top of page
Search

ውልቃዊ ርእይቶ መጽሓፍ "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" ብሰናይ ኣስገዶም

ውልቃዊ ርእይቶ መጽሓፍ "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" 

ብሰናይ ኣስገዶም

31 ጥሪ 2026

 



ኣቶ ሰመረ ሰለሙን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2026 ዝተዘርግሐት፣ ንህሉው ኲነታት ሃገርና ብግልጺ እትሕብር፣ ካብ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ተበጊሳ ንመጻኢ መፍትሒታት ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት እትእንፍትን “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” እትብል መጽሓፍ ጽሒፉ። እዛ መጽሓፍ ከም ኣንባቢ ክርእያ እንከለኹ ገምጋም ናይ ሕሉፍ ጥራይ ዘይኮነት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኲነታት ከም እንርከብ'ውን እትገልጽ መጽሓፍ'ያ።  እንታይ ክንከውን ከም ዘለና እትእምት ስነ ፍልጠታዊ መፍትሒታት እተቐርብን መጽሓፍ ከኣ’ያ። ደስ እንዳበለትኒ’የ ኣንቢበያ። ናይ ብሓቂ ድማ ፈትየያ። ከነንብባን፣ ክንዝትየላን፣ ክንትንትናን ዘለና መጽሓፍ ምዃና ድማ ብምሉእ ልበይ አስምረላ።

 

ንኣቶ ሰመረ ሰለሙን፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ “ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን፡ ዝተጠልመ መብጽዓን” እየ ከም ደራስን ተጋዳላይን ፈሊጠዮ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ኣብ መንጎ ሓርነትን ድሕሪኡ ዝመጸ ፖለቲካዊ ክውንነትን ዘሎ ፍልልይ ብጥልቀት ትንታነኣ ተቕርብ። ኣብ "ሰናይ ዘመን" ናይ ዩቱይብ ቻነለይ ድማ፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ዝተዘርግሐ ቃለ መሕትት ኣካይድና ኔርና። እቲ ቃለ መሕትት ብብዙሓት ካብ ዝተረኣዩ መደባት ናይቲ ቻነል ኮይኑ ተሰኒዱ'ሎ። ከም ኣረኣእያይ መጽሓፍ ኣቶ ሰመረ ሰለሙን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺባ ዝብል ገምጋም ኣለኒ። ይግብኣ ድማ'ዩ። ምኽንያቱ ድማ ሓሳባቱ ላዕሊ-ላዕሊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ዝተሞርኰሱ ክውንነታት ምዃኖም ስለ ዘረድእ።

 

ናይ ኣቶ ሰመረ ሰለሙን መጽሓፍቲ፡ ካብ ብዙሓት ካልኦት ፖለቲካዊ ጽሑፋት ዝፍለዩሉ፡ ሕሉፍ ብምግምጋም ጥራይ ከይተወሰኑ፣ ንመጻኢ ዝእንፍቱ መፍትሒታት ዝሓዙ ምዃኖም’ዩም። ገለ ብካልኦት ደረስቲ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት መብዛሕቴኡ ግዜ ናብ ሓደ ወገን ዝዘዘዉ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ኣደዳ ምፍልላይን ግርጭትን ዘስዕቡ ኮይኖም ተጋሂዶም'ዮም። ብርእይቶይ መጽሓፍቲ ኣቶ ሰመረ ግን፡ ኣብ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዝተመርኰሱን ኣንባቢ ንኽሓስብን ንኽትንትንን ዘተባብዕ'ዩም ኢለ ክገልጾም ይኽእል።

 

ኣብዛ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተሓቲማ ዝተዘርግሐት “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ፡ ደራሲ ኣብ ባይታ ክትግበር ዝኽእል ግብራዊ ሓሳባት ብስርዓት ኣቕሪቡ’ሎ። ካብ ህሉው ኲነታት ኤርትራ ተበጊሱ፡ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ሃገርና ብመረዳእታታት ብምስናይ፡ ጸገማታ ከም ጸሓይ በጣዕ-ጣዕ ኣቢሉ የብርህ። ስርዓት ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ስርዓት ዘለዎ ባህሪ፣ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ብግልጺ ታሪኻዊ መረዳእታታት ብምስናይ የቕርብ። ዕብየት ሃገር ኣብ ምንታይ ክምርኰስ ከም ዘለዎ ድማ ብግልጺ ይሕብር።

 

እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ገይሩ ኤርትራ ናብ ሕጂ ዘላቶ ሕሱም ኲነታት ከም ዘብጸሓ ብምትንታን ተረድእ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ነዛ ሓሚማ እትርከብ ኤርትራ ሃገርና፡ ከመይ ጌርና ናብ ሕውየትን ዕብየትን ክንመልሳ ከም እንኽእል ብታሪኻውያን ኣብነታት ኣሰንያ ኣማራጺ ሓሳባት ተቕርብ።

 

እዛ 15 ምዕራፋት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ኣብ መንጎ ሰናይ ምሕደራን ቍጠባዊ ዕብየትን ዘሎ ጽኑዕ ዝምድና ብስነ-ፍልጠታዊ መወከሲታት ትገልጽ። ልምዓትን ዕብየትን ኣብ ቁጠባ ብኸመይ ከም ዝምዘኑን ዝዕየሩን ትሕብር። ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሽነኽ መጻኢት ኤርትራ ክህልዋ ዘለዎ ሰረተ እምነታት ተቐምጥ። ነቲ “ኣብ ባይታ ክውንነት ፍጠር፡ ደሓር ተላዘብ” ዝብል ኣተሓሳስባ ህግደፍ ድማ ብትንተና ደረጃ  ትነቕፍ።

 

ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ህንጸት ሃገር ከመይ ገይሩ ክሳተፍ ከም ዘለዎን ዝግብኦን ትገልጽ። ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ዜጋታት ቬትናምን ህንድን ከመይ ጌሮም ንሃገሮም ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፡ ከማኡ'ውን ማሕበራዊ ልምዓትን ከም ዝሕግዙ ብኣብነታት ተረድእ።

 

ከምኡ’ውን፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ ከመይ ክኸውን ከም ዝግባእን፣ ኣብ ዲድያስፖራ ዘሎ ሓይልን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብን ብኸመይ ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝኽእሉን’ውን ተረድእ። ለውጢ ብኸመይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ድማ ብስነ-ፍልጠታዊ መረዳእታትትን መወከስን ትገልጽ።

 

ኣቶ ሰመረ ሰለሙን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መፍትሒ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ብመጽሓፍ ደረጃ ስለ ዘቕረብካልና ክብረት ይሃበልና እብለካ።  እንዳጸሓፍካ ንበር ድማ እብለካ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ እዛ መጽሓፍ ኵሉ ኤርትራዊ ክንብባ እላቦ። ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ። ምኽንያቱ፡ እዛ መጽሓፍ ንዓኻ'ያ ተወፍያ። ሃየ ንበባ፡ ክትከስበላ ኢኻ።

 

ተወሳኺ፡ "ኣታ" ብዝብል ኣጸሓሕፋ ምጽሓፈይ፡ ኣቶ ሰመረ ስለ ዘፍቐደለይ ምዃኑ እሕብር።

 

 

 

 

 

 

 

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Sb
Feb 03
Rated 5 out of 5 stars.

Outstanding thinker and we need more Eritreans like Semerre Solomon to unite our pepole amd make up for lost times.

Like
bottom of page