top of page
Search

ገምጋም መጽሓፍ፡ ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር

Updated: May 9

ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር

ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን

 

ገምጋሚ፡ በረኸት ሃብተማርያም ብኣጋጣሚ ምምራቕ መጽሓፍ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ብዕለት 25 ሚያዝያ 2026


ስለምንታይ’ዩ ካብ ዘፍርሕ ምልኪ ናጻ ዝወጸ ህዝቢ ፈለማ ምዝራብ ክመሃር ዘለዎ


እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ናይ ሎምን ጽባሕን ምውዳቅ-ምልኪ ዘላ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ’ኳ እንተኾነት፡ እቲ ዝዓሞቐ ዛዕባኣ ግን ካብ ብዓባያ ኤርትራ ዝዓቢ’ዩ። ድሕሪ ብዙሕን ከቢድን ውግእ፡ ምልኪ፡ ስደት፡ ድኽነት፡ ወተሃደራውነት፡ ድሃያት ዘጥፈአ ፍርሒ ዝሰፈኖ ለይቲ፡ ኣብ ኣለዳ፡ እንታይ ክመጽእ’ዩ ዝመሰረቱ ሕቶታት ናይ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ኵሎም ኣብ ከም ናትና ኵነታት ዘለው ኣህዛብ ሕቶ’ዩ። ስለዚ ቅድሚ ንባብ’ዛ መጽሓፍ ብኣእምሮን ልብን ንኽትርዳእን ንምስማዕን ክትዳሎ የድሊ።ስለዚ፡ ብኣይ ወገን ሚዛን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንምርዳእ፡ ቅድሚ ምንባብ ምጅማርካ፡ ብዓይነ ሕልናኻ፡ ሓንቲ ሃገር ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት መክራን መዓትን ክትወጽእ ከላ ሕሰብ፡-

ህንጻታት ከተማታት’ታ ሃገር ዋላ ዓንዮምን ተዳኺሞምን እንከለው ገና ደው ኢሎም ክትርዮም ትኽእል፡፡ ግንከ ከተማታት በኣእማን ብሞራለን ዓንድታትን ኣይኮናን ዝቆማ፡፡ እንታይ ድኣ ብምትእምማን ነበርተን እየን ዝቆማ። ስለዚ፡ ብናይ እዝኒታትን ሓሰውትን ምስጢራውያን ዋህዮታትን እምነታት ነበርታ ዝተበታተኽ ሃገር፡ ነዚ ዘስተኻኽሉ ሞራላውያን መራሕቲ ገለ ተኣሲሮም፡ ገለ ተሰዲዶም ገለ ውሑዳት ድማ ነቲ ሞራላዊ ስልጣኖም ንብልሽውና ዝጥቀሙሉ ሃገር ሕሰብ፣


  • ህዝባ ሓደ ወይ ዝመሳሰል ቃላት ወይ ቋንቋ ክዛረቡ ይኽእሉ’ዮም፡ ካብ ሓደ ንዅሉ ወድ ሰብ ማዕረ ዝኾነ ሓቂ ዝካፈሉ ምስ ዘይኮኑ፣

  • ሓያልን ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝዓጠቀ ሰራዊት ክጸንሓ ይኽእል፡ ግንከ እቲ ብርቱዕ ሓይሉ ልዕሊ ሕጊን ሞራልን ኮይኑ እናተሰመዖ ናብ መን ከም ዝትኵስ ዝተዳናገሮ ምስ ዝኸውን፣

  • መለኽትን ንሶም ዘቆሙዎ ውዳበን ንነብሶም ኣነ’የ ሃገር ኢሎም ንነብሶምን ንኻልኦትን ዘታልሉ ምስ ዝኾኑ፣

  • ሕግታት ኣብያተ ፍርዲ፡ ዳያኑ ጠበቃታትን ዋጋ ዘይብሎም ኮይኖም - ውሳነታት ሕግታት እናተመርኰስካ ክንስኻ ክትግምቶም ዘይትኽእል ምስ ዝኾኑ፣

  • ቍጠባ ምስ ዝዳኸም፣

  • ስድራ ቤታት ምስ ዝፈላለዩ፣

  • መንእሰያት ምስ ዝሃድሙ፣

  • ኣረጋውያን ምስ ዝደኽሙ፣

  • ኣብያተ ማእሰርቲ ዘይደገመ እምበር ዘይጠዓመ ምስዘይህሉን

  • ጭርሖታት ክሳብ ሕጂ ኣብ መናድቕ ተሰቒሎም፡ ብዘይካ እቶም ሳኣን ልቦም ዝደግምዎ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑን፡ ተኸፊሎም ዝደግምዎ ሰባትን ዝኣምኖ ሰብ ምስ ዘይህሉ።

 

ኣገዳስነት ዛ መጽሓፍ ኣብ ከምዚ እዋንዩ’ምበኣር ከምዚኣን ዝኣምሰኣላ መጻሕፍቲ ኣገደስቲ ዝኾናሉ። ኣንፈት ስለ ዝህባ። ኣብ ከምዚ እዋን፡ ምስ ወግሐ እንታይ ኢና ንገብር እንታይ’ዩ ዕማማትና፧ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ዕማማት፡ ምህናጽን ምሕዳስን፡ ጽርግያታት፡ ወደባት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪታትን፡ ኣብያተ ፍርዲን ዳግማይ ምህናጽ ጥራይ ኣይኮነን።

 

እቲ ቀዳማይ ዕማም   

ዳግመ ምህናጽን ምምዕባልን መሕሰቢ ኵነት፡ ብዘይ ዋርድያን ሓለዋን ዝተዓብዓበ ሓሳባት ዝፈሰሉ ቦታ ግዜን’ዩ። ኣብቲ መሕሰቢ ቦታ፡ ዝፍጠር መራሕ ነገር ድማ፡ ሕቶ - ሕቶታት - ኣድራጋ ሕቶታት ኣለዉ፦ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙና፧ መን ተሳቒዩ፧ መን ገዚኡ፧ መን ተኣዚዙ፧ መን ተጠቂሙ፧

 

እዞም ሕቶታት’ዚኣቶም ድሮ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ድሮ ኴና ነልዕሎም ኣለና። ነቲ ዝሓለፈ ኣብ ምጽብጻብ የድልዩ’ዮ። ዝያዳ ንምጽብጻብ ግን ንመጻኢ ምምዕዳው ከድልየና’ዩ። ንመጻኢ ከነማዕዱ እንከለና ድማ መሊሶም ካልኦት ሕቶታት ይመጹና። እቲ ዘሕለፍናዮ ከይድገም እንታይ ክንገብር ኣለና፧ እንታይ ክንድምስስ፧ እንታይ ክንዕቅብ ኣለና፧ ነቲ ዝዓቀብናዮኸ ብኸመይ ነውሕሶ፧ብኸመይ ንመሓደር ፧ እንታይ ዓይነት ሕጊ፧ ክሳብ መዓስ፧  እንታይ ዓይነት ደረት ዘለዎ ሕጊ፧ ክሳዕ መዓስ፧ መን’ከ የመሓድረና፧ ብኸመይ’ከ ንቈጻጸሮ ወይ ንሓቶ፧

 

እዚ ለይቲ ምስ ወግሐልና፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ሰፊሮም ዘለዉ ሕቶታት እንሓተሉ ባይታ ከይፈጠርና እንሃንጾ፡ ጽርግያ፡ ወደብ ይኹን ዲጋ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ይኹን መደበራት መራኸቢታት ወይ መደበራት ኤለክትሪክ፡ ነቲ ዘሕለፍናዮ ጸልማት ከም ዘይንደግሞ ዋሕስ ኣይኮኑናን’ዮም። ሃገር እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ስለ ዝተጨርሐ ዘይኮነስ፡ ጽቡቅ ሓሳብ ምስ ጽቡቅ ሓሳብ ተጠናኒጉ ከም ሓረግ ጽላል ዝሰርሕ’ያ ትህነጽ። ሓሳብ ድማ ብሕቶ ጀሚሩ፡ ናብ ዘተን ምዝርራብን ናብ ኣብ ሓደ ዓሊብካ ብሓደ ምብጋስን ዝወስድ ፈላሚ ስጕምቲ’ዩ።

 

እዛ መጽሓፍ ድማ ቀለስቲ ዝበለቶም ሓሳባት ሒዛ፡ ወጊሑ ኢልና ኣፍራዛ፡ ባዴላን ዛባን ቅድሚ ምሓዝና፡ ናበይ ስለምንታይ ኢልና ንሰማማዓሉ መዛተይ ኣጀንዳ ትህበና። እዚ እንተ ዘይጌርና፡ ሓድሽ ዩኒፎርም ተኸዲናና ነቲ ብዲክታተር ተጀሚሩ ዘይተወድአ ምፍራስ ንቅጽል ከምዘለና’ዩ ዝሕሰብ።

 

እዛ መጽሓፍ ከም ከፋቲት ሲቪካዊ ዘተ

ኵሉ ኣንባቢ ነቲ ኵሉ ኣብዚ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት ብምሉኡ ክቕበሎ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ከም ሲቪካዊ ዕድመ ንዘተ ኣብ እማመታት፡ መጠንቀቕታን ታሪኻዊ ኣስተንትኖታትን ክርእዮ ኣለዎ ። ከምቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ መጽሓፍ ተጠቂሱ ዘሎ፡ ዋላ ሓደ ካባና ናይ ሓቂ በይነ-ዋንነት (ሞኖፓሊ) የብሉን። ገለ ኣንበብቲ ምስ ገለ እማመታት ክሰማምዑ’ዮም። ገለ ድማ ንገሊኡ ኣትሪሮም ክቃወምዎ ይኽእሉ። እዚ ግን እቲ ብሉጽ ስራሕ ናይ ፓለቲካ’ዩ። ኣብ ሓሳባት ትዘራረብ ትከራኸር ትተኣማመን። ንሱ’ዩ “ሀ ሁ  ናይ ፖለቲካ።

 

ብምልካዊ ስርዓት ዝተሃስየ ሕብረተሰብ ግን ብዙሕ ግዜ ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሰማማዕ ኣይፈልጥን። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዘይምስምማዕ ከም ክሕደት’ዩ ዝሕሰብ። ክትዕን ክርክርን ከም ስርዓት ኣልቦነት’ዩ ዝቑጸር። ናጻ ኣተሓሳስባ ድማ ረኽሲ። መላኸ ይዛረብ፡ ህዝቢ ኣፉ ከይከፈተ ብምስማማዕ ርእሱ ይንቕንቅ። “ካብዚ ዝወጸ እኩይ’ዩ” ባሂሉ ይውገዝ። እዚታት ድማ ፖለቲካዊ ጭዋዳታት ሃገር የዳኽም። ፓለቲካዊ ጭዋዳታቶም ዝደኸመ ህዝቢ፡ ሕሹኽሹኽ፡ ተሓቢእካ ምምራር፡ ዓው ኢልካ ዘይድገሙ ዋዛታት ምድግጋም፡ ምጥርጣርን ይመልኩ፡፡ ከመይ ኢልካ ተመሳሲልካ ትነበር የማዕብሉ፡፡ ብሓባራዊ ዘተ ኣብ ፍሉጥ መዛተይ ነጥብታት ተኸራኺርካ ኣብ ሓደ ነጥቢ ብድምጺ ውሳን ምሕላፍ ግን ይስወሮም። ስለዚ ድማ’ዩ ከምዚ ዝዓይነቶም መጻሕፍቲ ጠቐምቲ ዝኾኑ። ናብቲ መዛተዪ ቦታን ግዜን፡ ምኽንያታውነት መከራኸሪ ነጥብታት ሒዞም ይመጹ። እንሀልካ ራእይ መልሰሉ፣ እንሀልኪ ሓደ ፍኖተ ካርታ ኣሎ፡ ኣመሓይሽዮ፣ ኣብዚ ሓደ መጠንቀቕታ ኣሎ፡ እስከ ገምግሞ፣ ኣብዚው’ን ሓደ እማመ ኣሎ፡ ብዝሓሸ ርእይቶ በድህዮ ኣንተበሃህልካ’ዩ ዝኽየድ።

 

ሓንቲ ሃገር ደሞክራስያዊት ትኸውን ኵሉ ዝቀረበ ሓሳብ ከም ሃንደበት ኵሉ ሰብ ስለ ዝሰማማዓሉ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቲ ዘይምስምማዕ ብሕጊ ሰብኣውነት ቅቡል፡ ብሓሳብ ደረጃ ጥርኑፍ፡ ንሕብረተሰብ ድማ ዝጠቅም ምስ ዝኸውን’ዩ።


ኣድላይነት ውዱን ጥርኑፍ ሓሳባትን ዘተን

ሓደ ንፈልጦ ሓቂ ግን ኣሎ። ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ምስ ኣበልካዮም፡ ሸውዓተ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ክልተ ሲቪካው ማሕበራትን፣ ሰለስተ ታሪኻዊ መኣረምታታት፣ ክልተ ክስታት ሕቡእ ኣጀንዳ፣ ሓደ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ፣ ሓደ ኪሎ ሽሮ ካብ ዓዲ ዝመጸ ዝሽየጥ፣ ሓደ ድማ ነዚ ወዲ ሓውቦይ መን ዓዲሙዎ፡ ክዕደም ኣይነበሮን ኢሉ ዝሓትት ሰብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

 

እዚ ዋዛ’ኳ እንተመሰለ፡ እንታይ ንምባል’ዩ፧ ኣብ ነፍስ ወከፍ እንራኸበሉ፡ ሃልኪ፡ ዝኽሪ፡ ስለያ፡ ጥርጠራ፡ ፍቅሪ ሃገር፡ ሃገራውነት፡ ናይ ቤተ ሰብ ዳይናሚክስ፡ ንግድን ፓለቲካን ምትሕውኣስ ኵሉ ኣሎ ንምባል’ዩ። ግደ ሓቂ ሕማቅ ኣይኮነን። ግን ድማ ክስራዕ እንተ ዘይኪኢሉ፡ ናይ ጥዑይ ዘተ፡ ናይ ምትእምማን መድረኽ ምፍጣር ይሰኣኖ’ሞ ኣህላኺ ይኸውን። እቲ ስምዒት ናብ ትካላት ምቕያር ይኣቢ።

 

ከምዛ መጻሕፍ እዚአ ግና፡ ነቲ ዘተ ክውደን ስለዝገብሩ፡ ክንዲ መድረኽ ዘየስሩዕ ክርክር፡ ወይ ናይ ወረ ዕዳጋ ወይ ዘየድሊ እንካን ሃባን፡ ጥርኑፍ መኣዲ ይፈጥሩ። ንኣርእስታት ብሰንሰለታት እናለጋገቡ ንዘተ የዳልዎም።


ምፍራስ ምልኪ - ዳግመ ህንጸት ኣይኮነንናብ ትሕዞ ናይዛ መጽሓፍ ምስ እንአቱ፡ ከም ንባበይ፡ ማእከላይ ነጥቢ ናይ’ዛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ይመስለኒ። እቲ ጽባሕ ለውጢ ዘሎ ስክፍታ ንምምላስ’ዩ። እቲ እንሃንጾ ስርዓት መሰረቱ ከመይ ይኹን ንዝብል ሕቶ፡ መዛተዩ ነጥብታትን እቲ ደራሲ ዘቅረቦ ሓሳባትን’ዩ።

 

ኣብ ዓለም ብዙሓት ከምዚ ከማና ሕብረተሰባት፡ መወዳእታ ምልካዊ ስርዓት ምስ ምጅማር ሓርነታዊ ናብራ ሓደ ከም ዘይኮነ ብቝስልታቶም ተማሂሮም’ዮም። መላኽቲ ክወድቁ ይኽእሉ፡ ገዛእቲ ውድባት ክደኽሙ ይኽእሉ፡ ማዓጹ ቤት ማሕቡሳት ይኽፈቱ፡ ቍሱላት ነታ ባንዴራና ዝበሉዋ ነታ ናይ ቀደም ተኪኣ ከተንበልብል ሓፍ የብሉዋ። ግናኸ ሕጂ’ውን እቲ ናይ ቀደም ልምድታት ምስ ዝቕጽል ሓርነት ተረኺባ ክንብል ንኽእልዶ፧  

ምፍርራሕ - እቲ ሓድሽ ሓላፊ መደበር ፖሊስ ምስ ዝላበሳ፣ ብልሽውና - ድማ እቲ ሓድሽ ሚኒስተር፣ ወተሃደራውነት - ኣብ ናይ ቀደም ቦትኣ ኮይና ካልእ ኵናት እንተ ትጽውዕን ፕሮፖጋንዳ - ጋንታ ቀይራ ምስ ትምለስን።

እቲ ንደልዮ ሓርነት መጽዩዶ ንብል፧  ኣይመስለንን።

 

በዚ ድማ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰብ ጥራይ ከም ዘይኮነ ይበርህ። ምልኪ፡ ሓቂ፡ ስልጣን፡ ፍርሒ፡ ስራሕ፡ ተኣማንነት፡ መቕጻዕትን ስቕታን ዝውደበሉ መንገዲ’ዩ።


ነዚ’ዩ ድማ መጽሓፍ ኣያ ሰመረ ሰሎሞን፡ ነዚ ምስግጋር ከም ኣርእስቲ ገይሩ ስለ ዝሰርሕ ኣገዳሲ ዝገብሮ። እቲ አርእስቲታት ንካብ ምልካዊ ምሕደራ ዝወጹ ህዛቢ ግብራዊ ሕቶታት ንኸልዕሉ ይድርኾም። መን’ዩ ስርዓት ዝሕሉ፧ ሰራዊት መን ይቈጻጸሮ፧ ንቤት ፍርዲታት መን ይቈጻጸር፧ ግዝያዊ ሕግታት መን ይጽሕፍ፧ ንመሰል ውሑዳን መን ይከላኸል፧ መን’ዩ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ዝመልስ፧ ሕነ ምፍድዳይ መን ይኽልክል፧ መን’ዩ ነቶም ኣብያተሰነድ ዝኸፍቶ፧ ናይ ንብረት ክርክር መን’ዩ ዘመሓድር፧ ኣብ ወጻኢ ሃገር መን ይውክል፧

 

ምስቲ ደራሲ ዘምጽኦ ሓሳብ ክንሰማማዕ ወይ ከይንሰማማዕ ንኽእል። እቲ ዘተ ከም ዘድልየና ግን ኣየካትዕን። ኣብ መልሲ እንተ ዘይተሰማሚዕና፡ ንኽንምልሶም ወይ ብሓደ እንተ ዘይተጓዒዝና፡ እቲ ዝፍጠር እቲ ባዶሽ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ባዶሽ ንኽመልኡ፡ ተልመዴን ፓለቲካኛታት ብዘይ ልጓም ይቀዳደሙ፣ ዕጡቓት፡ ንሕጊታት ተመሓላሊፎም ጸቅጢ ክገብሩ ይፍትኑ፣ ናይ ቀደም ሰበ ስልጣን ኣረጊት ጃኬቶም ኣውጺኦም ንነብሶም፡ ጽገና ዘልዓልና ኢና ክብሉ ይፍትኑ፣ ኣብ ስደት ኣርሒቆም ዝነበሩ፡ ምስ ኣተሕሳስባ’ቲ ሕብረስተሰብ ዘይከይድ ተሪር መርገጽን ርእይቶን ሒዞም ይምለሱን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብድሕሪ ዝዝውሩዎም ተዋሳእቲ ኮይኖም ፍሽኽ እናበሉ ይመጹን።

 

ሽዑ እቲ ሓርነቱ ዝረኸበ ዝመሰሎ ህዝቢ፡ ቀዳማይ ቍስሉ ከይሓወየ፡ ኣብ ሓድሽ ግን ዘይተሰርዐ ዘይተውደበ ክትዕ ክትብሎ ዘይከኣል ናይ ቃላት ኵናት ይሽመም። ናብ ካልእ ውን ክሰግር ይኽእል።

 

እምበኣርከስ፡ እዚ እቲ መጽሓፍ ክከላኸሎ ዝፍትን ዘሎ ሓደጋ፡ እዚ ኮይኑ ይስመዓኒ። ነዚ ክንገብር ድማ ክንዛተ ኣለና። ኣብቲ ዘተ ድማ ሓሳባት ነምጽእ።

 

ዛንታ ዳግመ-ህንጸት ሃገራት

ነዛ መጽሓፍ ብመንጽር እቶም ኣብ መፋርቕ ዕስራ ክፍለ ዘመን ካብ ዓቢ ኣህጉራዊ ዕንወት ዝወጹ ሕብረተ ሰባት ምስ ንርእያ፡ እቲ ሚዛና መሊሱ ይበርህ፡፡ ካብቲ ዘመን ንረኽቦ ልቢ እንተሎ ዳግመ-ህንጸት ቀሊል ስራሕ ዘይምንባሩ’ዩዩ። ድሕሪ’ቲ ኵናት ማሕበራውያን ትካላት ሓሲረን፣ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ህዝብን መንግስትን እምነት ጐዲልወን፣ ቍጠባ ሃገራት ወዲቑ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዛቢሎምን ጥሜት፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ስነ-ሓሳባዊ ቃልሲ፡ ጎበጣ፡ ስንባደ፡ ጥርጣረ ነጊሱ።

 

ብኸመይ ተሰጊሩ፧ ብዙሕ ነገርኣአጋጢሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ካብቲ ዝርአ ግን እዚ ክጥቀስ ይኽእል’ዩ።

 

  • ቀዳማይ፡ ዕቱብ ህዝባዊ ውጥን፦ ዳግመ ህንጸት ከም ዝተወደበ ሃገራዊ ፕሮጀክት ዝሕዝዎ ዝነበሩ ሕብረተ ሰባት ካብቶም ኣብ ጭርሖታት ዝምርኮሱ ዝነበሩ ብዝያዳ ኣድማዒ መንገዲ ትካላት ሃኒጾም፡ ምምሕዳር መሊሶም፡ ባጤራ ኣረጋጊኦም፡ ምህርቲ ዳግማይ ኣበራቢሮም፡ ፖለቲካዊ ውድድር ዝካየደሉ ኣገባባት ፈጢሮም’ዮም።

     

  • ካልኣይ፡ ቅዋማውነትን ግዝኣተ ሕግን፦ ስልጣን ብሕጊ ኣብ ዝተሓጽረሉ፡ መንግስቲ ቀስ ብቐስ ሕጋውነት ተመሊሱ። ሰብ ስልጣን ንተቓወምቶም ክኣስሩ፡ ትካላት ከፍርሱ፡ ወይ ንዘልኣለም ብህጹጽ ኵነታት ክገዝኡ ኣብ ዘይክእሉሉ፡ ህዝባዊ ህይወት ውሑስ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።


  • ሳልሳይ፡ ቅኑዕ ምትሕስሳብ - ሕሳብ ምውርራድ፦ ሕብረተ ሰባት እቲ ኣብ ትሕቲ ምልኪ እንከልው ዘጋጠሞም፡ ከምዘይነበረ ሽፍንፍን ኣቢሎም ንነብሶምን ንኻልኦትን ኣታሊሎም ክሓልፉ የብሎምን። እቲ ዝተሓልፈ አብ ምፍጻም ይኹን ምትሕብባር ኣብ ገበናት፡ ምዝርጋሕን ቀታሊ ስነ-ሓሳብ፡ ፕሮፖጋንዳ ማሽነሪታት ዓመጽ ምዃን፡ ዋላ’ውን ስቕታ። ክቃተለሉ ወይ ብዘይ ሕጊ ሕነ ክፋደደየሉ ዘይኮነ፡ እቲ ኣይድገምን ዝበሃል መጻኢ ወለዶና ክፈልጦ ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ’ዩ።


  • ራብዓይ፡ ምስ ሰብኣዊ ክብሪ ዝተኣሳሰር ቍጠባዊ ሕውየት፦ ሰባት መግቢ፡ መንበሪ ገዛ፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ተስፋን የድልዮም። ደሞክራሲ ብዘረባ ጥራይ ክነብር ኣይክእልን’ዩ። ዝጠመዩ ሰባት ንቝርሲ ቅዋማዊ ክልሰ ሓሳብ ኣይበልዑን’ዮም። ዕቱብ ምስግጋር እንጀራ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክሊኒካት፡ ስራሕን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ መኣዲ ከቐምጥ ኣለዎ።


  • ሓምሻይ፡ ኣህጉራዊ ደገፍ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ኣብ ክንዲ ዝትክእ ምስ ዘሐይል፦ ሓገዝ ዓቕሚ ዳግም ክሃንጽ፡ ምትሕብባር ከተባብዕ፡ ምርግጋእ ክድግፍ፡ ክብሪ ናይቲ ዝሓወየ ሕብረተ ሰብ ከኽብር እንከሎ ጠቓሚ’ዩ ነይሩ። ጽግዕተኛነት፡ ዕብለላ ወይ ኣብ መንጎ ግዳማውያን ዝግበር ውድድር ምስ ኮነ ግን ጐዳኢ’ዩ ።


  • ሻድሻይ፡ ስነ-ስርዓት ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ውዳበታትን፦ ፖለቲካዊ ህይወት ኣብ ዝተወደበሉ፡ ዜጋታት ንተሳትፎ ዝኸውን መስመራት ነይርዎም። ፖለቲካ ውልቃዊ፡ ብሄራዊ፡ ወተሃደራዊ ወይ ሕነ ምፍዳይ ጥራይ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ መጻኢ ዘይርጉእ ይኸውን።

 

ዕንቅፋታትከ፧ ብዘይ ሕጊ ሕነ ምፍዳይ፡ ሓባራዊ ምውቕቓስ፡ ቀዋሚ ህጹጽ ኵነታት፡ ወተሃደራዊ ፖለቲካ፡ ሓደ ውድብ ከም ነፍሲ ህዝቢ ምሕሳብን ብስም ሓድነት ፍሉይ ሓሳብ ምዕፋንን።

 

ከም ሓቂ፡ ዝተሃስየ ሕብረተሰብ ነቲ ከቢድ ስራሕ ህንጸት ትካላት ዘሊሉ ብቐጥታ ናብ ብልጽግና ክሰጋገር ከም ዘይእክል ብተግባር መምሃሪ ኮይኑ፡፡ እምበኣር ከስ፡ እዛ መጽሓፍ ተሕስበና ነገር እንተሎ ምስዚ ኹሉ ሕሉፍ ተመኩሮ ዓበይትን ንኣሽቱን ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይና ምስ መጻና፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ከመይ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ንኽዛተ እቲ ኣረጊት ስርዓት ክሳብ ዝፈርስ ክንጽበ ግዜን ኵነታትን ከም ዘይፍቅደልና’ዩ።።


ሓሳባት፡ እቶም ዝዓበዩ ትሕተ ቅርጺ ሃገር

ሓደ ካብቲ ዝዓሞቐ ክብርታት ናይዛ መጽሓፍ፡ ንዘተ ከም ሓደ መልክዕ ሃገራዊ ትሕተ ቅርጺ ምሓዙ’ዩ። ጽርግያታት ኣገደስቲ’ዮም። ወደባት ኣገደስቲ’ዮም። ሰራዊት ኣገደስቲ’ዮም። ኣብያተ ፍርዲ ኣገደስቲ እየን። ዘተ ግን ዝያዳ ኵሉ ኣገዳሲ’ዩ። ብዘይ ዘተ ኵሎም እቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ብጥበብ ክመሓደሩ ኣይክእሉን። ኣብቲ ዘተ ድማ ሓሳባት ኣለው። እቶም ነቲ ዘተ አርእስቲ ኮይኖም ዘለው ሓሳባት ድማ ቀለስቲ ይኾኑ።

 

መለኽቲ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ብባዕሎምን ብተለኣኣኽቶምን ንዘተ የላግጹሉ። መርኣዪ ድኽመት፡ ተሰዓርነት፡ መፈላለዪ፡ መእተዊ ባብ ንባዕዳዊ ጽልዋ፡ ምሁራዊ ፈለጥኩ ፈለጥኩ በሃልነት ይብሉዎ።

 

እቲ ምስጢር ግና ካልእ’ዩ። መለኽቲ ዝኾነ ዘይቆጻጸርዎ ቦታ ስለ ዝፈርሑ’ዩ። ንባዕሎም ካብ ዘተ ዝዕድሙ ክእዝዙ ይመርጹ። ካብ ምሉእ ለይቲ ብዘይ ድቃስ ዝተዳለወ ፖሊሲ፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ናብ ደርፊ ዝቕየሩ ​​ጭርሖታት ይመርጹ።

 

እንተኾነ ግን ቀጻልነቱ ዘውሕስ ሕብረተሰብ ብሞጎት’ዩ ዝህነጽ። ቅዋማት ናብ ሕጊ ዝተቀየሩ መጎተታት’ዮም። ኣብያተ ፍርዲ ቦታ ስርዓት ዘለዎም ክትዓት’ዮም። ምርጫ ኣብ ናይ ድምጺ ወረቐት ድኣ ኮይኑ ምበር ናይ ሓሳባት ክትዕ’ዩ። ባይቶታት ብማይክሮፎን፡ ናይ ግዜ ገደብ ዝካየዱ ቦታ ክርክራት’ዮም። ዝርዝር ባጀት ከይተረፈ ብዛዕባ ሃገራዊ ቀዳምነታት ዝምልከት ክትዕ’ዩ። ብሰላማዊ አገባብ ክትካታዕ ዘይትኽእል ሃገር ኣብ መወዳእታ ብዓመጽ መሳርሒ ዓመጽን ትማጎት፡፡


መደምደምታ

ከም ውልቀሰብ ይኹን ከም ሃገር ወይ ሕብረተ ሰብ፡ መጻኢኻ ተዳሊኻን መዲብካን ክትኸዶ እምበር ብግብረ መልስታት እናተቃነኻ ናይ ዘጋጠመካ ኵነታት ስእሊ ምስልን ጥራይ ክኸውን እንከሎ ሓደጋ ኣለዎ።

እዚ ሓደጋ’ዚ ድማ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ብፍላይ ነጺሩ ይርኣ። መሰጋገሪ እዋን፡ ንጹር ሕጊ፡ ብቅኑዓት ሓሳባትን ሰባትን ዝኸዳ ትካላት፡ ንቝጠባዊ ሕውየት፡ ሞራላዊ ዕቱብነት፡ ነዚ ዘውሕስ ጸጥታዊ ጽገና ይሓትት። ነዚ ኵሉ መሰረት ዝኸውን ግን ዘተ’ዩ።

 

ነቲ ምልኪ ከጥፍኦ ዝጽዕር ሓሳብት ምክፍፋል ወይ ናይ ምዝታይ ልምዲ ናብ ንቡር እቲ ቀንዲ ስራሕ’ዩ። እዛ መጽሓፍ እዚ ትገብር ይመስለኒ።

 

ምስ ገለ ክፋላት ናይታ መጽሓፍ ንሰማማዕ፡ ምስ ካልእ ድማ ዘይንሰማማዕ ንኸውን። እዚ ጥዕና ዘለዎ’ዩ። እቲ ዓወት፡ እዛ መጽሓፍ መዛተይ ኣጀንዳ ምፍጣራ ዩ።

 

ሓሳባት ኣልዒልካ ምዝታይ ምጭዳር ኣይኮነን፡ ምድራፍ ኣይኮነን፡ ብፍርሒ ሕሹኽታ ኣይኮነን። ወግዓዊ ጭርሖታት ምድጋም ማለት ኣይኮነን። ምዝራብ - ብግልጺ፡ ብዕቱብ፡ ብነቐፌታ፡ ዘይትቅበሎ ሓሳብ’ውም ብትዕግስቲ ምስማዕ’ዩ።


ንሓንቲ ምሕዳስ እትጽበ ሃገር፡ እዚ ንእሽቶ ኣበርክቶ ኣይኮነን።


 
 
 

1 Comment

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating
Araya Guish
May 14
Rated 5 out of 5 stars.

ንብሉጽ ዕዮ ዝግባእ ጽቡቕ ገምጋም!!!

ከምዚ ዓይነት ፍርያት ብኸመይ ናብ ሓፋሽ ወሪዱ ናይ ኣተሓሳስባ መቐይሮ ኣብ ምምጻእ ተራ ክጻወት ይኽእል? ንጡፋት መንእሰያት ተቓለስቲ፡ ብትሕዝቶ ዛ መጽሓፍ ተሓጊዞም ብኸመይ ብቑዓት መራሕቲ ናብ ምዃን ይሰጋገሩ? እዛ መጽሓፍ፡ ትረኻ ደምበ ተቓውሞ ተቐይሩ ስምረትን ጥምረትን ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣብ ምኹስኳስ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል? እዝን ካልኦት ግብራዊ ውጽኢት ኣብ ምርካብ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ጉዳያት ክሕሰበሉ ዘለዎም ኮይኑ ይስማዓኒ። እቲ ኤሊት ኣምቢቡን ተረዲኡን ነቲ ሓፋሽ ኣብ ምምራሕ ክሳተፍ ዘኽእሎ መሳልል ተበቲኹ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከም ዘለና ምዝካር ውን ኣገዳሲ ኢዩ።

ሓው ሰመረ!!! ቀጽሎ ነዚ ዓቢ ዕማም ክብለካ ይፈቱ። ሰላም!!!

Like
bottom of page