top of page
Search

ሰመረ ሰሎሞን ሳልሰይቲ መጽሓፉ ንኣንበብቲ የቕርብ፡ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት

3 days ago
2 min read

Updated: 2 days ago

ሰመረ ሰሎሞን ሳልሰይቲ መጽሓፉ ንኣንበብቲ የቕርብ፦ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፥ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት

መስከረም 12 2026

 



ካብ ራእይ ናብ ተግባር

ሓንቲ ሃገር ካብ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ብኸመይ ትሰጋገር፧ ኣብ'ታተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፥ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ፡ ደራሲ ሰመረ ነዚ ህጹጽ ሕቶ ክምልሶ ይህቅን።

 

ነቲ ኣብ ኤርታራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር ዘርእስታ ቅድሚ ሕጂ ዝተሓትመት መጽሓፉ ዘንጸፎ መሰረት ብምኽታል፡ እዚ መቐጸልታ ጽሑፍ’ዚ ንሃብታም ናይ ቃልሲ ውርሻ ህዝቢ ናብ ዘተኣማምንን ንቕድሚት ዝጥምትን ናይ ስግግር ኣጀንዳ ከተኣሳስሮ ይፍትን። ደራሲ ክኔው ፍተሻ (diagnosis) ናይቲ ቕልውላው፡ እቲ ንኤርትራ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቐንዲ ዕንቅፋት ዝተዀልፈ ፖለቲካዊ ስግግር ምዃኑ ይማጐት። እዚ ድማ ካብ ሻርነትዊ ጕዳይ ንላዕሊ መዋቕራዊ ጸገም ምዃኑ የስምረሉ።

 

ብዕስራን ሓደን ሰፋሕቲ (ዕመቈት ዘለዎም) ምዕራፋት ኣቢሉ፡ ሰመረ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጂኦፖለቲካውን መዳያት ኣድለይቲ ዝብሎም ኣገደስቲ ጽገናታት ይድህስስ። ካብ መላእ ዓለም ንዝተረኽበ ተዛማዲ ተመኩሮታት ከም መወከሲ ብምጥቃም ድማ ለውጢ ኸንቱ ሕልሚ ዘይኮነስ ጋህዲ ኽኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ይእምት።


እዛ መጽሓፍ ካብ መቐጸልታ ንላዕሊ፡ ተግባራዊት ሰነድ’ያ። ንሕውየት ሃገር፡ ንመሰረታውያን ጠንቅታት ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ነዛ ሃገር ህዝባ ናብት ዝደልዮን ዝግብኦን መጻኢ ንኸማእዝናን ክመርሓን እትሕግዝ ሓባሪት-መገዲ’ያ።

 

ኣገደስቲ መዳያት ናይታ መጽሓፍ

  • ንህልዊ ጋጋት ከም መሰጋገሪ፦ ንታሪኽ ቃልሲ ምስ ምሕደራዊ ኣልያታት ተራኽብ፤

  • ኵለ-መዳያዊ፦ ካብ ቍጠባ ክሳብ ባህሊ ንኹሉ ሸነካት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ትሽፍን፤

  • ዘይሻራዊ፦ ኣብ ክንዲ ኣብ ሻራዊ ፖለቲካ፡ ኣብ መዋቕራዊ መፍትሒታት ተድህብን

  • ኣብ ተግባር ዘተኰረ፦ ንዳግመ-ህንጻን ስግግርን ዘገልግል መዋቕራዊ ቕርጸ-መቓን ተቕርብብ።

 

ሰመረ ናይተን ክቡር ዋጋ ዝተከፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተተልመ መብጽዓን ከምኡ’ውን ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር ዘርእስተን መጻሕፍቲ ደራሲ’ዩ።


ኣበይ ትርከብ

እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ኣብ Amazon.com ከምኡ’ውን ኣብ Red Sea Press ንመሸጣ ቀሪባ ኣላ።



 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Antonio Tesfay
3 days ago
Rated 4 out of 5 stars.

ሰላም ሰመረ ሰሎሞን፡ንህዝብና ንሃገር ብፍላይ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ተኽእሎ ፖለቲካ,,,,፡ ወዘተ ኣብ ስን ጽሑፍ ንምስፋሩ ጥራሕ ዘይኮነ ፡እቲ ብሃንቀውታ ተስፋ ሰላም ዝጽበ ህዝቢ ንቅሓት ንምብራኽ ኣረኣእያ ንክሰፍሕ መሰረት ዘለዎ ትሕዝቶ፡ነዊሕ ዝጠመተ ኣብ ትግባረ ንምስግጋር ዓብይ ኣስተዋጽኦ ትምህርትን እዩ።

ምስጋና ይግባኣካ እዩ።ብዙሕ የቐንይርልና።

Like
bottom of page