top of page
Search

ስቕታ፡ ንሓቂ ምኽሓድን ምስሉይነትን ባህርይ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ፧ 

Sep 24
13 min read

ስቕታ፡ ንሓቂ ምኽሓድን ምስሉይነትን ባህርይ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ፧ 


ብሰመረ ሰሎሞን

24 መስከረም 2026

 


መእተዊ

ንብዙሓት ግዱሳትን ለባማትን ኤርትራውያን ካብ ዘጨንቕ ሓያለይ ዝገበረ ሕቶ ኣሎ። እቲ ሕቶ ስለ ምንታይ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንነዊሕ ዝኸደን ኣዝዩ እናኸበደን ዝመጽእ ዘሎን ጭቆናን ዕምጸጻን ኣብ ትሕቲ ግሁድ ስቕታ ጸይሩዎ ዝኸይድ ዘሎ ዝብል’ዩ። እዚ ብዝተፈላልዩ መልክዓት ይግለጽ፡- ርኢኻ ከም ዘይርአኻን ሰሚዕካ ከም ዘይሰማዕካ ምኻድ፣ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫኻ ንዝፍጸሙ ነገራት ምኽሓድ ወይ ኣሉ ምባል፣ እንታይ ገደሰኒ ኣብ ሽግር ዝኣቱ ንምዃኑኸ ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት’ንዶ ኣይኮነን ኢልካ ህይወትካ ምቕጻል፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ በቲ ስርዓት ለይትን መዓልትን ዝዝርጋሕ ትረኻ ብዘይ ገለ ሕቶ ከም ዘለዎ ምቕባል። 

 

ንሰላሳ ዓመታት መግዛእቲ ዝመከተን ልኡላውነቱ ዘውሓሰን ህዝቢ ኣብ ሎሚ በጺሑ ስቕታ ምምራጹ ስለ ምንታይ’ዩ፧ መንቀሊ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኽስተት እንታይ ኮን ይኸውን፧ መዓስ’ዩኸ ብኢሱ፧ እዚ ኽስተት’ዚ ኣብቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብፍላይ ስለ ምንታይ’ዩ ጐሊሕ ዝርአ፧ ናይ ወለዶ ሕቶ ድዩስ ወይስ ካልእ ምኽንያት ኣሎ፧ ዝብሉ ሕቶታት ድማ ይልዓሉ’ዮም። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከቢድን ተሃዋስን’ዩ። ካብ ተሃዋስነቱ ዝተላዕለ ድማ ገለ ገለ ሰባት ህዝቢ ምእንቲ ኸይቅየም ጥልቕ ኢልና እንተ ዘይኣተናዮ ይሓይሽ ዝብሉ ኣለዉ። ገለ ገለ ድማ እንትርፊ ፊት ንፊት ምግጣሙ ካልእ መዋጽኦ የለን   ምኽንያቱ ድማ እቲ ጕዳይ ሕጂ እንተ ደኣ ዘይተዘሪቡሉ ንሓዋሩ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። እዚ ሓተታ እምበኣር ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኽድህስስ’ዩ። እቲ ዕላማ ድማ ኻልእ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ግዱሳት ዜጋታት ክትዕ ንምቕስቃስ’ዩ።

 

እዚ ሓተታ’ዚ ንኣቀራርብኡ ምእንቲ ኽጥዕም ኣብ በበይኖም ንኡሳን ኣርእስታት ተወዲቡ ቀሪቡ ኣሎ። ነዞም ዝስዕቡ ድማ የጠቓልል፦ ኣብ ኤርትራ ንዝራአ ዘሎ ስቕታ ብኸመይ ከም ዝገልጾ፣ እቲ ናይ ፍርሒ ረቛሒ ስለ ምንታይ ከም ዝበኣሰ፣ ዝተፈላልዩ ወለዶታትት (ወለዶ ገድልን ዋርሳይን) ነዚ ብኸመይ ከም ዝርእይዎ፣ እቲ ዅነታት መወዳእታ ኽህልዎ ድዩስ ወይ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ፣ መዓስ ከም ዝቕየር፣ ሓደ ሕብረተሰብ ካብ ፍርሒ ዝገላገል እንታይ ምስ ዝገብርን ካብ ፍርሒ ናይ ዝተገላገሉ ህዝብታት ተመክሮ እንታይ ከም ዝመስል ምስ ናይ ኤርትራ ዅነታትከ ከመይ ዝበለ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ፣ 

 

ስቕታ ከም ተርእዮ ኣብ ኤርትራ

እንትርፊ ውሑዳት ፍሕሕታታት’ሞ ኣብ ሓጺር ግዜ በቲ ስርዓት ዝተጨፍለቑ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት በዳህቲ ዝኾኑ ኣብቲ ስርዓት ሻቕሎት ዝፈጠሩ ፍጻመታት ውሑዳት’ዮም። ካብዚኦም እዞም ዝስዕቡ ኽጥቀሱ ይኽእሉ፦ ናይ 1993 ናይ ተጋደልቲ ኣድማ፣ ኣብ 1994 ዝተኸስተ ናይ ስንኵላን ኲናት ሰላማዊ ምልዕዓል፣ ብጕጅለ 13 ዝፍለጥ ናይ ኤርትራውያን ምሁራን ኣቤቱታ፣ ብጕጅለ 15 ዝፍለጥ ናይ ፖለቲካዊ እረማ ምንቅስቓስ፣ ኣብ 2013 ብምንቅስቓስ ፎርቶ ዝግለጽ መንግስቲ ናይ ምእላይ ፈተነ፣ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝገበርዎም ጻውዒትታትን ናይ ቤት ትምህርቲ ኣኽርያ ምንቅስቓቃስን። ወላ’ኳ ስጡም ኣይኹን’ምበር ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዝተገብሩ ነቲ ስርዓት ዝብድሁ ምንቅስቓሳት ግን ቀለልቲ ኣይነበሩን። ኣድሚዕም ድዮም ኣየድምዑን ግን ካልእ ሕቶ’ዩ። 

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ ዘይንዓቕ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ግን ብውዱብ መልክዕ ተቓውሞኡ ብግሁድ ከስምዕ ኣይተርእየን። እዚ ነቲ ዝበጽሖ ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣደራዕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

 

እዚ ስቕታ’ዚ ባህላዊ ተቐባልነት ሃልይዎ ወይ’ውን ህዝቢ ረድዩ ዝተቐበሎ ኽስተት ኣይኮነን ኢሎም ዝምጕቱ ሰባት ኣለዉ።  እንታይ ደኣ ካብ ክቱር ስነ-ኣእምሮኣዊ ቍጽጽርን ርኡይ ፍርሕን ዝነቐለ’ዩ ይብሉ። እቲ ምጕት ይቕጽል’ሞ እዚ ኽስተት’ዚ ሳዕቤን ናይቲ ደይ-መደይ ተባሂሉ ንብምሉኡ’ቲ ሕበረተሰብ ንምብትታን ዝተሃንደሰ መዋቕራዊ ውዲት’ዩ ኢሎም ድማ የስምሩሉ።  በዚ ኮይኑ በቲ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ዝጠልብ ጕዳይ ምዃኑ ግን ኣይተርፎንዩ።   

 

ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰሉ ኽቱር ጭቆና ወይ ምልኪ ዝመለለይኦም ስርዓታት፡ ንስቕታ፡ ክውንነት ምኽሓድ፡ ተመሳሲልካ ምኻድን ወይ‘ውን ኣብ ክንዲ’ቲ ስርዓት ኴንካ ምጥባቕን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ከም ጠንቅታት ኮይኖም ዝግለጹ ብርክት ዝበሉ ረቓሒታት ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡- ሓያል መርበብ ስለያ መንግስቲ ዘኸትሎ ራዕዲ፣ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝተወስዱ ስጕምትታት ዝተፈጥረ ሓባራዊ ስንባደን (collective trauma) ከምኡ’ውን ነቲ ዅነታት ንምምኽናይ ተባሂሉ በቲ ስርዓት ለይትን መዓልትን ዝሰርሓሎም ትረኻታትን ኣብ ልዕሊ ህዝብ ዘሕድርዎ ጽልዋን። ኣብ ትሕቲ ብኸምዚ ዝልለ ሃዋህው፡ ውልቀ-ሰባት ካብ ከጋጥምም ዝኽእል ማሕበራዊ ግለላን ሕጋዊ ወይ ኣካላዊ መቕጻዕትን ሰጊኦም እምነታቶም ኣብ ውሽጦም ሓቢኦም ክንቀሳቐሱ ይመርጹ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኵሉ ተመሳሲሉ ይኸይድ ከም ዘሎ ኮይኑ ዝስምዖ እንተ ኾይኑ፡ ንዘይምእምእዎ ፖሊሲታት ብግህዶ ኽድግፍ ወይ ድማ ስቕታ ኽመርጽ ይርአ።  ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕብረተሰብ ድማ ርድየት (consent) ሰፊኑ ዘሎ መሲሉ ኽርአ ይኽእል። እዚ ግን መጋገዪ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ኻልእ ስለ ዝኾነ። 

 

ተራ ዜጋታት መንግስቲ ኣብ ዝውድቦም ኣጋጣሚታት (ፈስቲቫላት፡ ብዓላት፡ ሰሚናራት ወዘተ) ዝሳተፉሉ ምኽንያት ኣሚኖሙሎም ዘይኮነስ እታ ዝብህግዋ ብሕታዊት ሰላሞም ንምዕዳግ’ዩ። ነቲ መሪር ክውንነት ኽቕይሩ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ምስ ኣረጋገጹ ድማ ነቲ ዘሎ ዅነታት (status quo) ከም ቅቡል ጌርካ ምውሳድ ተመራጺ ኾይኑ ይረኽብዎ’ሞ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ንምክያድ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሶት ህይወት ክነብሩ ይግደዱ። ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ነቲ ዘሎ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊን ፖለቲካውን ስርዓት ናይ ምክልኻልን ምኽኑይ ናይ ምግባርን ጠባይ የማዕብሉ። ምስ ግዜ ግን ኣብ መንጎ'ቲ ካብ ፍርሒ ነቒልካ ኣትገብሮን ረዲኻ እትገብሮን ዘሎ ፍልልይ እናሃሰሰ ይመጽእ’ሞ ሕቶታት ከልዕሉ ይጅምሩ።   

 

ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ’ዮም ሰባት ስቕ ዝመርጹ፡ ዝኽሕዱ ወይ’ውን ምኽኑይ ንኽገበግርዎ ዝፍትኑ፧

ኣብ ኤርትራ ሲቪካዊ ማሕበረሰብን ብሕታዊ ፕረስን የለዉን። እቶም መዋቕራት ጸጥታ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታታትን ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ተዘርጊሖምን ተዋዲዶምን ይርከቡ። ብኣረዳድኣ ተራ ዜጋታት፡ ጐረቤት ድዩ መሳርሕቲ ወይ’ውን ዘመድ ንመንግስቲ ሓበሬታ ይህብ ድዩ ኣይህብን ብጭቡጥ ከረጋግጹሉ ዝኽእሉሉ መገዲ የብሎምን።  ክንዲ ኾነ ድማ ውልቃዊ ተቓውሞ ናብ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ንኽሰጋገር ዘሎ ተኽእሎ እናጸበበ ይኸይድ። ስለዚ’ምበኣር ስቕታ ርድየት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤታት ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታትን ንምድሓን ዝውሰድ ህልውናዊ ስትራተጂ’ዩ።

 

ህግደፍ ኣብ ትካላዊ ሕጋዊ ህልውና ኣይኣምንን’ዩ። ህልውናዊ መሰርቱ ዝኽሪ’ዩ። ህግደፍ፡ ንውርሻ ብረታዊ ቓልስን ናይ ምግዳል ባህልን’ዩ ዝምዝምዝ። ህልውንኡ ንምውሓስ ድማ ኣብ ትረኻ ግዳማዊ ስግኣት ይምርኰስ። ዝዝርግሖ ፕሮፓጋንዳ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዕምጸጻ ንምምኽናይ ንህልውናዊ ስግኣታት ናይ ደገ (ብቐንዱ ድማ ኣንጻር ናይ ኢትዮጵያ ወራር፡ ምዕራባዊ ኢድ ምትእትታውን ዞባዊ ተጻባእነትን) ብቐጻሊ ይጥቀመሉ። ንመንግስቲ ምውቃስ ከም ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘይኮነስ፡ ደም ስዉኣት ከም ምርኻስ ገይሩ የቕርቦ። እቶም ነቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ብዓሚቚ ዘኽብሩ ዜጋታት ድማ ነቲ ታሪኽ ዘሕስሩ ዘለዉ ኮይኑ ከይስምዖም ብምስጋእ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝፍጸም ተግባራት ኣቃሊሎም ይርእይዎ። ኣብ ዝኸፍአ ዅነታት ድማ ይኽሕድዎ።

 

ዝተፈላለዩ ወለዶታት መሰል ርእሰ-ውሳነ ንምውሓስ ረዚን መስዋእቲ ከፊሎም’ዩም። እታ ብውጽኢት’ቲ መስዋእትነት ዝተረኽበት ናጻ ሃገር ናብ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዕጹዋት ሃገራት ዓለም ምቕያራ ምቕባል ግን ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ እናኾነ እንከሎ ግን “እቲ ዅነታት ግዝያዊ’ዩ"፣ "ትዕግስቲ፡ ምጽማምን ዲሲፕሊንን ዝሓትት’ዩ"፣ "ኵነታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን እንተ ኾነ ካብ ናይ ኤርትራ ዝኸፍእ እንተ ዘይኮይኑ ኣይሓይሽን’ዩ” ብዝብል ምስምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ወጽዓ ከመኻንዩ ይርአዩ።

 

ኣብ ጕዳይ ኤርትራ ዝርአ ሓደ ፍሉይ ተርእዮ’ውን ኣሎ። ዘይንዓቕ ክፋል ናይቲ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ነቲ መንግስቲ ደገፉ ምሃቡ’ዩ። እዚ ኽፋል’ዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዘሎ ዜጋ መዓልታዊ ዘሕልፎ ዘሎ ጸገም (ደረተ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብመቝነን ዝዕደል ቀረብ፡ ቍጠባዊ ድስከላ) ይነብረሉ የለን።  ከምዚ ኮይኑ ኸብቅዕ ግን ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ከም መግለጺ ባህላዊ መንነት ገይሩ ይገልጾ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝተጻዕነ 2% ‘መሕወዪ’ ግብሪ ከምኡ’ውን ብቖንስላዊ ጕዳያት ዝግበር ጸቕጥን (ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ውርሻን ኣብ ኤርትራ ዘድልዩ ናይ ጕዕዞ ሰነዳትን) ዝይዳ ርድየት ንኽህሉ ጸቕጢ ይፈጥር።

 

እቲ ናይ ፍርሒ ረቛሒ ስለ ምንታይ ክሳብ ክንድዚ ብኢሱ ዘሎ፧

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዅነታት ንኽቕጽል ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ እቲ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘሎ ጐናዊ ምትእምማን ንምፍራስ ደይ-መደይ ኢልካ ስለ ዝስርሓሉ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓባራዊ፡ ውዱብን ኣድማዕን ስጕምቲ ንምውሳድ ዳርጋ ዘይከኣል ይገብሮ።

  

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ካብ ህዝቢ ሓበሬታ ንምእካብ ኣብ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ተክኖሎጂ ዝምርኰስ ኣይኮነን።  ስለያዊ ስራሓቱ ብዓቢኡ ብመገዲ ምምሕዳራት፡ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ሲቪልያዊ ኣገልግሎትን ብዝተዘርግሑ ናይ ሰባት መርበባት ኣቢሉ’ዩ ዝከናወን። ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣይጥቀምን ማለት ግን ኣይኮነነ። ከም መስመራት ተለፎንን ኢንተርነትን ምጥላፍ ልሙድ’ዩ።  ሓድሕዳዊ ምትእምማን ስለ ዝተዳኸም ድማ ዜጋታት ኣብ ውሽጦም ዝስምዖም ቅሬታታትን ዕቃበታት ብዘየገድስ ረድዩም ህይወቶም ክቕጽሉ ይመርጹ።

 

ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ፍርሒ ዝምድንኣዊ (relational) እዩ።  እቲ ስርዓት ንስድራ ቤታት ብተግባራት ውልቀ-ሰባት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ይገብር። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾብለለ መንእሰይ ስድራ ቤቱ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኽትከፍል ትግደድ። ኣብ ልዕሊ ወለዲ’ውን ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ይወርድ። ጥሪቶም ይሕበሳን እንሓንሳዕ ድማ ይውረሳን። ወጻኢ ካብ ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ስርዓት ብቖንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣቢሉ ናይ ውርሻን ኣብ ዓዲ ዘሎ ንብረትን መሰላትን ብምግሃስ ጸቕጢ ይፈጥር። እዚ እቲ ስግረ-ዶባዊ ዓመጽ እንብሎ ኽስተት’ዩ።

 

እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ዕምጸጻ መዋቕራቱ ንምምኽናይ ኣብ ዝኽሪ’ቲ ሓርነታዊ ቃልሲ’ዩ ዝምርኰስን ዝነብርን። ነቲ ታሪኽ ከም ምስምስ ብምቕራብ፡ ሕጋዊ ሞራላዊ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ገይሩ ንቐጻልነት ስልጣኑ የመኻንየሉን ይጥቀመሉን።   እቲ ዘዘውትሮ ኽቱር ፖለቲካዊ ቍጽጽር ድማ ብሰንኪ’ቲ ንኤርትራ ዘንጸላልዎ ዘሎ ህልውናዊ ሓደጋ ምዃኑ ንህዝቢ ኸእምን ይፍትን። ብዙሓት ዜጋታት ነዚ ትረኻ’ዚ ብምቕባል መንግስቲ ዝፍጽሞ ገበን ብዘየገድስ ስነ ኣምሮኣዊ ሩፍታ ንኽረኽቡ ይጥቀሙሉ።  ንዘጋጥሞም ስነ-ኣእምሮኣዊ መዋጥር ምእንቲ ኸዝልቀሎም። 

  

ወለዶኣዊ ጋግን ኣብ ዲስፖራ ዝማዕብል ተቓውሞን 

እቲ ስርዓት ብጕልባብ ሓርነታዊ ተጋድሎ ከስርጾ ዝፍትን ሞራላዊ ተቐባልነት ኣናሃሰሰ መጺኡ’ዩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ’ውን እዚ ስቕታ’ዚ ይዳኸም ኣሎ። ኣብ መንጎ’ቲ ብዕድመ እናደፍአ ዝኸይድ ዘሎ ወለዶ ገድልን እቲ ኣብቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ዘሎ ወለዶን ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ረጽሚ ኸኣ ንኸም ሰማያዊ ማዕበል ዝኣመሰሉ ምንቃስቓሳት መንእሰያት ንኽፍጠሩ ጠንቂ ኮይኑ። ነቲ ንነዊሕ እዋን ክኸይድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መንግስቲ ዝብህጎ ዅነታት’ውን መዋቕራዊ ነቓዓት ኣስዒቡሉ።  

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ወለዶታት ጋግ፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ኣብ መንጎ ወለዶ ቃልስን ወለዶ ዋርሳይን ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ዝዓበዩ ወሰንቲ መዋቕራዊ ነቓዓት ሓደ’ዩ። እዚ ፍልልይ’ዚ ኣብ ዕድመ ተሓጺሩ ዝተርፍ ጕዳይ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ (ወለዶ ገድሊ ይኹን ወለዶ ዋርሳይ) ብዘሳስዮም ነናይ ባዕሉ ዝኽርታት፡ ምስቲ ስርዓት ዘለዎም ዝምድናን ከምኡ’ውን ብዛዕባ መስዋእትን ዜግነትን ዘለዎም ዝተፈላለዩ ርድኢታት’ውን ይግለጽ’ዩ። 

 

እዞም ርድኢታት እንታይ ይመስሉ፧

ስነ-ምግባር ገድሊ ብመንጽር ጭቡጥ ኵነታት ሳዋ፡- ወለዶ ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ መንነቱ ካብቲ ኣብ ድፍዓት ኵናት ዝማዕበለ ማዕርነታዊ ምትእስሳር’ዩ ኣጥርይዎ። ናይዚ ጕጅለ’ዚ መለለዪ ባህርያት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፦ ጽኑዕ ዲሲፕሊን፡ ብሕታዊ ረብሓኻ ንረብሓ ብዙሓት ምስዋእ፡ ከምኡ’ውን ዕሙት ምእዙዝነት ንመሪሕነት። እዞም ባህርያት’ዚኣቶም ነቲ ብዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ዝድገፍ ዝነበረ ጸላኢ ንምስዓር ዘድልዩ ተግባራውያን ጠለባት’ዮም ነይሮም ክበሃሉ ይከኣሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህግደፍ “መዓንጣና ሸጥ ከነብል ኣለና” “ክተት” ኢሉ መጸዋዕታ ኽገብር እንከሎ’ምብኣር፡ እዚ ወለዶ’ዚ ነቲ መጸዋዕታ ብስነ-ምግባራዊ መነጽርን ታሪኻዊ ቐጻልነትን ገይሩ’ዩ ዝርእዮ። ወለዶ ድሕሪ-1998 ግን እቲ ስርዓት ንዝጠልቦ ዲሲፕሊን ከም ንሓባራዊ ጕዕዞ ሓርነት ዘገልግል መጸዋዕታ ዘይኮነስ ከም ደረተ-ኣልቦ መንግስታዊ ባርነት ገይሩ’ዩ ዝገልጾ። ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብምእታው ዝጀመረ ህይወቱ፡ ትሑት ደሞዝ፡ ዝማህመነ ዕድላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሑ ምስ ሃንቀውታቱ ዘይሳነዩ ምደባታት ስራሕ ይቕጽል። እቲ ወለዶ ገድሊ ነዚ ከም ምጽማምን ጽንዓትን ገይሩ ከቕርቦ እንከሎ እቲ መንእሰይ ግን ከም ትካላዊ ምዝመዛ’ዮ ዝርእዮ።

 

ልኡላውነት ኤርትራን ዝተወንዘፈ ህይወት መንእሰያትን፦ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ወለዶ ገድሊ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ብምርግጋጹ ከም ዝለዓለ ፖለቲካዊ ዓወት ገይሩ’ዩ ዝጽብጽቦ። ዘይነዓቕ ክፋል ናይዚ ወለዶ’ዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ጭቆና፡ ዕጹው ዶባትን ሕጽረታትን፡ ከም ካልኣዊ ጸገማት ገይሩ’ዩ ዝርእዮም። ምስቲ ህልውናዊ ስግኣት ኣለና ዝብሎ ኽስተት ከነጻጽሮ እንከሎ ድማ ሩፍታ ይፈጥረሉ። ነቲ ድሕሪ-1998 ዝመጸ ወለዶ ግን፡ ልኡላውነት ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘስተንፈሶ መሰረታዊ ሓቂ ገይሩ’ዩ ዝርእዮ። ካልእ ስለ ዘይፈልጥ። መረርኣኡ ድማ ምስ ብኵራት ውልቃዊ ናጽነትን ናይ ምውሳን ዕድልን ዝተተሓሓዘ’ዩ። ዘይንዓቕ ክፋል ናይዚ ወለዶ’ዚ ከም ካብ መርዓ፡ ሞያዊ ዕብየት፡ ምውናን መንበሪ ቤት፡ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ ዝኣመሰሉ መሰላት ተሓሪሙ’ዩ። ንዝሸምገሉ ወለዲ ምእላይ’ውን ዓቕሚ የብሉን። እቲ መንግስቲ "ደም ስዉኣት" እናበለ ዝገብሮ ምሕጽንታታት ንዕኣኡ ትርጕሙ ዘህሰሰ ዝኸይድ ዘሎ መጸዋዕታ’ዩ። እቲ መንግስቲ ኽቱር ስለ ዝጥቀመሉ ኸኣ ኣሰልቺዎ’ዩ። 

 

"ድምጺ" ኣንጻር "ስደት"፦ ዘይንዓቕ ክፋል ወለዶ ገድሊ ብሓፈሻ ንመንግስቲ ዘይቅድመ-ኵነታዊ ደገፍ ክህብ ይርአ።  ናብ ስቕታ ገጹ’ውን ይዘዙ። ነዛ ሃገር ንምህናጽ ስለ ዝተቓለሰ፡ ብግህዶ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምስማዕ ነቲ ናይ ምሉእ ህይወቱ ዕማም ከም ምኽሓድ ኮይኑ ይስምዖ። ወለዶ ዋርሳይ ግን ድምጹ ንኸስምዕ ኵሎም መስመራት (ናጻ መድያ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ወይ’ውን ተኣኪብካ ምዝታይ) ስለ ዝተዓጽዎ፡ ዓዲ ለቒቕካ ምኻድ ወይ ንስደት ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ይርእዮ። 'ክትቀትል ተኵስ' (shoot to kill) ዝብሉ ትእዛዛትን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ዝካየዱ መስመራት ንግዲ ደቂ-ሰብ ብዘየገድስ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ሓደጋ ብዘንጸላልዎ ስግረ-ዶብ ሃገር ለቒቖም ተሰዲዶም’ዮም። ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዘለዎም ቅሬታ ድማ ኣብ ሳጹን ድምጺ ዘይኮነስ፡ ብስደት’ዮም ዝገልጽዎ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ’ዩ ኤርትራውያን መንእሰያት   በእጋሮም’ዮም ዘድምጹ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ዝዝረበሉ። 

 

ይኹን’ምበር፡ ስደት ነቲ ፖለቲካዊ ረጽሚ ኣየህሰሶን። ኣብ ክንድኡስ ናብ ወጻኢ ደኣ ኣሰጋገሮ። እቶም ድሕሪ-1998 ንስደት ዘምርሑ መንእሰያት ምስቶም ኣብ 1970–1990ታት ዝተወደቡ’ሞ ባህላዊ ፈስቲቫላት ክጽንብሉን 2% ግብሪ ዲያስፖራን ክድግፉን ዝጸንሑ ዲያስፖራ ኣብ ረጽሚ ኣተዉ። እዚ ረጽሚ’ዚ ድማ ነቲ ብሰማያዊ ማዕበል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ፈጢሩ። እቶም መንእሰያት በቲ ገስጋስ ዘይገበረ ንዓሰርተታት ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካ ተቓውሞ ተበሳጭዮም ነቲ ናይቲ ስርዓት ቍጠባውን ፖለቲካውን ምንጪ ንምፍራስ ቀጥታዊ ስጕምቲ ኽወስዱ ጀመሩ። ኣብ መላእ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝካየዱ ብመንግስቲ ዝድገፉ ፈስቲቫላት ንምዕጻው’ውን ፈተነታት ገበሩ። “ዲያስፖራ ዘይነቅዕ ደጋፊ ስርዓት” ንዝብል ብሂል’ውን ከምክንዎን ከበርዕንዎን ፈቲኑ።  

 

ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ዘሎ ናይ ወለዶታት ፍልልይ ጐሊሑ ይርአ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ምፍንጫል ኣብ ማሕበረ-ሰባት ዲያስፖራ’ውን ብዝሓየለ መልክዕ ይድገም ኣሎ። መብዛሕቲኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ዲያስፖራ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝሰፈሩ’ዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንሳቶም’ዮም ንማእከላት ማሕበረ-ኮምት፡ ፈስቲቫላትን ምስ ህግደፍ ዝተኣሳሰሩ ማሕበራትን ዝቘጻጸርዎም። ንሳቶም ነቲ ስርዓት ካብ ማዕቀብ ወይ ካብ ዞባውያን ተጻባእቲ ምክልኻል ከም ሃገራዊ ግዴታ ገይሮም’ዮም ዝርእይዎ። እቶም ድሕሪ-1998 ዝተሰዱ መንእሰያት ግን ካብቲ ደረተ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መዳጎኒ ማእከላትን ዘስዓቦ ቐጥታዊ ስንባደ ዝሃደሙ’ዮም። ነቲ ዘመናዊ መንግስታዊ ጭቆና ድማ ብዘይ ሕብእብእ ይገልጽዎን ይምክትዎን። እዚ ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ መንጎ’ቶም ደገፍቲ’ቲ ስርዓትን ተቓወምቲ መንእሰያትን ሓያል ምትፍናንን ምፍልላይን ፈጢሩ ኣሎ። እዞም መንእሰያት ነቶም ፈስቲቫላት ካብ ክውንነት ዝረሓቑን ከም ምስቲ ስርዓት ምትሕብባርን ገይሮም’ዮም ዝርእይዎምን ዝገልጽዎምን።

 

እዚ ናይ ወለዶታት ጋግ ንመጻኢ ኤርትራ ዓሚቚ ፖለቲካዊ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ (conundrum) ይፈጥር ኣሎ። ስነ-ሓሳባ ወፍሪ ልምዓት ዋርሳይ-ይካኣሎ፡ ነቲ ናይ ይካኣሎ (ገድሊ) ዲሲፕሊን ከም ዘለዎ ናብ ዋርሳይ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ’ዩ። ከምኡ ክንዲ ዝኸውን ግን ነቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተነጽሎ’ዩ ኣቀላጢፍዎ። ብዙሓት መንእሰያት፡ ንዜግነት ማለት ምስ ደረተ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና የተሓሕዝዎ። እቲ ወለዶ ገድሊ ብዕድመ እናደፍአን ብሞት እናተፈልየን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድማ እቲ መንግስቲ ናይ ምትኽኻኣ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ኣሎ። እቲ ናይ ድሕሪ-1998 ወለዶ ከም ኣያታቱ ስነ-ሓሳባዊ ናፍቖትን ምምጽዳቕን ኣይፈልጦን’ዩ። ኣብ ርድየት ዝተመርኰሱ ኣማረጽቲ ምሕደራዊ ተኽእሎታት ንኸይድህስስ ድማ ሲቪካዊ ባይታ ኣይረክብን። እዚ ወለዶ’ዚ እምበኣር ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ተቐርቂሩ ኣብ ዓቢ ቅልውላው’ዩ ይርከብ።  

 

እቲ ዅነታት እናብኣሰ ኽኸይድ’ዩ፧ 

ሓደ ሓደ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ መብዛሕቴኡ ግዜ ኣብ መፈንጠራ ነዊሕ ስቕታን ፍርሕን ዝጸንሑ ሕብረተሰባት ብደፋእታን መስመራውን (linear) ብዝኾነ ገስጋስ ኣይኮኑን ካብ መጻወድያ ዕምጸጻ ዝገላገሉ። ኣብ ክንድኡስ፡ ብሃንደበታውን ዘይመስመራውን ናይ ለውጢ ፍጀራታት ኣቢሎም’ዮም ዝገላገሉ። ብዓይኒ ታሪኽ ክርአ እንከሎ፡ ሕልፍ ዝበለ ወተሃደራዊ ምሕደራ፡ ሓያል ስለያዊ መዋቕርን ወለዶኣዊ ምድኻም ወይ ምስልቻውን ዘጋጥሞም ሕብረተሰባት፡ ንጽልዋ ሽቝረራን ፍርሒ ብዝተፈላለዩ መገድታት’ዮም ዝስዕርዎ። 

 

ሓደ ምልካዊ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝቐጸለ ከም መርትዖ ናይ ዘልኣለማዊ ህላወኡ ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኽህሉ ይኽእል’ዩ። እዚ ካብቲ ምልካውያን ስርዓታት ክሳብ’ታ ዝወድቁላ ህሞት ዘይነቕዑ መሲሎም ዝረኣዩ ዝብለ እምነት ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ እንዕዘቦ ዘለና ምልካው ስርዓተ-ምሕደራ’ውን እናደልደለ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ክንድኡስ፡ መሰረታቱ እናተባሕጐጐን እንተዳኸመን’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፦

 

ወፍሪ ዋርሳይ-ይካኣሎ ብሰፊሑ ብጃምላዊ ስደት መንእሰያት ተነጺጉ’ዩ፣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ብልምዲ ዝጸንሐ መንግስታዊ ቍጽጽርን ትርኻን ብኸም ሰማያዊ ማዕበልን ይኣክልን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ተበዲሁ’ዩ፣ እቲ ፍርሒ ዝመበቈሉ ውሽጣዊ መልመስቲ’ውን እናተሰብረ ኣብ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዝተሓጽረ እዚ ሰንሰለት ከም ዝሕጸር ኮይኑ’ዩ።  ናይቲ ስርዓት ምርግጋእ ካብ ፖለቲካዊ እረማ ወይ ሕደሳ (renewal) ንላዕሊ ኣብ ዘለዎ ደው ናይ ምባልን (ኣብ ደውታን) ነቲ ጭቆና ኣብ ምቕጽልን ዝተመርኰሰ’ዩ። እቲ ዅነታት ግን ከም ዘለዎ ኽቕጽል ዘይሕሰብ’ዩ። 


እቲ ወግሐ-ጸብሐ በቲ ስርዓት ዝዝርጋሕ ትረኻ ሓርነት፡ ነቲ ብዛዕባ ልኡላዊት ኤርትራ እንኮ ዝኽሪ ዘለዎ መንእሰይ ከተእምኖ ኢላካ ምእማን እሸጋሪ’ዩ። ዝኽርታቱ ግዱድ ጉልበት፡ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ምብትታትን ስድራ ቤታትን ጥራይ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ነቲ ትረኻ ብዙሕ ዋጋ ኣይህቦን። መስዋእትነት ከም ባርነት እናተሰምዖ እንከሎ፡ ንመስዋእትነት ክወርሶ ዘይሕሰብ’ዩ።

 

ስልጣን ኣብ ቍጽጽር ፕረሲደንትነትን ኣብቶም ብዕድመ እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ዝተባሕተ’ዩ።  ብሰሪ’ቲ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ንምግታእ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ጓንጓ ትካላት፡ እቲ ስርዓት ንጹርን ተተንባይን ስልጣን ናይ ምትኽካእ ኣልያ ወይ ኣገባብ የብሉን።  እዚ ጕጅለ’ዚ ብባህርያዊ ምኽንያታት ካብቲ ፖለቲካዊ መልክዓ-መሬት ኣብ ዝእለየሉ ህሞት ድማ ቀጥታዊ መዋቕራዊ ባዶሽ ክፈጥር’ዩ።

 

ምሕያል ናይቶም ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ዘረጋግጾ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ዜጋታት ካብቲ ዘቤታዊ መዳጐኒ ማእከላት እንተ ደኣ ሓንሳብ ተገላጊሎም፡ እቲ ናይ ፍርሒ ረቛሒ ናብ ሓባራዊ ቝጥዐ ኽቕየር ከም ዝኽእል’ዩ። ዘላቕነቱ ንምውሓስ ግን ብርቱዕ ስራሕ የድልዮ። 

 

ካብ ሰብኣዊ ጸጋታት ዝተሓረመ ዕጹው ቍጠባ፡ መሰረታዊ ድልየታት ህዝቢ ንምምላእ ኣይክእልን’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣብ ህይወቱ ዕግበት ዘይብሉ ህዝቢ ባዶ ትረኻታት ተመጊቡ ንሓዋሩ ኽቕጽል ዘይከኣል’ዩ።  እዚ ንባዕሉ ናይ ለውጢ ድርኺት ክፈጥር’ዩ።

 

ካብ ፍርሒ ንምውጻእ ዝተወስዱ ዝተፈላለዩ መገድታት፡ ታሪኻዊ ኣብነታት

እቲ ብናይ ዓረብ ጽድያ (Arab Spring) ዝፍለጥ ናዕቢ፡ ሕብረተሰባት ዕርድታት ፍርሒ ንምስባር ካብ ዘካየድዎም ናዕብታት ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተርኣየ ዝዓበየ ፈተነ’ዩ። እቲ ካብኡ ዝርከብ ምህሮ ንኤርትራ ኣገዳስን ዓሚቝን’ዩ። እቲ ናዕቢ፡ ፍርሒ ቀዋሚ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ግን ነቲ ፍርሒ ምስባር ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ጥራይ ምዃኑ’ውን ኣርእዩ’ዩ። ዘድሊ ምቅርራብ እንተ ደኣ ዘይተገይሩሉ፡ እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ምዕባለ መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ እተሓላለኸን ሓደገኛን ኮይኑ ኽመጽእ ይኽእል።

 

እብ ቱኒዝያ (2011 ዓ.ም.) ብምኽንያት ርእሰ-ቕትለት (ንነፍሱ ሓዊ ብምቅጻል’ዩ ፈጺምዎ) ናይ ሓደ ነጋዳይ ጽርግያ፡ ንመላእ ሃገር ዝሓቖፈ ህዝባዊ ናዕቢ ተፈጂሩ። እቲ ነጥበ-መቐይሮ ግን እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓወምቲ ብረቱ ንኸየቕንዕ መርገጺ ምስ ወሰደን ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ምስ በለን’ዩ ተራእዩ። ከም ሳዕቤን ድማ ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ሃገር ለቒቑ ኽወጽእ ተገዲዱ። እዚ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ዕድመ ሓደ ስርዓት ኣብ ምንዋሕ ይኹን ኣብ ምሕጻር ወሳኒ ግደ ኽህልዎም ከም ዝኽእል ዘጕልሕ መርኣያ’ዩ።  እዛ ሓንቲ ፍጻመ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተዋህለለ ቅሬታን ጓህን ዘቃጸለት ማሕታ ኮይና ተረኺባ። ንውልቃዊ ተስፋ-ምቑራጽ ድማ ናብ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ኣሰጋጊራቶ። 

  

ኣብ ቺለ፡ ብስወራ ሰባት ዝፍለጥ ናይ ፒኖሸ ጨካን ወተሃደራዊ ምልኪ ኣብ 1998 ዓ.ም. ወዲቑ።  እቲ ተቓውሞ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያቱ ንጐን ገዲፉ “ኣይፋል" ኣብ ዝብል ወፍሪ ተጸምደ። ብዘይ ደማዊ ሓድሕድ ኲናት ድማ እቶም ወተሃደራት ትካላዊ ስግግር ንኽርዕሙ ኣተባብዖም። ከም ቺለ፡ ዝኾነ ይኹን ካብ ፍርሒ ሓራ ዝኾነ መድረኽ ስግግር ዝትግበር ካብ ቍጥዐ ተሳጊርካ ናብ ሓባራዊ ትካላዊ ራእይ ምምራሽ ይሓትት። እዚ ድማ ነቶም ንመንግስቲ ዘገልገሉ ዝነበሩ ወገናትን ሓዊስካ ተሓታትነት ናብ ሕነ-ምፍዳይ ዝመልኦ ዕግርግር ከም ዘይቅየር ምርግጋጽ የጠቓልል።

  

ኣብ ሩመንያ እቲ ብቻውሸስኩ ዝምራሕ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓተ-ፖሊስን ብሓያል ሰለያዊ መዋቕርን ናይ ዓጸቦ ቍጠባን ይልለ። ንሓደ ተቓዋሚ ፓስተር ንምክልኻል ዝተገብረ ዘቤታዊ ጻዕሪ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ሓደ ዘይዕገት ሃገራዊ ናዕቢ ተቐይሩ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ከኣ እቲ ሰራዊት ነቲ ስርዓት ከደዖ። እቲ ስርዓት ድማ ቅልጡፍን ጐነጻውን ውድቀት ኣጋጠሞ።

 

ኣብ ፖርቱጋል ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝቐጽል ዝነበረ መወዳታ ዘይብሉ መግዛእታዊ ዂናት፣ ደረት ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ጃምላዊ ስደት መንእሰያትን እቶም ዝሰልቸዎም ንኣሽቱ መኰንናት ናይ ዕጡቓት ሓይልታት ምንቅስቓስ መስረቱ። ብሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ድማ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ገልበጥዎ። ከምቲ ተመክሮ ፖርቱጋል ዘምህረና፡ ኤርትራ’ውን ንቑጠባ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ዘእትዉ (ዕስክራናን ስደት መንእሰያትን) ኵነታት ተሸሚማ ትርከብ። እቲ ቐንዲ መዋቕራዊ ድኽመት ድማ ኣብ መንጎ’ቶም ዕድመ ዝደፍኡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን እቶም ውሑድ ደሞዝ ዝኽፈልዎም፡ ጠመንጃ ዝዓጠቑን ታሕተዎት መኰንናትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘሎ ዝምድና’ዩ።

 

መዓስ’ዩ እቲ ነጥበ መቐይሮ ዝመጽእ፧

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ፍርሒ ብሓንሳብ ኣይኮነን ዝቕንጠጥ። ብዘገምታን ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓደ ብዝውህለል ሰንሰለታዊ መልሰ-ተግባርን ደኣ። ነዚ ብዝምልከት ተመራመርት ሓያሎ መዋቕራዊ መበገሲታት የለልዩ፦

 

ድምጽኻ ምስማዕ ወይ ምቅዋም ዘስዕቦ ዋጋ (ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ዝወርድ ፍድያ ሕነ) ካብቲ ስቕታ ዘስዕቦ ዋጋ ዝኸበደ’ዩ። እቲ ነጥበ መቐይሮ ዝመጽእ፡ ስቕታ ንባዕሉ ድሕነት፡ ቍጠባዊ መጻኢ ይኹን ክብረት ከምጽእ ከም ዘይክእል ህዝቢ ኣብ ዘረጋገጸሉ ህሞት’’ዩ። ሰባት ካብዚ ንደሓር ዝኸስርዎ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየለየ የስተብህሉ። ጽልዋ ናይቲ ዕምጸጻን ምፍርራህን ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀም መንግስቲ ድማ እናነከየ ይኸይድ። 

 

ደቂ-ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ንበይኖም ተነጺሎም ከም ዘለዉ ክሳብ ዝኣመኑ፡ ተገዛእቲ ኮይኖም ክጸንሑ ንቡር’ዩ። ዝኾነ ዝኽሰት ህዝባዊ ተቓውሞ ንሓንሳእ’ውን ይኹን ብተግባር ተራእዩ ከይተደምሰሰ ምስ ተረፈ ግን ንለወጢ ዘለዎም ተስፋ ሰማይ ይዓርግ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ንውድቀት ኢህኣደግ ጠንቂ ዝኾኑ ረቋሒታት፡ እቲ ብቔሮ ዝፍለጥ ናይ ኢትዮጵያውያን መንእስያት ምንቅስቓስ’ዩ። 

  

ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰሉ ሃገራት፡ እቲ ስርዓት ነቲ ውሽጣዊ ጭቆና ሕጋዊ ንምግባር ኣብ ህልውናዊ ምክልኻል’ዮ ተጸሚዱ ዝርከብ። እንተስ ብዲፕሎማስያዊ ለውጢ፡ ናይ ሰላም ጻዕርታት ወይ ብናይ ወለዶ ምስልቻው እቲ ናይ ስግኣት ትረኻ ተቐባልነቱ ምስ ዝስእን ድማ እቲ መንግስቲ ንውሽጣዊ መንግስታዊ ቝጽጽር ንምቕጻል ዘቕርቦ ዝነበረ ምስምስ ይምህምን።

 

ብውልቀ-ሰብ ዝምርሑ ምልካውያን ስርዓታት፡ እቲ ውልቀ-መላኺ ብዕድመ እናድፍአ ምስ ዝኸይድ’ሞ ትካላዊን እሙንን ዝኾነ ናይ ስልጣን ስግግር ኣልያ ወይ ኣሰራርሓ ከየዋደደ ኽመውት እንከሎ ከቢድ ተሳጣሕነት የጋጥሞም። እቲ ዘይስዓር ዝመስል ዝነበረ ግርማ ይበንን። ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ውሽጣዊ ዘይምቅዳው ይጅምር። እቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ኣዘዝቲ ድማ ኣብ ዘይተረጋገጸ ዅነታት ትእዛዛት ካብ ምትግባር ይሕንግዱ። 

  

ሓደ ሕብረተሰብ ካብ ፍርሒ ብኸመይ የገላገል፧ 

ንሓደ ሕብረተሰብ ካብ ፍርሒ ንኽላቐቕ ዝሕግዙ ረቛሒታት ኣለዉ

ሓይልታት ጸጥታ ናይ ምሕንጋድ ምልክት ከርእዩ እንከለዉን ማእከሎትን ታሕተዎትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣኽበርቲ ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቦም ብረቶም ምቕናዕ ዘየዋጽእ ኮይኑ ኣብ ዝረኽቡሉ እዋንን እቲ ሰንሰለት'ዚ ይበጣጠስ። 

 

ህዝብታት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ዝፈልጥዎ ጨቋኒ ስርዓት ዝዕገስዎ፡ ካብቲ ብድሕሪ ለውጢ ኽመጽእ ዝኽእል ዘይፈልጥዎ ‘ነገር’ ካብ ዘለዎም ስግኣት ተደሪኾም’ዮም። ብፍላይ ድማ ድሕረ ውድቀት’ቲ ስርዓት ሓድሕድ ኲናት ወይ ስርዓተ-ኣልቦነት ከይመጽእ ስግእት የሕድሩ። እቲ ስግግር ስልጣን ኣብ ክንዲ ህውከት፡ ሕግን ስርዓት ዘምጽእ ምዃኑ ምስ ዘረጋግጹ ግን ናይ ፍርሒ ስምዒቶም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ይቕንጠጥ። ኣብዚ ኸኣ’ዩ ስጥመት ናይቲ ብዲያስፖራ ዝምራሕ ምንቅስቓሳትን ንጹር ራእይን ዝገዳሲ ዝገብሮ። 

  

ምልካውያን ስርዓታት ቀጻልነት ዝረኽቡ፡ ንትሕተ-ሃገራዊ (ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ናይ ወለዶ) ምትእኽኻባት መዝሚዞም ሓደ ኣንጻር’ቲ ካልእ ከም ዝራጸሙ ብምግባር’ዩ። ደለይቲ ለውጢ ዘበሉ ኵሎም ኣብ ሓደ ዝወሓደ ፕሮግራም (ምብቃዕ ፍጹም ምልካዊ ምሕደራን ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓትን) ምስ ዝሰማምዑ ግን እቲ ናይቲ ስርዓት "መቓቒልካ ግዛእ" ዝብል መሳርሒ ይዳኸም። 

 

ምህሮታ ንኤርትራ

ኣብ እዋን ስግግር፡ እቲ ሲቪልያውን ወተሃደራውን መዋቕር ከም ሓደ ነቓዕ ዘይብሉ ኣካል ኮይኑ ኽቐርብ ኣይግባእን።  ብኣንጻሩ፡   ብሓደ ርኡይ ውሽጣዊ ናይ ነቓዕ መስመር’ዩ ዝለለ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ’ቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ላዕለዎት ኣዘዝትን ንኣሽቱ መኰንናትን ዘሎ መዋቕራዊ፡ ቍጠባውን ስነ-ምግባራውን ጋግ ይግለጽ።

  

ህልውና ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ህልውና ናይቲ ስርዓት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ዝተፈላለዩ ቝጠባዊ ሓለፋታት ኣለዎም። ከምኡ’ውን ብሰንኪ ዝፈጸምዎ ግህሰታት ብሕጊ ተሓተትቲ ኽኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ማእሰርቲ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘጥረይዎ ሃብቶም ምህጋር፡ ወይ’ውን ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ክስተት የጋጥሞም’ዩ።  ብዘይካ’ዚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምዕቃብ ጐነጻውን ስጕምቲ ኽውሰዱ ድሕር ኣይብሉን’ዮም። ብኣንጻሩ፡ እቶም ታሕተዎት መኰንናት ትሑት ደምዝ፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ናይ ሞያዊ ዕብየት ድስከላን ማሕበራዊ ተነጽሎን የጋጥሞም’ዩ። ንቡር ሲቪላዊ ህይወት፡ ሞያዊ ዕቤት፡ ወይ ካብ ግዱድ ኣገልግሎት ሓራ ብምውጻእ ይረብሑ’ዮም። ኣብ ልዕሊ መሳቱኦም፡ ስድራቤቶም ወይ መዛኑኦም ብረቶም ምቕናዕ ናይ ምእባይ ዝንባለ’ውን ኣለዎም።  

  

ክንዲ ዝኾነ ድማ ምልካውያን ስርዓታት ክወድቁ ወይ ስግግር ከካይዱ እንከለዉ፡ እቲ መበገሲ ማሕታ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ክድዓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣይኮነን ዝብገስ። እንታይ ደኣ ትእዛዝ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ንታሕቲ ኽወርድ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ዝመጽእ።

  

ኣብ ክላሲካዊ ክልሰ-ሓሳብ ስግግር፡ እቲ ነጥበ-መቐይሮ ዝኽሰት፡ መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ሰንሰለት'ዚ ኽብተኽ እንከሎ’ዩ።   ሓደ ስርዓት "ክትቀትል ተኵስ'’ ዝብል ኣዋጅ ከውጽእ ይኽእል’ዩ። እቶም ታሕተዎት መኰንናት ግን ነዞም ትእዛዛት ምፍጻም ተሰከምቲ ገበን ክገብሮም ከም ዝኽእል ምስ ዝርድኦም’ሞ ምስ ዝሕንግዱ ዕምሪ’ቲ ስርዓት ንዕለቱ ይሓጽር።  

 

መደመደምታ

እቲ ንኤርትራ መለለዪኣ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቕታ ብዕግበት ወይ ርድየት ህዝባ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ብብርቱዕ ሽበራ፡ ጐናዊ ምጥርጣርን ብኵራት ማሕበራዊ ምትእምማንን ኣብቲ ህዝቢ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ኽስተት’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣሉታዊ ምቍጽጻር ዝተሃንጹ ስርዓታት ምስ ግዜ ዓነውቲ ምዃኖም ታሪኽ ኣረጋጊጹ’ዩ።

  

እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እናደልደለ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ናይ ነፍሰ-ምክልኻል ተግባራት’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ነቲ ዘሎ ዅነታት ንምዕቃብ ዘስዓቦ ፍርሒ ካብቲ ንዕኡ ንምግጣም ዘስዕቦ ፍርሒ ኣብ ዝዛይደሉ እዋን እቲ ነቲ ዓሚቚ ትካላዊ ድኻም ዝኽውል ዝነበረ ገጽ ዘቃላዕ ኵነታት ምፍጣሩ ድማ ዘተርፍ’ዩ።   

 

ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ኽንሰግሮ ዘይንኽኣል ሓቂ ኣሎ። ኵሉ’ቲ ዘይወግሕ ዝመስሎ ዘሎ ዜጋ፡ ኣብታ "ድሕሪ ፍርሒ" እትምስረት ፍትሓዊትን ቅዋማዊትን ኤርትራ ነታ መስመር ሓቂ ኽርዕማ’ዩ። ብዝኣበሶ ኽጥዓስ’ዩ። ነቶም ብሰሪ ሓቂ ምዝራቦብ ክግልሎም ዝጸንሐ ዜጋታ ድማ ከጸንብሎም’ዩ።

 
 
 

2 Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
ANTONIO TESFAY
Sep 24
Rated 4 out of 5 stars.

ሰላም ነባር ተጋዳላይ ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን፡ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ድሕነት ህላውነት ቀጻልነት፡ክትብል ቅድም ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት፡ ድሕሩ ንሓርነቱ ተኸላኺሉ ብልጽቲ ዲሞክራሲያዊት ፍትሓዊት ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ሓያል ቃልሲ ተጸሚድካ ዝወፈኻዮ ዳግማይ ተሪር መስመር ፍትሓዊ ቃልሲ ብቀሊሉ ዘይግመት ግዜን ጉልበትን ገንዘብን ዝሓለፎ እዩ።

እዚ ዓሙቕ ተሞክሮ ንዕላማ ጭኮና ዝኾነ ኣብ መነጽር ዝኣተወ ህዝብና፡ ኣብ እዝኑን ቅድሚ ዓይኑን ከይዱ ከይዱ ከኣ ኣብ ሕልንኡ ክኣቱ ብዝኽእል ብልሓትን ክእለትን "ስቕታ"ድንቒ ስርሓት ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ሎሚ ከኣ በቲ ዓብይ ድኽመት፡ ንፍትሓዊት ሃገር ንምቛም ዝተደናጎየ ቀይዱ ሒዙና ዝጸንሐን ዘሎን ተግባራትን ኣተሓሳስባን ኣርእስቲ ምዃኑ ጠቒስካ።ኣዝዩ መሃርን ግን ከኣ ምረት ዘልዎ ሰላሕታ ንዘይተርፍ ውድቐት ዝፍውስ ፡ን ትንሳኤናን ሕውየትናን ዝሕግዝ እዋናዊ ኣርእስቲ እዩ።

ክብረት ይሃበልና

ሓውኻ ኣንቶንዮ ተስፋይ

ስቶክሆልም ሽወደን

Edited
Like
Semere
Sep 24
Replying to

ሓው ኣንቶንዮ፡ ክብረት ይሃበለይ።

Like
bottom of page