ገምጋም መጽሓፍቲ - ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር - Renewing the Promise: A New Vision for Eritrea
ደራሲ፡ ሰመረ ሰሎሞን
ገምጋሚ፡ ዶክተር ሽደን መሓሪ ሰሎሞን ብኣጋጣሚ ምምራቕ መጽሓፍ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ብዕለት 25 ሚያዝያ 2026
1. መእተዊ

ኤረትራ ልኡላውነታ ካብ እተውሕስ ድሮ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ኮይኑ። እዚ ማለት ድማ ዳርጋ ክልተ ወለዶታት ነዚ መንግስቲ’ዚ ጥራሕ ፈሊጡ ዓብዩ (ካልእ ስርዓት ዘይፈልጥ) ማለት'ዩ። ኣብዘን ዓመታት’ዝዚኣተን ብዙሓት ሕቶታት ተሓቲቶም። እንተኾነ ግን እታ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝኾነት ሕቶ ዝጊት መልሳ ኣይተረኽበላን፦ ንሳ ድማ፣ እቲ ቃል፡ኪዳን (መብጽዓ) ናጽነትና ተማሊኡን ተሓልዩንዶ ትብል’ያ፧ እምብኣርከስ ሎሚ ምሳኻትኩም ክግምግማ ተዳልየ ዘለኹ መጽሓፍ፣ ካብ’ዛ ሕቶ’ዚኣ ዓይኑ ናይ ዘየልገሰ ደራሲ፣ ሰመረ ሰለሙን፤ ስራሕ እያ—ካብኡ ዝዓቢ ድማ፣ ደራሲ መልሱ ዘቐመጠላ ዓባይ ስራሕ እያ።
2. ብዛዕባ ደራሲ ሓጺር መላለዪ
ቅድሚ ናብ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ምእታውና፡ ብዛዕባ’ቲ ደራሲ ሓጺር መላለዪ ክገብር። ምኽንያቱ ታሪኹን ድሕረ-ባይትኡን ባዕሉ ኣካል ናይቲ ርእይቶኡ ስለ ዝኾነ። ኣነ ንሰመረ ሰሎሞን ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ካብታ መጽሔት ‘ቆላሕታ’ እናምጽአ ናይ ምንባብ ጽልዋ ዘሕደረለይ እዋን ኣትሒዘ’የ ዝፈልጦ። ሽዑ ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን ነታ መጽሔት ንበይንኻ ኴንካ ኣምብባ’ሞ ድሓር እንታይ ከም ዝትረድኣክ ንገረኒ ይብለኒ’ሞ ድሕሪኡ ድማ ብሓንሳብ ኮይንና ነንብባ። ሎሚ ድማ እንሆ ብርቂ ዝኾነ ስራሕ ሰሪሑ። ንዓይ ክግምግማ ምሕታቱ ዝስምዓኒ ክብሪ ድማ መዳርግቲ የብሉን።
ድሕረ-ባይትኡ ምስ እንዕዘብ፣ ሰመረ ሰሎሞን ወጻእተኛ ወይ ብደገ ኮይኑ ዝዕዘብ ተዓዛቢ ኣይኮነን። ካብ ርሑቕ ኮይኑ ዝነቅፍ ሰብ'ውን ኣይኮነን። ኣብ ንእስነቱ’ዩ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ተሳቲፉ። ድሕሪ 1991 ዓ.ም፣ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሲቪልያዊ ኣገልግሎት - ብፍላይ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝነበሮ ጕሉሕ ተራን ኣበርክቶን ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ጸኒሑ ካብ ሃገር ወጺኡ፣ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነብር ኮይኑ፣ ከም ላዕለዋይ ክኢላ ኮይኑ ኣብ ኣህጕራዊ ልምዓት ይነጥፍ ኣሎ። ሰመረ ሰሎሞን ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ፕሮግራማት ትምህርቲ፡ ስትራቴጂያዊ ውጥንን ዘላቒ ልምዕታን ተመኮሮ ዘለዎ በዓል ሞያ’ዩ። ንUSAID፣ ንሕቡራት መንግስታት፣ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ድማ ዘገልገለ ሰብ’ዩ:: ኣብ UNESCO International Institute for Educational Planning (ፓሪስ) ናይ ድሕረ-ትምህርቲ ዲፕሎማ፣ ከምኡ'ውን ኣብ Sustainable Development and Diplomacy ማስተርስ ዘለዎ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ’ዩእዩ። እዚ ረቛሒ’ዚ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ ሰመረ ሰሎሞንብዛዕባ ዳግመ-ህንጸት ክጽሕፍ እንከሎ፡ ቃላት ናይ ሓደ ተራ ሰብ ኣይኮንናን ነንብብ ዘለና። ጽሑፍ ናይዚ ንናጽነት ዝተቓለሰ፣ ንሃገሩ ዘገልገለ፣ ሎሚ ድማ፣ ብተመኩሮን ብሓቀኛ ምርምርን ዝተሰነየ ስራሕ ሒዙ፡ ካበይ ናበይ፧ ኢሉ ዝሓትትን ዝግምግምን ሰብ ኢና ነንብብ ዘለና።
3. ናብታ መጽሓፍ ክንሰግር
ሕጂ እቲ ደራሲ መን ምኻኑ ፈሊጥና ካብ ሃለና፡ ናብ ትሕዝቶ’ታ መጽሓፍ ክንከይድ።
4. ገምጋም መጽሓፍ - መእተዊ
ግምገማ መጽሓፍ
እዛ መጽሓፍ 15 ምዕራፋት እትዉንን፣ 281 ገጽ ዘለዋ፣ ደራሲ ንኹሉ ዘቕረቦ ሓሳብ ብመወከሲ ዘሰንየላ፣ ብኣቀራርባኣ ካብተን ናይ ቅድሚ ሕጂ መጽሓፍቱ'ዉን ፍልይ ዝበለት፤ ኣዝያ በዳሂት ስራሕ ኮይና’የ ረኺበያ።
ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ጸሓፊ ሰመረ ሰሎሞን፡ ካብ ታሪኻዊ ትረኻ ርሒቑ፣ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ወይ’ዉን አብ መርትዖ ዝተመርኰሰ ትንተናዊ ስራሕ’ዩዩ ሒዙ ቀሪቡ ዘሎ። እዚ ስራሕ ንሕጂ ጥራሕ ዘይኮነ ንዝመጽቲ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲን ወሳንን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ድማ ዘጠራጥር ኣይመስለንን።
ብወገነይ ነዛ መጽሓፍ ክግምግማ ወይ ክርእያ እንከለኹ፡ ጸሓፋይ ንኣንባብቱ ከምሓላልፎም ዝደሊ ሓሙሽተ ዓበይትን በዳህቲ ምጕታት ዘልዕሉ ቴማታት ወይ’ዉን ኣርእስተ-ሓሳብ ሒዙ ቀሪቡ’የ ዝብል። ንሳቶም ድማ፡
1. ህሉው ኵነታት ኤርትራን ከባቢናን (ከባቢ ቀርኒ አፍሪቃ)
2. ቍጠባዊ ኵነታትን ምንቁልቋልል ዘቤታዊ ዕብየትን
3. ተራ ዲይስፖራ ኤርትራዉያን (እንተላይ ሰማያዊ ማዕበል)
4. ምሕደራን ብኵራት መንግስትን
5. ምዝሕታል ሃገራዊ ወኒ
5. ቴማ ቍጽሪ 1 — ህሉዉ ኩነታት ኤርትራን ከባቢናን
ካብቲ ደራሲ ኣብ መጀመርያ ዘቕረቦ ሓሳብ ክንጅምር ፡ ንሱ ድማ ህሉው ኵነታት ሃገርና’ዩዩ። ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ክንዛረብ እንድ ድኣ ኴና፡ መጀመርያ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርና ሓቀኛ ስእሊ ክህልወና ናይ ግድን’ዩ።
ህሉዉ ኵነታት ኤርትራን ከባቢናን
ብመሰረቱ ነቲ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን፣ እንተላይ ኢትዮጲያ፡ ሱዳን፡ ሶማልን ጅቡቲን ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ብመንጽር ሃገራውን አህጉራዉን ኵነታት አብዚ መጽሓፍ ብዘይ ቀልዓለም ተተንቲኑ ንረኽቦ። አብ'ዚ እዋን አብ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ኣንጸላሊዩና ዘሎ ናይ ኵናት ኵነታትን እናብአሰ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልዉላዉን ጠንቂ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ነጥብታት ብትብዓት ዳህሲሱዎም ኣሎ። መፍቲሒታት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንዝበሎም ነጥብታት ድማ ምስ ጭብጥታቶም አብታ መጽሓፍ አቐሚጡዎም ይርከብ። ንዓይ ካብ’ተን ደስ ዝበላኒ ትንታነታት ብዛዕባ ናይ ሞግዚትነት ኵናት (proxy war) እትምልከት’ያ። ከም'ቲ ደራሲ አቐሚጥዎ ዘሎ፡ ናይ ለባም መሪሕነት ዓቕሚ ዝምዘን ነዞም ከም'ዚኦም ዝአመሰሉ ተነቀፍቲ ኵነታት ቀልጢፉ ከስተብህልን ክመዝንን ምኽአል፣ ናይ መፍትሒኦም መንገዲ ሃሰው ምባልን ስትራቴጅያዊ መዋጽኦ ምፍጣርን እዩ።
ሓደ ካብ'ቲ አብዚ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ እንረኽቦ ፍሉይ ዝኾነ መረዳእታ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ለውጢ’ዩ። ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን ነዚ ክፋል'ዚ ብደቂቕ መጽናዕቲ ዝተሰነየ ምስ ጭብጡ፣ መረዳእታት’ዩ አቐሚጡ ዘሎ። ከም ጽሑፉ "ለዉጢ ምምጽኡ ዘይተርፍ፣ ወይ'ውን ተፈጥሮኣዊ መስርሕ (natural process)" ምኻኑ ይገልጽ፣ ግናኸ እቲ ክህሉ ዝድለ ለዉጢ እንታይ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ናይ ምምእዛኑ ሓልፍነት ድማ ናይ ነፍስ ወከፍ ለዉጢ ዝደሊ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑን ብሰፊሑ ይዝትየሉ። ብተወሳኺ ጥዑይ ለዉጢ ንምምጻእ ክህልዉ ዘለዎ መትከላትን ሕላገታትን ብመልክዕ ለበዋታትን ምዕዶን የመሓላልፍ። ንአብነት፡ እታ እትምስረት ሃገር፣ ልዕልና ሕጊ ዝነግሰላን፣ አሳታፊን ሓቛፍን ስርዓት እትዉንን፣ ሕፍርትን ክብርትን ሃገር ክንሃንጽ ንዑ ንዛተ ዝመልእኽቱ ለበዋ የመሓላልፍ።
6. ቴማ ቍጽሪ 2 — ቍጠባዊ ኵነታትን ምንቍልቋል ዘቤታዊ ዕቤብየት ኣብ ኤርትራ
እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ምርዳእ ንጽባሕ ዘይበሃል ስራሕ’ዩዩ። ቀጺሉ ደራሲ ናብቲ ንዝኾነ ይኹን ዳግመ-ህንጸት ኣንቀሳቓሲ ዝኸዉን ሓይሊ—ቍጠባ— እዩ ዝሰግር። ኣብዚ ድማ እቲ ትንተና ናይዛ መጽሓፍ ዝያዳ ይዓሙቕ።
ቍጠባዊ ኩነታትን ምንቍልቋል ዘቤታዊ ዕብየትን ኣብ ኤርትራ
ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን ብዛዕባ አብ ኤርትራ ዝተራእየ አሰምባዲ ቍጠባዊ ኵነታት ተንቲኑ ጥራይ ክሓልፍ አይመረጸን። እንታይ ድአ እቲ ነዚ ኵነታት ጠንቂ ዝኾነ ግጉይ ፖለቲካዊ አካይዳን ሕርያን ናይቲ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሓደ ብሓደ ተንቲኑዎን፣ ዝተኸስረ ዕድላትን ዘኸተሎ ሰፍ ዘይብል ሳዕቤናትን’ውን ብዝርዝር ምስ ጭብጥታቱ ኣቐሚጡዎ ይርከብ። አብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉ፣ ምዝሕታል ዘቤታዊ ፍርያምነት’ዉን ሓደ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ አቶኵሮ ዘይተገብረሉ ብመጽናዕቲ’ዉን ዘይቀረበ ክፋል ቍጠባዉ ድሳካለ ናይ ኤርትራ አብ'ዚ መጽሓፍ ብደቂቕ ተተንቲኑ ንረኽቦ።
ብተወሳኺ ነቲ አብ'ዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምንካይ ወይ'ዉን ፈጺምካ ደው ምባል ናይ ደገ (ወጻኢ) ሓገዘት (ከም'ኒ USAID)፡ ደራሲ ነዚ አብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝነበሮ ጽልዋ ብምጥቃስን ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮታት አብ ግምት ብምእታዉን እዚ አብ ኤርትራ ክህሉ እንብህጎ ቍጠባዊ ለዉጢ እንታይ ዘማልአ ክኸዉን ከም ዘለዎን፣ አብ ተመሳሳሊ ሽግር ከይንወድቕ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊን ቍጠባውን ሽርክነታት ክንምስርት ከምዘለናን ብሰፊሑ ዘቲዩሉ አሎ። ከም ቃሉ፣ ናይ ልውውጥ ዝምድና ወይ’ዉን አብ እንካን ሃባን ዝተሞርኮሰ ክኸዉን ከም'ዘለዎን፣ እዚ ናይ ቶኻብን ተጸባይን ዝምድና ንዕብየት ሃገር ባይታ ዝፈጥር ከም ዘይኮነን’ዩ ዘዘኻኽረና።
7. ቴማ ቍጽሪ 3 — ተራ ኤርትራዉያን ዲይስፖራ
መንግስቲ ነዚ ቍጠባዊ ለውጢ ናብ መዕለቢኡ ከብጽሖ ምእንቲ ምስ መን ክደጋገፍ ይኽእል ዝብል ሕቶ ምልዓል ናይ ግድን፡ዩ። ናይ ደራሲ መልሲ ብኸፊል ናብ ኤርትራዉያን ዲያስፖራ ዝጠመተ እዩ።
ተራ ኤርትራዉያን ዲይስፖራ
ተሳትፎ ኤርትራዉያን ዲይስፖራ ኣብ ህንጸት ሃገርን፣ ሃገራዊ ለውጥን ዕርቅን ብሰፊሑ ኣብዛ መጽሓፍ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኤርትራዉያን ዲያስፖራ ብምኽንያት’ቶም ዘለዉዎም ዕድላትን አማራጺታትን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝቐሰሙዎ ናይ ትምህርቲ ኮነ ቴክኒካዊ ዕድላትን፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ክህልዎም ዝኽእል አስትዋጽኦ ኵልና ንግንዘቦ ሓቂ’ዩ። ደራሲ ሰመረ ሰለሙን ነዚ ብሰፊሑ ገሊጹዎ አሎ። ነዚ ዕቑር ሓይሊ’ዚ ከመይ ጌርካ ትብርብሮ፧ ከመይ ጌርካ ኣብ መዓላ ተውዕሎ፧ ኤርትራዉያን ዲያስፖራ በብጽላታት ተጠርኒፎም ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መዛኑኦም ምሕዝነት ብምምስራትን ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝን ክገብሩዎ ዝኽእሉ ሱታፌ ኣብ ህንጸት ሃገር ብዝርዝር ቀሪቡ ንረኽቦ።
ማዕረ ማዕሪኡ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ተቓዉሞ ውድባት ዝተራእዩ እወንታዉን አሉታዉን ጽልዋታት፣ ንድኻማት ናይ'ዘን ዉድባት መዝሚዙ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ምተትታዋትን፣ ብኣንክሮ የተሓሳስብን የነቓቕሕን።
ብተውሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ጌሩ ዝእክቦ ናይ 2% ቀረጽ ኣላድዩዎ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ብኸመይ ክንከስቦ ከምዘለናን፣ ኣካል ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ለዉጢ ክኽዉን ክንጽዉዖን ዝብሉ ነጥብታት ቀሪቦም ይርከቡ።
8. ቴማ ቍጽሪ 4 — ምሕደራን ብኵራት መንግስትን
የግዳስ ዝኾነ ይኹን ናይ ዲያስፖራ ሓይሊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፍጸም ዘለዎ ነገር መተካእታ ክኾኖ ኣይክእልን’ዩ። ማእከል ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክህሉ ዘለዎ ለዉጢ፤ ሰናይ ምሕደራ’ዩ ይብለ ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን።
ምሕደራን ብኩራት መንግስትን
ደራሲ ሰመረ ሰሎሞን፣ ንዘለዎ ሃብታም ተሞኩሮ ምርኩስ ብምግባር፡ ነቲ አብ ኤርትራ ዘሎ ድኹም ምሕደራን፣ ብኵራት ኣድማዕነትት መንግስታዉያን ትካላት አብ ምሃብ አገልግሎት (ንተጠቅምቲ) ብዘደንቕ መንገዲ ዘርዚሩዎ ይርከብ። ንኣብነት ከም'ዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡-
"ሰናይ ምሕደራ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ዉክልናዊ ተሳትፎ (ኣብ ናይ ርእሶም ጉዳያት) የተባብዕ። ንሃገራዊ ልዝብ ዕድላት ይኸፍት። ማሕበራዊ ስኒት የዉሕስ።ሰናይ ምሕደራ ዋሕስን መሰረትን ጥዕይቲ ስድራቤት'ዩ። ማሕበራዊ ስጥመት ድማ የበርኽ።"
እቲ ጽሑፍ ይቕጽል፦
"ብአንጻሩ ብኵራት ሰናይ ምሕደራ ዘይዕግበት ይፈጥር። ካብ ዘይዕግበት ሓሊፉ ናብ ተቓዉሞ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ንኽምዕብል ተኽእሎ አሎ። ድጕል ስምዒታት ንኽድንፍዑ'ውን ባይታ የንጽፍ። ዘየቕስን ኩነታት ድማ ይፈጥር።'
ንዓይ እዘን ክልተ ሕጡበ ጽሑፋት አዝየን'የን መሲጠናኒ። ርዝነት ጥዑይ/ሰናይ ምሕደራ ድማ የዘኻኽራኒ። እምብአርከስ ጽልዋ ሰናይ ምሕደራ ክንዮ'ቲ ብግህዶ ዝርአ ምርግጋጽ ህዝባዊ ዕግበት ዝኸይድ ረቂቕ አምር ከም ዝኾነ ክግንዘብ ክኢለ።
9. ቴማ ቍጽሪ 5 — ምዝሕታል ሃገራዊ ወኒ
ምሕደራ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፈሽል እንከሎ፡ ዝያዳ ዓሚቝ ዝኾነ ኵነታት ይስዕርር። እምነት ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ይዝሕትልን ናይ ደቂ ሃገር ተስፍፎ ፍጹም ይጠፍእ ወይ ይቕየር። እምበአርከስ እቲ ናይ መወዳእታ ክልሰ ሓሳብ ደራሲ ነዚ ተርእዮ እዩ ዝምርምር። ብተወሳኺ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ እናምጽአ ተስፋ ከስንቕ’ዩ ዝፍትን። ብወገነይ እዛ መጽሓፍ ንኣበብታ ዝያዳ ጸላዊት ዝገብራ እንተሎ ድማ እዚ ክልሰ ሓሳብ’ዩ እብል።
ምዝሕታል ሃገራዊ ወኒ
ብሰሪ እቲ አብ ኤርትራ ዝተራእየ ድኹም ምሕደራን ምንቍልቋል ቍጠባዊ ኵነታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዜጋታት’ዝዛ ሃገር ዘይተደልየ ስምዒታትን ክስረትን ከምህሉ ጌሩ እዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል፡-
"እዛ ሃገር አኺሉዋዩ፣ ክትትንስእ አይትኽእልን'ያ" ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሑ ዜጋትት እናበዝሑ ክመጹ፣ ከም ዉጺኢቱ ድማ ተስፋ ዝቖረጹን አብ ዉልቃዊ ዋኒኖም ዝተጸምዱን ዜጋታት ዝያዳ ክርኣዩ፡ ጀሚሮም።
ገሊኦም ድማ "ባዕላ ትፈልጥ እዛ ሃገር' እንታይዶ ገይራትለይ ኮይና" ዝብል ሓሳብ ዝሓዙ፣
ገሊኦም ዉን "ተስፋ የብላን፣ ዋላዉን ንደመር፣ ይሓልፈልና ካማን" ዝብሉ ክኾኑ ከለዉ
ገሊኦም ከኣ "አይምልከተንንዩ" ዝብል ሓሳብ ዘንቕዱ’ዮም።
10. ወድዓዊ ግምገማ
ዝኾነ ግምገማ መጽሓፍ ምዕራፍት ካብ ምጽሟቕ ሓሊፉ ዝኸይድ ቁም ነገር ክህልዎ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናተይ ርእይቶ ክህብ።
እዛ መጽሓፍ ሓያል ጎድናን፡ ካብ ብዙሓት ብዛዕባ ኤርትራ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ፍልይ ዘብላን እንተሎ ኮይኑ፡ ሕሜታ ወይ’ዉን ቍጥዓ ጸሓፋይ ዘየንጸባርቐላ ስራሕ ብምኳና’ዩ። እዛ መጽሓፍ ንዅነታት ብዝግባእ ትምርምርን መፍትሒን መካትዕን ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብሃሉ ነጥብታት ድማ ተቕርብ። ብስምዒት ጥራሕ ዘይኮነ ፡ ብመርተዖ ትምጕት፡ ንክኢላታት ትዉከስ፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተፈላለዩ ኣብነታትን ተሞኩሮታትን ብምግምጋም ጠቐምቲ ዝብሃሉ ሓሳባት ተቕርብን ንዝተፈላልዩ ጭብጥታት ድማ ብወድዓዊ መንገዲ ትግምግምን። እዚ ድማ ናይዛ መጽሓፍ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ዝያዳ የጉልሕ።
እምበኣርከስ ከም ኵሉ ሓያል ስራሕ፡ ገለ በዳህቲ እዛ መጽሓፍ ክትም፡ሶም ዝነበራ ሕቶታት ክጠቅስ። ዝርርብ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ለውጢ ጥንቃቕ ዝሓትን ተነቃፍን ዛዕባ እዩ። ኣተገባብርኡን ኣተራጓጉሟኡን ድማ መሊሱ ተኣፋፊ ይኸውን። እምብኣርከስ ብወገነይ ነዚ ዳግመ ህንጸትን ሕዉየት ሃገርን መን ይመርሖ ዝብል ሕቶ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ብሰፊሑ ተዘትይሉ ክርእዮ ምደለኹ። ካልእ፡ ሕቶ ወለዶና፦ ድሕሪ ተስዓን ሓደን ዝተወልዱ ኤርትራዉያን፡ ሎሚ ዝበዝሐ ኣካል መንእስያት ህዝብና ማለት’ዩም። ብዘይካ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካልእ ኣይፈልጥን’ዩ። ደራሲ ነዞም መንእያት ብቋንቋኦም፣ ብመወከሲኦም ይዛረቦም’ዶ ኣሎ፧ ዝብል ሕቶ ጠመተ ክድልዮ’ዩዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
እዞም ሕቶታት እምበኣር ተመሊሶምዶ ኣይተመለሱን ንኣምባቢ’የ ዝሓድጎ። ካብ ጽቡቕ ስራሕ’ሞ አንታይ ሕቶታት ኢና ከነዉጽእ። ብኵሉ መለክዒ፡ ኣነ እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ጽብቕቲን ጽፍፍትን ኮይና’የ ረኺበያ።
11. መደምደምታ
እዛ መጽሓፍ ሓድሽ ተስፋ፡ ሓድሽ ናይ ዓወት ጐደናን ሓድሽ መድሃኒት (antidote) ሒዛ’ያ ቀሪባ ዘላ። ስለዚ ድማ ኵልና ኤርትራዉያን፡ ፖለቲካዊ ጽግዕና ብዘይገድስ፣ ከነንብባን ክንካታዓላን እላቦ። እቲ ምንታይሲ ካልአይ ግዜ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ከይንተክል።
ስለዚ ዘረባይ በዚ ክዓጹ። ደራሲ መብጽዓ ናጽነት ሕጂ'ውን ክሕደስ ይኽእል’ዩ ኢሉዩ ዝኣምን (ወይ ውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ንሱ’ዩ)። እታ ንነፍስ ወከፍና፡ ፖለቲካዊ ጸግዕና ብዘይገድስ፣ እንሓታ ሕቶ ድማ - ንሕናኸ ክነሕድሶ ንኽእልዶ ትብልያ።




Comments