም ዘይትኸውን (ኣብ ኤርትራ ሓሸውየ ውድባት ኣይከነፍቅድን ኢና)፡ ብጽኑዕ ብምርግጋጽ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እንኮ ፖለቲካዊ ኣካል ከም ዝኸውን ብዕሊ ኣዊጁ (Tesfai, 2001)።
ብመሰረት'ዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓተታ፡ ናጽነት ምስ ተረኸበ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓደስቲ መራሕቲ ከም ዝምልመሉን ከም ዝመጹን ብምግባር ንነብሱ ዳግም ንምፍጣር ልዑል ጻዕሪ ገይሩ። እዚ ተበግሶ'ዚ ብኻልእ ዘይኮነስ ብኣቦ መንበር ናይ’ቲ ውድብ - ብኢሳይያስ ኣፍወርቂ - ኢዩ ዝምራሕ ዝነበረ። እዚ ተበግሶ'ዚ፡ በቲ ነቲ ውድብ ሓድሽ ገጽ ንምልባስ ዝተጀመረ ኵለንተናዊ ጽገና ዝመሰረቱ ወፍሪ ኢዩ ጀሚሩ። ነቲ ኣረጊት መሪሕነት "ዝጠስጠሰ” ኢዩ ብምባል ድማ ሓያል ነቐፌታ ኣዝኒቡሉ። እቲ ዘገርም ግን፡ እቲ ጠስጢሱ ኢዩ ተባሂሉ ዝተዘለፈ ናይ ቀደም መሪሕነት፡ በዚ ዝተጠቕሰ ኣነዋሪ ዝኾነ ዘለፋ ስሙ እናተደወነ እንከሎ ምጽቃጡ ኢዩ።
ኣብ 1994 ዓ.ም.፡ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር" ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን" (ህግደፍ) ብዝብል ስም ነብሱ ብምጥማቕ፡ ለውጢ ዝገበረሉ፡ ሓደ ኣገዳሲ ህሞት ተኸሲቱ። ህግደፍ ቅርጺ ምስ ሓዘ ሽዑ ንሽዑ፡ እቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ዝነበረ ውሽጣዊ ዓንኬል፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዘለዎ ተወፋይነት ንምግላጽ ብተለምዶ ብሃገራዊ ቻርተር ዝፍለጥ ሰነድ ኣርቂቑ። እዚ ሰነድ’ዚ፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ልዕልና ሕግን ናጻ ፕረስን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ልዑላን ራእያትን ንምጥርናፍ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ህግደፍ ብሃገራዊ ቻርተር ኣቢሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ንምምስራት ብዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣፍልጦ ዝረኽበሉ ራእይ ኣዊጁ (Tesfai፡ 2001)።
ካልእ ርኡይ ምዕባለ ድማ፡ መስርሕ ምድላው ቅዋም ኢዩ ነይሩ። ቅዋም ንምርቃቕ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኮሚሽን፡ ምስ ሕብረተሰብ እኹል ምምኽኻር ከም ዝገበረ ዘይከሓድ ኢዩ። ኣብ’ዚ እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ኵነታት፡ ብርክት ዝበሉ ጠቐምቲ ሓሳባት ካብ ህዝቢ ክርከቡ ክኢሎም ኢዮም። ከም’ዚ ኮይኑ ግን፡ እቲ ዘይንዓቕ ክፋል ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ (ብውልቀ ሰባት ደረጃ ዘይኮነ) ብውክልና ደረጃ ከሳተፍ ዘይምኽኣሉ ካብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ተገሊሉ ጥራይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል። መስርሕ ምግላል ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ዝተኻየደ መስርሕ ጥራይ ኣይተሓጽረን። ካብ ኵሉ’ቲ ፖለቲካዊ መስርሕ እውን ተገሊሉ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር (ደሓር ህግደፍ)፡ ሓንሳእ ኣብ ኤርትራ ስልጣኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንኹለን ውድባት ኤርትራ መጸዋዕታ ገይሩ፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት ኤርትራ ዘየሳትፈሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። እዚ ድማ መርኣያ ፖለቲካዊ ብስለቱን ፍልልያት ናይ ምጽዋር ዓቕሙን መንጸባረቐ ነይሩ። ከመይሲ፡ ናይ ሓደ ፍጹም ጸብለልትነት ዘለዎ ውድብ መለለዪ ባህርያት፡ ተጻዋርነት፡ ሓቛፍነትን ግሉጽነትን ስለ ዝኾነ። ህግደፍ፡ ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ባህርያት ብምስሳይ ነቲ ናይ ሕውየትን ዕርቅን መስርሕ ጽቡቕ ገይሩ ምተተሓሓዞ ነይሩ። እዚ ድማ ንዳግመ ህንጸት ኤርትራ ከም መኽሰብ ምተቖጽረ።
ህግደፍ፡ ከም’ቲ ቴድሮስ ተስፋይ ኣብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ ዝገለጾ፡ መብጽዓታቱ ክፍጽም ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስልጣኑ ድሕሪ ምድልዳሉ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ብዘሰክፍ መገዲ ኢዩ ክኣልዮን ከማእዝኖን ዝጀመረ።
ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ምርቃቕን ቅዋም ኣብ ምሕንጻጽን ዝተገብሩ ጻዕርታት ንመናውራ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ ነይሩ። እቲ ግንባር፡ ካብ’ቲ መበገሲ ዕላማኡ ብምግላስ ናብ ንሓደ ውልቀ ሰብ፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ዘማእከለ ኣካል ተቐይሩ። እዚ ለውጢ’ዚ ንውልቃዊ ድሌታቱ፡ ንኣነነቱ፡ ብፍላይ ድማ ንዓብላሊ ናይ ስልጣን ሸውሃቱ ንምርዋይን ንህርፋኑ ንምስጓምን ቀዳምነት ዝህብ ኢዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ግንባር ምልኪ ንምንጋስ ዝዓለመ ቀንዲ ፍልስፍና ብምኽታል፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ከም ሓደ ፍሉይ ናይ ስልጣን መሓውር ኮይኑ ሱር ክሰድድ ተራእዩ። ቴድሮስ ይቕጽል፡ እጠቅስ፤
"ኣብ’ዚ እዋን'ዚ፡ ንህግደፍ ክጠቅስ ከለኹ እንታይ ማለተይ ምዃኑ ብግልጺ ክዛረብ እየ። ኣነ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ - ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ከምኡ እውን ብዛዕባ’ቶም ውሑዳት እሙናት ሰዓብቱን - እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ብዛዕባ እታ ቀንዲ ዕማማ ንህግደፍ መጽያ ጥርሓ ንምትራፍን ነታ ሃገር ድማ ነፍሰ ኣልቦ ንምግባርን ብኣኡ እተፈጥረት ማሺን። እታ ኣነ ዝዛረበላ ዘለኹ መሳርሒት፡ ንኹሎም መሓውራት እንተላይ ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ ''ከም ገዛእ ጥሪትካ ጌርካ ምብሓት”'፡ ሕጋውነት ንምልባስ ባዕሉ ዝፈጠራ መሳርሒት ኢያ። ዝተረፈ ኵሉ፡ ከም ንታሪኻውያን ውልቀ ሰባት ምሕቃቕ (ወይ ካብ ገጽ መሬት ምእላይ)፡ ነጸብራቕ ናይ’ዚ ዓሚቝ ናይ ምጽራይ ተግባር እዩ። ንኽብሪ ሓደ ሰብ ኢልካ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ሓባራዊ ጻዕሪ ብምምንጣል፡ ናብ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ መወዳእታ ዝርፍያ ኢዩ ነይሩ (Tesfai, 2001)።"
እቲ ኵነታት ብሰንኪ'ቲ ኣብ 1998 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ትርጉም ኣልቦ ኲናት እናተባላሸወ ከይዱ። እቲ ስርዓት ኵሉ መዳያዊ ብቕዓት ስለ ዘይጸንሖ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሚዛን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምስ ኣጋጠመ ብብቕዓት ንምእላይ ፖለቲካዊ ብስለትን ብልሕን ኣየርኣየን። ቅድሚኡ፡ ምስ የመን ብዛዕባ’ተን ኣካታዕቲ ደሴታት ሓኒሽን ዙቑርን ተመሳሳሊ ግጭት ተፈጢሩ ነይሩ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ንኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ውርደት ኣስዒቡላ። ኤርትራ ምስ ሱዳን ዝነበራ ዝምድና እውን ብተመሳሳሊ ፈተናታት ብምስጋር ክሳዕ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸስተ ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣማዕቢሉ።
ዝተሓላለኸ ጂኦፖለቲካን ኣጀንዳ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታትን፡ ኣብ ምውሳን ህላወ ኤርትራን መጻኢኣን ዓቢ ተራ ክነብሮ ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ ነይሩ። እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተኸስተ ሕልኽልኽ ዝበለ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምብዳህ ስነ ጥበብ ዲፕሎማሲን ኣብ ብልሒ ዝተመስረተ ፖሊሲታት ምሕንጻጽን ብቕዓት ምጥራይን ወሳኒ ኢዩ ነይሩ። እዚ፡ ዘየከራኽር ክውንነት ክነሱ ብዙሕ ኣይተሓሰበሉን።
ስርዓት ህግደፍ፡ ሕጂ እውን ምልከት ዲፕሎማስያዊ ቋንቋ ከም ዘይብሉን ናይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዳይናሚክ (dynamic) ብዕምቆት ዘይምርዳኡን ድኽመቱ ተጋሂዱ። እቲ ግንባር፡ ንዝተሓላለኸ ጂኦፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ምብዳህ ዝጠልብ ሳይንሳዊ ብቕዓት ክድልብ ኣይከኣለን፣ እዚ ድማ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ምስ ጐረባብትኻ ኣብ ሰላምን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ጒርብትና ንምምስራት ዝሕግዝ መትከል፡ ግንዛበ ከም ዘይነበሮ ዘርኢ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ካልኦት ሃገራት እውን ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓታት ከም ዘለወን ዕሽሽ ብምባል፡ ንኣድላይነት ልዝብ ኣየስመረሉን። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ስርዓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዘይምርግጋእ ሓይሊ ኮይኑ ማዕቢሉ።
ሓደ ስርዓት፡ ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካኡ ዘርእዮ ኣካይዳ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ድማ የንጸባርቖ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ኵነታት ብንጹር ይገልጽ። ሓደ መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ቶኽታኽን (provocative)፡ ጨፍላቕን ምልካውን ኣገባብ ክጥቀም እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዳማዊ ፖሊሲኡ/ዝምድናታቱ እውን ተመሳሳሊ ባህርያት የርኢ ኢዩ። እዚ ቅዲ'ዚ (pattern) ብፍላይ ኣብ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ርኡይ ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ምስ ሃገራዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰር ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝህሉ ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ሓይልን ምፍርራሕን ባህሪ ዝልለ ነበረ።
ብመሰረቱ ህግደፍ፡ ብውሽጥን ብደገን ተመሳሳሊ ቋንቋ ዝጥቀም ይመስል፡ ማለት ጐነጽ ወይ ኣፈሙዝ ጠበንጃ። እዚ ድማ ናብ ቶኽታኽን ዓመጸኛን ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ የምርሕ።
ዘቤታዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ንተቓውሞ ንምጭፍላቕን ንፍልልያት ብሓይሊ ንምህዳእን፡ ብርቱዕ ጐነጽን ኣስገዳድ ሜላታትን ብምጥቃም ይልለ። ኣተኣላልያ ናይ’ቲ ብ1993 ዓ.ም. ዝተገብረ ናይ ተጋደልቲ ኣድማ፡ ብ1994 ዓ.ም. ብስንኩላን ኲናት እተኻየደ ሰላማዊ ተቓውሞ፡ 'እስላማዊ ጥሩፍነት' ብዝብል ምስምስ ጃምላዊ ምእሳር ኣመንቲ ምስልምና ደቂ መታሕት፡ ጭውያን ቀጻሊ ምድጓንን ፍሉጣት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ቀጻሊ ምህዳን ኣባላት ተጋድሎ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጐነጻዊ ኣተኣላልያ ናይ’ቲ ኣብ ኣኽርያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተላዕለ ረብሻን ተቓውሞን፡ ምእሳር ናይ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ሰዓብቱን፡ ነቲ ብጉጅለ 15ን ናዕቢ ፎርቶን ዝምራሕ ተሃድሶኣዊ ምንቅስቓስ ብዘይ ምሕረት ምጭፍላቕ፡ ምእሳር ናይ’ቶም ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ህግደፍ ንዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኢሎም ዝተገበሱ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታት (ሱናባራ መሓመድ ደመና፡ ሳልሕ ከኪያ፡ ዩኒስ፡ ወዘተ) ከም ኣብነታት ክውሰዱ ይኽእሉ። እዞም ፍጻመታ'ዚኣቶምን ብኸመይ ከም ዝተታሕዙን፡ ድልዱል መዘኻኸሪ ናይ’ቲ ምልካዊ ባህሪ ብህግደፍ ዝምራሕ ስርዓት ኮይኖም የገልግሉ። ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ፡ ኣብ’ታ ሃገር ፖለቲካዊ ዕግርግር፡ ምንቁልቋል ፖለቲካዊ መዐቀኒታት፡ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምልካዊ ምሕደራ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ምግባት ስልጣንን (ብሓደ ሰብ)፡ ዘይምጽውዋርን ካብ ዝርአ ሓያለይ ኮይኑ ኣሎ።
ህግደፍ፡ ዝኾነ ይኹን ስነ ሓሳብ ወይ ኣይዲዮሎጂ የብሉን። ኣነ፡ ብናይ ብርዒ ስመይ - ዘይነብ ዓሊ - ገይረ ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣመልኪተ ኣብ 2002 ዓ.ም. ብዝርዝር ዝጸሓፍኩዎ ሓተታ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
"እቲ ምስምስ፡ ኮነ ኢለ እየ ካብ ከም ፍልስፍና፡ ስነ ሓሳብ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣምራት ዝርሕቕ ዘለኹ። ህግደፍ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልስፍና ይኹን ስነ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ብምእማነይ፡ ነታ "ምስምስ" (pretext) እትብል ቃል ተጠንቂቐ መሪጸያ ኣሎኹ። ህግደፍ፡ ብጸጋማዊ/ ሃገራዊ ዝመስል ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ኣብ መወዳእታ ብዘይ ሓዲኡ ተሪፉ። እምበኣር ሕጂ፡ ስለምንታይ ነዚ ባህርይ'ዚ ሒዙ ይቕጽል ከም ዘሎ ክገልጸልኩም ኣፍቅዱለይ።
"ኵሉ ካብ ነብሰ ምትሓት ዝመንጨወ ኢዩ፤ ንኵነታት ዓለም ካብ ዘይምፍላጥ ዝፈልፈለ ኢዩ፤ ሱሩ ካብ ግትርነት፡ ቅንእን ጽልእን ዝነቐለ ኢዩ። ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ። ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሓድሽን ህግደፍን ዘይኮነ። ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ዝተወደቡ ትካላት። ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስን ብዙሕነትን። ኵሉ ካብ ጥርጣረ፡ ዘይምርግጋእን ንዕቀትን ዝምንጩ እዩ። ካብ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣማራጺ ፍትሓት ምድላይ ዝብገስ ኢዩ። ኵሉ ምስ’ቲ ኣዝዩ ተኻላኻልን ዕጹውን ባህርያቱ ዝተኣሳሰር ኢዩ። ከምኡ እውን ብድሆ ምስ ዘጋጥሞን ብስነ መጐት ነብሱ ዝከላኸለሉ መገዲ ምስ ዝስእንን፡ ናብ’ቲ ‘ግኑን’ ምስምስ ‘ፍሉይነት’ ይምለስ። ኣብ ኤርትራ ኵሉ ነገር ፍሉይ እዩ ድማ ይብል። ሃገራዊ ባይቶ ብስሩዕ ኣይእከብን ምኽንያቱ ድማ ኵነታት ኤርትራ ፍሉይ ስለ ዝኾነ። ሰልፍታት ኣየድልዩን እዮም ምኽንያቱ ኣንጻር ረብሓ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍሉይ ኵነታት ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብ’ዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፍሉይነት፡ ንናጻ ፕረስ፡ ደሞክራሲ፡ ብዙሕነት ወዘተ መሰላት ኣይፈቅድን ኢዩ። ኤርትራ ብዝሐ ብሄር፡ ብዝሐ ቋንቋ ስለ ዝኾነት፡ ህዝባ ድማ ካብ ክልተ ንላዕሊ ሃይማኖታት ስለ ዘለዎ፡ ንፍሉይነታ ምኽንያት ኢዮም። ሓደ ረፍዲ፡ ህግደፍ ብዝሒ ህዝብን ዝተፈላለየ መልክዓ ምድርን ክሊማን መሬትን ኣመሳሚሱ፡ ንዝኾነ ዝወስዶ እከይ ስጉምቲ መመኽነይታ ገይሩ እንተ ቆጺሩዎ ኣይትገረሙ። ኵሉ ‘ፍሉይ’ ብምዃኑ፡ ህግደፍ ንጸገማት ዝምልከት ፍሉይ መፍትሒ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ወድ ሰብ ተግባራዊ ኮይኖም ዘይፈልጡ መፍትሒታት።
"ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ ዕጫ ኤርትራ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ፡ ማለት ኣብ ኢድ "ክቡር" ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክወድቕ እንከሎ፡ "ፍሉይነት" ኤርትራ ኣጸቢቑ ይጎልሕ። እዚ፡ ንመሬት ዓበይቲ ጀጋኑ ዓቢ ጸርፊ ኢዩ!"
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ጊንጢ ዝኾነ ባህሪ ምዝውታር፡ ሓደ ካብ’ቶም ጠባያት ህግደፍ ኢዩ። ህግደፍ ራእይ ስለ ዘይብሉ፡ ዝኾነ ዘይስነመጐታዊ፡ ኣሰቃቒ፡ ብሉይ፡ ተንኮለኛን ውዲታውን ተግባራት ከዘውትር ኣለዎ። ራእይ እንተ’ለዎ ከኣ፡ ዕንወትን ዕንወትን ደጋጊምካ ዕንወትን ኢዩ። ዕንወት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነት፡ ዕንወት ናይ’ቲ ታሪኻውን ብጽኑዕ ዝተኣሳሰረን ማሕበራዊ መዋቕር፡ ዕንወት ናይ ቍጠባ፡ ዕንወት ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ባህሊ። ህግደፍ ንህላወኡ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ነገር ምዕናው ኢዩ ዕላማኡ። ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝርከብ፡ ንሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክቡራት መትከላት ንምዕናው፡ ናብ ‘ፍሉይነት’ ዝብል ‘ምስምስ’ ይጎዪ (Ali, 2002)።
ናይ ህግደፍ ህላወ፡ ፍጹም ራዕዲ ኣብ ምስራጽን ነዚ ድማ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ምኹስዃስን ዝተመስረተ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ስልጣኑን ህላወኡን ክወርድ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ንዝሓስቦ ተቓውሞ ወይ ሓደጋ፡ ብዘይ ንሕስያ ይደቑሶ። ናጽነት ምስ ተረኽበ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ፕረሲደንት ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ፡ ነቶም ኣብ ቦታ መሪሕነትን ዝነበሩ ገዳይም መሳቱኡ (peers) "ዝጠስጠሱ” ኢዮም ኢሉ ስሞም ጸለሎ ምቕባእ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንሓድሽ ወለዶ መራሕቲ መገዲ ንምኽፋት ተባሂሉ ዝተገብረ ምስምስ ኢዩ። ኣስማት ናይ’ቶም ከም ብዓል ወልደኣብ ወልደማርያም ዝኣመሰሉ ሰብ ዝና ብፍላጥ ከይለዓል ተኸልኪሉ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝምህምን ዘሎ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ዓብደላ ጃብር፣ ወልደኣብ ወልደማርያም ካብ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ስደት ምስ ተመልሰ እውን፡ ምምጻኡ ኮነ ኢልካ ትሑት ደረጃ ከም ዝውሃቦ ተገይሩ ኢዩ። እቲ ፍጻመ ንከይዋዓዋዕ ብማለት ካብ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ግሉጽ መምርሒ ተዋሂቡ ነይሩ።
እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት እውን ኲናት ከፊቱ ኢዩ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ቊጽጽር ኣትያ፡ ኣቡና ድማ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ተበዪኑሉ። ብኣንጻሩ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንናይ’ቲ ግንባር ጸቕጥታትን ተጽዕኖን ብምቅዋማ ከቢድ ዋጋ ከፊላን ኣብ ምኽፋል ትርከብን። ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ሓዊስካ ኵሉ ንብረታ ተመንዚዑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ቲ ሃገረ ስብከት ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣቡናት ሓደ ንሓያሎ ኣዋርሕ ተኣሲሩ። እስላማዊ ጉባኤን ሉተራዊት ቤተ ክርስትያንን ብተመሳሳሊ መገዲ ተሰሊዮምን ተንበርኪኾምን ኢዮም።
ብሕታዊ ጽላት ነቲ ናይ’ቲ ስርዓት ቍጠባ ቀንዲ ጸላኢ ተባሂሉ ከም ዒላማ (target) ስለ ዝተወስደ፡ መንግስቲ ንኹሉ ዓይነት ወፍርታት፡ ውሽጣዊ ይኹን ናይ ወጻኢ፡ ተጻባኢ ሃዋህው ንምፍጣር ጻዕርታት ክገብር ይርአ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ’ቲ ሃገር ተስፋ ዝነበሮም ኣውፈርትን ናይ ንግዲ ሰባትን ሰብ ጸጋን ካብ ሃገሮም ተባሪሮም። እዚ ድማ ነቶም ምቊጽጻር ዘይግበረሎም ብህግደፍ ዝውነኑ ንግዳውያን ትካላት፡ ብዝተፈላለዩ ዋኒናት ኣቢሎም ዕዳጋታት ንክብሕቱ መገዲ ጸሪጉሎም። ከም ኣብነት ፍሹላት ፕሮጀክትታት፤ ፋብሪካ ሽኮር ባርካን፡ መዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕን ይርከብዎም። እዚኣቶም ገለ ካብ’ቶም ብዙሓት ኢዮም።
ውድቀት ቍጠባ ብዝምልከት፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብ8 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ንኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ። እቲ ፕረሲደንት ብዛዕባ ቍጠባ ኤርትራ ዘሕዝን ስእሊ ድሕሪ ምቕራብ፡ ንህላወ ቁጠባ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ይነጽጎ፡ እንተሎ ድማ፡ ይብል ንሱ፡ “ናይ ዕንጋሎ ቍጠባ እዩ (Afewerki, 2022)።[i]
ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ካብ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዝነበረ ቍጠባዊ ኵነታት ሃዲሞም ኣብ ከም ብዓል ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኣንጎላ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዕቚባ ሓቲቶም። እዚ ጃምላዊ ስደት’ዚ ኣብ መወዳእታ ንመላእ ህዝቢ ሰፊሕ ድኽነት ኣስዒቡሉ።
ሓደ ርእሱ ዝኽእል ማእከላይ ደርቢ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝኾነ ስርዓት ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ህግደፍ ዝፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ናይ’ቲ ስርዓት ስትራተጂ፡ ነቲ ማእከላይ ደርቢ ኮነ ኢልካ ንምድኻም ዝተቐየሰ ኮይኑ፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ንስልጣኑ ሓደጋ ዝኾኑዎ ማሕበራዊ ሓይልታት ብኣግኡ ንምእላይ ዝሃቀነ ሜላ ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ'ተን፡ ከም ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ ዝኣመሰላ ልምዳውያን ትካላትን ምሕደራዊ መሓውራትን እውን መጥቃዕቲ ተጀሚሩ። እዘን ልምዳውያን ምምሕዳራዊ ቅርጽታት ብሽድሽተ ምምሕዳራዊ ዞባታት ተተኪአን። እዚ ድማ ነቲ ሱር ዝሰደደ ኤርትራዊ ስነ ልቦና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ኣገባባት ወይ ልምድታት (patterns)፡ ባህላዊ ስርዓታት፡ ስርዓተ ፍርዲ፡ ኣገዳስነት ማይክዖታትን፡ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዘመናት ዝማዕበላ መዳያት ህይወት ንምድኻም ተባሂሉ ዝተሃቀነ’ዩ ነይሩ። እዚ ሱር በተኽ ለውጢ'ዚ፡ ን "ኣውራጃውነት" ንምቅላስ ብዝብል ምስምስ ዝተፈጸመ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን መልክዐ መሬት (landscape) ኤርትራ ግን ዓሚቝ ኣሉታዊ ጽልዋ ገዲፉ ኢዩ።
እዚ ብተንኰል ዝተሃየሰ ውዲት’ዚ፡ ንካርታ ኤርትራ ርኡይ ዳግመ ምስኣል እውን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ መስፍን ሓጎስ ኣብ’ታ "The Revolution Reclaimed” እትብል መጽሓፉ ብሰፊሑ ተዛሪቡሉ ኣሎ። መስፍን ኣብ መጽሓፉ፡ ዝተመሓየሸ ካርታታት ንዳግመ ውደባ ልምዳውያን ምምሕዳራዊ ኣሃዱታት ንዝተፈጥረ ሳዕቤናት ኣመልኪቱ ብዕምቆት ይምርምር። መስፍን፡ ነቲ ምምሕዳራዊ ዳግመ ውደባ፡ ብኽልሰ ሓሳባዊ (theory) መገዲ ክረአ እንከሎ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ንምድንፋዕን ምምሕዳራዊ ኣድማዕነት ንምዕባይን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ ይብል። ኣብ ክውንነት፡ ብፍላይ ምስ ምሕደራ ማይክዖ ብዝተኣሳሰር መገዲ ግን ሓያሎ ብድሆታት ዘስዓበ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ሰባት ንግራውቶም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ምምሕዳራዊ ዞባታት ከም ዘኣትዉ ኢዩ ገይሩ። ኣብ መደምደምታ፡ መስፍን፡ እቲ ዝተመሓየሸ ካርታ፡ ከም’ቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ምምሕዳራዊ ብቕዓትን ቍጠባዊ ምዕባለን ከም ዘየምጸአ ኢዩ ዝገልጽ (Hagos M., 2023)።
ብስርዓት ህግደፍ ዝተሃንደሱን ምስ ዝተፈላለያ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተወልዑን ተኸታተልቲ ረጽምታት፡ ነታ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ቅድስቲ እትቚጸር ሕመራዊት ኣሃዱ - ስድራ ቤት - ዓቢ ጉድኣት ኣስዒቡላ ኣሎ። መንእሰያት ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ፡ ብቐንዱ ድማ ካብ መጻወድያ ዘይውዳእ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ግዱድ ጉልበት ስራሕን ንክእለዩን፡ ከምኡ እውን ካብ’ቶም ርህራሄ ዘይብሎም ናይ ጸጥታ ኣካላትን ወተሃደራትን ንምህዳምን ኢዮም ነታ ዝፈትዉዋን መዳሕንቶም ዝተቐብረላን ሃገር ራሕሪሖም ንወጻኢ ዝኸዱ ዘለዉ።
ኣብ መንግስትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መጻኢን ተስፋን እምነትን ኣጥፊኦም። ብሰንኪ'ዚ ድማ ብዙሓት ካብ’ቶም መንእሰያት ናብ ዓዶም ኣይምለሱን ኢዮም።
ፕረሲደንት ፈረንሳ ነበር ፍራንስዋ ኦላንድ፡ ንኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝውክሉ ልዕሊ ስሳ መራሕቲ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ዝሃቦ መደረ፡ ዝበዝሑ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጽኡ ምዃኖም ኣጉሊሑ። ነዚ ኣሰቃቒ ኵነታት ንምእላይ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኤርትራ "ልዑል ጸቕጢ" ምግባር፡ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ህዝቢ ዝሃድመላ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ድማ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ በቶም ነቲ ሱር ጠንቅታት ብዘይ ምእላይ፡ ህዝቦም ክሃድም ዘፍቅዱ ዘለዉ ስነ ምግባር ዘይብሎም መራሕታ ከም ዝጋደድ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ (VOA, VOA News, 2015)።[ii]
እቲ ግንባር፡ በቲ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ዝተወሰኑ ጽገናታት እንተ ዘይተገይሮም ኣብ’ቲ ክረምታዊ መደብ ከም ዘይምዝገቡ ብዘርኣዩዎ ተቓውሞ፡ ራዕዲ ሒዙዎ ነይሩ። እቲ ሕቶኦም፡ ካብ መንግስቲ ዝሓሸ ኣተሓሕዛን፡ ኣብ ዝምልከቶም ጉዳያት ድማ ምምኽኻር ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ (Human Rights Watch, 2001)። እቶም ተማሃሮ ኣብ’ቲ ብልዑል ሙቐት ዝፍለጥ ቦታ - ዊዓ - ተኣሲሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ እውን ከም ትካል ንሓዋሩ ተዓጽዩ ኢዩ። እዚ ድማ ንምሁራትን ንዝተማህረ ክፋል ሕብረተሰብ ብኸመይ መገዲ ከም ዝንጸሉን ዝግለሉን፡ ነቲ ታሪኽ ህግደፍ ዝፈልጥ ሰብ ግሩም መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል።
ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰይ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቊጽጽር ክኣቱ ነይሩዎ። እዚ ክፋል ሕብረተሰብ'ዚ ብመደባት ማሕበራዊ ምህንድስና (social engineering) ህግደፍ ኣቢሉ ከም ሓድሽ ሰብ ክቕረጽ ተበዩኑሉ። እዚ ድማ ነቲ ንዓሰርተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ መደብ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ግዴታዊ ተሳትፎ ዘጠቓለለ ኢዩ። ናይ’ዚ ኣገልግሎት'ዚ ንውሓት ርጉጽ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ ንመንእሰያት ብምስሊ ተጋዳላይ ደጊምካ ምቕራጽን ምስራሕን ነቲ ኣብ እዋን ገድሊ ዝነበረ መሪር ህይወት ከም ዝቐምሶ ንምግባርን ኢዩ። እዚ ስብከት’ዚ፡ መንእሰያት በቲ ህግደፍ ዝደልዮ መገዲ ክሓስቡን ህግደፍ ዝደልዮ ጠባያት ከዘውትሩን ንምግዳድ ወይ እውን ንክኽተሉ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ድማ ንኣእምሮኦምን ናጽነቶምን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቊጽጽር ህግደፍ ንምእታው ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ወፍርታት ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ዘይቅኑዕ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ከም ቀለብ ጥይት ኮይኖም ከገልግሉ ንምፍራዶም ኢዩ። ወተሃደራዊ ዕንደራ ህግደፍ ኣብ’ዚ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ እውን እንተ ኾነ ኣብ ሱዳንን የመንን ጂቡቲን ዛይርን ተራእዩ ኢዩ።
እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝመደበሩ ናይ ተቓውሞ ደምበ፡ ዘየቋርጽ ወፍሪ ፖለቲካዊ ጸለመ፡ ምፍርራሕ፡ ጭውያ፡ ከምኡ እውን ዘይፍትሓዊ ማእሰርትን፡ ቅትለት ኣባላቱን ከይተረፈ፡ ኣጋጢምዎ ኢዩ። ተሳትፎኦም ኣገዳሲ’ኳ እንተ ነበረ፡ ተቓወምቲ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ዕርቂ ክግበር ዝነበሮ ዘተ ንኽሳተፉ ኣይተዓደሙን። እዚ ኵነታት’ዚ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት፡ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ከተእንግድ ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል ናይ ተጋድሎ ሓርነት መርገጺ የዘኻኽረካ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ኤርትራ ናይ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውዳበታት ዓውደ ውግእ ክትከውን የብላን (ኣብ ኤርትራ ሓሸውየ ውድባት ኣይከነፍቅድን ኢና) ብምባል ኣብ ተመሳሳሊ መርገጺ ምውዳቑ ኢዩ።
ህግደፍ፡ ንትካላት ብፍላይ ድማ ንዝተነጸረ ዕማምን ፖሊሲን ዘለዎም መንግስታዊ ኣካላት የቆናጽብን ይንዕቅን። ኣብ ሓደ እዋን ወሳኒ ባእታታት ምሕደራ ዝነበራ ሚኒስትሪታት፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ግንባር ምስ ኣተዋ፡ ኣድማዕነትን ዓቕምን ከም ዘይብለንን ግዜአን ዝሓለፈ ከም ዝኾናን ተቘጺረን እየን። እዘን ትካላት'ዚኣተን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰበ ስልጣን ህግደፍ ይስገራ እየን። ካቢነ ሚኒስተራት ዳርጋ ኣይእከብን እዩ፣ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን እውን እንተ ኾነ ካባ ምስጢር ተጐልቢቡ ኢዩ ዝሰርሕ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ፈጺሙ ሓበሬታ ኣይረክብን። መስፍን ሓጎስ፡ ኣብ’ታ ''The Revolution Reclaimed” እትብል መጽሓፉ፡ እቲ ፕረሲደንት ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል በብቚሩብ ስልጣኑ ከም ዘደልደለ፡ ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ድማ መስፍን በቲ እቲ ፕረሲደንት ዝገብሮ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተባሳጭዩ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ግዴታ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ይገልጽ (Hagos M., 2023)።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝነብርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ሓይሊ ተለዋዋጥነትን ርኡይ ኣፍልጦ ዘለዎ ዓርከይ፡ ሓላፊ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ምሉእ ሰራዊት ቊጽጽር ከም ዘይብሉ የረጋግጽ።ኣብ ክንድኡ፡ እተን ንስሙ ኣብ ትሕቲ "ስልጣኑ" ዝካየዳ ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየርን ዕቚር ሰራዊትን ደሚርካ ዘለዋ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት፡ ጸብጻበን ብቐጥታዊ መስመር ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት እየን ዘመሓላልፋ፣ ትእዛዝ ድማ ብቐጥታ ካብቲ ፕረሲደንት ይቕበላ። ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍልጶስ ወልደዮሃንስ ዘለዉ ሰባት ምኽሪ ክሓቱዎ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፡ ኵሉ ግዜ ናብ ፕረሲደንት ከም ዘሕልፎም ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።
ካልእ ንቐጻሊ ህላወ ህግደፍ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወሳኒ ጉዳይ፡ ንመትከላት ምቊጽጻርን ሚዛንን (checks and balances) ዝምልከት ኢዩ። ህግደፍ፡
ስልጣኑ ንምዕቃብ ብማለት ነተን ሰለስተ ኣገደስቲ ኣዕኑድ ምሕደራ፡ ማለት ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን፡ ኮነ ኢሉ ኣዳኺሙወን ወይ ኣሰንኪሉወን እዩ። ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት፡ እቲ ብመሰረቱ ናብ እሙን ኣገልጋሊ ዝወረደ ሃገራዊ ባይቶ፡ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን። ናይ’ቲ ፈራዲ ኣካል ናጽነትን ንልዕልና ሕጊ ናይ ምሕላው ግዴታኡን፡ ምስ ምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቅሂሙ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ዘይጋባእ ሓያለይ ዓመታት ኮይኑ’ሎ።
ህግደፍ፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ንምርግጋጽን ምኽኑይ ንምግባርን ንናይ ፍርሒ ረቛሒ ከም ምስምስ ብተደጋጋሚ ክጥቀመሉ ይርአ። ግዳማዊ ስግኣታት ብምጉላሕ ኣብ ህዝቢ ናይ ራዕዲ ስምዒት ኣስሪጹ እዩ። ንኣብነት፡ ህግደፍ፡ ወያነ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ክሳዕ ዘሎ "ህይወት ኤርትራ ናብ ንቡር ምምላስ" ሰፍ ዘይብል ዕማም’ዩ ኢሉ ይምጒት ነይሩ። በዚ ምስምስ`ዚ፡ ከም ምትግባር ቅዋም፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ናይ ምግልጋል ልምዲ ደው ምባል፡ መደባት ልምዓት ምጅማር፡ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ምፍታሕ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ተበግሶታት ንዘይተወሰነ እዋን ክመሓላለፉ ጸኒሖም።
ብፍላይ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዓወት ምስ "ኣወጀ"፡ ንኣመሪካ (ጃንዳ ዋሺንግተን) ከም ሓድሽ "ሕሱም" ጸላኢ ብቕልጡፍ ኣለልዩ ኣብ ዓቢ ወፍሪ ኣተወ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን'ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ እስራኤል ብኤርትራውያን መንእሰያት ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሓደ ካብ ጋዜጣዊ መግለጺታቱ፡ ንወኪል ስለያ እስራኤል - ሞሳድ - ጠንቂ’ቲ ናዕቢ ገይሩ ብምውሳድ ክሳብ ምኽሳስ በጺሑ ነይሩ። ህግደፍ ንእከይ ተግባራቱ ምኽኑይ ንምግባር ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ’ቲ ናይ ፍርሒ ረቛሒ ኢዩ ዝምርኮስ። እዚ ድማ ናይ’ቲ ንሓቀኛ ስክፍታታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ዘይቅሩብነት ርኡይ ምስክር ኢዩ። እስከ ህግደፍ ንሞሳድ ኣመልኪቱ ዝሃበ መግለጺ ንመልከት፣
"እቲ ብመገዲ ተለኣኣኽትን ዕሱባትን ጉጅለታት ዝፍጸም ከንቱ ናዕብታት፡ ብመሰረቱ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ (ሞሳድ ሓዊስካ) ዝምወል ኢዩ። በቲ ዘይዕገት ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ስምባደ ስለ ዝኣተዎም፡ ኣብ ውሽጡ ምፍልላይ ንምልዕዓል ብዓቕሊ ጽበት ይጽዕሩ።" (Eritrea, Press Release, 2023)።"[iii]
ናይ ህግደፍ ሃተውተው ክንዮ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣብነታት ዝኸይድ እዩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ እውን ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና፡ ኵሎም ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቚጸሩ ስለ ዝኾኑ፡ ከም ዒላማታት ናይ’ቲ ስርዓት እዮም ዝውሰዱ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ንኢጋድ (IGAD) ዝተባህለ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነጥፍ ዞባዊ ትካልን ንሕብረት ኣፍሪቃን (AU) ከይተረፈ ጸላእቲ ኢሉ ይጽውዖም ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ህግደፍ፡ ሓደ ብፍጹም ስልጣንን ንኢሳይያስ ጽኑዕ ተኣማንነት ብምርኣይን ዝልለ ወተሃደራዊ ስርዓተ ኣቚሙ ኣሎ። እዚ ምሩጽ ጉጅለ’ዚ፡ ልዑል ርእሰ ምሕደራ ዝተዋህቦ ብምዃኑ፡ ኣገዳሲ ስልጣን ከኻዕብት፡ ተሓታትነት ዘይብሎም ቍጠባዊ ዋኒናት ከዋፍር፡ ከምኡ እውን ንመሳለጥያታት ቤት ማእሰርቲ ክከታተልን ካልእ ሓላፍነታትን ክህሉዎ ኣኽኢልዎ። ብተወሳኺ፡ ስርዓት ህግደፍ ፖለቲካዊ ዕላማን ተልእኾን ንምፍጻም ኣገልገልቱ ዝኾኑ መሳፍንቲ ኲናትን ብልሹዋት ጀነራላትን ከም ዝዕምብቡ ገይሩ ኣሎ።
ክልተ ገዳይም ተጋደልቲ (ብጸጥታዊ ምኽንያት ኣስማቶም እተኣልየ)፡ ኣብ ዙርያ ምሕደራ ኤርትራ ዝዝንቢ ዕላል ተጸሚዶም ነይሮም። ኣብ እዋን ዘተኦም ሓደ ካብኣቶም፥ እቶም ጀነራላት ነታ ሃገር ንምምራሕ ዝኽተሉዎ ዘለዉ ኣገባባት ምስ መስፍናዊ ስርዓት ዝመሳሰል’ዩ ዝብል ርእይቶ ሂቡ። እቲ ሓደ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ከም’ዚ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ፥ ''ልክዕ ከም መስፍናውነት’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ መስፍንነት ፍሉይ ቅርጺ ዘለዎን ብኣገባብ ዝካየድን ስርዓተ ምሕደራ እዩ። ስርዓተ ምሕደራ ኤርትራ ግን ኣብ’ቲ ኣብ ደረጃ ምዕባለ መስፍንነት ጌና ኣይበጽሐን።” እቲ ገዲም ተጋዳላይ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ንጹር ስርዓተ ክብርን ኣቃውማን ከም ዘየለ’ዩ ዘመልክት ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም ተተሓሒዞም ብሰሓቕ ትዋሕ በሉ።
ናይ’ቲ ህዝቢ ኣቃውማ፡ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ መሳርዕ ከም ዝኣቱ ስለ ዝተገብረ ክሳዕ ሰብዓ ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ኣብ ሓይልታት ዕቚር ሰራዊት (ምልሻ) ክምዝገቡን ንቐጻሊ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወሰዱን ግዴታ ኣለዎም። ብለይቲ እውን ከባቢኦም ክሕልዉ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።
ነዚ ከእ ኢና ህይወት ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኢልና እንጽውዖ።
መወከሲታት
Ali, Zeineb, A decade since 1991: Life under PFDJ, Asmarino.com, January 30, 2002
Hagos, Mefin, Interview with Mesfin Hagos on his book (ኣብ መጽሓፍ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝተሞርኰሰ ሰፊሕ ዝርርብ, Dehay Eritrea, August 11, 2023
Human Rights Watch, Escalating Crackdown in Eritrea, Reformists, Journalists, Students At Risk, September 2001
Ministry of Information, Eritrea, Futile Acts of Subversion, Eritrea Profile, September 5, 2023
Tesfai Tedros, Where did things go wrong for the “party of the people?” Asmarino.com, January 21, 2001
VOA, France’s Hollande: Eritrea ‘Becoming Empty’ as Residents Leave, VOA, November 11, 2015
[i] Interview with Pres. Isaias Afwerki on regional issues & domestic development programs - ERi-TV, January 8, 2022 https://www.youtube.com/ watch?v=0qaGpf0HsoQ
[ii] France’s Hollande: Eritrea ‘Becoming Empty’ as Residents Leave, VOA, November 11, 2015 https://www.voanews.com/a/eu-offers-african-nations- 1-8-billion-but-some-question-response/3052919.html Accessed on October 11, 2023
[iii] Eritrea, Press Release, 2023



ኣገዳሲ ትንታነን መሃርን ኢዩ።ይቀነየልና