top of page
Search

ገምጋም ሓዳስ መጽሓፍ ሓው ሰመረ ሰሎሞን ብዓይኒ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ሳልሕ ኣል-ቐይሲ

Updated: Jan 8


'ኤርትራ፡ ቀልሰቲ ሓሳባት ንሃገራዊ ሕውየት '


ሓው ሰመረ ሰሎሞን ቀዳመይቲ መጽሓፉ ኣሕቲሙ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ካልአይቲ መጽሓፍ ንኸሕትም በቒዑ። ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክጐናጽፍ ኣይተጸበኹን። ኣድኒቐዮ ድማ።


ንስራሓቱ፡ ከም ብሉጻት ዕዮታት (masterpieces) ገይረ ንኽርእየን ዘገደደኒ ድማ፡ ክልቲአን መጻሕፍቱ፡ ኣልዒለንኦም ዘለዋ ቴማታት (ኣርእስታት) ብዘየገድስ፡ ንውልቃዊ ተመክሮኡ ከም መበገሲ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ንዝተከስቱ ተመክሮታት ክምርምርን ንኽውንነት ክትንትንን ምኽኣሉ’ዩ።


ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ፡ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንውልቁ ብዘጋጠሞ ዘሕዝን ተመክሮ ምርኩስ ብምግባር ይገልጽ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ብሰንኪ’ቲ ድሑር ማሕበራዊ ክውንነትን ጸቢብ ፖለቲካዊ ራእይ ዝነበሮም መራሕትን ንብዙሓት ምሁራን ዘጋጠመ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።


ኣብዛ እዋናዊት መጽሓፉ፡ ሰመረ፡ ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ክልስ ሓሳባዊ ልምምድ (exercise) ወጺኡ፡ ትንተናዊ ራእይ የቕርብ። እዚ ትንተና’ዚ ንህልዊ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ከምኡ’ውን ቍጠባውን ክውንነታት ናይ ሓንቲ ዝዓነወት ሃገር ብደቂቑ ይምርምር። ኣብ ውልቃዊ ተመክሮኡ ተመርኲሱ ድማ ይጠቕሙ’ዮም ዝብሎም ፍታሓትን ራእያትን ክእምም ይፍትን። እዚ ተመክሮ’ዚ፡ ሰመረ ኣብ ትምህርታዊ ጽላት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እናገልገለ እንከሎ ዘኻዕበቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰመረ ሃገር ለቒቑ ምስ ከደ ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (UN) ዩ.አስ.አይ.ኣይ.ዲን (USAID) ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ውድባት ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ናይ ዓለም እናሰርሐ እንከሎ ዘኻዕበቶም ዕምቘት ዘለዎ ተመክሮ ዘጠቓለለ’ዩ። እዚ ብውልቃዊ ተመክሮታቱን ሰፊሕ ርድኢቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጕዳያትን ዝሃብተመ ሰፊሕ ራእይ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸልማት ክውንነትን መራሕቲ ዝኽተልዎም ግጕያት ሜላታትን ንኽርዳእን ንሕውየት ዘገለግሉ መድሃኒታት ሃሰው ንኽብልን ሓጊዞሙዎ’ዮም።  


ሰመረ፡ ቁሩብ መዓልታት ድህሪ ናጽነት ክልዓሉ ዝነበሮምን ብሃገራዊ ልዝብ በሲሎም ኣብቲ ንቝሕ ኣካል ናይቲ ሕበረተሰብ ክሰርጹ ዝነበሮምን መሰረታውያን ዝኾኑ ሕቶታት’ዩ ዘልዕል ዘሎ። እቲ ዘሕዝን፡ ሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝለዓሉ ዘለዉ ምዃኖም’ዩ።


ብናተይ ርእይቶ፡ እዚ ኣበርክቶ’ዚ ከም ሓደ ዓይነታዊ ዝላ ናብ ስነ ፍልጠታዊ ግንዛበ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ንምፍትሑ ዝቐረበ ክውንነታዊ ሜላን ክግለጽ ይከኣል። እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ባዶ ጨለ ዘረባን (rhetoric) ሓፈሻውነትን (generalities) ጠፊኦምን መገዶም ስሒቶምን ምጽንሖም ዝቕልቐል ዘሎ ምዃኑ’ዩ።


ናይ መጠረሽታ ቃል ንታሪኽ፣ ኣብ ተመክሮ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተገፍዑ ከም ሰመረ ሰሎሞንን ኣለምሰገድ ተስፋይን ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ፡ ብምሁራዊ ዓወታቶምን ታሪኻዊ መጽናዕትታቶምን ሓቀኛታት ውሉዳት (sons) ናይቲ ተመክሮን ዘብለጭልጭ (shining) ገጹን ምዃኖም ኣመስኪሮም’ዮም።


ኣሕመድ ሳልሕ ኣል-ቐይሲ - ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ኣብ ኮሚሽን መሬት ድማ ኮሚሽነር ነበርን

 
 
 

2 Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Teblez haile / Titi/
Jan 08

ገምጋም ሓዲሽ መጽሓፉ ብሓው ኣሕመድ ኣልቀይሲ ዝቀረበ ትንተና ናይቲ መጽሓፉ ኣዝዩ ኣወንታዊ ዝኮነ ኣገላልጻ ስለ ዘቅረቦ ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩሞ ክብሪ ይሃቦ።

ንዓካውን ነዚ መጽሓፉ ንምጽሓፉ ዝወስደልካ ነቲ ክቡር ግዜካን ነቲ ዋጋ ዝከፈልካሉን ሓሳባትካን እንቋዕ መፈጸምትኡ ኣብጸሓካ እናበልኩ ሓጎስይ ክገልጸልካ ይፈቱ።


Like
soladem
Jan 08
Replying to

ክብረት ይሃበለይ!

Like
bottom of page