top of page
Search

ካልኣይ ክፋል - ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ብጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)

ካልኣይ ገጽ ጦብላሕታይ



ጽባቐ ስብእና ተጋላይ ምሁር ስነ ልምዓትን ጸሓፊን ሰመረ ሰለሙን

……. …… ……

ብዙሓት ሰባት ከምዚ ሰመረ ሰለሙን ዓይነት ከይዲ ህይወት ዝሓለፉ ኣብ ዝህብዎ ምስክርነትን ኣብ ዝጽሕፎዎ መጻሕፍትን ስምዒት ሕራነ፡ ሕነኣዊ ቃና፡ ኣብ ገሊኡ ሓይሊ ቂምታ ስለዝፈታተኖም ሚዛኑ ዝሓለወ ዕዮ ከበርክቱ ይኸብዶም'ዩ። ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ግን ዕድለኛ'ዩ። ጸጋ ሚዛናውነት ኣለዎ። ምናልባት እታ "ኣረድእ" እትብል ኣምር ርትዒ ኣኮኡን ኣተዓባብያ ስድርኡን ክኸውን ግን ክግምቶ ኣይጽገምን። እዚ ድማ ኣብ ምልእቲ እዛ መጽሓፍ ሚዛን ቅንዕና ዓቲሩ ወላ ነቶም ሳቐይቱን ከይተረፈ እቲ ንሱ "ጽቡቖም" ዝብሎ ብትብዓት ክምስክረሎምን ክነግረሎምን ነንብብ። ሓደ ከም ኣብነት እንተወሲደ ንመስፍን ሓጎስ መጽሓፉ ብምንባብ ኣብቲ ኣድናቖት ዝግብኦ ብዘይ ብቂ ኣድናቖት ክህቦ እንከሎን ኣብቲ ክንቀፍን ክብዳህን ዝግብኦ ድማ ብትብዓትን ብጭብጥታትን ገይሩ ክብድሆ ነንብብ። ነዚ መረጋገጺ ድማ ኣብ ገጽ 78 ዘሎ ኣድናቖትን ኣብ ገጽ 18 ክሳብ 19 ዘሎ በዳሂ ሕቶታትን ጭብጥታትን እዩ።


ኣብ ገጽ 18 ክሳብ 19 ዘሎ ምስ እንርኢ ምንቅስቓስ "ገስገስቲ ምሁራን (ደሓር በቲ ዝቐተሎም መሪሕነት ውድብ መንካዕ ዝብል ሽም ዝተዋህቦም) ዘልዓልዎ ሕቶታትን ጠለባት ምስ ጠቐሰ ከም ብምባል ይቕጽል፣ "እቲ ምንቅስቓስ ተዘሊፉ። ቀንዲ መሪሕነቱ ተኣሲሮም። ድሒሮም ድማ ሓቒቖም።ሰዓብቶም ተገሊሎም። ማህሚኖምን ተዋሪዶምን። ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣነ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናይዚ ዘሕዝን ታሪኽ'የ ነይረ። በቲ መስፍን ሓጎስ ምስ ደሃይ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ስእነት ናይ መጽንሒ መሳለጥያትት፡ እቶም ናይቲ ምንቅስቓስ ቀንዲ መራሕቲ ብህጹጽ ክቕተሉ ነይርዎም (ደሃይ ኤርትራ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ እተመርኰሰ ስፊሕ ዝርርብ፡ 2023)" ምባሉ ኣሰንቢዱንን ኣስካሕኪሑንን። እዚ ድማ ዕቱብ ሕቶ የልዕል። ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ሓራ ዝወጽአ ቦታታት (ወይ ድማ ደጀን ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ቦታታት) ነቶም ጉዳዮም ክሳብ ዝምርመር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣማኢት ደኣ ኣበይ የስፍሮም ነይሩ፧ መቐመጢ ቦታ ኣይነበሮን ተባሂሉ ክእመን ይኽእል ዶ፧ ከምኡ እንተዀይኑ'ሞ ህዝባዊ ግንባር ብጥርጠራ ንዝተኸሰ ሰብ ይቐትሎ ነይሩ ማለት እዩ። ንምእማኑ ኣዝዩ ከቢድ እዩ! እዝስ ንናይ ኣስተብህሎ ዓቕምና ከም ምጽራፍ ዶ ኣይጽብጸብን፧ ኣብዚ ጥራይ ከይተሓጽረ መስፍን ሓጎስ ብዕለት 29 ሓምለ 2024 ምስ ድምጺ ኣሜሪካ (ቪ.ኦ.ኤ) መደብ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ንኣባላት ምንቅስቓስ 1973 ዓ.ም ይሕስዉ ነይሮም እዮም ምባሉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ኣብ ቁስሊ ጨዉ ከም ምንስናስ'ዩ ዝቑጸር" ብምባል፡ ንመስፍን ሓጎስ "ኣረድእ" ብምባል ይብድሆ።


ካልኣይ ጽባቐኡ


ነፍሲ ወከፍ ዝብሎን ዝጽሕፎን ብመርትዖ ወይ ድማ ምስክርነት ካልኦት ኣሰንዩ ዝሰነዶ ሰነድ ምዃኑ'ዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ሰነድ፡ ወይ ባዕሉ ሰመረ ሰለሙን ዝውዓሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ፡ ወይ ድማ ካብ ምስክርነት ካልኦትን መወከሲታት ሰነዳትን መሰረት ገይሩ ዝሃነጾ ህንጻ ሰነዳዊ መዘክራዊ ታሪኽ ህይወቱ'ዩ። ነዚ ምስክር ድማ ብዝሒ እቲ ኣብ መጨረሽታ ገጻት ኣዛ መጽሓፍ ዘሎ ሰነድ መወከሲታቱ ዝሓዘ ኣርብዓ ገጻት እዩ።


ሳልሳይ ጽባቐኡ


ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተዓዘብኩዎ ብዙሓት ኣቦታት ምሁራትን ተጋደልትን፡ ኣብ ዝህብዎ ምስክርነታትን ኣብ ዝጽሕፍዎ መጻሕፍትን ወይ ተጋደልቲ ጥራይ ይዀኑ። ወይ ድማ ምሁራት ጥራይ ይዀኑ። ሓቀኛ ነጸብራቕ ሰብ ኣብ ምዃን ግን ንዓይ ልበይ ዝረኸበኒ ኣየጋጠመንን። ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ግን ብመንጽር መጽሓፉን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብዝሃቦ ምስክርነታትን ቃለ መሕተታትን ተጋዳላይ፡ ምሁርን ሰብን ኰይኑ ዝኽኣለ ናይ ብኡነት ሰብ ኰይኑ ይረኽቦ።


ራብዓይ ጽባቐኡ


ብዙሓት ምሁራት፡ ዓበይትን ተጋደልትን ዘይስተብህሉሉ ወይ ድማ ኣፍልጦ ዘይህብዎ ናይዚ መድረኽን ግዜን ኣዝዩ ከየባተኽካ ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ፡ ሰመረ ሰለሙን ብግልጽን ቅንዕናን ከምዚ ብምባል ኣብ መጽሓፉ ገጽ 162 ኣስፊርዎ ኣሎ። ሓቀን ቅንዕናን ዘለዎ ለባዋ ድማ'ዩ። "ካልእ ምንጪ ምፍልላይ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኣብ መንጎ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታትን መንእሰያትን ዘሎ ጋግ እዩ። እዚ ናይ ወለዶ ጋግ'ዚ ኣብ ምስራዕ ቀዳምነታትን ኣብ ምቕያስ ስትራተጂታትን ፍልልይ ከም ዝመጽእ ገይሩ እዩ። ከምዚ ኰይኑ ግን ብርክት ዝበሉ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መንጎ'ዞም ወለዶታት ተመኩሮ ንምትሕልላፍ ዘኽእሉ ዕድላት እናፈጠሩ እዮም። ከመይሲ ምትሕልላፍ ተመኩሮ ኣገዳሲ መዳይ ናይቲ ቃልሲ ስለ ዝዀነ" ይብል ብምልኣት ተመኩሮኡ ናብ መንእሰያት ዘሕልፍ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን።


ሓሙሻይ ጽባቐኡ


ኣብ ነብሰ ዕቤትን ትሕትናን ዘርእዮ ትግሃትን ጻዕርን ዝገርም'ዩ። ጌና ቅድሚ ናብ ቃልሲ ምጽንባሩ ኣብ ነብሰ ዕቤት ዘርእዮ ዝነበረ ጻዕርን ትግሃትን ኣብ ገጽ 232 ንረኽቦ። እዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ዝነበሮ ክቱር ፍቕርን ብዙሓት ቋንቋታት ናይ ምኽኣል ጻዕሩን ተውህቦኡን ምስክር ኰይኑ ይጸንሓና። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ ክሳብ ሸውዓተ ዝዀኑ ቋንቋታት ክመልኽ ዝበቕዐ። ኣብ ትሕትናን ትሕት ኢሉ ዝብርኽ ሰብ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት እዛ መጽሓፍ ንረኽቦ እኳ እንተዀንና ብፍሉይ ግን ኣብቶም ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ከም ዳይረክተር ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ኰይኑ ንከባቢ ሾመንተ ዓመታት ንህዝቢ ኣብ ዘገልገለሉ ዓመታት እሞ ድማ መስራቲ እቲ ብ "ግዴታ ንኣምላኽ፡ ግዴታ ንኻልኦት፡ ግዴታ ንርእስኻ" ዝብል መትከላት ቅንዕናን ሰብኣውነት ዝነበሮ ማሕበር ስካውት ሃገርና ዝፈጠረ ክንሱ፣ ቃና ኣንደበቱ ግን ፍጹም ትሕትንኡ'ዩ ዝዝምር። ኣብቲ ከም መቕጻዕቲ ተሓሲቡሉ ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ሓላፊ ምድላው ካሪክለም ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዓመታት "ነፍሰይ ንምምሃር በቒዐ" ብምባል ትሕትንኡ የርኢ። ነቲ ብብቕዓት ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ምስ ዝተፈላለያ ትካላትን ማሕበራትን ኰይኑ ኣብ ልምዓትን ትምህርትን ዘበርክቶ ኣብርክቶ ኣዝዩ ዘሕጉሶን ዘኹርዖን ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ነቲ ብቕዓት እቲን ጉልበቱን ነታ ዝተቓለሰላ ሃገሩን ነቲ ብኡነት ዘፍቅሮ ህዝቡን ከውዕሎ ብዘይምኽኣሉ ከም ዘሕሞ ግን ኣይሓበአን። እዚ ድማ ሓቀኛ ስብእንኡ ኳዕ ኣቢሉ የርእየና።


ኣብ ገጽ 268 ዘሎ ፍሉይ ትሕትና ግን ኣብዚሑ መሲጡኒ። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ "ሃይማኖት ወይ ፍርሓት እግዝኣቢሄር፡ ከም ዕጸፋርስ'ዩ" ብምባል ዝኣምን ዝነበረ ውድብ ከምዚ ዝበለ ትሕትናን ንፈለማ ጥበብ ፍርሓት እግዝኣቢሄርን ምዃኑ ዘርኢ ተባዕ ትሕትናን ከም ዋህራር ጥራይ ዝቑጸር ብምዃኑ። ሰመረ ብኣንደበቱ ትሕት ኢሉ ነቲ ኣብቲ ክስዋእ ኢሉ ብቕንዕና ዝተጸንበሮ ቃልሲን ኣብኡ ዘጓነፎ ናይ ህይወትን ሞትን ምርጫታትን ብድሆታት በቲ ውድብን ኣብ ሳልሳይ ክፋል እዛ መጽሓፍ "ጥማዕ ዝኽርታት ህይወተይ" ኣብ ዝብል ኣዘንትይዎ ዘሎ ዛንታ ህይወቱ፡ ንትብዓቱን ተስፋ ዘይምቑራጹን ጸጋ እግዝኣቢሄር ምዃኑ ይምስክር።


"ንኣእምሮኣዊ ጥዕናይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሓያሎ ረቛሒታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚ ዓይነት ኩነታት ብህድኣት ዝጸውር ሰብ ምዃነይ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዝኸኣልኩዎ ንዓይ ክሳብ ሕጂ ይገርመኒ። እዚ ውህበት ወይ በረኸት (providence) ኣምላኽ ክኸውን ይኽእልዶ፧ " ይብል። ኣነ ድማ ብርግጽ ጸጋ እግዚኣብሄር'ዩ ክብሎ ይደሊ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ቅድሚ ሕጂ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ኣንደበትን ኣጸዋውዓ ስውኣትን'ዩ። ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ነቶም ኣብ ኲናት ይኹን ባዕሉ እቲ ውድብ ዝቐተሎም (ከም መንካዕን የሚንን ዝኣምሰሉ ጉጅለታት) ኣብ ክንዲ "ስዉእ እከለ" እናበለ ዝጽውዖም "ነፍሲሄር እከለ ወይ እከሊት" ብምባል ክዝክሮምን ክጠቕሶምን ኢና ኣብ መጽሓፉ እነንብብ።


6ይ ጽባቐኡ


ብዙሓት ገዳይም ተጋደልትን ሰበ ስልጣን ናይዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓትን ወላ 'ውን ናይ ነጻ ኰይንካ ብሓርነት ምጽሓፍ ባይታን መድረኽን ረኺቦም እንከለዉ፡ ሓርነቶም ኣዊጂም ክጽሕፉ ወይ ድማ ክምስክሩ ኣይገጠሙንን። ምናልባት ክሰምዖም ወይ ዝጽሓፍዎ ከንብቦ ዕድል ዘይረኸብኩ እንተዘይኰይኑ። ብሪጌደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ሓደ ካብቶም ናይ ሓንቲ ኢድ ኣጻብዕ ዝቑጸሩ ሚዛኑ ዝሓለወ ምስክርነት ክህብ ዝሰምዓኩዎ'ዩ።


ናይ ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ግን ዝተፈልየ (Unique) ጽባቐን ትዕድልትን ምሕላዉ ሚዛንን ስብእናን'ዩ ዘለዎ ብመንጽር መጽሓፉን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ብዝሃቦ ቃለ መሕተታትን። ከንቱ ወደሳን ከንቱ ነቐፌታን ኣብ መዝገበ ቃላቱ ኣይትረኽበንን። እዚ ግን እቲ ዝንኣሰ'የ። እቲ ኣድኒቐን ኣኽቢረን ዘይጸገብኩዎ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንሓድሕዱ ይኹን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ጽልኢን ህልኽን ፍጹም ኣይሰብኽን። ብዙሓት ገዳይም ተጋድልትን ሰበስልጣን ነበርን ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ፍጹም ዘይድልዮ ጽልእን ቅርሕንትን ኣብ መጻሕፍቶምን ኣንደበቶም ክስንዱን ክሰብኩን ኣንቢበን ተዓዚበን'የ። ሰመረ ሰለሙን ግን ካልእ ዓይነት ኣንደበትን መገድን'ዩ መሪጹ። ንሱስ ኣብ ክንዲ ጽልኢ ርትዒ፡ ኣብ ክንዲ ህልኽ "ኣረድእ"፡ ኣብ ክንዲ ትዕቢት ትሕትና ብምምራጽ ብሓቂ ኣርኣያ ነጸብራቕ ሓቀኛ ሰብ ኰይኑ ትረኽቦ። ግሉጽነቱ ድማ ዲግድጊት ተዓጢቑ ቅንዕንኡ ይምስክረሉ።


ይቕጽል ............. ኣብ ሳልሳይ ክፋል

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page