top of page
Search

ደሓን ኩን ካርሎ

Updated: Jan 8


ብዕለት 19 ታሕሳስ 2025፡ ስድራ ቤትን ፈተውትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ምዕሩግ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ንነፍስሄር ሓው ኪዳነ ገብረሚካአል (ካርሎ) ኣፋኒናዮ። ኣነ ምስ ካልኦት ፈተውቱ ዝተረኸብኩሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንዝኽሪ ሓው ነፍስሄር ኪዳን ምስክርነተይ ከቕርብ ዕድል ረኺበ። እቲ ምስክርነት ከም ዘለዎ ኣብ ታሕቲ አቕርቦ ኣለኹ።

ዝኸበርኩም ስድራ ቤት፡ ከምኡ'ውን ኣዕሩኽትን፡ ፈተውትን ክቡር ሓው ኪዳነ ገብረሚካኤል (ካርሎ)

 

ሓውና ብምስኣንና ከነልቅስ፡ ክንሓዝንን ክንትክዝን ንቡር’ዩ። እዚ ሎሚ ኣእኪቡና ዘሎ ኣጋጣሚ ግን ፍልይ ዝበለ'ዩ። ኣገደስቲ ዝበልክወን ሰለስተ ዝተፈላለያ ምኽንያታት ክጠቅስ'የ።

 

ቀዳማይ፡ ክቡር ሓውና ኪዳነ፡ ብህይወቱ እንከሎ ምስኡ ንዘሕለፍናዮም ተመክሮታትን ዝኽርትታን ምልስ ኢልና ብኣንክሮ ክንድህስሶን ከነስተማቕሮን፣

 

ካልኣይ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳዕ'ታ ካባን ብሞት ዝፍለ ንዝተጐናጸፎም ዓወታት ክንጽንብልን፣

 

ሳልሳይ ድማ ንኪዳነ ከም ሕያዋይ ፍጥረት፡ ከም ሓው፡ ከም ወላዲ፡ ከም ዓርኪ ንዝለገሰልና ልዑል ፈጣሪና ከነመስግንን’ዩ።  

 

ዛንታይን ዛንትኡን ብቐረባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እንከለና’ዩ ዝጅምር። እዝከረኒ ካብ’ቲ ምዱብ ትምህርትና ወጻኢ፡ ቋንቋታት ጥልያንን ዓረብን ክንመሃር ምሸት ምሸት እንጥፍኦ ዝነበርና ግዜ ውሑድ ኣይነበረን። ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ንዝነበረና ናይ ቋንቋታት ሸውሃት ንምርዋይ ዝዓለመ’ኳ እንተ ነበረ፡ እንተስ ቋንቋ ዓረብ ግን ምናልባት ናብ ጀብሃ እንተ ኸድና’ሞ ምስቶም ተጋደልቲ ምርድዳእ ከይጽግመና ኢልና ዝወሰድናዮ ተበግሶ’ዩ ነይሩ። ግርህና ዝተሓወሶ ኣተሓሳስባ!

 

ዝምድናና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀጺሉ። ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ብሓባር ንስደት ናብ ሃገረ ኢጣልያን ሽወደንን ምስ ኣሕዋት ዩሱፍ ሓሰንን ብርሃነ ኣስገዶምን ኣብ ዘምራሕናሉ እዋን።

 

ድሕሪ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ስደት፡ ኣነ ናይ ህይወት ትዕድልቲ ግዲ ኮይኑ፡ ንዝፈትዎም ኣዕሩኽተይ ን17 ዓመታት ተሰዊረዮም። ኣብ 1991 ዓ.ም. ድማ እንደገና ኣብ ህይወቶም ተቐልቂለ። እቲ ሓጎስ ድማ መግለጺ ኣይነበሮን።

 

ድሕሬኡ ዳርጋ ን7 ዓመታት ድሕረ-ናጽነት ምስ ሓው ኪዳነ ኣይተፈላለናን። ዓዱ ስለ ዝፈቱ ኣብ ህንጸት ሃገር ክስተፍ ኢሉ ዓዲ ኣትዩ ምስ መሻርኽቱ ድማ ጸብለል ዝበለ ኣብ ህንጻ ዝነጥፍ ናይ ኮንሳልቲንግ ኩባንያ መስሪቱ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሰሳልስቲ ንራኸብ ኔርና እንተ በልኩ ድማ ከም ምግናን ኣይቆጽሮን። ዕላልና ኵሉ-ሓዘል’ዩ ነይሩ። ብዛዕባ ስድራና፡ ኣዕሩኽትና፡ ፖለቲካ፡ እንሓንሳእ’ውን ሃጠው-ቀጠው ከም ኵሉ።

 

ኣነ ንስደት ድሕሪ ምምርሐይ’ውን ርክብና ኣየቋረጸን። ግንከ ብተለፎን። ኵሉ ግዜ ድማ ብዙሕ ዝዕለል ነይሩና።

 

ካብ ጸጋም ንየማን፦ ኪዳነ (ካርሎ)፡ ብርሃነ ኣስገዶም፡ ሰመረ ስሎሞን፡ ዩሱፍ ሓሰን
ካብ ጸጋም ንየማን፦ ኪዳነ (ካርሎ)፡ ብርሃነ ኣስገዶም፡ ሰመረ ስሎሞን፡ ዩሱፍ ሓሰን

ንኪዳነ ንዓሰርተታት ዓመታት’የ ዝፈልጦ። ብትምህርቲ ጽጕብ’ዩ፡ ኣብ ሞያዊ ዕብየቱ  (ካርየራኡ) ድማ ዕዉት ሰብ’ዩ። ሎሚ ግን ብዛዕባ’ዚ ወይ ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሞይኡ ዝተዓወተ ኪዳነ ኣይኮንኩን ክዛረብ ዝደሊ። እንታይ ድኣ፡ ብዛዕባ ኪዳነ - እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሰብእነት፡ እቲ ዓርኪ፡ እቲ ሓው፡ እቲ መተዓብይቲ።

 

እቲ ክዛረበሉ ተሃንጥየ ዘለኹ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዝፈልጦም ኪዳነ ከም ሰብ ዘሳስዮም ዝነበረ ባህርያትን ክብርታት’ዩ፦

 

እዚ ሕጂ ህይወቱ እንጽምብሎ ዘለና ሓውና ኪዳነ፡ ሓቀኛ (ጀንዊን) መንነት ዝውንን፡ ቅንዕናን ልቦናን ከም መርሓ-ሕንጻጻት ህይወቱ ዘዘውትር፡ ብኵለንተናዊ ልግሲ ዝተዓደለን ሰብ’ዩ ነይሩ።

 

መርበብ ኣዕርኽቱ ወይ ፈተውቱ ንኹሉ ዝሓቘፈ’ዩ። ምስ ሰብ ሞያ ብሞያኦም፡ ምስ ሰብ ዋኒን ብዋኒኖም፡ ምስ መተዓብይቲ ብናይ ሓባር ተመክሮኦም፡ ምስ ካልኦት ድማ ከከም’ቲ ዕምቈትን ደረጃን ዝምድናታቱ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ፡ ዘማኽርን ዝመክርን፡ ዝስሕቅን ዘስሕቕን፡ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ሰላሕ እናበለ ንዝተጸገመን ከም ዝተጸገመ ንዘስተውዓልለሉን ሰብ ድማ ዝድግፍን ፍጡር’ዩ ነይሩ። ንእከላ/ንእከሊት ክንድዚ ሂበዩ/ሂበያ ክብል ግን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ተጃሃራይ ስለ ዘይኮነ።

 

ዕላል እንተ ጀሚሩ ኣፍካ ኣየዕጽወካን’ዩ። ግን ህድእ ኢሉ። ተቖጢዑ ክዛረብ’ውን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ኵሉ ግዜ “ኣየ ትዕድልቲ ምስ በልኩ” እየ ነይረ። ብዛዕባ’ዚ ንዝያዳ ጓሉ’ውን ሓቲተያ። “ፓፓ ዓው ኢሉ ክዛረብ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን” ኢላትኒ። ንትዕዝብተይ ካብ ውላዱ መረጋገጺ ረኺበ።  ሓደ ካልእ ዝተዓዘብኩዎ ናይ ኪዳነ ባህርይ ቂም ምሓዝ ዘይፈልጦ ምዃኑ'ዩ። ወላ ነቶም በዲሎምኒ ዝብሎም ሰባት ብሕማቕ ከልዕል ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። “ዘይ ከምኡ መሲልዎም’ዩም ገይሮሞ” ይብለካ።

 


ካብ ጸጋም ንየማን፦ ኪዳነ (ካርሎ)፡ ብርሃነ ኣስገዶም፡ ሰመረ ሰሎሞን፡ ዩሱፍ ሓሰን
ካብ ጸጋም ንየማን፦ ኪዳነ (ካርሎ)፡ ብርሃነ ኣስገዶም፡ ሰመረ ሰሎሞን፡ ዩሱፍ ሓሰን

ኪዳነ፡ ዕብየቱ ከም ሰብ ዘውሓሰ፡ ኣብ ትምህርቱን ሞያኡን ዕዉት ብምንባሩ ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ብምቕሉልነቱ'ዩ። ተኣማንነቱ ንሰባት - ቦታኦም ኣብ መሳልል ህይወት ኣበየናይ ደረጃ ኣሎ ብዘየገድስ - ምስኣታቶም ብዘለዎ ቀልዓለም ዘይብሉ ቅርበት ይገልጾ። ዝዕቅቦም ዕርክነታት፡ ናጻን ክፉትነት ዝሕመረቶምን እዮም። ልቡ ብዘይ ዕቃበ ከፊቱ ክዛረብ ጸገም የብሉን። ብዛዕባ ሰባት ፍርዲ ክህብ ግን የሸግሮ። ካብ ኣፉ ሕማቕ ክትወጾ ስለ ዘይደሊ። ኣዝዩ ትሑት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ምስ ዘቕረቦም ሰባት ግዜ ወሲዱ ከዕልልን ክዘንናጋዕን ጸገም የብሉን። “ኣንታ’ዛ ዓርክኻስ ወላ ምስ ሙራቶረታት’ያ ኣብ ዕድጋ ላኻ ትርአ" ዝብሉኒ ሰባት ውሑዳት ኣይነበሩን።  

 

ኵሉ ግዜ “ዓድኻ ጥዑም” ምስ በለ’ዩ። ደቀይ ከይተረፉ “ገዛኻ ጥዑም” ይብል ካርሎ እናበሉ ክሳዕ ሕጂ'ዮም ዝሕጭጩ። ብድሕሪ’ዚ ኣበሃህላ ግን ዓሚቚ ፍልስፍናዊ መልእኽቲ ኣሎ። “ኵሉ ድሕሪ ገዛኻን ዓድኻን” ማለቱ’ዩ። ነዚ ሕጂ ዝፍለየና ዘሎ ሓውና ኪዳነ፡ ኵሉ መቕርቡ፡ ዓርኩ፡ ሓው፡ ሓፍቱ፡ ፈታዊኡ፡ ዓዱ’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ’ዩ ን“ዓድኻ ጥዑም” መውጽኢት ኣፉ ዝገበራ።

 

ክቡር ሓውና ኪዳነ፡ ኣብ’ዛ ህሞት’ዚኣ ኣብ’ታ ጥዕምትን ምቕርትን ዓድኻ ኣለኻ። ልብና ተሰይሩ’ኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ሕቑፊ ፈጣሪኻ ኴንካ "ዓድኻ ጥዑም” ክትብል ግን ንሰምዓካ ኣለና። ናይ ዘልኣለም ዓድኻ!

 

ስለ’ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸደ ዕርክነትካ አመስግነካ። ስለ’ቲ ንዓይ ልብኻ ምርሓውካ እግዚእብሄር መንግስቱ የርሕወልካ። ቦኽሪ መጽሓፈይ ኣንቢብካ ንዝሃብካኒ ደገፍ በዚ ኣጋጣሚ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ወትሩ ስንቂ ፍናን ኢኻ ኔርካ’ሞ ክብረት ይሃብካ።

 

ስለ’ቶም ህሞታት ናይ ስሓቕን ዋዛን፡ ስለ’ቲ ቁም ነገርካን፡ ክሳዕ’ታ ብህይወተይ ዘለኹ ክዝክረካ ክነብር’የ።

 

ምዕሩግን ጭውነትን ዘለዎ ህይወት ነቢርካ ኢኻ’ሞ ኵሎም ፈተውትኻ ብኣኻ ሕቡናት ኢና። ወላ ሓንቲ ዘሻቕል ድማ የበልናን። ኣብ ኵሉ ዕላላትና ክትህሉ ኢኻ። ወትሩ ከኣ ክንዝከረካ ኢና።

 

ኣብተን ናይ መጠረሽታ መዓልታትን ሰዓታትን ናይ ህይወትካ ምስኻ ምንባረይ (እሞ ኸኣ ብቘጸራ) ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኣይነበረን። ሕጂ ከም ዝርድኣኒ ዘሎ  ግን ንኽትፋነውኒ ኢልካ ኢኻ  ግዜና ብሓባር ከነሕልፎ ኢልካ ዝጸዋዕካኒ።

 

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ ክቡር ሓውና ኪዳነ።

 

ንዅላቶም ቤተ ሰብካ፡ ኣዕሩኽትኻን ፈተውትኻን ድማ ጽንዓት የሃበና።

 

ዝፈትወካ ሓውኻ ሰመረ ሰሎሞን

19 ታሕሳስ 2025

 

 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Guest
Dec 29, 2025
Rated 5 out of 5 stars.

ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ! ንስድራቤትን ንዓኻ ኸኣ ሰመረ ሓወይን ብሞት ትፎትዋ ዓርክኻ ዝሓዘንካ ጽንዓት ይሃብካ !!

Like
bottom of page