ግርንቢጥ ሓርነት
- Semere Solomon
- Apr 18
- 4 min read
ግርንቢጥ ሓርነት
ብሰመረ ሰሎሞን
18 ሚያዝያ 2026
ቅልውላው ትካላዊ ምሕደራ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ

እቲ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ብሕጊ እትምእዘዝ ጥዑይ ምሕደራ እተሳሲ ሃገር ዝግበር ስግግር፡ ሓደ ካብቶም ዝተሓላለኹ ብድሆታት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ጕዳይ ኤርትራ፡ እዚ ኣንፈት’ዚ - ከምቲ ኣብ ዝሕለፈ ሓተታ ዘስመርኩሉ - ብ"ዝተወንዘፈ ዜግነት" ዝብለ ክስተት ክግለጽ ይከኣል። እዚ ማለት ድማ እቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝረኸቦ ሞራላዊ ሕጋውነትን ተፈላጥነትን ተጠቒሙ ንቕዋማዊ ምሕደራ ንዘይተወሰነ ግዜ ንምድንጓይ ከም ምኽንያት ኣብ ጥቕሚ ኣውዒልዎ’ሎ ማለት’ዩ።
ኣምር ዘይተሓደሰ ሕጋዊ ተፈላጥነት
ኣብ ሕመረት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ምሕደራዊ ቅልውላው፡ ኣብ መንጎ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ ሞራላዊ ሕጋውነት/ተፈላጥነት በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ "ሕጋዊ ተቐባልነት" ዘሎ ዘይተፈትሐ ወጥሪ’ዩ። ምንቅስቓሳት ሓርነት ናይ መጀመርታ ስልጣኖም ካብቲ ሃገራዊ ልኡላውነት ንምምጻእ ዘካየድዎ ዕውት ቃልሲ’ዮም ዝረኽብዎ። ይኹን እምበር፡ እታ ሃገር ርግእትን ንጠለባት’ቲ እዋን እትምልስን ክትከውን ምእንቲ ግን እዚ ስልጣን’ዚ ንከም ስርዓተ ፍርዲ፡ ሓጋጊ ኣካልን ቅዋምን ዝኣመሰሉ ቀወምቲ ትካላት ከመሓላለፍ ምተገብአ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ እዚ ስግግር’ዚ ተዀሊፉ ንዕዘቦ ኣለና። እቲ ናይ 1997 ዓ.ም. ቅዋም ሓደ ሓደ ጸገማቱ ብዘየገድስ’ኳ እንተ ጸደቐ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ክኢላታት ንኸምዚኦም ዝበሉ መንግስታት "ዝረግአ ተፈላጥነት" (frozen legitimacy) ዘለዎም መንግስታት ኢሎም ይገልጽዎም። እዚ ማለት ድማ እቶም ገዛእቲ ነቲ ናይ ቀደም መስዋእቲ ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ስልጣኖም እናጠቐሱ፡ ነቲ እዋኑ ዝጠልቦ ናይ ምርጫ ወይ ሕጋዊ ስግግር ንጎድኒ ይደፍእዎ።
"ፍሉይ ኩነታት" ከም ኣገባብ ምሕደራ
ሓደ ካብቲ ዝያዳ መለለዪ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባይታ፡ እቲ "ናይ ህጹጽ ወይ ፍሉይ ኵነታት" ተርእዮ ከም ልሙድ ኣገባብ ምሕደራ ኮይኑ ምቕጻሉ’ዩ። ብምኽንያት’ቲ ዘይተፈትሐ ናይ ዶብ ወጥሪ ይኹን ካልእ ግዳማዊ ጸቕጥታት፡ እታ ሃገር ወትሩ ኣብ "ህልውናዊ ስግኣት" ከም ዘላ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነትን ንምውንዛፍ ከም ምኽንያት ይጥቀመሉ።
ካብ መርትዖታት ተበጊስና እዞም ዝስዕቡ ሳዕቤናት ንዕዘብ፦
ሰላማዊ ህይወት ኣብ ትሕቲ ምስምስ ጸጥታ፦ ምሕደራ ብመንጽር ሃገራዊ ጸጥታ ጥራይ’ዩ ዝርአ። እዚ ድማ ናብቲ "ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት" ኣምሪሑ። እዚ ብግዴኡ ከም ናይ ምክልኻል ሜላን ከም ቀንዲ መሳርሒ ማሕበራውን ቍጠባውን ህይወት ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
ትካላዊ መልመስቲ፦ ፈጻሚ ኣካል ካብ ቅዋማዊ ቅርጸ-መቓን (framework) ወጻኢ ክሰርሕ ከሎ፡ ከም ሃገራዊ ባይቶ ዝበሉ ትካላት ትርጉሞም የጥፍኡ። ሓደ ጸቢብ ክሊ ድማ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ።
ቍጠባዊ ምንቁልቋል፦ ቍጠባ ብመንግስቲ ጥራይ ዝተዓብለለ ምዃኑን ብምኽንያት’ቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝስዓበ ስደት ሰብኣዊ ሓይልን፡ ንምዕባለ ናይቲ ብሕታዊ ጽላት ገቲእዎን ኣብ ውሽጢ’ቲ ሕብረተ ሰብ ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎ ቀጸላ ንኸይፍጠር ድማ ዕንቅፋት ኮይኑ።
ዝተወንዘፈ ዜግነት፡ እቲ ሰብኣዊ ዋጋ
እቲ ዝዓበየ ሳዕቤን ናይዚ ዓይነት ምሕደራ’ዚ ኣብቲ ናይ "ዜግነት" ትርጉም’ዩ ዝዝምቢ። ዜግነት ብልሙድ ኣተረጓጕማ ብኣብ መንጎ መሰልን ግዴታን ዘሎ ሚዛናዊ ዝምድና ወይ ምትእስሳር’ዩ ዝግለጽ። ኣብዚ "ዝተወንዘፈ ዜግነት" ዘሳሲ ስርዓት ግን፡ ግዴታታት (ከም ኣገልግሎትን ተኣማንነትን) ፍጹማት ክኾኑ እንከለዉ፡ መሰላት (ከም ፍርዳዊ መስርሕ፣ ናጽነት ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ተሳትፎን) ግን ንዘይተወሰነ እዋን ይውንዘፉ። እዚ ድማ ወለዶኣዊ ጋግ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ "ወለዶ ቃልሲ" ነቲ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ብመንጽር ቃልሲ ንናጽነት ክርእዮ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ ወለዶ ግን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ክስተት ከም ዝተሓሸሸ ዕድል ገይሩ ይርእዮ። ምኽንያቱ ድማ ትጽቢት’ቲ መንእሰይ ወለዶ ከምቲ ናይ ‘ወለዶ ቃልሲ’ ትጽቢት ዘይኮነስ፡ ንናጽነት ከም መበገሲ ዝሓሸ መነባብሮ፡ ምኽባር ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት፡ ቍጠባዊ ሓርነትን ብሩህ መጻእን ገይሩ ስለ ዝርእዮ’ዩ። ሓቕነት ድማ ኣለዎ። እዚ ኣብዚ ጕዳይ፡ዚ ዘሎ ናይ መረዳእታ ጋግ’ዚ ድማ’ዩ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዝተራእየ መጠነ-ሰፊሕ ስደት ቀንዲ ደራኺ ኮይኑ ዘሎ።
ኣንፈት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ
ኣብ መርትዖ ዝተመርኮሰ ትንተና ከም ዘረጋግጾ፡ እዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና ድሕሪ ናጽነት ዝማዕበለ ተርእዮ ሳዕቤን ናይቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ክመጽእ ናይ ግድን ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ፖለቲካዊ ሕርያ ናይቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ’ዩ። ብዘይ ምኽንያት ድማ ኣይኮነን፡ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ከም ናይ መጨረሽታ ዕላምኡ ገይሩ ስለ ዝወስዶ’ዩ። ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ድማ እዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ለውጥታት ይጥለቡ፦
ዘይቅድመ ኵነታዊ ተበግሶ ንምግባእ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ፦ ንዅሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፡ ሃይማኖታውያንን ያታውያንን መራሕቲ፡ ምሁራት ወዘተ (ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራን ዝርከቡ) መጸዋዕታ ብምግባር ብመገዲ ዋዕላ ንሃገራዊ ልዝብ ኣቢልካ ሓደ መሰጋገሪ ባይቶ ንሃገራዊ ድሕነት ምቛም ኣድላዪ’ዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ ኣብዚ ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ምምስራት ናይ ሓደ ብሃገራዊ ዕርቂ ዝልለ ቅዋማዊ መንግስቲ ከምርሕ ኣለዎ።
ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ምቛም፦ ምቛም ቅዋማዊ መንግስቲ ሓደ ክስገር ዘይብሉ መድረኽ’ዩ። ራእይ ናይ ቅዋማዊት ኤርትራ፡ ካብ ጐረባብታን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ክብሪ ዝረኸበት ሃገር ክትከውን’ዩ። እዚ ኣኽብሮት’ዚ ካብቲ ከቢድ መስዋእቲ እተኸፍሎ ቃልሲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ስትራተጂን ዕላማን ህንጸት ሃገር ዝምንጩ’ዩ። ንሱ ድማ፡ ከም ኣብነታዊ ምሕደራ፡ ድልዱልን ዘመናውን ቍጠባ፡ ልዑልን ጠቓምን ትምህርትን ስልጠናን ዝሰነቐ ዓቕሚ ሰብ፡ ኣብ ፖሊሲታት ወጻኢ ውሕሉል ዲፕሎማሲ፡ ከምኡ’ውን ንዝሓሸ መነባብሮ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ሓልዮት ምርኣይ ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘጠቓልል’ዩ። ማእከል ናይዚ ራእይ’ዚ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፍነሉ ኵነታት ምፍጣር’ዩ። እዚ ድማ እምነ ኵርናዕ ናይቲ ፍትሓውን ህይወቱ ብስነ ስርዓት ዝመርሕን ህዝቢ መለለዪ ባህሪ’ዩ። ኣብ መትከላት ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝተመርኰሰን፡ ኣብ ናይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድሌትን ባህግን ኣብ ምምላእ ዝተሰረተን ቍጠባዊ ልምዓት ምትኳር ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ቅዋማዊ ምሕደራ ሓባራዊ ስምምዕ ኣብ ምፍጣር የተኵር፡ ንማዕርነታዊ ውክልና ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ድማ የቐድም።
ኣብ መወዳእታ፡ ህልውና ሓንቲ ሃገር ዝምርኮስ፡ ካብቲ ዝተመስረተትሉ ትረኻታት ተላቒቓ፡ ኣብ ትሕቲ ልዕልና ሕግን ሓቀኛ ህልውና ህዝብን ናብራኡን ዝተሰረተ ስርዓተ-ምሕደራ ክትሃንጽ ምስ እትኽእል ጥራይ’ዩ።
ከም ሃገር ናይ ምቕጻልን ውርሻና ናብ መጻኢ ወለዶ ናይ ምትሕልላፋን ዕድል፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀራና መገዲ ይርከብ። እቲ ስርዓት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ንኸምርሕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሕሉፋት ፖሊሲታቱ ዳግም ምርኣይን ንሓቅታት ከም ዘለዎም ምቕባልን ከድልዮ’ዩ። ፍሽለት ዝመለለይኦም ዓሰርተታት ዓመታት በዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ክግለጹ ይኽእሉ፦ ንፍልልያት ኣረኣእያ ዝጻወር ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይምምስራት፡ ክሰርሕ ዝኽእል ቍጠባ ዘይምፍጣር፡ ኣብ ግትኣት ዝተመስረተ ናይ ሃገራዊ ምክልኻል ሰረት እምነት ዘይምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዞቦን ዓለምን ኤርትራ ኣብ ክንዲ መሻርኽቲ ሰላም ምርግጋእን ከም ሓንቲ ዘራጊት ንኽትርአ ዘግብር ፖሊሲ ብምኽታላ ንኤርትራ ንሓደጋ ከም እትቃላዕ ምግባርን።
ንዅሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ንመጻኢኦም ብቐጥታ ዝምልከት ዓቢ ጕዳይ ንኽሳተፉ ባይታ ብምጥጣሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ህልውናዊ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላሉ ዘሎ ህሞት’ዚ ናብ ዳግመ ልደት ናይታ ሃገር ክቕይሮ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ’ዩ እቲ እንኮ መገዲ ንውሕስነት ሰላምን ምክልኻል ልኡላውነት ሃገርን። እዚ’ዩ እቲ እንኮ መገዲ መጻእቲ ወለዶታት ሓንቲ ዘይትድፈር፡ ውሕስቲ፡ ምርግጋእ ዝሰፈና፡ ብግዝኣተ ሕጊ እትምእዘዝ፡ ምስ ጐረባብታ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተመስረተ ዝምድና ዘለዋ ኤርትራ ክወርሱ ዝኽእሉ። እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ።