ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና መገዲ፡ ንውሕሉል ምሕደራ ስርዓተ-ዞባ ዘገልግሉ ገለ ገለ እማመታት ንኤርትራ

ብዕለት 28 ነሓሰ 2026 “ተለዋዋጢ ዅነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሓተታ ኣቕሪበ ኸም ዝነበርኩ ዝዝከር’ዩ። ብርክት ዝበሉ ነቲ ሓተታ ዘስተማቐርዎ ኣንበብቲ፡ ካብ ጠቓምነቱን እዋናውነቱን ዝተላዕለ፡ ቍሩብ ስፍሕ ኢሉ ኽቐርብ ንዝብሃቡኒ ምሕጽንታ መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ከም መቐጸልታ ናይቲ ጽሑፍ ኮይኑ ኸገልግል ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ሓተታ ኣብ ታሕቲ የቕርቦ ኣለኹ። ንምክትታልኩም ኣቐዲመ አመስግን።
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና መገዲ፡ ንውሕሉል ምሕደራ ስርዓተ-ዞባ ዘገልግሉ ገለ ገለ እማመታት ንኤርትራ
ብሰመረ ሰሎሞን
03 መስከረም 2026
መእተዊ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ ቕየራ ዝርከብ ዞባ
ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓሚቝ ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ ይሰጋገር ኣሎ። ንነዊሕ እዋን ክኸይድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ተሃላላኽነት፡ ዘይተፈትሑ ግዝኣታዊ ሕቶታት፡ ኲናት ሕድሕድ፡ ባሕራዊ ኣፍደገ ንምርካብ ዝግበር ውድድር፡ ከምኡ’ውን እናበኣሰ ዝኸይድ ኢድ-ኣእታውነት ግዳማውያን ሓይልታት ተደሚሮም፡ ዞባዊ ዅነታት ብናህሪ ኣህጉራዊ ሳዕቤናት ከኸትል ዘኽእል ሃዋህው ይፈጥሩ ኣለዉ።
ኣብ ማእከል’ዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ስትራተጅያዊ ንሕንሕ፡ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ናይ ባሕሪ መተሓላለፍቲ መስመራትን (corridors) ይርከቡ። መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ብምትእስሳር፡ ኣብ መንጎ ህንዳዊ ውቅያኖስን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ከም ኣገዳሲን ቀንድን መስመር ኮይኑ የገልግል። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንዕዘቦ ዘለና ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ናይ ባሕሪ መስመራት ተወሳኺ ጸቕጢ ገይሩ ኣሎ። ዓለምለኻዊ ንግዲ ኣብ ስትራተጅያዊ መሓንቖታት (chokepoints) ንዘጋጥሙ መሰናኽላት ክሳብ ክንደይ ተቓላዒ ምዃኑ ተጋሂዱ ኣሎ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት’ዚ መጻብቦ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምዕባለታት ንኤርትራ ዕድላትን ሓደጋታትን ሒዞም ክመጽኡ ተኽእሎታት ኣለዉ።
ኤርትራ ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ትውንን። ይኹን’ምበር፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ጥራይ ሃገራዊ ሓይሊ ኸፍሪ ኣይክእልን’ዩ። ክብሪ ጂኦግራፍ ኣብ ብቕዓት ትካላት፡ ምቅዳው ሃገራዊ ፖሊሲ፡ ጥንካረ ዲፕሎማስን ልዕሊ ዅሉ ድማ መንግስቲ ብዜጋታቱ ዘለዎ ተቐባልነትን ሕጋውነትን (legitimacy) ዝምርኰስ’ዩ።
ስለዚ፡ እቲ ንኤርትራ ዘጋጥማ ዘሎ ሕመረታዊ ሕቶ፡ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ኣፍደገ ንምርካብ ንእትገብሮ ዘላ ጥሙሕ ብኸመይ መልሰ-ተግባር ትህብ ጥራይ ኣይኮነን። የግዳስ፡ ኣብ ካልእ ዙርያ ዞባዊ ግጭት ከይተሸመት፡ ነቲ ስትራተጅያዊ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ናብ ዘላቒ ሃገራዊ ድሕነት፡ ቍጠባዊ ዕድልን ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን ብኸመይ ክትቅይሮ ትኽእል ዝብል’ዩ።
እቲ መልሲ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ይሓትት። እዚ ድማ ካብቲ ብቐንዱ ኣብ ምግታእን (deterrence) ቀጻልነት ስርዓትን ዘተኰረ ናይ ጸጥታ ፖሊሲ፡ ናብ ሃገራዊ ስኒት (national cohesion)፡ ቅዋማዊ ሕጋውነት፡ ስትራተጅያዊ ዲፕሎማሲ፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ምግዓዝ ከድሊ’ዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ድልየትን ሕቶ ልኡላውነትን
ኢ.ሲ.ኤፍ.ኣር. ዝተባህለ ኣብ ኤውሮጳ ዝመደበሩ መጽናዕታዊ ትካል፡ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ሃገር ብምዃና ውሑስ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ምርካብ መሰረታዊ ቝጠባዊ ሻቕሎታ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ ይብል። እታ ሃገር ዝበዝሐ ኽፋል ናይ ደገ ንግዳ ብኮሪደር ጅቡቲ ኣቢላ’ያ ተካይዶ። እዚ ድማ ቝጠባዊ ጽግዕተኛነትን ስትራተጅያዊ ተቓላዕነትን ይፈጥረላ። ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ኣፍደገ ምርካብ ከም ሃገራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ገይሩ ይገልጾ።
እዚ ሻቕሎት’ዚ ብቐሊሉ ዝጕሰ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ናብ ዓለምለኻዊ ባሕራዊ ንግዲ ዘተኣማምንን ብዋጋ ዝተመጣጠነን ንግዳዊ ኣፍደገ ምርካብ ሕጋዊ ረብሓ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ኽወሃቦ ዘድልዮ ጕዳይ’ዩ። ነዚ ድማ ቅየሳ ዕቱብን ኵለ-ጐድናውን ዞባዊ ስትራተጂ ምስኣል ይሓትት። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዚ ኣፍደገ’ዚ ብኸመይ ይርከብ ዝብል ሕቶ መልሲ ምሃብ የድሊ።
ኣብ መንጎ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓታት ዝምርኰሱ ስምምዓት ዝርከብ ንግዳዊ ኣፍደገን፡ ብምግዳድን ጸቕጥን ኣቢልካ ልኡላዊ ቍጽጽር፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ወይ መሬታዊ ሕድገታት ንምርካብ ዝግበር ፈተነታትን ግን መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ።
እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መጽናዕታዊ ትካል (ኢ.ሲ.ኤፍ.ኣር.) እቲ ናይ ጥሪ 2024 ናይ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን መዘክረ-ሰነድ (MoU) ነዚ ፍልልይ’ዚ ብግሁድ ኣርእይዎ’ዩ ይብል። እቲ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኽህልዋ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክትፈልጣ ዘለዋ ተኽእሎን ዘመላኽቱ ዓንቀጻት ዘጠቓለለ ነይሩ። ሶማልያ፡ ነቲ ስምምዕ ከም ምግሃስ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ ድማ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ቕልውላው ፈጢሩ።
ኣመሪካን ኢንተርፕራይዝ ኢንስቲትዩት ብኣማላድነት ቱርኪ ዝተኻየደ ዲፕሎማሲ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝነበረ መራኸቢ መስመር ንኽኽፈት ሓጊዙ ይብል። ቀጺሉ ድማ እተን ክልተ ሃገራት ድማ ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ንምቕጻል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓባራዊ ጸጥታ ንምትሕግጋዝን ንቝጠባዊ ውህደትን ዘለወን ተወፋይነት ኣረጋጊጸን ኢሉ ይጠቅስ። እዚ ዝቕጽል ዘሎ ርክብ፡ ኣዝዮም ከበድቲ ጂኦፖለቲካዊ ኽርክራት ብዘላቒ ዲፕሎማሲ ኽፍትሑ ከም ዝኽእሉ ዘዘኻኽር ኣገዳሲ ኣብነት’ዩ ኢሉ’ውን የስምረሉ።
እዚ ኣብነት’ዚ ንኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኤርትራ ንሕጋዊ ቝጠባዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ኽትክሕዶ የብላን። ትኽሕዶ’ውን ኣይመስለንን። ንልኡላውነት ዝግህስ ዝኾነ ፈተነ ግን ክትቅበል የብላን። ናይ ኤርትራ ስትራተጅያዊ ሸቶ፡ ናይ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ሃንቀውታታት ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰረት ዝገበሩ፡ ብምይይጥ ዝተበጽሑ ስምምዓትን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረቱ ዞባዊ ቝጠባዊ ውድዳትን (arrangements) ኣቢሉ ንኽትግበር ምርግጋጽ’ዩ። ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ ተቐባልነት ክትከስበሉ እትኽእለሉ መርገጺ ድማ እዚ’ዩ።
ካብ ተሃላለኽቲ ቐጽርታት ናብ ተለዋዋጢ ስትራተጅያዊ ኺዳናት
ነዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ዞባዊ ስርዓት፡ ኣብ መንጎ ኽልተ ቐወምቲ ቐጽርታት ዝግበር ውድድር ጌርካ ምግላጽ ኣወናዋኒ መሲሉ ኽርአ ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓደ ንግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን ዝሓቘፈ፡ እቲ ኻልእ ድማ ንኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘጠቓለለ።
እቲ ኽውንነት ግን ካብዚ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ’ዩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ተለዋዋጥን ነንሓድሕዱ ዝትርአኣስን ስትራተጅያዊ ኺዳናት ዘለዎ ስርዓት ይቕየር ምህላዉ’ዩ።
ግብጺ ብዛዕባ ፈለግ ኒል፡ ዞባዊ ሓይሊ ኢትዮጵያን ድሕነት ቀይሕ ባሕርን ትሻቀል። ሶማልያ ብቐንዱ ብዛዕባ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣንጻር ኣል-ሸባብ እተካይዶ ቓልስን ትግደስ። ኤርትራ ልኡላውነታ ንምሕላውን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነታ ወይ ገማግም ባሕራ ስትራተጅያዊ ጸቕጢ (leverage) ኸይትረክብ ንምክልኻልን ትጽዕር። ኢትዮጵያ ባሕራዊ ኣፍደገ፡ ቍጠባዊ ምጭንፋር (economic diversification)፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጽልዋ ትደሊ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደባትን ናይ ንግዲ መተሓላለፍቲ መስመራትን ዝዓዘዘ ቝጠባውን ስትራተጅያውን ረብሓታት ትደፍእ ኣላ። ስዑዲ ዓረብ ድማ ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ሓለዋ (protection) ባሕራዊ ንግድን እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ሻቕሎት ኣለዋ።
እዞም ረብሓታት’ዚኣቶም ኣብ ገለ መዳያት ይደራረቡ፡ ኣብ ካልኦት ድማ ይፈላለዩ። እዚ ማለት ድማ ኤርትራ ንዞባዊ ፖለቲካ፡ ብናይ ቀወምቲ ኺዳናት መነጽር ጥራይ ካብ ምትርጓም ክትቍጠብ የገድዳ። ናይ ሎሚ ስትራተጅያውያን መሻርኽቲ ጽባሕ ዝተፈልዩ ረብሓታት ሒዞም ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም። ስለዚ ነቲ ውሕሉል ኣብ ስትራተጅያዊ ምጭንፋር (strategic diversification) ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ምስሳይን ምትግባርን ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ’ዩ። ኣብ ሓደ ካብኣቶም ጥራይ ጽግዕተኛ ከይኮንካ ምስ ዝተፈላለዩ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ሰብ ብርኪ ርክባት ምዕቃብ’ዩ። ንኤርትራ፡ ልኡላውነት ማለት ተነጽሎ ዘይኮነስ፡ ናይ ስትራተጅያዊ ሕርያ ናጽነት ማለት ክኸውን ይግባእ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ዞባዊ መተሓላለፊ ማይ ናብ ዓለምለኻዊ ጸጥታዊ ቕርዓት
ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ዓብዩ’ዩ። እቲ ዞባ ሕጂ በቶም ምስኡ ዝዋሰኑ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ሃገራት ወሽመጥ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ቍጠባውን ድሕነታውን ረብሓታቶም ኣብ ናይ ባሕሪ ምንቅስቓስ ናጽነት (freedom of navigation) ዝምርኰስ ግዳማውያን ተዋሳእትን’ውን ይጽሎ ኣሎ።
ስዑዲ ዓረብ ዝሰፍሐ ናይ ባሕሪ ድሕነት ቅርጸ-መቓን (framework) ንምምዕባል እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት፡ ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን እትህቦ ዘላ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣገዳስነት ዘርኢ’ዩ። እቲ ዝሰፍሐ ዞባዊ ናይ ጸጥታ ሃዋህው’ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ባሕሪ ምንቅስቓስ ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕትታትን በቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዝሰፍሐ ዘይምርግጋእን ተጸልዩ ይርከብ።
እዚ ምዕባለ’ዚ ንኤርትራ ዓሚቝ ሳዕቤናት ኣለዎ። ገማግም ባሕራ ድሕሪ ሕጂ ጂኦግራፍያዊ ሓቂ ጥራይ ኣይኮነን ክኸውን። ኣካል ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣገዳሲ ዓለምለኻዊ ናይ ጸጥታ ኣከባቢ’ዩ ኽኸውን። ይኹን’ምበር ስትራተጅያዊ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ኽልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ከስዕብ ይኽእል’ዩ። ንኤርትራ፡ ከም ሓንቲ ዘይትትካእ (indispensable) መሻርኽቲ፡ ወይ ድማ ኣሻማዊት ስትራተጅያዊት ባእታ ኽገብራ ይኽእል።
ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሓንቲ ዘይትትካእ መሻርኽቲ ምዃና ኸተረጋግጽ ኽትክእል ኣለዋ። እዚ ድማ ልምዓት ወደባት፡ ንግዳዊ መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ምክልኻል ኣከባቢ፡ ድሕነት ባሕሪ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ዞባዊ ቝጠባዊ ውህደትን ዘጠቓልል ጥሙር ናይ ባሕሪ ስትራተጂ ምስኣል ይሓትት። ኤርትራ ወደባታን ገማግም ባሕራን መድረኽ ትፍንን ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ ናይ ሰላምን ብልጽግናን መሳርሒታት ንኽኾኑ ኽትጽዕር ኣለዋ።
ሱዳን፡ ሃገራዊ ዕንወት ዞባዊ መልክዕ ለቢሱ
ሱዳን፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ቅርዓት ግዳማዊ ውድድር ንኽኾኑ ምፍቃድ፡ ዘለዎ መዘዝ ብግሁድ ተርእየና ኣላ። ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ዅናት፡ ዝዓዘዘ ዞባውን ዓለምለኻውን መልክዕ ናብ ዘለዎ ግጭት ተቐይሩ ኣሎ። ተገራጨውቲ ረብሓታት ጐረባብቲ ሃገራትን ሓይልታት ወሽመጥን ምስቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ጐነጻዊ ትፍንን እናተኣሳሰረ መጺኡ ይርከብ።
ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንኤርትራ ርሑቕ ጂኦፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን። ኤርትራ ምስ ሱዳን ትዳወብ’ያ። ነዊሕ ዝወሰደ ግጭት፡ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር፡ ምንቅስቓሳት ዕጡቓት፡ ናይ ገበነኛታት መርበባት፡ ከምኡ’ውን ዕጡቓት ጕጅለታት በቶም ዘረቝቲ (porous) ዶባት ናይ ምስግጋር ሓደጋታትን ኣለዉ። እቲ ጕዳይ ግን ካብ ሱዳን ዝዓቢ’ዩ። ኣብ ናይ መወዳእታ ትንተና፡ ውክልናዊ ዂናት (proxy warfare) ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘዕኑ ተርእዮ’ዩ። ግዳማውያን ሓይልታት ንተነሓናሕቲ ዘቤታውያን ተዋሳእቲ ብምድጋፍ ግዝያዊ ጽልዋ ኽረኽቡ ይኽእሉ’ዮም። ነዚ ግን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ዋጋ ይኸፍላሉ። እዚኣቶም ድማ ብዝዓነዉ ትካላት፡ እተመዛበሉ ህዝብታት፡ ዝደኸሙ ቝጠባታት፡ ጥሩፍነትን ቀጻሊ ዘይውሑስ ሃዋህውን ይግለጹ።
ስለዚ ኤርትራ፡ ወላ’ኳ ሓጸርቲ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንግዚኡ ዘርብሑ መሲሎም እንተ ተራእይዋ፡ ካብ ናይ ካልእ ሃገር ውክልናዊ ግጭት መሳርሒ ካብ ምዃን ክትቝጠብ ኣለዋ። ዘላቒ ፖሊሲ ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ውክልናዊ ኺዳናት ዘይኮነስ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ ርእሰ-ምሕደራ (strategic autonomy) ዝተሰረተ ኽኸውን ይግባእ።
ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ብድሆታትን ውሽጣዊ ቕልውላው ናብ ወጻኢ ናይ ምስግጋር ሓደጋን
ናይ ኢትዮጵያ ዓቢ ስነ-ህዝባዊ (demographic)፡ ቍጠባዊን ጂኦግራፍያውን ሚዛን፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምርግጋኣ ዅሉ ግዜ ንዝሰፍሐ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳዕቤናት ከም ዝህልዎ ዝተረጋገጸ’ዩ። ከበድቲ ውሽጣዊ ብድሆታት’ታ ሃገር ይቕጽል ኣሎ። ሳዕቤናት ውርሻ ዂናት ትግራይ ዛጊት ኣይተፈትሐን። ኣብ ገለ ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ዕጥቃዊ ግጭትን ፖለቲካዊ ወጥርታትን ይቕጽል ኣሎ። ሮይተር ዝተባህለ ናይ ዜና ትካል ኣብ 2026፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተራእየ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዘስዓቦ ወጥርታት ንቐጻልነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፡ ዝበሎ ጋህዲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዞም ውሽጣዊ ብድሆታት’ዚኣቶም ኣገደስቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ድልየታት ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቕመራታት ክተኣሳሰሩ ስለ ዝኽእሉ’ዩ።
ተጠቃምነት ባሕራዊ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ ሕጋዊ ሃገራዊ ድልየት’ዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ጕዳይ’ዚ ልኡላውነት ጐረባብቲ ሃገራት ብዘየገድስ ክፍታሕ ዘለዎ ህልውናዊ ሕቶ’ዩ ተባሂሉ ከም ፖሊሲ እንተ ተቐሪጹ ግን፡ ነቲ ቝጠባዊ ጸገም ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ናይ ምቕያር ሓደጋ የስዕብ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ርእሰ-ቕትለታዊ ስጕምቲ’ዩ። ምስ ኤርትራ ዝግበር ዂናት ነቶም መሰረታውያን ቍጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ኢትዮጵያ ኣይፈትሖምን’ዩ። ውሑስ ባሕራዊ ኣፍደገ ንምርካብ’ውን ኣየረጋግጽን’ዩ። ኣብ ክንድኡ፡ ሰላም ናይ ብምሉኡ ሰሜናዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምዝራግ፡ ጸጋታት ካብ ኣብ ልምዓት ናብ ካልእ ከም ዝውዕሉን ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ውሽጣዊ ምክፍፋላት ናይ ምዕማቕን ሓደጋ ዘስዕብ’ዩ።
ነዚ ዅነታት’ዚ ንምፍታሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ ልዝብ’ዩ። ኢትዮጵያ እዞም ዝስዕቡ ኻልኦት ኣማራጺታት ኣለዉዋ፤ ንግዳዊ ናይ ወደብ ስምምዓት፣ ምስ ልኡላውያን ሃገራት ብግሉጽነት ዝተመያየጠትሎም ናይ ነዊሕ ግዜ ውዕላት ክራይ፣ ብዙሐ-ኣገባባዊ (multimodal) ናይ መጓዓዝያ መተሓላለፍቲ መስመራት፣ ኣብ ዞባዊ ትሕተ-ቕርጺ ዝግበር ወፍሪ፣ ከምኡ’ውን ንኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ካልኦት ናይ ገማግም ባሕሪ ሃገራትን ዘጠቓለለ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት።
እቲ ሕርያ ኣብ መንጎ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብን ዘይምርካብን ኣይኮነን። እቲ ሕርያ ኣብ መንጎ ብምትሕግጋዝን ብምርድዳእን ዝርከብ ኣፍደገን ብግጭት ዝመጽእ ኣፍደገን’ዩ።
ናይ ኤርትራ ስትራተጅያዊ መዋጥር
ኤርትራ ሕጂ ኣብ ማእከል’ዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ዞባዊ ንሕንሕ ትርከብ። ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዓቢኡ ተበላሽዩ ይርከብ። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ባሕራዊ ኣፍደገ እተመሓላልፎም ዘላ ተደጋጋሚ መግለጺታት ኣብ ኣስመራ ዓሚቝ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቶም ኤርትራ እትገብሮም ዘላ ዞባዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብመነጽር ስትራተጅያዊ ግትኣት (containment) እናረኣየቶ ትመጽእ ኣላ።
እቲ ሓደጋ፡ እቲ ጸጥታዊ መዋጥር ባዕሉ እናተመጋገበ ኽኸይድ ዝኽእል ምዃኑ’ዩ። ሓደ መንግስቲ በቲ ብኻልእ ወገን ዝውሰድ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ፡ ከም መርትዖ መጥቃዕታዊ ሃቐነ ገይሩ ይትርጕሞ። ነዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ወተሃደራዊ ቝመና ብምጥንኻር መልሰ-ተግባር ይህበሉ። እቲ ኻልእ ወገን ከኣ ነዚ ከም መረጋገጺ ናይ ስግኣቱ ገይሩ ብተመሳሳሊ ስጕምቲ ይምልሰሉ። ብናህሪ ድማ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ከም ናይ ምክልኻል ስጕምትታት ዝግለጹ ተግባራት እናበኣሰ ዝኸይድ ናይ መጥቃዕቲ ዞባዊ ሃዋህው ይፈጥሩ።
እዚ’ዩ ድማ እቲ ብልክዕ ክዕገት ዘለዎ ምዕባለ። ኤርትራ ግዝኣታዊ ሓድነታን ሃገራዊ ረብሓታታን ናይ ምክልኻል ምሉእ ልኡላዊ መሰል ኣለዋ። ይኹን እምበር ወተሃደራዊ ድሉውነት ጥራይ ዘላቒ ድሕነት ከረጋግጽ ኣይክእልን’ዩ። ግትኣት (deterrence) ብዲፕሎማሲ ኽስነ ኣለዎ። ዲፕሎማሲ ድማ ብፖለቲካዊ ሕጋውነት (political legitimacy) ክድገፍ ኣለዎ። ብኸመይ፧
ሃገራዊ ድሕነት ካብ ገዛ ይጅምር
እቲ ዝዓበየ ስትራተጅያዊ ብድሆ ኤርትራ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቂ’ዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ሰረተ-እምነት ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኤርትራ ብግዳማዊ ስግኣታትን ደረተ-ኣልቦ ውሽጣዊ ቝጽጽርን ዝግለጽ’ዩ ነይሩ። መንግስቲ፡ እታ ሃገር ቀጻሊ ግዳማዊ ሓደጋታት ስለ ዘጋጥማ፡ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ምውሳድ ኣድላዪ’ዩ እናበለ ኽማጐት ጸኒሑ። ይኹን እምበር፡ ድሕነት ሃገር ንኣስገዳድ (coercion) ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ብምኽታል ጥራይ ንዘይተወሰነ ግዜ ኽቕጽል ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ዝጸደቐ ቕዋም ዛጊት ኣይተተግበረን። ፖለቲካዊ ብዙሕነት የለን። ሃገራዊ ምርጫታት ኣይተኻየደን። መራኸቢ ብዙሓን ብናጻ ኽነጥፍ ኣይተፈቕደሉን። ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተፈትሐ ሃገራዊ ጕዳይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
እዚኣቶም ናይ ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ሕቶታት ጥራይ ኣይኮኑን። ሕቶታት ሃገራዊ ድሕነት’ውን እዮም። ተረግታ ልቢ ህዝቡ ዘየዳምጽን ንህዝቢ ዘይውከስን መንግስቲ፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ኺዳን ምሉእ ብምሉእ ኽትክኦ ዘይኽእል መዋቕራዊ ተቓላዕነት ኣለዎ። ጥንካረ ሓንቲ ሃገር ብግዝፊ ሰራዊት ኣይኮነን ዝውሰን። ዜጋታት ነታ ናታቶም ምዃና ዝኣምኑላ ሃገር ንምክልኻል ዘለዎም ድሉውነት ከርእዩ እንከለዉ’ዩ። እዚ ድማ ናብ ሓደ መሰረታዊ እማመ ይመርሕ። ሕጋውነት ዘለዎ መንግስቲ፡ ካብ ዝተነጸለ መንግስቲ ንላዕሊ ውሕስነት ኣለዎ። ፖለቲካዊ ሓቛፍነት (political inclusion) ንሃገራዊ ስኒት የትርሮ። ቅዋማዊ መንግስቲ ንሕጋውነት የዕብዮ። ቍጠባዊ ዕድል ንማሕበራዊ ምርግጋእ የደልድሎ። ናጻ ትካላት ድማ ንተጻዋርነት’ቲ መንግስትን ህዝብን የጽንዕዎ። ንናይ ገዛእ ርእሱ ዜጋታት ከም ተጻባእቲ ገይሩ ዝርኢ መንግስቲ፡ ብተግባር ኽልተ ኲናት’ዩ ዘካይድ ዘሎ። እቲ ሓደ ኣንጻር ግዳማዊ ስግኣታት፣ እቲ ኻልእ ድማ ኣንጻር ውሽጣዊ ግለላ። እዚ ድማ ብስትራተጅያዊ መነጽር ክርአ እንከሎ ዘየዋጽእን ዘላቕነት ዘይብሉን’ዩ።
ዕድል ስትራተጅያዊ ሕደሳ (renewal) ኤርትራ
እቲ እናተለወጠ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ዅነታት ንኤርትራ ሓደ ዕድል የቕርበላ ኣሎ። ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት’ታ ሃገር ብግዳማውያን ጸለውቲ ሓይልታት ብዝበለጸ ተፈላጥነት እናረኸበ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ 2026 ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሓበርዎ፡ ዋሽንግተን፡ ምስቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ምርኵስ ብምግባር፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ንምሕዳስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ንምልዓል ትሓስበሉ ከም ዝነበረት ኣመልኪቶም’ዮም።
እዚ ሓደ ዕድል ይፈጥር። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ነዚ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ከም ዘይልወጥ ዲፕሎማስያዊ ቕቡልነት ጥራይ ገይራ ኽትትርጕሞ የብላን። ግዳማውያን ሓይልታት ምስ ኤርትራ ርክባቶም ዝምስርቱ ወይ ዘሐድሱ ረብሓታት ክህልዎም እንከሎ ጥራይ’ዩ። እዚ ብዘየገድስ፡ ምስ ሳዕቤናት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ኽነብር ዝግደድ ግን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ስለዚ፡ ሓደ ዓይነት ተነጽሎ ብኻልእ ሓድሽ ዳግማይ ጽግዕተኛነት ምልዋጥ ኣይኮነን። እቲ ግቡእ መልሲ፡ ነቲ ዝተመሓየሸ ጂኦፖለቲካዊ ጸቕጢ (geopolitical leverage) ናይታ ሃገር ተጠቒምካ ውሽጣዊ ሕደሳ ምግባር’ዩ።
ሃገራዊ ዘተ ስትራተጅያዊ ኣድላይነት’ዩ
ኤርትራ፡ ንሕጋውያን ተሳተፍቲ ንምግላል ዝዓለሙ ቕድመ-ዅነታት ብዘይብሉ መገዲ፡ ንፖለቲካዊ መጻኢ’ታ ሃገር ክድህስስ ዝኽእል ኵሉ-ሓቈፍ ሃገራዊ ዘተ የድልያ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት መስርሕ፡ ንተወከልቲ መንግስቲ፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሃይማኖታውያንን ያታውያን መራሕትን፡ ሰብ-ሞያ፡ ተወከልቲ ዞባታትን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ዘጠቓለለ ኽኸውን ይግባእ። ዕላማኡ ንነፍሲ-ወከፍ ዘይምርድዳእ ብኡንብኡ ንምፍታሕ ምህቃን ክኸውን የብሉን። እቲ ቀዳማይ ሸቶ፡ ንፖለቲካዊ ስግግር ዝኸውን ሓባራዊ ፖለቲካዊ ቕርጸ-መቓን ምንዳፍ ክኸውን ኣለዎ።
ከምዚ ዓይነት መስርሕ ንኤርትራ ኣየዳኽማን’ዩ። ብኣንጻሩ ንኤርትራ ኸሐይል ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ’ዩ። ፖለቲካዊ ሕጋውነት ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ (IGAD)፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ኣብ ዝገብሮ ርክባት ዝያዳ ድልዱል ዲፕሎማስያዊ ቝመና ኽህልዎ’ዩ።
ተቓዋሚ ደምበ ኤርትራ ተመሳሳሊ ግዴታ ኣለዎ
ናይ መጻኢ ኤርትራ ሓላፍነት፡ ጾር መንግስቲ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን። ደምበ ተቓውሞ’ውን ታሪኻዊ ግዴታታት ክስከም ይግባእ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስነ-ሓሳብ፡ ውልቃዊ ምኽንያታት፡ ውድባዊ ውድድር፡ ጂኦግራፍ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፖለቲካዊ መጻኢ’ታ ሃገር ብዘለወን ተነጻጻሪ ራእያትን ዝተገማመዓ ኾይነን ጸኒሐን’የን።
እቶም ምክፍፋላት ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ክርአዩ ዝጸንሑ ምዕባለታት ብንጥፈት ጽልዋ ናይ ምግባር ዓቕመን ኣዳኺሞምዎ’ዮም። ስለዚ፡ እቲ ተቓዋሚ ደምበ ካብ ነንሕድሕድካ ምዝንጣል ሓሊፉ ናብ ፖለቲካ ናይ ምድላው (politics of preparation) ዕዮ ኽሰጋገር ኣለዎ። ኣብዞም ዝስዕቡ ዘተኰረ ዝወሓደ ሓባራዊ መደብ ዕዮ (minimum common program) ድማ ከድልዮ’ዩ፤ ቅዋማዊ ደሞክራሲ፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፡ ሰላማዊ ስግግር፡ ቍጠባዊ ዳግመ-ህንጻ፡ ዞባዊ ሰላም፡ ከምኡ’ውን ማዕረ ዜግነት።
ደምበ ተቓውሞ፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ ስግግር ንዝመጽእ መዓልቲ ዝኸውን ዝርዝር ናይ ፖሊሲ ንድፍታት ከዳሉ ዝግባእ’ዩ። ቍጠባ ብኸመይ ክዕረን ዳግም ክስራዕን’ዩ፧ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ክመሓየሽ’ዩ፧ ትካላት ፍርዲ ብኸመይ ዳግም ክህነጹ’ዮም፧ ምስ ኢትዮጵያ ዝህሉ ርክብ ብኸመይ ክመሓደር’ዩ፧ ኤርትራ ምስ ሶማልያ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ሃገራት ወሽመጥን ብኸመይ ክትዋሳእን ክትተኣሳሰር’ያ፧ ወደባት ብኸመይ ክለምዑ’ዮም፧ ዲያስፖራ ኣብ ሃገራዊ ዳግመ-ህንጻ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽገብር’ዩ፧. . .
እዞም ሕቶታት’ኣቶም ቅድሚ ፖለቲካዊ ስግግር’ምበር ድሕሪኡ መልሲ ኽረኽቡ ኣይግባእን። መንግስቲ ንምእላይ ጥራይ ዝዳለዉ እምበር ንምምሕዳር ዘይተዳለዉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ነቶም ከዐርይዎም ዝህቅኑ መዋቕራዊ ድኻማት (structural weaknesses) ባዕሎም ዳግማይ ናይ ምፍጣር ተኽእሎኦም ዝለዓለ ኽኸውን ስለ ዝኽእል።
ካብ መንደቕ ናብ መተሓላለፊ መስመራት (corridors)
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዶባት ብቐንዱ ከም ዕንቅፋታት፣ ወደባት ድማ ከም መሳርሒ ትፍንን ኮይኖም ኣብ ዝርኣዩሉ ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ተቐርቂሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን’ዩ ኣይግባእን’ውን። እቲ ዞባ ዝተፈልየ ራእይ የድልዮ ኣሎ። ኢትዮጵያ ባሕራዊ ኣፍደገ የድልያ፣ ኤርትራ ቕዋማውነት፡ ድሕነትን ቍጠባዊ ልምዓትን የድልያ፣ ሶማልያ ልኡላውነትን ምርግጋእን የድልያ፣ ጅቡቲ ናይ ወደባታን ቍጠባኣን ቀጻሊ ህልውና የድልያ፣ ሱዳን ሰላም የድልያ፣ ግብጺ ንኒልን ቀይሕ ባሕርን ዝኸውን ድሕነት የድልያ፣ ስዑዲ ዓረብ ድማ ውሑሳት ናይ ባሕሪ መስመራት የድልይዋ።
እዞም ረብሓታት’ዚኣቶም ግድን ነንሓድሕዶም ዝገራጨዉ ኽኾኑ የብሎምን። ሓደ ዞባዊ ቝጠባዊ መዋቕር፡ ነዞም ረብሓታት ካብ ተገራጨውቲ ሸቶታት ናብ ነንሓድሕዶም ዝመላልኡን ዝተኣሳሰሩን ዕድላት ክቕይሮም ይኽእል’ዩ።
ንኣብነት፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ስከ ብኣእምሮና ንስኣል፦
ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ተዛትያ ብዝበጽሓቶም ስምምዓት ኣቢላ ናብ ዝተፈላለዩ ወደባት ዝወስድ ውሑስ ንግዳዊ ኣፍደገ እትረኽበሉ፣
ኤርትራ ንባጽዕን ዓሰብን ከም ተወዳደርቲ ንግዳዊ ኣፍደገታት ገይራ እተማዕብለሉ፣
ሶማልያ ውሑሳት ናይ ንግዲ መተሓላለፍቲ መስመራት እተማዕብለሉ፣
ጅቡቲ ከም ዓቢ ናይ ሎጂስቲክስ ማእከል ኮይና እትቕጽለሉ፣
ናይ ሱዳን ወደባት ድሕሪ ሰላም ኣብ ዞባዊ ንግዲ ኣበርክቶ ዝገብሩሉ፣
ስግረ-ዶባዊ ትሕተ-ቕርጺ ነቶም ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋታት ምስ ናይ ገማግም ባሕሪ ቝጠባታት ዝተኣሳስረሉ፣
ናይ ጉምሩክ ኣገባባት ዘመናዊ ዝኾነሉ፣
ዞባዊ መርበባት ባቡር ሓዲድን ጽርግያን ዝሰፍሑሉ፣ ከምኡ’ውን
ናይ ባሕሪ ድሕነት ሓባራዊ ሓላፍነት ዝኾነሉ።
ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት ንሰላም ዝድግፉ ማሕበረ-ሰባትን ሓይልታትን ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ። ቍጠባዊ ምትእስሳር ንፖለቲካዊ ዘይምስምማዓት ምሉእ ብምሉእ ከየህስሶ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ንሓደጋታት ኲናት ይንክዩን ረብሓታት ምትሕግጋዝ ድማ የዕብዩን። ዶባት ኣብ ክንዲ መኸልከሊ መናድቕ ዝኾኑ፡ ናብ መራኸቢ ድልድላት ይቕየሩ።
ሰለስተ ተኽእሎታት መጻኢ
ኣብዚ እዋን’ዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና መገዲ ይርከብ። ሰለስተ ሰናርዮታት ድማ ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ንርእዮም ኣሎና። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፦
እቲ ቐዳማይ መንገዲ፦ ዕርገተ-ወጥሪ (escalation of tension)
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ እናብኣሰ እንተ ኸይዱ፡ ዞባውያን ተዋሳእቲ ንተቐናቐንቲ ወከልቶም (proxies) ዕጥቂ ምስናቕ እናወሰኹ እንተ ኸይዶምን ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ወተሃደራዊ መልክዕ እንተ ሒዞምን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ኣዕናዊ ዙርያ ግጭት ክኣቱ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዝኸፍአ ኽኸውን ዝኽእል ውጽኢት’ዩ።
እቲ ኻልኣይ መንገዲ፦ ንኽመሓደር ተኽእሎ ዘለዎ ተጻራርነት (managed rivalry)
እተን ሃገራት ቀጥታዊ ትፍንን ንምግታእ ዘኽእሉ ኣገባባት እናኣመማ፡ ነቶም ስትራተጅያውያን ውድድራተን ክዕቅባኦም ይኽእላ’የን። ኢትዮጵያ ብዝተደራደረትሎም ንግዳዊ ስምምዓት ኣቢላ ባሕራዊ ኣፍደገ ኽትደሊ ትኽእል’ያ። ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ እናስፍሐት ንግትኣት ዘኽእሉ ተበግሶታት ክትወስድን ከተትርርን ትኽእል’ያ። ዞባውያን ሃገራት ድማ ግጕያት ፖለቲካዊ ቕመራታት ንኸየጋጥሙ ናይ መራኸቢ መትረባት ክምስርታ ይኽእላ’የን። እዚ ካብ ኲናት ዝሓሸ’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም መሰረታውያን መዋቕራዊ ጸገማት ግን ከይተፈትሑ ዝቕጽሉሉ መገዲ ኽፈጥር ይኽእል’ዩ።
እቲ ሳልሳይ መንገዲ፦ ዞባዊ ለውጢ (regional transformation)
እቲ ዝለዓለ ጥሙሕ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዝያዳ ዘላቒ ዝኾነ ኣማራጺ፡ ነቲ ውድድር ናብ ምትሕግጋዝ ምቕያር’ዩ። ባሕራዊ ድልየታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎኣን ካልኦት ሰብ ብርክን ናይ’ቲ ዞባ ብዝግበር ስምምዕ ብመገዲ ዞባዊ መተሓላለፍቲ መስመራት (corridors) ኣቢሉ ኽፍታሕ ይኽእል’ዩ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ናብ ቍጠባዊ ጸጋ ኽትቅይሮ ትኽእል’ያ። ሶማልያ ልኡላውነታን ድሕነታን ከተውሕስ ትኽእል’ያ። ጅቡቲ ናይ ሎጂስቲክ ማእከል ኮይና ኽትቅጽል ትኽእል’ያ። ሱዳን ድማ ድሕሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምርካቡ ናብ ዞባዊ ቝጠባዊ ህይወት ክትምለስ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ካብ ኵሎም ሰብ ብርኪ ፖለቲካዊ ትብዓት ዝሓትት መስርሕ’ዩ። ንምልክታት ናይቶም ጸገማት ጥራይ ካብ ምምሕዳር ሓሊፉ፡ ነቶም መዋቕራዊ ጠንቅታት ዘይምርግጋእ ክፈትሕ ዝኽእል እንኮ መገዲ ንሱ ጥራይ’ዩ።
ኤርትራ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧
ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝተሰረተ ስትራተጅያዊ ኣጀንዳ ኽትኽተል ይግብኣ።
1. ግትኣት (deterrence) ምጥንኻር፦ ኤርትራ ልኡላውነታ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኸተሕይል ኣሎዋ። ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ድሉውነት ንዲፕሎማሲ ዘገልግል ባይታ ኸተመቻችእ ይግባእ።
2. ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምኽፋት፦ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሕጋውነት ከም ሓደ ኣካል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ኽርአ ይግባእ።
3. ዓለምለኻዊ ሽርክነታት ምጭንፋር (diversification)፦ ኤርትራ ኣብ ሓደ ንጽል ግዳማዊ ሓይሊ ጥራይ ጽግዕተኛ ኸይኮነት፡ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ሃገራት ወሽመጥ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ኣፍሪቃውያን ትካላትን ኤስያውያን መሻርኽትን ርክባታ ኸተስፍሕ ይግባእ።
4. ሃገራዊ ናይ ባሕሪ ስትራተጂ ምምዕባል፦ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ሎጂስቲክ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ቱሪዝም፡ ድሕነት ባሕርን ዞባዊ ንግድን ዘጠቓለለ ናይ ነዊሕ ግዜ ቍጠባዊ ስትራተጂ ኣካል ክኾኑ ይግባእ።
5. መልሰ-ተግባር ጥራይ ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ምምራሕ፦ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ዞባዊ ራእይ ከተቕርብ ግዴታ ኣለዋ። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ኣጀንዳ ብተቓውሞ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ኤርትራ ኣብ ልኡላዊ ማዕርነት፡ ግሉጽነት፡ ሓባራዊ ቝጠባዊ ረብሓን ዘይምጥቕቓዕን ዝተሰረተ፡ ናብ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ብሕጊ ዝተረጋገጸ ንግዳዊ ኣፍደገ ዝህብ ቅርጸ-መቓን ከተቕርብ ትኽእል’ያ። እዚ ድማ ንኤርትራ ንዞባዊ ምዕባለታት መልሰ-ተግባር ጥራይ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ናብቲ ንባዕላ ነቶም ምዕባለታት ቅርጺ ናይ ምልባስ እትኽእል ሃገር ክትክቅየር ትኽእል።
መደምደምታ፡ ድሕነት ብመገዲ ሕጋውነት
ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ስትራተጅያዊ መድረኽ ይኣቱ ኣሎ። መጻኢ’ቲ ዞባ በቲ ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቕልውላዋት፡ ባሕራዊ ውድድር፡ ቍጠባዊ መተሓላለፍቲ መስመራት፡ ግዳማውያን ሓይልታትን መንግስታቱ ዝወስድዎም ሕርያታት ዝፍጠር ውስስእ’ዩ ቕርጺ ዝለብስ።
ኤርትራ ኣብዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ስርዓተ-ጸጥታ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ሒዛ ኣላ። ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ይህባ። ታሪኻ ድልዱል ናይ ልኡላውነት ስምዒት የልብሳ። ህዝባ ድማ ዓሚቝ ናይ ሃገራዊ መንነትን ተጻዋርነትን ዕቑር ሓይሊ ይውንን። ይኹን እምበር፡ ጂኦግራፍን ታሪኽን ጥራይ ናይታ ሃገር መጻኢ ኸውሕሱ ኣይክእሉን’ዮም። እቲ ወሳኒ ሕቶ፡ ኤርትራ ነዞም ጸጋታት’ዚኣቶም ናብ ዘመናዊት፡ ሕጋውነት ዘለዋን ብቕዕትን ሃገር ኽትቅይሮም ትኽእልዶ ኣይትኽእልን ዝብል’ዩ።
ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ክምርኰስ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ትካላቶም እምነት ዘለዎም ዜጋታት ይሓትት፣ ሕጋውነቱ ካብ ፍቓድን ርድየትን ህዝቡ ዝረክብ መንግስቲ ይሓትት፣ ግጭታት ናብ ኲናት ቅድሚ ምቕያሮም ክከላኸል ዘኽእል ዲፕሎማሲ ይሓትት፣ ዕድላት ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎ ቝጠባ ይሓትት፣ ከምኡ’ውን ድሕነት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ካብ ድሕነት ጐረባብታ ተነጺሉ ኽርአ ከም ዘይክእል ዝግንዘብ ዞባዊ ስትራተጂ ይሓትት።
ናይ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ድልየት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ኽተዓረቕ ይኽእል’ዩ። ብልዝብ ክሳዕ ዝተፈትሐ። ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ኽኽበር ኣለዎ። ናይ ሱዳን ኲናት ቀጻሊ ናይ ውክልናዊ ውድድር መድረኽ ክኸውን የብሉን። ስትራተጅያዊ ገለልተኝነት ጅቡቲ ኽዕቀብ ይግባእ። ቀይሕ ባሕሪ ድማ ቐጻሊ ናይ ወተሃደራዊ ትፍንን መድረኽ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ናይ ዓለምለኻዊ ንግዲ መተሓላለፊ ኾይኑ ኽቕጽል ኣለዎ።
ስትራተጅያዊ ሕርያ ኤርትራ ክኔው’ቲ ጥሙሕ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ብኸመይ ምላሽ ትህብ ዝኸይድን ዝዓብን’ዩ። ኤርትራ ኸመይ ዝበለት ሃገር ክትከውን ከም እትደሊ መመላኸቲ ሕርያ’ዩ። ብቐንዱ ኣብ ተነጽሎን ምግዳድን እትምርኰስ ሃገር፡ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ ብዘየገድስ፡ ንግዳማዊ ሓደጋታት ተቓላዒት ኮይና’ያ እትተርፍ። ኣብ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ቍጠባዊ ኽፉትነት፡ ስትራተጅያዊ ዲፕሎማስን ተሳትፎ ዜጋታታን ዝተሰረተት ሃገር ግን፡ ካብ ወተሃደራዊ ግትኣት ንላዕሊ ዘገልግል ኣዝዩ ዝዓዘዘ ሓይሊ ዝህልዋ’ዩ፤ ሕጋውነት። ሕጋውነት ድማ እቲ ዘላቒ ሃገራዊ ድሕነት ዝህነጸሉ መሰረት’ዩ።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ናይ ድሕነት ድልያ ንጐረባብቲ ዝያዳ ዘይውሑሳት ኣብ ዝገብረሉ ናይ ጥፍኣት ዙርያ ተቐርቂሩ ኽተርፍ ኣየድልን’ዩ።
እቲ ኣማራጺ ይከኣል’ዩ። ናይቲ ዞባ ሃገራት፡ ዶባተን ካብ መከላኸሊ መንደቕ ናብ ድልድላት፣ ወደባተን ካብ ናይ ተቐናቓንነት መሳርሒ ሞተራት ብልጽግና፣ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጥአን ካብ ምንጪ ግጭት ናብ መሰረት ምትሕግጋዝ ክቕይርኦ ይኽእላ’የን። ንኤርትራ፡ እዚ ለውጢ’ዚ ካብ ውሽጢ ገዝኣ’ዩ ዝጅምር።




Comments