ገምጋማት መጽሓፍ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ብሰመረ ሰሎሞን
ገምጋማት መጽሓፍ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት
መስከረም 12 2026

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ መጽናዕቲ ፖለቲካዊ ዕብየት ኤርትራ፡ ህንጸት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ዕድላት ዲሞክራሲያዊ ሕደሳ ዓብን እዋናውንኣስተዋጽኦ’ያ። ደራሲ፡ ታሪኻዊ መርዳእታታት ምስ ጥንቁቕን ሚዛናዊን ትንተና ብምውህሃድ፡ ካብ ፖለሚካዊ ኽትዓት ብምርሓቕ፡ ነቶም ንህሉው ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ብድሆታት’ታ ሃገር ዝሃነጹ ሓይልታት ሚዛናዊን ብምርምር ዝተደገፈን ኣገባብ ተቕርብ። ናይቲ ጽሑፍ ሕልናዊ መጐተን ንዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ዘለዎ ኣተኵሮን፡ ንምሁራት፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ከምኡ’ውን ንዝኾነ ይኹን ካብ ስነ ሓስባዊ ኽትዓት ወጻኢ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዓሞቐ ኣፍልጦ ኽህልዎ ሃሰው ንዝብል ውልቀ-ሰብ ኣገዳሲ መወከሲ ይገብሮ።
እዛ መጽሓፍ፡ ተሓታትነት፡ ታሪኻዊ ዝኽርን ሃገራዊ ዕርቅን ተወዳደርቲ ዕላማታት ዘይኮኑስ፡ ተመላላእቲ ባእታታት ምኻኖም ብትብዓት ብምግላጹ ፍሉይ ይገብሮ። ደራሲ፡ ንሓቅታት ምግጣም ንሃገራውነት ከምዘየህስሶ፡ የግዳስ ንመሰረት ሓንቲ ዝያዳ ርግእትን ሓቛፊትን ዝኾነት ሃገር ከም ዘደልድል ይገልጽ። ብዛዕባ ኤርትራ ብቕዓት ዘለዎ ኣካዳሚያዊ መጽናዕቲ ድሩት ኣብ ዘለወሉን ብህጹጽ ኣብ ዝድለየሉን ዘሎ እዋን፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ኣእምሮና ንምስኣል ዘኽእል ሓልዮት ዝመልኦን ብመርትዖ ዝተሰነየን ቅርጸ-መቓን ተቕርብ። ብዛዕባ ኤርትራን ቅየራዊ ሓይሊ ሃናጺ ዘተ ዝግደስን ዝኾነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ግድን ከንበብ ዝግበኦ መጽሓፍ’ያ።
— ዶ/ር ሳራ ዑቕባይ፡ ናይ ቋንቋ ኣማኻሪት፡ ፕሮፈሶር ነበር ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ሓንቲ ካብ መስረትቲ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓባይ ብሪጣንያ

የቐንየልና ሰመረ!
እቲ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ብምልኣት ሃገራውነቱ ዝፈለጥኩዎን እትኸታተልክዎን ሓው ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሰማዒ እዝኒ ንዘለዎ ዘበለ፡ ‘ካብ ዘለናዮ ሃለዋት ክንወጽእ እንታይ ንግበር፧’ ኣብ ዝብል ዕቱብ ክትዓት ክዕድም ድሕሪ ምቕናይ፡ እንሆ ሎሚ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ዘርእስታ መጽሓፍ ደበኽ (ጠበሽ) ኣቢሉልና’ሎ።
ወዮ ደኣ ነንሓድሕድና ጽን ኣብ ዘይንብለሉን ልምዲ ንባብ ኣብ ዘተዳኸመሉን መዋእል በጺሕና ከይንኸውን’ምበር፡ ብወገነይስ ትሕዝቶ ናይ’ዛ ዕስራ ሓደን ዝምዕራፋታ መጽሓፍ ሓው ሰመረ፡ ካብቲ ዘሎናዮ ደውታ ፍሕት ከብለና ዝኽእል ንጹር ጻውዒት ከም ዘለዋ እርኢ።
ቅድም ቀዳድም ግን ካብ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፖለቲካዊ ሻርነት ወጺእና ብጒዳይ ህዝብን ሃገርን ጥራይ ምግዳስ ከድልና’ዩ። ትሕዝቶ መጽሓፍ ሰጋእ ከየብሎም እትፈርሖም ውሑዳት ወገናት፡ እቶም ንሓርነታዊ ተጋድሎ ዘይስሙ ዝህቡን፡ እቶም ታሪኽ ተጋድሎና ኣብ 1991 ዓ.ም. እተወድኤ/ደው ዝበለ ዝመስሎም ጥራይ’ዮም።
ብንባበይ፡ ሕቶታት ደራስን መልስታቱን ንጹራት’ዮም። ብሓጺሩ፡ እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ግዜ ዝወሰደን ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለን ሓባራዊ ቃልሲ ህዝብና፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ዘይኣሳታፍን ኣንጻር ረብሓ ህዝብን ደው ዝበለ መንግስቲ ዝጫጭሐ፧ ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ ከመይ ጌርካ ኣብ ጥጡሕ ባይታ፡ ማለት ኣብቲ ብፍላጥ ተጐስዩ እተሓልፈ ፖለቲካዊ ስግግር ትበጽሕ ንዝብል ህንጢት ከዕግብ ዝኽእል መሰጋገሪ ድልድላት ወስ ኣቢሉ’ሎ።
ንትግባረ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዕላማታት ንምብዳህ ዝጽዋዕ ዘሎ ብቐዳምነት እቲ ተካኢ/ሓዲሽ ወለዶ’ኳ እንተኾነ፡ ደራስስ፡ ነቲ ከይተሓለለ ቃልሱ ዝቕጽል ዘሎ ገዲም ወለዶን ነቲ ኣብ ደንደስ ደው ኢሉ ተዓዛቢ ዝጸንሐ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ምሁር እንብሎ ኣካል ካብ ፍርሕን ስቕታን ወጺኡ፡ ኣብ ናይ ሕደሳን ህንጸትን ናይታ ቅድም ዘማዕዶናያ ናይ ኲልና ኤርትራ እጃሞም ከበርክቱ ቦታ ይህቦ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣንባቢ ናይዛ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ ዘርእስታ ብሰመረ ሰሎሞን ዝተደርሰት መጽሓፍ ዓቢ ኽፋል ህዝብና ኽኸውን ትምኒተይ’ዩ።
የቐንየልና ሰመረ ሰሎሞን
— ወልደየሱስ ዓማር፡ ገዲም ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ.፡ ክኢላ ኣህጉራዊ ልምዓትን ጋዜጠኛን፡ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ

ሰመረ ብተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣቢሉ ብሉጽ ስራሕ ኣበርኪቱ ኣሎ። ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ብጥንቃቐ ብምትንታን ብቕዓተ-ኣልቦነት ናይ ኣመራርሕኡን ንሃገር ኣብ ዕጹው መገዲ ዘእተወሉን ዅነታት የቃልዕ። ብህዱእን ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣገባብን መርትዖታቱ ሓደ ደድሕሪ’ቲ ሓደ ብምህናጽ፣ ቍጥዐኡ ንፍርድታቱ ከይጋርዶን ንህላወ’ቲ ተሓታትነት ዝጐደሎ ስልጣኑ ንምምኽናይ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሳስዮም ፈጠራታትን ዝግልገለሎም ናይ ፍርሒ ተግባራትን ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ብዘይፈልጥ ዕቱብነት የፍሽሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ብቐሊል ኢሶጳዊ (Aesopian) ኣገባብ ኣቢሉ፡ እቲ ንጉስን ሰዓብቱን ብሓቂ ዕርቃኖም ወጺኦም ምህላዎም የቃልዕ።
እቲ ዘይስዓር ዝመስል ምስሊ ምስ ተቐንጠጠ፡ እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መከላኸሊ’ውን ከመይ ከም ዝነበረ ይቃላዕ። እዚእቶም እቶም ሃገር ኣብ ቀጻሊ ናይ ቅልውላው ኵነታት ክትነብር ምእንቲ ነቲ ኣዝዩ ጨካን ተግባራቶም ንምምኽናይ ዝደጋግሙ መወዳእታ ዘይብሎም መመኽነይታታት’ዮም። እዚ እናኾነ እንከሎ፡ ቍጽሪ ናይቶም ተስፋ ቆሪጾም ብእግሮም ድምጾም ክህቡ ዝወሰኑ ዜጋታት እናወሰኸ መጺኡ። እዚ ድማ ንሕሰምን ተስፋ ምቑራጽን ንምግላጽ ውሑስ ኮይኑ ዝተሰምዖም እንኮ መገዲ’ዩ ነይሩ። እዚ ርዱእ ነገር’ዩ። ግን ዘሕዝን ከኣ’ዩ። እቲ ዅነታት ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ህዝቢ ተላዒሉ ነቲ ወለዱ፣ ሕጂ ድማ ደቁ፣ ህይወቶም ከፊሎም ዝሓለፉሉ ውርሻ ንምምላስ እንተ ተበገሰኸ፧ ብዘየወላውል መገዲ፡ ሰመረ እዚ መጽናዕቲ’ዚ ንኸምዚ ዝበለ ለውጢ ኣበርክቶ ኽገብር’ዩ ኢሉ ይትስፎ። ኣነ’ውን ከምኡ።
— ዳን ኮነል፡ ፕሮፌሰር፡ ቦስተን ዩኒቨርሲቲ ማእከል መጽናዕቲ ኣፍሪቃ በጻሒ ተመራማሪ፡ ጸሓፊ፡ ተንታኒ፡ ሕመኣ

ንመዋቕራዊ ሰራውር ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ድስከላ ብምግላጽ፡ ንመጻኢ ሕደሳ ዝኸውን ኣገዳሲ ሞራላዊ መርሓ ሕንጻጽ እተቕርብን ንዝተጨውየ ናጽነት ኤርትራ እተቃልዕን ሓያልን ኣገዳሲትን መጽሓፍ።
— ሳልሕ ጆሃር፡ መስራትን ኣሕታምን ዓወተ ዶት ኮምን ነጋሪትን፡ ሕመኣ

እዚ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ንሓደ ካብቶም ቀንዲ ሕንቅል-ሕንቅሊተያት ናይ ድሕረ ናጽነት ፖለቲካ ኣፍሪቃ ዕቱብ ትንተና ተቕርብ። እቶም ብዘየወላውል መገዲ ሞራላዊ ተቐባልነት (ሕጋውነት) ዝነበሮም ምንቅስቓሳት፡ ስለምንታይ’ዮም ነቲ ተቐባልነት ናብ ዘላቕቲ ሲቪልያውያን ትካላት ኣብ ምቕያር ዝፈሽሉ፧ ደራሲ፡ ባዕሉ ገዲም ተጋዳላይ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሲቪልያዊ ኣገልግሎት ዝነጥፍ ዝነበረን ኮይኑ፡ ’ሰውራዊ ተቐባልነት’ እንተ ደኣ ትካላውነት ዘይለቢሱ ተቀባልነቱ ድሩት’ዩ’ ዝብል ማእከላይ ስነ መጐት የቕርብ። ክኔው ነቲ ቃልሲ ብድብዱቡ ምንጻግ ወይ’ውን ኣብ ክንድ’ቲ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ ኴንካ ምምጓት ዝግበር ፈተነታት ብምኻድ ጠቐሚ ዝኾነ ቅርጸ-መቓን ተቕርብ።
ኣዛ መጽሓፍ፡ ከምቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝፍትን ዘሎ ማለት ንናይ ኤርትራ ተመክሮ ከም ሓደ ፍሉይ ነብሱ ዝኸኣለ ተርእዮ ዘይኮነስ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ድሕረ ናጽነታዊ ምሕደራዊ ተመክሮታት ተነጻጽር። ኣብ ናይ ኤርትራ ዘመናዊ ስነ ታሪኽ፣ ኣብ መጽናዕትታት ህንጸተ ሃገረ መንግስቲ፣ ጸጥታዊ ጉዳያትን ከምኡ’ውን ንመጻኢታት ዕጥቃዊ ቃልስታትን ዓቢ ኣበርክቶ ትገብር። ብሚዛናዊ ግን ከኣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ስነ መጐት ዝተደርሰት’ውን እያ። ብተመራመርቲ ቐርኒ ኣፍሪቃን ናይ ድሕሪ ግጭት ፖለቲካዊ ስግግርን ግድን ክትንበብ ዘለዋ ስራሕ’ያ።
እቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ቃልሲ ዝረኸቦ ሰውራዊ ሕጋዊ ተቐባልነት ክሕደስ ነይርዎ። ከመይ ኢሉ’ዩ ናብ ናይ ህጹጽ ዅነታት ተርእዮ ተቐይሩ ዘርኢ ብቑዕን ዘይወላወልን ጸብጻብ’ዩ።
— ሸቲል ትሮንቮል፡ ፕሮ ረክተር፡ ምርምር፡ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ኦስሎ ንዩ፡ ኖርወይ

ሰመረ ሰሎሞን ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዘበርከተን መጻሕፍቲ ዝያዳ ዝተጻረየን ናብ ተግባራዊ ምድላው ዝመርሕ፡ ርጡብን ክዕቀን ዝኽእልን ትሕዝቶ በዛ መጽሓፍ ኣቢሉ ኣቕሪቡልና ኣሎ። ካብ ትምኒትን ሕልና ዘሰልክን ትንታነ ሰጊሩ፡ መዋቕራዊ ትንተናን ትካላዊ ድስካለን ብዕምቈት ብምቕራብ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ መዋቕራዊ ዅልፈትን ብስም ጸጥታ ዝተገብረ ናይ ንቡር ፖለቲካዊ ህይወት ውንዘፋን ብኣተኵሮ ይፍትሾ። ነቲ ንሓርነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ናብ ቀዋሚ ትካላዊ ተሓታትነት፡ ግዝኣተ-ሕግን ሲቪልያዊ ምሕደራን ንምቕያር፡ ካብ ፍጹም ውደሳን ኵነኔን ወጺእና ነቲ ኣብ መንጎ ታሪኻዊ መብጽዓን ህልው ክውንነትን ዘሎ ገፊሕ ጋግ ፊት ንፊት ክንገጥሞ ይብድሃና።
ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ንታሪኽን ዝኽርታትን ካብ ናይ ሓሶት ትረኻታት ብምሕሓይ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ከም ሞራላውን ኣእምሮኣውን መልሕቕ ኮይኑ ዘገልግል ጽፉፍ ስንቂ ኣቐሚጡልና’ሎ። ንፕሮፓጋንዳን ኣነሃሃሪ ቋንቋን ብምውጋድ’ውን ተስፋ ዝህብ ግን ከኣ ግብራዊ እማመታት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ናይ ኤርትራ መጻኢ ኣብ ምትኽኻእ ውልቀ መራሕቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዳግመ-ህንጸት ትካላት፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ኣኽብሮት ደረት ስልጣንን ሰብኣዊ ኽብርን ዝምርኰስ ምዃኑ ድማ ይእምት። ብዛዕባ’ታ "ድሕሪ ፍርሒ" ዘላ ፍትሓዊትን ልኡላዊትን ኤርትራ ኽሓስብ ባህጊ ዘለዎ ዜጋ ከንብባ ዝግብኦ እዋናዊት መጽሓፍ’ያ ኢለ ድማ እኣምን።
— ኢሳይያስ ተስፋልደት፤ ዳይረክተር ተክኤክስተንሽን፡ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ኮለጅ ፓርክ፡ ሕመኣ

ከመይ ኢሉ’ዩ እቲ ብሓባራዊ መኸተን ብዘደንቕ መስዋእትን ዓሚቝ ሞራላዊ ዓወት ዘመዝገበን እቲ ንኽብርታት ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራሲያዊ ተሳትፎን ዘንጸባርቕ ዝነበረ ናይ ናጽነት ምንቅስቓስ፡ ብቕልጡፍ ናብ “ፖለቲካዊ ድስከላ፣ ቍጠባዊ ውድቀትን፣ ዝተጨቆነን ዝሰንበደንን ሕብረተ ሰብ” ዝመለለይኡ ሃገረ መንግስቲ ተቐይሩ? ከመይ ኢሉ’ዩ እቲ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ዝሰርሕ ምልካዊ ስርዓት፡ ነቲ ናይ ሕሉፍ መስዋእትን ጅግንነታዊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝኽርታትን መጋበርያ ብምግባርን ‘ናይ ከበባ ስነ-ኣእምሮ’ ብምፍጣርን ራዕዲ ዘንገሰሉ ሃዋህው ፈጢሩ፧ ነቲ መዘና ዘይብሉ ዓመጻቱ ብምምኽናይ ኣብ ቍጠባዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት ዘለዎ ቍጽጽር ንምዕቃብን ክኢሉ፧ ከመይ ኢሉ’ዩኸ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ካብ ፈጣርንት፣ ሓባራዊ ሲቪካዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ባህላውን ቍጠባውን ተሳትፎ ዘስናኽልን ‘ናይ ምሉእ ወለዶ ብሉጽ ዕድመ ዝበልዕ’ ጨካን መሓውር ኮይኑ፧
ሰመረ ሰሎሞን—ንባዕሉ’ውን ኣብቲ ናይ ኤርትራ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓደ ካብቶም ቀንድን ውፉያትን ተዋሳእቲ ዝነበረ—ኣብዛ ሓዳስ ብልጽቲ መጽሓፉ፡ ነቶም ነቲ ኽቡር ዕድል ናብ ዘሰቅቕ ክውንነት ዝቐየሩዎ ሓይልታትን፣ ማሕበራዊ፣ ቍጠባውን ፖለቲካውን መዋቕራትን ብንጹር፣ ቅንዕና ብዝመልኦን ኣብ መወዳእታ ድማ ትስፉው ትንተናዊ ዓይኒ ይዕዘቦ። ሰመረ፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ካብ ባህርያት’ቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተቐርጸ ዘይተርፍ ነገር ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጕጅለ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃገረ መንግስትን ትካላትን ዘለዎ ስልጣን ንምጽናዕ፣ ንቡርነት ከም ዝህልዎም ንምምሳልን ንምስፋሕን ብዝወሰዶም ንጹራት ፖለቲካዊ ሕርያታት ዝተኸስተ ጭቡጥ ውጽኢት ምዃኑ የረርእየና። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃን ካብኡ ወጻእን ብዛዕብ ዝግበሩ መጽናዕትታት ምንቅስቃሳት ሓርነት፡ ስግግርን ህንጸት ሃገርን ብልጽትን ክላሲካዊትን መወከሲ ኽትከውን’ያ።
— ዶክተር ጀይምስ ኤም. ስታትማን፡ ምሁር ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮን ክኢላ እህጉራዊ ልምዓትን፡ ሕመኣ

ሰመረ ሰሎሞን ኣብ እዋን ቃልሲ ንሃገሩ ብተወፋይነት ዘገልገለ ሰብ’ዩ። ሎሚ ድማ ብምሁራውን መጽናዕታውን ጽሑፋቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ኣገልግሎቱ ምሃብ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዛ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ነቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጕዳይ ፖለቲካዊ ስግግር ብዕምቈት፡ ብታሪኻዊ መነጽርን ትካላዊ ትንተናን የቕርቦ። ካብ ፖለሚካዊ ፖለቲካ ርሒቑ፡ ብዛዕባ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ተሓታትነት፡ ሃገራዊ ዕርቅን ትካላዊ ስግግርን ዘተ ኽኽፈት ድማ ይዕድም።
እቲ ዝያዳ ዝድነቕ ድማ፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንታሪኻዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝግብኦ ኽብሪ እናሃበት፡ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ብትካላዊ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ሰብኣዊ ኽብርን ክድገፍ ከም ዝግባእ ብጥንቃቐ ትምጕት። እዛ ስራሕ’ዚኣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምሁራን፡ ንተመራመርትን ንዅሎም ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግደሱን ዝሓስቡን ናብ ልዝብ ከተምጽእ እትኽእል ኣገዳሲት ኣበርክቶ’ያ።
— ዳኒኤል ተወልደ፤ ኣባል መደብ ዕላል መዛኑ፡ ካናዳ

ካብ 1989 ክሳብ 1991 ዓ.ም. ዝነበሩ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዓበይቲ ለውጥታት ዝተኸስቱሉ እዋን’ዩ ነይሩ። እዚ ንውድቀት ኮሚኒዝም ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብዙሓት ማሕበረ-ሰባት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ምሕራርን ምስፍሕፋሕ ደሞክራስን’ውን ዘጠቓልል’ውን እዩ ነይሩ። እዞም ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጥታት፡ ምስቶም ንሰብኣዊ መሰላት፡ ሓርነት፡ ጸረ ብልሽውናን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝጠልቡ ዝነበሩ ስነ ምግባራዊ ጠለባት ዝተኣሳሰሩ’ዮም ነይሮም። ኣብቶም ካብኡ ንነጀው ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት ግን ነዞም ዕላማታት ዘበርዓነን ዘሕዝንን ዅነታት ተፈጢሩ። እዚ ድማ እቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ሃረርታ ናብ ከቢድ ዘይማዕርነትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓተምሕደራን ምቕያሩ’ዩ።
እዛ ብሰመረ ሰሎሞን ዝተጻሕፈት ኣገዳሲት ሓዳስ መጽሓፍ፡ ንሓደ ብዙሕ ዘይፍለጥ ኣብነት ግነከ ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ፖለቲካዊ ኵትሞ ትምርምር። ሰመረ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተሳተፈ ተጋዳላይ’ዩ። ሃገሩ ድሕሪ’ቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ቃልሲ እዋን ኣብ 1991 ዓ.ም. ካብ ኢትዮጵያ ኽትፍለ እንከላ ዝነበረ ተስፋን ድሕሪኡ ግን እቲ ሓርነታዊ ምንቅስቃስ ናብ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብምቕያሩ እቲ ተስፋ ከመይ ኢሉ ከም ዝበነነ ይትርኽ። ሰመረ፡ ካብቶም ነዚ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝመርመሩ ውሑዳት ደረስቲ ሓደ ኮይኑ ነቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ናጽነት ኤርትራን ኣብቶም ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት ዝበነኑ ሃረርታታትን ይትንትን። ኣብዚ ከይተሓጽረ፡ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ መዋጥርን ማሕበራዊ ቅልውላውን ዅነታት ዳግማይ ናይ ምውጻእ ዘሎ ተስፋን ተኽእሎን የብርህ።
ንሱ፡ ብዛዕብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ሕልፍ ዝበለ ስግግር ናብ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ ዝዝቲ’ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ዅነታት—ማለት ምህሳስ ደሞክራስን ንፍርሒ ናብ ጥቕምኻ ምውዓልን በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ዘይሕለል ስነ-ምግባራዊ መኸተን ናይ ደሞክራሲያዊ ሕደሳ ተስፋታትን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብዘእምን መገዲ የርእይ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ እቲ ናይ ቀረባ ግዜ ታሪኽ ከመይ ኢሉ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ መዋጥር ከም ዘብጽሐ ኽርዳእ ንዝደሊ ዝኾነ ሰብ ኣገዳሲት ንባብ’ያ።
— ማይክል ጉብሰር፣ ናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር፡ ዩኒቨርሲቲ ጀይምስ ማዲሰን፡ ደራስን ሓደ ካብቶም መስረትቲ ማእከል ልምዓታዊ ታሪኽን፡ ሕመኣ

ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን፡ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መጻሕፍቱ፡ ንፍልጠቱ ብዘይ ልግምና፡ ንናይ ትማሊ ተመክሮኡ ብዘይ ግብዝና፡ ንናይ ሎምን ጽባሕን ርእየቱ ድማ ብዘይ ተስፋ ቖረጻዊ ቃና ኽጽሕፍ'የ ተዓዚበዮን ኣንቢበዮን። እንሆ ሕጂ ድማ ሳልሰይቲ መጽሓፉ ከም’ተን ቀዳሞት "እንታይ ሰሪሕና ዘይኰነስ፡ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና" ዝብል በዳሂ ሕቶ ኣልዒሉ፣ ርእየቱ፡ ሓሳባቱ፡ ሕቶታቱን ትንተናታቱን ኣስኒቑ ኣበርኪቱልና ኣሎ። ንሕና ከም ነበብቲ ንዝህልወና ርእይቶታት፡ ሕቶታትን ሓሳባትን ድማ ብናጻ ምስታ መጽሓፍ ክንካታዕ፡ ክንላዘብን ክንሓትትን ብዘኽእል ቅዲ ብኽፉት ኣገባብ ኣቕሪብዋ ይርከብ። ዝተዓጽወት ዘይኰነትስ ዝተኸፍተት መጽሓፍ'ያ። ነዚ ድማ ባዕሉ ጸሓፊ "እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ኣብቶም ኣልዒላቶም ዘላ ሕቶታት ትዝንቢ'ሞ መፍትሒታት ከተናዲ ድማ ትህቅን" ብምባል የረጋግጾ።
— ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)፤ ገጣምን ጸሓፍን፡ ሽወደን

ተኽእሎ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሃንቀውታ ናብ ክውንነት ዘርእስታ መጽሓፍ ነቶም ሓርነታዊ ቃልሲ ኣካይዶም ናጻ ሃገራት ዝሃነጹ ሕብረተ-ሰባት ዘጋጥምዎም ዘለዉ በዳህቲ ሕቶታት ብትብዓት እትምርምር ፍልይትን እዋናዊትን ናይ ፖለቲካ ምሁራዊት ስራሕ’ያ። እቲ ሕቶ "ብመስዋእቲ ዝተረኽበ ሞራላዊ ተቐባልነት (ሕጋውነት) ከመይ ኢሉ’ዩ ናብ ቕዋማዊ ምሕደራ፣ ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ዘለዎም ትካላት ክቕየር ዝኽእል፧?" ዝብል’ዩ። ደራሲ ካብ ፖለቲካዊ ሻርነትን ጥሩፍ ኣተሓሳስብን ርሒቑ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ታሪኽ ዝተሰረተን መዋቕራዊ ትንተናን የቕርብ።
ንኤርትራ ከም ሓንቲ ዝፈሸለት ሃገር ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመዝገቡ ዓወትታት ዓቂቡ ብዘእምን መገዲ እቲ ዘይተጋህደ ተስፋ ናይታ ሃገር ኣብቲ ዘይተዛዘመ ፖለቲካዊ ስግግር ከም ዝርከብ ይገልጽ። እዚ ስግግር’ዚ ድማ ብሰንኪ’ቶም ንዜግነት ብጸጥታ፣ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብኽቱር ምእከላ ስልጣንን ዝተክኡ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ፍርሒ ዘንገሱ ፖለቲካዊ ሕርያታት ዝተሰናኸለ ምዃኑ ይገልጽ።
ነዚ መጽሓፍ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ሳሕቲ ዝርከብ ውህደት ሞራላዊ ንጹርነት፣ ትንተናዊ ብቕዓትን ሃናጺ ራእይን’ዩ። ኣንበብቲ ካብ ምምጓስ ወይ ድማ ምንቃፍ ጥራይ ማእከል ዝገበሩ ናይ ትረኻታት ውድድራት ወጺኦም፣ ነቶም ዓሚቝ መዋቕራዊ ጠንቅታት ማለት ትካላዊ ድስከላ፣ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ንብምሉኡ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ናይ ምዕስካር ፈተንን ምብሕጓግ ሲቪልያዊ ህይወትን ክገጥምዎም ይብድሆም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቕዋማውነት፣ ዕርቂ፣ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነትን ትካላዊ ዳግመ-ህንጸትን ዝተሰረተ ንሕደሳ’ታ ሃገር ዘግልግሉ ሓሳባት ይእምም።
እዚ ብታሪኻዊ መረዳእታታትን ንጽጽራዊ ፖለቲካዊ ትንተናን ሃብታም ዝኾነ ስራሕ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ምሁራት፣ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ተመሃሮ ዲሞክራሲያዊ ስግግርን መልእኽቲ የመሓላልፍ። እዚ ስራሕ’ዚ ካብ ነቐፌታ ንላዕሊ፡ ናጽነት ነቲ ናይ መጀመርያ ሞራላዊ ዕላማኡ ንምምላእ ምእንቲ ኽኽእል ዘገልግል ምሁራዊ መርሓ-ጐደና’ዩ። ፍትሒ፣ ሰብኣዊ ኽብሪ፣ ተሓታትነት ዘለዎም ትካላትን፣ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሕደሳ ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ናይ ሓደ ትብዓት ዝመልኦ ፖለቲካዊ ሕርያ ደኣ’ምበር ታሪኻዊ ግድነት ዘይምዃኑ የስምረሉ።
— ኣዮ ኦላዲኒ፡ ናይ ፈደራልን ዓውደ ትምህርትን ኣማኻሪ፡ ፕለይን፡ ዲ.አይ.ኣይ.፡ ናይጀርያ




Comments