top of page
Search

ካብ ቃራና-መገዲ ናብ ኮሪደራት፦ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ስርዓተ-ቀይሕ ባሕርን (መቐጸልታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና-መገዲ)

Sep 17
7 min read

Updated: Sep 18

ካብ ቃራና-መገዲ ናብ ኮሪደራት፦ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ስርዓተ-ቀይሕ ባሕርን (መቐጸልታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና-መገዲ)

ብሰመረ ሰሎሞን

መስከረም 18 2026

 


መእተዊ፡ ንተግባራዊ ኣፈጻጽማ

እቲ ብዕለት 3 መስከረም 2026 ዝቐረበ ሓተታ፡ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ጥራይ ንበይኑ ሓይሊ ክፈጥር ከም ዘይክእል ምጕት ቀሪቡ ነይሩ። ገማግም ቀይሕ ባሕርን ቅርበቶም ንባብ ኤል-መንደብን ከም ጸጋታት ክቝጸሩ ዝኽእሉ፡ እታ ሃገር ነቲ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ናብ ቅዋማዊ ልኡላውነት፡ ነቲ ሕጋዊ ቍመና ድማ ናብ ምትሕብባር፡ ንምትሕብባር ድማ ናብ ቍጠባዊ ዓቕሚ ኽትቅይሮ ምስ እትኽእል ጥራይ’ዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተለቀ ሓተታ፡ ነቶም ክብጻሑ ዝድለዩ ስትራትጅያዊ መዓልቦታት ዝተፈላለዩ ሰብ ብርኪ ጠቒሱ ነይሩ።  ንሳቶም ድማ፦ ሃገራዊ ስኒትን ቅዋማዊ ምሕደራ ከተውሕስ፣ ኢትዮጵያ ወደባዊ ንግዳዊ ኣገልግሎት እትረኽበሉ ዅነታት ክፍጠር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጹራት፡ ኣብ ኮሪደራት ዝተሰረተ ዞባዊ ስርዓት ምፍጣር’ዮም። እቲ ሓተታ ዘየቕረቦ ነገር እንተ ነይሩ ግን እቲ ፍኖተ-ካርታ’ዩ። "ልዝብ"፡ "ምውህሃድ"፡ ከምኡ’ውን "ጥንቃቐ ዝመልኣ ምሕደራ" መወከሲ ብሶላታት’ምበር መደባት ጕዕዞ (iteneraries) ኣይኮኑን። ስለዚ፡ እዚ መቐጸልታ ጽሑፍ’ዚ  ነቲ ናይ ትምኒት ቃና ንጐኒ ብምግዳፍ፡ ናብቲ ዝኸበደ ንተግባራዊነቱ ዝእምቱ መድባት ከተኵር’ዩ።  መን እንታይ ዓይነት ግድፈት ይገብረ፧ ብኸመይ ዝብለ ቅደም-ተኸተል፧ ብዋጋ መንን ከምኡ’ውን ከመይ ዝብለ ውሕስነታት ብምሃብን። ብዓቢኡ ኣብዚ ኽትኰረሉ ተድለዩ ዘሎ ጕዳይ፡ ካብ ጸቢብ ሃገራዊ ረብሓታት ወጺእካ ብዞባን ብዓለም ደረጃ ምሕሳብ’ዩ። “ሃገራት እንትርፎ ኽስስና፡ ነዛ ንህላዌን’ውን እንተ ኾነ ነንበይነን ከክረገጋጻ ከም ዘይክእላ” ካብ ዝብለ ኣድማሳዊ ሓቒ ዝብገስ ኣተሓሳስባ ድማ’ዩ። እዚ ኸኣ ፍልልያት ሃገራዊ ረብሓታተን ብዘየገድስ’ዩ።

 

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት ኽቐርብ’ዩ። ንዘቤታዊ ኽውነታትን መሰረትን ኤርትራ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ናይ ኢትዮጵያ ድልየት፣ እቲ ናህሪ ዝዘለዎ መገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርአ ዘሎ ውድድር፣ ብደረጃታት ዝተኸፋፈለ መርሓ-ጐደና (roadmap)፡ ኣርባዕተ ኣማራጺታት (scenarios) ምስ ናይ ቅድመ-መጠንቀቕታታቶም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ዓወት ዝዕቀነሎም ረቛሒታት ይምርምር። እቲ ቐንዲን ማእከላይን መጐተ፡ ናይ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ስግግር ብቅደም-ተኸተል ዝመጽእ’ምበር ብተብተብ’ሞ ኵሉ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ክፍጸም ዘይክእል ምዃኑ’ዩ። ናይ ወደብ ኣገልግሎት ቅድሚ ቅዋማዊ ፍታሕ ምርካብ ክመጽእ ዝኽእል ጕዳይ’ዩ። ተክኒካዊ ምትሕብባር ድማ ካብ ካብ ፖለቲካዊ መግለጺታት ንላዕሊ ንፖለቲካዊ እረማ (reform) ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ።  

 

1. ኤርትራ፡ ዘቤታዊ መሰረት

ብዛዕባ ዞባዊ ተራ ኤርትራ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዕቱብ ዘተ፡ እታ ሃገር ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ኸም ዘይትፈልጥ፡ ነቲ ናይ 1997 ዓ.ም. ቅዋማ ፈጺማ ከም ዘይተግበረቶን ከምኡ’ውን ደረተ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ተኸታታሊ ማዕበል ስደት ከም ዘየቛረጸን ዝብሉ ሓቅታት ክንእምነሎም ክንክእል ኣለና። እቲ ዘተ’ውን ነዚ መሰረት ክገብር ኣለዎ። ስነ-መጐት ህላወን ቀጻልነትን ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ (ህግደፋ) ግን ምስ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ዝተተሓሓዘ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ንሱ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ቀጻሊ ኽተት ምሕደራ ህጹጽ ኵነታት ክህሉ ምስምስ ይፈጥር። እዚ ብግዲኡ ድማ ኽግበሩ ዝግብኦም ለውጥታት ንኽውንዘፋ ከም መመኽነይታ ኮይኑ የገልግል።

 

እዚ ንናይ ግዳም ሰብ ብርኪ ኣብ ከቢድ ሕልኽላኽ የእትዎም። ብዓይኒ ታሪኽ ክራአ እንከሎ፡ እገዳታትን ተነጽሎን ነቲ ስርዓት ካብ ምግራሕ ወይ ከም ዝለዝብ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዝያድ ድርቕና ከም ዘርኢ ገይርዎ’ዩ። ምስቲ ስርዓት ብዘይ ዝኾነ ቕድመ-ኵነት ዝግበር ጽምዶ’ምበኣር ነቲ ንዜጋታቱ ከም መሰል ዘለዎም ሰባት ዘይኮነ ከም ጸጋታት (ከም ድላዩ ዝጥቀመሎም) ስርዓት ሕጋውነት ናይ ምሃብ ሓደጋ ኣለዎ። እቲ ማእከላይ መገዲ’ምበኣር ምስ ብጭቡጥ ክረጋገጹ ዝኽእሉን (verifiable) ደረጃ ብደረጃ ዝትግበሩን ስጕምትታት ዝተኣሳሰረ ቅድመ-ኵነታዊ ኣገባብ’ዩ ኽኸውን ዘለዎ። እዚእቶም ነዞም ዝስዕቡ ኸጠቓልሉ ይኽእሉ፦ ምፍታሕ ናይቶም ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቀየዲ ኣትዮም ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት፡ ምግባእ ኵሉ-ዘካተት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስትን ከምኡ’ውን ንቕዋማዊ ምኽክር ዘገልግል ናይ ግዜ ሰሌዳ ምቕማጥ። እዚኦም ላዕለዋይ ደረት (maximalist) ጠለባት ኣይኮኑን። እዚኦም ንጸጋታት ዲያስፖራ፡ ወፍሪ ወሽመጥ ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ንዓለምለኻዊ ልቓሓት መገዲ ዘርሕዉ ዝወሓደ ደረጃ ዘለዎም ቕድመ-ኵነታት’ዮም።

 

ሃገራዊ ዘተ ቅድሚ’ቲ ቕዋማዊ ዋዕላ ምክያዱ ኽግበር ዘለዎ ፍጻመ ኸኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ዘኽእሉ ቅድመ-ምድላዋት’ውን ኣቐዲሞም ክጻፈፉ ኣለዎም።  እዚ ድማ ምስ ማሕበረሰባት ዲያስፖራ፡ መርበባት መንእሰያት፡ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ሞያ ማሕበራት፡ ሰብ ዋኒን፡ ከምኡ’ውን ልምዳውያን መራሕትን መራሕቲ ሃይማኖት ብዝግበር ምኽክር ክጅምር ይግባእ። እዞም ኣካላት’ዚእቶም ብተግባር ክርአዩ እንከለዉ ካብቶም ወግዓውያን ትካላት’ታ ሃገር ወጻኢ፡ ከም ሲቪካውያን ማሕበራት ኮይኖም ክርአዩ ዝኽእሉ ኣካላትን ተዋሳእትን’ዮም። እቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ምቅርራብ፡ ብሓንቲ ውሳነ ጥራይ ተነጽሎ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘግሃደ መርትዖ’ዩ ነይሩ። ብግልባጡ’ውን ካልእ ሓቂ ኣሎ። ብዘይ ዘቤታዊ እረማ ወይ ለውጢ፡ እቲ ዝተገብረ ምቅርራብ ኣብ ህይወት ተራ ኤርትራውያን ዘምጽኦ ለውጢ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ነይሩ። ዲፕሎማሲ ዘይኮነስ፡ ብኵራት ቅዋማውነት’ዩ እቲ ቐንድን ወሳንን ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን።

 

2. ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድልየት 

ኢትዮጵያ ብ1993 ዓ.ም. ወደብ-ኣልቦ ሃገር ኮይና። ምስዚ ሓቂ’ዝዚ ድማ ፈጺማ ተዓሪቓ ኣይትፈልጥን። ንንግዲ ብዓቢኡ ኣብ ጅቡቲ ጥራይ ትምርኰስ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ወደብን ኮሪደርን ወጻኢታት ትኸፍልን ከምኡ’ውን ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣገባብ ናይ ምጭንፋር (diversification) ስጕምትታት ክትወስድ ፈቲና’ያ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝርከብ ወደብ በርበራ ውሑድ ብጽሒት (minority stake) ከም ዝህልዋ ገይራ። ብዘይካ’ዚ ብ2024 ዓ.ም. ምስ ሶማሊላንድ ንዓለም ዘሰንበደ መዘክረ-ውዕል ፈሪማ። እዚ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ስግእት ስለ ዝፈጠረ ብኣማላድነት ቱርኪ ኣብ ዝተፈጸመ ውዕል ክትእቱ ተገዲዳ።  እቶም ደረኽቲ ሓይልታት ርኡያት’ዮም፦ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብሓንቲ ጐረቤት ሃገር ጥራይ (ጂቡቲ) ቍጽጽር ዝግበረሉ ሓደ ኮሪደር ክትምርኰስ ኣይትኽእልን’ያ።

 

ስለዚ፡ ሓደ ብዕቱብ ክውሰድ ዝኽእል እማመ ኽህሉ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕሉሓት ድልየታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንጹርነት ክህሉ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ብቐዳምነት፡ ዘተኣማምን ናይ ንግዲ ኣፍደገ፤ ካልኣይ፡ ተተንባዪ (predictable) ስርዓተ-ጕምሩክን መጐዓዝያን (transit)፡ ሳልሳይ ድማ ናይ ኮሪደር ትሕተ-ቕርጺ ማለት ጽርግያ፡ መገዲ ባቡር፡ ጸዓትን፡ ዲጂታዊ መዋቕርን። እዚኣቶም ብድርድር ክፍትሑ ዝኽእሉ’ዮም። ካልኦት ጕዳያት እንተልዮም’ውን ከከም ኣመጻጽኣኦም ኣህጕራዊ ሕግን ስትራትጅያዊ ረብሓ ናይቲ ዞባ ብዘገልግል ኣገባብ ይፍትሑ። ንኣብነት ንዞባዊ ጸጥታ ምውሓስ ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት።

 

ዓሰብ እታ ተፈጥሮኣዊት ሕጽይቲ ወደብ’ያ። ካብ ጅቡቲ ንላዕሊ ንኣዲስ ኣበባ ዝቐረበት፡ ብዘሎ ጽርግያ ዝተኣሳሰረትን ከምኡ’ውን ልኡላውነት ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ኣብ ልዕሊ መሬት ኤርትራ ስለ ተደኲና ስለ ዘላን። ናይ ነዊሕ ግዜ ኽራይ፡ ተኽእሎ ሓባራዊ ወፍርን ምሕደራን ወደብ (ምድህሳሱ ሕማቕ ኣይኮነን)፡ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን (free-zone)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣት ኵርንዓት ዓለም ከም ዝዝውተሩ ናይ ወደብ-ኣልቦ ሃገራት ስርዓተ-መጐዓዝያ መልክዕ ዝሓዘ ኽልተኣዊ ስምምዓትን፡ ዶባት ከይተጋህሱ ናይ ኢትዮጵያ ድልየታት ከማልኡ ይኽእሉ’ዮም። ነዚ ዝመሳሰል ስነ-መጐት፡ ንታጁራ፡ ባጽዕ፡ ከምኡ’ውን በርበራ ኽገልግል ይኽእል’ዩ።  ብዙሓት ኮሪደራት ምህላዎም ድማ ናይ ዝኾነ ኣእንጋዲት ሃገር ናይ ጸቕጢ ዓቕሚ (leverage) የጉድሎ። ናይቲ ምሉእ ዞባ ፖለቲካዊ ውጥረትን ሙቐትን ድማ ከም ዝንኪ ይገብሮ።  

 

እቲ ዕንቅፋት ተክኒካዊ ኣይኮነን። ዝኽሪ’ዩ። ንኤርትራ፡ ዓሰብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝተዋግኡሉን ናጽነት ኤርትራ ኣብ ፈተና ዝወደቐሉን ቦታን’ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ምስኣን ዓሰብ ከም ምብታኽ ወይ ምቍራጽ ናይ ባሕሪ መንነታ ዘመልክት ገይራ ወሲዳቶ። ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ወገን ዝግበር ስምምዕ’ምበኣር (ኵርዓትካ ውሒጥካ) ፖለቲካዊ ሽፋን ክግበረሉ ኣድላዪ’ዩ። እዚ ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልል ይኽእል፦ ዞባዊ ድጋፍ፣ ናይ ሳልሳይ ወገን ውሕስነታትን ኣብ መንጎ ኽልተ ሃገራት ዝፍጸም ንኣፍድገ ባሕሪ ናይ ምጥቓም ስምምዕ ድማ ከም ሽርክነት ደኣ’ምበር ከም ግድፈት (concession) ክረአ ከም ዘይብሉ ነቲ ትረኻ ቕርጺ ምልባሱ ከድሊ’ዩ።   

 

 3. ናይ ቀይሕ ባሕሪ ስኒት  

 ቀይሕ ባሕሪ መድረኽ ኲናት ውክልና ኮይኑ እንተ ቐጺሉ፡ ዝኾነ ኽልተኣዊ ስምምዕ ዘላቒ ኽኸውን ኣይክእልን’ዩ። ግብጺ ንጕዳይ’ቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ድልየት ብመነጽር ፖለቲካ ፈለግ ኒል’ያ እትጥምቶ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ በርበራ ተመሓድርን ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ጸጥታ መዋቕር ድማ ትውንንን። ስዑዲ ዓረብ ንቐይሕ ባሕሪ ቝጽጽር ክትገብረሉ ትደሊ።  ቱርኪ ኣማላዲት ኣውፋሪትን ኮይና ኣላ። ቐጠር፡ እስራኤል፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ረብሓ ወይ ወተሃደራዊ መደበራት ወይ’ውን ክልቲኡ ኣለወን። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ካብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ብዕጡቓ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት፡ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ መድሕን (insurance) ዘይርከበሉ ቦታ ኽኸውን ከም ዝኽእል ተጋሂዱ’ዩ።

 

እዚ ዞባ’ዚ ናይ ሓባር መድረኽ (forum) ይጐድሎ። ኢጋድ (IGAD) ድኹም’ዩ። ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ድማ ሓርፋፍን ዘይቀዋምን ነይሩ። ኤርትራ ኽልተ ግዚያት ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ስሒባ’ያ። ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ባሕሪ ስልጣን ኮነ ናይ ምትግባሩ ዓቕሚ የብሉን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ዝድለ ዘሎ’ምበኣር ሓድሽ ቢሮክራሲ ዘይኮነስ ምጡንን ተግባራውን ዝኾነ ስኒት’ዩ። እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዲሙ ተሳትፎ ሃገራት ወሽመጥን ኤውሮጳን ዘሕውስ ክኸውን ድማ ተጠላቢ’ዩ። እዚ ንድሕነት መራኽብ ንግዲ፡ ስኒት ስርዓተ-ጕምሩክ፡ ከምኡ’ውን ምፍታሕ ዘይምርድዳኣት (dispute resolution) ዘተኰረ ይኸውን። ዕላምኡ ድማ ንግዳዊ ኮሪደራት ኣብ ጐነጻዊ ተሃላላኽነት ናጻ ኸም ዝኸወን ምግባር’ዩ። 

 

እዚ ንኤርትራ ብፍላይ ኣገዳሲ’ዩ። ሓንቲ ሃገር ንገዛእ ርእሳ ከም ዘራጊት ዘይኮነትስ ከም ኣውሓሲት (guarantor) ስርዓተ-ባሕሪ ገይራ እንተ ቐሪባ፡ ነቲ ናይ ጸጥታ ምትሕብባር፡ ብወፍሪ፡ ብምልዓል እገዳታት፡ ከምኡ’ውን ብዲፕሎማስያዊ ሕውየት ክትልውጦ ትኽእል’ያ። ገማግም ባሕራ ንተቐናቐንቲ ሓይልታት ዘካርየት ሃገር ግና ከም መሻርኽቲ ዘይኮነስ ከም ናይ ውግእ ባይታ (terrain) ጥራይ’ያ ኽትረአ ትኽእል።

 

4. ብደረጃታት ዝተኸፋፈለ መደብ ዕዮ

ምትእምማን ምፍጣር ቀዳማይ ገጽ’ዩ። ብዛዕባ ወደባዊ ኣገልግሎትን ክፍሊታት መጐዓዝያን ዝምልከት ተክኒካዊ ዘተ ምክያድ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሕንጻጽን ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ኣገልግሎታትን ብተመሳሳሊ መልክዕ ድማ ምኽፋት ከድሊ’ዩ። ኤርትራ ምስ ኢጋድን (IGAD) ሕብረት ኣፍሪቃን ዳግም ምቅርራብ ምግባር ከድልያ’ዩ። ኣብ ኮሪደራት ዓሰብን ጅቡቲን ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጕምትታት ምውሳድ’ውን ከምኡ። እዚ ንናይ ግዳም ሰብ ብርኪ መተባብዒ ኽከውን ይኽእል። ዒላማ ዝገበረ ናይ ልምዓት ፋይናንስ፡ ናይ ስደተኛታት ውዕላት፡ ከምኡ’ውን ናይ ዲያስፖራ ወፍሪ ምውሓስ ገለ ካብኣቶም ምጥቃስ ይከኣል።  

 

 ተክኒካዊ ስምምዓት ምግባር እቲ ካልእይ ገጽ ክኸውን ይኽእል።  ብሳልሳይ ወገን ዝካየዱ ናይ ሽምግልና ዓንቀጻት ዘጠቓልሉ ዝተፈረሙ ናይ መጐዓዝያን ንኣገልግሎት ወደባት ዝምልከቱ ውዕላት ምግባር ከድሊ’ዩ። ተኽእሎ ሓባራዊ ወፍርን ምሕደራን ዓሰብ ምድህሳስ፤ ወሽመጥ ዓረብ፡ ቻይና፡ ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ብብዙሕ-ወገናውያን (multi-lateral) ኣለቃሕቲ ዝምወል ናይ ባቡርን ጽርግያን መስመራት ምምሕያሻት ምግባር፤ ስርዓተ ጕምሩክ ምስናይን ይጥለብ። ጸጥታ ቐይሕ ባሕሪ ምውህሃድን’ውን ብዘይ ውዓል-ሕደር ክሕሰበሉን ንትግባረኡ ዘገልግሉ ቕጥዕታት ክረቁን ይግባእ። ።    

 ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ምኽክር ምክያድን ቅዋም ምትግባርን ሳልሳይ ገጽ ናይቲ መስርሕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ብምውዳድ ናይ ብዙሕ-ሰልፍታት መዋቕርን ናይ ምርጫ ሰሌዳ ግዜን ይስነ። ምስ ገማግም ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ናይ መጐዓዝያ ቻርተር ከም ዘጽድቓ ምግባር’ውን ተጠላቢ ኽኸውን’ዩ። 

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቕደም-ተኸተል ኣገዳሲ’ዩ።  እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምፍጣጥ ናብ ረጽሚ ኸየምርሐ እንከሎ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ምርካብ ዝቐለለ ዓወት’ዩ። ነቲ ዝዓሞቐ ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ባብ ይኸፍት።

 

 5. ኣርባዕተ ኣማራጽታት  

ሀ. ብናይ ከበባ ስነ-መጐት እትመሓደር ኤርትራ ንለውጢ ትነጽግ፡ ክተት ትቐጽል፡ ከምኡ’ውን ንናይ ግዳም ሓይልታት ነንሓድሕዶም ኣብ ረጽሚ ከም ዝኣትዉ ምግባር ትቕጽል። እዚ ድማ በዞም ዝስዕቡ ክስተታት ይግለጽ፦ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንዲያስፖራ ምግላልን ዝኾነ ናይ ወደብ ስምምዕ ከም ዘይህሉ ምግባርን ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደጀን ከም ዝህልዎም ምህባርን።   

 

ለ. ብዘይ ሓባራዊ ዞባዊ መዋቕር ክልተኣውያን ስምምዓት ይበዝሑ። ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ፡ ኢማራት ምስ በርበራ፡ ወዘተ። እዚእቶም ድማ ዝተበታተነ ዞባ ቐይሕ ባሕሪ ንኽፍጠር ጠንቂ ይኾኑ።  ተቐናቐንቲ መዘክረ-ውዕላት ይፍረሙ። ክፍሊት መድሕን መራኽብ ንግዲ ናብ ሰማይ ይዓርግ፡ ናይ ውክልና ኲናት ፍጻመታትን እናገነኑ ይመጹ።

 

ሐ. ተክኒካዊ ስምምዓት ናብ ዘላቒ ንግዳዊ ዕብየት፡ ምህናጽ ሓባራዊ ትሕተ-ቕርጽታትን ከምኡ’ውን ደረጀ ብደረጃ ዝምዕብለ ፖለቲካዊ ምኽፋትን የምርሑ። ናይ ኮሪደር ምውህሃድ ድማ ይፈጥሩ። ዝተፈረሙ ውዕላት መጐዓዝያን ስኒት ዘለዎ ስርዓተ-ጕምሪክን፡ ምህናጽ መገድታን መስመራት ባቡርን መግልጺ ናይዚ ምዕባለ ኽኾኑ ይኽእሉ።  

 

መ. ብስርዓት ዝሰርሕ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ርክብ ጕጅለ ንውድድራት ይቘቆጻጸር፡ ንናጻ መጐዓዝያ መራኽብ ድማ ይከላኸለሉ። እዚ ኸኣ’ዩ ዞባዊ ስኒት ዝበሃል። ኣብ ትሕቲ’ዚ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምገሉ ሓባራዊ ናይ ባሕሪ ሓለዋታትን ሓባራዊ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ መስመራትን ይኽፈቱ።   

 

6. ዓወት እንታይ ይመስል፧

ዓወት፡ ብምምሕያሽ ህይወት ዜጋታት ደኣ’ምበር ብመግልጺታት ፖለቲካ   ክዕቀን የብሉን። እቶም መዕቀኒታት ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፦ ምንካይ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ ቍጽሪ ተመልሰቲ ኤርትራውያን፤ መጠን ክፍሊት ወደብ መጐዓዝያን ንሓደ ኮንተይነር ዝኽፈል ወጻኢን፤ ጕምሩክ ንምጽራይ ዘወስዱ መዓልታ፤ ንውሓት ዝተመሓየሸ ናይ ባቡር መስመር፤ ብዝተፈላለዩ ኮሪደራት ዝካየድ ናይ ንግዲ ብጽሒትን ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራውያን መንግስቶም ኣብ ምምራጽ ክሳተፉ ይኽእሉ ድዮም ወይስ ኣይኽእሉን ዝብሉ’ዮም። መዐቀንታት መሰላት—ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ፕረስ፡ ሃይማኖትን፡ ምንቅስቓስን ስልማት ኣይኮኑን። ንሳቶም ባዕሎም እቶም ነቲ መዋቕር ተሰኪሞም ዝሓዙ ቐንዲ ኣዕኑድ’ዮም።

 

መደምደምታ  

እቲ ዝሓለፈ ሓተታ ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቃራና-መገዲ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ምግላጹ ቅኑዕ’ዩ ነይሩ። ቃራና-መገዲ ግን ብጽንሰ-ሓሳብ ጥራይ ኣይፍታሕን’ዩ። እቲ ፍታሕ ዝመጽእ ነተን ኮሪደራት ብምህናጽ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ፣ ኤርትራ ልኡላውነትን ቅዋማውነትን የድልያ፣ ንቐይሕ ባሕሪ ሕግታት የድልዮ፣ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ንዝነብሩ ተራ ዜጋታት ድማ ልዕሊ ልኡላውነት፡ ብልጽግና፡ ራህዋን ሰላምን የድልዮም።

 

ስለዚ፡ ናይቲ መበቈላዊ ምጕት መቐጸልታ ጽሑፍ፡ ዘብለጭልጭ ስልማት ጥራይ ኮይኑ ኽተርፍ የብሉን። ብዛዕባ ሕግታት ጕምሩክ፡ ናይ ክራይ ደረተ-ግዜ፡ ዓንቀጻት ሽምግልና፡ ከምኡ’ውን ናይ ኮንተይነር ወጻኢታት ክዝረብ ኣለዎ። እቲ ቕደም-ተኸተል ዘይምሉእ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ደገ ተዋሳእቲ ብዓይኒ ጥርጥረ ምርኣይ ክቕጽሉ ይኽእል’ዩ። ከምኡ’ውን መሪሕነት ኤርትራ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ለውጢ ኣጋጣሚ ኽነጽጎ ይኽእል’ዩ። ምስዚ ግን ሓንቲ ቐላል ሓቂ ኽንቅበል ኣለና፦ ጆግራፍ፡ ናብ ሓይሊ ዝልወጥ ብሓባር ክትጥቀመሉ ምስ እትኽእል ጥራይ’ዩ። ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዕርዲ ኣይኮነን። ማዕጾ’ዩ። ከም ኵሎም መዓጹ ድማ ኽኽፈት እንከሎ’ዩ ዝያዳ ኽብሪ ዝህልዎ።

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
bottom of page