top of page
Search

ሳልሳይ ክፋል - ጥማዕ ዝኽርታተይ ምዕራፍ 3 ዘቤታዊ ጸጋታትካ ምጥቃምን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ምድልዳልን፥ ተመክሮ ሚኒስትሪ ትምህርቲ

Updated: Aug 5

 

(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)


3.1 1991-1998 ዓ.ም.

ክሳዕ’ቲ ከም’ቶም ካልኦት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝድስክል፡ ወይ እውን ካብ ስራሕ ደው ዝብል፡ ካብ 1991 ክሳዕ 1 998 ዓ .ም.፡ ብደረጃ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ኮይነ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣገልጊለ። በዚ ድማ ሃገረይ ደልዲላ ደው ንኽትብል ብዝገበርኩዎ ዘይሕለል ኣበርክቶ ንነብሰይ ከም ሓደ ዕደለኛ ዜጋ እየ ዝቘጽራ። እዚኣተን፡ ኣብ ድሕረ ናጽነት ኤርትራ ከም ወርቃውያን ዓመታት ስለ ዝቘጽረን ድማ ብዛዕባአን ሓደ ምዕራፍ ምውፋይ ግቡእ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ 1991 ዓ.ም.፡ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ፡ ብውሑድ መጠን ተሳትፎ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብ ገበታ ትምህርቲ (enrolment)፡ ብትሑት ደረጃ ጽሬት ወይ ዓይነት ትምህርቲ፡ ብቑዕ ወይ ባህልን ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቀዋውማን ሕብረተሰብ ዘየንጸባርቕ ካሪኩለም፡ ከምኡ እውን ብዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ዝልለ’ዩ ነይሩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (International Monetary Fund - IMF)፡ ጃምላዊ መጠን ተሳትፎ (Gross Enrolment Ratio - GER) ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብ መባእታ ደረጃ 36 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኣስታት 20 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣስታት 12 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ነይሩ (Zuzana Brixiova, 2001)። ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ እዋን’ቲ ኲናት፡ ዕንወት ትሕተ ቅርጽን ምብትታን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ምንቍልቋል ብምስዓቡ፣ ኣብ ምውዳእ ኲናት፡ መጠን መሃይምነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣስታት 80-90% ከም ዝነበረ ይሕበር (Zuzana Brixiova, 2001)። ጽሩይ መጠን ተሳትፎ (Net Enrolment Ratio - NER) ኣብ መባእታን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርቲ፡ ብቕደም ተኸተል 22.4፡ 7.0ን፡ 8.4ን እዩ ነይሩ (Minsitry of Education, Eritrea, 2003)።[i] እዚ ድማ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣዝዩ ትሑት እዩ።


ዋላ’ኳ ጸብጻብ እንተ ዘይተረኽበ፡ ኣብ 1991 ኣብ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ፡ ብሚእታዊ ክረአ እንከሎ፡ መጠን ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም መምህራን ትሑት’ዩ ነይሩ። ናይ መጻሕፍትን ካልኦት መሳርሕታት ትምህርትን ሕጽረት እውን ነይሩ። ትሕዝቶ ካሪኩለም ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣቀዋውማ’ዩ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ባህላዊ ብቕዓት ወይ ኣገዳስነት (relevance) ይጐድሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ’ቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ከባብያዊ ቋንቋ (local langauge) ምጥቃም ዘተባብዕ ሓድሽ ፖሊሲ ዝሰማማዕ እውን ኣይነበረን። ስለ’ዚ ድማ፡ እቲ ሚኒስትሪ ከቢድ ዕማምን ክፈትሖም ዝነበሮ ብዙሓት ብድሆታትን ገጢሞሞ ነይሮም። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ ካዝና መንግስቲ ባዶ ብምንባሩ ሕጽረት ጸጋታት ኣጋጢሙ።


ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትምህርቲ ኤርትራ ጭቡጥ ርድኢት ንምህላው ኣብ ዙርያ መጠን ተሳትፎን ጽሬት ትምህርትን (ሓደ ሓደ ግዜ እውን ዝርጋሐን ዓይነትን ኢልና ንዛረብ ኢና) ዝዝንብዩ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዝምልከት ጽላታዊ ትንታነ (sector analysis) ክካየድ ነይርዎ። ብድሕሪኡ፡ ብግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ክሳዕ ዝጸድቕ፡ ፖሊሲ ትምህርቲ ክረቅቕ ነይሩዎ። እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ ምስ’ቲ ሓፈሻዊ መንግስታዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት ከም ዝናበብን ኣበርክቶኡ ኣብ ዳግመ ህንጸት ብንጹር ናይ ምቕማጥን ዕማም እውን ነይሩዎ። ብተወሳኺ፡ ምስ’ቲ ሓድሽ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ ዘለዎ ምትእስሳር ንምርግጋጽ፡ ኩለ መዳያዊ ምምሕያሽ ካሪኩለም ክገብር ኣድላዪ ነይሩ። ኣወዳድባ መዋቕር ቤት ትምህርቲ ካብ 5-2-4 ናብ 6-2-4 ናይ ምስግጋር ተኽእሎ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምፍላጥ እውን መጽናዕቲ ዝሓትት ጉዳይ’ዩ ነይሩ። ማዕረ ማዕረ'ዚ ድማ ባጀት ምድላውን ንገለ እዋን (ሓጺርን ማእከላይን) ዝኸይድ ስትራተጂያዊ ውጥን ምስኣልን ኣገዳስነት ነይርዎ።


ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ትምህርታዊ ስራሓት ንምክያድ ዝነበረ ናይ ጸጋታት ዓቕሚ ውሑድ’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ምስ ዘቤታውን ዓለምለኻውን መሻርኽቲ ኣካላት ምሕዝነት ንምፍጣር ስትራተጂ ክቕየስ ነይሩዎ። ነቲ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተዋህበኒ ዕድል ተጠቒመ ኣንፈትን ምዕባለን ኣገልግሎት’ቲ ጽላት ኣብ ምቕራጽ ምስ መሳርሕተይ ብምትሕብባር ልዑል እጃም ኣበርኪተ።


እቶም ዓበይቲ ዓወታት፡ ነቲ ኣብ ምንዳፍ ጽላታዊ ትንተናን (ምድላው “ተስፋታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ" ዝብል ኣብ 1991 ዓ.ም. ዝተዳለወ ጽሑፍ)፡ ጽላታዊ ፖሊሲ ምምዕባልን ምትግባርን፡ ውድባዊ ኣቃውማ ወይ ቅርጺ (ናይ ኩለን ክፍልታትን ጨናፍራትን፡ዞባውያን ኣብያተ ጽሕፈት ትምህርትን) ምንጻር፡ ዕማማት ናይ’ዘን ዝተጠቕሳ ኣሃዱታት ምዝርዛርን፡ ከምኡ እውን ምንዳፍ ሓጺርን ማእከላይን ስትራተጅያዊ ውጥን ዘጠቓለሉ ነይሮም። ነዞም ዕማማት’ዚኣቶም ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ድማ ወሳኒ ተራ ነይሩኒ። ኣነን መሳርሕተይን፡ ናይ’ቲ ጽላት ኣርባዕተ ወሳኒ ዕማማት (mandates) ከም ዝንጽሩ ጌርና። እዚኣቶም ድማ (1) ምርቃቕ ሃገራዊ ፖሊሲ ትምህርቲ፡ (2) ምሕንጻጽ ስትራተጂያዊ ውጥን፡ (3) ጽፈትን ደረጃታትን (standards) ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መቈጻጸሪ ቅጥዒ (እዚ ድማ፡ ንኹሎም እቲ ሚኒስትሪ ዘቕርቦም መደባት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝግምገሙ ዘነጽር ኣገባብን ምስክር ወረቐት ናይ ምሃብ ቅጥዕን ዘጠቓለለን፡ ንዝብሉን ይጥርንፍ)፡ ከምኡ እውን (4) ስልጠና ሰብ ሞያ ትምህርትን (መምህራንን ካልኦት ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያን) ምርምርን።


ብተወሳኺ፡ እቲ ብሓላፍነት ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ክፍሊ፡ ንኹሉ ናብ’ቲ ሚኒስትሪ ዝውሕዝ ግዳማዊ ደገፍ (ዘቤታውን ግዳማውን) ናይ ምውህሃድ ኣገዳሲ ዕማም እውን ተዋሂቡዎ ነይሩ። እዚ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ናይ ምወላ ትካላትን ብቐረባ ምስራሕን ምውህሃድን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፥ ናይ ዓለም ባንክ፡ ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት ዴንማርክ (DANIDA)፡ ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USAID)፡ ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት ፊንላንድ (FINNIDA)፡ ኤጀንሲ ምትሕግጋዝ ኣህጉራዊ ልምዓት ሽወደን (SIDA)፡ ክፍሊ ኣህጉራዊ ልምዓት ዩናይትድ ኪንግዶም (DFID)፡ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕብባር ጃፓን (JICA)፡ ሓገዝ ቤተ ክርስትያን ኖርወይ (NCA)፡ ኣጃንስ ፍራንሰዝ ደ ደቨሎፕማ (AFD)፡ ኮኦፐራስዮነ ኢታሊያና፡ ከምኡ እውን ካልኦት ክልተኣዊ (bilateral) ናይ ምወላ ትካላት። እዚ ዕማም'ዚ ንከም ብዓል ዩኒሴፍ (UNICEF) ዩ.ኤን.ዲ.ፒ (UNDP)፡ ዩ.ኤን.ኤፍ.ፒ.አይ (UNFPA)፡ ዳብሊው. ኤፍ.ፒ. (WFP)፡ ወለንተኛታት ፒስ ኮር (Peace Corps Volunteers)፡ ቪ.ኤስ.ኦ. (VSO - ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ዝነጥፉ ወለንተኛታት ሆላንድን፡ መንግስቲ ሆላንድን ካልኦት ብዙሓት ትካላትን ሽርክነታዊ ዝምድና ንምድንፋዕ ዝሓቘፉ እውን ነይሮም።


ብተወሳኺ፡ ኣብ 1991-92 ዓ.ም. ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተዳለወ ናይ መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ስታቲስቲካዊ ማኑዋል ዘርጊሕና። እዚ ድማ ንኹሉ እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ውጥን ውዕላት መሰረት ኮይኑ ኣገልጊሉ። እቲ ሚኒስትሪ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነዚ ስታቲስቲካዊ ቡለቲን ካብ ምሕታም ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን።


ኣብ’ቲ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ዝመደበሩ ትካል ዩኔስኮ (UNESCO)፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ትምህርታዊ ውጥን (International Institute for Educational Planning - IIEP) ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ትምህርታዊ ውጥንን ምምሕዳርን ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርታዊ ፕሮግራም ክሳተፍ ዕድል ረኺበ። ኣዝዩ ረብሓ ዝመልኦ ተመክሮ’ዩ ነይሩ። ሓደ ካብ’ቶም ላዕለዎት ዓሰርተ ሚእታዊት ናይ’ቲ ጉጅለ ብምዃን በቲ ትካል ኣፍልጦ (recognition) ምርካበይ ድማ ሕቡን እየ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዳይረክተር IIEP ዝነበረ ዶክተር ጃክ ሃላክ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኣብ ቀጽሪ IIEP ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምረቓ፡ ካብ መማህርተይ ብሉጽ ብምዃነይ ኣመስጊኑኒ። እቲ ትምህርታዊ መደብ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ዝነበሮም ካብ ኣርብዓ ክሳዕ ሓምሳ ሃገራት ዝመጽኡ ተመሃሮ ዝተሳተፍዎ ኢዩ ነይሩ።


ኣብ ሞያይ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዋዕላታት ብንጥፈት ተሳቲፈ እየ፡ እዚ ድማ ኣብ’ቲ ዓውዲ ዘሎኒ ኣፍልጦ ኣብ ምድራዕን ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ልምዓትን ዘሎኒ ተወፋይነትን ከም ዝዓብን ከም ዝዓሙቕን ገይሩ። እዚ ተመኩሮታት'ዚ ንፍልጠተይ ኣሀብቲሙ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምምዕባል ፖሊሲታትን ተበግሶታትን ትምህርቲ፡ ብሃገር ይኹን ብኣህጉራዊ ደረጃ፡ ልዑል ኣበርክቶ ንኽገብር ኣኽኢሉኒ እዩ።

ንፖሊሲታት ትምህርቲ፡ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪኩለም)፡ ኣወዳድባ ስርዓተ ትምህርትን፡ ከምኡ እውን ምስክር ወረቓቕቲ ትምህርቲ (certification and accreditation) ንናይ ክልቲአን ልዑላውያን ሃገራት፡ (ማለት ንናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን) ንምውህሃድ ዝተመዘዘ ናይ ሓባር ተክኒካዊ ኮሚቴ፡ ብኣቦ መንበርነት ኣገልጊለ። ኣብ ትሕቲ ኣላይነተይ፡ እታ ናይ ሓባር ተክኒካዊት ኮሚቴ፡ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ምልውዋጥ መደባት ኣበጋጊሳን ኣብ መንጎ ናይ ክልቲአን ሃገራት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምትሕብባር ከም ዝዓቢ ገይራን። ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከም ሕክምና፡ ፋርማሲ፡ ምህንድስና ዝኣመሰሉ ዓውድታት ትምህርቲ ክከታተሉ ዕድል ክረኽቡ እንከሎዉ፡ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ድማ ኣብ ናይ ኤርትራ ኮለጅ ሃብቲ ባሕርን፡ ካልኦት ፋካልቲታትን ማህደረ ትምህርቲ ክረኽቡ ዕድላት ረኺቦም። እታ ኮሚቴ ኣብ’ዚ ከይተሓጽረት፡ ኣብ ምውህሃድ ስርዓተ ትምህርትን ፖሊሲታትን ዝጀመረቶ ጻዕሪ ሓያለይ ሰጒማ እያ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሚኒስትሪታት ዝጀመረ ዝምድና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ነይሩ እንተ ተባህለ ከም ምግናን ኣይቚጸርን። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ’ዚ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተጀመረ ኲናት ምስንኻሉ እዩ።


ብተወሳኺ፡ ምስ ኬንያውያን መዛኑና ኣብ ጽላት ትምህርቲ ንዝህልወና ምትሕግጋዝ ዝምልከት ናይ ምርድዳእ ስምምዕ (MOU) ኣብ ምውሓስ መሪሕ ተራ ተጻዊትና። እዚ ጻዕሪ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝምድና ንምምስራትን ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።


ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘተኮረ ልዝባት ተሓባቢረ። እዚ፡ ነቲ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን ዝነበረና ዝምድና እውን ይምልከት እዩ። ምስ ሓሙሽተ ብጾተይ ንሰሙናት ዝወሰደ ዑደት ኣብ ሱዳን ክንገብር ድማ እዝከረኒ። ብዙሕ ተመክሮ ድማ ኣዋህሊልና መጺእና።


3.2 ኣብ ትሕቲ ኣላይነተይ ዝተተግበሩ ኣገደስቲ ፕሮጀክትታት/ፕሮግራማት

ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ውድባትን ኣካላትን ንዝርጋሐን ጽሬትን ትምህርቲ ክብ ንምባል ኣብ ኤርትራ ኣብ እንገብሮ ዝነበርና ጻዕሪ ንምድጋፍ ልዑል ተራ ተጻዊቶም እዮም። ንኣብነት ዳኒዳ (DANIDA)፡ ንተበግሶታት ጽገናን ህንጸትን ኣብያተ ትምህርቲ ብምድጋፍ፡ ንመደባት ስልጠና መምህራን ብምምዋል፡ ኣብ ምምዕባልን ምምሕያሽን ስርዓተ ትምህርቲ ብምትሕግጋዝን፡ ንተማሃሮ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ መጻሕፍቲ ብምሕታምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ ፕሮጀክት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።


ካልእ ኣብ ትምህርታዊ መዳይ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ናይ ልምዓት ትካል (DFID) ኮይኑ፡ ኣብ ምምዕባል ስርዓተ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ተክኒካዊ ሓገዝ ገይሩ እዩ። እዚ ትካል’ዚ ብተወሳኺ (DFID) ንናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ማህደረ ትምህርቲ ብምሃብ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከባ ፍሉጣት ዩኒቨርሲቲታት ኣብ በበይኖም ዓውድታት ናይ ትሕተ ምረቓን ድሕረ ምረቓን መደባት ከም ዝከታተሉ ገይሩ እዩ።


ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዶን ቦስኮ ሳሌሳውያን ኣብ ደቀምሓረ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ መስሪቶም። እዚ ትካል'ዚ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ስልጠና ሂቡ። እዚ፡ ስራሓት መካይን፡ ስርሓት ሓጺን፡ ጽርበትን ካልእን የጠቓልል። ተማሃሮ ብኢንፎርሜሽን ተክኖሎጂን ኣካደምን እውን ትምህርቲ ይቐስሙ ነይሮም። ነፍስ ወከፍ መደብ ሞያ፡ ክልተ ዓመት ዝወሰድ ኮይኑ፡ ናብ ሃገራዊ ፈተና ድማ የብጽሕ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ መንግስቲ ነዛ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ፡ ድሕሪ ናይ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ኣገልግሎታ ኣብ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ኣእትዩዋ ወይ እውን ሃጊሩዋ እዩ።


ኖርወጅያዊት ሬድ ባርና፡ ህንጻ ኤክስተንሽን ትካል ስልጠና መምህራን ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ኣስማጥ ድማ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብምምዋል ኣብ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ ኣበርክቶ ገይራ። ብተወሳኺ ብመገዲ ኖርወጃዊ ክረምታዊ ስፖርት ተሸላሚ ወርቂ ሜዳልያ ዮሃን ኦላቭኮስ ኣቢላ ንኤርትራውያን ህጻናት ስፖርታዊ ናውቲ ኣብ ምዝርጋሕ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብመትከላት ሽርክነት ተሓጋጊዛ።

ዓለማዊ ፈደረሽን ሉተራን (LWF)፡ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽን ንዝተበላሸዉ ድማ ብምጽጋንን ተዋፊራ ነይራ።


ምስ ሉተራን ዎርልድ ፈደረሽን (LWF) ብምትሕብባር ኣብ ኤርትራ ንዝትግበር ናይ ምህናጽ ኣብያተ ትምህርቲ ፕሮጀክት ብክኢላታትና ሓደ ዓቢ ፕሮግራም ነዲፍና። ዓለማዊ ፈደረሽን ሉተራን ነቲ እማመ ብስም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መንግስቲ ሽወደን ብሉጽ እማመ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ንክምውሎ ወሲኑ። እቲ ብመንግስቲ ሽወደን ዝተወፈየ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ክሮነር ዝግመት ገንዘብ፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስራሕን ምጽጋንን ውዒሉ። ላዕለዋይ ኣባል ተክኒካዊ ስታፍ ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ዝኾነት ኣስቴር ሰሎሞን፡ ነቲ መስርሕ ዲዛይን ኣብ ምምራሕን፡ ናብ ዕዉት መደምደምታ ኣብ ምብጻሕን ዓቢ ተራ ተጻዊታ።

ዓለማዊ ፈደረሽን ሉተራን ምስ መንግስቲ ኤርትራን፡ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን (Evangelical Chruch of Eritrea - ECE) ስምምዕ ብምፍራም ኣብ 1992 ዓ.ም. እዩ ንጥፈታቱ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ። ኣብ መጀመርታ፡ ክሳዕ መፋርቕ 2000ታት ኣብ ስራሕ ክጸንሕ ዝመደበ ኮይኑ፡ ናይ’ቲ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ቀንዲ ትኹረት ድማ ንክፍሊ ልምዓት ECE ዳግማይ ንምሕያልን፡ ንሰራሕተኛታቱ ስልጠና ምሃብን እዩ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ 1995 ዓ.ም. መንግስቲ ኤርትራ ንዘይመንግስታውያን ማሕበራት ዝምልከት ኣዋጅ ምስ ኣውጽአ ግን እዚ ውጥን’ዚ ኣይቀጸለን። እዚ ኣዋጅ'ዚ፡ ኣብያተ ክርስትያንን ምስአን ምትእስሳር ዘለወን ኣካላትን፡ መደባት ረድኤትን ዳግመ ህንጸትን ወይ ልምዓታዊ መደባት ከየካይዳ ዝኽልክል እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ነቲ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ናብ ሃገራዊ መሻርኽቲ ቤተ ክርስትያን ንምስግጋር ዝሓለኖ መደብ ብእዋኑ ኣቋረጾ።[ii]


ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመገዲ ዩኒሰፍ (UNICEF) ኣቢሉ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምሽራኽ ኣብ ጽገናን ምህናጽ ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ስልጠና መምህራን፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ኣብ ትምህርቲ ንምዕባይን፡ ኣብ ምምሕያሽ ስርዓተ ትምህርትን ዝኣመሰሉ ፕሮጀክታት ይነጥፍ ነይሩ።


UNDP፡ ኣብ መደባት ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ተራ ነይሩዎ እዩ። እዚ ንምወላ ናይ’ቲ ኣነ ዝረኸብኩዎ ናይ ትምሃርቲ ዕድል (ንፈረንሳ) እውን የጠቓልል።


ዓለማዊ ናይ መግቢ ፕሮግራም (WFP)፡ ንመደባት ምምጋብ ኣብያተ ትምህርቲ (school feeding program) ደገፍ ሂቡን፡ ተማሃሮ መኣዛዊ መግቢ ከም ዝረኽቡ ገይሩን።


ነቲ ኣሃዱና ኣብ መንጎ ባንክ ዓለምን መንግስቲ ኤርትራን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝሰርሓሉ ዓቢ ናይ ምትሕብባር መደብ ምዝካር ኣገዳሲ ይመስለኒ። እዚ ተበግሶ'ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክትግበር መደብ ዝተታሕዘሉ ፕሮግራም ተክኒካዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን (TVET) ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ነቲ መደብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክፍረም መደብ ተታሒዙሉ እናሃለወ፡ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ብዘይተጸበኹዎ መገዲ ሰሪዙዎ። እቲ ውሳነን፡ እቲ ሃንደበት ምቊራጹን ኣስደሚሙኒ።


ሓደ ካብ’ቶም ናይ’ቲ ኣሃዱ ዝነኣዱ ተበግሶታት እቲ ብምወላ ዳኒዳ (DANIDA) ዝትግበር ዝነበረ ምስ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል (ዓባይ ብሪጣንያ) ዝነበረ ናይ ትካላዊ ምትእስሳር ፕሮግራም (institutional linkage program) እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል መዘናይ ዝኾነ ዶ/ር ጠዓመ መብራህቱ፡ ነዚ መደብ'ዚ ኣብ’ቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ብዕለት 8 ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ብማእከል ንጽጽራውን ኣህጉራውን ንትምህርቲ ዝምልከት ምርምር (CIRE) ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ብግቡእ ገሊጹዎ። ዶ/ር ጠዓመ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፥

እቲ ንዩኒቨርሲቲ ከገልግል ከለኹ ዓቢ ዕግበት ዝሃበኒ ሳልሳይ ዓውዲ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣብ ካልኣይ ዓደይ ዝኾነት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ናይ ቀደም ቤት ትምህርተይን፡ ኣብ ናይ’ታ ዝተወለድኩላ ሃገር ኤርትራ ሚኒስትሪ ትምህርትን፡ ድልድል ንምህናጽ ዝገበርኩዎ ዘይተኣደነ ጻዕርን መስዋእትን እዩ። እቲ ብናይ ደንማርካዊ ናይ ኣህጉራዊ ልምዓት ትካል (DANIDA) ዝምወል ፕሮግራም ምትእስሳር ብሪስቶልን ኤርትራን፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ብፒኤችዲን (1) ኤም.ኢድን ዲግሪ (48) ኣፍርዩ። ብዘይካ’ዚ ድማ 250 ርእሰ መማህራን፡ ተቘጻጸርትን፡ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ትምህርቲ ዞባታትን፡ ኣብቶም ንሰለስተ ክራማት ዝቐጸሉ ሞያዊ ዕብየት ዝረኽቡሉ መደባት ተዋፊሮምን ትምህርቶም ኣጠናቒቖምን። ነዞም ንጠለባት ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ዘማልኡ ናይ ኣገልግሎት ሞዴላት ምንዳፍን ምምዕባልን፡ ኣብ ኣስመራ ኴንካ ምምሃሮምን ምክያዶምን ብፍጹም ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ናይ’ቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ትካላዊ ምትእስሳር ፕሮግራም ንዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዓቢ ሞያውን ፋይናንስያውን ትርጉም ነይሩዎ። ካልእ ብዙሓት ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ኣፍልጦ ዝሃቡሉ ንጥፈት፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውያን ሞያዊ ጉዳያት ዘዳለኹዎም ኣርባዕተ ኣህጉራዊ ዋዕላታት እዮም (Mebrahtu 2017)።[iii]


ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ብዓል ሞያ ዝኾነ ግርማይ ሃይለ፡ ኣብ ምምችቻእ ናይ’ዚ ትካላዊ ምትእስሳር፡ ዘይነዓቕ ተራ ከም ዝተጻወተ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን።


ካልእ ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎ መደብ፡ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ትምህርትን ዓለምለኻዊ ትካል ውጥንን ምምሕዳርን ትምህርትን (IIEP, UNESCO) ኣብ መንፈስ ሽርክነት ዝተመስረተ ናይ ስራሕ ዝምድና እዩ። እዚ ተበግሶ'ዚ፡ ንሓያሎ ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ፈረንሳ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ምረቓ መደብ፡ ብትምህርታዊ ውጠናን ምሕደራን ክስልጥኑ ዕድል ፈጢሩ። እዚ ድማ ምምሕዳራዊ ዓቕሞም ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ሕጂ’ውን፡ ናይ’ዚ ፕሮግራም’ዚ መዋሊት ዳኒዳ እያ ነይራ።

ብተወሳኺ፡ IIEP፡ UNESCOን ሚኒስትሪ ትምህርትን ብምትሕብባር፡ ብሓልዮት ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት ጃፓን (JICA)፡ ንምሩቓት ተክኒካዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ዝምልከት ናይ ግምገማ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ተሓባቢሮም። እቲ መደብ፥ ተመሃሮ ድሕሪ ምምራቖም ኣብ ከመይ ዝኣመሰሉ ናይ ሞያ ዓውድታት ከም ዝነጥፉ ንምግምጋምን ንምፍላጥን ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።


ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ፡ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ትካል ውጥንን ምምሕዳርን ትምህርትን (National Institute for Educational Planning and Administration - NIEPA)፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ብትምህርታዊ ውጠናን ምሕደራን ኣብ’ቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝካየድ መደባት ትምህርቲ ሰልጢኖም። ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ህንዲ ዝርከብ NIEPA፡ በቲ ኣብ ምርምርን ውጠናን ዘተኮረ ንትምህርቲ ዝምልከት ኣገባቡ ፍሉጥ እዩ።


ብተወሳኺ፡ እቲ ሚኒስትሪ ምስ IIEP ብምትሕብባር ነቲ ኣብ ትሕቲ ኮንሶርትየም ምክትታል ጽፈት ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ (South African Consortium for meon­itoring Education Quality - SACMEQ) ዝተዋህለለ ተመክሮ መሰረት ብምግባር፡ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ፡ ኣብ ምክትታል ጽሬት ትምህርቲ ዘተኮረ ዞባዊ ዓውደ መጽናዕቲ (workshop) ኣዳልዩ። ኣብ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ተወከልቲ ሓያሎ ጐረባብቲ ሃገራት ተሳቲፎም።


ሃሲን ፋውንዴሽን ዝተባህለ ስዊዘርላንዳዊ ዘይመንግስታዊ ትካል (NGO) ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ባርካ፡ ንምስረታ ቤተ ፈተነ ኮምፒተር (computer lab) መዊሉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጻዕዳ ክርስትያን ድማ ዒላ ንምኹዓት ንዝዓለመ ፕሮጀክት መዊሉ። እቲ ንምምስራት ቤተ ፈተነ ኮምፒተር ዝኸውን ዝርዝር ሓበሬታን ንድፍን በቲ ኣብ ኢንፎርመሽን ተክኖሎጂ (IT) ልዑል ክእለት ዘለዎ ኤርትራዊ ክኢላ ተኽለ ኣብርሃ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ውጽኢታዊ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ ድማ ክዓቢ ወይ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ከስፋሕፍሕ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ። ሃገር ለቒቐ ድሕሪ ምኻደይ፡ እቲ መደብ ከመይ ኢሉ ከም ዝቐጸለ ሓበሬታ የብለይን። ተኽለ ኣብርሃ እውን ነቲ ዝፈትዎ ስራሕ ክከታተሎ ዕድል ኣይተዋህቦን። ብዘይ ክፍሊት ክገብሮ’ዩ ምድላዋቱ ወዲኡ ዝነበረ።


ኣብቶም ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ዝተፈላለዩ ናይ ወለንተኛታት መደባት ተግባራዊ ኮይኖም እዮም። እዚኣቶም፡ ነቶም ከም ወለንተኛታት ፒስ ኮር (Peace Corps Volunteers) ቪ፡ኤስ፡ኦ (Voluntary Services Overseas - VSO) ከምኡ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈት ዝነጥፉ ኣብ ሆላንድ ዝመደበሮም ትካላት የጠቓልል። ፒስ ኮር ኣብ ሰነ 1998 ዓ.ም. ካብ ስራሕ ተኣጊዱ፡ ኩሎም’ቶም ኣርብዓን ትሽዓተን ወለንተኛታት ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም (Corps, 1998)።[iv] እዞም ውፉያት ወለንተኛታት፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ እንግሊዝኛ፡ ሳይንስን ካልእ ተክኒካውን ሞያውን ዓውድታት ኣብ ምምሃር ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ክንዮ'ቲ ንተመሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምምሃር፡ ንኤርትራውያን መምህራን ብዛዕባ ጽሩይ ኣዘራርባን ኣገባብ ኣመሃህራን እንግሊዝኛ እውን ስልጠና ይህቡ ነይሮም’ዮም።

ጽገና መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ሓገዝ ቤተ ክርስትያን ኖርወይ (Norwegian Church Aid - NCA) ኣገዳሲ ደገፍ ረኺቡ።

ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ወይ ዓወት ድማ፡ ምምስራት ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ኮሚሽን ዩኔስኮ ኤርትራ እዩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ዩኔስኮ ኤርትራ ነቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ’ቲ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ትምህርታውን ባህላውን ሳይንሳውን ትካል (UNESCO) ዝገበሮ ዝምድናታት መንጸፍ ዘንበረ ባይታ’ዩ ነይሩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብግቡእ እንተ ድኣ ሰሪሑሉ፡ ብዙሕ ረብሓታት ክረኽበሉ ዝኽእል ናይ ሽርክነት ባይታ ኢዩ ነይሩ።  


ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ካቶሊካዊት ሃገረ ስብከት ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ልዝብ ተሳቲፈ ነይረ። ብኣቡነ ዘካርያስ ዮሃንስ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ ብደርጊ ቅድሚ ምምንዛዖም ብቤተ ክርስትያን ዝውነና ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሳ ሓቲቱ። ከም ኣምሳያ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ምቹእ መሬት እንተ ሂቡዎ፡ ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽ ክኽሕሶ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብፍላይ ከም ኮምቦኒ ኮለጅ ኣስመራን፡ ላሳለን ዝኣመሰሉን ካልኦትን ዘጠቓለለ እዩ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ልዝብ እንተ ተኻየደ’ኳ፡ ንሕቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግን ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህቦን።


መደብ ምጽማድ ኣብያተ ትምህርቲ (school twinning progam) ንምጅማር፡ ኣሃዱና ምስ ጠረጴዛ ኤውሮጳ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ - ብኣላይነት ጠዓመ ተወልደብርሃን - ምትሕብባር ጀሚርና። ብኣብያተ ጽሕፈት ትምህርቲ ዞባታት ክምላእ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸብጻባት ኣብያተ ትምህርቲ ንተጠቃሚ ምቹእ ብዝኾነ መገዲ ኣዳሊና። ግርማይ ሃይለ፡ ናይ’ቲ ክፍሊ ላዕለዋይ ተክኒካዊ ክኢላ፡ ነዚ ጸብጻብ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ እንግሊዝኛ ኣብ ምትርጓም ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ መደብ ምጽማድ ቤት ትምህርቲ ዝግደሳ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስታፍ ድሌት ዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ ንምልላይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኤርትራ ብሰፊሑ ዘርጊሕናዮ።


ምስረታ ማሕበር ስካውት ኤርትራ ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ዕማም’ዩ ነይሩ። ኣቶ በራኺ ገብረሰላሰ፡ ሽዑ ሚኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ፡ ነዚ ዕማም’ዚ እውን ንዓይ ኣሰከመኒ። እቲ ናይ መጀመርያ ዕማም፡ ምልላይ (identification) ኣባላት ማሕበር ስካውት ነበር (ሲቪልን ተጋደልትን) ኮይኑ፡ ምስኣቶም ናይ ምምኽኻር ባይታ ምኽፋት እዩ ነይሩ። እዚ መስርሕ'ዚ ንምስረታ ሃገራዊ ማሕበር ስካውት ንምጥጣሕ ዝነበሩ ዕድላትን ብድሆታትን ንምፍታሽን ንምጅማሩ ዘድልዩ ጠለባት ንምልላይን ሓጊዙ። ምስ ዶክተር ሚካኤል ገብረሂወት ነባራይ ዝተባህለ ገዲም ሓኪም ኣባል ህዝባዊ ግንባር፡ ኣባል ማሕበር ስካውት ነበር፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ርድኢቱ ንከካፍለኒ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክረኽቦ ይዝከረኒ። ምኽሩ ኣብ ዝኽረይ ተቐሪጹ ይቕጽል ኣሎ፤ ንሱ ነተን ኣብ ቅዋም ስካውት ብትብዓት ዝተቐመጣ ሰለስተ መትከላት ምንቅስቓስ ስካውት ኣስሚሩለን፡ "ግዴታ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ግዴታ ንኻልኦት፡ ግዴታ ንርእስኻ"። እዘን መትከላት’ዚአን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣትዋ ኣጠንቂቑ፣ ካብ’ቶም ኣብ ኣምላኽ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ተጋደልቲ ነበር ክመጽእ ዝኽእል ብድሆታት እውን ኣመልኪቱ። በቲ ዝሃበኒ ናይ ልቦና ቃላት ተመሲጠ፡ ነዚ መምርሒ'ዚ ሒዘ መሰረት ምስ ኣንጸፍኩ፡ ኣባላት ማሕበር ስካውት ነበር ዝሓቘፈት ኮሚተ መስሪተ፡ ኩለ መዳያዊ ስፍሓት ስራሕ ብ ምድላው ከኣ ነቲ ዕማም ኣበጋጊሰዮ። ድሕሪ ጽፉፍ ምድላዋት፡ ኤርትራ ማሕበር ስካውታ ብቕልጡፍ መሪቓ።


ድሕሪ ናጽነት፡ ኣነን መሳርሕተይን ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ምስ ሕብረተሰቦም ክላለዩን ኣብ ህይወቱ ኣበርክቶ ክገብሩን ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና። ንናይ ክረምቲ ተማሃሮ መደብ ዝኸውን ናይ መጀመርታ ዝርዝር ዕማም ሓንጺጽናዮ፣ ምስ ኣባላት ሚኒስትሪን ኣብያተ ጽሕፈት ዞባታትን ዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ድማ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ወግዓዊ ድጋፍ ረኺቡ። ኪዳነ ሰሎሞን፡ ዓቢ ሓወይ፡ ነቲ ዝርዝር ጽሑፍ ኣብ ምጽፋፍ ሓገዙ ኣበርኪቱ። እቲ መደብ ካብ ዝጸድቕ ኣትሒዙ፡ ክሳዕ ሎሚ ብቐጻሊ ኣብ መዓላ ይውዕል ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ንንባብ ዘገልግሉ ጽሑፋት ብዝምልከት ዝነበረ ዋሕዲ ርኡይ ብምንባሩ፡ ኣነን መሳርሕተይን ኣብ ህጻናት ናይ ንባብ ልምዲ ንምዕባይ፡ መጽሔት ህጻናት ክንጅምር ተደሪኽና። መሪሕነት ብምውሳድ ድማ ሓደ ዝርዝራዊ እማመ ነዲፈ ንምድላውን ሕትመትን ዝኸውን ምወላ ብምድላይ ናብ ዩኒሴፍ ኣቕረብኩዎ። ንኣርባዕተ ፍሉጣት ክኢላታት ቋንቋ ትግርኛ፡ ማለት፡ ነፍስሄር ኣብርሃም ሳህለ፡ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ተኪኤ ተስፋይን ነፍስሄር ግርማይ ገብረመስቀል፡ ነቲ ፕሮጀክት ከመሓድሩ ዓዲመዮም። ብናታቶም ስምምዕ ድማ ኩለ መዳያዊ መምርሒ ስራሕ ተዳልዩ።


እቲ ስዒቡ ዝመጸ ስጉምቲ፡ ቦርድ ኣዳለውቲ ምምስራት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ነፍስሄር ኣብርሃም ሳህለ ኣቦመንበር ኮይኑ ከገልግል ተመዚዙ። "ቈላሕታ" መጽሔት ህጻናት ኣብ ህጻናት ተፈታውነት ረኺባ። እታ መጽሔት ብናይ’ዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ናይ ስነ ጽሑፍ ክኢላታት ጻዕሪ ህይወት ረኺባ።


ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ብግዜ ስርዓት ደርጊ ዝተመስረተ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ መደብ ንምምራሕ ብድሆ ኣጋጢሙና። እዚ መደብ ራድዮ'ዚ፡ ንበጽሕታት ኤርትራውያን ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ህዝባዊ ግንባር ንኤርትራ ምስ ተቘጻጸረ፡ ነቲ መሳለጥያ ይኹን ነቶም ዘመሓድሩዎ ሰራሕተኛታት ከመይ ጌርና ብኣድማዒ መገዲ ከም እንጥቀመሉ ቊሩብ ሓርቢቱና። ገምጋም ንምክያድን፡ ንዝመጽእ ኣጠቓቕማኡ ብዝምልከት ለበዋታት ንምቕራብን ሓላፍነት ተዋሂቡኒ። እቲ ምስ ክኢላታት ናይ’ቲ መደብ ዝነበረ መስርሕ ምምኽኻር፡ ግዜ ዝወስድ ኮይኑ ረኺበዮ። ይኹን’ምበር ብሓገዞም፡ ብዛዕባ ዕላማታት ናይ’ቲ መደብን ከመይ ጌርና ብዝበለጸ መገዲ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእልን ሰፊሕ ርድኢት ረኺበ። ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ፡ ኣብ ትሕዝቶን ኣገባብ ኣመሃህራን ዘለዎም ምልከት ንምዕባይ፡ ናብ መምህራን ከነተኩር ወሲንና። ብድሕሪኡ፡ ጸብጻባተይ ምስናይ ለበዋታተይ ብወግዒ ናብ ሚኒስትሪ ቀሪቡ፡ ድጋፍ ረኺቡ፡ ነቲ መደብ ንክቕጽል ከኣ ባጀት ተሰሊዑሉ። እዚ ለበዋ’ዚ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ’ዩ ነይሩ። እቲ መስርሕ ምምኽኻር ነቲ ጉዳይ ኣሳልጦ ወሲኹሉ።


ብመሰረት'ቲ ብኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ጃምላዊ መጠን ተሳትፎ[v]cxxx ሕጻናትን መንእሰያትን ካብ 1991/92 ክሳዕ 1997/98 ዓ.ም. ርኡይ ዕብየት ኣርእዩ። ኣብ መባእታ ካብ 36% ናብ 51%፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ካብ 20% ናብ 36%፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ድማ ካብ 12% ናብ 16% ደዪቡ። (Zuzana Brixiova, 2001)። እዚ ኣዎንታዊ ምዕባለ ድማ ብሳላ’ቲ ኣብ ሚኒስትሪ ንነጥፍ ዝነበርና ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ጻዕሪ እዩ።


ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት'ቲ ሚኒስትሪ ብናይ ደገ ጉጅለታት ብፍላይ ድማ ብህግደፍ ዝካየድ ምትእትታው ዘይተለምደ ኣይነበረን። ሓደ ፍሉይ ፍጻመ እዝክር። ሓደ ብህግደፍ ዝተላእከ ነጋዳይ ናብ ቤት ጽሕፈትና ቀሪቡ፡ ንኹለን ኣብያተ ትምህርቲ ኩርሽ ናይ ምፍራይን ምክፍፋልን ፍሉይ ሓለፋ ክወሃቦ ወይ ክብሕቶ ሓቲቱ። ካልእ ጉጅለ እውን ኣብ ምክፍፋል ናውቲ ትምህርቲ ፍሉይ ብሕተት ንክህልዎ ናብ’ቲ ሚኒስትሪ ሕቶ ቀሪቡ። ኣነ ድማ ከም መልሲ፡ ኩሉ መስርሕ ዕድጊ ብግልጽን ፍትሓውን (fair) ተወዳዳርነት ብዘለዎ ኣገባብን ከም ዝካየድ ኣረጋጊጸሎም። እዞም መልስታት ብህግደፍ ብጽቡቕ መንፈስ ኣይተራእዩን።


ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ብንጹር እዝክር፥ ሓደ ኣማኻሪ ትካል (consulting firm)፡ ኣብ ሓልሓለ፡ ዞባ ደቡብ፡ ትካል ትምህርቲ ንክህነጽ ብናይ ርሑቕ ፍተሻ መሳርሒ (remote sensing) ክምርምሮ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ። ዋላኳ ዕቃበታት እንተ ነበረና፡ እቲ ኣማኻሪ ትካል ብዘይ ውድድር ወይ መስርሕ ጨረታ እዩ ውዕል ተዋሂቡዎ። ነዚ ተበግሶ ዘጽደቐ ባዕሉ ሚኒስተር ትምህርቲ - ዑስማን ሳልሕ - እዩ ነይሩ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ዑስማን ኣብ ምስሕሓብ ክንበጽሕ ክኢልና።


ማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ኣገዳሲ ፍጻመ ድማ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንምትእትታው ዝነቐለ ተበግሶ ነይሩ። እዚ ውሳነ’ዚ ኣብ ሓደ ካብ ኣኼባታት ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተወስደ፡ ኣቐዲሙ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምምኽኻር ከይተገብረን፡ ብዘይ ዝኾነ ደጋፊ መጽናዕትን ዝተገብረን’ዩ ነይሩ። ናይ’ዚ ፖሊሲ'ዚ ቅኑዕነት ንምግምጋም ኩሉ መዳያዊ መ ጽናዕቲ ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪብና። እ ቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ስርዓተ ትምህርትና ንምትእትታው ብመርትዖ ከም ዘይድገፍ ኣረጋጊጽና። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ፖሊሲ ተግባራዊ ኮይኑ።  


እቲ ሚኒስትሪ ምስ ባንክ ዓለም ዝነበሮ ምትሕብባር ምቊራጹ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተዘተየሉ፡ ካልእ ርኡይ ምዕባለ’ዩ ነይሩ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ሲቪላውያን ኣባላት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ከም’ቶም ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ዘይምህላዉ ዘመልክት ተርእዮ ነይሩ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ሚኒስተር ዋላ እውን ምስጢራት እዮም ዝብሎም ጉዳያት ኣብ ዘይዝተየሉ እዋን፡ ሲቪላውያን ኣባላት ዘይዕደሙሉ ኣኼባታት ይጽውዕ ነይሩ። እንታይ ምስጢርከ ነይሩና’ዩ? ነዚ ስክፍታ'ዚ ነቲ ሚኒስተር ኣልዒለሉ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣይተደግመን። ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ሲቪላውያን ኣባላት ናብ ቤት ጽሕፈተይ ብምምጻእ፡ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ነበር ምዃነይ ወይ ዘይምዃነይ ንምፍላጥ ዝሓተቱሉ ህሞታት ነይሩ። ክልተ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፥ "ካብ’ቶም ካልኦት መሳርሕትኻ ዝተፈለኻ ኢኻ፡" ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦምኒ።


ከም ሓላፊ ውጠናን ልምዓትን መጠን፡ ንሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣሰንየ ናብ ብርክት ዝበሉ ኣኼባታት ካቢነ ሚኒስተራት ይኸይድ ነይረ። እዚ ድማ ብፍላይ፡ መንግስቲ፡ ጽላታዊ ስትራተጂታት ይሕንጽጸሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ልሙድ’ዩ ነይሩ። እቲ ብባዕሉ ብፕረሲደንት ዝምራሕ ዝነበረ ተኸታታሊ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ መድረኻት፡ ንጽላታዊ ፖሊሲታት፡ ናይ ተልእኾ መግለጺ (mission statement)፡ ናይ ሚኒስትሪታት ዕማማት፡ ጽላታዊ ስትራተጂታትን፡ ንዕኡ ንምዕዋት ዘድልዩ ተዛመድቲ መደባትን ንምሕንጻጽ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። እቲ ዕላማ ቅዱስ’ዩ ነይሩ።

እዚ ልምምዳት'ዚ (exercise) ጠቓሚ ምንባሩ ተረጋጊጹ። ብዛዕባ ጽላታዊ ፖሊሲታት፡ ናይ ካልኦት ሚኒስትሪታት ስትራተጂታትን ቀዳምነታትን ኣብ ዝግበር ዘተ ምስታፍ፡ እታ ሃገር ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ርድኢት ንምህላው ሓጊዙ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጽላታት ምውህሃድ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት ንምዕዋት ወሳኒ’ዩ ነይሩ።


ኣብቶም ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዝሳተፎም ዝነበርኩ ኣኼባታት፡ ንኩሉ ኣድላዪ ሰነዳት፡ ከምኡ እውን ናይ መርገጺ ወረቓቕቲ (position papers)፡ መብርሂ ጽሑፋትን ንዘተ ዝኸውን መዛረቢ ነጥብታትን ናይ ምድላው ሓላፍነት ይስከም ነይረ። ፍቓድ ኣብ ዝተዋህበኒ ግዜ፡ ርእይቶይ ክገልጽ ይኽእል ነይረ። ከም ናይ’ቲ ሰፊኑ ዝነበረ ዳይናሚክ ንቑሕ ተዓዛቢ መጠን፡ ንስዒቡ ዝመጽእ ኣኼባታት ሚኒስተራት ብዝምልከት ኣብ ኣቀራርባናን መደባትናን ኣድላዪ ምትዕርራይ ክገብር ናተይ ሓላፍነት’ዩ ነይሩ።


ኣብ’ዚ ኣኼባታት ብንጥፈት ቅድሚ ምክፋለይ ኣብ መጀመርታ ገለ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ንዝወሃቡ ዝነበሩ መምርሒታት ኣብ’ቲ መጀመርታ ብግቡእ ይርድኦም ኣይነበረን ወይ እውን ንዕኡ ንጹራት ኣይነበሩን። ሓደ ሓደ ግዜ በቲ ዝወሃበና ዝነበረ ንጹር ዘይኮነ ሓበሬታ ንሰርሕ እሞ ኣብ መጠረሽታ እቶም ዘዳለናዮም ጽሑፋት ወይ ሰነዳት ነቶም ዝተሓቱ ጠለባት ዘየማልኡ ኮይኖም ንረኽቦም። ነዚ ናይ መጀመርታ ተመክሮ እናኣስተንተንኩ፡ ብዛዕባ እቲ ትጽቢት (expectation) ዝያዳ ንጹር ርድኢት ንምርካብ፡ ካብ’ቶም ኣብ ካልኦት ሚኒስትሪታት ዘለዉ መሳርሕተይ ንጹር ሓበሬታ ክደሊ ጀሚረ። እዚ ድማ ብቐጥታ ካብ’ቲ ሚኒስተር ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ እዩ።


ምስ ምሉአ ኣኽብሮተይ፡ እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ጠለባት ብትኽክል ናይ ምሓዝ ወይ ምርዳእ ጸገማት ዝነበሮ ይመስል። ብተወሳኺ፡ ምድላዋትና እኹል ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ እቲ ሚኒስተር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ናይ ምርባሽ ምልክታት የርኢ ከምኡ እውን ነቲ ቀንዲ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝገልጾ፡ ናብ ዘየድሊ ዝርዝራት ክኣቱ ይፍትን ነበረ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ነታ ማይክሮፎን ኣግዲፍካ ኣብ ክንድኡ ተዛረብ ይመጸካ።


ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ፡ ነቲ ንስትራተጂናን ተዛመድቲ መደባትናን ዝውሃብ ምኽንያት ንምብራህ ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታ ከቕርብ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ። ኣብ ትምህርቲ ንዝግበር ምዕባለ ወይ ገስጋስ ንምዕቃን ኣገደስቲ ዝኾኑ ቀንዲ መለክዒታት (indicators) ብምቕራብ እየ ጀሚረ። እዞም መለክዒታት'ዚኦም ብጾታ ዝተመቓቐለ ጃምላውን ጽሩይን ናይ ትምህርቲ ተሳትፎ ምጣነታት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርቲ ዝነበረ መጠን ምስግጋር (transition rate)፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርቲ ዘሎ ምጣነ ተመሃራይን መምህርን፡ ብጽሒት (share) ባጀት ትምህርቲ ምስ ሓፈሻዊ ባጀት መንግስቲ ክመዛዘን ከሎ ወዘተ ዘርእዩ ነበሩ።


ከምኡ እውን ምስ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንጽጽራዊ ትንታነ ኣቕሪበ፣ ከም ኣብነት፡ ምምቕራሕ ባ ጀት ትምህርቲ ከም ሚእታዊት ናይ’ቲ ሓ ፈሻዊ ዝደጋገም ባ ጀት (recurrent budget) ኣርባዕተ ሚእታዊት (4%) ከም ዝነበረ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ማእከላይ ደረጃ ትሕተ ሰሃራ ብዓሰርተ ሓደ ሚእታዊት (11%) ዝተሓተ ከም ዝነበረ ዘጉልሕ ነበረ። ናይ ሽዑ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ገብረስላሴ ዮሴፍ፡ እቲ ሚኒስትሪ እንተ ድኣ ሓቲቱ ዝዓበየ ባጀት ክውሃቦ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ንዘቕረብክዎ መጐተ ተቓዊሙዎ። እቲ ፕረሲደንት፡ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ብዘይ ባጀት ዘካይዶ ዝነበረ ስራሓት ብምጥቃስ ‘’እንታይ ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ፡ ኣበይ ዘሎ ባጀት እዩ’’ ብምባል ንርእይቶኡ ነጺጉዎ።

ካልእ ንኣቀራርባና ዝምልከት ነቐፌታ፡ ካብ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ዝመጸ ኮይኑ፡ ንሱ መለክዒታት ተጠቒምካ ምዕባለ ትምህርቲ ምግምጋም ብኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላት (NGO) ዝዝውተር ፋሽን ከም ዝኾነ ሓቢሩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንጉድለት ርድኢቱ ወይ ድንቁርናኡ ዘቃልዕ ይመስል፣ ምኽንያቱ ናይ ትምህርቲ ዕብየት ወይ ገስጋስ ኣብ ምግምጋምን ምዕቃንን ወሳኒ ተራ ዘለዎም እዞም መለክዒታት እዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ተራ ብሕታዊ ጽላት ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ኣልዒልና ተዛቲና። ብፍላይ ድማ ቅድመ ደርጊ ዝነበረ ዘመንን ብሕታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርትን፡ ጽሬት ዘለዎ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብን ዝገበራኦ ኣበርክቶን ዘቲናሉ። እንተ ኾነ፡ ፕረሲደንት ነቲ እማመ ኣይደገፎን፣ ናብ’ቲ ቅድሚ ደርጊ ዝነበረ ዘመን ከም ዘይንምለስ ብምጉላሕ ድማ ነጺጉዎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር’ዩ ነይሩ፣ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ምስ ሃይማኖታት ዝዛመዳ ኣብያተ ትምህርቲ

ክተባብዓ የብለንን ዝብል እዩ ነይሩ።


ኣብ መንጎ'ዚ ምይይጣት'ዚ፡ ገለ ሚኒስተራት ዘስሕቕ ስነ መጐት የቕርቡ ከም ዝነበሩ እዝክር። ሚኒስተር መጓዓዝያ ነበር ገርግስ ተኽለሚካኤል፡ ኩለን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና (ኣውቶስኮላ) ተዓጽየን፡ ብመንግስቲ ብዝመሓደራ ትካላት ክትክኣ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበ ይዝከረኒ። ዘቕረቦ ምኽንያት ድማ ኣብ ከተማታት ዝራአዩ ዝነበሩ ብዝሒ ሓደጋታት ማኪና ንምንካይ ብዝብል ምስምስ ኢዩ ነይሩ። ገርጊስ "ከተማታትን ገጠራትን ክሳዕ ዝመዓራረዩ ፈጺምና ኣይንድቅስን ኢና" ዝብል ንጥቕሲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝገልጽ ፖስተር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ኢዩ። ንበጻሕቲ ቤት ጽሕፈቱ ምስ’ዚ ፖስተር’ዚ ብኩርዓት እዩ ዘላልዮም።


3.3 እዞም ዕድላት እዚኣቶም ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ውልዶ ሃገር (ኤርትራ) ዝነበሮም ትርጉም

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ምትሕግጋዝ ንኤርትራ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ንኽትድልብ ዝሕግዝ ክስተት ወይ ምዕባለ’ዩ ነይሩ። እዚ ብግዴኡ ክንዮ’ቲ ያታዊ ናይ ስልጣን ዳይናሚክ ብምኻድ፡ ኤርትራ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ኣብ ማዕርነትን፡ ምክብባርን ዝተመስረተ ተወዳዳሪ ዝኾነ ዓይነት ዝምድናታት ከብጽሓ ዝኽእል ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ናይ ሓባር ጻዕርታት፡ ኩሎም ወገናት ብሓባር ዝማዕበለ ናይ ሓባር ዕላማ ሒዞም፡ ሓድሕዳዊ ኣረኣእያቶምን ክእለቶምን ኣበርክቶኦምን ክብርታቶምን እናተሓባበሩ ኣብ ሓደ ዝዓስሉሉ ኩነታት ይፍጠር ነበረ።


ኣብ ውሽጢ'ዚ ሃዋህው'ዚ፡ ሓሳባት ብናጻ እንካን ሃባን ዝበሃለሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ውሳነታት ድማ ብሓባር ይውሰዱ ነይሮም። እዚ ድማ ብግዴኡ ንናይ ምትእምማንን ክፉትነትን መሃዝነትን ተወፋይነትን መንፈስ ይዂኹስኲስ ነበረ። እዚ ናይ ምትሕብባር መንፈስ'ዚ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት ንምርግጋጽን ዘላቒ ፍታሕ ንምንዳይን ዘተባብዕ ነበረ። እዚ ብግዴኡ ናብ ኣሳታፍን ዘላቕን ልምዓት ዝወስድ፡ ቅየራዊ (transformative) ለውጢ ዘምጽእን፡ ትርጉም ዘለዎ ምዕባለ ዘረጋግጽን ተኽእሎታት ፈጢሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኤርትራ ድሌታታን ቀዳምነታታን ብኣድማዒ መገዲ ብምግላጽ፡ ውሽጣዊ ዓቕማ ክትሃንጽ ዕድል ረኺባ ነይራ እያ።

እቲ ምትሕብባር ካብ መጀመርታ ንጹር ሕግታት ተሳትፎነት ብምርቃቕ፡ ንዘቤታውን ግዳማውን ጸጋታት ናይ ምብርባር ዓቕሚ ነይሩዎ እዩ። ምስ መሻርኽቲ ልምዓት ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ግሉጽነት ክህሉ ብምጉስጓስን፡ ንህንጸት ወይ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ግቡእ ኣቓልቦ ብምሃብን (ከም ስልጠና ናይ ትምህርቲ ሰብ ሞያ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)፡ ኤርትራ ናብ ርእሰ ምርኮሳን ርእሰ ምኽኣልን ዝመርሑ ርኡያት ስጉምትታት ክትወስድ ጀሚራ።


ይኹን’ምበር፡ እዞም ዕድላት ኣብ ዳሕራይ እዋን ባኺኖም እዮም። ኣብ ዳሕረዋይ መድረኽ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ንምትሕብባር ዝቐረበ ዕድላት ምሉእ ብምሉእ ክጥቀመሉ ብዘይ ምኽኣሉ ዘሕዝን’ዩ ነይሩ። እቲ ሚኒስትሪ፡ ጽሬት ትምህርትን ካልኦት ብሉጻት ልምድታት ንምትእትታው ካብ ኣህጉራዊ ልምዓት እንታይ ክኸስብ ከም ዝኽእል ብዘይ ምፍላጡ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ፈጢሩሉ። ከም ዝድኽድኽ እውን ገይሩዎ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ብዓል ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኩነታት ሕዱር ለምሲ (chronic paralysis) ከም ዘሎ ብምግላጽ ምስጢሩ ገሊጹለይ።


ንሓለፍቲ ሚኒስትሪን ካልኦት ሰብ ሞያ ትምህርትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ዓ ውደ ት ምህርቲ ከ ም ዝ ሳተፉ ብ ምግባር ኣ ድማዕቲ ም ህሮታት (lessons) ከም ዝረኽቡን ምስ ዘመናውያን ኣሰራርሓታት ከም ዝላለዩን ንምግባር ይከኣል ነይሩ እ ዩ። ከም ማሕበር ንጽጽራውን ኣህጉራውን ትምህርቲ (Comparatiave International Education Society - CIES) ዝኣመሰሉ ዓመታዊ ኣህጉራውያን ዋዕላታት፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻከቡ ሰብ ሞያ ትምህርትን፡ ሰራሕተኛታት ልምዓታውያንን ፋይናንሲያውያን ትካላትን ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዝእከቡ ብምግባር፡ ምስ ምምሕያሽ ትምህርቲ ዝተኣሳሰሩ ኣገደስቲ ጉዳያት ይዛተዩ እዮም። እዚ ፍጻመታት ካብ መላእ ዓለም ተሳተፍቲ ክስሕብ እንከሎ፡ ተሳትፎ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ግን ትሑት’ዩ ነይሩ።


እዞም ዘቕርቦም ዘሎኹ ትዕዝብታት፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣመና ንምጽጋዕ ወይ ድማ ጽግዕተኛ ንምዃን ዝዓለሙ ከም ዘይኮኑ ከስምረሉ እፈቱ። የግዳስ፡ ንክውንነት ናይ’ታ ብቕልጡፍ እትቀያየር ዘላ ዓለም ምርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጉላሕን ብኣኡ መጠን ድማ ዓለም ንኸነርክባ ንምጉያይ ዝሕግዙ ኮይኖም ይስምዑኒ። ብዘይካ’ዚ ኣብ’ዛ ብግሎባውነት እትልለን ዝተወሳሰበትን ዓለም ንኽትምዕብልን ንኽትብልጽግን፡ ምስ ጐረባብትኻን ምስ ናይ ዓለም ሕብረተሰብን ምስራሕ ከም ኣማራጺ ዝርአ ዘይኮነስ፡ ግድነት ክትግበር ዘለዎ ዕማም እዩ።

ተክኖሎጂ ብቕልጡፍ ይግስግስ ኣሎ። ሓደስቲ መጽናዕትታት ድማ ብቐጻሊ ትምህርታዊ ጽሬትን ተሳትፎን ንምዕባይ ፈጠራዊ ኣገባባት ከም ዘድልዩን ይእምቱ እዮም። ምትሕብባርን ምልውዋጥ ተመክሮን፡ ኤርትራ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብዋጋ ዘይሽነን ዕድላት ብምቕራብ ነቲ ንቕድሚት ዝወስድ መገዲ ይእምት። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኤርትራ በቲ ባዕላ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝኣወጀቶ ተነጽሎ፡ ካብ’ዚ ንኽትረብሕ ዘይተዓደለት ሃገር ምዃና እዩ።


ፍሉይ ክእለቶምን ፍልጠቶምን ብምውፋይ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ከም ብዓል ነፍስሄር ኣይናለም ማርቆስ (ጆ)፡ ብርሃነ ደሞዝ፡ የሺ ሃይለ፡ ነፍስሄር ምሕረት ኢዮብ፡ ግርማይ ሃይለ፡ ኣስቴር ሰሎሞን፡ ፖል ሃይፊልድ፡ ተመስገን ተኪኤ፡ ዝኣመሰሉ መሳርሕተይ ከይዘከርኩዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ይኹን’ምበር እቲ ስርዓት ኩሉ ዓቕሞም ብዝግባእ ተጠቒሙሉ ኢዩ ዝብል ርእይቶ የብለይን።

ብዛዕባ ነፍስሄር ኣይንኣለም ማርቆስ (ጆ) ቁሩባት ቃላት ክዛረብ። ኣይንኣለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ብጆግራፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብማስተርስ ዲግሪ ዝተመረቐ ምሁር እዩ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ድማ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከም መምህር ኮይኑ የገልግል ነበረ። ብድሕሪኡ’ዩ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈ። ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን ጨንፈር ትምህርትን ኣገልጊሉ። ንኣይንኣለም ብቐረባ ዝፈለጥክዎ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ተመሳሳሊ ጽፍሒ ኴንና ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ እንሰርሓሉ ዝነበርና እውን እዩ። ኣይንኣለም ኣብ ሜዳ ብዙሕ ሽግር ከም ዝረኸበ ኣፍልጦ ነይሩኒ።


ኣይንኣለም ከም ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሞያዊ ስልጠናን ኣነ ድማ ኣብ ክፍሊ ውጠናን ልምዓትን ኣብ ንሰርሓሉ ዝነበርና እዋን ኣዝዩ ምዉቕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዝምድና ፈጢርናን ኣማዕቢልናን። ናይ ኣይንኣለም ኣዝዮም ዝድነቑ ባህርያት ድማ ሽዑኡ ኢየ ከስተህለሎም ዝጀመርኩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ምቕሉልን ሕዉስን ጠባዩ፡ ኣይንኣለም ምንጪ ናይ ሓደስቲ ሓሳትት ኢዩ ነይሩ። ኣይንኣለም ብዘይ ዕረፍቲ ይሰርሕ። ክንራኸብ እንከለና ኩሉ ግዜ ዝገርመኒ ዝነበረ ድማ እቶም ንሱ ዘመንጭዎምን ዘሳስዮም ዝነበረ ሓደስቲ ሓሳባት እዮም። ሞያዊ ስልጠና ኣብ ኤርትራ ንምምዕባል ዘይፍንቅሎ እምኒ፡ ዘይራኸቦም ሰባት፡ ዘይድስህሶ ጐድና (venue) የለን። ዘየተግበሮ መደብ እውን የለን። ሓሳባቱ ኣብ ቁርጽራጽ ወረቐት ሒዝዎም መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ይመጽእ እሞ ንካትዓሎም። ብዛዕባ ኣመዋውልኦም ድማ ንዝቲ። ሓንሳእ ምስ ተሰማማዕና ንቤት ጽሕፈቱ ተመሊሱ ናብ ከመይ ዝበሉ ተተግበርቲ እማመታት (proposals) ይቕይሮም። እዚ ንድሕረ ባይታ (ኩነታታዊ ትንታነ ወይ situational analysis) ዕላማታት ናይ’ቶም መደባት፡ ኣገዳስነቶም፡ ተረባሕቲ፡ ናይ ግዜ ደረት (timeframe)፡ ወጻኢታቶምን፡ ናይ’ቲ ወፍሪ ምልሶትን (return of investment - ROI) የጠቓልል። ከምኡ ድማ ብኸመይ ከም እንከታተሎምን ዝግምገሙን።

ኣይንኣለም ራእይ ነይርዎ። ካብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ዝብሎ ግዜ ኣብ’ተን ሞያዊ ናይ ስልጠና ትካላት ተደኲነናሉ ዝነበራ ቦታታት ዝገሸሉ ግዜ ይበዝሕ። ብዘይ ምቚራጽ ድማ ንኩለን’ተን ዝመስረተን ሞያዊ ናይ ስልጠና ትካላት ስርሐይ ኢሉ ይበጽሐን። ምስ’ቶም ናይ ቀረባ ሓለፍቲ ናይ’ተን ትካላት ይመያየጥ። ጽን ኢሉ ድማ ይሰምዖም። ብድሕሪኡ ክልግሰሎም ንዝኽእል ምኽርታት ብትሕትና ይልግሰሎም። ይሰምዕዎ ድማ። ኣነን ኣይንኣለምን ብሓባር ኣብ እንጓዓዘሉ ዝነበርናሉ እዋን ካብኡ ብዙሕ ይመሃር ነይረ። ብዙሕ ግዜ እየ ዝጨርቀሉ። እናሰሓቐ “ኣቲ ወዲ ዘይትገድፍኒ ኢኺ!” ካብ ምባል ሓሊፉ ግን ዝብሎ የብሉን። ተነፋፊቕና ጸኒሕና ክንራኸብ እንከለና ሓድሽ ዕላል፡ ሓድሽ ዘተ ንጅምር። ሓደስቲ ሓሳባት ሒዝና ድማ ሰስራሕና ንጅምር። ኣነን ኣይንኣለምን ኣብ’ታ ናይ ሓባር ኢትዮ-ኤርትራ ተክኒካዊት ሽማግለ ሰሪሕና ኢና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነብሩ ዝነበሩ ቤተ ሰቡ ክፋለጥ ድማ ዕድል ረኺበ እየ።


ምስ ኣይንኣለም ምስ ስራሕ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ፖለቲካን ኩነታት ሃገርናን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ግሉጽነት ብዝመልኦ ኣገባብ ነዕልልን ንካታዕን ኔርና። ኣብ መብዛሕትኦም ጉዳያት ንሰማማዕ ኔርና። ጥርዙ ዝሓለፎ ሕድሕዳዊ ምክብባር ድማ ኔሩና።

ከም ሰብ ኣይንኣልም ኩሉ’ዩ ነይሩ፥ ልዕሊ ኩሉ ለዋህ። ትሕትና መሰረተ ባህርያቱ’ያ ነይራ። ብ ዓቕሊ ዘ ርክቦ የለን። ግ ንከ መ ስተውዓሊ። ከ ም ለባም ሰ ብ ሸ ለል ኢ ልዎም ዝሓልፍ ብዙሓት እዮም። እቲ ዓቢ ስእሊ ስለ ዝርኢ ዝነበረ። ምስ ብርሃነ ደሞዝ ኩሉ ሰብ ዝቐንኣሉ ዕርክነት ነይርዎ። ንኣይንኣለም ሕማም ምስ ኣርከበቶ፡ ብርሃነ ደሞዝ ከም ዘይሓልፍ ምስ ናይ ቀረባ ብጾቱ (ከም ብዓል ተኽሊኖ ዘኬዎስ) ኮይኑ ለይትን መዓልትን ክሳብ’ታ ዕለተ ዕረፍቱ ኣልዒልዎ። በዚ ኣጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንቤተ ሰቡ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ይፈቐደለይ። ዕርክነት ኣይንኣለምን ብርሃነ ደሞዝን ክስነድ ኣለዎ። ክምጎስ ኣለዎ። ከም ኣብነት ኩሉ ግዜ ክለዓል ኣለዎ። ከመይስ ጸጽቡቑ፡ ሰሰናዩ፡ ደድሙቑ ስለ ዘንጸባርቕ። ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እውን ኣብነት ክኸወን ስለ ዘለዎ። ንኣይንኣለም ኩሉ ግዜ ብናፍቖት ይዝክሮ። ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃብካ ክቡር ሓወይ! ድማ እብሎ።


እዞም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ምትሕብባራት፡ ዝያዳ ብልጽግትን ገስጋሲትን ኤርትራ ንምምዕባል ዝዓለሙ እዮም ነይሮም። እዚ ግን ኣብ ሓቀኛ ሽርክነትን ሓባራዊ ረብሓን ምምልላእን ዝተመርኮሰ ምስ ዝኸውን እዩ። ስለ’ዚ ድማ ተመክሮይ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክግምግሞ እንከሎኹ ብኹሉ ሸነኻቱ ዕዉት ነይሩ ኢለ እየ ዝኣምን።


እቲ ምስ ኣህጉራውያን (ክልተኣውን ብዙሕነታውን) ትካላት ዝገበርናዮ ምትሕብባር ብዙሕ ዝመሃረና’ኳ እንተ ኾነ፡ ንዘጋጠሙና ብድሆታት ኣፍልጦ ምሃብ እውን ኣገዳሲ እዩ። ምስ ፖሊሲናን ሃገራዊ ቀዳምነታትናን ዘይተኣሳሰሩ ናይ ምትሕግጋዝ ፓከጃት ብፍጹም ዝነጸግናሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝነበረ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ብርክት ዝበሉ ንኤርትራ ከም መፈተኒ (guinea pig) ክጥቀሙላ ዝፈተኑ መወልቲ ድማ ኣጋጢሞምና እዮም።


ኣብ ገለ እዋናት፡ በቶም ብዛዕባ ፖለቲካዊ ቁጠባ ሃገርናን ዘጋጠመና ብድሆታትን ዓሚቝ ርድኢት ዘይብሎም "ላዕለዎት ዓለምለኻውያን ክኢላታት" ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት ክንጻወሮ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። ጨንፈር ዩኒሴፍ ኤርትራ፡ ንሓደ ክኢላ ሰብ "እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና" ብዝብል ኣርእስቲ መምርሒ ንኽህበና (ምሳና ከይተማኸረ) ከም ዝዓደሞ ብንጹር ይዝከረኒ። እቲ ክኢላ ብዛዕባ ፖሊሲና፡ ስትራተጂያዊ ውጥናትናን፡ ቀዳምነታትና፡ ወይ ንሰርሓሉ ዝነበርና ኩነታትን ንምሕታት’ኳ ኣኽብሮት ኣይነበሮን። ብቐጥታ ናብ’ቲ ኣስተምህሮኡ’ዩ ተሸሚሙ። ነቲ ዕድል ተጠቒምና ምሉእ ህይወቱ ዘይርስዖ ምህሮ ሂብናዮ።

 


[i] Ministry of Education, Eritrea, National Education Policy, Asmara, 2003 http:// www.eritreaem-bassy-japan.org/data/National%20Education%20 Policy%20 Feb%202003.pdf Accessed on October 13, 2023344

 

[ii] LWF will continue humanitarian aid in Eritrea for further 12 months: Only NGO program in operation there News and Press Release Posted 14 Jul 1998 https://reliefweb.int/report/eritrea/lwf-will-continue-humanitarian-aid-eritrea-further-12-months-only-ngo-program Accessed on January 23, 2024

 

[iii] Peace through education: An interview with Dr Teame Mebrahtu, August 8, 2017, Centre for Comparative and International Research in Education https:// cire- bristol.com/2017/08/08/peace-through-education-an-interviewwith-dr-teame-mebrahtu/ Accessed on October 4, 2023

 

[iv] Peace Corps Suspends Program in Eritrea; All Volunteers are Safe and Sound, Peace Corps, Friday, June 5, 1998, https://www.peacecorps.gov/news/ library/ peace-corps-suspends-programing-eritrea-all- volunteers

 

[v] ጃምላዊ መጠን ተሳትፎ (Gross Enrolment Ratio)፡ ዕድሜኦም ብዘየገድስ ብዝሒ ተመሃሮ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ደረጃ ትምህርቲ (መባእታ፡ ማእከላይ ወይ ካልኣይ ) ምስ’ቶም ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ደረጃ ዕድመ ልክዕ ዘሎዉ (7-11) ተመሃሮ ክርአ እንከሎ ዝገልጽ መጠነ ተሳትፎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ናይ መባእታ ደረጃ 7-11 እዩ። ጃምላዊ መጠን ተሳትፎ ንምቕማር እምበኣር ዕድመኦም ብዘየገድስ ክንደይ ዝኣኽሉ ተማሃሮ እዮም ኣብ መባእታ ዘሎዉ ድሕሪ ምፍላጥ ምስ’ቶም ኣብ’ዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ይወዳደር።

 

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page