ቀዳማይ ክፋል - ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ብጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)
- Semere Solomon

- Feb 26
- 9 min read
Updated: Feb 27

ክቡራት ኣንበብቲ፡
ደሓን ክትህልዉ ተስፋ እገብር። ትማሊ ምሸት ካብ ሓው ጸጋይ መሓሪ ሓንቲ - ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈት ሓተታ በጺሓትኒ። ሓው ጸጋይ ነታ መጽሓፈይ ግዜኡ ሂቡ ብምንባቡን፣ ዝርዝራዊ ገምጋም ምጽሓፉን ብልቢ አምስግኖ። እቲ ዘቕረቦ ጽሑፍ ብሓቂ ዘገርም፡ እቲ ኣጸሓሕፍኡ ዓሚቚ፣ ትሕዝቶኡ ድማ ኣዝዩ ዝነኣድ ኮይኑ ረኺበዮ። ብፍላይ እቲ ዝሃቦ ንጹርን ዝርዝራዊን ትዕዝብትታት፣ ነታ መጽሓፍ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብጥንቃቐ ከም ዘንበባ ብግልጺ የርኢ። ከምዚ ዝበለ ብስሉንን ሚዛናዊን ዝኾነ ገምጋም ካብ ከም ጸጋይ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ምርካብ ንዓይ ዓቢ ሓጎስ እዩ። ንጸጋይ’ምበኣር፡ እዚ ጽሑፍካ ካልኦት ኣንበብቲ’እውን ጠቓሚ ኮይኑ ክረኽብዎ ስለ ዝኽእሉ፣ ከምቲ ዘለዎ ኣብ ወብሳይተይ (Website) ከቕርቦ እንታይ ይመስለካ ኢለ ምስ ሓተትክዎ ብዘይ ቀልዓለም ኣዎንታዊ መልሲ ሂቡኒ። እነሆ’ምበኣር ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት መቓቒለ አቕርቦ ኣለኹ።
ጦብላሕታይ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን - ቀዳማይ ክፋል
......... ........... ..........
ሽም መጽሓፍ - ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን
ጅር (Genre) መጽሓፍ - ሓቀኛ መዘክራዊ ታሪኽ ህይወት
ብዝሒ ገጻት - 369 (ብዘይካ ገጻት መእተውን መቕድምን)
ገበር መጽሓፍ - ፎኲስ (ረቂቕ) ወረቐት
ቅርጺ ትሕዝቶ - ሰለስተ ክፋል ዕስራን ሰለስተን ምዕራፋት
ኣሕታሚ - ጸሓፊ ብውልቁን Yonatan.seን
ቀዳማይ ገጽ ጦብላሕታይ
" ኣረድእ"
…………
ጌና ብንግሆኡ "ኣረድእ" ብምባል ሰባት ንርእየቶም፡ ሓሳባቶም፡ ርድኢቶምን ነቐፌታኦምን ብርትዒ፡ ውድዓውነትን ጭብጥታትን ገይሮም ንኸረድኡ፣ ክገልጹ፣ ንኸእምኑን ክረትዑን ዝብድሆም ሰብ ኣብ ዙርያ እቲ ንኡስ ሰመረ ሰለሙን ነይሩ። ንሰመረ ግን ተራ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ስጋ ዘመዱ'ውን ነበረ። ምስ ፍቕርቲ ወላዲት ሰመረ ሰለሙን ሕሉፍ ፍቕሪ ዝነበሮ ኣኮኡ'ዩ። ናይ ክልተ ዲግሪ መዓርግ ዝነበሮ ናይ ስነ-ቁጠባ ምሁር መድሃኔ ዮሴፍ!
መድሃኔ ካብ ምሒር ንሓፍቱ (ኣደ ሰመረ) ንዘለዎ ፍቕርን ቅርበትን እንታይ ዓይነት መግቢ ሰሪሓ ኣላ ጌና ንገዛ እንከይመጽአ ይበጽሖ ነይሩ። ርእየትን ስነሞጎታዊ ፍልስፍናን መድሃኔ፣ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽን ግዜን ኩሉ ክዛረብ እምበር ክሰምዕ ህድኣት፡ ወንን ትብዓትን ስኢንናስ ከም ኣዕዋፍ ንግሆ ኵላትና ብሓንሳብን ኣብ ሓደ እዋንን ጫውጫው ኣብ እንበለሉ ዘለና ክውንነት ኣብዚሑ መድለየና። ካብ ሕማም ዋጭዋጭ'ውን መሕወየና። እወ ከም መድሃኔ፣ መድሃኔ ኣኮ ሰመረ ሰለሙን "ኣረድኡ፡ ኣረድእ፡ ኣረድኢ" ዝብል በዳሂ ሰማዒ እንተ ዝርከብስ ክንደይ ኰን ምተሰማማዕና! ክንደይ ኰን ምተረዳዳእና። ኣረ ክንደይ ኰን ንሓቅን ክውንነትን ምረኸብናየን።
እንሆ እምብኣር በዚ ንሓቅኹም ብጭብጥታት ኣቕርቡ፣ ኣረድኡ ዝብል ፍልስፍና ርትዒ ተጸልዩ ዝዕባየ ሰመረ ሰለሙን'ውን ካብ ግዜ ተጋድሎኡ ጀሚሩ "ኣረድኡኒ" ብምባል እናበድሀ፡ እግዚኣብሄር ንኹሉ ሰብ ኰይንካ ክሕለፍ ዘይክኣል ኣኽኢሉን ኣስጊሩን፣ ነቲ ሓቀይ ዝብሎ ብጭብጥታት፣ ሰነዳትን ዝኽርታትን ተነባቢ ብዝዀነ ጽባቐ ኣዘናትዋ ፈቲሉን ኣሊሙን ብዘዳለዎ መጽሓፍ በጹሑናን ነጊዱናን ኣሎ። ኣነ ድማ ተኻፋሊ ናይዚ ድንቂ ስራሑ ኰይነስ ንጸሓፊ ሰመረ "ኣረድእ" እናበልኩ ብምብዳህ ብመጽሓፉ ዘረዳኣኒ ክካፍል እንሆ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክምለስ'የ። ካብ ድሕሪት ድማ ናብ ቅድሚት ክመጽእ'የ።
……
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ተጋዳላይ፣ ምሁር ስነ ልምዓትን ጸሓፍን ሰመረ ሰለሙን "ኣብ 1991 ንህዝቢ ኤርትራ ሓደ ሞንስተር ወይ ግናይ ሒዝናሉ ኢና መጺእና። ምእንቲ'ዚ ድማ ኣብዚ መድረኽ እዚ ተደፊእና ይቕሬታ ክንሓቶ ይግባኣና" ምስ በለ፣ ኣብታ ብሳምኤል ገብረሂወት እትዳሎ ናይ ዩ-ትዩብ ቻነል "ደሃይ ኤርትራ" ስንባደን ሓጎስን ተሓዋዊሱኒ። ከመይስ ከመይ ኢሉ ሓደ ገዲም ተጋዳላይን በዓል ስልጣን ነበር ናይቲ ይቕሬታ ምሕታት ኣብ ካራታኡ ዘይለ ስርዓት ብትብዓትን ብትሕትናን ከምዚ ክብል ክኢሉ ብምባል ምስ ውሽጠይ ዘተ ጀሚረ። ከምኡ ዓይነት ትብዓት ዘይለመድናዮ ግዲ ኰይንናስ ብዙሓት ሰንቢድናን ተሓጒስናን። ዘተን ኣስተንትኖን ውሽጠይ ኪኖ ግምትን ባዕላዊ ትንተናን ብዙሕ ዝጭበጥ መልሲ ክህበኒ ከምዘይክእል ስለዝበጻሕኩዎ ብቐጥታ ንዋና'ዚ ብህሎ ክረኽቦ ነይሩኒ። እግዝኣቢሄር እመስገን ረኺበዮ። እንታይ ማለቱ ምንባሩን ብኸመይ ከምኡ ክብል ክኢሉኒ ጽወየኒ ክብሎ ነይሩኒ። ኢለዮ ድማ። ጸውዩኒ ከኣ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ነታ "ሞንስተር ወይ ግናይ" እትብል ቃል እንታይ ማለቱ ምዃኑ ከረድኣኒ ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ዝዀኑ ቃላትን ሓረጋትን ገይሩ ኣረዲኡኒ- እቲ ምስቲ "ኣረድእ" ብምባል ዝብድህ ዝነበረ ኣኮኡ ዝዓበየ ኣረዳኢ ሰመረ ሰለሙን።
ነዛ ብህሎ ድሒረ ነታ "ረዚን ዋጋ ዝተኽፈሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን" ዝሰመያ መጽሓፉ ምስ ረኸብኩዋ ኣብ መቕድም እዛ መጽሓፍ "ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣምሳያ'ቲ ዝኸፈልካዮ ክቡር መስዋእቲ፡ ኣፍልጦን ሽልማትን ይግብኣካ ነይሩ። ክብርን መጐስን እኳ ክውሕደካ። ህይወትካ ክቕየር ነይርዎ። ጻማኻ ክትክፈል ነይሩካ። ብደቅኻ ክትክሓስ ነይሩካ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ህይወትካ ሓደ ኣራዊት ኣምጺእናልካ። ብስቓይካ ዝሕጎስ ኣራዊት" ብምባል ኣነጺሩን ብትብዓትን ኢልዎ ረኸብኩዎ። ይኹን እምበር ነዚ ጓሂን ቅዛነትን ብትስፍው ቃና ይኽንብቶ። ከምዚ ብምባል " ካብዚ ጸገም እዚ ሓያላት ኰይንና ከም እንወጽእ ድማ ርግጸኛ'የ" ይብል ኣብቲ ተስፋ ዘቑርጽ ክስተታት ህይወቱ ተስፋ ቆሪጹ ዘይፈልጥ ሰመረ ሰለሙን።
ቅድሚተይ እዚ'ዩ። ንድሕሪት ክምለስ።
መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን ሕብራዊ ቀስተደመናእዊ ዛንታን ፍጻመታትን ተሰጒዳ ትርከብ። ንእስነት፣ ፍቕሪ ስድራቤት፣ ፍቕሪ ኣዕሩኽ መሓዙት፣ ትምህርትን ጽሉል ዝዀነ ፍቅሪ ንባብን መጻሕፍትን፣ ስደት፣ ገድልን ገደሉን፣ ዳግመ ህንጸት ሃገር፣ እንደገና ስደት፣ ሞያዊ ኣበርክቶ ኣብ ልምዓትን ትምህርትን ሃገራት ዓለምን ምጽሓፍ መጽሓፍን ምስክርነታትን ሰመረ ሰለሙንን ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩን ሰባትን ፍጻመታትን ክሳብ ትትርበብ መሊኣ ኣላ። ንኺድ ናብ ዛንታ ገደልን ገደልን መናሰይ ሰመረ።
እንሆ ተጋዳላይ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ኣብ ሽወደን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ካብ ዝርከብ ስሙይ ዩንቨርሲቲ ናብቲ ብዙሓት ብግርህናን ቅንዕናን ዝውሕዝዎ ዝነበሩ እግሪ ተኽሊ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጋደል ሓሰበ። ወሰነ ድማ። ወረደ ኸኣ። ኣብ ኣፍላ ቃልሱ ግን ነቲ "ኣረድእ" ዝብል ኣብ ሞጎተን ርትዕን ዝኣምን ኩነተ ኣእምሮን ኣረኣእያን ዘለዎ ሰመረ ሰለሙን ዝብድሁ ክስተታትን ፍጻመታትን ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ምሕላፍ ክኸልእዎ ጀመሩ። ሰመረ ግን ብቐሊሉ ኢዱ ዝህብ ኣይነበረን። ብፍላጻታት ርትዒ "ኣረድኡ" ድማ ክበስዖም ብትብዓት ቆሪጹ ተላዕለ። በድሀ ድማ። እቲ ብድሆ ግን ቀሊልል ኣባልዓ እንጀራን ኣይነበረን።
"ኣብ ቃልስና ክልተ ዓይታት መፍትሒ ግርጭታት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ምስ ጸላኢ ዘሎ ግርጭት ኰይኑ መፍትሒኡ ድማ ብብረት'ዩ። እቲ ካልኣይ ግርጭት ግን ኣብ መንጎ ተቓላሰቲ ህዝባዊ ግንባር (ሽዑ ህዝባዊ ሓይልታት) ዝፍጠር ግርጭት ኰይኑ መፍትሒኡ ድማ ልዝብን ምብህሃልን'ዩ" ዝብል ትምህርቲ ዝምሃርኩምና ባዕልኹም ክንስኹም ሕጂ ከመይ ኣቢልኩም ንዕቤትን ጽባቐን ቃልስና ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ፍሉይ ሓሳባት ንዘለዎም ተጋደልቲ በቲ ንጸላኢና ክንገጥመሉ ዘለና ዓይነት ኣፈታትሓ ግርጭት፡ ማለት ብብረትን ማእሰርትን ገይርኩም ንብጾትኩም ትቐጽዑ ኣለኹም" ብምባል "ኣረድኡ" በለ። ግናኸ እቲ ከረድእ ትብዓትን ርትዕን ዘይነበሮ መሪሕነት እቲ ውድብ ንሰመረ ሰለሙን'ውን ምስቶም ኣወንታዊ ሕቶታትን ርእይቶታትን ዝነበሮም፡ ጸሓፊ ሰመረ "ከም ስሕት ኢልካ እትረኽቦም ክቡራት ኣልማዝ (rare diamonds)" ብምባል ዝገልጾም በቲ ውድብ "መንካዕ" ዝብል ሽም ዝተዋህቦም መደብዎ። ናብቲ ብ"ሓለዋ ሰውራ" ዝጽዋዕ ዝነበረ መዳጐኒ ድማ ዳጐንዎ። ምኽንያቱ ናይ ሽዑ ብዕድመ ንኡስ ምሁር ብንጹር ቋንቋን ፍትሓዊ ኣንደበትን "ኣነ እምብኣር፡ ኣብቲ ምንቅስቓስ ንዝነጥፉ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣይድግፎን እየ” (ገጽ 252) ስለ ዝበለ ናብቲ ክጋደሉ ዝወፈሩ ተጋደልቲ ዝማስኑሉን ዝቕተሉሉ መዳጎኒ ተዳጐነ።
እንሆ እምብኣር ሰመረ ሰለሙን ከም ሰብ ዝመሰጠኒ ባህሪኡ ካብቲ እዋን'ቲ 'ዩ ዝጅምር። ሰባት "ኣረድኡ" ብምባል በዲሁ ከረድኡ ኣብ ዘይክኣሉ ፍጻመ፡ ሓሳብን ርእይቶን ኣብቲ ዝኣምነሉ ዝጸንዕ ጎይታ ሕልንኡን መትከሉን ምዃን ኣብኡ'ዩ ዝጅምር። ብቐጥታ በቲ መራሒ እቲ ውድብ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብደብዳብ ተመርሚሩ ኣብቲ ዝኣምነሉ ብምጽናዕ ነቲ መሪሕነት እቲ ውድብ ብቓሉ ገይሩ በደሆ። ካብቲ እቶም "ክቡራት ኣልማዝ" ዝዀኑ ተጋደልቲ ዝሓቐቕሉ መዳጐኒ ድማ ቃሉ ከይዓጸፈ፡ ኣብ ማይንን ዘይትን ኣትዩ ከይጠሓለ ጸምበለል ብምባል ወጽአ። ኣብዚ ፍጻመ ንዓይ ኣብዚሑ ዝዓጀበኒ፡ እቲ እቶም "ስሕት ኢልካ እትረኽቦም ኣልማዝ" ብምባል ዝጽውዖም ጸሓፊ ሰመረ ዘልዓልዎ ሕቶታትን ጠለብን'ዩ። ካብቲ ብዙሕ ጠለባትን ሕቶታትን " ተጋደልቲ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰል ይሃልዎም" ዝብል መሰረት ኣምር ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት'ዩ። እቲ ነብሱ ዘይኣምን ኣብ "ኣረድእ ወይ ኣረድኡ" ዘይኣምን መሪሕነት እቲ ውድብ ግን ነዚ ክኸውን ኣይደለየን። ነቶም ነዚ መሰረታዊ መሰል ሰብ ዘልዓሉ ምሁራን ተጋደልቲ ብምቕታል ነቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ቀተሎ። እዚ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ድሕሪ እታ ናጽነታ ዝተሰርቀት ናጽነት ኣብ 1996 እኳ ተወሊዱ እንተነበረ፣ እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘባህርሮ ናይ ገድሊ ህዝባዊ ግንባር ናይ 2001 "መንግስቲ" እንደገና ኣብ 18 መስከረም ከም ዝቐተሎ ናይ ትማሊ ጌና ዘይሃፈፈ ዝኽሪ'ዩ። ብሰንኩ ድማ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዒራዒሮ ንከባቢ 25 ዓመታት ተጨውዮም ይርከቡ። ብህይወት ኣለዉ ድዮም የለውን ዝፍለጥ የለን። በዚ መንጽር ኤርትራ ኣብ ናይ 2025 ሰሌዳ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ (RSF) ብሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ካብ 180 ሃገራት መበል 180 ማለት ጭራ ተሰሪዓ ኣላ።
ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ወላ እኳ ካብቲ መዳጐኒ ሞት ይውጻእ እምበር ንህይወቱ ዝፈታተን ብድሆታት ግን ፍጹም ኣይንገድፈካን በልዎ። "መንካዕ፡ ዝምቡል" ብዝብሉ ጸርፍታትን ኣስተሓቃርን ተነጸለ። ተጓነየ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣብቲ ካብ ውሽጡ ኣሚኑ ካብ ሽወደን ዝኸዶ ቃልሲ ተቓሊሱ ንኽስዋእ ዕድል ከይስእን፡ መሰል ተቓሊስካ ምስዋእ ከይሕደጎ ሰግአ። ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ነዚ ብድሆታትን ዝነበሮ ምርጫታትን ብንጹርን ዝርዝርን ኣብ መጽሓፉ ገጽ 266 ኣስፊርዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል፣
1ይ በቲ ንብርክት ዝበሉ ብጾት ዘጋጠሞም ናይ ልዕሊ ዓቕምን ተስፋ ምቑራጽን መከራን ኩነታት ተዋሒጠ፡ ከምቶም ካልኦት ቅድመይ ዝሓለፉ ነቲ ዘሕዝን መገዲ ነብሰ ቅትለት ክመርጽ ምኽኣልኩ ነይረ።
2ይ እቲ ዘይሕለል ጸቕጢ ኩነታተይ ናብ ኣፍደገ ጽላለ ክደፍኣኒ ይኽእል ነይሩ።
3ይ በቲ ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸቕጥታት ኢደይ ንጸላኢ ምሃብ መሪጸ ክኸውን ይኽእል ነይረ።
4ይ ዶብ ሰጊረ ናብ ሱዳን፡ ካብኡ ድማ ናብ ኤውሮጳ ወይ ሰሜን ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ዓደይ ምግዳፍን ካብቲ ቃልሲ ምግላልን'ዩ ነይሩ።
5ይ ምናልባት እቲ ኣዝዩ መሪር ክኸውን ዝኽእል፡ ንሃገረይ እናገልገልኩ ኣብ ዓውደ ውግእ ዕጫይ ምግጣም እዩ ነይሩ። ነዚ ሓደጋ ብቐጻሊ'ኳ እንተ ተቓላዕኩ፡ ህሩግ ኢለ ክኣትዎ ግን ኣይመረጽኩን።
6ይ ምንቅስቓስ መንካዕ ብምውቃስ ጣዕሳ ምርኣይ ዘጠቓልል ነበረ" ብምባል ንዝነበሮ ምርጫታት ይዝርዝር።
ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ከም ብዙሓት ተጋደልቲ መልሓሶም ብምዕጻፍ ንብጾቶም ብምኽሓድ ናብቲ ክቐትልን ክኣስርን ክንጽልን ክገፍዕን እምበር ከረድእ፡ ፍትሒ ከውጽእ፡ መጒቱ ክረትዕ ዘይክእል መሪሕነት እቲ ውድብ ብምስጋድ ኣብ ዝበለጸ ቦታ ስልጣንን ካብ ተነጽሎ ክድሕንን ይኽእል ነይሩ'ዩ። ብዙሓት ከምኡ ገይሮም'ዮም። ሓደ ካብኣቶም ዶክተር ሃይለ ምሕጹን'ዩ። ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን ገጽ 43 ከምዚ ብምባል ይገልጾ ሰመረ ሰለሙን። "ገለ ምሁራት ግን፡ ድሕሪ ምግዳድን ምፍርራሕን፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣትው ፍቓደኛታት ኰይኖም። ሃይለ ምሕጹን ሓደ ካብኣቶም'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ'ቲ ሕብእቲ ሰልፊ ክጽንበር ተፈቒዱሉ። ብዛዕባ ብጾቱ ድማ ኣስቂጡ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ 1976 ዓ.ም. ምስ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ኣብ ሓደ መዳጐኒ ቦታ ተኣሲረ ነይረ። ሃይለ ክረኽበኒ እንከሎ ዳርጋ ከም ዘይፈልጠኒ ኰይኑ'ዩ ዝቐርብ ነይሩ" ይብል እቲ ስብእናኡ ወላ'ውን ብምፍርራሕን ምስግዳድን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእተወ ሰመረ ሰለሙን። እቲ ኣብ ሕብእቲ ሰልፊ ክጽንበር ወይ ድማ ሓለፋታት ክረክብ ኢሉ ካብ ዝኣምነሉ መትከልን ነብሰ ኽብርን ነቕ ዘይበለ ካብ ምውቕ ጊላንት ቆራሪ ሓርነት ዝመረጸ ሓርነቱ ዝኣወጀ ጎይታ ነብሱ ሰመረ ሰለሙን።
ካብ ነገረ-ምሁራንን ክቱር ፍርሒ መርሒነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ምሁራንን ከይወጻእኩ ኣብ መጽሓፍ ረዚን ዋጋ ዝተኽፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን ገጽ 83 ምስ ነበብኩ ልበይ ብኹርንዒት ስንባደ ተደሲቐ'የ። ነዚ ብዝምልከት ጸሓፊ ሰመረ ከምዚ ይብል። "ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ዝዓበዩ ተማሃሮ ዩኒቨሪስቲ፡ ንኡስ ብርጅዋ ተባሂሎም ምእንቲ ከይጽውዑ ብምስጋእ፡ ላህጃኦም ከይተረፈ ብምቕያር ነቲ ናይ ሓረስቶት ባህሊ ንምርዓም ጻዕርታት ከካይዱ ይርኣዩ ነይሮም"
ኣዝዩ የሕመካን የሕዝነካን! ክሳብ ክንድዚ ድዩ ትምህርትን ምሁራትን የፍርሕን የፍርሑን ነይሮም ኢለ ምግራመይን ምስትንታነይን ምውዳእ ኣብዩኒ። ብዙሕ ግዜ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ ድማ ኢሳይያስ ብዛዕባ ንምሁራን ዝነበሮም ፍርሕን ጽልእን ከንብብን ምስክርነታት ክስምዕን እንከለኹ፡ ብዘይካ እቲ ዝተማህረ ክብድሆም ስለዝኽእል (ከም ምንቅስቓስ መንካዕ 1973) ን ንስልጣን ክወዳደርዎምን ከም ዝኽእሉን ዉሁብ ወሲደ፡ ብፍላይ ኢስይያስ ምስቲ ካብ ዩንቨርሲቲ ምስጓግ (ብመሰረት ምስክርነት ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ራድዮ ኤስቢኤስ ትግርኛ ዝሰማዕኩዎ) ሕርቃን ናይቲ ካብ ዩንቨርሲቲ ምስጓጉን ሕማም ነብሰ ምትሓቱን ኣብኣቶም የውጽኦ ዶ ነይሩ ይኸውን እናበልኩ ካብ ምስትንታን ኣየብኩርን።
ከም ሃይለ ምሕጹንን ካልኦትን ነቶም ፍትሒን ዕቤትን ግሉጽነትን ሓርነት ተጋደልትን ክኽበር ዝሓተቱ ብጾቶም ክኽሕዱን ክጠልሙን እንከለዉ ሰመረ ሰለሙን ግን ኣብ ክንድኡ ጎይታ ሕልንኡን ርትዕን ክኸውን ብምምራጽ ዳግማይ ናይ ሕልንኡን ሓቁን ጎይታ (man of integrity) ኰይኑ ኣብቲ ዝኣምነሉ ከይቀነነ ትኽ ኢሉ ኣብ ቅንዕና ብምህራም ቆመ። ቃል ብቓሉ ኣብ ገጽ 267 ከምዚ ብምባል ኣስፊርዎ ይርከብ። "እቲ ቓልሲ ዝጠልቦ መስዋእቲ ብዘየገድስ ክጸንዕን ክቅጽልን ወሲነ። ንእምነተይ ኣጽኒዐ ብምሓዝ፡ ብዘይ ምንዋጽ ኣብ ተወፋይነተይ ጸኒዐ። ኣብ እምነተይ ክጸንሕ መሪጸ። ንኹሉ ብምስጋር ዕድለኛ ኰይነ ኮይነ ድማ ነዚ ተዘክሮኣዊ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዕድል ወይ ኣጋጣሚ ረኺበ" ይብል እቲ ተባዕን ዕድለኛን ሰመረ ሰለሙን!
ኣነ ድማ ብርግጽ ዕድለኛ ኢኻ፡ ማዕሬኻ ንሕና'ውን ብህይወት ምትራፍካን ንምስክርነት ምብቃዕካን ዕድለኛታት ኢና እብሎ። ነቲ ኩሉ ዓይነት ተነጽሎን በቲ ባዕሉ ሰመረ ኣብ ገጽ 263 "ኦርዌላዊ" ዝብሎ ጽኑዕ ምክትታል ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ በዲሁ ብህይወት ስለ ዝሰረረ እንቋዕ ንስኻስ ብሕማቕ ኣይጠፋእካና እብሎ። ምኽንያቱ ጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ነቲ ብሓደ ገጹ ጥራይ ዝተነግረናን ዝተተረኸልናን ህይወት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጻዕዳኡን ጸሊሙን ኣብ መኣዲ ርትዕን ጭብጥታትን ብምቕራብ ዝሰማማዓኩም ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ክትቅበልዎ ዘይትተብዑ'ውን ፍለጥዎ ቢሉ ኣብዛ ሕብራዊ ፍጻመታትን ዛንታትትን ዝጾረት መጽሓፉ ቀሪቡልና ኣሎ። ብዙሕ ግዜ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ጽቡቕ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትረኽን ክንገርን ኣይሰምዕን። ብኣንጻሩ ብተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ'ውን ከምኡ። ክልቲኣቶም ክወጋገዙን ክወራዘዩን እምበር ኣፍልጦን ክብርን ክወሃሃቡ ንዓይ ጎፍ ኣይበሉንን። ካብኡ ሓሊፎም'ውን በቲ ኣብ መንኦም ዝተኻየደ ኣዕናዊ ናይ ሓንቲ ስድራ ኩናት ሓድሕድ ክሓዝኑን ክስምዖምን ብዙሕ እዋን ኣይሰምዕን። ጸሓፊ ሰመረ ግን ሚዛኑ ከየኣቕነነ ጽባቐን ሕመቕን ክልቲአን ውድባት ጭብጥታት ብምቕማጥ ምስክርነቱ ሂቡና ይርከብ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ዝጠፍአ ህይወት ኣብዚሑ ከም ዘሕዝኖንን ዘጉህዮን ጽሒፉ ይርከብ። ኣብ መጽሓፉ ገጽ 241 "ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ እየ ዝርእዮ" ብምባል ሰኒድዎ ይርከብ። ነቲ ክልቲኦም ውድባት ዝነበሮም ሕመቐ ድማ ብግልጽን ብርቱዕ ኣንደበትን ይገልጾ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ "ርኡይ ድኽመት፡ ሕጽረት ፖሎቲካዊ ንቕሓትን ንጹር ራእይ ዘይብሉ መሪሕነት" ምንባሩ ክገልጽ እንከሎ፣ ህዝባዊ ግንባር ድማ ሕመቕ ምጽውዋር ዝተፈላለየ ሓሳባት ከም ዝነበሮ ይገልጽ። ኣብ መጽሓፉ ገጽ 41 "...ንፍልልያት ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ናይ ምጽዋር ባህሪ ግን ኣይነበሮን" ብምባል ብንጹር ቋንቋ ኣስፊርዎ ኣሎ። ክልቲኦም ፍልልያቶም ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ቁርብነት ከምዘይነበሮም ድማ ከም ኣካል ናይታ ኣብ ሓደ እዋን ንኽልቲአን ውድባት ንምቅርራብ ዘተመርጸት ኮሚት ምንባሩ መጠን ናይ ዓይኒ ምስክር ኰይኑ ይምስክር።
ሰመረ ሰለሙን እንሆ ድሕሪ እታ ናጽነታ ዝተሰርቃ "ናጽነት" ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ክፍሊ ውጥንን ልምዓትን ኰይኑ ብወኒ፡ ቅንዕናን ህንጡይነትን ከገልግል ጀመረ። እቲ ኣብ ሜዳ ንዘጓነፎ ናይ ህይወትን ሞትን ብድሆታት "ወጽዓን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ" ካብዞም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ውልቀሰባት ይዓቢ ብምባል ንወጽዕኡ እሙን ዝዀነ ሰመረ፡ እንሆ ሕጂ ውን ንወጽዓኡ እሙን ኰይኑ ብክፉት ልቢ ንህዝቢ ከገልግል ኣብ ጐደና ነብሰ ዕቤትን ሃገርን ክጐዪ ጀመረ። በቲ እቲ ካብ ሜዳ ዝኣተወ እሞ መንግስትነቱ ንህዝቢ ከይሃበ ባዕሉ ዝነገሰ ስርዓት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሜዳ ብቅንዕናን ክፉት ኣእምሮን ዝቃለሱ ዘይተፈትዉ ሽዑ ውን ከም ሰመረን መሰልቱን ኣይተፈትዉን። ቅኑዕ ጉያኦም ክዕንቀፍ ነይርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ብቕንዕናን ዘገልግልዎ ክረክብ የብሉን ተባህለ። ብዙሓት ድማ ተዓንቀፉ። ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፎም ወደቑ። ሰመረ'ውን ተዓንቀፈ። ግና ኣይወደቐን። ንከባቢ ሾምነተ ዓመታት ብኡነትን ወንን ንህዝቡ እና ኣገልገለ ዝዓየ ሰመረ ጽባቐ ሰብእናሉ ሽዑ'ውን ደጊሙ ኣርኣየ። እዚ ለባም ምሁር፡ ተባዕ ተጋደላይ፡ ሰብ ምዃን ዝኻኣለ ሰብ እንሆ እቲ ጌና ኣብ ምግልጋል ህዝቡ ይትረፍ ጐይዩ ክደክምስ ክንዲ ርብዒ እቲ ዝብሃጎን ዝሓለኖን ከይጐየየ ምስ ተዓንቀፈ እቲ "ሽልማት" ብምባል ብምጸት ዝገልጾ ሰመረ ባዕሉ" ደስኪልካ ኣለኻ" ተባህለ። ኰፍ ኢልካ ንህበካ ተቐበል። ዝቐረብናልካ ብላዕ ተባህለ። እቲ ብዙሕ ግዜ ባህሪ ነጸብራቕ ሓቀኛ ሰብነት ዘርኣያ ሰመረ ኰፍ ኢለ ግብሪ ህዝቢ ኣይበልዕን ብምባል ነቲ ንዝደስከሉ ዝውሃብ ዶምዝ “ኣይደልን" በለ። በለጽ ኰይኑ ተሰምዖ።ስለዚ ድማ ነቲ ኰፍ ኢልካ ዝውሃብ ገንዘብ ፈንፈኖ። ህይወት ሓደ ዝደስከለ ተጋዳላይን ምሁርን ዝነበሮ ብድሆን ቀሊል ከም ዘይነበረ፡ ብፍላይ ናቱ ናይ ሰመረ ምድስካል ድማ "ፖሎቲካዊ " መሰረት ከም ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ፡ ነቲ ኣብ ምልእቲ መጽሓፉ ዘሰነየኒ ኣርኣያነት ሓቀኛ ነጸብራቕ ሰብነቱ ዝገልጸ። ኣብ መጽሓፉ ገጽ 301 ከምዚ ተሰኒዱ ነንብብ።
"ወላ እኳ እቲ ንቡር ግብረ መልሲ፡ ንኽውንነት ተቐቢልካ ተረፊዕካ ምንባር እንተነበረ፡ ኣነ ግን ካብ ዕግበት፡ ንዓመጽ መሪጸ። ነቲ ስርዓት ክብድሆ መሪጸ። ካብ ስቪላዊ ኣገልግልት ንምስንባት ሕቶ ኣቕሪበ። ዶምዘይ ምቕባል ድማ ኣቋሪጸ። ንምዝኽኻር ዝኣክል እታ ደብዳቤ ናይ ሸውዓተ ዓመት ውፉይ ኣገልግሎተይ ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ድሕሪ ምጥቃስ ካብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክሰናበት ትሓትትን ዶሞዘይ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ምውሳድ ድማ ስነ ምግባራዊ ስክፍታታት ዘልዕለለይ ምዃኑ ብምግላጽ ዶሞዝ ምቕባል ከቋርጽ ምዃነይ ትሕብር"
ሕልና፡ ነብሰ ኽብሪ፡ ርእሰ ተኣማንነት (ብብቕዓቱን ጻዕሩን ካልእ ስራሕ ሰሪሑ ክነብር ዝኽእል ምዃኑ)፡ ኣንጻር ዘይደኸምካሉ ምብላዕን ቆይሙ ከም ቀደሙ ቀንዐ። ቀኒዑ ከይቀነነ ድማ ዘፍቅራ ሃገሩን ንኸገልግሎ ዕድል ዝትኸልአ ህዝቡን ገዲፉ ንስደት ኣምርሐ። ሃገር ከሰረቶ። ህዝቢ ከሰሮ።
ይቕጽል .............. ናብ ካልኣይ ክፋል



Comments