ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱንምዕራፍ 3፡ ቀዳማይ ገጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ስሳታትን ሰብዓታትን
- Semere Solomon

- Sep 29
- 9 min read
ቀዳማይ ክፋል፡ ሓጺር ትንታኔኣዊ ትረኻ ጉዕዞ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ተዋሳእቱን
ምዕራፍ 3፡ ቀዳማይ ገጽ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ስሳታትን ሰብዓታትን
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
3.1 ስሳታት
ኣብ 1950ታት ዝቐጸለ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ቀስ እናበለ ናብ ምሉእ ምፍራስ መሓውር ፈደራላዊ መንግስቲ ተሰጋጊሩ። ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኤርትራ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣውራጃ ኢትዮጵያ ተባሂላ ተሰይማ፣ ምሉእ ብምሉእ ድማ ናብ ሃጸያዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም እትወሃሃድ ተገይሩ።
ሓደ ዓመት ቅድሚ'ቲ ጐበጣ (annexation)፡ ከም ናይ’ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዝነበረ ኩነታት ግብረ መልሲ፡ ኣብ 1961 ዓ.ም. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቐልቂሉ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣበጊሱ። ኣብ መጀመርታ፡ ዝበዝሑ ኣባላቱ ካብ ቆላታት ኤርትራ ብቐንዱ ድማ ኣመንቲ ምስልማና እዮም ነይሮም። ምስ ግዜ ግን፡ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ደቂ ከበሳ ናብ’ቲ ዕላማ ተጸንቢሮም። እንተ ኾነ ግን ኣብ’ተን ቀዳሞት ናይ’ዚ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ደቂ ቆላን ከበሳን፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ናይ ዘይምትእምማን ኩነታት ተፈጢሩ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኩሎም እቶም ኣብ’ቲ ዕላማ ዝዓስሉ ዝነበሩ ዜጋታት መበቈሎምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ብዘየገድስ ብዓቢኡ ብዉዕዉዕ ስምዒት ሃገራውነት ዝተደፋፍኡን ዝተደረኹን ምንባሮም ክፍለጥ ይግባእ።
ሓደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ርኡይ ድኽመት፡ ሕጽረት ፖለቲካዊ ንቕሓትን ንጹር ራእይ ዘይብሉ መሪሕነትን እዩም ነይሮም። እዚ መሪሕነት'ዚ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ሰንደቕ ዕላማ ንምጥርናፍ ይቃለስ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብሰሪ’ቲ ፖለቲካዊ ብስለቱ ግን ንውሽጣውያን ፍልልያቱ በቲ ዝድለ መልክዕ ክኣሊ ዓቕሚ ኣይነበሮን። እቲ ግንባር ንዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣብ ምእንጋድ ዝነበሮ ቅሩብነት ከም’ቲ ዝድለ ብዘይምንባሩ እውን ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆታት ኣጋዲድዎ ነበረ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ካብ ከበሳ ንዝተሰለፉ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ብሄራት ናይ ምጉሳይን ምግላልን ተግባራት ቀጺሉ ነይሩ። ካብ ሃገር ወጻኢ ዝመደበሩ መሪሕነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ክውንነት ዝተነጸለ ብምንባሩ፡ ብዝግባእ ንኽመርሕ ድሩትነት ነይርዎ’ዩ እንተ ተባህለውን ምግናን ኣይከውንን። ዝርገሐ ወይ እውን ህላወ ወገናዊ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን ንድሕሪት ኬድካ ኣሰሩ ኣብ’ቲ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቃውማን ታሪኻዊ ፍጻመታትን ሃገርን (ንኣብነት፡ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ብዝሒ ዘለዎም ደቂ ከበሳ ምስ ሕብረታውያን ምውጋኖም) ክተኣሳሰር ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ዝነበረ ውሽጣዊ ምትፍናን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ወይ ባህሊ ብዘይ ምንባሩ፡ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣጋደዶ። እዚ ምትፍናን’ዚ ብዘየገድስ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ቆላታት ኤርትራ እተዘውትሮ ዝነበረት ናይ ዓድታት ምንዳድ ስጉምትታትን ካልኦት እትኽተሎም ዝነበረት ጨካን ተግባራትን፡ ከምኡ እውን እዚ ዘስዓቦ ናብ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ዝቐንዐ ጃምላዊ ስደትን፡ ኣብ ህዝቢ ምረትን ቁጥዐን ብምልዓል ነቲ ሃልሃልታ ተቓውሞ ዝያዳ ከም ዝቃጸል ገይሩዎ።
ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓሰርተ ዓመታት ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት፡ በቲ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘናወጸ ብርቱዕ ማዕበል ምውጋድ መግዛእቲ (decolonization) ዝልለ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኣፍሪቃ፡ ዝተፈላለየ መልክዕን ትሕዝቶን (ግንከ ተመሳሰልቲ) ዘለዎም ናይ ናጽነት ምንቅስቓሳት ጠጢዖም። ካብ’ቶም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ጸለውቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ንጉዳይ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝጣበቕ ዝነበረ ጋናዊ ክዋመ ንክሩማህ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ድማ ኣብ ልሙዕ መሬት ኣፍሪቃ ሱር ክሰድድ ዝጀመረ ትስፉው ምንቅስቓስ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ግሎባዊ መድረኽ፡ ዓለም ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊላ ነበረት፣ ብሓደ ወገን ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ደምበ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣቲ ብኣመሪካ ዝእለ ርእሰ ማላዊ ወይ ድማ ምዕራባዊ ደምበ። ናይ’ዚ እዋና’ዚ መትከላት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ድማ በዞም ዝስዕቡ ባህርያት ይልለዩ ነበሩ። ምፍኳስ ወጥሪ፡ ግትኣት (deterrence)፡ ብሰላም ማዕረማዕረ ምንባር፡ ከምኡ እውን ድረታ (containment)።
ሕብረት ሶቭየት፡ ብፍላይ ነቲ ብኣፍሪቃውያን ንመግዛእቲ ካብ ሱሩ ንምምሓው ዝግበር ዝነበረ ቃልስታት ሓያል ድጋፍ ትህብ ነበረት። ዕላምኡ ድማ ብሓደ ወገን ናይ ኣፍሪቃውያን ወንን ደገፍን ንምርካብ፡ በቲ ካልእ ድማ ብቐንዱ ኣብ መትከል ርእሰ-ውሳነ ሃገራት ትኣምን ስለ ዝነበረት እዩ። ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ጸጋማዊ ስነ ሓሳብ እናሓየለ ብምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ጸጋማዊ ዝንባለ ዝነበሮም ምንቅስቓሳት ንኽፍጠሩ ምኽንያት ኮይኑ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከም ብዓል ሞዛምቢክ፡ ኣንጎላን ጊኒ ቢሳውን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣንጻር መግዛእቲ ፖርቱጋል ይገብራኦ ኣብ ዝነበራ ቃልሲ፡ ንማርክስነት ከም መሪሕ ስነ ሓሳብ ብምእዋጅ፡ ነቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅዲ ኣንጸባሪቐንኦ። ይኹን’ምበር፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ማርክሳውያን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ዝድግፉዎ ወይ ዝስዕቡዎ ዝነበሩ ፍልስፍና፡ ኩለ መዳያዊ ርድኢት ወይ ግንዛበ ነይሩዎም ክበሃል ኣይከኣልን።
ብናይ’ቲ ዘመን ፍሉጥ ደራሲ፡ ፍራንስ ፋኖን፡ ዝተጻሕፈት ዘ ረችድ ኦፍ ዘ ኤርዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ 1960ታት ኣብ ኣፍሪቃውያን ምሁራት ሰፊሕ ኣንባቢ ረኺባ፡ ነቲ ብድሕሪ’ቲ ምንቅስቓስ ምውጋድ መግዛእቲ ዝነበረ ምሁራዊ (intellectual) ወኒ ድማ ዝያዳ ከም ዝሕይል ገይራቶ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝዓለመ ቃልሲ ናህሪ እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ንዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ስነ ሓሳባትን መበገሲ ኮይኑ። ንኣብነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ፓን ዓረብነት ብኹሉ መልክዑን ቅርጹን ደንፊዑ። ናይ ግብጺ ንመትረብ ሱወጽ ናይ ምህጋር ተበግሶ ድማ ምልክት ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተራእየ ተቓውሞ ኣንጻር ምዕራባውያን ረብሓታት ኮይኑ ተገሊጹን ተጎስጒሱሉን።
እዚ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኸስተ ዞባውን ኣህጉራውን ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ታሪኽ ኤርትራን መስርሕ ምዕባለታት ናይ’ቲ ዞባን ጽልዋ ካብ ምግባር ድሕር ኣይበለን።
3.2 ሰብዓታት
ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ውሽጣዊ ምፍሕፋሕን ግጭትን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ነበረ። እቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን (ህሓሓኤ) ዝተኸስተ ግጭት፡ ንኤርትራ ናብ መዓሙቕ ኲናት ሓድሕድ ከቲቱዋ ነይሩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ክልቲኡ ግንባራት ዘሰንብድ ክሳራታት ኣስዒቡ። እቲ ከም ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ዝጀመረ ክስተት ወይ ተርእዮ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኣነነትን ውልቃውን ጉጅላውን ፖለቲካዊ ህርፋናት ወይ ጥሙሕ ማዕቢሉ። ነዚ ድማ ስነ ሓሳባዊ ፍልልያት ዝብል ጉልባብ ተዋሂቡዎ።
እቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝደጋገም ዝነበረ መዝሙር፡ "ኤርትራ፡ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ንላዕሊ ክትጻወር ኣይትኽእልን'ያ" ዝብል ኮይኑ፡ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብቐጻሊ ይጉስጒሰሉ ነበረ። እዚ ናብ ኲናት ሓድሕድ ዝማዕበለ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ሞራል ተጋደልትን ህዝብን ክሳራ ኣምጺኡ ጥራይ ዘይኮነስ ንወለዶታት ዝጸንሕ በሰላታት እውን ገዲፉ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ግንባራት ዝነበረ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን እናበኣሰ ምስ ከደ፣ ነፍሲ ወከፍ ወገን ኣንጻር እቲ ካልእ ወገን፡ ዘርኢ ከፋፋሊ ፖለቲካ ክዘርእ ጀመረ።
መንእሰያት ብብዝሒ ኣብ ክልቲኦም ግንባራት ብምጽምባር ነቲ ቅድሚ’ቲ እዋን’ቲ ናብ ፍሉያት ሃይማኖታውን ብሄራውን ጉጅለታት ዝዘዙ ዝነበረ ኣቃውማ ግንባራት መልክዑ ቀየሮ። እቲ ዘሕዝን ግን መራሕቲ ክልቲኦም ግንባራት ንፍልልያቶም ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ንምፍታሕ ዝነበሮም ድሌትን ወንን ዘተባብዕ ዘይምንባሩ እዩ። ከመይሲ እቲ ዘምርድዳእ እናበኣሰ’ዩ ከይዱ።
ኣብ ውሽጢ’ተን ግንባራት ካብ ዝነበሩ ተራ ተጋደልትን ህዝብን፡ ነቲ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ ግንባራት ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ክፍታሕ ጠለብ ኣቕሪቦም፡ ጸቕጢ እውን ተገይሩ። እቲ እዋን’ቲ ናይ ህዝቢ ንቕሓት ልዕሊ ናይ ክልቲአን ግንባራት ንቕሓት ክብ ዝበለ ከም ዝነበረ ብዕሊ ዝተራእየሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ምስ ክልቲኦም ግንባራት ብወግዒ ብምርኻብ ኲናት ሓድሕድ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ውዓል ሕደርን ደው ክብል ብዓውታ ኣብ ዝጸውዑሉ ህሞት፡ ናይ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ጸብለልትነት ኣርእዮም። እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢን ንኣገዳስን ምዕራፍ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዝተገብረ ጻዕርታት ዕርቂ ንምምችቻው፡ ካብ ተራ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ኣነ ተመሪጸ ነይረ። እታ ኣቀራራቢት ሽማግለ ሓሙሽተ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝሓዘት ኮይና፡ በራኺ ገብረስላሴ (ኣብ’ዚ እዋን'ዚ ምስ ጉጅለ 15 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ ዝማስን ዘሎ)፡ ሓሰን መሓመድ ኣሚር (ብ1978 ዓ.ም. ዝተሰውአ)፡ ተስፋይ ተምነዎ (ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጀርመን ዝነብር ዘሎ)፡ ኣማኑኤል ቀሺን (ኣባል ምንቅስቓስ የሚን’ዩ ብዝብል ምስምስ ብህግሓኤ ዝሓቐቐ) ኣነን ዝሓቘፈት ነበረት። እታ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተዋጽአት ሽማግለ መጀመርያ ምስ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ተጋዳይ ዓብደልቃድር ሮመዳን ኣብ ዓዲ ቢደል’ያ ተራኺባ። ተጋዳላይ ዓብደልቃድር ሮመዳን ነታ ሽማግለ ምዉቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምግባር፡ እታ ብሸነኽ ተ.ሓ.ኤ ዝተመርጸት ሽማግለ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብምኽንያት’ቲ ሽዑ ዝጋባእ ዝነበረ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ኣባላታ ናብ ባርካ ከም ዝተጓዕዙ ገሊጹላ። ሽማግለና ብዘቕረበቶ እማመ ወይ ሓሳብ ድማ እታ ሽማግለ ምስ መዛኑኣ ክትራኸብ’ኳ እንተ ዘይከኣለት ኣብ ከበሳታት ኤርትራ፡ ላዕላይ ባርካን ሳሕልን ኣብ ዝርከባ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዑደታ ኣካይዳ። ብላዕለዎት ካድረታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ተራ ኣባላትን ዝተገብረላ ኣቀባብላ ድማ ኣዝዩ ምዉቕ ነበረ። እቲ ዘተ ኣብ ምሕዝነታውን ምዉቕን ሃዋህው ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣባላት ኣቀራራቢት ሽማግለ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘሎ ሓያል ናይ ሓድነት ድሌት ተዓዚቦም። እዚ ኣድማዒ ዑደት'ዚ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ነበረ።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግንባራት ዝነበረ ፍልልይ ከም ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ኮይኑ ይቐርብ ነበረ። እቲ ሓቂ ግን ክልቲኦም ውድባት መትከላት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘማእከለ ናይ ኤርትራ ናጽነት ይኣምኑ ምንባሮም እዩ። ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግንባር) ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሰውራ (New democratic Revolution- NDR) ከም ሰረት እምነቱ ዘቐድም፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ዘይርእሰማላዊ ኣገባብ ምዕባለ (Non-capitalist Way of Development) ዝብል እምነት ዝምጉት’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሓቂ መጺእካ ግነ እቲ ንስነ ሓሳብ ኣሳቢቡ ዝቃላሕ ዝነበረ ፍልልያት (ሕጂ ተመሊስካ ክትርእዮ ከለኻ) ንክትውሕጦ ዘሸግር እዩ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ከለና፡ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ሰውራ ብቻይና ዝድፍኣሉ ዝነበረ ሰረተ እምነት ኮይኑ፡ እቲ ዳሕረዋይ ድማ ብሕብረት ሶቭየት ዝጉስጎሰሉ ዝነበሩ ኣምር’ዩ ነይሩ።
ክልቲኦም ግንባራት ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ቁጠባዊ ናጽነት፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ እውን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ማዕርነትን ዝተመርኮሰ ምስ ጐረባብቲ ሰናይ ዝምድና ናይ ምምዕባል ድሌት ከም ዝነበሮም ይገልጹ ነይሮም። ክንዲ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግንባራት ርኡይ ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይምንባሩ’ዩ ዘመልክት። ክልቲኦም ጸጋማዊ ዝንባለ ዝነበሮምን ኣብ ውሽጦም ሕቡኣት ሰልፍታት ዘዕቆቡን ኮይኖም፡ ድሒሩ ንነብሱ ሶሻሊስት ፓርቲ ኢሉ ዳግማይ ዘጠመቐ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዕዮ ድማ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምንባሮም ናይ’ዚ መርትዖ እዩ።
ኣብ ሰብዓታት፡ ዋላ’ኳ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ እንተ ነበሮም፡ ክልቴኦም ግንባራት ቅልውላው ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ዕድል ተጠቒሞም፡ ንመብዛሕትአን ከተማታት ኤርትራ ሓራ ብምውጻእ፡ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ብሓባራዊ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ተኸቢባ ነበረት። ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ባጽዕ ብህዝባዊ ግንባር እተኻየደ መጥቃዕቲ ከም’ቲ ዝድለ ኣይሰጐመን ። ከተማ ባረንቱ ሓራ ንምውጻእ እውን፡ ክልቲኦም ውድባት ዓቕሞም ኣተሓባቢሮም ሰሪሖም እዮም፣ ይኹን’ምበር እዚ ተበግሶ’ዚ እውን ከም’ቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።
ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ኣብ ታሪኽ ኲናት ናጽነት ኤርትራ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጢሙ። ገለ ተባዓት ተጋደልቲ፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቅን (ሽዑ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝነበረ) እቶም ናይ መሪሕነት ብጾቱን ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ናይ ኣሰራርሓን ኣመራርሓን ጉድለታት ኣመልኪቶም ስክፍታቶም ብምግላጽ በዲሆምዎም። ይኹን’ምበር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ነቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ - ደሓር 'መንካዕ' ዝብል ስም እተዋህቦ ናይ 1973 ምንቅስቓስ - ብምጭፍላቕ ስልጣኑ ኣደልዲሉ። ተስፋይ ተምነዎ ብዛዕባ’ዚ ኣብ’ታ “ንኣርብዓ ዓመት ዝተቐብረ ጉዳይ - 1972-2013” ዘርእስታ መጽሓፉ ብሰፊሑ ገሊጹዎ ኣሎ (ተምነዎ፡ 2013)።[i] ናይ’ዚ ምንቅስቓስ'ዚ ኣባላት ብቐንዱ ምሁራት ወይ ተማሃሮ ነበር እዮም ነይሮም። መሰረታዊ ጠለባቶም፡ ምኽባር ዲሞክራስያዊ መሰላት ኣባላት ግንባር፡ ምትእትታው ምቊጽጻርን ሚዛንን (checks and balances)፡ ተሓታትነት፡ ምልካዊ ኣሰራርሓ ምእላይ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ዝተመልመሉ ኣባላት ግንባር ዘካይዱዎ ስልጣንካ ብዘይ ግቡእ ናይ ምጥቃም ተግባራት መወዳእታ ክግበረሉን ወዘተ ዝብሉ ነበሩ።
እቲ ምንቅስቓስ ተዘሊፉ፡ ቀንዲ መራሕቱ ተኣሲሮም፡ ድሒሮም ድማ ሓቒቖም። ሰዓብቶም ተገሊሎም፡ ማህሚኖምን ተዋሪዶምን። ኣጋጣሚ ኣነ ሓደ ካብ’ቶም ግዳያት ናይ’ዚ ዘሕዝን ታሪኽ እየ ነይረ። በቲ መስፍን ሓጎስ ምስ ደሃይ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ስእነት ናይ መጻንሒ መሳለጥያታት፡ እቶም ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ቀንዲ መራሕቲ ብህጹጽ ክቕተሉ ነይሩዎም (ደሃይ ኤርትራ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ እተመርኮሰ ሰፊሕ ዝርርብ፡ 2023)[ii] ምባሉ ድማ ኣሰምቢዱንን ኣስካሓኪሑንን። እዚ ድማ ዕቱብ ሕቶ የልዕል። ህዝባዊ ግንባር ኣብ’ቲ ሓራ ዝወጸ ቦታታት (ወይ ድማ ደጀን ኢሉ ዝጽውዖም ዝነበረ ቦታታት) ነቶም ጉዳዮም ክሳዕ ዝምርመር ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣማኢት እሱራቱ ደኣ ኣበይ የስፍሮም ነይሩ? መቐመጢ ቦታ ኣይነበሮን ተባሂሉ ክእመን ይኽእልዶ? ከምኡ እንተ ኾይኑ'ሞ፡ ህዝባዊ ግንባር ብጥርጠራ ንዝተኸሰ ሰብ ይቐትሎ ነይሩ ማለት እዩ። ንምእማኑ ኣዝዩ ከቢድ እዩ! ምስ ምሉእ ኣኽብሮተይ ንመስፍን ሓጎስ፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ድዩ ከም ዓያሹ ገይሩ ቆጺሩና? እዝስ ንናይ ኣስተብህሎ ዓቕምና ከም ምጽራፍዶ ኣይጽብጸብን? ኣብ’ዚ ጥራይ ከይተሓጽረ መስፍን ሓጎስ ብዕለት 29 ሓምለ 2024 ምስ ድምጺ ኣሜሪካ (ቪ.ኦ.ኤ) መደብ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንኣባላት ምንቅስቅስ 1973 ዓ.ም. ይሕስዉ ነይሮም እዮም ምባሉ ኣዝዩ ዘተሕሳስብን ኣብ ቊስሊ ጨው ከም ምንስናስ'ዩ ዝቚጸር።[iii]
ኣብ 2000-2001 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ውዑይ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኣባላት ጉጅለ 15 ረኺቦምኒ ነይሮም። ኣብ ዕላልና፡ ኢሳይያስ ነቲ ናይ 1973 ዓ.ም. ምንቅስቓስ ንምጥፋእ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላታት (ሳሕላዊ ኣገባብ) ተጠቒሙ ከሕቅቖም ምዃኑ ካብ ገለ ኣባላት ጉጅለ 15 ምስማዕ ዘደንጹ’ዩ ነይሩ። ሓቆም እዮም ነይሮም። እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ኣባላት ጉጅለ 15 ነቶም ኣብ ሰብዓታት ስለ'ቶም ኣብ ናይ’ቲ ግንባር ናይ ጸጥታ መጋበርያ- ሓለዋ ሰውራ - ዝማህመኑ መሳርሕቶም ደው ኣይበሉን። ገለ ካብኣቶም ከኣ’ሞ ነቲ ተሃድሶኣዊ ወይ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ኣብ ምጭፍላቕ ተሓባበርቲ ኢዮም ነይሮም።
ገለ ኣባላት ጉጅለ 15 ነበር ንኣተሓስባ ኢሳይያስ ብምርዓም ንኣካላዊ ምቕንጻል ናይ 1973 ዓ.ም. ብጾቶም ደጊፎም፡ ገለ ድማ ነቲ ምንቅስቓስ ከም "ኣዕናዊ"፡ ንመራሕቶም ድማ ከም ተበለጽቲ ወይ ተወዓዓልቲ ስልጣን (power mongers) ወይ ኣውራጃውያን (ኣባላት ሓደ ዓይነት ኣውራጃ ኮይኖም ኣብ ዙርያ ጸቢብ ረብሓታት ኣውራጃ ዝጥርነፉ) ገይሮም ብምቕራብ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም። "ኣዕናዊ ምንቅስቓስ 1973" ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድረ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ’ቲ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሃብ ዝነበረ ስብከት (indoctrination) ንኣባላት ግንባር ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርዊ መደብ’ዩ ነይሩ። ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ መምህራን፡ ሃይለ ወልደትንሳአን ኣሕመድ ኣልቀይሲን ነይሮም።
ብዛዕባ ምንቅስቓስ ተሃድሶ 1973 ዓ.ም. ውልቃዊ ተመክሮይ ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 2 ተሰኒዱ ኣሎ።
ካልእ ብኢሳይያስን መሻርኽቱን "የሚን" ወይ "የማናውያን" ተባሂሎም ዝጽውዑን ድሒሮም ከኣ ኢሳይያስ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ ብዓሊ ስዒድ ዓብደላ ብዘይ ኣፍልጦ ካልኦት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝተረሸኑን፡ ምሁራትን ሓረስቶትን ዝሓቘፈ ጉጅለ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነይሩ (Hagos M., 2023)። ንኣብነት፡ ኢዮብ ገብረልኡል - ኣብ ሕብረት ሶቭየት ብስነ ምድሪ ዝተመረቐ ምሁር ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ከም ዘየለ ብምሕባሩ ተዘሊፉ። በብሓደ ቅድሚ ምልቃምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓንን፡ ነታ ጉጅለ ንምጽላምን ንምክፋእን፡ ተመሳሳሊ ሜላ - ሰፊሕ ናይ ምጽላም ወፍሪ - ተኻይዱ። ካብ’ዚኣቶም፡ መሓሪ ግርማጽዮን፡ ገብረሚካኤል መሓርዝጊ፡ ኢዮብ ገብረልኡል፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ሰሎሞን ወልደማርያም፡ ኣርኣያ ሰመረ፡ ኪዳነ ኣቤቶ ይርከቡዎም።
ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እውን እንተ ኾነ ነቲ ብፋሉል ዝፍለጥ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተራ ተጋደልቲ ብደሞክራሲያዊ ዝኾነ መገዲ እብ ክንዲ ክእለ ዝፍተን፡ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ጐነጽ ዝዘዘወ ፍታሕ ከናዲ ምፍታኑ ይቕረ ዘይበሃሎ ጌጋ’ዩ ነይሩ። ዝበዝሑ ኣባላት’ዚ ምንቅስቓስ'ዚ ድሒሮም ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሓወሱ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት፡ ብሽምግልና ምብራቕ ጀርመን ኣብ መንጎ ስርዓት ደርግን ክልተ ግንባራት ኤርትራን (በበይኖም) ዝግበር ዝነበረ ልዝባት ፍረ ዘይብሉ ተሪፉ። ኢትዮጵያ ብደገፍ ሕብረት ሶቭየት፡ ምብራቕ ጀርመን ኩባን የመንን ዳግመ ምውዳብ ብምግባር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያድ፣ ነቶም ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ናብ’ቲ ኣብ ሳሕልን ጋሽ ባርካን ዝርከብ ደጀናቶም ከም ዝምለሱ ገይራ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነዚ ንድሕሪት ምምላስ ስጉምቲ “ስትራተጂያዊ ምዝላቕ" ኢሉ ይጽውዖ።
ብቑጽሪ (ቀዳማይ፣ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ፡ ሓሙሻይ ወራር፡ ተበግሶ ወዘተ) ብዝተሰየመ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ዝልለን፡ ብኽልቲኦም ወገናት ርኡይ ክሳራታት ዘስዓበን ውግኣት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሳሕል ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ናይ ናጽነት ምንቅስቓሳትን ተኻይዱ።
ናይ ሰብዓታት ናይ ደገ ረቛሒታት እዞም ዝስዕቡ ባህርያት ነይሮምዎ፦
ኣብ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተጨውየ ህዝባዊ ናዕብን፡ ከምኡ ድማ ምብግጋስ ናይ ብህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ (EPRP)፡ መላእ ኢትዮጵያ ሶሻሊስታዊ ምንቅስቓስ፡ (MEISON) ዝኣመሰሉ ጸጋማውያን ውድባትን ተኸሲቶም። ብዘይካ’ዚኦም ድማ ከም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ደሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (EDU)፣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)ን ካልኦት ብሄራዊ ምንቅስቓሳትን ነናተን ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ሒዘን ብቐጻሊ ኣፍልጦ እናረኸባ መጺአን።
ስርዓት ሃይለስላሴ ብወተሃደራዊ ጉጅለ ምስ ተኣልየ፡ ናይ ዕግርግር እዋን ነጊሱ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኲናት ኢትዮ-ሶማልያ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ኣህዛብ ከቢድ ዋጋ ዘስዓበ ግጭት ተኻይዱ። እቲ ዝገርም ግን፡ ሕብረት ሶቭየት ተኣማንነታ ናብ ማሕበርነታዊት ኢትዮጵያ ብምቕያር፡ ልዑል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ደገፍ ኣቕሪባ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሶማልያ ኣብ’ቲ ኲናት ስዕረት ከጋጥማ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ዓወት'ዚ ንፖለቲካዊ ረብሓኣ ንምውዓል ተጓይያትሉ።
ኣብ መንጎ ስርዓት ደርግን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ምትእስሳር ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ድጋፍ ናብ’ቲ ብደርግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሲሱ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ስርዓት ደርግ ነቲ ዓፋኒ መግዛእቱ ዝያዳ ኣደልዲሉዎ፡ ኣብ’ቲ ብ‘ቀይሕ ራዕዲ' ዝፍለጥ እዋን ድማ ናይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ንጹሃት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ህይወት ሓሊፉ።
[i] “ንኣርብዓ ዓመታት ዝተቐብረ ጉድ” (A case that has been buried for forty Years- 1972-2013, ተስፋይ ተምነዎ, 2013, Leck, ጀርመን
[ii] Dehay Eritrea ኣብ መጽሓፍ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝተሞርኮሰ ሰፊሕ ዝርርብ! ደሃይ ኤርትራ, August 11, 2023 https://www.youtube.com/watch?v=vHu2FNfIphY Accessed on October 11, 2023
[iii] ድምጺ ኣመሪካ፡ ጻንሖት ምስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ -- መጽሓፍ፡ ታሪኽ፡ መጻኢ ፖለቲካዊ መደባት 29 ሓምለ 2024 https://www.youtube.com/watch?v=iKtPOf0FKqM



Comments