top of page
Search

ዘይተርፍ ዝመስል ጎነጻዊ ረጽሚ

Updated: Jul 16

እቲ ብናህሪ እናተለዋወጠ ዝኸየድ ዘሎ ናይዚ ከባቢ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ረጽሚ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ከምርሕ ከም ዘይክእል እናተጋህደ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እዞም ኣብ ኣደባባይ እንሰምዖም ዘሎና ድምጽታት ነጋሪት ኵናት ናይዚ መርኣያታት’ዮም። ውጽኢቱ ንምግማቱ ድማ ኣሸጋሪ ኣይክኸውንን’ዩ። ከመይሲ እቶም ኣብዚ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ዝዋስኡ ዘለዉ በበይኑ ረብሓታት ዘለዎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ። ኣብዚ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ብልጽግና፡ ህግደፍን ህወሓትን’ዮ። ብኻልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ፋኖን (ወይ ናይ ኣምሓራ ተቓወምቲ) ግንባር ሓርነት ኦሮሞን’ዮም። ካልኦት ንእስ ንእስ ዝበሉ ብሳልሳይ ደረጃ ክስርዑ ዝኽእሉ ውዳበታት’ውን ኣይሰእኑን’ዮም። እዚኣቶም ዕላማታቶምን ዝውክልዎም ረብሓታትን ብዘየገድስ ተመሳሳሊ ባህርያት ኣለዎም። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦

  • እዞም ውድባት’ዚኣቶም (መብዛሕቴኦም) ኣብ ፖለቲካዊ ረብሓ ናይ ጸበብቲ ክልታት ዝተመስረቱ’ዮም፣ ረብሓ ህዝቢ/ህዝብታት ዘቐድሙ’ዮም ኢልካ ምዝራብ ኣሽጋሪ’ዩ፣

  • ኵሎም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ብፖለቲካዊ ግርሳመ ወይ ሕጽረት ኣረኣእያ (myopia) ዝሳቐዩ ውድባት’ዮም፣

  • ኣብቶም ዝነጥፉሎም በበይኖም ከባቢታት ኮይኖም፡ ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ልዕሊ ህዝብታቶም ዕምጸጻ (coercion) ዘዘውትሩ ሓይልታት’ዮም፣

  • ኵሎም ኣብ ብዙሓዊ ፖለቲካ (political pluralism) እምነት ዘይብሎም፡ ሓቛፊ ፖለቲካ ዘየዘውትሩን፡ መፍትሒ ፖለቲካዊ ፍልልያት ጐነጽ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑን ሓይልታት’ዮም፣

  • ኣብዞም ዝሓለፉ ስሳ ዓመታት ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ኪዳናት ስትራተጅያዊ መበገሲ ሃልይዎም ዘይኮነ ንናይ እዋኑ ረብሓ/ታት ተባሂሎም ዝተገብሩ’ዮም። ብቀጻሊ ድማ ክለዋወጡ ጸኒሖም’ዮም። እዞ ዝስዕቡ ኪዳናት ብኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ፦ ህግደፍ–ኢህእደግ፡ ህግደፍ–ህወሓት፡ ህግደፍ–ብልጽግና፡ ኢህኣደግ–ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ብልጽግና–ፋኖ፡ ብልጽግና–ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ህግደፍ–ጸረ ኢህኣደግ/ህወሓት ሓይልታት፡ ወዘተ፡

  • ኵሎም በብዓቕሞም፡ ኣብ ፖለቲካ ናይ’ዚ ዞባ ብንጥፈት ክሳተፉ ዝጸንሑ’ዮም። ክንዲ ዝኾነ ድማ ንናይ ውክልና (proxy) ኵናት ዝተቓልዑ’ዮም። ዞባውያን ረብሓታት ዘገልግሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

    • ኤርትራ – ኤርትራ ኣብ’ቲ ንናይ የመን ሁቲ ንምድኻም ብሕቡራት ኣሚራት ዓረብን ስዑድ ዓረብን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዘመተ መሻርኽቲ ኮይና ተሳቲፋ’ያ። ብኣኡ ኣቢላ ድማ ድማ ንረብሓ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ምዕራብን ኣገልጊላ።

    • ኢትዮጵያ – ኣብቲ ጸጥታ ናይዚ ዞባ ንምውሓስ ዝመበገሲኡ ተባሂሉ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመስርተ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኣባል ኮይና ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሶማልያ ጸኒሓ’ያ። ቀንዲ መዋሊት ናይዚ ፕሮጀክትዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’ያ።

    • ቱርክን ሕቡራት ኣሚራት ዓረብን ኣብቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ (ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን)፡ ኣብ ጎድኒ ብልጽግና መሻርኽቱን ብምዃን ናይ ህወሓት ዳግመ-መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ዓቢ ግደ ነይርዎም።

    • ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ (ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን)፡ ኣብ ጎድኒ ብልጽግናን መሻርኽቱን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቃዕቲ ፈጺማ። እዚ እቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዕድመ ተገይሩልና ዝኣተናዮ ኵናት’ዩ ኢሎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ ብወግዒ ዝዛረቡሉ ተሳትፎ ወይ ጽምዶ’ዩ።

    • ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ በበይኖም እዋናት ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐን ክሳዕ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን ሓድሕድ ኵናት ወገን ወሲዶምን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ተኻፊሎምን’ዮም።

    • ኤርትራ ኣብ ሶማልያ፡ ኤርትራ ነቲ ብኣል ሸባብ ዝፍለጥ ኣብ ሶማልያ ዝነጥፍ ዝነበረን ዘሎን ጥሩፍ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ሓደ እዋን ፖለቲካውን ንዋታውን ደገፍ ትህብ ከምዝነበረት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓበሬታ ዘረጋግጽዎ ሓቂ’ዩ። ኣል ሸባብ ኣብ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ከም ዝነበሮ’ውን ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝኣመነሉ ሓቂ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሶማልያ ብምድጋፍ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ የሰልጥን ከምዝነበረ ብወግዒ ዝፍለጥ’ዩ።

    • ስሉሳዊ ኪዳን ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ግብጽን፡ እዘን ሰለስተ መንግስታት ንኢትዮጵያ ከም ዒላማ (target) ዝገበረ ኪዳን መስሪተን ክነጥፋ ከም ዝጸንሓ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብዚ ዕላምኡ ነቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ግዜ ዘልዓለቶን እተልዕሎ ዘላን ሕቶ ናይ ውነና ኣፍደገ ባሕሪ ንምግታእ’ዩ።


ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘለዉዎ ጸለውቲ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ናይ ሰላም መሻርኽቲ ኮይኖም ኣብ ምርግጋግእን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ልምዓት ናይቲ ዞባ ክነጥፉ ባህሪኦም ኣይኮነን፡ ኣይክእሉን’ዮም እውን። ሕሉፍ ታሪኾም ስለ ዝምስክር። ይዕበ ይንኣስ፡ ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ሓደጋታት (threats) እዮም። ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፖለቲካዊ ምውጥዋጣት ድማ ባህርያዊ ሳዕቤን ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊ ግድላትን ክዅስኵስዎም ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጠባያትን’ዮም። በዞም ዝስዕቡ ድማ ክግለጹ ይኽእሉ፦


ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህግደፍን ዘሎ ዝምድና እናሓሽከረ ክመጽእ ጸኒሑ።ብልጽግና ዘሳስዮ ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ኣብዚ ዞባዚ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ኤርትራ ብምቁማት ሕልማታቱ ንምግሃድ ዘድልዩ ዘበሉ ምቅርራባት (ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ) ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዓለን። ይቕጽሎ ከኣ ኣሎ።


ዞባ መን ዓብለለ ዝመንቀሊኡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ዘሎ ምፍሕፋሕ ክንዮቲ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ ዝኸይድ ጕዳይ ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ነቲ ሓደ ንምድኻም ድማ በብዓይነቶ ፖለቲካዊ ኪዳናት ክምስረቱ ንሪኢ ኣለና። ሰልፊ ብልጽግና ንህግደፍ ንምድኻም ምስ ኣብ ደገ ዝነጥፉ ኤርትራዉያን ናይ ተቓውሞ ውድባት ምትሕብባር ጀሚሩ ኣሎ።


ውድድር ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን ዝመበገሲኡ (ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ምምቕራሕ ጸጋታት) ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ዝነተጐ ጎነጻዊ ምፍሕፋሕ (ኵናት 2020 ዓ.ም.) ወላኳ ብውዕል ፕሪቶርያ ግዚያዊ መፍትሒ እንተ ተገብረሉ፡ እቲ ጉዳይ ግን ጌና ፖለቲካዊ መዓልቦ ኣይረኸበን ዘሎ። ቅዋም ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ዘፍቅዶ መሬት ክልል ትግራይ ጌና ኣብቲ ቅድመ-ኵናት ዝነበሮ ኩነታት ኣይተመልሰን ዘሎ። ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዛጊት ኣይተመልሱን ዘለዉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ከምቲ ዝድለ ይወሃቡ የለዉን። ወከልቲ ክልል ትግራይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ጌና ኣይተመልሱን ዘለዉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ፡ ክልቴኦም ወገናት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታቶም ጋህዲ ንምግባር ሰብ ኪዳን ኣብ ምንዳይ ይርከቡ። እዚ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ብምስምስ “ፖለቲካዊ ጽምዶ” ተጀሚሩ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ሳዕቤኑ ቀሊል ከም ዘይከውን ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምኡ’ውን እቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ፋኖን ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝተመስረተ ግዚያዊ ኪዳን።


ስልጣን መን ብሓተ ዝመሰርቱ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ህወሓት ዝርአ ዘሎ ምፍሕፋሕ እንኸፍአ ይመጽእ ኣሎ። ክልቴኦም ወገናት፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓታት ንጐድኒ ገዲፎም፡ ሓደ ነቲ ሓደ ንምጥቃዕን ስሙ ጸለሎ ንምቕባእን ኣብ ዘየቋርጽ ዘመተ ተሸሚሞም ይርከቡ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ሓደ ወገን ምስ ሰልፊ ብልጽግና ወጊኑ ነቲ ሓደ ወገን ናይ ምጥቃዕ ተርእዮ’ውን ጀሚሩ ኣሎ። ብስንኪዚ ምዕባለዚ፡ ጕዳይ ህዝቢ ትግራይ ተረሲዑ ኣብ ጸቢብ ረብሓታት ዝተመርኰሰ ፖለቲካ ክካየድ ንርኢ ኣለና። ከም ስዕቤን ድማ ህዝብ ትግራይ ግዳይ ናይቲ ፖለቲካዊ ቀውሲ ኮይኑ ኣሎ። ተከፋፊሉ’ውን።


ኣብ መንጎ ህወሓትን ካልኦት ተቓወምቲ ናይ ትግራይ ሓይልታትን ዝርአ ዘሎ ምፍሕፋሕ ኣይዓረፈን። ህወሓት ካልኦት ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓቚፉ ክሰርሕ ቅሩብነቱ ክሳዕ ሕጂ ኣየርኣየን ዘሎ። ንሓዋሩ’ውን ዘርኢ ኣይመስልን። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ብፖለቲካዊ ባህርይ ህውሓት ዕጕባት ኣይኮኑን። ከምኡ’ውን እቶም ዝርካቦም ናይ ሲቪክ ማሕበራት። እብዚ እዋንዚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ንቕሓትን ልቦናን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ናይተን ውድባት ልቦና ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ ክስተት ኢና እንዕዘብ ዘለና። በቲ ሓደ ወገን ድማ ፖለቲካዊ ጥፍሽና (political bankruptcy) ናይ ህወሓት።


ኣብ መንጎ ህግደፍን ናይ ኤርትራ ተቓውሞ ሓይልታትን ዝርአ ዘሎ ምፍሕፋሕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣይረኸበን። ህግደፍ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ዝመሰረቱ መንግስቲ ክተክል ቅሩብነት የብሉን። ህግደፍ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስርት ፖለቲካዊ ድሌት የብሉን። ህግደፍ ህላወ ተቓውሞ ሓይልታት ኣፍልጦ ኣይህብን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕልና እሱራት ሕድገታት ክገብር’ውን ፍቓደኛ ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ፖሊሲዚ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካ ህግደፍ ዕጕብ ኣይኮነን። ንስሙ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ ኣሸጋሪ’ዩ።


ነፍስ-ወከፍ ዞባዊ ሓይሊ ኣብዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምትእትታው ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ምቅርራብን ኣብቲ ኵናት ዝህልዎ እወታውን ኣሉታውን ግደን ሓደ ካልእ ግምት ክወሃቦ ዝግባእ ረቛሒ’ዩ። ኵሎምዞም ንጠቕሶም ዘለና ዞባውያን ሰብ-ብርኪ ክሳዕ ዓንቀሮም ዝዓጠቝ’ዮም። ናይ ቍጠባ ዓቕሞም ዘገላብጥ’ዩ። ጥሙሖም ሰማይ’ዩ ደረቱ። ብድሕሪኦም’ውን ካልኦት ግሎባውያን ሓይልታት ኣለዉ። ነዚኣቶም ሓደ ዘገድሶም ጕዳይ እንተ ሃልዩ ምርግጋእ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ’ዩ። ነዚ ንምውሓስ ዝኾነ ርሕቀት ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን።


ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው’ምበኣር ሓደ ሓደ ዝእመኑ ዝመስሉ (plausible) ሰናርዮታት ንምስኣል ዘይከኣል ኣይኮነን።


ቀዳማይ፡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ቀልጢፉ ክለዋወጥ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰልፊ ብልጽግናን እናሓሽከረ ዘምጽእ ዘሎ ዝምድናን ንኣፈታትሕኡን ዝምልከት ፖለቲካዊ ምዕባለ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሰልፊ ብልጽግና ነቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ተኸሲቱ ዘሎ “ፖለቲካዊ ጽምዶ” ንምግታእ ንህወሓት ሕድገታት እንተ ድኣ ገይሩ፡ ህወሓት ናብ ብልጽግና ዘይቀንነሉ (lean ዘይገብረሉ) ምኽንያት የለን። ከም’ዚ እንተ ኾይኑ ንህግደፍ ዓቢ ሓደጋ ከንጸላልዎ ይኽእል’ዩ።


ካልኣይ፡ እቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተ ድኣ ዘይተረኺብዎሞ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ምስ ዝሰጋገር፡ ሓደ ሓይሊ ወይ ልፍንቲ ናይ ሓይልታት ኣብ ልዕሊቲ ካልእ ሓይሊ ወይ ልፍንቲ ናይ ሓይልታት ዓብላሊ ኮይኑ ናይ ምውጻእ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ምስ ዝገሃድ ድማ፡ እቲ ተዓዋቲ ሓይሊ (victor)፡ ፖለቲካ ናይቲ ከባቢ ኣብ ምምእዛን ዓቢ ግደ ክህልዎ’ዩ።


ሳልሳይ፡ ኣብቲ ቍርቍስ ናይ ክሳተፉ ዝኽእሉ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝሒ ኣብ ግማት ኣእቲኻ፡ እቲ መስርሕ ናይቲ ኵናት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ዕድመ ናይቲ ኵናት’ውን ኣመና ክምጠጥ ይኽእል’ዩ። እናተመጠጠ ብዝኸደ መጠን ድማ ሳዕቤናቱ እናበረኸ ክኸይድ’ዩ። እቲ ምስኡ ዝመጽእ ናይ ህዝብ ስቓይ’ውን ከምኡ።


ራብዓይ፡ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ኣብ ዓቢ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ክትኣቱ ወይ ድማ ክትበታተን ተኽእሎ ኣሎ። ከመይሲ እቲ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ካብ ታሪኻዊ መበገሲኡን ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊ ብድሆታትን ዝምንጩ’ዩ። ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት’ውን ብቐጻሊ ለውጥታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ክስተትዚ ኵናት እንተ ተወሲኽዎ ድማ ሳዕቤኑ ኣብ ምብትታን’ታ ሃገር ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።


ሓምሻይ፡ ርእይቶን ጸቕጥን ናይ ደገ ሓይልታት እንተላይ’ቶም ዞባውያን ሰብ ብርኪ (regional stakeholders) ዘይነዓቕ ግደ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። መን እንታይ ክብል’ዩ ወይ’ውን እንታይ ዓይነት መልሰ-ተግባር (reaction) ክገብር’ዩ መምስ ረብሓታቱ ዝተእሳሰር ወይ ዝናበብ ጕዳይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።


ኣብ መጠረሽታ ግን ሓደ ክንሰግሮ ዘይንኽእል ሓቂ ኣሎ። እዚ ረጽሚዚ እንተ ድኣ ተጀሚሩ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ተክኖሎጂ’ውን ኣብ ምውሳን ውጽኢት ናይቲ ኵናት ዓቢ ጽልዋ ክህልውዎ’ዩ። ልዕሊ ኵሉ ግን – ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ኵናት – ፖለቲካዊ መልክዓ-መሬት (political landscape) ናይዚ ከባቢ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።


መደምምደምታ


እዋኑ፡ እዋን ርግእ ኢልካ ምሕሳብ ዝጠልብ እዋን’ዩ። እዚ ህሞት’ዚ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ህሞት ንላዕሊ፡ ሰፊሕ ልቦና ዝሓትት ህሞት’ዩ። “ተሃዊኸን ይኽዕውኦ ተደቢረን ይሓፍስኦ” ከይከውን ነገሩ። ኵሎም ሰብ ብርኪ ጸቢብ ረብሓታቶም ንጐድኒ ገዲፎም ረብሓ ህዝብን መጻኢ ወለዶን ከቐድሙ ከድሊ’ዩ። እዚ ከባቢዚ ከም ካልኦት ከባቢታት ዓለም፡ ሰላምን ምርግጋእን’ዩ ዘድልዮ። ጐደና ልምዓት፡ ሰላም ድሕሪ ምውሓስ ጥራዩ’ዩ ዝረጋገጽ።


ፖለቲካዊ ፍልልያት ብጐነጽ ጥራይ ክትፈትሕ ምድላይ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣገባብ’ዩ። ናብ ዕጹው መገዲ ጥራይ ከኣ’ዩ ዘምርሕ። “ሓደ መዓልቲ ካብ ምውጋእ ንሓደ ሽሕ መዓልቲ ዘተ ምክያድ ይምረጽ” ይብል ሱን ትሱ ዝተባህለ ዓቢ ቻይናዊ ናይ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ክኢላ። ሕመረት ናይዚ ጥቕሲ ዘጕልሖ ነገር እንተልዩ፡ ዲፕሎማሲ፡ ልዝብን ምውጋድ ግጭትን፡ ልዕሊቲ ብባህሪኡ ኣዕናዊ ዝኾነ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝያዳ ብልጫ ከም ዘለዎ’ዩ። እዚ ነቶም ኣብ ኵናት ክጽመዱ ዝወጣወጡ ዘለዉ ሓይልታት ዝምልከት’ዩ።


ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ኵናት ብትሪ ክቃወምዎ ኣለዎም። ኣበየ ኵርንዑ ዝረከቡ ናይ ክልቴኦም ሃገራት ዜጋታት ናይ ዘአንግድኦም ሃገራት ማዕጾ እናዃሕኵሑ ንህዝብታት ክልቴኦም ሃገራት ከድሕኑ ኣቤቱታታት ከቕርቡ ይግባእ። እዚ ህሞትዚ ጣቛ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዝጠልብ ህሞት’ዩ።


ኣብ ደገ ዝርከባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ናይ ጽልኢ ፖለቲካን ነገራት ከም ዝብእስ ካብ ምግባርን ተገላጊለን ኣብ ናይ ዕርቅን ጉዳያት ብሰላማዊ መገዲ ክፍትሑሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ኣብ ምንዳይን ከተኵራ ይግባእ። ንሓውሩ ጣዕሳ ከይከውን። ናይ 1998ን 2020ን ዓ.ም. ኵናት ክድገም ከነፍቅድ የብልናን።


ዞባና ኣብ ዲቕ ዝብለ ጸልማት ከይኣቱ ጐረባብቲ ሃገራትን ከም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ዞባውያን ኣካላትን ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ኵናት እውን ከይከውን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝወጣወጡ ዘለዉ ሓይልታት ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም።


ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብግዴኡ ንኣስጋእነት ናይዚ ኵነታት ብግቡእ ተገንዚቡ ኣድላዪ ዘበለ ሰላማዊ ፍታሕ ዝናደየሉ መገድታት ሃሰው ክብልን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ሓይልታት ጸቕጢ ክገብርን ከድሊ’ዩ።


ኣብ መጠረሽታ፡ እቲ ናይ ስርዓት ብልጽግና ጥሙሕ ንውነና ኣፍድገ ባሕሪ’ውን ብዘየወላውል መገዲ (categorically) ክዅነን ኣለዎ። እዚ ሕልሚ’ዚ ብዘይካ ፖለቲካዊ ዕብዳን ወይ ዕንደራ ካልእ መግለጺ’ውን የብሉን። ዕላማታት ናይዚ ሕጂ ዘንጸላልወና ዘሎ ኵናት ናይቶም ብሳዕቤን ናይቲ ኵናት ንሓዋሩ ዝሳቐዩ ህዝብታት ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝሃቅኑ ምዃኖም ግን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እዚ ማለት ድማ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝብታት ኣብ ክንዲ ኣብ ጐጕዳያቶም ኣተኵሮም ሽግራቶም ዝፈትሑ ናይ ተበለጽቲ በሃራት ፖለቲካ መሳርሒ ክኾኑ ዘቃልዕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ክንድኡ፡ ክልቴኦም ህዝብታት ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ዕዮ ገዝኦም ክገብሩ’ዩ ዘለዎም። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብምስምስ ጽምዶ ኣብ ዘይጕዳዩ ጦብሎቕሎቕ ክብለ ምፍታን፡ ምስ ኣብ ዞባኡ ዝርከቡ ሓይልታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተሓባቢሩ ነቲ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ሕልሚ ከበርዕኖ’ዩ ዘለዎ። ነዚ ንምትግባር ድማ ሰፊሕን ረቂቕን ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ከድሊ’ዩ። ሶማልያ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ክትገብሮ ዝፈተነት ፖለቲካዊ ጸወታ ኣብ ምብርዓን ዝተኸተለቶ ሜላ ምጥቃስ ጥራይ ኣኻሊ የመስለኒ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣተኵሮ ኣብቲ ሃገሩ ንዘሎ ውልቀ-ምልኪ ምእላይ ክኸውን ዘለዎ።  ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ኣትዮጵያውያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ፖለቲካዊ ሽግራት ብደሞክራሲያዊ ልዝብን ብሰላምን ንክፍትሑ ምጽዓር’ዩ። ኣብ መጠረሽታ ድማ ክልቴኦም ህዝብታት ኣብ ሰናይ ጕርብትናን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና መስሪቶም ናይ ልምዓት መሳርኽቲ ኮይኖም ክብልጽጉን ምርግጋኣ ከውሕሱን’ዩ።

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
ሙሴ
Jul 08

ሰመረ እዚ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ዘቅረብካዮ ኣብ ህልውን ውዱዕን ኩነታት ተሞርኪስካ ብጣዕሚ ምሃርን ከባቢና ዘጢጡ ዘሎ ደበና ናበይ ገጹ ዘገም እናበለ ይጉዓዝ ምህላው ዘተንብህን ዘርእን ትንተና ምኳኑ ብዙሕ ተማሂረን ተረዲአን:: ክብረት ይሃብካ ቀጽሎ ከኣ ኣያይ!!

Like
bottom of page