top of page
Search

ኣብ'ዚ ህሞት'ዚ ኤርትራ ክትሃንጾ ዘድልያ ዝሓየለ ሓጹር ምምስራት ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝተመስርተ መንግስቲ’ዩ

 

ኣብ'ዚ ህሞት'ዚ ኤርትራ ክትሃንጾ ዘድልያ ዝሓየለ ሓጹር ምምስራት ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝተመስርተ መንግስቲ’ዩ

ብሰመረ ሰሎሞን

14 ነሓሰ 20225

 

ኣብ’ቲ ዕለት 12 ነሓሰ 2025 ኣብ ወብስያተይ ዝዘርጋሕኩዎ ዘይተርፍ ዝመስል ጎነጻዊ ረጽሚ ዘርእስቱ ሓተታ፡ ነቲ ኣብዚ ከባቢና ዘንጸላሉ ዘሎ ኵነታት ኣመልኪተ ሓደ ሓደ ሰናርዮታት ኣቕሪበ ነይረ። እቲ ብናህሪ እናተለዋወጠ ዝኸየድ ዘሎ ናይዚ ከባቢና ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ረጽሚ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ከምርሕ ከም ዘይክእል እናተጋህደ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣሚተ ነይረ። ገለ ገለ ናይ’ዞም ኣብዚ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ተሸሚሞም ዘለዉ ውድባት ባህሪ’ውን ጠቒሰ ነይረ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቃለሉ ነይሮም፦ ብኣብዝሓ ኣብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ናይ ጸበብቲ ክልታት ዝተመስረቱ፡ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ፡ ኣብቶም ዝነጥፉሎም በበይኖም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታቶም ዕምጸጻ (repression) ዘዘውትሩ፡ ሓቛፊ ፖለቲካ ከም ሜላ ዘየዘውትሩ፡ መፍትሒ ፖለቲካዊ ፍልልያት ጐነጽ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ስሳ ዓመታት ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ኪዳናት ስትራተጅያዊ ኣጠማምታ ዘየሳስዩ ምንባሮም፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ በብዓቕሞም፡ ኣብ ፖለቲካ ናይ’ዚ ዞባ ብንጥፈት ክሳተፉ ዝጸንሑን ንናይ ውክልና (proxy) ኵናት ዝተቓልዑ ምኹኖምን። 


ብዘይካ’ዚ ውሑዳት ግን ኣገደስቲ ዝኾኑ ነቲ ኵነታት ኣብ ምብኣስ ኣበርክቶ ክህልዎም ዝኽእሉ መንቐባት’ውን ጠቒሰ ነይረ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦


ኣብ መንጎ ሰልፊ ብልጽግናን ህግደፍን ዝጸንሐ ዝምድና እናሓሽከረ ክመጽእ ጸኒሑ’ዩ። ብልጽግና ዘሳስዮ ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ኣብዚ ዞባ’ዚ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ኤርትራ ብምቍማት ሕልማታቱ ንምግሃድ ኣድለይቲ ዝብሎም ምቅርራባት (ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ) ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዓለን። ይቕጽሎ ከኣ ኣሎ። እቲ ምፍሕፋሕ ኣብዚ ጥራይ ከይተሓጽረ ዞባ መን ዓብለለ ዝመንቀሊኡ ዕላማ’ውን ኣለዎ። ሓደ ነቲ ሓደ ንምድኻም ድማ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኪዳናት ክምስረቱን ክሕብሕቡን ንሪኢ ኣለና። 


ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ዝነተጐ ጎነጻዊ ረጽሚ (ኵናት 2020 ዓ.ም.) ወላኳ ብውዕል ፕሪቶርያ ግዚያዊ መፍትሒ እንተ ተገብረሉ፡ እቲ ጕዳይ ግን ጌና ፖለቲካዊ መዓልቦ ኣይረኸበን ዘሎ። ቅዋም ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ዘፍቅዶ መሬት ክልል ትግራይ ጌና ኣብ’ቲ ቅድመ-ኵናት ዝነበሮ ኵነታት ኣይተመልሰን። ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ዛጊት ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን። ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ከም’ቲ ዝድለ ይወሃቡ የለዉን።  ወከልቲ ክልል ትግራይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ጌና ኣይተመልሱን ዘለዉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ፡ ክልቴኦም ወገናት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታቶም ጋህዲ ንምግባር ሰብ ኪዳን ኣብ ምንዳይ ይርከቡ። ብስንኪ’ዚ ምዕባለ’ዚ ጕዳይ ህዝቢ ትግራይ ተረሲዑ ኣብ ጸቢብ ረብሓታት ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ጸወታ ክካየድ ንርኢ ኣለና። ከም ስዕቤን ድማ ህዝብ ትግራይ ግዳይ ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ቀውሲ ኮይኑ ኣሎ። ተኸፋፊሉ’ውን።


ህግደፍ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ዝመሰረቱ መንግስቲ ክተክል ቅሩብነት የብሉን። ህግደፍ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስርት ፖለቲካዊ ድሌት ክሳዕ ሕጂ ከሳሲ ኣይተራእየን። ህግደፍ ህላወ ተቓውሞ ሓይልታት ኣፍልጦ ኣይህብን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕልና እሱራት ሕድገታት ክገብር’ውን ፍቓደኛ ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካ ህግደፍ ዕግበት የብሉን። ንስሙ እንተ ዘይኮይኑ’ውን ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ ኣሸጋሪ’ዩ።


ኣብ’ቲ ዘቕረብክዎ ሓተታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መጠነ-ሰፊሕ ኵናት ምስ ዝለዓል ኣሰላልፋ ሓይልታት ቀልጢፉ ክለዋወጥ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ክልቴኦም ሃገራት ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከወርድ ከም ዝኽእል፡ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ኣብ ዓቢ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ክትኣቱ ከም እትኽእልን ከምኡ’ውን ሰፊሕ ምትእትታው ናይ ግዳማውያን ሓይልታት ክህሉ ከም ዝኽእልን ስምዕታ ኣቕሪበ ነይረ።


ከም መደምደምታ ድማ እቲ ዘንጸላልወና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ልቦና ብዝመልኦ ኣገባብ እንተ ድኣ ተኣልዩ እቲ ዘይተርፍ ዝመስል ጎነጻዊ ረጽሚ ክውገደ ተኽእሎ ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ ነዞም ዝስዕቡ ምሕጽንታታት ኣቕሪበ፡-

  • ቅድሚ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ንናይ ህዝብ ድሕንነት ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ፣

  • ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ኵናት ብትሪ ክቃወምዎን ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዝረከቡ ናይ ክልቴኦም ሃገራት ዜጋታት ከኣ ናይ ዘአንግድኦም ሃገራት ማዕጾ እናዃሕኵሑ ንህዝብታት ክልቴኦም ሃገራት ከድሕኑ ኣቤቱታታት ከቕርቡ ከምዝግባእን ከምኡ’ውን እዚ ህሞትዚ ጣቛ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዝጠልብ ምዃኑን፣

  • ኣብ ደገ ዝርከባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ናይ ጽልኢ ፖለቲካን ነገራት ከም ዝብእሱ ካብ ምግባርን ተገላጊለን ኣብ ናይ ዕርቅን ጕዳያት ብሰላማዊ መገዲ ክፍትሑሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ኣብ ምንዳይን ከተኵራ ከም ዝግብአንን ከምኡ’ውን ናይ 1998ን 2020ን ዓ.ም. ኵናት ክድገም ከፍቅዳ ከም ዘይብለንን፣ 

  • ዞባና ኣብ ዲቕ ዝብለ ጸልማት ከይኣቱ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ከም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ዞባውያን ኣካላትን ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ኵናት እውን ንኸይከውን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝወጣወጡ ዘለዉ ሓይልታት ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክገብሩ ከም ዘለዎም፣

  • ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብግዴኡ ንኣስጋእነት ናይዚ ኵነታት ብግቡእ ተገንዚቡ ኣድላዪ ዘበለ ሰላማዊ ፍታሕ ዝናደየሉ መገድታት ሃሰው ክብልን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ሓይልታት ጸቕጢ ክገብርን ከም ዘድልን 

  • ኣብ መጠረሽታ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ተበጻሕነት (access) ንኽህልዋ ዘኽእሉ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኮሱ ፍትሓት ክልቴኦም ወገናት ከናድዩ ከም ዘለዎምን ክልቴኦም ህዝብታት ኣብ ሰናይ ጕርብትናን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና መስሪቶም ናይ ልምዓት መሳርኽቲ ኮይኖም ክብልጽጉን ምርግጋኣ ከውሕሱን ክጽዕቱን 


ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ሓተታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዓብዩ ሃገራዊ ድሕነት ምእንቲ ከውሕስን ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ማንም ዘይረብሓሉ ሓደጋ ምእንቲ ከወግድን እዚ ዝስዕብ እማመ ወይ ምሕጽንታታት አቕርብ፦


ንሃገራዊ ዕርቂ ከም ዕርዲ ኣንጻር ኵናት ምጥቃም

ኣብዚ ህልውናዊ ሓደጋ ጸንጸላልወሉ ዘሎ እዋን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ኣቤቱታ ምቕራብ ተደላዪ መሲሉ ይርአየኒ። መገዲ ተነጽሎ፡ ውሽጣዊ ዕምጸጻ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሴፍ ምንብጥባጥ (sabre-rattling) ዝኣመሰሉ መፍትሕታት ሃገራዊ ድሕነት ከውሕሱ ከም ዘይክእሉ ተረጋጊጹ’ዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ንሓደገኛነት ወይ ኣስግእነት ናይ’ዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ኵነታት ኣብ ምብኣስ ኣበርክቶ ዝገበሩ’ዮም። ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ’ምበኣር ሕጂ፡ ከምኡ’ውን ንህጹጽነት ናይ’ቲ ኵነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዓሚቚ ዝኾነ ስትራተጅያዊ ለውጢ ምግባር ዝደልየሉ ሰዓት ምዃኑ ምግንዛብ ከድሊ’ዩ። ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብሜላ ንምእላይን ዕጫ’ታ ሃገር ንምውሓስን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብቕጽበት ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎ ፍልልያት ንጐኒ ኣጸጊዑ፡ ንዅሎም ኤርትራውያን መጸዋዕታ ብምግባር ሃገራዊ ዕርቅን ሓድነትን ማእከል ዝገበረ ሓቛፊ መንግስቲ ክምስርት ይግብኦ። 


ፍሽለት ግለላን (exclusion) ኣድላይነት ሓድነትን

መንግስቲ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፍጹም ቍጽጽርን ግለላን ዝተመስረተ ኣገዛዝኣ ከዘውትር ጸኒሑን የዘውትር ኣሎን። ንዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር ሓንጊዱ፡ ንፖለቲካዊ ብዙሕነት ነጺጉ፡ ናይ ሕልና ኣሱራት ምፍታሕ ዕጭ ሓንፊፉ፡ ኮነ ኢሉ ድማ ንፍልልያት ናይ ኣረኣእያ ልጓም ገይሩሉ። እዚ፡ ስማዊ ዝኾነ ምርግጋእ ፈጢሩ ክበሃል’ኳ እንተ ተኻእለ፡ ውሽጡ ግልህ ኣቢልካ ምስ እትርእዮ ግን እታ ሃገር ብውሽጣዊ ዘይዕግበትን ብብኵራት ሃገራዊ ጥምረትን ትሳቐ ከም ዘላ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ኣንጻር ህዝቡ ኵናት ዝኣወጀ መንግስቲ ድማ ንግዳማዊ ሓደጋታት ክብድህ ዘይሕሰብ’ዩ።


ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ክርዳእ ግዴታ ኣለዎ። ሓያል ጐድኒ ናይ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ዘንጸላልዎ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ወተሃደራዊ ቍመንኡ ወይ ሓይሉ ኣይኮነን ዝምርኰስ። እንታይ ድኣ ኣብ ስጡም ድሌት ናይ ህዝቢ። ህግደፍ ንሓደ ዘይነዓቕ ክፋል ናይ ዜጋታቱ ከም ጸላእቲ ብምስራዕ (categorize) ኣብ ክልተ ግንባራት’ዩ ዝዋጋእ ዘሎ። እቲ ሓደ ውሽጣዊ እቲ ካልእ ከኣ ግዳማዊ። ከም’ዚ ብምግባር ድማ ንመሳርዓቱ የዳኽሞም’ዩ ዘሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኵነታት ፖለቲካ ናይ ግለላ ክጽወር ዘይግብኦ ሓደገኛ ሕርያ’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ርዱእ’ዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘይተርፍ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ወተሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ምዕሩግን (stately) ስትራትጅያውን’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። 


ናይ ሃገራዊ ዕርቂ መንግስቲ፣ እቲ እንኮ ፍታሕ

እዚ መጸዋዕታ’ዚ ካብ ቦታ ድኽመት ዝግበር ዘሎ መጸዋዕታ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብ ልዑል ሞራላዊ ሓይሊ ዝምርኰስ መጸዋዕታ’ዩ። እቲ ሓይሊ ድማ ካብ ሓድነት ህዝቢ ዝምንጩ ሓይሊ’ዩ። እቲ መንግስቲ ብስለት፡ ጭውነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓቀኛ (genuine) ዝኾነ ሓልዮት ከርኢ ይግባእ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ በዞም ዝስዕቡ ተበግሶታት ክገልጾ ይግባእ፦

  • ዘይቅድመ-ኵነታዊ ተበግሶ ንምግባእ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ፦ ንዅሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፡ ሃይማኖታውያንን ያታውያንን መራሕቲ፡ ምሁራት ወዘተ (ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራን ዝርከቡ) መጸዋዕታ ብምግባር ሓደ መሰጋገሪ ባይቶ ንሃገራዊ ድሕነት ምቛም ኣድላዪ’ዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ ኣብ’ዚ ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ምምስራት ናይ ሓደ ብሃገራዊ ዕርቂ ዝልለ መንግስቲ ከምርሕ ኣለዎ።

  • ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ምቛም፦ እዚ ሓቛፊ ኣካል’ዚ እዞም ዝስዕቡ ዕማምት ይህልዉዎ። ሀ. ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ወይ ቀውሲ ምክትታል ለ. ንሓንትን ልዑላዊትን ኤርትራ ወኪሉ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ምክያድን ሐ. ንመስርሕ ትግባረ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ምብግጋስ።

  • ኵሎም ናይ ሕልና እሱራት ምፍታሕ፦ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዅሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ጓሕጒሑ የውጽእ። እዚ፥ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህዝቢ ጽቡቕ ምትእምማን ንምፍጣር ክውሰድ ዘለዎ መሰረታዊ ስጕሚ’ዩ። እዚ ተግባር’ዚ ብልሕን ሞራላዊ ዓቕምን ናይታ ሃገር ዝገልጽን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ’ዚ ፍታሓዊ ጕዳይ ዝጥርንፍን ተግባር’ዩ።


ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት እውን ንኽገብር ትጽቢት ይግበረሉ፦ 

 

  • ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ ምጽዋዕ፡ ክፉትን ግሉጽን፡ ንዅሉ ዝሓቊፍን ምምኽኻር ዘመቻችእን ቅዱስ ዕላማ ዘለዎን ተግባር’ዩ።

  • እዚ፡ ብዙሓዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ኣቀዋውማ ሕብረተ-ሰብ ዝውክሉ፡ ካብ ኵሉ ማሕበራዊ ጽፍሕታት ዝመጹ ኤርትራውያን፡ እንተላይ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ውዳበታት፡ ሃይማኖታውን ልምዳውን ምምሕዳራዊ ትካላት፡ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ዲያስፖራ፡ ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሎም ኣብ ምጽዳቕ ንድፊ ፖለቲካዊ ምስግጋር መርሓ-ጐደና ንኽሳተፉ ክጽውዕ ይግባእ። ማዕረ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ፡ ምርጫ ዘይኮነስ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጕዳይ’ዩ።

  • ነዚ ንምትግባር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከድሊ’ዩ።  

  • ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ፡ ንምቛም እቲ ሓቛፊ መሰጋገሪ ባይቶ ንሃገራዊ ድሕነት ከም ቀንዲ ዛዕባኡ ይወስዶ። ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ቻርተር ይእምም፣ ብዛዕባ ቅጥዕታት ምምስራት መሰጋገሪ ባይቶ ንሃገራዊ ድሕነት ይዝቲ፣ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋምን ሃገራዊ ዕርቅን ሕውየትን ይዝቲ፡ ጕዳይ ጸጥታን ምርግጋእን፡ ጕዳይ ቍጠባዊ ሕውየት፡ ምዝርጋሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ወዘተ ከም ዛዕባ ኣልዒሉ ይዝትየሎም ንውሳነታት ዘጣጥሑ መተሓሳሰቢታት የቕርብን።

  • ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ ኣብ ሓጺር እዋን ይጋባእ።

 

ንኵናት ምድላው ጥራይ ዘይኮነ ዲፕሎማሲያ ፍታሕ ናይ’ቲ ጕዳይ ንምንዳይ ምጽዓር

ንሃገራዊ ሓድነት ማእከል ዝገብረ መንግስቲ ካብ ሓደ ብተነጽሎ ዝልለ መንግስቲ ይሕይልን የድምዕን። ክንዲ ዝኾነ ድማ እቲ ኣተኵሮ፡ እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ ንምውጋድ ብርቱዕ/ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ምጕስጓስ ከድሊ’ዩ። 


ኣድላይነት ምምስራት ሓደ ስጡምን ውዱብን ዲፕሎማስያዊ ግንባር ንጽባሕ ዘይበሃለሉ ጕዳይ’ዩ። ብሓቛፍነት ዝልለ መንግስቲ፡ ማዕጾ ግሎባውያን ሓይልታት - ሕመኣ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ቻይና፡ ሩስያ ከምኡ’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - እናዃሕዅሐ ተቓዳዊ (coherent) መጸዋዕታ ሰላም ክገብርን ከድምዕን ይኽእል።


ናይ ዞባውያንን ዓለም-ለኻውያንን ኣካላት ደገፍ ንምኽሳብ ቅጽበታዊ ስጕምቲ ምውሳድ ይግባእ። ስጡም ዝኾነ ድምጺ ርዒማን ወኒናን፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ጸቕጢ ብምግባር ንሳቶም ብግዲኦም ነቲ ኢትዮጵያ ኣልዒላቶ ዘላ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ደው ከተብሎን ናብ ደንብታት ኣህጉራዊ ሕጊ ክትምለስን ጸቕጢ ክገብሩ ምጽዓር ከድሊ’ዩ።  


ብዘያካ’ዚ፡ ነቲ ናብ ውክልናዊ ኵናት ንከምርሕ ዘሎ ተኽእሎ ምምካን (neutralize) እውን ዓቲብካ ክስርሓሉ ዘድልዮ ጕዳይ ክኸውን’ዩ። ንሃገራዊ ዕርቂ እተቐድምን ብግዝኣተ ሕግ እትልለን ኤርትራ ንተኽእሎታት ግዳማዊ ምትእትታው ከተበርዕን ኣብ ዝሓሸ ቦታ ክትርከብ ትኽእል። ንኢትዮጵያ ይኹን ብካልኦት ምስምሳት ኣብ’ዚ ጕጋይ’ዚ ጣልቃ ንኽኣትዉ ዝወጣወጡ ሓይልታት ድማ እዚ ዕድል’ዚ ትነፍጎም።


መደምደምታ፡ ከም ሃገር ናይ ምቕጻልን ውርሻና ናብ መጻኢ ወለዶ ናይ ምትሕልላፋን ዕድል

ኣብዚ ህሞት’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀራና-መገዲ ይርከብ። ናብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ንኸምርሕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሕሉፋት ፖሊሲታቱ ዳግን-ምርኣይን ንሓቅታት ከም ዘለዎም ምቕባልን ከድልዮ’ዩ። ፍሽለት ዝመለለይኦም ዓሰርተታት ዓመታት በዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ክግለጹ ይኽእሉ፦ ንፍልልያት ኣረኣእያ ዝጻወር ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይምምስራት፡ ክሰርሕ ዝኽእል (viable) ቍጠባ ዘይምፍጣር፡ ኣብ ግትኣት ዝተመስረተ ናይ ሃገራዊ ምክልኻል ሰረት-እምነት ዘይምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዞቦ ንኤርትራ ከም ሓንቲ እምንቲ (reliable) መሻርኽቲ ንኽትርአ ዘይምግባርን ንኤርትራ ንሓደጋ ከም እትቃላዕ ምግባርን። 


እዋኑ ትዕቢት ዘይኮነ ልቦና ይሓትት፡ ግለላ ዘይኮነ ሓቛፍነት ይጠልብ፡ ውግእ ዘይኮነ መንግስታዊ ጣቛነት (statecraft) ይጥይቕ። “ለባም ሰብ ቅድሚ’ቶም ተዃሉ ምምጽኦም ሓጹር ይሰርሕ” ዝብል ብሂል ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ጠቓምነቱን ርዝነት መልእኽቱን ሎሚ ጐሊሑ ይርአ። ኤርትራ ክትሰርሖ እትኽእል ዝሓየለ ሓጹር’ምበኣር ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝተመስርተ መንግስቲ ምህናጽ’ዩ።


ንዅሎም ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ንመጻኢኦም ብቐጥታ ዝምልከት ዓቢ ጕዳይ ንኽሳተፉ ባይታ ብምጥጣሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ናይ ሓደጋ ህሞት’ዚ ናብ ዳግመ-ልደት ናይታ ሃገር ክቕይሮ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ’ዩ እቲ እንኮ መገዲ ንውሕስነት ሰላምን ምክልኻል ልዑላውነት ሃገርን። እዚ’ዩ እቲ እንኮ መገዲ መጻእቲ ወልዶታት ሓንቲ ዘይትድፈር፡ ውሕስቲ፡ ምርግጋእ ዝሰፈና፡ ብግዝኣተ-ሕጊ እትምእዘዝ፡ ምስ ጐረባብታ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተመስርተ ዝምድና ዘለዋ ኤርትራ ክወርሱ ዝኽእሉ። እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ።


መንግስቲ ኤርትራ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጸዋዕታ ክሰምዕን ከተግብርን ፖለቲካዊ ድሌት ኣለዎ ድዩ የብሉን ንታሪኽ ዝግደፍ ክኸውን’ዩ። ንሃምን ቀልብን ህዝቢ ዘዳምጽ መንግስቲ ነይሩና እንተ ዝኸወን ከመይ ምጸበቐ እብል።

 

 

 

 

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page