top of page
Search

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መገዲ ጥፍኣትዶ ወይስ መገዲ ሕውየትን ልምዓትን

3 days ago
11 min read

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መገዲ ጥፍኣትዶ ወይስ መገዲ ሕውየትን ልምዓትን

 

ሰመረ ሰሎሞን

24 ጥቅምቲ 2026

 


መዘኻኸሪ

ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2026 “ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጅያዊ ሓላፍነት ኤርትራን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝዘርጋሕክዎ ጽሑፍ ነይሩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ ዝዝርጋሕ ንኔው ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ምዕባለታት ተኸሲቶም ኣለዉ። እዛ ዓንቀጽ’ዚኣ እምበኣር ነዞም ክሳዕ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ተራእዮም ዘለዉ ምዕባለታት ንምድህሳሳን ከም ዜጋታት ድማ ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ኢልና ከነስተውዕለሎም ብዛዕባ ዘሎና ጕዳያትን ትድህስስ። ከም መቐጸልታ ናይታ ኣብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝተጻሕፈት ዓንቀጽ ኮይና ክትውሰድ ድማ እላቦ።

 

1.     ኣብ ድርኵኺት ከቢድ ዕንወት ከይንህሉ ዘሻቕል ኵነታት

ቀርኒ ኣፍሪቃ ኽግታእ ኣብ ዝኽእል ሓደገኛ ድርኵኺት ከቢድ ዕንወት ትርከብ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰራዊታት ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ተጠንቀቕ ይርከቡ። ነጋሪት ኲናት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉን ተሰፋ ምፍዃስ ናይቲ ወጥሪ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከይበንን ዘሻቕል ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ውሽጣዊ መዋቕራዊ ምምዝባለ ወይ ዘይምርግጋእ ዝጀመረ ዅነታት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት’ቲ ብ’ጥምረት’ ዝፍለጥ ንብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ውዳበታት ዝሓቘፈ ሓይልን ናብ ቀጥታውን ምዱብን/ቀዋምን (conventional) ኲናት ተለዊጡ ንዕዘብ ኣለና። ብኽልቲኦም ሸነኻት ድማ ወተሃደራዊ ዓወታት ነመዝግብ ኣለና ዝብሉ መግለጺታት ክቃልሑ ንሰምዕ ኣለና። ነዚ ዅነታት ዘብእስ ሓደ ካልእ ምዕባለ’ውን ኣሎ። ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ’ቲ ኣንጻር ሓይልታት ፈደራል ዝገበርዎ ሰሙናት ዝወሰደ ዂናትን ናብን ውሽጥን ዶባት ኤርትራ ዝገበርዎ ምንቅስቓሳትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሃዋሲ ወተሃደራዊ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ እቲ ብቐጥታዊ ጻውዒት ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰነየ ህጹጽ ጠለብ ምንካይ (de-escalation) ወጥሪን ብዝለዓለ ደረጃ ዝግለጽ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታውን፡ እዚ ዞባዊ ምትፍናን ናብ ዓለማዊ ሻቕሎት ዝበጽሐሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ዘመልክት’ዩ።

 

ኣብቲ “ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጅያዊ ሓላፍነት ኤርትራን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝዘርጋሕክዎ ዓንቀጽ ካብ ኤርትራውያን ዝሕተት ኣጠማማታ ነዞም ዝስዕቡ መሰረተ-ሓሳባት ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ፦ ስትራተጅያዊ ርእሰ-ቝጽጽር ወይ ርዝነት ምርኣይ፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ-ኣእታውነት ምውጋድ፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብዕቱብ ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሕኸኸኒ-ክሓከካ ማእከል ዝገበሩ ሓደገኛታት ልፍንትታት ምንጻግ። ሎሚ ድምጺ ደወል ኲናት ብዓውታ ኣብ ዝቃልሓሉ ዘሎ እዋን፡ ህድኣት ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ናብ ቀጥታዊ ጐነጻዊ ረጽሚ ኣብ ዝምርሻሉ ዘለዋ ህሞት፡ እቲ እንገብሮ ፖለቲካዊ ትንታነ ናብ ተግባራዊ ምግታእ ግጭት ዘተኰረ መተሓሳሰቢታት ምሃብ ክሰጋገር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ኸኣ ውሕሉል ኣልያ ይጠልብ።

 

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ኣቡኡ ዘፍለጠ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ወሳኒ ጀኦ-ፖለቲካዊ ዳግመ-ስርርዕ ኣሰላልፋ ሓይልታት ከየኸትል ይኽእል’ዩ። ብኣንጻሩ ድማ ታሪኻዊ ቅርሕንትታት ክፈትሕ ወይ’ውን ኣገደስቲ ቍጠባዊ ረብሓታት ከውሕስ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ክንድኡስ፡ ንመጠነ-ሰፊሕ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘጋልጽ፡ ሰብኣዊ ህልቂት ናይ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣህዛብ ዘኸትልን ዓቕሚ ወለዶታት ክልቲኦም ሕበረተ-ሰባት ዘባኽንን’ዩ ኽኸውን። ካብዚ ኣዕናዊ ወጥሪ ክውጻእ ዝከኣል ድማ ካብ ሰረተ-እምነት ቅጽበታዊ ወተሃደራዊ ዓወት ምምዝጋብ ብምውጻእ፡ ዲፕሎማስያዊ መዋጽኢ ባይታታት ሰላም ምድህሳስ’ዩ። ከምኡ’ውን ንልኡላውነት ከም መመሳመሲ መኸተን ምግዳድ ኲናትን ኣብ ክንዲ ምጥቃም ውሽጣዊ ትካላዊ ጽንዓትን ስጥመትን ምሕያል ክትኰረሉ ይግባኣ።

 

2.     ስትራተጅያዊ ሓባራዊ ዕንወትን ግጕይ ሰረተ እምነት ወተሃደራዊ ዓወትን

እቲ ንዂናት ከም ቀንዲ መፍትሒ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዘቐድም ሰረተ-እምነት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ፡ ቀጻልን ዘርብሕን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ኣዕናዊ ሃተምተም (illusion) እዩ። ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እዚ ግምት’ዚ ክሳዕ ክንደይ ግጕይ ምዃኑ ህያው ኣብነት’ዩ። እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ብምስምስ ናይ ዶብ ምፍሕፋሕ ዝተኻየደ ዂናት፡ ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ኣማእት ኣሽሓት ሰባት ህይወት በሊዑን ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመን ጸጋታት ኣባኺኑን’ዩ።  ኣብ መወዳእታ ዘፍረዮ ነገር እንተ ነይሩ ኸኣ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝቐጸለ ዝደስከለ ወጥሪ፡ ወተሃደራዊ መልመስንት ሓባራዊ ሃልክን ድኻምን ጥራይ’ዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ፡ ኣብ ዓውደ-ዂናት ዝፍትሑ ቅዋማዊ ክርክራት፡ ታሪኻዊ ቅርሕንትታት ወይ’ውን ዘከራኽሩ ታሪኻውያን ፖለቲካዊ ሕጋውነታት ከም ዘይነበሩ ብግሁድ ዘረድአ ኽስተት’ዩ።

 

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ብሓድሽ ዝርአ ዘሎ ምትፍናን፡ እቲ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ምሉእን ነባርን ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣይክህልዎን’ዩ። ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኻልእ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ንኸርኢ ዘሎ ተኽእሎ’ውን  ጸቢብ’ዩ። ኣብቲ ዶብ ዝግበር ረጽሚ ዝተሓወሶ ግጭት ድማ ናብ ሰብን ካልኦት ጸጋታትን ዝበልዕ ናይ ምርብራብ ኲናት (war of attrition) ክቕየር ዘይንዓቕ ተኽእሎ ኣሎ። ንውክልና ዂናት ዘተባብዕ ምቹእ ባይታ ከጥጣሕ ድማ’ዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዅነታት፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወሳኒ ወይ ርኡይ ዕብለላ ካብ ምፍጣር ንላዕሊ ብመጠኖም ገፋሕቲ ዝኾኑ ሃጓፋት ጸጥታ ክፍጠሩ ዘይሕሰብ ኣይኮነን። ሳዕቤናቶም ድማ ቐሊል ኣይክኸውንን’ዩ።

 

  1. ቍጠባውን ስነ-ህዝባውን ምብትታንን ሳዕቤናቱን

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ከቢድ ማክሮ-ቝጠባዊ ጸቕጢ ኣብ ዘለዋሉ እዋን’የን ናብዚ እንርእዮ ዘሎና ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ወጥሪ ዝምርሻ ዘለዋ።  ኢትዮጵያ ብኸቢድ ጸበባ ዕዳ፡ ምጽንቃቕ ባጤራ ወጻእን እናብኣሰ ዝኸይድ ዝቕባበ ወይ ናህሪ ዋጋታትን ትሳቐ ኣላ።  ዓቕሚ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ጸጥታዊ ወጥርታት ተሸሚሙ ይርከብ።  ኤርትራ ብወገና፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ክኸይድ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምድላዋት፡ ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኑ ዝጸንሐ እገዳታትን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ዘስዓብዎ ኸቢድቲ ሰብኣውን ቍጠባውን ጾር ዝተሰከመት ሃገር’ያ። ህጹጽ ቍጠባዊ ምምዕርራይ፡ ወፍርን ምንጥጣፍ ሲቪላዊ ቍጠባ ዘድልያ ሃገር’ያ።

 

ከምዚኦም ዝመለለይኦም ፊስካላውን ቍጠባውን ቍመናታት ሒዝካ ኣብ ምዱብ ወይ ቀዋሚ ዂናት ንኽትእቱ ፖለቲካዊ ሕርያ ምግባር ንኽልቲኦም ወገናት ርእሰ-ቕትለታዊ ተግባር’ዩ ዝኸውን። ዕቝራት ጸጋታት ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጽን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዝውዕል ኣብ ወተሃደራዊ መዓላታት ክውዕል’ዩ። ልምዓታዊ ትራጀክተሪ ናይ ክልቲአን ሃገራት ድማ እቲ ዝኸፍአ ሰናርዮ ብደውታ፡ ካብኡ ዝያዳ እንተ ኸፊኡ ድማ ብንድሕሪት ምጕታት ኽግለጽ’ዩ።

 

ብመንጽር ስነ-ህዝባዊ ኣቀዋውማ፡ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብመንእሰያት ዝተዓብለለ’ዩ። ኲናት ንኻልእ ወለዶ ናብ ዕርድታት ምክልኻል ከም ዝዘምቱ ክገብር’ዩ። ኣፍራዪ ክፋል ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ክዕኑ’ዩ። ዕብየት ትምህርቲ ደው ክብል’ዩ። ከምኡ’ውን ስደት ክበራትዕ ዓቢ ምኽንያት ክኸውን’ዩ። ገጠራዊ ቝጠባ ኣብ ዝዳኸመሉ እዋን ቀረብ ምግቢ ብእሉታ ክጽሎ’ዩ። እዚ ብግዲኡ ጥሜት፡ ምምዝባልን ማሕበራዊ ዕንወትን ከስዕብ’ዩ። ንኽልቲኦም ድማ ብማዕረ ኽጸልዎም’ዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ውጽኢት ዘመናዊ ዂናት ዓወት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሓባራዊ ሕብረተ-ሰባዊ ዓቕሚ ምድኻምን ምጽንቃቕን። 

 

  1. ምዝላቕ ሓይልታት ህወሓት ናብ ኤርትራን ሳዕቤናቱን

ዘይንዓቕ ክፋል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ዶብ ኤርትራ ከም ዝሰገረ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።  ኣብ እዋን ተለዋዋጢ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኵነታት፡ ገለ ገለ ናይ ሓጺር ወይ ስልታዊ ረብሓታት ክህቡ ዝኽእሉ ዳግመ-ስርርዕ ኣሰላልፋ ሓይልታት ይርኣዩ’ዮም። እዚ ዓቢ ብድሆ ወይ ፈተና’ዩ። ብኸመይ ይተሓዙን ውጽኢታቶም ንምትንባይን ድማ በዳሂ ይኸወን። 

 

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብድሆታት ወይ ፈተንቲ እዋናት ብኽልቲኦም ወገናት ብጥንቃቐ ኽተሓዙ ዘለዎም ጕዳያት’ዮም። ከምቲ ኣብ ትሕቲ “ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጅያዊ ሓላፍነት ኤርትራን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዝተገለጸ ናይ ኤርትራ ዘላቒ ምርግጋእን ጸጥታን ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድካ ብምእታው ወይ ምስ ተለዋወጥቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ልፍንትታት ኢትዮጵያ ብዝግበር ሽርክነት ክህነጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ብጐነጽ ንምምንዛዕ ንዝቃለሱ ዕጡቓት ወገናት ምድጋፍ ወይ ዑቕባ ምሃብ፡ ነቲ ናይ ኢድ-ዘይተኣታታውነት መሰረታዊ ፖሊሲ ወጻኢ ብቐጥታ ዝጥሕስን ንኤርትራ ኣብቲ ብኢትዮጵያውያን ጥራይ ክፍታሕ ዝግባኦ ዂናት ሓድሕድ ዝሸምምን’ዩ። እዚ ጕዳይ’ዚ፡ ንስርዓት ኢትዮጵያ’ውን ብማዕረ ይምልከቶ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኽመጽእ እንተ ኾይኑ ህዝቢ ኤርትራ ዘማእዝኖን ዘመሓድሮን ለውጢ ኽኽውን ይግባእ። እቲ ኣጀንዳ ናይ ህዝብ ኤርትራ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ንግጕይ ኣተሓሕዛ ዘቤታውን ግዳማውን ጕዳያት ስርዓት ህግደፍ ከየስተውዓለሉን መልሰ-ተግባር ከይሃበሉን ዝሓልፍ ኣይኮነን።

 

  1. ስግረ-ዶባዊ ኲናት ምውጋድ

ብመንጽር ስትራተጂ ክራአ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንዕጡቓት ናይ ደገ ሓይልታት ምዕቋብ፡ ምዕጣቕ፡ ወይ ንህላወኦም ኣብ ውሽጢ ልኡላዊ ግዝኣትካ ዕሽሽ ምባል ንሃገራዊ ሓደጋ ዘቃልዕ’ዩ። እዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠቕሰ “ክትትል ጸላኢ” (hot pursuit) ከምኡ’ውን “ርእሰ-ምክልኻል” ብዝብል ምስምስ ወይ ሽፋን፡ ንስግረ-ዶባዊ መጥቓዕቲ፡ ደብዳብ ኣየርን መጥቃዕትታት ድሮንን ንምክያድ ቅጽበታዊ መመኽነይታ ዂናት (casus belli) ክህቦ ይኽእል።

 

ብዞባውያን ዕጡቓት ዝለዓል ባርዕ ኲናት ንምግታእ፡ ናይ ኤርትራ ፖሊሲ ሓለዋ ዶብ ግሉጽ፡ ሕጋውን ብጽኑዕ ዝትግበርን ክኸውን ይጥለብ፦

  •  ጕዳይ ናይ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ መሬት ኤርትራ ዝሰግሩ ዕጡቓት ኣህጉራውዊ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ምእላይ፣ 

  •  መሬት ኤርትራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ንዝቐንዕ ወተሃደራዊ ስርሒታት መበገሲ ኾይኑ ንኸየገልግል ክቱር ጥንቃቐ ምግባርን

  •  ካብ ዝተኸስተ ቐውሲ ዝሃድሙ ስደተኛታት ብመሰረተ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘድሊ ዘበለ ዅለንተናዊ ሓልዮትን ክንክንን ምግባር። 

 

ኤርትራ ነዚ ናይ ዶባት ምሕላው ፕሮቶኮል ዘረጋግጽ ኣገባብ ብምኽታል፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ሰማይ ንኸይዓርግ ክትከላኸል ትኽእል’ያ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዶባታ ዝፍኖ ዂናት፡ ግሉጽን ንጹርን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰላም ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከተቃልዖ ይቐለላ። ንርእሰ-ምክልኻል ድማ ዓቢ ረብሓን ምድንጋጽ ዓለምን ትረክብ።


  1. ምስምሳት ኲናት ምብርዓን፡ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸዓን ኣፍደገ ባሕሪ ብጽኑዕ ምንጻግን ምምካትን

ጐኒ ጐኒ’ቲ ኣብ ዶባት ዝርአ ምትፍናን፡ ነቲ ናይ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኵነታት ዝፈታተንን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱን ትረኻታት ካብ ዝስማዕ ሓያለይ ኮይኑ’ሎ። ሰላም ንምውሓስ፡ እዚ ጀኦ-ፖለቲካዊ ምስምስ’ዚ ብዘየወላውሉ ሕጋውያን መትከላት ክንጸጉን ክምከቱን ኣለዎም።

 

ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መሬታ፡ ወደባታ—ዓሰብን ባጽዕን ሓዊስካ—ግዝኣተ-ማያታን ክልላት ኣየራን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝእቱ ኣይኮነን።  እዚ ልኡላውነት’ዚ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅዋማዊ ኣዋጅ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ መሰረታዊ መትከል (uti possidetis juris) ማለት እቲ ብናጽነት ዝተረኽበ መግዛእታዊ ዶባት ዘይግሃስ ምዃኑ ዝገልጽ ሕጊ ዝተሰረተ’ዩ።  ሓንቲ ወደብ-ኣልቦ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ተፈጥሮኣዊ መሰል ኣለኒ ዝብል ስነ-መጐት ከተሳሲ ድማ ምስ ኣህጉራዊ ፍርዳዊ ልምዲ (practice) ፈጺሙ ዘይቃዶ ኣተሓሳስባ’ዩ።

 

ድልየታት ኣፍደገ ባሕሪ ብምጕብዕባዕ ወይ ጐነጻዊ ጸቕጢ፡ ምዅማር ሰራዊት ወይ’ውን ወሰናስን ግዝኣት ምቕያር (territorial revisionism) ንምግባር ዝግበር ዝኾነ ፈተነ፡ ንዓንቀጽ 2(4) ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ዝጥሕስን ንምርግጋእ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድሕሪ-መግዛእቲ ዝቖመት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ክስተተ’ዩ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ መሬቶም ዝመጽእ ዝኾነ ተግባረ-ግህሰት ብሕጋዊ፡ ፖለቲካውን ስነ-ምግባራውን መገዲ ናይ ምንጻግን ምምካትን ድማ ምሉእ መሰል ኣለዎም።

 

  1. እቲ ኻልእ ኣማራጺ፦ ንግዳዊ ሓባራዊ ረብሓ ኣምሳያ ግህሰት ልኡላዊ መሬት 

ኲናት ከም መማረጺ ንኸይውሰድ ንምክልኻል፡ እቲ ንሕጋዊ ልኡላዊ ምክልኻል ዘውሕስ ርእሰ-ምክልኻላዊ ተግባር ብንጹር ሕጋውያን መርገጽታት ክስነ ኣለዎ።  ንምልምማጥ ምንጻግ ወይ’ውን ንልኡላውነትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው ማለት ኣብቲ ልሙድ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምስታፍ ድልየት ከም ዘይብልካ ተገይሩ ብግጉይ ክትርጐም ኣይግባእን።

 

ኣህጉራዊ ሕጊ—ብፍላይ ድማ ክፍሊ 10 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ሕጊ ባሕሪ (UNCLOS)—ወደብ-ኣልቦ ሃገራት ምስ መተሓላለፍቲ ሃገራት ብዝግበር ልዝብ፡ ክልተኣዊ ስምምዓትን መተሓላለፊ ባሕሪ ንምርካብ መሰል ንኽረኽባ ዘኽእል ምሉእ መዋቕር የቕርብ’ዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሓያለይ ወደብ-ኣልቦ ሃገራት ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ጐረባብተን ልኡላውነት ከይግሃሳ ውሑስ ኣህጉራዊ ንግዲ ኸካይዳ ይርአያ’የን። እቲ ፍልልይ ድማ ብጥንቃቐ ኽንጸር ኣለዎ፦


  • ግዝኣታዊ ልኡላውነት ብወተሃደራዊ ምፍርራሕ ክጠሓስ ወይ ብሓይሊ ክድፈር ኣይክእልን’ዩ።

  • ንግዳዊ ኣገልግሎታት ወደብን መተሓላለፊ መስመራትን ግን ኣብ ሓባራዊ ንግዳዊ ረብሓ፡ ኣብ ወፍሪ ዞባዊ ትሕተ-ቕርጺ፡ ከምኡ’ውን ንልኡላውነት ሃገራት ኣብ ምኽባር ክምርኰስን ኣብ መንጎ ልኡላዉያን ሃገራት ብዝግበር ስምምዓት ክዝረበሉን ይከኣል’ዩ።

 

ኤርትራ ነዚ ፍልልይ’ዚ ብዘየወላውል መገዲ ብምንጻር፡ ነቶም ዶባት ናይ ምቕያር ባህጊ ዘለዎም ወገናት ካብቶም ዘጋውሕዎም ትረኻታት ከተገላግሎም ተበግሶታት ናይ ምውሳድ መሰልን ግዴታን ኣለዋ።  እቲ ናይ ወደብ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ቝጠባዊ ድልየት ድማ ብመገዲ ሰላም፡ ዲፕሎማስን ንግዳዊ ተጠቓምነትን ክፍታሕ ከም ዝኽእል ተረጋግጽ። ከምዚ ብምግባር ድማ ንምውጥዋጥ ዅናት፡ ግሉጽን ዘይሕጋውን ተግባር ምዃኑ ተቃልዕ። 

 

  1. ምዝሓል ግጭትን ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን

እቲ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘመሓላለፉ ህጹጽ ናይ ምንካይ ግጭት ጻውዒት፡ ኣብ ባይታ ናብ ተግባራውን ዝረጋገጽን ኣልያ ክቕየር ዝግባኦ ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ኣፍደገ ከፊቱ ኣሎ። እቲ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ትካላትን ብምትሕብባር ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሳልሳይ ወገን ተሓታትነት ንምፍጣር ዘኽእል እወታዊ ተበግሶ ኮይኑ ኽውሰድ ይግብኦ። መብዛሕቲኡ ግዜ ሳልሳይ ወገን ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው ነቲ ወጥሪ ንምዕጋስ ዘኽእል ባይታ የጣጥሕ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ ኣህጉራዊ ቈላሕታ’ዚ ብእወታ ክርእይኦ ይግባእ። እንተ ተኻኢሉ’ውን እቲ ቐጥታዊ ክልተኣዊ ርክብ ብብዙሕ-ወገናዊ ተሳትፎ ክድልድልን ክድራዕን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ዘላቕነቱ ንምውሓስ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድና ዝኣመሰሉ ዞባውያን ትካላት ክሳተፍዎ ተጠላቢ ይኸውን ማለት’ዩ።

 

ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸስተ ምፍሕፋሕ (ስርዓት ኢትዮጵያ ጕዳይ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኸልዕለሉ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን) ንምእላይ ወይ ምብርዓን ኣብ ክንዲ ኣብ ዲፕሎማሲ ዝነጥፍ ምስቲ ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ምጽማድ ይሕሸኒ ዝብል ፖለቲካዊ ሕርያ’ዩ ወሲዱ። ከም ሕሱም ከኣ ሰሪሑሉን ኣጋዊሕዎን። ንዲፕሎማሲ ኽወሃቦ ዝነበሮ ኣቓልቦ ዘየምሃቡ ድማ ሕጂ ዋጋ ይኸፈለሉ ኣሎ። ንእግረ መገድና ኸይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይግባእ ጕዳይ’ውን ኣሎ። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምስ ዓዲ ሃገር፡ ምስ ህዝቡን ምስቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ፍልልይ ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ተቓወምትን ክጸምድ’ዩ ዝነበሮ። ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ ድማ ናይ ዕርቅን ሓድነትን መንግስቲ ምውዳድ’ዩ ኽሰርሕ ዝነበሮ።  

 

  1. ንዘይምኽኑይ ፍርሒ፡ ዕብዳን ኲናትን ምብእኣስ ቅርሕንትን ምንጽግን ምምካትን

ኣብ እዋን ምሒር ወጥሪ፡ ውድባት ፖለቲካን መርበባት ኢንተርነት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓቕለ-ጽበታውን ስምዒታዊ ተግባራት ክሽመሙ ይርአዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ኣዕነውቲ ዝንባለታት ብንቕሓት ኽነጽጎም ትጽቢት ይግበረሉ፦

 

  • ዕብዳን ኲናት ምንጻግ፦ ኲናት ሃገር ንምክላኻል ዝውሰድ ናይ መጨረሽታ ዘሕዝን ኣማራጺ’ምበር፡ መጋበሪ ኣጕል ዕንደራ ኣይኮነን። ክንዲ ዝኾነ ድማ ካብ ዓበድበድ ወይ ሂስተርያ ምጥንቃቕ ከድሊ’ዩ። 

  • ብጃምላ ንዝግበሩ ምዝንጣላት ምቅዋም፦ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ፖሊሲታት ስርዓት ኢትዎጵያን ተራ ኢትዮጵያውያን ዜጋታትን ዘሎ ስነ-ምግባራውን ፖለቲካውን ፍልልይ ክግንዘቡ ይሕተቱ። ንጐረባብቲ ማሕበረ-ሰባት ምጽላም ነቲ ናይ መጻኢ ሰላማዊ ብሓባር ማዕረ-ማዕረ ናይ ምንባር ዕድላት ክምርዞን ዓሚቝ ጽልኢ ኽፈጥርን ተኽእሎ ኣሎ።  

  • ብዲሲፕሊን ዝልለ ተጣባቕነት ዲያስፖራ፦ ዲያስፖራ ነቲ ፖለቲካዊ ዓቕሙ ናብ ሞያዊ ዲፕሎማስን ሕጋዊ ምክልኻል ልኡዑላዊ መሰላትን ከቕንዖ ደኣ’ምበር ብመርዛም ዲጂታላዊ ክትዕ ጽልኢ ኸጐሃህር የብሉን።

 

  1. ትካላዊ ሕጋውነት ከም ምከላኸል ሃገር

ውሕስነት ሓንቲ ሃገር ብድልዳለ ዕርድታታ ወይ ብዝሕን ቍመናን ሰራዊታ ጥራይ ዝዕቀብን ዝዕቀንን ኣይኮነን። ዘላቒ ልኡላዊ መኸተ ዝምንጩ ካብቲ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ውሽጣዊ ጽንዓት፡ ሕጋውነትን ዜጋታት ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘለዎም እምነትን’ዩ። ውሽጣዊ ስኒት ከም ቀንዲ ኣልያ ግትኣት’ዩ። ሓቀኛ ሃገራዊ ጽንዓት፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝምንጩ ዓሚቝን ወለንታውን እምነት ዘረጋግጽ ውሽጣዊ ዲሲፕሊን ይሓትት። ንቀጻልነት ስግኣታት ግዳም ከም ምስምስ ወይ መመኻነይታ ብምጥቃም ኣገደስቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምትዕርራያት ክደናጐዩ የብሎምን። ብኣንጻሩ፡ ውሽጣዊ ስኒት ንምኽልኻል ሃገር ዘገልግል እንኮን ዝለዓለን መከላኸሊ ዋልታ’ዩ። ነዚ ንምትግባራ ኣብ ኤርትራ ውዓል-ሕደር ዘይበሃሎም ጕዳያት ኣለዉ፦

 

  • ምህናጽ ትካላዊ ምትእምማን፦ ዜጋታት፡ መንግስቶም ግሉጽ፡ ፍትሓውን ተሓታትን ኮይኑ ኣብ ዝረኽብዎ እዋን ጸጥታ ሃገር ይሕይል።  ኣብ መንጎ ዜጋን መንግስትን ዘሎ ምትእምማን ድማ ይተርር።  ትካላዊ ብቕዓት ምብራኽ፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ምውዳድን ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽን ንማሕበራዊ ሓድነት ከም ዓረ የደልድል።

  • ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፦ ሓቀኛ መድረኻት ሃገራዊ ዘተ ምኽፋት፡ ዜጋዊ ተሳትፎ ምዕባይ፡ ከምኡ’ውን መዋቕራት ምሕደራ ሃገራዊ ሓድነት ምምስራትን ናይ ግዳም ተጻባእቲ ኽምዝምዝዎም ዝደልዩ ውሽጣዊ ነቓዕት የወግድ። ።

  • ንመንእሰያት ቍጠባዊ ተስፋ ምፍጣር፦ መንእሰያቱ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘተኣማምን ቍጠባዊ መጻኢ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ትርጕም ዘለዎ ሲቪላዊ ህይወት ዘስተማቕሩሉ ባይታ ምጥጣሕ ተጠላቢ’ዩ።  ከምዚ ብምግባር ድማ ካብ ተስፋ-ምቑራጽ ዝጠንቁ ስደትን ገልታዕታዕ ህይወትን ይገላገል። 

 

መደምደምታ፦ ወጥሪ ምብርዓን ትብዓት ይሓትት

ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ወጥሪ ኵነታት ከተሃዳድእ ምፍታን ወይ ምምራጽ፡ ናይ ፍርሒ ወይ ኢድ ምሃብ ተግባር ኣይኮነን።  እንታይ ደኣ እቲ ዝለዓለ ናይ ስትራተጅያዊ ትብዓትን ሃገራዊ ሓላፍነትን መግለጺ’ዩ። ረብሓ ህዝቢ ዘየቐድሙ መራሕቲ ብሰንኪ ግዜያዊ ስምዒታቶም፡ ትዕቢቶምን ፖለቲካዊ ቅብጸት-ተስፍኦምን ሃገራቶም ናብ ገደል ንኸምርሓ ይፈቕዱ። ብኣንጻር’ዚ፡ ሓላፍነታዊ ግዴታ ዝስምዖ መንግስታዊ ምሕደራ ግን ካብቲ ድርኵኺት ዕንወት ምምላስ፡ ወጥርታት ምንካይ፡ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ሰላም ከም ኣማራጺ ፍታሕ ምስሳይን ከምኡ’ውን ልኡላዊ መሰላት ድማ ብሓይሊ ሕግን ሕጋዊ ልኡላዊ መኸተን ናይ ምክልኻል ዲሲፕሊን ይጽውዕ።

 

መርግጺ ኤርትራ ጽኑዕ ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ። ዶባታ፡ ልኡላውነታን ባሕራዊ ኽልላታን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይግሃሱ’ዮም።  መጥቃዕቲ እንተ ወሪድዋ ድማ ብምሉእ ዓቕማ ብዘይካ ምክልኻል ካልእ ኣማራጺ የብላን።  እንተኾነ ግን ንዂናት ክትወናወን፡ ምስ ክመጹ ዝኽእሉ ውክላናዊ ዂናታት ተቓላዒት ክትከውን ወይ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ናይ ኢትዮጵያ ዂናት ሓድሕድ ክትጥሕል ፈጺማ ክትፈቅድ የብላን።

 

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ’ቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኸስቱ ብምፍሳስ ደም፡ ምዝንባል ህይወትን ዝተጠልሙ መብጽዓታትን ዝልለዩ ተመክሮታት እኹል መከራ ኣስተማቒሮም’ዮም። ብሕጋዊ ንግዳዊ ልውውጣት፡ ሰላማዊ ዶባትን ሓባራዊ ምክብባርን ዝልለ መጻኢ ይግብኦም’ዩ። ሎሚ ዂናት ምውጋድ ማለት፡ ነቲ ጽባሕ ዝመጽእ ዕድል ሰላማዊ መጻኢ ምዕቃብ ማለት’ዩ። ናይዚ እዋን’ዚ ህጹጽ ጠለብ ንጹር’ዩ፦ ንሰላምን ምርግጋእ ዝግበሩ ዘለዉ ኣህጉራዊ ጻውዒታት ብጽሞናን ዕቱብነትን ምድማጽ፡ ኣብ ዶባት ዘሎ ወጥሪ ናብ ኣቡኡ ዘፍለጠ ዂናት ቅድሚ ምቕያሩ ምብርዓን፡ ነጋሪት ኲናት ደው ምባልን   ከምኡ’ውን ነቲ ዘላቒ ዞባዊ ሰላም ንምውሓስ ዘኽእሉ መዋቕራት ምህናጽ’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሓደ ዘሰክፉ ዅነታት ንዕዘብ ኣለና፡። ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ናይ ሓዋሩ ሳዕቤን ናይቲ ዂናት ተገንዚቦም ልቦንናን ትዕግስትን ዝመለለይኦም ሕርያታት ዝገብሩ፡ ኣብ ክልተ ደምበታት ተመቂሎም ነንሓድሕዶ ክቛሰሉ ይርአዩ። በቲ ሓደ ወገን፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ንመንግስቲ ምንቃፍን ምቅዋምን ኣየድልን’ዩ”፤ “ኵልና ዜጋታት ፖለትካዊ ጸግዕና ብዘየገድስ ብዘይ ቅድመ-ዅነት ኣብ ጐኒ መንግስታናን ሰራዊትናን ክንስለፍ ኣለና” ብምባል ንዝኾነ ካብዚ ኣጠማማታ’ዚ ፍልይ ዝብለ ኣረኣእያ ዘለዎን (ግንከ ብማዕረ ብዛዕባ ድሕነት ሃገሮም ዘስቘርቝርን ዜጋ) ብኽድዓትን ጥልመትን ክውንጅሉ ይርአዩ። አረ ገሊኦምስ ንተቓውሞ ብሓባር ጠርኒፎም ኣብ ስሉም ሰፍኢ ገይሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ኸረክቡ ዝወናወኑ’ውን ኣየስኣኑን’ዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ምስቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን ጥሙሕ ዘሳሲ ስርዓት ኢትዮጵያ ተሓባቢርካ ንስርዓት ኢስይያስ ምግልባጥ እዋኑ እኺሉ’ዩ እሞ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኣለና ዝብሉ ዜጋታት ኣለዉ። ኣብዚ ኸይተሓጽሩ፡ ገሊኦም’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ እናተቓወሙ፡ ኣብ ምብኣስ ናይዚ ወጥሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣበርክቶ ከም ዘይገበረ ገይሮም ከቕርቡ ዝፍትኑ ወይ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ዕሽሽ ዝብሉ ኣለዉ። ገለ ኻብዚኣቶም ብፍላጥ፡ ገሊኦም’ውን ብዘይ ፍላጥ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። በዚ ኾይኑ በቲ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣረኣእያታት ንእዋናውያን ብድሆታት ዝምልሱ ኮይኖም ኣይንረኽቦሞን።

 

ኣብ ክንድኡስ፡ መርገጺና ንረብሓ ውሑዳት ዘይኮነስ ንዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ክኸውን ይግባእ። ሕርያና ንብሩህ ዕድል መጻኢ ወለዶ ዘቛምትን ውርሻውን ክከውን ይድለ። ዕድል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደን ዝተወሳሰበን ምዃኑ ተረዲእና ፖለቲካዊ ሕርያና ንኽልቲኡ ህዝብታን ንህዝብታት ጐደቦን ዘርብሕ ክኸውን ከድሊ’ዩ። ኣብ ስምዒት ተመርኲስካ ዘይኮነስ ንዅሎም’ቶም ጠንቅታት ናይዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ ብዘይ ኣድልዎ (bias) ምርእይ ክጠልብ’ዩ። ንነገራት ከም ዘለዎም ምቕራብን ምእማንን’ውን ከድሊ’ዩ።

 

እነሳስዮም መትከላት’ምበኣር ነዞም ዝስዕቡ ኸጠቓልሉ ይግባእ፦ ንዅሉ ጐነጽ ዘቐድም ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብትሪ ምንጻግ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያት ሓድሕድ ኢድ-ኣእታውነት ምቅዋም፡ ፍልልያት ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ዝፍትሑሉ ኣልያታት ምንዳይ፡ ንዅሎም’ቶም ነቲ ወጥሪ ሰማይ ንኽዓርግ ዝወናጭፉ ዘለዉ መርዛም ፕሮፓጋንዳታት ደው ምባል፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድናታት ምትብባዕን ኣብ መጨረሽታ ድማ ካብ ጸበበቲ ሃገራዊ ረብሓትት ወጺእካ ብዛዕባ ዞባዊ ምርግጋእን ልምዓትን ምሕሳብ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ወጥሪ’ዚ ናይ ሓደ መንእሰይ ንጣብ ደም’ውን እንተ ኾነ ኸየተኽፈሎ ክእለ ዅሉ-ሸነኻዊ ጻዕሪ ምግባር ከድሊ’ዩ። እቲ ብምስምስ ልኡላውነት ክሳዕ ሕጂ ዝተኸከፍለ ዋጋ ይኣክል።

 

 

መወከሲ ጽሑፋት

African Union. (2000). Constitutive Act of the African Union. United Nations Treaty Series, 2158, 3.

Agreement between the Government of the State of Eritrea and the Government of the Federal Democratic Republic of Ethiopia (Algiers Agreement), Dec. 12, 2000, 2138 U.N.T.S. 93.

Back, I. (2024). The role of regional multi-actor mediators: The case of IGAD in the Ethiopia-Tigray conflict. The Journal of the Middle East and Africa, 15(2), 151–166. https://doi.org/10.1080/21520844.2024.2343261 

Campbell, J. R. (2021). The limitations of international law at the Eritrea-Ethiopia Claims Commission and its implications for future conflict. Journal of Eastern African Studies, 15(4), 604–623. https://doi.org/10.1080/17531055.2021.1989136 

Caruso, F., & Akamo, J. O. (2024). EU policy towards Ethiopia amidst the Tigray war: The limits of mitigating fragmentation. The International Spectator, 59(2), 120–139. https://doi.org/10.1080/03932729.2024.2302473 

Lyons, T. (2009). The Ethiopia–Eritrea conflict and the search for peace in the Horn of Africa. Review of African Political Economy, 36(120), 167–180. https://doi.org/10.1080/03056240903068053 

Organization of African Unity. (1964). Border disputes among African states (Resolution AHG/Res. 16(I)). Assembly of Heads of State and Government, First Ordinary Session, Cairo, Egypt.

Solomon, Semere (2026). ልቦና ዝሓትት እዋን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያን ስትራተጅያዊ ሓላፍነት ኤርትራን.  https://tinyurl.com/92bpb5rz 

Solomon, Semere 2026). ካብ ቃራና-መገዲ ናብ ኮሪደራት፦ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ስርዓተ-ቀይሕ ባሕርን (መቐጸልታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና-መገዲ). https://tinyurl.com/b2hbjyw7  

Solomon, Semere. (2026). ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና መገዲ፡ ንውሕሉል ምሕደራ ስርዓተ-ዞባ ዘገልግሉ ገለ ገለ እማመታት ንኤርትራ. https://tinyurl.com/3t7vzxzt 

Solomon, Semere. (2026). ተለዋዋጢ ዅነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን. https://tinyurl.com/4w7hc7kj 

Solomon, Semere. (2026). ኣብ'ዚ ህሞት'ዚ ኤርትራ ክትሃንጾ ዘድልያ ዝሓየለ ሓጹር ምምስራት ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝተመስርተ መንግስቲ’ዩ. https://tinyurl.com/3shvcyx3 

United Nations. (1945). Charter of the United Nations. 1 U.N.T.S. XVI.

United Nations Convention on the Law of the Sea, Dec. 10, 1982, 1833 U.N.T.S. 397.

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
a day ago

Thanks for sharing this Semae

Like
bottom of page