ተለዋዋጢ ዅነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን
- Semere Solomon

- 2 days ago
- 12 min read
Updated: 20 hours ago
ተለዋዋጢ ዅነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን
ሰመረ ሰሎሞን
28 ነሓሰ 2026

መእተዊ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐሊሉ ዝልለ ሓዲሽ ጂኦፖለቲካዊ ዳግመ-ኣሰላልፋ ሓይልታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ፖለቲካዊ መልክዓ- መሬት ብኽልተ ተጻረርቲ ኺዳናት ናይ ሰብ ብርኪ ይግለጽ። ንኢትዮጵያ ንምግታእ ዝዓለመ ንግብጺ፡ ሶማልን ኤርትራን ዝሓቝፍ ኪዳን በቲ ሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ድማ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ኣብ መንጎ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተመስረተ ኺዳን። ብዘይካ’ዚ እቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ዂናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ተኸሲቱ ዘሎ ሚሊተራይዜሽን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ ዘበገሰቶ ሓድሽ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ስርዓተ-ጸጥታ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ዝጸንሑ ኸባብያዊ ግጭታት ናብ ዝሰፍሐ ናይ ውክልና ዂናት ኸይምዕብሉ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ጠንቅታት ዘይምርግጋእ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ቐጻሊ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ካብ ታሪኻዊ መበገሲኡን ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊ ግድላትን ዝምንጩ’ዩ። እዚ ንዝጸንሐ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ከይጸብጸብካ’ዩ። ከምዚ ኾይኑ ድማ ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ ንኽመጽእ በብእዋኑ ኣበርክቶ ኽገብር ከም ዝኽእል ፍሉጥ ነገር’ዩ ነይሩ።
እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ስትራተጅያውያን መተሓላለፊታት ማያት፡ ቀጥታዊ ልኡላዊ ኣፍደገ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ቅድድም’ዩ ተባሂሉ ብበይኖም ተንተንቲ ፖለቲካ ይዝረበሉ። እዚ ምዕባለ’ዚ፡ ብዝበለጸ ብ1 ጥሪ 2024 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሒ ዓብድን ሓደ ኣከራኻሪ ዝኾነ መዘክረ-ውዕል (MoU) ምስ ተፈራረሙ’ዩ ተጋሂዱን ብኢሱን። ብመሰረት’ዚ ውዕል’ዚ፡ ሶማሊላንድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባት ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኽትሃንጽን ብኣኡ ኣቢላ ድማ ልኡላዊ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኸተውሕስን ዘኽእላ ንሓምሳ ዓመታት ዝጸንሕ ዕስራ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ወሽመጥ ዓደን ኸተካርያ ወሲና። ኣምሳያ ናይዚ ኢትዮጵያ ንናጽነት ሶማሊላንድ ብወግዒ ኣፍልጦ ንኽትህብ ቀዳመይቲ ኣባል ሃገር ሕቡራት ሃገራት ከም እትኸውን ቃል ኣትያ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ እቲ መዘክረ-ውዕል ንግዝኣታዊ ሓድነቱን ልኡላውነቱን ህልውናዊ ስግኣት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብትሪ ነጺግዎ። ብኡ ንብኡ ድማ ሞቓዲሾ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ውዕል ንምብዳህ ምስ ካይሮ ዝጸንሓ ርክብ ንምድልዳል ተበግሶ ወሲዳ። እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2025 ዝተገብረ ንጸጥታ ኽልቲአን ሃገራት ማእከል ዝገበረ ስምምዕን ስዒቡ ድማ ኣብ መንጎ ግብጽን ሶማልያን ብዝተኸተመ ናይ ባሕሪ ምትሕግጋዝ ውዕልን ተዛዚሙ። ግብጺ፡ ነቲ ካብ ሶማልያ ናብ ቦታኡ ኽምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንምትካእ ዝተወጠነ ሓድሽ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት (AUSSOM) ክሳብ 10,000 ወተሃደራት ናብ ሶማልያ ንምውፋር ቃል ኣትያ። ወተሃደራዊ ተሳትፎ ግብጺ ብቐጥታዊ ናይ ኣጽዋር ቀረብ ዝስነ ኾይኑ፡ ንሰራዊት ግብጺ ድማ ብቐጥታ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ንኽዕስክሩ ዘፍቅድ’ዩ።
ማዕረ ማዕረ’ዚ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣስመራ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዋዕላ ንምስረታ ሓደ ወግዓዊ ኺዳን ኣበሲሩ። ኣብ ግንቦት 2026 ኣብ ኣስመራ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ግብጺ ነዚ መርገጺ’ዚ ብምሕያል፡ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ብጥብቂ ኣብ’ተን ኣብ ወሰናንስ ገማግም ባሕሪ ተደኲነን ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ኽድረት ከም ዘለዎ ኣስሚራትሉ። በዚ ድማ ነታ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝግበር ጻዕሪ ትካላዊ መልክዕ ንኸተልብሶ ፈቲና። እዚ ኺዳን’ዚ ብኣዲስ ኣበባ ኸም ስትራተጅያዊ ናይ ከበባ ውጥን ተገይሩ ተወሲዱ።
ብወገን ሶማልያን ኢትዮጵያን ጽዑቕን ኣነሃሃርን ናይ ቃላት ምልውዋጥ ዘመተ እናዓረገ ይኺድ’ምበር፡ ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየዱ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ገና ይቕጽሉ ኣለዉ። ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ 2024 ብኣማላድነት ቱርኪ ዝተበጽሐ ብስም ኣዋጅ ኣንካራ ዝፍለጥ ውዕል፡ ዲፕሎማስያዊ ልኡኻት ኽልቲኦም ወገናት ኽዘራረቡ ጸኒሖምን ኣለዉን። ብ29 ሰነ 2026 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝምድናታት ኽልቲአን ሃገራት ዝመሓየሸሉ ዅነታት ንምፍጣር ኣብ ኢትዮጵያ ኽልተኣዊ ዝርርብ ኣካይዶም። ኽልቲኦም ወገናት ሓድሕዳዊ ምትእምማን፣ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣል ሸባብ ድማ ሓባራዊ ናይ ጸረ ግብረ-ሽበራ ስርሒታትን ከም መሰረት ሓባራዊ ዕጭኦም ምዃኖም ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ሓድሽ ተበግሶ ስዑዲ ዓረብ
ብ30 ሓምለ 2026 ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከቡ ኣገደስቲ ናይ መራኽብ መተሓላለፊ መስመራት ንምኽልኻል ዝዓለመ ሕብረ-ሃገራዊ (multinational) ናይ ባሕሪ ምክልኻልመደባት ከም ዝሓንጸጸት ብወግዒ ኣፍሊጣ። እዚ ስጕምቲ’ዚ ነቲ ብፍጥነት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት’ቲ ኸባቢ ብፍላይ ድማ ናይ የመን ዕጡቓት ሑቲ ብ20 ሓምለ 2026 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ዝገበረ ዕግታ (blockade) ምስ ገበሩ ተቐላጢፉ። ኣብ ፈለማ ነቲ ተበግሶ ስዑዲ ዓረብ 14 መንግስታት ዝደገፉዎን 43 ሃገራት ድማ ዝተዋስኡሉን ምይይጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ልፍንቲ ዝሓቘፎም ኣካላት ከምቲ ዝተጸበይዎ ኣይነበረን።
ሪያድ በብቝሩብ ጸጥታዊ ውሕስነታ ንምርግጋጽ ወተሃደራዊ ቐላጽማ ዕጽፍ ዝርግሕ ኸተብልን ፖለቲካዊ ተበግሶታት ኣብ ምውሳድን ትርከብ። እዚ ድማ በቲ ብ7 ነሓሰ 2026 ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርክን ፓኪስታንን ዝተኸተመ ታሪኻዊ ናይ መካ ሓባራዊ ምክልኻል ዝፍለጥ ውዕል ብግብሪ ተራእዩ። እዘን ሰለስተ ሓይልታት (ወላ’ኳ ቱርክን ፓኪስታንን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዋሰና እንተኾና) ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣብዞም ዝስዕቡ መዳያት ማለት ኣየራዊ ምክልኻል፡ ብዘይ ሰብ ዝሰርሑ ስርዓታት፡ ኤለክትሮኒካዊ ዂናት፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ናይ ባሕርን ኣየርን ወተሃደራዊ ልምምዳት ንምትሕብባር ዓሚቝ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣልያታት (mechanisms) ኣተኣታትየን ኣለዋ።
ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝብልዎ፡ ሪያድ ንኢትዮጵያ ኣብዚ መስሪታቶ ዘላ ሓድሽ ስርዓተ-ጸጥታ ምሕቋፍ ብስትራተጅያዊ መዳይ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ስለ ዝገምገመት’ያ ይብሉ። ከምኡ ምግባር ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩን’ሞ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ዞባዊ ግጭታት (ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ናይ ፈለግ ኒል ምስሕሓብን ኣብ መንጎ ሶማልያን ሶማሊላንድን ዘሎ መሬታዊ ኽርክርን) ኣብ ክንዲ ስትራተጅያዊ ፍታሕ ምንዳይ፡ ናብቲ ኣዝዩ ጸቢብ ናይ ምግታእ ዕላማታት ዘተኰረ ናይ ባሕሪ ኪዳን ምእታው ማለት’ዩ ዝብል ስነ-መጐት ስለ ዘቐደመት’ዩ ይብሉ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ።
ግብጺ ነቲ ስዑዲ ዓረብ እተፍርዮ ነዳዲ፡ በቶም ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ግብጺ እትቘጻጸሮም ተሃወስቲ መተሓላለፊ መሓንቖታት ስለ ዝሓልፉ፡ ንግብጺ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋ ሂብዋ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ንኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባዊ ናይ ባሕሪ ጸጥታዊ መዋቕር ካብ ምሕቋፍ፡ ምስ ካይሮ ምዉቕ ዝምድና ምድልዳል ቀዳምነት ሂባቶ ኣላ። እዚ ድማ ነታ ልዕሊ 135 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋን ንልዕሊ 95 ሚእታዊ ናይ ኣታዊን ወጻእን ንግዳ ብመተሓላለፊታት ቀይሕ ባሕሪ እትምርኰስን ኢትዮጵያ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩላ ኣሎ።
ዅናት ሓድሕድ ሱዳንን ዝለዋወጥ ዘሎ ናይ ወሽመጥ ሃገራት ንሕንሕን
ዅናት ሱዳን ናብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ሓደ ኸባብያዊ ውሽጣዊ ግጭት ናብ ሓደ ተለዋዋጥን ዞባዊ ዂናት ውክልናን ተሰጋጊሩ ኣሎ። ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ናይ ሱዳን ዕጡቕ ሓይልታት (SAF) ቀንዲ ዓንዲ ሃገራዊ ቀጻልነትን ባሕራዊ ድሕነትን ገይረን ስለ ዝወስድኦ ንእኡ ይድግፋ። ብኣንጻሩ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ—ዝፈጸሞ ሰብኣዊ ግፍዕታት ዝተገብረሉ ዓለምለኻዊ ማዕቀብን ብዘየገድስ—ነቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ተቐናቓኒ ወተሃደራዊ ሓይሊ (RSF) ንምድጋፍ ሰፊሕ ፖለቲካውን ቍጠባውን መርበባት ዘርጊሓ ኣላ።
እዚ ምክፍፋል’ዚ ኣብቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ዅነታት ብቐጥታ ይንጸባረቕ። እቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግዙፍ ደገፍ ዝረክብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ናይ ውክልና ዅናት ኢድ ኣእታውነት የርኢ ኣሎ ዝብል ብህሎ (allegation) ኣሎ። ሓደ ሓደ ዘተኣማምኑ ምንጭታት ናይ ሓበሬታ ከም ዝጠቕስዎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቤኒ ሻንጉል ጕሙዝ ንኣሽሓት ተዋጋእቲ RSF ንምስልጣን ዝዕላምኡ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር መስሪታ ኣላ። ህንጻ’ቲ መዓስከር ብናይ ኢማራት ገንዘብ ዝተመወለን ብሎጂስቲክ ኢማራት ዝተደገፈን ምዃኑ፡ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። እዚ ምዕባለ’ዚ ንምዕራብ ኢትዮጵያ ናብ ደጀን ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዅናት ገይርዎ ይርከብ።
እዚ ናይ ውክልና ምትእኽኻብ፡ ነታ ምስ ሱዳን እትዋሰን ንገዛእ ርእሳ ኣብ ማእከል ናይቲ ጸረ ኢትዮጵያ ጸጥታዊ ቕመራታት ብዓልቲ ብርኪ ዝኾነት ኤርትራ፡ ቕጽበታዊ ስክፍታ ፈጢሩላ ኣሎ። ከም መልሰ-ተግባር ድማ፡ ኤርትራ ካብ RSF ዝመጽእ ዘይምርግጋእ ወይ ናይ ኢማራት ጽልዋ ንግዝኣታዊ ሓድነታ ንኸይዝርግ ንምክልኻልን ዶባዊ ጸጥታኣ ንምጥንኻርን ምስ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዘለዋ ኺዳን ኣብ ምትራር ትርከብ። እዚ ተበግሶ’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሐ ወጥሪ ሓደገኛ ዶባዊ ጸጥታ መዳይ ወሲኹሉ ኣሎ።
ገለልተኝነት ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ወጻኢ ጂቡቲ
ናይዚ ኸባቢ ሚሊታራይዘሽን እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ንእሽቶ ሃገረ ጂቡቲ (ሓደ ሚልዮን ህዝብን 4.67 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቍጠባዊ ዓቕምን ዘለዋ) ብውርጹጽ ፖሊሲ ወጻኢ ኣቢላ ርግኣታ ኸተውሕስ ትጽዕር ኣላ። ጂቡቲ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ብዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ንብዙሓት—መብዛሕትኡ ግዜ ድማ—ተቐናቐንቲ ዝኾኑ ዓለምለኻውያንን ዞባውያንን ሓይልታት ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምእንጋድ፡ ንፖለቲካዊ ዅነታት ናይቲ ኸባቢ ናብ ረብሓኣ ኽትቅይሮ ትፍትን ኣላ። እቶም ሰብ ብርኪ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፈረንሳይ፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ስዑዲ ዓረብን ቻይናን የጠቓልሉ።
ሓደ ኻብቶም ቐንዲ ኣዕኑድ ናይ ጂቡቲ ናይ ፖሊሲ ወጻኢ ሰረተ-እምነት፡ ምስ ኵሎም ሰብ ብርኪ ልኡላዊ ዘይሻርነታዊ መርገጺ ምውሳድ ኮይኑ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ምምካት ጽዩናት (pariah) ዘይመንግስታውያን ግብረ-ሽበራውያን ኣካላት ንጡፍ ምትሕብባር ምግባር’ዩ። ጂቡቲ ኣብ መሬታ ንዝርከቡ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ ባሕርን (pirates) ከም ኣል ቓዒዳ ዝኣመሰሉ ኣብ የመን ዝመደበሮም ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታትን ስርሒታት ንኸካይዱ ቕድሚ ሕጂ ተፍቅድ’ኳ እንተ ነበረት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዝተኸስተ ቕልውላው ቀይሕ ባሕሪ ግን፡ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ መስመር ክትክተል ጀሚራ ኣላ። ጂቡቲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መሻርኽታን ካብ መሬት ጂቡቲ ተበጊሶም ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ንኸየካይዱ ብትሪ ኸልኪላ። ጂቡቲ፡ እቶም ንዋና ከተማ ሰንዓ ዝቈጻጸሩን ምስ ሓያሎ ሃገራት ድማ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘለዎምን ዕጡቓት ሑቲ፡ ከም ተራ ዘይመንግስታዊ ግብረ-ሽበራውያን ጕጅለታት ዘይኮኑስ፡ ከም ሓውሲ መንግስታዊ ተዋሳእቲ ኾይኖም ከም ዝነጥፉ ትገልጽ። ነዚ ፖሊሲ’ዚ ብምኽታላ ተንተንቲ ፖለቲካ ጂቡቲ ናይ ርእሰ-ምክልኻልን ናይ ህልውናን ጸወታ ትጻወት ከም ዘላ የረድኡ።
ናይ ገለልተኝነታ መርገጺ ብምውሳድ፡ ጂቡቲ ግዝኣታ ንጡፍ ዓውደ-ዂናት ወይ ድማ ናይ ሑቲ ሕነ ምፍዳይ ዒላማ ንኸይከውን ትከላኸል። ከምዚ ብምግባር ድማ እትውንኖ ወሳኒ ትሕተ-ቕርጺ ናይ ወደባታ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኣገልግሎቱ ኽህብ ተውሕስ። እዚ ትሕተ-ቕርጺ’ዚ ንጂቡቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንግዳ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ-ጂቡቲ መስመር ንዝምርኰስ ኢትዮጵያ’ውን ቍጠባዊ መስመር ህይወት’ዩ።
ኢትዮጵያን ዅነታታን
ኢትዮጵያ ብሰሪ ፖለቲካዊ ድኽመታት ናይ መራሕታ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ቀውሲ ትርከብ። ኣብ ውሽጢ ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ. ዝተጀመረ ፖለቲካዊ እረማ መገዱ ስሒቱ፡ ረብሓታት ጸበበቲ ናይ ፖለቲካ ኽልታት ዘአንግድ ፖለቲካዊ ሃዋህው ተፈጢሩ። ውድድር ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን ዝመበገሲኡ (ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ምምቕራሕ ጸጋታት) ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ዝነተጐ ጐነጻዊ ምፍሕፋሕ (ዅናት 2020 ዓ.ም.) ወላኳ ብውዕል ፕሪቶርያ ግዚያዊ መፍትሒ እንተ ተገብረሉ፡ እቲ ጕዳይ ግን ጌና ፖለቲካዊ መዓልቦ ኣይረኸበን ዘሎ። ቕዋም ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ዘፍቅዶ መሬት ክልል ትግራይ ጌና ኣብቲ ቕድመ ኵናት ዝነበሮ ዅነታት ኣይተመልሰን ዘሎ። ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዛጊት ኣይተመልሱን ዘለዉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ከምቲ ዝድለ ይወሃቡ የለዉን። ወከልቲ ክልል ትግራይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ጌና ኣይተመልሱን ዘለዉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ፡ ኽልቲኦም ወገናት ዝንቡዓት ፖለቲካዊ ኣጀንዳታቶም ጋህዲ ንምግባር ሰብ ኪዳን ኣብ ምንዳይ ይርከቡ።
ብፋኖን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝፍለጡ ሓይልታት ቅሬታታቶም ኣብ ልዕሊ ፈደራል መንግስቲ ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ጐነጽ ዝመለለይኡ ተቓውሞታት ንጸጥታ ናይታ ሃገር ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ። ፖለቲካዊ ባህርያት ናይቶም ኣብዚ ቍርቍስ’ዚ ተጸሚዶም ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝርከቦ ኣሸጋሪ ኸይኮነ ኣይክተርፍን’ዩ።
ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብዝለዓለ ደረጃ ዘጋድድ ክስተት እቲ ሰልፊ ብልጽግና ዘሳስዮ ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ’ዩ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ድማ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ኤርትራ ብምቍማት ሕልምታቱ ንምግሃድ ዘድልዩ ዘበሉ ምቅርራባት—ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ—ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዓለን። ይቕጽሎ ከኣ ኣሎ።
ተራ ኤርትራ
ኤርትራ ኣብ ህልዊ ጂኦፖለቲካዊ መልክዓ-መሬት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጡፍን ዝተሓላለኸን ተራ ትጻወት። ኣብ እዋን ዅናት ትግራይ (2020–2022) ናይ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መሻርኽቲ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ትፍንን ትርከብ። ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኢትዮጵያ ብወግዒ ንእተርእዮ ዘላ ጂኦፖለቲካውን ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምውናን ጥሙሕን ምዕጋት ኣብ ዝግበር ዞባዊ ጻዕሪ ማእከላይ ግደ ሒዛ ትዋሳእ ኣላ።
ኣብ ጥቅምቲ 2025 ኤርትራ ምስ መራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ላዕለዋይ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣአንጊዳ። ብመሰረት ትንታነ ‘ሆርን ሪቭዩ’ ዝተባህለ መጽሔት፡ እዚ ንስትራተጅያዊ ምትእስሳር’ዘን ሰለስተ ሃገራት ዘትረረ ዋዕላ’ዚ፡ ኣዲስ ኣበባ ከም ተጻባኢ ናይ ከበባ ተበግሶ ገይራ’ያ እትርእዮ። እዚ ኺዳን’ዚ ንፕሮጀክት ሓጽቢ ሕዳሰን ነቲ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ጥሙሕን ንምምካን ኸገልግል ተባሂሉ ዝተገብረ’ዩ ተባሂሉ ብተንተንቲ ፖለቲካ ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጋሂዱ ዘሎ ቐጥታዊ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ሓቀኛ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መጋቢት 2026 ‘ኣፍሪካ ዲፈንስ ፎረም’ ዝተባህለ ምንጪ ናይ ሓበሬታ ከም ዝሓበሮ፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ—ኣቶ ጌድዮን ጢሞቴዎስ—ንኤርትራ ኣብ ወገን ዶብ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣቐሚጣ ኣላ ብምባል ከሲሱ። ነዚ ስጕምቲ’ዚ ድማ "ናይ ግሁድ ወራር ተግባር" ኢሉ ጸዊዕዎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ—ኣቶ የማነ ገብረመስቀል—ነዚ ኽስታት ብትሪ ነጺግዎ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ንዂናት መመኽነይታ ትፈጥር ኣላ ኽብል ከሲስዋ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ወጥሪ፡ ናብ ስዉር ወተሃደራዊ ስርሒታት ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ናይ ሓበሬታ ይገልጹ። ኣብ ነሓሰ 2026 ዝወጽአ ጸብጻብ ወኪል ዜና ኢትዮጵያ (ኢዜኣ)፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ እንተላይ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምትሕብባር ብ”ጽምዶ” ዝፍለጥ ኪዳን መስሪቱ ኣሎ ኢሉ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ናይ 2026 መርመራዊ (investigative) ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ኽልታዊ ርክብ ለውጢ ከም ዘርኣየ የጕልሕ። እቲ ጸብጻብ፡ ድሕሪ’ቲ ንዳርጋ ዕስራ ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ርክብን ኣሰካፊ ምስሕሓብ ዶብን፡ ኽልቲአን ሃገራት ህዱእ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ይወስዳ ከም ዘለዋ ይገልጽ። ምምሕያሽ’ዚ ርክብ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ስትራተጅያዊ ምውህሃድ ወደባት ኸስዕብ ይኽእል ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ድማ ምናልባት ምስ ግብጺ ብምትሕብባር፡ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ንዘሎ ባሕራዊ ጸጥታ ዓቢ ምትዕርራይ ኽገብረሉ ከም ዝኽእል ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ ይግለጽ።
ኣብ ልዕሊ’ቲ ዞባ ዝህልዎ ጽልዋታት
ድምር ናይቶም ኣብ ዶባት ዝርአዩ ዘለዉ ወጥርታት፣ ውክልናዊ ዂናትን ዝውርወሩ ዘለዉ ኣረሳሰንቲ ቓላትን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ካብቲ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ንደሓር፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ናብ ግሁድ ግጭት ንኸምርሕ ዘኽእል ኵነታት ይፍጠር ኣሎ።
ኤርትራ ኣብቲ ኸባቢ እትምስርቶም ኪዳናት፡ ምስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ይኹን ምስቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዂናት ሓድሕድ ብቐጥታ ይተኣሳሰር። ስዑዲ ዓረብ ምስ ግብጺ ብምትሕብባር ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ኣዕሚቛቶ ኣላ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ትርከብ። እዚ ድማ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናይ ወሽመጥ ሃገራት ንሕንሕ ዝካየደሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ናይ ውክልና መድረኽ ይገብሮ።
ኤርትራ ንኽልታዊ ናይ ጸጥታ ስምምዓትን ናይ ጽምዶ ተበግሶን ብእትገብሮ ሕርያታት (ከም ዋዕላ ኣስመራ ዝኣመሰሉ) ንኣድማዕነት ናይቶም ከም ብዓል ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ዞባውያን ትካላት የዳኽሞን ዝተወደበ ዞባዊ ናይ ሰላም ጻዕርታት ንምክያድ ዳርጋ ዘይከኣልን ይገብሮ ዝብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ድማ ኣለዉ።
ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብቲ ኣብ 2026 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠመ ጸጥታዊ ስግኣትን ምስ ኢራን ዝተኸስተ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ረጽምን ተበጊሳ፡ ናብ ኤርትራ ዘቕነዐ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ወሲዳ ኣላ። ዋሽንግተን ነቲ ኣስታት 1000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ኤርትራ ገማግም ባሕሪ (ንጽልዋ ኢራንን ብሑቲ ዝውሰድ ዕጽዋ መራኽብን) ከም መከላኸሊ ዕርዲ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኣወጀ (ፈጻሚ ትእዛዝ (Executive Order) 14046) ኣልማሚ ቝጠባውን ፖለቲካውን ማዕቀባት ንምፍዃስ ብንጥፈት ትንቀሳቐስ ኣላ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ብኢራን ተዓጽዩ ኣብ ዝጸንሓሉን ሓይልታት ሑቲ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዕንቅፋታት ኣብ ዝቕጽሉሉን ዘለዉሉ እዋን፡ ስትራተጅያዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንናይ ዋሽንግተን ናይ ባሕሪ ምክልኻል ስትራተጂ ወሳኒ ጂኦፖለቲካዊ ቦታ ኾይኑ ኣሎ። ብስዉር ሽምግልና ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ማሳድ ቡሎስ ኣብ ካይሮ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ቐጥታዊ ዘተ ከም ዘካየደን ማዕቀባት ንምልዓል ከም ዝዘተዩን ኣምሳያ ናይዚ ድማ ንዝለዓለ ዲፕሎማስያውን ናይ ባሕሪ ምትሕብባርን ኽገብሩ ምርድዳኦም ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሕመኣ—ማርኮ ሩብዮ—ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ግንቦት 2026 "ሓድሽ መዋእል" ዝምድናታት ዘመልክት መልእኽቲ’ኳ እንተ ኣመሓላለፈ፡ እዚ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ’ዚ፡ ብሰንኪ’ቲ ኤርትራ እትኽተሎ ናይ ግዱድ ዕስክርና ሜላ ካብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓያል ነቐፌታ ይስሕብ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ነቲ ዋሽንግተን ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ሽርክነት ኸየተሓላልኾ የስግእ’ዩ ዝብል ገምጋማት’ውን ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኽቕጽል ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ንምግልጋልን ኢትዮጵያ ዶባታ ንምቕያር ወይ ወደብ ባሕሪ ብሓይሊ ንምሓዝን ንእትገብሮ ፈተነታት ንምዕጋትን ፖለቲካዊ ደገፍ ኣመሪካ ንምጥቃም ሃረር ይብል ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ንዝመሓየሽ ዘሎ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ብኸመይ ትርእዮ፧
ኢትዮጵያ ነቲ እናተመሓየሸ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን፣ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ ማዕቀብ ንምፍዃስ ዘሎ ተኽእሎን ብዓቢ ስክፍታን ስትራተጅያዊ ጥንቃቐን ከም እትርእዮ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ንዞባዊ ጥሙሓትን ጸጥታዊ ሃዋህውን ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ዝጸሉ ብምዃኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ወይ ብዓመጻዊ መገዲ ልኡላዊ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ እትገብሮ ፈተነታት ከም ዘይትድግፎ ዘመልክት’ዩ ድማ ይብሉ። እዚ ምዕባለ’ዚ ዝገሃድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኵነታት ናይታ ብመሬት ዝተኸበበት ኢትዮጵያ ብግሁድ ከም "ቤት ማእሰርቲ" ገይሩ ኣብ ዝገልጸሉን ወደብ ቀይሕ ባሕሪ (ከም ዓሰብ) ምምላስ ድማ ከም ህዝባዊ ጠለብ ኣብ ዘቕርበሉን ዘሎ እዋን’ዩ።
ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኣወጀቶ ሕብረ-ሃገራዊ ናይ ባሕሪ ምክልኻል ኪዳንን ኣመሪካ ናብ ኣስመራ ዘቕነዐቶ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶን ንኢትዮጵያ ብግሁድ ዘዋስን ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ ዝብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ምሕዝነት ኣመሪካን ኤርትራን ንኣዲስ ኣበባ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ዝጸንሓ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ታሪኻዊ ዝምድና ከም ዝተሓላለኽ ኽገብሮን ናብ ግለላ ኸየምርሕን ከም እትሰግእ እቶም ተንተንቲ ይሕብሩ።
ፖለቲካዊ ሕርያ ኤርትራ እንታይ ይኹን፧
ዝኾነ ብወገን ኢትዮጵያ ዝለዓል ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ሕቶ፡ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕግታትን ዲፕሎማስያዊ ልዝብን ክፍታሕ ዝኽእል ጕዳይ’ዩ። ይኹን እምበር፣ እቲ ተበግሶ ንልኡላውነት ኤርትራን መሬታዊ ሓድነታን ዝግህስ ምስ ዝኸውን ናብ ዘይተርፍ ጐነጽን ዂናትን’ዩ ዘምርሕ። ህልውናዊ ሓደጋ ስለ ዝፈጥር። ስለዚ’ዩ ድማ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓይሊ ዝተሓወሶ ናይ ምጕብዕባዕ ተበግሶ፡ ብደረጃ ዓለም ክኹነን ዝግብኦ። ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰላ ዝተሓለወ’ዩ። እዚ መሰል’ዚ ድማ ብወተሃደራዊ ድልውነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓያልን ውርጹጽን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ብልሒ ዝሓትት’ዩ።
ኣብዚ ህልውናዊ ስግኣት ኣጋጢሙሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዕቱብ ኽምልሶም ዘለዎ ሕቶታት ኣለዉ። መገዲ ተነጽሎ፡ ውሽጣዊ ጭቆናን ብስምዒት ዝድረኽ ዅናትን ጥራይ ሃገራዊ ድሕነት ከረጋግጽ ኣይክእልን’ዩ። ነዚ ቕልውላው’ዚ ንምብዳህ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ስትራተጅያዊ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዘድልየሉ እዋን’ዩ። ንምብራህ ዝኣክል፦
መንግስቲ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቍጽጽርን ግለላን ማእከል ዝገበረ ምሕደራዊ ቕዲ ተመርኲሱ’ዩ ኽሰርሕ ጸኒሑ። ነቲ ዝጸደቐ ቕዋም ኣብ ግብሪ ምውዓል ሓንጊዱ፣ ንፖለቲካዊ ብዙሕነት ነጺግዎ፣ ናይ ሕልና እሱራት ምፍታሕ ኣብዩ፣ ቍጠባ ሃገር ረሚሱ፣ ከምኡ’ውን ንዅሉ ተቓውሞ ዓፊንዎ። እዚ ድማ ውሽጣዊ ቕሬታን ንሃገራዊ ሓድነት ዘዳኽም ውሽጣዊ ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ። ምስ ህዝቡ ኣብ ትፍንን ዝርከብ መንግስቲ፡ ንናይ ደገ ሓደጋ ብብቕዓት ኽገጥሞ ዝህልዎ ዓቕሚ ኸምቲ ዝድለ ኣይኮነን። እዚ ናይ ንጽገትን ግለላን ፖለቲካ፡ ኣብዚ ተነቃፊ ሰዓት’ዚ ከቶ ዘዋጽእ ኣይኮነን።
ህልውናዊ ሓደጋ ዘጋጠማ ሃገር፡ ውሕስነታ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጽኑዕ ድሌትን ተወፋይነትን ህዝባ’ዩ ዝምርኰስ። ስርዓት ህግደፍ ንሓደ ዓቢ ኽፋል ዜጋታቱ ከም ጸላእቲ ብምስራዕ፡ ኣብ ክልተ ግንባራት—ሓደ ውሽጣዊ፡ ሓደ ድማ ግዳማዊ—ዅናት ካብ ዝኸፍት ሓያለይ ኮይኑ’ዩ። እዚ ብስትራተጅያዊ ዓይኒ ኽርአ እንከሎ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ክንዲ ዝኾነ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ቕድመ-ኵነት ዘይብሉ ሃገራዊ ዘተ ብምጅማር፡ ናይ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ሓቛፊ መንግስቲ ብምምስራት ናብ ቕዋማዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘምርሕ ተበግሶ ኽወስድ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ንዅሎም ናይ ሕልና እሱራት ብምፍታሕ ብስለት ኸርእን ንህዝቡ ዘለዎ ናይ ሓቂ ሓልዮትን ኸውሕስ ይግባእ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ገለ ቕድመ-ኵነት ኣብ ደገ ተደኲኖም ንዝነጥፉ ተቓወምቲ ውዳበታት ናይ ሰላምን ዕርቅን ኢድ ኽዝርግሕን ንዘሳስይዎም ፖለቲካዊ ኣጠማምታታት ኽእንግድን ንረብሓ ሃገር ዝሓይሽ ኣማራጺታት ኽድህስስን ግዴታ ኣለዎ። “ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ዓድኹም እተዉ” ዝብል ሜላ ግጕይ’ዩ።
ማዕረ ማዕረ’ዚ ተቓወምቲ ውዳበታት ኤርትራ ኣብቲ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ዝህልዎ ጽልዋን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ምንቅስቓስን ዝገብሮ ምውህሃድን ምንባብን ዝምርኰስ’ዩ። እዚ ኽሳለጥ ድማ ኣብ ዝወሓደ ፕሮግራም ምዕሳል ዝጠልብ ስራሕ ክኸውን’ዩ። ናይ ኵሎም ኣብ ደገ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ኻልኦት ንለውጢ ዝመነኑ ናይ ፖለቲካ ቀስቀስትን (activists) ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር ምምስራትን ኣብዘን ዝስዕባ መሰረታውያን ዕላማታት ኽዓስሉን ተጠላቢ’ዩ፦ ሀ) ንዅሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ፡ ብሓቛፍነት፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝልለ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም ለ) ብምምስራት ቕዋማዊ መንግስቲ ኣቢልካ ናብ ሃገራዊ ህንጸትን ዘላቒ ልምዓትን ምስግጋር። እቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ውዳበታት ሓንስእ ኣብ ዝወሓደ ፕሮግራም ምስ ዓሰሉ፡ ሓያል ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሓት ኸሳልጡ፡ ውሕሉል ዲፕሎማሲ ኸካይዱ፡ ንማሕበረሰብ ዲያስፖራ በብሞያኡ ኽጥርናፉን ኣብ ድሕረ ለውጢ ዘገልግሉ ንድፈ ጽሑፋት ኸዳልውን ዘሎ ተኽእሎ እናዓበየ ይመጽእ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ብዕቱብነት ንኽርእዮም ዘገገድ ዅነታት ድማ ይፈጥሩ።
ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን እትመሓደርን ሃገራዊ ዕርቂ ዘውሓሰትን ኤርትራ፡ ንናይ ግዳም ምትእትታው ምቹእ ባይታ ኣይትኸውንን’ያ። ጽኑዕን ኣብ ሓደ ዘዕስል ጽላል ብምውዳድ፡ ንኢትዮጵያን ንኻልኦት ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያታ ኢዶም ንምእታው ንዝመጣጠሩ ሓይልታትን ድማ ዕድል ኽትነፍጎም ትኽእል’ያ። ሓቛፊ መንግስቲ ንማዕጾታት ሓያላት ሃገራት ዓለም—ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ሕቡራት ሃገራትን—ሕጋውነት ብዝለበሰ ኣገባብ ክዅሕዅሕን፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ዝውክል ካብ ላዕለዋይ ስነ-ምግባራዊ ባይታ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ጻውዒት ኸቕርብን ይኽእል።
ኤርትራ ዂናት ንምውጋድ ዘኽእሉ ዅሎም ሜላታት ኽትጥቀም መሰላ’ዩ። እቲ ትዅረት ግን፡ እቲ ዂናት ቅድሚ ምብርዑ ንምግትኡ ዘኽእል ኣብ ውሕሉልን ንጡፍን ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ኽምርኰስ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ንዅሉ ስልታውን ስትራተጅያውን ኪዳናት ምድህሳስ ማለት’ዩ። ከም መሳርሒ ዂናት ዘይኮነስ፡ ከም መግትኢ ዂናት። በይናዊ ዘይኮነ፡ ብሓቛፊ ናብ ሓባራዊ ውሳነ ዘብጽሕ ምሕደራዊ ኣልያ’ውን።
ሓድነታ ዘውሓሰትን ህዝባ ዝሓቘፈትን ኤርትራ፡ ኢጋድን (IGAD) ሕብረት ኣፍሪቃን ካብ መግለጺታት ሓሊፎም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ኽገብሩን ንኢትዮጵያ ድማ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ዘለዋ ድሌት ብወተሃደራዊ ጸቕጢ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ተመርኲሳ ተበግሶታት ኽትወስድ ከም ዝግባእን ጸቕጢ ንኽገብሩ ይሕግዝ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹኑ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብ ጐስጓሳት ዅናትን ኣነሃሃርቲ ቃላት ካብ ምውርዋርን ኽቝጠቡ ታሪኽ ሓላፍነት የሰክሞም። ማሕበራዊ ብዙሓን ከም መጐስጐሲ ዕርቅን ሰላምን ደኣ’ምበር መጐሃሃሪ ጽልኢ ኽጥቀሙሎም ኣይግባእን። ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለምለኻውያን ሓይልታትን፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምውሓስ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ኸካይዱ ኣለዎም።
ኣድላይነት ዞባዊ ምትሕባባር፡ ዶባት ካብ መንደቕ ናብ መሰጋገሪ ድልድል
ጂኦግራፍን ታሪኽን፡ ንዕድል ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳንን ሶማልያን ከም ዝተኣሳሰር ይገብሮ። ክንዲ ዝኾነ ድማ እዘን ሃገራት’ዚኣተን ንሓባራዊ ጽቡቕ (common good) ኽሰርሓ ግዴታ ኣለወን። እንተ ዘይኮይኑ ግን ንውድቀተን ጥራይ’የን ዝዕድማ። ቀዳምነተን ድማ ውሽጣውን ዞባውን ሰላም ምውሓስን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ምድንፋዕን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ንውክልና ዝካየድ ዅናት ብሓባር ምንጻግ ይሓትት። እዘን ሃገራት’ዚኣተን ኣብ ፖለቲካዊ መፈንጠራ ዞባውያን ወይ ዓለምለኻውያን ሓይልታት ኸይወድቃን ንረብሓታተን ኸየገልግላን ብርቱዕ ጥንቃቐ ኸዘውትራ ይግባእ። ጸገማተን ብሰላም፡ ብዘተ፡ ብምርድዳእ፡ ከማኡ’ውን ልምዳዊ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭታት ሜላታትን ኣህጉራዊ ሽምግልናን ብምውህሃድ ኽፈትሓኦ ይግባእ። ኵሎም ምስ ዶብ ዝተሓሓዙን ካልኦት ዘይምርድዳኣትን ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ኽፍትሑ ይምረጹ። ንምፍትሑ ዝወስዶ ግዜ ብዘየገድስ፡ ንጣብ ደም ንኸይትፈስስ ዝከኣሎም ኽገብሩ ይግባእ።
ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ሱዳንን ውሽጣዊ ቕልውላዋተን በብናተን ቕዋማዊ ስርዓታት ኽፈትሓኦ ኣለወን። ፖለቲካዊ ብዙሕነት ምንጻግን ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዜጋታት ዓመጽ ምዝውታርን ውሽጣዊ ጕዳያት ጥራይ ኣይኮኑን፣ ንዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘብእሱ ነዳዲ’ውን እዮም።
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኽብልጽጋ እንተ ኾይነን፡ ዶባተን ብዘይ ድረታ ኸርሕዋ ዘኽእለን ኣተሓሳስባ ኸማዕብላ ኣለወን። ዶባት፡ ናይ ምክፍፋልን መበገሲ ግጭትን መንደቕ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ ናይ ዕድላት መስኮት—ናይ ንግዲ፡ ናይ ባህላዊ ምልውዋጥን ሓባራዊ ቝጠባ መተሓላለፊታት—ክኾኑ ኣለዎም። እዘን ሃገራት’ዚኣተን ብዘይካ ናብ ቍጠባዊ ውህደት ገጽካ ምምራሽ ካልእ ኣማራጺ የብለንን። እኺሉ ዝተርፍ ጸጋታት ስለ ዘለወን። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ’ዚ ዘይጭበጥ ኣይኮነን። ቕልውላው ንምግታእን ምርግጋእ ንምውሓስን ዘኽእል እንኮ ኽውንነታዊ መሰረት’ዩ።



Comments