top of page
Search

ምዅላፍ ፖለቲካዊ ስግግር ግድነት ኣይነበረን፡ ፖለቲካዊ ሕርያ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ

ምዅላፍ ፖለቲካዊ ስግግር ግድነት ኣይነበረን፡ ፖለቲካዊ ሕርያ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ


ብሰመረ ሰሎሞን

23 ሚያዝያ 2026

 

መእተዊ

ኣብ ኤርትራ ተዀሊፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ስግግር መብዛሕትኡ ግዜ ሳዕቤን ግዳማዊ ጸቕጥታት—ዞባዊ ዘይምርግጋእ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ተነጽሎ፡ ወይ ድማ ዘይተፈትሐ ግጭት—ከም ዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ወላ’ኳ እዞም ረቛሒታት ጽልዋ ኣይነበሮምን እንተ ዘይተባህለ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ዘይምሉእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣጋጋዪ’ውን’ዩ።  ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጉዕዞ፡ ከም ሳዕቤን ኵነታት ዘይኮነስ፡ ከም ውጽኢት ናይ ሓደ ኮነ ተባሂሉ ዝተቐረጸ ፖለቲካዊ ሕርያ ጌርካ ክርአ ይግባእ።  እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸ መሪሕነት፡ ኣብ ክንዲ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘተኣታቱ፡ ንቝጽጽር ከም መርሓ ጐደና ምሕደራኡ ብምምራጽ፡ ኣብ ክንዲ ስትራትጅያዊ ረብሓ ሃገር፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ኣቐዲሙ። ፖለቲካዊ ሕርያኡ ንሱ ምዃኑ ድማ ኣነጺሩ። 


ትንተና

1. እቲ ፈጺሙ ዘይተተግበረ ፖለቲካዊ ስግግር (1993–1997 ዓ.ም.)

እቲ ካብ 1993 ክሳብ 1997 ዓ.ም. ዘሎ እዋን፡ ከም ናይ ኤርትራ "መሰረታዊ እዋን" (foundational moment) ጌርካ ብሰፊሑ ክግለጽ ይከኣል።  እቲ ናይ 1993 ዓ.ም. ረፈረንደም ንልኡላውነት ሃገር ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ሕጋዊ ኣፍልጦ (mandate) ዝሃበ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቶም ስዒቦም ዝመጹ ዓመታት ግን እቲ ልኡላውነት ብኸመይ ከም ዝትግበር ውሳነ ዝጥለበሉ እዋን’ዩ ነይሩ። እቲ መሪሕነት ኣብ ክንዲ ኣብ ብዙሕነታዊ ፖለቲካ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስግግር ዘተኵር፡ መስመራዊ (linear) ዝኾነ ፖለቲካ መሪጹ። ቅዋም ብሰፊሕ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ንምርቃቕ’ኳ እንተ ተፈተነ፡ ንኸይትግበር በቲ መሪሕነት ዝተወስደ ውሳን ግን ሕጋዊ ባዶሽ (legal vacuum) ፈጢሩ።


ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ከም "ግዝያዊ" (provisional) መንግስቲ ብምጽናሕ፡ እቲ መሪሕነት፡ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ኣካል ዘንብሮ ሕጋዊ ቀይድታት ብምግንዛብ ካብኡ ዝሃድመሉ ኵነታት ፈጢሩ። ፍሉይ ቤት ፍርዲ ምቛምን ካብቲ ስሩዕ ስርዓተ ፍትሒ ወጻኢ ከም ዝሰርሕ ምግባር፤ ምጭፍላቕ ናይቲ ፖለቲካዊ እረማ ንኽግበር ዝተንቀሳቐሰ ጉጅለ 15 (2001 ዓ.ም.)፤ ከምኡ’ውን ኣኼባ ባይቶ ዘይምጽዋዕ ከም ናይ መወዳእታ ምግላስ/ግልሰት ካብቲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ይቝጸር። ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ቅዋም ክትግበርን ቅሉዕ ምርጫ ክካየድን ምስ ሓተቱ፡ ዝተዋህበ መልሲ ማእሰርቲ’ዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስግግር ተጀሚሩ ዝነበረ ውሽጣዊ ክትዕ ድማ ሓንሳእብ ንሓዋሩን ተደምዲሙ።


2. ምስምስ "ሃገራዊ ህልውና" 

ምስምስ ‘ሃገራዊ ህልውና’ እቲ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስግግር ንኸይፍጸም ዝተጠቕመሉ ቀንዲ ረቓሒ ትረኻ’ዩ። ንሃገር ከም ወትሩ "ኣብ ትሕቲ ከበባ" (perpetual siege) ከም ዘላ ገይሩ የቕርባ። ነዚ ንምትግባር ክልተ ሜላታት ተጠቒሙን ይጥቀም ኣሎን፦


ግዳማዊ ስግኣታት ከም መሳርሒ ምጥቃም፦ እቲ ካብ 1998–2000 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንደሞክራስያዊ ጽገናታት ንምውንዛፍ ከም ምቹእ መመኽነይታ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።


ገደብ-ኣልቦ ምትሕልላፍ ፖለቲካዊ መሰላት፦ ህዝቢ ንፖለቲካዊ መሰላቱ ብ”ሃገራዊ ድሕነት” ክባደለሉ (bargain) ተሓቲቱ። እዚ ምስምስ’ዚ፡ ንፖለቲካዊ ስግግር ከም "ምቾት" (luxury) ገይሩ የቕርቦ። ክትግበር ዝኽእል ድማ ኵሎም ግዳማውያን ስግኣታት ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዝጠፍኡ ጥራይ ከም ዝኾነ ከረድእ ይፍትን። እዚ ብዓይኒ ናይ ግዜ መቓን ክርአ እንከሎ ገደብ ኣልቦ’ዩ።

 

3. ትካላዊ ብስባሰዶ ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተገብረ ምድኻም ትካላት? 

ኣብ መንጎ ትካላት ክሃንጽ "ዘይክእል" መንግስትን ክሃንጽ "ዘይደሊ" መንግስትን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። እቲ መንግስቲ፡ ከም ፓርላማ ወይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኣመሰሉ ትካላት ሓያላት እንተ ኾይኖም፡ ንስልጣን እቲ ፈጻሚ ኣካል ልጓም ክኾኑ ስል ዝኽእሉ እቲ መሪሕነት ነዞም ትካላት’ዚኣቶም ከም ዝዳኽሙ ብምግባር ኵሉ ውሳነታት ኣብ ጸቢብ ጉጅለ ጥራይ ተሓጺሩ ከም ዝተርፍ ገይሩ። ከምዚ ብምግባር ድማ "ከርሱ ዝተበልዐ ወይ ዝቦኽበኸ" መንግስቲ ፈጢሩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ህልውና ሃገር ምስ ህልውና ናይቲ ጸቢብ ጉጅለ መሪሕነት ብቐጥታ ከም ዝተኣሳሰር ተገይሩ።


4. ውርሻ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ምዃኑ ተመራመርቲ ታሪኽ ይዛረቡሉ። ብሚስጢራውነት፡ ሓያል ዲሲፕሊን ከምኡ’ውን ንጹር ሰንሰለት ትእዛዝ ድማ ይለል ነበረ። ናብ ሲቪልያዊ መንግስቲ ንምስግጋር ግን፡ እቲ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊ ባህሪ ከጥሪ ነይርዎ። ብኣንጻር’ዚ፡ እቲ ብምጭፍላቕ ብዙሕነታዊ ኣረኣእያ ዝልለ ውድብ ንተቓውሞ ከም ክድዓት ሃገር ገይሩ ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነስ ትካላዊ ቅርጺ ከም ዝለብስ ገይርዎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምሕደራ ብመገዲ ስምምዕን ሓድሕዳዊ ምውኽኻስን ኣብ ክንዲ ዝፍጸም፡ መተሃደራዊ ትእዛዝ ዝመለልይኡ ምሕደራ ኣተኣታትዩ። እዚ ብግዴኡ - እቲ ኣተሓሳስባ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ጕጅለ ክሳዕ ዘይተቐየረ - ፖለቲካዊ ስግግር ንኸይፍጸም ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ።


5. ኤርትራ ምስ ናሚብያን ደቡብ ኣፍሪቃን ክትነጻጸር እንከላ

ንኤርትራ ምስ ካልኦት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት ምስ እነነጻጽራ፡ ነቲ "ፖለቲካዊ ሕርያ" ዝብል ረቛሒ ዝያዳ ይጕልሕ። ከም ህግሓኤ፡ ናይ ናሚብያ ስዋፖ (SWAPO)’ውን ናይ ሓርነት ምንቅስቓስ’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ናሚብያ ካብ 1990 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝተኸብረ ቅዋም ዘለዎ ብዙሕነታዊ ደሞክራሲ ክትሃንጽ ክኢላ። ኤ-ኤን-ሲ (ANC) ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ውድብ ነዊሕ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ታሪኽ ዘለዎ ክነሱ፡ ንነፍሱ መቈጻጸሪ ዘገልግሉ "ናጻ ትካላት" (ከም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ) ንምቛም ቀዳምነት ሂቡ።


እቲ ፍልልይ ብከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ስዋፖን ኤ-ኤን-ሲን ኣብ ውሽጢ ሓደ ስርዓት ንስልጣን ክወዳደሩ ክመርጹ እንከለዉ፡ ናይ ኤርትራ መሪሕነት ግን ባዕሉ እቲ "ስርዓት" ክኸውን መሪጹ። ንዘይተወሰነ እዋን ክቕጽሎ ድማ ወሲኑ። ሰለስቲኦም ምንቅስቓሳት—ህግሓኤ (ኤርትራ)፡ ስዋፖ (ናሚብያ)፡ ኤ-ኤን-ሲ (ደቡብ ኣፍሪቃ)—ካብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ መሪርን ዲሲፕሊን ዝመልኦን ቃልሲ ዝመጹ’ዮም። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተልዎ መገዲ ዝተፈላለየ’ዩ ነይሩ።


  • ናሚብያ (SWAPO)፦ ኣብ 1990 ዓ.ም. ምስ ብዙሓት ሰልፍታት ሓቢሮም ቅዋም ንምርቃቕ መሪጾምን ምስ ናይ ቀደም ጸላእቶም ኣብ ልዝብ ኣትዮምን። እዚ ድማ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሮም ናይ "ፓርላማዊ ሕድድግ" ባህሊ ከማዕብሉ ክኢሎም።

  • ደቡብ ኣፍሪቃ (ANC)፦ "ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ" መሪጾም። ኣብዝሓ ድምጺ እናሃለዎም ክነሱ፡ ነቲ ናይ ቀደም ቢሮክራሲን ተቃውሞን ኣብቲ ፖለቲካዊ ስግግር ኣሳቲትፎምዎም።

  • ኤርትራ (EPLF)፦ "ብሕታዊ" መርሓ-ጐደና ተመሪጹ። እቲ መመኽነይታ ድማ ህግሓኤ ማለት ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ ተቃውሞ ድማ "ጸረ-ህዝቢ" ወይ ናይ ወጻኢ ልኡኽ’ዩ ዝብል ምስምስ ምጥቃም’ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ሕርያ’ዚ ንተቃውሞ ኣብ ክንዲ ብሕጋዊ መገዲ ምእንጋድ፡ ከም ገበነኛ ክቑጸር ተበዩኑሉ።


ኣብ መጠረሽታ ድማ ስዋፖን ኤ-ኤን-ሲን ስልጣን ምክፋል (power-sharing) ከዘውትሩ እንከለዉ፡ ህዝባዊ ግንባር ግን ንስልጣን ምብሓት ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ድማ ይቕጽሎ ኣሎ።


ናጽነት’ቲ ፈራዲ ኣካል’ውን ኣብዘን ሰለስተ ብመገዲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኣቢለ ናጽነተን ዝኣወጃ ሃገራት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።


  • ደቡብ ኣፍሪቃ፦ ኤ-ኤን-ሲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይስዓር’ዩ። ነቲ ውሳነታት ምኽባሮም ድማ ነቲ ስርዓት ሕጋዊነት ሂብዎ።

  • ናሚብያ፦ ኣብያተ ፍርዲ ናሚብያ ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ኣካል ሓያል ቍጽጽር የካይዳ።

  • ኤርትራ፦ "ፍሉይ ቤት ፍርዲ" ብምቛም እቲ ስሩዕ ስርዓተ ፍርዲ ተዋሲኑ። እዚ ድማ እቲ ፈጻሚ ኣካል ናይ መወዳእታን ወሳንን “ፍትሒ” ኮይኑ ክርአ ዝተገብረ ናይ ፖለቲካ ሕርያ’ዩ።


ፖለቲካዊ ስግግር ማለት ምርጫ ምክያድ ማለት ጥራይ ኣይኮነን፤ ኣእምሮኣዊ ትሕተ-ቕርጺ ምህናጽ’ውን ማለት’ዩ። ህዝቢ ብዛዕባ "ጥዑይ ምሕደራ" መረዳእታ እንተ ሃልይዎ፡ እቲ ስግግር ካብ ስግኣት ወጻኢ ኮይኑ፡ ዝጭበጥ ፕሮጀክት ይኸውን።


6. ግርንቢጥ ምትኽኻእ ስልጣን

ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት እቲ ምትኽካእ ስልጣን ብኸምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል፦


  • ናሚብያ፦ ሳም ኑጆማ ንሰለስተ እዋን (terms) ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ስልጣን ብሰላም ኣረኪቡ። እዚ ድማ ናይ "ቅዋማውነት" ባህሊ ፈጢሩ።

  • ደቡብ ኣፍሪቃ፦ ኤ-ኤን-ሲ ንባዕሉ ንፕረሲደንትታቱ ካብ ስልጣን ይኣልዮም’ዩ (ከም ሳቦ እምቤኪን ጃኮብ ዙማን)። እዚ ድማ ካብ ውልቀ-ሰብ ንላዕሊ ሕግን ውድብን ከም ዝስርዑ የርኢ።

  • ኤርትራ፦ ዝኾነ ተካኢ ስለ ዘይተዳለወን ቅዋማዊ ኣሰራራሓ ስለ ዘይተኣታተወን፡ ሃገር ደይ መደይ ተባሂሉ ናብ "ናይ ምትኽኻእ ቅልውላው" ገጻ ትጐዓዝ ኣላ። ኵሉ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ጥራይ ተማእኪሉ ስለ ዘሎ፡ ዝኾነ ኣብ መጻኢ ዝግበር ስግግር ብሰላማዊ መገዲ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስርዓት ብዘናውጽ "ሃንደበታዊ" ፍጻመ ክኸውን ይኽእል’ዩ።


7. መደምደምታ

እቲ ኤርትራ ዝተኸተለቶ ኣገባብ፡ ካብ ካልኦት ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ፍሉይ ዝገብሮ፡ መልክዕ ምድሪ (geography) ወይ’ውን ከምቲ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብልዎ “ካብ ጸላእታ ክመጽእ ዝኽእል ስግኣት” ዘይኮነስ፡ እቲ መሪሕነት ነቲ ናሚብያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝረዓምኦ 'ትካላዊ ውሕስነት' (institutional insurance) ስለ ዝነጸጎ’ዩ።" እዚ ድማ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ፖለቲካዊ ሕርያኡ ስለ ዝኾነ’ዩ።


ኤርትራ ካብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ድሕሪ ሓርነታዊ ጕዕዞ ዝተፈጥራ ሃገራት ዝፈልያ ነገር እንተልዩ፡ ዕድል ምስኣን ዘይኮነስ፡ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ከም መትከል ምሕደራ ዘይምቕባላ’ዩ።


እዚ ንመጻኢ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስግግር ክኔው መሪሕነት ምቕያር ይኸይድ። ንሱ ድማ እዚ ዝስዕብ የድልዮ፦

  • ትካላዊ ሕጋውነት (legitimacy) ዳግም ምህናጽ፣

  • ልዕልና ሕጊ ዳግም ምትካል፣

  • ዜግነት ከም መሰል’ምበር ከም ቅድመ-ኵነታዊ ነገር ዘይምርኣይን

  • ምሕደራ ካብ ስርዓተ ቍጽጽር ናብ ስርዓተ ተሓታትነት ምቕያር።

ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ኤርትራ ተመክሮ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ የጕልሕ፦ ፖለቲካዊ ስግግራት ዝፈሽሉ፡ ዘይከኣሉ ስለ ዝኾኑ ዘይኮነስ፡ ስለ ዘይተመርጹ ወይ ስለ ዘይተደልዩ’ዮም።

 

 

 

 

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page