ዕላል ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት በዓልቲ ሞያ፡ ብዛዕባ’ቲ ስቕ ዝመረጸ ክፋል ናይ ኤርትራዊ ዲያስፖራ
- Semere Solomon

- Jan 21
- 4 min read
Updated: Jan 23
ዕላል ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት በዓልቲ ሞያ፡ ብዛዕባ’ቲ ስቕ ዝመረጸ ክፋል ናይ ኤርትራዊ ዲያስፖራ
ብሰመረ ሰሎሞን
ጥሪ 21, 2026

ነዛ ሓተታ’ዚኣ ከቕርብ ዝደረኸኒ ፍጻመ ኣሎ፣ ምስ ሓንቲ ብትምህርትን ሞያን ዕውትቲ ዝኾነት መንእሰይ ኤርትራዊት ዝገበርኩዎ ሓጺር ዕላል። እዛ ኤርትራዊት በዓልት ሞያ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንመጀመርያ ግዜ (ኣብ ጐርዞ ዕድሜኣ) ናብ ኣፍሪቃ ገይሻ ተመሊሳ። ሓንቲ ካብተን ፉሕፉሕ ዝብላ ከተማታት ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንክትበጽሕን ክትርኢን’ውን በቒዓ። እዛ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዓበየት መንእሰይ ኤርትራዊት ብካልኣይ ዲግሪ ዝተመረቐት ኮይና ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተደኰነ ሓደ ዝና ዘጥረየ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ትሰርሕ።
እዛ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገይሻ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ምሁራት’ሞ ኸኣ ኣብ ከባቢ ዕድሜኣ ዝርከቡ መንእሰያት ደቂ’ታ ሃገር ግዜ ከተጥፍእን ከተዕልልን’ውን ዕድል ረኺባ። ኵሉ’ቲ ዝተዓዘበቶ ድማ ኣብ ኣእምሮኣ ዓሚቚ ጦብላሕታ ገዲፉላ። እቶም ዘዕለለቶም መንእሰያት ናይታ ኣእንጋዲት ሃገር ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካን ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጕዳያትን ርሱናትን ክፉታትን ክትዓት ተጸሚዶም ክካትዑ ተዓዚባቶም። ከምኡ’ውን ኣብ ሙዚቃ፡ ስነ ጽሑፍን ስነ ጥበብን። ብዛዕባ ቝጠባ ሃገሮም ክትንትኑን መንእሰይ ዘማእከለ ቍጠባዊ ፖሊሲታት ንኽክህሉን ክጣበቑ’ውን ኣስተብሂላ። ንመንግስቶም ብዘይ ንሕስያ ክንቕፉን ኣብቶም ክምጐሰሎም ዘለዎ መዳያት ኣተኲሮም ክሙጕሱን‘ውን ርእያ። ብናታ ኣበሃህላ፡ ርእሰ ተኣማንነቶም፡ ምሁራዊ ህንጥይናኦም ከምኡ’ውን ናጻ ዋሕዚ ናይቶም ልዝባቶም ዓይኒ ዝኸፍትን ኣኣምሮ ዘስፍሕን ተመክሮ ከም ዝነበረ ብዘይ ቀልዓለም ገሊጻትለይ።
ነዚ ተመክሮ’ዚ ነቲ ኣብ ከባቢ ዲሲ ንእተሕልፎ ህይወት ንምንጽጻር ክትጥቀመሉ ፈቲና። ኣብ ከባቢ ዲሲ ምስ ዝነብሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዓበዩን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረከቡን ኤርትራውያን መንእሰያት - መንሃድሳት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታት፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ክኢላታት - ንእትገብሮም ዕላላት ኣስተንትኖ (reflection) ክትገብር ድማ ጀሚራ። ሓደ ኣገዳሲ ነገር ድማ ተኸሲቱላ፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘዕለለቶም መንእሰያትን ኣብ ከባቢ ዲሲ ዝነብሩ መንእሰያትን ዝተዓዘበቶ ውጹእ ፍልልይ’ዩ። ዘይከምቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቓ ዘዕለለቶም መዛኑኦም፡ እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት ብዛዕባ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ስደት መንእሰያት ኣሕዋቶም፡ ብዛዕባ ኣብ ዓዶም ዘሎ ድሕረት ናይ ቍጠባ፡ ከምኡ’ውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ ዘጸግሞም ኮይኑ ረኺባቶ። ኣብ ከባቢ’ዞም ሕቶታት’ዚእቶም ዝዝንብዩ ዕላላት ክቕልቀሉ እንከለዉ፡ እቲ ዕላል ዘይምቹእ ይኸውን፡ እቶም መንእሰያት ድማ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ዕላላት ዘበግሱ መዛኑኦም ክግልልዎም ትርኢ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብትምህርቲ ዝጸገቡን ኣበየ ሞያታታቶም ዝተዓወቱን ኤርትራውያን መንእሰያት ስለ ምንታይ ካብቲ ጨካን ክውንነት ናይ ሃገሮም ክርሕቁ ከም ዘመረጹ ገሪምዋ።
ቀጺላ ምስቶም ንነፍሶም ከም መራሕቲ ናይቲ ኣብ ዲያፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ከተዘራርቦም ፈቲና። ተልእኾኦም ኣብ መንጎ ሞያውያን ኤርትራውያን ርኽክብ ከም ዝህሉን ንሞያዊ ዕብየቶም ዝጠቕም ሓበሬታታት ንምዝርጋሕን ከም ዝኾነን ፖለቲካ ኤርትራ ኣልዕሊካ ምዝራብ ከም ዘይደፍኡሉን ከም ዘየፍቅዱን በሪሁላ። ኣብ መንጎ ሞያውያን ኤርትራውያን ርኽክብ ክህሉን ንሞያዊ ዕብየቶም ዝጠቕም ሓበሬታታት ክለዋልወጡን ጠቓሚ’ዩ፡ ግንከ ተልእኾኦም ከም ሰብ ሞያ መንእሰያት ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ምተገብኦ። እዚ ከኣ’ዩ ብሓቂ ድማ ዘሕዘና። ኣነ’ውን እቲ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ኢለ ክሓስብ ጀሚረ፡
ብወገነይ፡ ነዚ ስቕታ ወይ ካብ ክውንነት ሃገር ክትግለል ምምራጽ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት ከም ዘለዉ እኣምን’የ። ብናተይ መረዳእታ፡ መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ናይ እንታይ ገደሰኒ ኵነታት’ዚ ንምፍጣር ክልተ ዝብልሑ ስትራተጂ ክጥቀም ካብ ዝጅምር ሓያለይ ገይሩ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ቀዳማይ፡ ብመገዲ ውድበታቱ (ኤምባሲን ሓፋሽ ውድባቱን) ኣቢሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ከመይ ገይሮም ኣብ መፈንጠራ ናይ ትረኽኡ ከም ዝጽመዱ ወይ ከም ዝዓስሉ ምግባር’ዩ። ዕላማ ናይዚ ሜላዚ ንኣተሓሳስብኦም ንምቍጽጻር’ዩ። እቲ ካልኣይ ሜላ ስርዓታዊ ብዝኾነ መገዲ (systematically) ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ፖለቲካ ከም ዝርሕቁ ወይ ድማ ዕኑዳት ተዓዘብቲ ከም ዝኾኑ ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብዝተኻእለ መጠን ከም ዝርሕቁ ምግባር’ዩ። እቲ ስርዓት በቲ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ’ዚ ዝዕወት ዘሎ’ውን ይመስል። ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣካዳምያዊ ደረጃኣኡን ሞያኡን ብዘየገድስ ንኽነቕፍ መንፈሱ ዝተባሕጐጐን ሓሳቡ ክገልጽ ዘይደፍርን መንእሰይ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ምሁራት ኢና በሃልቲ ጕጅለ፡ ሓሳቡ ብናጻ ክገልጽ፡ ንሰበ ስልጥን ክሓትትን ነቲ ዘሎ ክውንነት ክብድህን ቅሩብ ኣይኮነን። በብውልቆም ኣብቶም ዝነጥፉሎም ሞያታት ዕዉታት’ኳ እንተ ኾኑ፡ ከም ዜጋታት ግን ነጢፎም ንኽቃለሱ ዓዲ ዝወዓሉ ይመስለኒ። ዘይከምቶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ መዛኑኦም።
እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ጕጅለ መንእሰያት፡ ሓደ ሓደ ምስ ባህሪ ናይ መንእሰያት ዘይከይዱ ባህርያት ዘርኢ ዘሎ ይመስል። ብኵራት ህንጡይነት (curiousity)፣ ንጕዳያት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ዘይምርኣይ፣ ሓቦን ድፍረትን ንምኽዕባት ምውልዋል፣ ከምኡ’ውን ንሓደጋ ክትቓላዕ (risk taking) ዘይምድላይ። እዚ ጕጅለ’ዚ ካብ ናይ ምቾት ቦትኡ ክወጽእ (comfort zone) ኣይደለን፣ ካብ ሕንሕነ (retribution) መንግስቲ ኤርትራ ይፈርሕ፣ ንህልዊ ዅኔታ (status quo) ከም ዘለዎ ይቕበል፣ ብዛዕብ’ቲ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ዘሎ ኤርትራዊ መዘናኡ ካብ ምዝራብ ድማ ይቝጠብ። እዚ ኣብ መንእሰያትና ንርኦ ዘለና ተሓሳስቢ ኵነታት ህጹጽ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ክስተት ነቶም ኣብቲ ብ’ሰሜናዊ ማዕበል’ ዝፍለጥ ደፋርን ውፉይን ናይ ኤርትራውያን ጥርናፈ ዝነጥፉ ዘለዎ ኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን። ዕላምኡ ድማ መሰላት ኵሎም ዜጋታት ዝረጋገጸላ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ኵሎም ሸነካት ህይወት እተውሕስ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና፡ ምስ ጐረባብታን ዓለምን ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ሃናጺ ዝምድና እትምስርት ደሞክራሲያዊትን ንዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት እትጽዕትን ብልጽግትን ሃገር ምምስራት’ዩ። ኣካል ናይቲ ዓለማዊ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ከኣ’ዩ። ካብ ጽድያ ዓረብ ጀሚሩ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ነፓል፡ ኬንያ፡ ማዳጋስካር፡ ሞሮኮ ከምኡ’ውን ጆርጂያ ዝተራእዩ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብስም ቄሮ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፣ ካልኦትን ንብልሹዋትን ዓመጽትን መንግስታት ኣብ ምውዳቕ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይኖ ኣገልጊሎም’ዮም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ’ውን እንተኾነ መንፈስ እምቢታ ናይ መንእሰያት ዓቢ ቦታ’ዩ ዘለዎ።
ንኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ሰብ ሞያ ብኽፉት ኣእምሮ ብዛዕብ ጕዳይ ሃገሮም ክላዘቡ ከነተባብዕም ኣለና። ንኽፈለጡ ናይ ህንጡይነት ባህርያ ክዅስኵሱ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክርእዩን ካባዚ ተበጊሶም ድማ ኣብ ናይ ባዕሎም መደምደምታ ክበጽሑን ይግብኦም። እዚ መጸዋዕታ ንዅሎም መናእሰይ ኤርትራውያን - ነቶም ስቕታ ዝመረጹን ደገፍቲ መንግስትን ከይተረፈ - ዝቐንዐ’ዩ። ሕተቱ፣ ተኻትዑ፣ ሓሳባትኩም ብናጻ ግለጹ። ንጌጋታን ውድቀታትን መንግስቲ ንምንቃፍ ድሕርሕር ኣይትበሉ፡ ንዝርኤኹምዎ ገሰጋስ ወይ እወታዊ መዳይ ድማ መድሱ። ስልጡንን ጭውነትን ብዝመልኦ ኣገባብ ግን። እንተ ዘኮይኑ፡ እቲ ካልእ ምርጫ ብልኡማት ተዓዘብትን ኣመኻነይቲ (apologists) መንግስትን ዘዕለቕለቐት ኤርትራ ምርኣይ’ዩ። ከምዚ ዝአመሰለ ኵነታት ንሓቀኛ ዝኾነ ተበግሶ ህንጸት ሃገር ዘተባብዕ ኣይኮነን።
ኣብ ዲያስፖራ እትርከቡ ወለዲ ኣብዚ ዓቢ ግደ ኣለኩም። ውጽኢት ጻዕርኹም ዝግለጽ ልኡማት ዝኾኑ ውሉዳት ምዕባይ ወይ ምኹስዃስ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ኣብ ምዅስኳስ ኵለንተናዊ ሰብነት ዘለዎምን ማሕበረ-ንቝሓትን (socially conscious) መንእሰያት’ሞ ብዛዕባ ዓለምን ዘሕዝን ኵነታት ሃገሮም ዝዝትዩ መንእስያት ምፍራይ ክኸውን ኣለዎ። ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ከተማ ዘጋጠመ ፉሕፉሕ ዝብልን ኣገዳስን ክትዓት ንኤርትራውያን መንእሰያታ ዕጹብ ድንቂ ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት ኣለኒ። እንታይ ደኣ ከም ሓደ ክርዓም ዘለልዎ ኣብነት ክውሰድ ኣለዎ። መጻኢ ሃገርና ኣብ ንቕሓት፡ ድፍረትን ራእይን መንእሰያትና’ዩ ዝምርኰስ።
በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ከም ኣርእስቲ ዝዛረበልኩ ዘለኹ መንእሰያትን ወለዶምን ብድሆ እብለኩም። ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ እሞ ተዛተዩሉ። ከም ድፍረት ከይትወስድዎ ድማ ብልቢ እላቦ።



Comments