top of page
Search

ኣንጸባራቒ ዓወት፣ ዝተጨውየ ፖለቲካዊ ምስግጋር፤ እዛ ንእሽቶ ሃገር ክትድሕን ትኽእልዶ?

Updated: Mar 27


ኣንጸባራቒ ዓወት፣ ዝተጨውየ ፖለቲካዊ ምስግጋር፤ እዛ ንእሽቶ ሃገር ክትድሕን ትኽእልዶ፧


ብሰመረ ሰሎሞን

26 መጋቢት 2026

 

መእተዊ


እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝኸደ ናይ ኤርትራ ናይ ናጽነት ቃልሲ — ኣብ ኣፍሪቃ ድማ እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ — ብሰፊሑ ተጻሒፉሉ’ዩ። እዚ ትንተና’ዚ፡ ነቲ ቃልሲ፡ ምስቲ ድሕሪ ናጽነት ክስዕብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፖለቲካዊ ምስግጋር ብምትእስሳር ካብ ዝተፈልየ ኵርናዕ ይምልከቶ። እቶም ሕቶታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦ ናይቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት እንታይ ነይሮም፧ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ከመይ ገይሮም ነቲ ቃልሲ ጸልዮሞን ቀሪጾሙዎን፧ ስለምንታዩኸ ምውሓስ ልኡላውነት ናብ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዘየምርሐ፧


ናይ ናጽነት ቃልሲ፤ ሓባራዊ ግን ድማ ድኽመታት ዝነበሮ ጒዕዞ

ወናኒ ናይቲ ናጽነት ንምውሓስ ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፤ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ። ካብ መታሕትን ከበሳን፣ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን። እዚ ታሪኽ’ዚ ከም ሓደ ቅጽለት (continuum) እምበር ከም እኩብ ናይ ዝተበታተኹ ፍጻሜታት ኮይኑ ክርአ የብሉን። እቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኮይኑ፣ ኵሎም ኤርትራውያን ዝሕበኑሉ ሃገራዊ መንነት ዘደልደለ ታሪኽ’ዩ። ይኹን እምበር፣ እቲ ቃልሲ እንታ ወይ ኣበር ኣይነበሮም ማለት ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ክብገስ እንከሎ ዝኣልዮ ዝነበረ መሪሕነት ደረጃ ንቕሓቱ ትሑት፣ ዕላማታቱ ዘይንጹርን ብዛዕባ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኣነዳድቓ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ድማ ኣዕጋቢ ኣፍልጦ ኣይነበሮን። እቲ መሪሕነት ህዝቢ ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ንክዓስል’ኳ እንተ ኣኽኣሎ፡ ብዙሕነት ናይ ኣረእኣያ ንምጽዋር ግን ድሉው ኣይነበረን፡ ዓቕሚ'ውን ኣይነበሮን።  ንፍልልያት ናይ ኣረኣእያ ድማ ብዘተ ዘይኮነስ ብኣብዝሃ ብጐነጽ ክፈትሖም ይርአ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ውድባት — ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)ን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን — ዝተኸስተ ኵናት ሓድሕድ ድማ ውጽኢት ናይ'ዚ ኣመለኻኽታ'ዩ። 


እንታይከ ኣጋጠመ፧

ክልቲኦም ውድባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ከምዘለዎም እናገለጹ፣ ብውሽጢ ግን ምስጢራዊ ማርክሰ-ለኒናዊ ሰልፍታት እናተመርሑ ይንቀሳቐሱ ነይሮም። ኣብ ትሕቲ ዝተሓተ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ተጠርኒፎም ክሰርሑ ግን ኣይከኣሉን። እዚ ንጸቢብ ረብሓ ናይ ላዕለዋይ መሪሕነታት ናይቶም ምንቅስቓሳት ማእከል ዝገበረ ኣተኣላልያ’ቲ ቃልሲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጸላኢ ዘተኵር፣ ዘይንዓቑ ጸጋታት ናይቲ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ከም ዝባኽን ገይሩ እዩ። ብፍላይ ምብትታትን ተሓኤ ከም ውድብ ድማ ነቲ ቃልሲ ሃሳይ'ዩ ነይሩ። ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ድማ ከም ሓደ ጸሊም ምዕራፍ ክጥቀስ ይከኣል። ተሓኤ - ብቐንዱ ብናታ ውሽጣዊ ኵነታት ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብግዳማዊ ድፍኢት - ሜዳ ኤርትራ ለቒቓ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን ክሳብ 40,000 ዝበጽሕ ዕጡቕ ሓይሊ ከም ዝነበራ ይፍለጥ።  እዚ፡ ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓቢ ክሳራ’ዩ ነይሩ። እቲ ክሳራ፡ ኣብዚ ጥራይ ዝተሓጽረ ግን ኣይነበረን። እዚ ክስተት’ዚ ንፖለቲካዊ ምውሳን (political marginalization) ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ — ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን፣ መታሕትን ከበሳን — ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ — ህግደፍ — ነቲ ምርሕሓቕ ኣዕሚቝዎን ኣስፊሕዎን። ብዙሓት ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ህንጸት ሃገር ንኽሳተፉ ዝነበሮም ባህጊ ኣማህሚንዎ። ተስፋ ከም ዝቖርጹ’ውን ገይሩዎም። ምሕሻሽ ናይዚ ናይ ተሳትፎ ዕድል ንመጻኢት ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ እዩ።


ኣህጉራዊ ሃዋህው

ካብ 1961 ክሳብ 1991፣ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ዝሑል ኲናት እዋን ዳርጋ ብዘይ ዝኾነ ዓርኪ ወይ ብዓል ኪዳን’ያ ተጓዒዛ።  ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ደምበ ኣብ ጐድኒ ስርዓት ሃይለስላሰ ደው ኢሉ፣ ጸኒሑ ድማ እቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ደምበ ንስርዓት ደርግ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ፣ ወተሃደራውን ቍጠባውን ደገፍ ሂብዎ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ’ውን ብሰንኪ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ጸብለልትነት ጸረ-ኤርትራ ዝኾነ መርገጺ ሒዙ ነይሩ። ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ኤርትራ ሕቶ ከም "ብዓረብን ምስልምናን ዝተደፋፈአ" ናዕቢ ብምቕራብ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ከም ዝንጸል ንኽትገብሮ ጽዒራ’ያ።


ነዚ ተነጽሎ’ዚ ንምምካት፣ እቶም ናይ ናጽነት ምንቅስቓሳት ናብ ውሽጦም ብምጥማት መትከል "ርእሰ-ምርኰሳ" ከም ኣድላይነትን ከም ስነ-ሓሳብን ተቐቢሎምዎን ኣበርቲዕም ሰሪሖሙሉን። እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን (ዲያስፖራ) ንዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ብምሃብን ነቲ ቃልሲ ንዓለም ብምልላይን ዘይንዓቕ ግደ ነይርዎም።


ይኹን'ምበር፡ ሃገራት ዓረብ — ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኢራቕ፡ ሶርያን ስዑዲ ዓረብን ሓዊስካ — ብጂኦፖለቲካዊ ምኽንያታትን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዝምዕብል ዝነበረ ርክብን፡ ነቶም ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ፖለቲካውን ንዋታውን ደገፍ ኣበርኪተን’የን።


እቶም ሓርነታውያን ምንቅስቓስት ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፉ ዝነበረኡ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝመስረትዎ ምሕዝነት'ውን ንውድቀት ስርዓት ደርግ ወሳኒ ነይሩ። ዓለማዊ ፍጻሜታት — ምፍራስ ሶቭየት ሕብረት፣ ምፍራስ መንደቕ በርሊንን ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝተላዕለ ናዕብታትን — ነቲ ናይ ስርዓት ደርግ ዓቢ ደጋፊ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ደምበ ኣልዩ ንመስርሕ ናጽነት ኣቀላጢፍዎ እዩ።


ዓወትን ዘይተመልኡ ትጽቢታትን

ናጽነት ብሓባራዊ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ — ተጋደልቲ፡ ስውኣት፡ ስንኩላን ኲናትን ሲቪላውያን (ኣብ ውሽጥን ወጻእን) — እዩ ተረጋጊጹ። እዚ ዓወት’ዚ ክንዮ ዝኾነ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዞባዊ ወይ ብሄራዊ ፍልልያት ንላዕሊ ዝግለጽ’ዩ። እቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተዓዘቦ ናይ 1993 ዓ.ም. ረፈረንዱም፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘረጋገጸን ንብልጽግትን ደሞክራስያዊትን መጻኢት ኤርትራ ተስፋ ዝሃበን ክስተት’ዩ ነይሩ። ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ ድማ ንኤርትራ ከም "ተስፋ ኣፍሪቃ" ይርእይዋ ነይሮም።


እቲ ተስፋ ግን ገና ኣብ ባይታ ክምስከር ነይርዎ። እቶም ምውሓስ ናጽነት ዘለዓዓሎም ወሰንቲ ሕቶታት ብዝግባእ ኣይተመለሱን። እቶም ሕቶታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦ እቲ ምንቅስቓስ ካብቲ ወተሃደራዊ ባህሉ ወጺኡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ክቕበል ይኽእልዶ፧ ግዝኣተ-ሕጊ ክሰፍን ድዩ፧ ስልጣንከ ብናጻ ትካላት ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክሰጋገር ድዩ፧


ዝተዀልፈ ፖለቲካዊ ምስግጋር

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ካብ ዘውሕስ 35 ዓመት ኮይኑ’ኳ እንተሎ፣ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕቶታት ገና መልሲ ኣይረኸቡን። እቲ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተክአ ገዛኢ ሰልፊ — ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) — ንዅሉ ፖለቲካዊ ስልጣን በይኑ ተቘጻጺርዎ ይርከብ። ቅዋም ኣይተተግበረን፣ ምርጫ ኣይተኻየደን፣ ትካላት ሃገር ድማ ብዝግባእ ይሰርሓ የለዋን። ናይቲ ስርዓት ፖለቲካዊ ትረኻ ብምሉኡ ኣብ ምስምስ 'ድሕንነት/ጸጥታ' ጥራይ ዝተሓጽረ ኮይኑ፣ ኲናት ድማ ኣብ ክንዲ ናይ መጨረሻ ኣማራጺ፣ ናይ ህላወኡ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ። ተቓውሞ ብጭካነ ይጭፍለቕ። ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ሽቕለትን ከም ንቡር ተራእዩ። ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ድማ ብተነጽሎን ወተሃደራዊ ኢድ-ኣእታውነትን ዝተመልአ ኮይኑ ክንርእዮ ጸኒሕናን ኣለናን። ካብ ኵሉ ዘሕዝን ድማ ድኽነት፡ ሳዕቤን ናይ ሕማቕ ምሕደራ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሰባት ንምቍጽጻር ተባሂሉ ብመደብ ዝተተግበረ ምዃኑ’ዩ። ምድኽዳኽ ሃገር፡ ቍጠባዊ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ።


ኤርትራ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተጓዕዘቶ ጕዕዞ፡ መሬት ዝሓረረ ግን ድማ ህዝቢ ናይ ዘይሓረረ ምንቅስቓስ መርኣያ እዩ። እቲ ስርዓት ካብ ረብሓ ሃገር ንላዕሊ ንናቱ ህላወ ቀዳምነት ብምሃብ ነዛ ዓቢ ተስፋን ዓቕምን ዝነበራ ሃገር ጅሆ ሒዝዋ ይርከብ። እዚ ውጽኢት’ዚ ናይ ግድን ኣይነበረን። ብብቑዕ መሪሕነትን ካብ ካልኦት ተመሳሳሊ ታሪኽ ዘለወን ሃገራት ብምምሃርን ኤርትራ ዝተፈልየ መንገዲ ክትሕዝ ዘኽእል ዕድል’ዩ ነይሩ።


ንመጻኢኸ፧

ኤርትራ ገና ርእሳ ክትሕድስ ወይ'ውን ክትሓዊ ትኽእል እያ ግንከ ብጽንዓትን ራእይን ጥራይ። እቶም ብሰንኪ ብኵራት ቅዋም፡ ቍጠባዊ ድስካለ፡ ፖለቲካዊ ጭቆናን ዝባኸኑ ዓሰርተታት ዓመታት ህጹጽን ኵሉ ዘጠቓለለን ምላሽ ይሓቱ ኣለዉ። እቲ ዘዋጽእ መገዲ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣ ሓቀኛ ሃገራዊ ዕርቂ ንምትግባር ምብግጋስ፣ ቍጠባዊ እረማን ትካላዊ ዳግመ-ህንጸት ምንጥጣፍን ከጠቓልል ይኽእል። ህግደፍን ንሱ ዝውክሎም ዝጠፈሹ ኣተሓሳስባታት ክውገዱን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኵሎም ኤርትራውያን ኣብ ምህናጽ ሃገሮም ምሉእ ተሳትፎ ክህልዎም ፖለቲካዊ ባይታ ክፉት ክኸውንን ይግባእ።


እዚ ፖለቲካዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዘላቒ ሰላም፡ ውሑስ ልኡላውነትን ንመጻኢ ወለዶ ዝመሓላለፍ ርግኣትን ዝወስድ እንኮ ኣማራጺ'ዩ። ናይ ናጽነት ቃልሲ ብሓባራዊ መስዋእቲ'ዩ ተዓዊቱ። ዳግመ-ህንጸት ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ሓባራዊ ተወፋይነት ይሓትት — ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ንፍትሒ፣ ንጥዑይ ምሕደራን ንናይ ህዝቢ ናይ ነዊሕ እዋን ዝተወንዘፉ (deferred) ትምኒታትን ማእከል ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ።


"ኤርትራ መሬታ ሓሪራ እያ። ህዝባ ምሕራር ግን ገና ይጽበያ ኣሎ።"

 

 


 

 
 
 

5 Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Nur
Mar 28
Rated 5 out of 5 stars.

ኣገዳሲ ጽሑፍ፥

Like

Guest
Mar 27

ነቲ ኣብ ቃልሲ ዘይነበረ ይኹን ነዚ ንኡስ ወልዶ ኣዝዩ ሉዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ እዩ። ነቲ ዝሓለፉ ጥራሕ ዘይኮነ ንመጻኢ ብከመይ ክትሓዝ ከምዘለዎ እውን ኣብታ 2ይ መጽሓፍካ ኣስፊርካዮ ስለዘለኻ። ኩሉ ንሕውየትን ንህዝባዊ ሓርነትን ዝቃለስን ዝብህግን ንመጻሕፍትኻ ገዚኡ ከንብበን የተባብዕ።


Like

Guest
Mar 27
Rated 5 out of 5 stars.

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ክውንነት ዝተሞርኮሰ ዕቱብ ኣታሓሕዛን ቅኑዕ ኣራኣእያን ሓደ ካብቲ ዝኸሰብናዮ'ዩ 'ሞ ዕድመን ጥዕናን ይሃበካ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን።

Like

Guest
Mar 27
Rated 5 out of 5 stars.

"ኤርትራ መሬታ ሓሪራ እያ። ህዝባ ምሕራር ግን ገና ይጽበያ ኣሎ።" እዚ እቲ ዝዓበየ ርድኢትን: ጠቅላሊ ሓሳባትን እዩ:: እሞ ሕጂ እንታይ ይገበር ?ንዝብል ድማ እታ ሓዳስ መጽሓፍካ ኣቀሚጣቶ ኣላ:: ነቲ ከይተሓለልካ ንናይ ጽባሕ ኤርትራ ድምቀት -ብክልሰሓሳብ: ስነፍልጠት: ሞያዊ ብቅዓት - ኣብ ምስኣል እትገብሮ ዘሎካ ኣበርክቶ ዓቢ' ዩ:: ከምቲ ዝብሃል ኣብ ግዜ ጭቆና ተስፋ ዘይርከብ ንዋት እዩ:: ነቲ ውሑድ ንዋት ኣብ ምስሳን እትገብሮ ዘሎካ ኣበርክቶ የመስግነካ!

Edited
Like

Guest
Mar 26

great job as ever! keep it up !!!

Like
bottom of page