ትራጀዲ ናይ ዝተወንዘፈ ዜግነት
- Semere Solomon

- Apr 4
- 8 min read
ትራጀዲ ናይ ዝተወንዘፈ ዜግነት
ብሰመረ ሰሎሞን
04 ሚያዝያ 2026
መእተዊ፡ ምንቅስቓሳት ሓርነትን ምውሓስ ናጽነትን ብድሆታቱን

ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ብሓፈሻ ክልተ መሰረታውያን ዕላማታት ሒዞም’ዮም ዝብገሱ። እቲ ሓደ ካብ ባዕዳዊ /መግዛእታዊ ጐበጣ ወይ’ውን ዓምጻጺ ስርዓት ንምግልጋል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ማሕበራዊ ፍትሒ ማእከል ዝገበረ ጥዑይ ስርዓተ-ምሕደራ ምምስራት’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ብርክት ዝበሉ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት፡ ዛጊት ኣድማዕን ተሓታትን ምሕደራ ኣብ ምትካል ዝግበር ዘሎ ናይ ስግግር መድረኽ’ዮም ዝርከቡ። መብዛሕቲኡ ግዜ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተቓለሱ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት፡ ስልጣን ምስ ሓዙ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ብድሆታት የጋጥምዎም’ሞ ካብ "ልወጣዊ ፖለቲካ" (transformative politics) ናብ "ናይ ቤተ-መንግስታዊ ፖለቲካ" (palace politics) ይቕየሩ፡። እዚኣቶም በዞም ዝስዕቡ ክስተታት ክግለጹ ይኽእሉ፡
መንግስታዊ ምቍጽጻር/ጐበጣ፤ ናይ ውልቀ-ሰባት፡ ጸበብቲ ክልታትን ውድባትን ረብሓ ቅድሚ ሃገራዊ ትካላት ምስ ዝስራዕ፡ እቲ መንግስቲ ንህዝቢ ዘይኮነስ ንውሑዳት ከገልግል ይጅምር።
ምትሕውዋስ ውድብን መንግስትን (party-state fusion)፤ ኣብ መንጎ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብን ናይ መንግስቲ ትካላትን ዘሎ ደረት ክጠፍእ ከሎ፡ ተሓታትነት ይጐድል። ውድብን መንግስትን ምሕዋስ: ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ዘሎ ጋግ ከም ዝድብዝዝ ብምግባር፡ ነቶም መንግስታዊ ትካላት ከም መቐጸልታ (extension) ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ገይሮም ይጥቀሙሉ።
ቅዋማዊ ዕልዋ (constitutional coup)፤ ገለ መራሕቲ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ፡ ቅዋም ንኸይትግበር ይሕንግዱ ወይ ድማ ንዕኦም ብዝጥዕም መገዲ የመሓይሽዎ።
ስዕረራ ብልሽውና ይስዕርር፤ እዚ ተርእዮ’ዚ ንመትከላት ማዕርነትን ፍትሕን ይሃስዮ፣ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ወለዶ ካብቲ ናይ ሓርነት ትረኻ (liberation narrative) ከም ዝርሕቕ ይገብሮ።
ናይ ወለዶ ምርሕሓቕ (generational disconnect)፤ ብዛዕባ ቃልሲ ሓርነት ዝኾነ ዝኽሪ ዘይብሎም መንእሰያት፡ ነዞም ምንቅስቓሳት እናነጸግዎም ይመጹ።
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታዊ ተጋድሎ ተመክሮ’ውን ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ክስተት’ዚ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ተንጸባሪቑ ኢልካ ምሕታት ግን ኣገዳሲ እመስለኒ። ናቱ ፍሉይነት ስለ ዘለዎ። ኵሉ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተራእየ ክስተት፡ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ክውንነት ክፍጠር ግን ግድን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ፡ ኤርትራ ንናይ ካልኦት በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፋ ሃገራት ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታውን ካብኣተን ምህሮታት ብምቕሳምን፡ እቶም ዝተፈጸሙ ጌጋታት ምእንቲ ከይድገሙ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ትርከብ ነይራ። እዚ ግን ፖለቲካዊ ድሌትን ሰፊሕ ራእይን ዝጠልብ ተልእኾ’ዩ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ኣይተዳለወን። ኤርትራ ድማ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ንሃንቀውታ ህዝባ ዝዳረግ ኣጠማምታን ልቦናን ዘለዎ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣይተዓደለትን።
ህግደፍን ፍሽለት መሪሕነትን መለለይኡን
መበቈል ናይዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ፡ እቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእትነት’ዩ። ግንከ ካብ ምፍላቕ ሓንጊዱ። ፖለቲካዊ ምስግጋር ንኸይግበር ዕጭ ሓንፊፉ። እዚ እንታይ ማለት’ዩ፧
ሞራላዊ ሕጋዊ (moral legitimacy) ተቐባልነቱ፡ ካብቲ ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳተፈ ኲናት’ዩ ዝምንጩ። እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዝረኸቦ ሕጋዊ ተቐባልነት ግን፡ ናብ ናይ ዘመነ ሰላም ተሓታትነት ክልውጦን ትካላዊ መልክዕ ከትሕዞን ኣይተራእየን። እዚ’ዩ እቲ ዝዓበየ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸገም። ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ዝተወንዘፈ ሕጋዊ ተቐባልነት (legitimacy) ዝብል ክስተት ንዕዘብ ኣሎና።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ግምት ዝብገሱ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፦ ስለምንታይ’ዩ ግዝኣተ ሕጊ ንዘይተወሰነ እዋን ተወንዚፉ፧ ስለምንታይ’ዩ ምርጫ ዘየድሊ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ከም ፖሊሲ በቲ ስርዓት ዝስርሓሉ ዘሎ፧ ከምኡ’ውን ስለምንታይ’ዩ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ምሕደራ መርኣያ ዝቝጸር ምስ ክሕደትን ጥልመትን ዝጽብጸብ፧ እዚ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት’ምበኣር ሕጋዊ ሓላፍነት (mandate) ተዋሂብዎ ዘይኮነስ ብምስምስ ዝኽርታት (memories) ናይ ዘመነ ሓርነታዊ ቃልሲ’ዩ ዘመሓድር ዘሎ። ንዕኡ፡ እዞም ዝኽርታት መሰረት ሕጋውነት ናይ ስልጣኑ’ዮም።
ስልጣን ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት
ካብዚ ሓሊፉ’ምበኣር እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንዘይተወሰነ እዋን ንኽገዝእ ዝሕግዝዎ በበይኖም ሜላታት ክጥቀም ጀሚሩ።
ሓደ ካብቲ ዝጥቀመሉ ሜላ ቅዋም ውንዘፋ ቅዋም’ዩ። እዚ ድማ ቅሳነት ኣይተረኽበን ወይ ድማ ኣብ ናይ ህጹጽ ኵነታት ኢና ዘሎና ካብ ዝብል ምስምስ’ዩ። ኣቦኡ ዘፍለጠ’ውን እቲ ቅዋም ከይተተግበረ እንከሎ ሞይቱ’ዩ ተባሂሉ። ቅዋም ከም ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ መብጽዓ ወይ ውዕል’ዩ ክውሰድ ዝግባእ። ከምኡ’ውን ንፍልልያት ናይ ኣተሓሳስባ ንምትዕራቕን ንምጽውዋርን ከሳሲ ዘኽእል መድረኽን (platform) ስልጣን ዝድርትን መሳርሕን’ዩ። ቅዋም ብኣሳታፊ ዝኾነ መገዲ እረማ ክግበረሉ ዝኽእል ሰነድ’ውን እዩ። እቲ ቍም ነገር ኣብ ምምጽዳቕ (romanticization) ዘመነ ገድሊ ተመርኲስካ ምግዛእ ዘይኮነስ፡ ንሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ ውዕል ከም ሓደ ዝኸበረ ሰነድ ናይቲ ሃገር ወሲድካ ምትግባር’ዩ። ኣብ ትግበራ ዘይበጽሐ ቅዋም፡ ናጽነት ዘይብሎም ኣብያተ-ፍርዲ፡ ርእሶም ከመሓድሩ ዘይክእሉ መንግስታዊ ትካላት ወይ ሚኒስትሪታት፡ ከምኡ’ውን ድምጺ ዘይብሎም መራኸቢ ብዙሓን ፈጢሩ። ኣብ ኤርትራ፡ ሕጊ ንዘይተወሰነ እዋን ተወንዚፉ። እዚ ድማ ፍሽለት ትካላዊ ህይወት ኣኸቲሉ።
“ስልጣን ኣብ ፍጹም ቍጽጽር እንተ ዘይኣትዩ እታ ሃገር ክትበታተን’ያ፡”፤ “ፖለቲካዊ እረማ (reform) ንተሳጣሕነትና (vulnerability) ከብእሶ’ዩ፡” ዝብል መንግስታዊ ትረኻ በቲ ሓደ ወገን፡ ብኣንጻር’ዚ ድማ፡ “ክድሕን ዝኽእል ነገር የለን፡ ኤርትራ ዝፈሸለት ሃገር’ያ፡” ዝብሉን ንዕኡ ዝመስሉ ምስምሳት’ውን ይስምዑ’ዮም። እቲ ሓቂ፡ ንኽልቲኦም ጥሩፋት ኣተሓሳስባታትን መጐተታትን ምንጻግ’ዩ። እቲ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ፖለቲካዊ ስግግር ዘይተፈጸመላ ግንከ ከም ብሓድሽ ንኽትመሃዝ (reinventing) ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ጌርና ክንሪኣ ምስ እንጅምር’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተዋሕሰ ሞራላዊ ሕጋውነት፡ ትካላውነት ከም ዝለብስን ተሓታትነት ዝባህርያቱ ከም ዝኸውን ምስ እንገብር’ዩ። እቲ ለውጢ ንበሎ እረማ ድማ ካብ ግዳማዊ ኢድ-ተኣታታውነት ናጻ ዝኾነን ብውሽጢ ዝተደረኸ፡ ስርዓታውን፡ ከምኡ’ውን ንስነ ምግባር ማእከል ዝገበረን ምስ ዝኸውን’ዩ።
ኤርትራ፡ ትራጀዲ ናይ ዝተወንዘፈ ዜግነት
እቲ ኤርትራ ካብ መዓልቲ ናጻነት ጀሚራ ዝተጓዓዘቶ መንገዲ፡ ትራጂካዊ መርኣያ ወይ ኣብነት ናይ ሓደ ብመራሕቱ ዝተጠልመ ምንቅስቓስ ሓርነት’ዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት፡ ንህልውና እቲ ስርዓት፡ እቲ መራሕን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ጸቢብ ክልን ተባሂሉ ቅርጺ ዝለበሰ’ምበር፡ ንድሕንነት (welfare) ናይቲ ህዝቢ ዘቐድም ኮይኑ ኣይተረኽበን። እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምርግጋእ ሓይሊ ኮይና ክትነጥፍ ትጽቢት ዝተገብረላ ሃገር (እቲ ዓቕሚ’ውን ነይሩ’ዩ) ድማ ጅሆ ናይ ሓደ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ንምዕቃብ ምእንቲ፡ ትካላዊ ድኽነት እተሳሲ መንግስቲ ኮይና ትርከብ።
ኤርትራ ዛጊት ፖለቲካዊ ስግግር ዘይተፈጸመላ ሃገር’ያ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብቶም ፖለቲካዊ ስግግር ንኸይፍጸም ዝሓንገዱ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት እተሳሲ ኣብነት’ያ። እዚ ሕጂ እንሪኦ ዘሎና ክስተት’ምበኣር ሓደ ኣብነት ናይቲ ከመይ ገይሩ ሓደ ሞራላዊ ሕጋዊ ተቐባልነት ዝነበሮ ረዚን ዋጋ ዝኸፍለ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ፡ ሓንቲ ብፖለቲካ ዝደስከለት፡ ብቝጠባ ዝሰንከለት፡ ብማሕበራዊ ሸነኽ ድማ ህዝባ ዝተኣደበ (silenced) ሃገር ፈጢሩ ዝብል’ዩ።
ኤርትራ ትራጀዲ ናይ ዝተወንዘፈ ዜግነት’ያ። ሓደ ፍሉይ ባህርይ ናይ ኤርትራ ኣብ “ኵነት-ቀዋሚ ህጹጽነት” እትነብር ሃገር ምዃና’ዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢልካ በቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝድፍኣሉ ምስምስ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ዜግነት ንዘይተወሰነ ግዜ ተወንዚፉ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ንጹራት መሰላት ዜጋታት ወይ ድማ ብሕጊ ዝተነጸሩ (defined) ግቡኣት (obligations) ዜጋታት የለዉን ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ኤርትራ ሲቪልያዊ ደረት-ትርኢት (civilian horizon) የለን ማለት’ዩ።
ገደብ-ኣልቦ ውንዘፋ ናይ ህይወት (indefinite suspension of life)፡ ንብህይወቶም ዘለዉ ዜጋታት ብኸምዚ ዝስዕብ ይጸልዉዎ። ሀ) ዝተሓሸሸ ግዜ ለ) ዝተወንዘፈ ዜግነት ሐ) ባህሪ ወተሃደራውነት ዝለበሰ ህይወት ከም ንቡር ጌርካ ምውሳድ። እዚ ኸኣ ሓደ ዘይንቡር ክስተት’ዩ።
ብናተይ መረዳእታ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ድሕረ-ናጽነት ዝተጋህደ ክስተት (ወላ’ኳ ሓደ ሓደ ፈተነታት እንተ ነበሩ)፡ እቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ስግግር ንኸይግበር ዝሓንገደ ወይ’ውን ንስሙ’ውን እንተ ኾነ ፖለቲካዊ ድሌት ዘየርኣየ ክስተት ገይረ’የ ዝገልጾ። ተወሳኺ መብርሂ ንምሃብ ይከኣል’ዩ።
መለለዪ ባህርያት ድሕረ-ናጽነት
እዚ ብህግደፍ ዝምራሕ ስርዓት፡ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ጨፍላቒ ወይ ዕምጸጻ ዘዘውትር ገዛኢ ሰልፊ ተቐይሩ’ሎ። መርኣያ ናይዚ ክስተት’ዚ ሓደ ሓደ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል።
ቅዋም ዘይምህላውን ምርጫ ዘይምክያድን፦ ኣብ ኤርትራ፡ ንምንዳፉ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ቅዋም (ምስ ኵሉ ጸገማቱ) ኣብ 1997 ዓ.ም. ጸዲቑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ግብሪ ግን ኣይወዓለን። ኣቦኡ ዘፍለጠ’ውን ከይተተግበረ ዝሞተ ተባሂሉ ተኣዊጁ። እታ ሃገር ዛጊት ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን። ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ድማ ካብ ዕለት ናጻነት ጀሚሩ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ይርከብ። ስልጣን ንህዝቢ ናይ ምርካብ መደብ ከም ዘይብሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ገሊጽዎ’ዩ።
ብህግደፍ ዝተፈጸመ መንግስታዊ ጐበጣ፦ ውድብን መንግስትን ፍልልይ ከም ዘይብሎም ጌርካ ምቕራብ ወይ’ውን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ጌርካ ምቕራብ (party-state fusion) ተጻዒሩሉ። ኣብ መንጎ’ቲ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብን ናይ መንግስቲ ትካላትን ዘሎ ደረት ስለ ዝጠፍአ ድማ ተሓታትነት ኣንቖልቊሉ።
ኤርትራ ብዘይሰርሑ (ዝተሰብሩ) ትካላት እትመሓደር ሃገር’ያ፦ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣይተኣከበን፤ ናጻ ዝኾነ ስርዓተ-ፍትሒ (system of justice) ይኹን ናጻ ፕረስ የለን። ፕረዚደንት ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጨናፍራት መንግስቲ ምሉእ ቍጽጽር ኣለዎ።
ኣብ ኤርትራ፡ እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ቋንቋ ናይ ጸጥታ ቋንቋ’ዩ፦ ጸጥታ፡ ፖለቲካዊ ቋንቋ ናይቲ ስርዓት ካብ ዝኸውን ሓያለይ ኮይኑ። ብምስምስ ‘ግዳማዊ ሓደጋ’ ምኽታት (mobilization) ዛጊት ኣየቋረጸን። እዚ ዘየቋርጽ ክተት ድማ ሲቪልያዊ ህይወት ንኽውንዘፍ ዓቢ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ውንዘፋ ድማ ንዕምጸጻ መልክዕ ንቡርነት ኣልቢስዎ። ፖለቲካ ሃገር፡ ብ’ምሕደራ ጸጥታ’ ተተኪኡ። ዜጋታት ተራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ኮይኖም። ንኽተት ዝውፈ ግዜ ድማ ገደብ-ኣልቦ ኮይኑ። እዚ ብኣጋጣሚ ዝማዕበለ ብልሽት/ስብረት (dysfunction) ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ናይቲ ስርዓት ‘ምሕደራዊ ስነ-መጐት” (governance logic) እዩ። ንነዊሕ እዋን ድማ ተሰሪሑሉን ይቕጽል ኣሎን።
ኣብ ትሕቲ’ዚ ስርዓት፡ ኲናት ብተደጋጋሚ ግዜ እተፍርዮ ሃላኺ ኣቕሓ (commodity) ኮይኑ’ሎ፦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ተኽእሎ ናይ ኲናት’ዩ ዝነብር። ኲናት መሰረት ናይ ህላወኡ’ዩ። ኵናት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጸቢብ ጕጅለ ጥምረት ኣደልዲሉ። ኲናት፡ ንፍርሒ ከም ብሓድሽ ኣነጣጢፉ። ንኽመጹ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ጠለባት ድማ ብምስምስ ‘ጸጥታ’ ከም ዝእደቡ (silencing) ገይርዎም። ሰላም እንተድኣ ተረጋጊጹ፤ ዳግመ ጥየሳ፡ ተሓታትነት፡ ቅዋማዊ ህይወትን ትካላውነትን ዝጠልቡ ዜጋታት እናበዝሑ ክኸዱ’ዮም። እዚኣቶም ድማ በቲ ስርዓት ከም ህልውናዊ ሓደጋ’ዮም ዝቝጸሩ። ብኣጋኡ ክቝጸዩ ድማ ኣለዎም።
ኣብ ትሕቲ’ዚ ስርዓት’ዚ ምዕፋን ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፦ ኣብ 2001 ዓ.ም.፡ ፖለቲካዊ እረማ ንኽግበር ካብ ዝጸውዑ ዓሰርተ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ (ጉጅለ 15)፡ ዓሰርተ ሓደ ካብኣቶም ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ፤ ሃለዋቶም ድማ ዛጊት ኣይፍለጥን። ኣብ ሓደ እዋን ድሕሪ ናጽነት፡ ብምስምስ ‘ጥሩፍነት’ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህዝቢ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታት ኤርትራ፡ በብሓደ ተለቒሞም ኣብ መዳጐኒ ቦታታት ህጣሞም ከም ዝጠፍእ ተገይሩ። “ኣስጋእቲ” ዝበሃሉ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ከካብ ዘለዉዎ (ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ወዘተ) በብሓደ ተጨውዮም ከም ዝስወሩ’ውን ተገይሩ።
ክቱር ዕምጸጻ ንቡር ክስተት ኮይኑ፦ መንግስቲ ንዅሎም ናጻ ማዕከናት ዜናን መንግስታውያን ዘይኮኑ ትካላትን ዓጽዩዎም’ዩ። እቲ ስርዓት፡ ኣንጻር ኣብያተ-እምነት ኲናት ኣዊጁ። እዚ ድማ ክሳዕ ዝእደቡን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር’ቲ ስርዓት ክሳዕ ዝኣትዉን ብማለት ዝተገብረ’ዩ። ማሕዩር ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ መጭወይቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ከምኡ’ውን ማእሰርቲ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት’ውን።
ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስርዓት ግዱድ ዕዮን፦ ሓደ ካብቲ ፍሉይን ጨካንን ባህርያት መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝመሳሰል ተባሂሉ ዝግለጽ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ። ኣብ መጀመርታ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ክኸውን ዝተደንገገ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብምስምስ ‘ጸጥታ’ ንዓቢ ክፋል’ቲ ህዝቢ (መንእሰያትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታትን) ኣብ ገደብ-ኣልቦ ኣገልግሎት ቈሪንዎም ይርከብ። እቶም ብኣስገዳድ ዝተኸትቡ መንእሰያት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቍጽጽር ይነብሩ። ነቲ ናይቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ጥሙሕን ሕልምን ንምግሃድ ድማ (ከም መዝሓል ጥይት) ኣብ ፈቐዶ ትርጕመ-ኣልቦ ዝኾኑ ወተሃደራዊ ረጽምታትን ዕንደራታትን ይጥቀመሎም። ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ንዝለዓለ ዋሕዚ ስደተኛታት ቀንዲ ምኽንያት’ዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም "ዘራጊ" (spoiler) ሓይሊ ተፈሊጡ፦ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርአ ጭቆና፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ዘይምርግጋእ እትነጥፈሉ ዘይሃናጺ ግደ ማዕረ ማዕረ’ዩ ዝኸይድ። ፖሊሲ ወጻኢ ናይቲ ስርዓት፡ ብተነጽሎን (isolationism) ወተሃደራዊ ኢድ-ኣእታውነትን’ዩ ዝግለጽ። ኤርትራ፡ ኣባልነታ ካብ ዞባዊ ምትሕብባር ብወግዒ ስሒባ’ያ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብቐጥታ ወተሃደራዊ መንገዲ ምትእትታው ብምግባር ግን ከም "ዘራጊት" ሓይሊ ኮይና ትነጥፍ። ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ (2020 ዓ.ም.)፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (EDF) ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኦም። ኣብቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ኤርትራ ምስ ናይ ሰራዊት ሱዳን (SAF) ጐድኒ ብምስላፍ፡ ስልጠናን ቀረብን ብምሃብን ከባቢያውያን ዕጡቓት ኣብ ምምልማልን ትነጥፍ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ድኽነት ከም ፖሊሲ ይዝውተርን ይትግበር፦ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ንቝጠባ ሃገር’ውን ይቘጻጻር’ዩ። ቍጠባ ሃገር ኮነ ተባሂሉ ከም ዝዳኸም ምግባር ከም ፖሊሲ ተተሓሒዝዎ’ዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ወትሩ ኣብቲ መንግስቲ ጽግዕተኛ ክኸውን’ሞ ናይ ምቅዋም መንፈሱ ከም ዝዳኸም ንምግባር ዝዓለመ’ዩ። እቲ ብህግደፍን ወተሃደራዊ ትካላትን ዝዕብለል መንግስቲ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ቍጠባ ይቈጻጻር።
መነባብሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ትሑት’ዩ። ልዑል ክፋል ናይቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መስመር-ድኽነት (below poverty line) ከም ዝነብር ($2.15 per person per day) ጸብጻባት ባንኪ ዓለም ይሕብሩ። ወላ’ኳ ኤርትራ ስትራተጂያዊ ዝኾነ ገምጋም ባሕሪ ቀይሕን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን እንተለዋ፡ ብመሰረት ጸብጻባት ባንኪ ዓለም እቲ ናይ ውልቀ-ሰብ ዓመታዊ ብጽሒት ካብቲ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP per capita) ትሕቲ $700 ዶላር ምዃኑ ይግመት። እዚ ድማ እቲ ስርዓት ንቝጠባዊ ክፉትነትን ብልጽግናን ከም ስግኣት ስለ ዝርእዮ’ዩ።
ንምጥቕላል’ምበኣር፡ እቲ ኤርትራ ካብ መዓልቲ ናጻነት ጀሚራ ዝተጓዓዘቶ መንገዲ፡ ትራጀድያዊ መርኣያ ወይ ኣብነት ናይ ሓደ ብመራሕቱ ዝተጠልመ ምንቅስቓስ ሓርነት’ዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታዊ ተጋድሎ፡ ከም ሓደ ዘይተዛዘመ ፖለቲካዊ ፕሮጀክት ጌርካ ክውሰድ ይከኣል። ኤርትራ ድማ ከም ሓደ ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ ዘይተጋህደላ ሃገር።
መደምደምታ፡ ሕርያና ንህግደፍ ብዅሉ ሸነካቱ ምብዳህ’ዩ
ኤርትራ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብመራሕቲ ኣይተዓደለትን። ምሕደርኣ ኣይወርጸጸን ጥራይ ዘይኮነስ ንምድኻማ ምኽንያት ኮይኑ። እዚ ግን ተስፋ ዘቝርጽ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ምብድሁ’ዩ። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘየለ። እዚ ድማ ምትሕብባር ናይቶም ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ክሓትት’ዩ።
መንግስታት ግዝያውያን’ዮም፣ ይመጹ ይኸዱ፣ ይቕልቀሉ ይበኑ። ብሃገር ዝውከል ህዝቢ ግን ቀዋሚ’ዩ። ህላወኡ ግን ከም ውሁብ ክውሰድ ኣይግባእን። እታ ብሃገራዊ መንነት ትንፋስ ዝተዘርኣላ ሃገር ወትሩ ክትዅስኰስ ኣሎዋ። ህላወኣ ከም ብሌን ዓይኒ ብጥንቓቀ ክሕሎ ኣሎዎ። ምልኣታ ንምውሓስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትፈልቕ (evolve) ኣሎዋ። ምስ ዝለዋወጡ ኵነታት ክትናበብን ክትብድህ ዘኽእላ ዓቕምን ክትድልብ ኣሎዋ። ነበረያ ነበረ ከይትኸውን ምእንቲ። እዚ ዕማም’ዚ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናይ ዜጋታት ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ኤርትራዊ ዝምልከት’ዩ። ወላ’ውን እቶም ደገፍቲ’ቲ ስርዓት ኢና እንብል፡ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣትያ ከም ዘላ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ንመጻኢ ትውልዲ እንገድፈሉ ውርሻ ሓደ’ዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ከም ‘ኣደ’ ንዅሉ ሓቛፊት ዝኾነት ኤርትራ። ንልምዓታ እተውሕስ ኤርትራ።
ሰላሳን ሽድሽተን ዓመት ኣብ ዕድመ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዙሕ'ዩ። ኣብ ዕድመ ሓደ ህዝቢ ግን ሓደ ሓጺር ናይ ታሪኽ ምዕራፍ’ዩ። ንለውጢ ክንሓስብ እንከለና’ምበኣር ብዓይኒ’ዚ ኣጠማምታ’ዚ ክንርእዮ ዝግባእ ይመስለኒ። መጻኢ ናይዚ ሓድሽ ወለዶን ብድሕሪኡ ዝፍጠር ወለዶን ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ። እቲ ሕቶ’ምበኣር ሕቶ ወለዶኣዊ ውርሻ’ዩ። ነዚ ኢና ክንዳሎ ዘሎና።



Comments